Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ካትመይ!

ካትመይ! ካትመይ ካትም ሕድሪ ኣይሰጠመትን ኣብ ባሕሪ ርግቢ ኖህ ኣውሊዕ ሒዝኪ ብረሪ ንህዝበይ ንገሪ። ነቶም ዝጠሓሉ ኣብ ባሕሪ ዘኪርኮሞምዶ፧ ኣኽቢርኩም ሕድሪ እኒሄለ ኮይኑ ክልተ ዓመቶም ዝገደፉልና ካትም ሕድሪ ኔራቶም ብዕለት 22/03/11 ብጴጥሮስ ተኽሉ ሓላዪ) 23/03/2013 ቃል ዝኣተኹላ ሓላል ወላዲተይ ምሳኻ’ሞ ትጽናሕ እዚኣ ሃበለይ ዝረኽባ ኣይመስለንን ተመሊሰ

ካትመይ!

ካትመይ ካትም ሕድሪ ኣይሰጠመትን ኣብ ባሕሪ

ርግቢ ኖህ ኣውሊዕ ሒዝኪ ብረሪ ንህዝበይ ንገሪ።

ነቶም ዝጠሓሉ ኣብ ባሕሪ

ዘኪርኮሞምዶ፧ ኣኽቢርኩም ሕድሪ

እኒሄለ ኮይኑ ክልተ ዓመቶም

ዝገደፉልና ካትም ሕድሪ ኔራቶም

ብዕለት 22/03/11

ብጴጥሮስ ተኽሉ ሓላዪ) 23/03/2013

ቃል ዝኣተኹላ ሓላል ወላዲተይ

ምሳኻ’ሞ ትጽናሕ እዚኣ ሃበለይ

ዝረኽባ ኣይመስለንን ተመሊሰ ባዕለይ

ተወድአ ይመስል መንገዲ ናይ ጕዕዞይ፡

ጡፍበልዮ ኣይትበል ነብሰይ ነጊሩኒ

ከምዚ ዘጋጥምዶ ኣነ መሲሉኒ

ኣነ ዝተበገስኩ ድሓንዩ ኢሎምኒ

ሕጂ ግን እንድዒ ተስፋ ነጺፉኒ፡

ካትመይ ካትም ሕድሪያ ዝሃበትኒ ኣደይ

ካብ ሳጹን ኣውጺኣ የእቲያታ ናብ ኢደይ

እወ! ካብ ሳንዱቕ ስዉእ ኣቦይ

ሕድሪ ተቐቢለስ ስክፍታ ቐለበይ፡

መብጽዓ ኣይኣተኹን ኮይኑኒ ግዴታ

ሓሊነላ ነደይ እንተዘይሞይታ

ሕጂ ግን እንድዒ ከም ድሌተይ ዘይኮነ

ውሳኔ ካብ ኣምላኽዩ ኩሉ ዝበየነ፡

ካትመይ ካትም ሕድሪ ኣብ ልበይ ንበሪ

ካትመይ ካትም ቅንዕና ንገሪ ዓድና

ፋሕፋሕ ዝበልና ኣህዛብ ስኣን ዋና

ኣይንፈላለ ማሕላ ሕድሪሎና፡

ሕድሪ! ነደይ ተዘይረኸብካ

ከምዛ ዝህበካ ዘለኹ ኣብ ኢድካ

ነሕዋተይ ሃቦም ንወዶም ንጓሎም

ተሳኒዮም ይስርሑ ወጊዶም በደሎም።

ብጽሞና

ብሕልና

ቆቢዕና ኣውጺእና

ርእስና ኣድኒና

ሽምዓና ወሊዕና

ወድና ጓልና

ሰብኣይና ሰበይትና

ኩልና ብሓባር

ብልቦና እንዳስተንተንና ንበል!

ንኩሉኹም ዝሰጠምኩም ኣብ ባሕሪ

ካትመይ ካትም ሕድሪ

ክንዲ ስነስርዓት ቀብሪ

ቃል ንኣቱ ኣብዛ ናይሎም ዝኽሪ

ኣብ ትሕቲ እምነትና ይሓግዝ ፈጣሪ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Mehret March 24, 2013

    Unfortunately these have become the stories of eritrean. They are the stories we will tell about being eritrean!

  • ኣምበሳ እቶን March 24, 2013

    ዝኸበርካ ጴጥሮስ፣

    ከምቲ ቅጭ ዘምጽእ ሓቂ ዘይብሉ መጐሰን ጭርሖን መሲሉኒ____ጨራቒት ግጥሚ ናይ ባዕለይ ክጽሕፍ ኢለ እየ ጀሚረያ፣ግን ምስ ኣንበብኩዋ ልበይ ተንኪፋትኒ ጥራይ ዘይኮነስ ንብዓት´ውን ጸረር ኣቢለ።በጃኻ ቀጽለሉ ___።

    ሓውካ ኣምበሳ እቶን

  • Paradiso March 24, 2013

    ሕልናኻ እትኹርኩር፣ ኣነስ ነዞም ኣፍቐዶ ምድረበዳ፣ ማእከላይ ባሕርን ገሃነም ሲናይን ሊብያን ዝሳቐዩ ዘለዉ ግዳያት፣ እንታይ ጌረሎም ? እተብል ረዛን ግጥሚ።

  • መንግስተአብ December 23, 2013

    ስለምንታይ ሃገሮም ገዲፎም ይወጹ ዓዲ መን ይሓልዋ ሱዳናዊ ዋላ ኡጋንዳዊ ከምዝባ ኮይኖም ከምዚ እንዳበልካ ጊዜኻ ምጥፋእ እዩ ዝኸዉን ሃገሮም ገዲፎም ንዝወጹ ክእሰሩ ግድን እዩ እሞ ንወያነ ዲና ክንገድፋ ዝድለ ዘሎ