Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ካብ ደበና ሓጋይ!

ካብ ደበና ሓጋይ!   ኣብዚ ሓድሽ ዓመት መቐይሮ ዕለት መቊሕና ክንበትኽ ናይ ምልኪ ሰንሰለት ሽግርና ከብቅዕ ናብራ ስደት ከርተት ኣሕዋት ኤርትራውያን ንሓርነት ንኽተት!   ንኺድ'ወ ንኽተት ከምቲ ናይ ትማሊ ክሳዕ መዓስ ደኣ ክንሓኮ እዚ ቑስሊ ነዚ እኩይ ስርዓት ንህዝቡ ዘይሓሊ ውሉድ ምስ ወላዲ ወትሩ ዝፈላሊ ልዝብ

ካብ ደበና ሓጋይ!
 
ኣብዚ ሓድሽ ዓመት መቐይሮ ዕለት
መቊሕና ክንበትኽ ናይ ምልኪ ሰንሰለት
ሽግርና ከብቅዕ ናብራ ስደት ከርተት
ኣሕዋት ኤርትራውያን ንሓርነት ንኽተት!
 
ንኺድ’ወ ንኽተት ከምቲ ናይ ትማሊ
ክሳዕ መዓስ ደኣ ክንሓኮ እዚ ቑስሊ
ነዚ እኩይ ስርዓት ንህዝቡ ዘይሓሊ
ውሉድ ምስ ወላዲ ወትሩ ዝፈላሊ
ልዝብ ኣይፈቱን’ዩ ንእለዮ ብሓይሊ!
 
ካብ ፓልቶክ ኣዝሊቕና ኣድቢና ኣብ መሰንጀር
ፈይስቡክ ከፊትና ኣጥቂዕና ብሳይበር
ለውጢ ካብ ተሳእኖ ኲናት ብኮምፑተር
ግዜ ክነባኽን ከይትጠፍእ ሃገር
ነዚ እኩይ ስርዓት ክንግጽቦ ብዓረር
ሎሚ ንኽተት ኣሕዋት ንህጀሞ ብረይንጀር!
   
ወትሩ ዓመት መጸ ዘይትግበር መብጽዓ
ብቓላት ክንጥበር ከም *ሃዚል ከም ቈልዓ    *ዓሻ
ፋስጋ ዘይብሉ ወትሩ ጾም ኣርብዓ
ኣብ ሕጸ ከይንነብር ከይረኣና መርዓ
ሽግርና ነኽትሞ ገደብ ኣልቦ ወጽዓ!
 
እዞም ደለይቲ ፍትሒ ናይ ሓርነት *ቆባር                                      *ጠበቓ
ስማት ቀያይሮም ኣኼባ ብምግባር
ሓንሳእ ኣብ ጉባአ ሓንሳእ ኣብ ሰሚናር
ሓድሕድ ክዋግኡ ብናይ ቃላት ኣጽዋር
ኣይተኻእለን ኣሕዋት ዕምሪ ምልኪ ምሕጻር!
 
*ስልንስል ልቦምውን ብዓል ላንግ ላንጋ           *ክልተ ልቢ ሙዃን
ሃገሮም ክትጠፍእ እንከላ ኣብ ሓደጋ
ህዝቦም እንክሽየጥ ከም ኣቕሓ  ብዋጋ
ኣብ በዓቲ ኮይኖም ዘማዕድዉ *ዓልጋ     *ካብ ኣፍ ዚጠቡ ብተይ ዚፈስስ ጸባ
ብርኪ ድዮም ስኢኖም ወይስ ዳንጋ
ሓዲኡ ክረኽቡስ ዘይወርዱ ዕዳጋ!
ኣንታ ህዝበይ፥
ሰግለለት ርኢና ክንብል ሰረበ
ካብ ደበና ሓጋይ ንዝናብ ክንጽበ
ርብዒ ዘመን ኮይኑ ካፋ ከይነጠበ
መንከሎ ካብ ግመ ዝናብ ዝረኸበ
ገረብ ኣይፈርን’ዩ ርእሱ ከይዓምበበ
ብመስኖና ነልምዕ ጸሓይ ከይዓረበ!
 
ስለዚ ኣታ ህዝቢ ኣንጎድጉድ ድምጽኻ
ካብቲ ዝሓለፈ ከይብእስ *ፍኻ              *መከራ ስቓይካ
ጽቡቕ ኣይትጸበ ካብዚ ደመኛኻ
እዚ ገበል ሳሕል ኣራዊት በረኻ
ኣመሉ ኪገድፍ ትሓስብ ተሊኻ
ንዘስዕቦ ህልቂት ጽናሕ ተዳሊኻ!
 
እዚ ርጉም ሰይጣን መልኣኽ ከምዘይከውን
እናፈለጥካዮስ ንሓሶት ክትኣምን
እስከ ኣነጻጽሮ ናይ ትማልን ሎምን
ምጻር ስኢንካዮ መከራን ሕሰምን
ክሳዕ መዓስ ኢኻ ብኩፖን ክትልምን
ሓርነትካ ህነጽ ብዓጽምን ብደምን!
 
ሽግርን መከራን ናይ ምልኪ ምሕደራ
ምጻሩ ስኢንካ ኣንታ ህዝቢ ኤርትራ
ፋሕ ጭንግራሕ ኢልካ ከምዘን ደቂ ዛግራ
ብሑጻ ክትድበ ኣብ በረኻ ሳህራ
ብበደዊን ሲናይ ክትጥባሕ ብኻራ
ይኣክል ዘይትብል ናይ ጥፍኣት ዳንኬራ!
 
እዚ ርጉም *ደማሒ እምብዛ ጨኪኑ     *መላኺ
መሬትናን ባሕርናን ብመደብ ኣምኪኑ
ሃገርና ኣሕሲሩዋ ስማ ተደዊኑ
ቅያኡ ከይሃስስ ታሪኽ ናይ ጀጋኑ
ነዚ መጻዪ ደም ከነርግፎ ኣስናኑ
ክተት እንብለሉ በጺሑ እዋኑ
*በሃር ኤርትራዊ ተላዒሉ ወኑ!     *ኣርሓ ሓርማዝ
 
ክተት ኤርትራዊ! ጽምኣት ሓርነትካ ከተርዊ!
 
ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!
 
እዚ ሓድሽ ዓመት’ዚ፡ ምልክን ራዕድን ካብ ሃገርና ተኣልዩ፡ ኣብታ ብመስዋእቲ ጀጋኑ ሰማእታትና ዝወነንናያ ሃገርና ኤርትራ፡ ፋሕ ጭንግራሕ ዝበልና ስድራቤታት ተኣኻኺብና፡ ብሰላምን ራህዋን ንነብረላ ሃገር ክትኮነልና’ያ!
 
ካብ ሓውኹም መሲናስ 30/12/2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • WaEro December 30, 2014

    A great poem.

  • nebelbal7@gmail.com December 31, 2014

    ተንስኡ! ዝብል መኣስ ምስተሳእነ
    ኣጆኩም! ዝብልስ መኣስ ምስተሳእነ
    በዚሑ እንዳ’ሉ ዝምካሕ ብኣነ
    ብርሃን ነጺጕ ዘምልክ ንድነ
    ንመዋእል መቍጸርያኡ ቅነ
    ናተይ ብሉጽ እንዳኣማተይ ዕነ
    ብሽርሒ ዝተበልዔ ኣበይ ከይደነ
    ይትስእ’ዶ ትብሎ ዝኮነ እንተኮነ