Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ካብ ዕደና ወርቂ ዛራ 8.4 ኪሎ ግራም ወርቂ ከምዝሰረቑ ዝተነግረሎም 4 ቻይናውያን ብስርዓት ኢሳይያስ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣብዚ ቀረባ እዋናት ካብ ካብቲ ቻይናዊ ኩባንያ ዛራ ማይኒን ኩንትራት ሒዙዎ ዘሎ ዕደና ወርቂ ዛራ 8.4 ኪሎ ግራም ወርቂ ሰሪቕኩም ዝተባህሉ 4 ቻይናውያን ኣብ ኤርትራ ብስርዓት ኢሳይያስ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ምንጭታት ሓቢሮም። ብኤምባሲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ

ኣብዚ ቀረባ እዋናት ካብ ካብቲ ቻይናዊ ኩባንያ ዛራ ማይኒን ኩንትራት ሒዙዎ ዘሎ ዕደና ወርቂ ዛራ 8.4 ኪሎ ግራም ወርቂ ሰሪቕኩም ዝተባህሉ 4 ቻይናውያን ኣብ ኤርትራ ብስርዓት ኢሳይያስ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ምንጭታት ሓቢሮም።

ብኤምባሲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ቻይና ቪዛ ዝተወቖኣሉ መንነት ናይ ሓደ ካብቶም ተኣሲሮም ዘለዉ ቻይናውያን ከምዚ ኣብ ስእሊ እትርእዩዎ ዘለኹም እዩ።
ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ እቶም ኣብ ኣብ ዕደና ወርቂ ዛራ ተዋፊሮም ዘለዉ ቻይናውያን ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዞም ወርቅን ሓመድን ሓዊሶም ሳምፕል (መርኣያ) እናበሉ ብ DHL ናብ ቤትጽሕፈት ናይቲ ኩባንያ ዘይኮነስ ናብ ውልቂ ኣድራሻኦም ብምስዳድ ክሰርቁ ጸኒሖም እዮም። ኣብቲ ቦታ ዘለዉ ኤርትራውያን ሰራሕተኛታት ነቲ ዝግበር ዘሎ ስርቂ ኣመልኪቶም ብተደጋጋሚ ኳ እንተጠርዑ ሰማዒ ኣይረኸቡን። እንሆ ድማ፡ እቲ ሳምፕል እናተባህለ ክካየድ ዝጸንሐ ስርቂ ቻይናውያን ናብ ጻልጣ ስርቂ ወርቂ ማዕቢሉ።
ስርቂ ወርቂ ኤርትራ ግን ብቻይናውያን ሰራሕተኛታት ኣይተጀመረን፡ ሓልፍቲ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ማእከላት ዕደና ወርቂ፡ ኣብ ቢሻ፡ ዛራ ከምኡ `ውን ከባቢ ማይምነን ካላኦት ከባቢታትን፡ `ዘበን ውራ ውራ ነብስኻ ኣይተዕብራ` ዝዓይነቱ ኣዋርቕ እናሰረቑ ህዝቢ ኤርትራ ዝስተ ማይን መብራህትን ስኢኑ ብድኽነትን ምረት መነባብሮን ኣብ ዝሳቐየሉ ዘሎ እውን ውልቃዊ ሃብቲ ከኻዕቡ ጸኒሖም እዮም።
ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ብዓቢኡ፡ ኣታዊታት ዕደና ወርቂ ብግሉጽ ዝኾነ መንገዲ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይሕብረሉን ብውሑዳት እሙናት መጋበርያታቱ ብምስጢር ይሸጦን ይልውጦን ምህላዉ ንርእሱ ዋና ስራቒ ወርቂ ኤርትራ ኮይኑ፡ ኣብ ኤርትራ ንስርቅን ምጥፍፋእን ዝምችእ ስርዓት ተኺሉ ምህላዉ ይፍለጥ።
እቲ ዝገርም፡ ኣካል ናይቶም ሕጂ ወርቂ ኪሰርቁ ተታሒዞም ዘለዉ ቻይናውያን ዝኾኑ ቻይናውያን ሰራሕተኛታት ብሓፈሻ ምስ ኩሎም ሰራሕተኛታት ዕደና ዛራ ኣብ ሓደ ካፍተርያ ይምገቡ ኳ እንተነበሩ፡ ምስቶም ኤርትራውያን ሰራሕተኛታት ብሓባር ኣይንምገብን ኢሎም ኣድማ ስለዝገበሩ ካፍተርያ፡ (ቤትምግቢ) ከምእተፈልየሎም ይፍለጥ። ብድሕሪ`ዚ እቶም ኤርትራውያን ምስኣቶም ተለኪሞም ዝረኽቡዎ ዝነበሩ ዝሓሸ ኣመጋግባ ከምዝጎደሎም ይፍለጥ።
ነዚ ዝተዓዘቡ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ጋናን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ኣብቲ ቦታ ዝሰርሑ ወጻእተኛታት እቲ ስርዓት ብዘፍቀዶ ፍልልይ ተገሪሞም፡ `ኣብ ገዛእ ሃገርኩም ነቶም ወጻእተኛታት ዝያዳ ተኽብሩዎም` ስለምንታይ ክብሉ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ሰራሕተኛታት ኣብ ገዛእ ሃገሮም ዝወርድ ዘሎ ሕስረት ብምረት ከምዝገልጹዎ `ውን ይሕበር።
ኣብዚ እቲ ቀንዲ ዝትኮረሉ ጉዳይ፡ እቶም ቀዳሞት ሰረቕቲ ወርቂ ኤርትራ ካብ ኢሳይያስ ጀሚርካ ሰበስልጣን ስርዓት ኢሳይያስ፡ እቶም ንኤርትራውያን ሰራሕተኛታት ትሕቲ ቻይናውያን ሰራሕተኛታት ዝሰርዑ ዘለዉ ፈላለይቲ፡ ጥርዓን ኤርትራውያን ጸማም እዝኒ ዝህቡ፡ ሓለፍቲ ናይቲ ስርዓት ክኾኑ ከለዉ፡ እቶም ዝተፈጥረሎም ምቹእ ዕድል ተጠቒሞም ወርቂ ዝዘምቱ ዘለዉ ቻይናውያን ሰራሕተኛታት ምዃኖም እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • k.tewolde September 18, 2019

    All I can tell you is my grandfather was sitting on the epicenter of pile of gold reciting his prayers from early dawn to sunset till the day he died at 102 years of age and not single member of the clan or family has seen a glimpse of the nugget.The Hidmo he resided for generations is replaced by a flotation pit and mercury waste sips into the pristine aquifer where he brought us delicious water to drink. Isn’t that ironic!!? something got to give..

    • k.tewolde September 18, 2019

      In conclusion,today the Chinese has taken over the village it looks like Guangzhou,if that is not ethnic cleansing what is?

Post a Reply to k.tewolde Cancel Reply