Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ካብ ክዉንነት ዝረሓቐ ምስክርነት ካህናት ኦርቶዶክስ

ካብ ክዉንነት ዝረሓቐ ምስክርነት ካህናት ኦርቶዶክስ ኣብተን ካልኦት ናይ ኣመንቲ ኣምላኽ ኣብያተ ጸሎታት ዝውቱር ይኹን ኣይኹን ርግጸኛ ኣይኮንኩን፣ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኣብያተ ክርስትያናት ግን ኣብ ግዜ ቅዳሴ፣ኣብታ ሰንበት መጸ ኣማኒ ብሃረርታ ዝጽበያ ጸሎተ ቅዳሴ እቲ  መሪሕ ካህን“ንመፍቀሪ

ካብ ክዉንነት ዝረሓቐ ምስክርነት ካህናት ኦርቶዶክስ
ኣብተን ካልኦት ናይ ኣመንቲ ኣምላኽ ኣብያተ ጸሎታት ዝውቱር ይኹን ኣይኹን ርግጸኛ ኣይኮንኩን፣ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኣብያተ ክርስትያናት ግን ኣብ ግዜ ቅዳሴ፣ኣብታ ሰንበት መጸ ኣማኒ ብሃረርታ ዝጽበያ ጸሎተ ቅዳሴ እቲ  መሪሕ ካህንንመፍቀሪ እግዚኣብሔር መራሒ ሃገርና ጾሩን ጸላእቱን ቀልጢፍካኣህዳኣሉዝብል ጸሎት የዘውትሩ።
ዝኸበርኩም ኩልኹም ኣምለኽቲ ኣምላኽ ነዚ ብማርክሲዝም ለኒንዝም ተሓዲሱ፣ብናይ ኮሙኒዝም ፍልስፍና ዝምራሕን ኣብ ነገር(ማተር) ብምእማን እግዚኣብሔር የሎን ዝብል ዘይኣማኒ መራሒ፣ካህናት ኦርቶዶክስ “መፍቀሪ እግዚኣብሔር” ኢሎም ክምስክሩ ካብ ክዉንነት ዝረሓቐ’ዶ ኣይኮነን? እቶም “ጾሩን ጸላእቱን ኣህዳኣሉ” ዝበሃሉ ዘለዉኸ እቶም ኣብ ኣርዑት ጭቆና ዝመረረን ዘስካሕክሕን ናብራ ኣብ ትሕቲ’ዚ ውልቀ-መላኺ እነሕልፍ ዘሎና ኤርትራዊያን’ዶ ኣይኮናን?
እዚ ነቶም ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሃይማኖት ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎም መንፈሳዊ ኣቦ ቅዱስ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ብዘይ ሓደ ገበን ብዘይ ፍርዲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝምህምኑ ዝገብር ኣረመኔ መራሒ “መፍቀሪ እግዚኣብሔር” ኢልካ ምምስካር ካብ ካህን ክወጽእ ዝግበኦ ጸሎት ዲዩ? ነዚ ምሁራት ደቂ ቤተ ክርስትያን ካህናት፣ንደቆምን ስድራ ቤቶምን ኣብ ግምት ከየእተወ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብስቅያት ከም ዝሓልፉ ዝገብር ናይ ሰብ ተፈጥሮ ዘይብሉ ጨካን ውልቀ መላኺ “መፍቀሪ እግዚኣብሔር”ኢልካ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኣምላኽ ምምስካር በቲ ሕሊና ዘለዎ ምእመን ዘገምት’ዶ ኣይኮነን?                                                        ነዚ ብኣሽሓት ዝቑጸር ህዝብና ኣብ ኮንተይነራት ኣሲሩ ብሃሩርን ጽምኢ ማይን ህይወቶም ዘሕልፍ ዘሎ ጨካን መራሒ “መፍቀር እግዚኣብሔር”ኢልካ ምምስካር ነቲ ካህን ኩነኔ’ዶ ኣይኮኖን?
ነዞም ምእንቲ ሰላምን ሓርነትን መሰልን ፍትሕን ህዝቦም ዲሞክራስያዊ ሕቶታት ዝሓተቱ፣ ተዋጊኦምን ኣዋጊኦምን ነጻነት ሃገሮም ዘውሓሱ ጀጋኑ ኤርትራዊያን ኣብ ጎዳጉዲ ከም ዝሓቁ ዝገበረ ከም ሰብ መጠን ርህራሄ ዘይብሉ ኣራዊት መራሒ“መፍቀሪ እግዚኣብሔር” ኢሎም ካህናት ተዋህዶ ጸሎት ክገብሩ ሕሊናኦም ንምንታይ ዘይወቕሶም? ነዚ መንእሰያትና ኣርዑት ጭቆና መሪሩዎም ሃጽ ኢሎም ብምጥፋእ ኣብ ባሕሪ ሬሳኦም ቀለብ ዓሳታት ከም ዝኸውን፣ በቶም ኣዛብእ ጀነራላታቱ መንእሰያትና ናብ ራሻይዳ እናተሸጡ ኣብ ምድረ በዳ ሲናይ ኮላሊቶም ከም ዝሽየጥ ዝገብር ቦካሳ ኤርትራ “መፍቀሪ እግዚኣብሔር” እናተባህለ ብካህናት ተውህዶ ጸሎት ክግበረሉ ኣንቱም ሰባት ዓገብ’ዶ ኣይኮነን?
ዝኸበርኩም ካህናት ኣብያተ ክርስትያናት ኦርቶዶክስ፣ንስኻትኩም ተካእቲ ናይ በዓል ጴጥሮስ ሓዋርያ ካብ ተባሃልኩም፣ትብዓት ካብ ጴጥሮስን ዮሃንስን ተመሃሩ፣ሓደ ኣብነት ባዕልኻትኩም እትምህርዎ፣መኳንንትን፡ሽማግለታትን፡ጸሓፍቶምን ምስ ሊቀ ካህናት ሓናን ቀያፋን ተኣኪቦም፣ ንጴትሮስን ዮሃንስ ብስም ኢየሱስ ንሓደ’ኳ ከይነግሩ ወይ ከይምህሩ ምስ ኣዘዝዎም፣እቶም ተባዓት ሓዋርያት ጴጥሮስን ዮሓንስን ዝመለሽዎ “ካብ ንኣምላኽ ንዓኻትኩም ምስማዕ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ እንተድኣ ኮይኑስ እስከ ባዕላትኩም ፍረዱ።ንሕና ግና ነቲ ዝረኣናዮን ዝሰማዕናዮን ክንሓድግ ኣይኮነልናን ኢዩ።ብማለት ኢዮም ብትብዓት ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኦም ዝመለሹ።ስለዚ ንስኻትኩም’ውን ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ እትሰምዕዎን እትርእይዎን ህልዊ ኩነታት ክትነግሩ ሓዋርያዊ ግዴታኩም’ዩ።
ኣምላኽ ንዘይፈልጥ ኣረመኔ መራሒ “መፍቀሪ እግዚኣብሔር” ኢልካ ምስቲ ክዉንነት ዘይቃዶ ኣብ ግዜ ቅዳሴ ጸሎት ምግባር ግን ዋላ’ኳ ኣምላኽ ዘይቅበሎ እንተኾነ ብወገንኩም ክበሃል ዓገብ’ዩ።
ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ እትርእይዎን እትሰምዕውን ህልዊ ኩነታት ብሓቂ ክትምስክሩ ኣምላኽ ናይ ትብዓት መንፈስ ቅዱስ የውርደልኩም።
ወድኹም፡  መርሓዊ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
44 COMMENTS
  • ወዲ ዓረት October 21, 2014

    ከም ዝመስለኒ ርኢቶካ አዩ፡ ሃገርና ኣዝያ ሕማቕ ከም ዘላ እሞ ኽኣ ብሰንኪ ኢሰያስ ሙኻኑ ኣዝዩ አዩ ዝርደኣኒ አንተኾነ ክርደኣካ ዘሎዎ መሪሕነት ካብ ኣምላክ ጥራሕ አያ ትወሃብ።ኣምላክ ስለምንታይ ንኢሰያስ ሂብካና አልና ክንማጎቶ ክክብደና አዩ። ብወገንካ ምስ ገለ መራሕቲ በተክርስትያን ምዝራብ ከድልየካ ኢዩ (ምኽረይ)። ናተይ ርኢቶ ግና ኣብ በተክርስትያን ዝግበር ዘሎ ጸሎት ክሳብ ጥልቅ ኢልካ ዘይተረደኣካ (ማለት ገለ ከምዝተወከላ ኣይሓበርካን ግና ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ስም በዓል ጳውሎስ ዮሓንስ ጠቂስካ ኣሎካ) መቃለሲ ባይታ ኣዝዩ አዩ ብዙሕ ዘሎ እሞ፣ ናብ በተክርስትያን ከድካ ንሕዝብን ካህናትን ምስሕሓብ ናብ ካልእ ከይወስደካ በሃላይ ኢየ።

  • Dawit Meconen October 21, 2014

    The photo is not real; it is cooked by the impostor isaia afeweerqi’s cabals.

  • Humble October 21, 2014

    It’s very unfortunate that many ordinary Christians think Iseyas is a Christian. He is neither Christian nor he is looking after Christian interests.
    The dictator is a godless serial killer. Throughout the years he divided Eritreans along religious lines to control people and remain in power.
    And there are also those fools who think he is Hamasenite, and for them that is a good reason to support him. What a shame ..

    • ahmed saleh October 21, 2014

      Humble
      And those fools from Akeleguzay like me who think
      Issayas is from Hammasien found out his tricky game
      lately . The suspicions and divisions worked well to
      his interest but we ended up victims out our stupidity .
      We betrayed the bond build by the blood of our hero
      martyrs to incline on regional or religious influences .
      It really hurts to think about their forgotten promise .

  • ahmed saleh October 21, 2014

    Merhawi
    Your article looks open for Tewahdo followers to take serious
    consideration in this subject .
    I don’t see holy part to pray for a cruel person who do not fear
    God because I know it contradicts the teachings of holy book .
    As I stated before it shows that feudal culture of the past still
    exists which Eritreans should disconnect from that backward
    practice once they reclaim their identity. In fact we pray for
    ourselves , the weak , unfortunate people but not like slaves
    for the well being of their master .

  • mighty karneshim October 21, 2014

    ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣብ ናይ ሲ ኣይ ኤ ሃይማኖትን ጻዕዳ ኣምላኽን ስለ ዘይኣመነ ንኤርትራዊ ኣምላኽ ኣይኣምንን እዩ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና።እንድሕር ፕረሲደንት ኢሳያስ ከም ጸላኢ ተራእዩ ድማ ንጸላእትኻ ምጽላይ ኣይግባእን ድዩ ? ድሓን እታ በትኽስያን ንፕረሲደንት ትጸልየሉ ንስኹም ርገምዎ ደቀ

    • Saba October 22, 2014

      Dear Mighty Karneshim (I like this name. I am originally from that area).
      Would you kindly tell us which ones are CIA’s Faiths/religions? White God? Is there black God? As a Christian I will pray for the dictator we have back home so that God will give him the strength and courage to do what is right. I will also pray that God will remove this lunatic.

      I am a proud Kenisha! I hope Kenisha is not CIA’s religion. Please be sensitive when you comment on religions.

      Thanks,

      Haftka Saba

  • Tamrat Tamrat October 22, 2014

    How far a dictator go to stay in power?

    • m October 22, 2014

      he will stay forever,becuase we are selfish,cowerds pepole,we running like ratss from our land no body want to go to field to fight the dictator

  • hermon October 22, 2014

    you guys u dont know what our mercy God says dont be haters your time will finish in a few days jesus said love to your enemy if u hav an enemy read bible 1peter chapter2-18 dont try to judge people

    • Zeray October 24, 2014

      Hermon,

      If your bible verse is teaching you to be passive, you must also admit that you don’t care about the suffering and the murdering of your fellow Eritreans. Don’t use the bible to criticize people who have a different opinion than you do. Otherwise you will be labeled a heretic. Make a stand. Call evil -evil and that which is good -good (biblical by the way). If you are wishy-washy, not hot nor cold, the good Lord will spit you out of His mouth (biblical again). Take care and I advice you to go back to bible school and learn more.

  • Eritreawit October 22, 2014

    The dicator is (Kenisha) i thought, what is he doing kissing the Holy cross? I have a friend (Pente) never did that. I think the dictator has no relgion at all, may be he converted to eithist after he went to China in the 60’s and became a devil worshiper and start killing people, so we all in Eritrea need to pray to whatever we are belive in to help us get rid off this crule dictator and his system. by the way when is kenisha introduced to Eritrea? i’m just wondering.

  • Dala Ksha October 22, 2014

    Eritrawit
    Sorry the dictator is tewahdo .his family are tewahdo .

  • FM October 22, 2014

    ዝኸበርካ መርሓዊ – መጀመሪያ ምእንቲ መራሕቲ ምጽላይ ኣብ ዝኾነ ይኹን ቤተ-ክርስቲያን ዝውቱር’ዩ። ስለዚ እዚ ዝጠቐስካዮ ኣጸላልያ ሓዲስ ኣይኮነን ካብ ጥንቲ ዚጸንሐ’ዩ፡ ብፍላይ ኣብ ሃገርና ምሕዳስ ሥርዓት ስለዘይተገብረ ጥንታዊ ጸሎት ምስ ጊዜ ከይተቐየረ ይርአ። ካልኣይ – መራሕቲ ሃይማኖት ምእንቲ ፍትሕን ሰላምን ከስተምህሩን ኪሰብኩን ኪጽልዩን ግብኦም ኪኸውን እንከሎ ምእንቲ ዓማጽን ገፋዕን ኪጽልዩ ድማ ሓላፍነቶም’ዩ። ስለዚ እቲ መፍቀሬ እግዚአብሔር ዝብል ቃል ካብቲ ዕቀቦ ለንጉሥነ ኃይለ-ሥላሴ ዝብል ተመሓይሹ ተባሂሉ ኪኸውን እንከሎ – ኣብ ገለ ጾሎታት ድማ “ለመልኣከ ዝንቱ ብሔር” ማለት ንመራሒ እዛ ሃገር የስምዕ። እቲ ኣግርር ጸሮ ዝብል – መርሓዊ ጸር – ጸላኢ እምበር ጾር ማለት ከይምስለካ ብኸምኡ እንተ ተርጕሞሞ ዳም ጌጋ ትርጉም’ዩ። ሳልሳይ – ኣመንቲ ወለድናን መራሕቲ ሃይማኖትናን ፍርድን ኵነኔን ንኣምላኽ ይገድፍዎ። ዝለዚ ኣነን ንስኻን ዓለማዊ ፍርዲ ምስ መንፈሳዊ ፍርዲ ብምትሕንፋጽ “ዓይኒ ክንዲ ዓይኒ” ንብል ንኸውን ኣብ ሥርዓተ-ኣምልኾ ግና ኃጢኣትናን ድኻምናን ተስፋናን ዓወትናን ናብ ኣምላኽ ስለእነቕርቦ “መፍቀሬ እግዚእብሔር” ዝብል ጸሎት ብእመነቱ ስልዝተመስከረሉ ማለት ኣይኮነን – እንታይድኣ ኣምላኽ ብፍቕሩን ብዓይኒ ምሕረቱን ርእዩ ናብ መንገዲ ፍትሕን ቅንዕናን ኪመርሖ እውን የስምዕ። ብርእይቶይ እዚ ዘምጻእካዮ ሕቶ ኣካታዒ እኳ እንተመሰለ ንካህናት ተዋሕዶ ብመጠኑ ድማ ንካቶሊክ ይምልከት ምኽንያቱ ንጥንታዊ ሥርዓተ-ኣምልኾ ዘሎታት ስለ ዚኽተል። ኣብ ከኒሻን ካልኦት ክርትስያን ኣመንትን ምእንቲ መራሕ ሃገርን መራሕ ቤተ-ክርስትያንን ምጽላይ ትውፊታውን ዝውቱርን ግቡእን’ዩ።

    • merhawi October 22, 2014

      ዝኸበርካ ሓው F M ነቲ ዝጠቐስኩዎ ኣጸላልያ ሓዲሽ ከም ዘይኮነ፣ካብ ጥንቲ ዝጸንሐ ኢዩ ኢልካ።ካብ ጥንቲ ዝጸንሐ ዶግማ ጥራሕ’ዩ ክመሓየሽ ዘይክእል።ንሕና ኣብ ጥንቲ ኣይኮናን ዘሎና፣ስለዚ እቲ ዶግማ ዘይኮነ ናይ ጥንቲ ጸሎታት ምስ’ቲ ምዕቡል ኣተሓሳስባ ደቂ ሰባት ነቲ እምነት ከይተንከፈ ዘይመሓየሸሉ ምኽንያት የለን።ንተዋህዶና ንደሓር ዝጎታ ዘሎ ከኣ ነቲ ናይ ጥንቲ(ናይ ኣቦታት እናተባህለ) ምስ’ቲ ናይ ግዜ ዘይምምሕያሽ’ዩ።
      ኣብ ርእይቶኻ ከም ዝገለጽካዮ፣ ኣነ ነቲ ዝበልካዮ “ለመልኣከ ዝንቱ ብሔር” ወይ ኣግርር ጸሮ ዝብል ኣይኮንኩን ጠቒሰ።እቲ ኣግርር ጸሮ ዝበልካዮ ኣብቲ ጸሎት ንመራሒ ሃገር ዘይኮነ “ኣግርር ጾራ ብማለት ነታ ሃገር’ዩ ዝምልከት።መራሕቲ ሃይማኖት ፍርድን ኩነኔን ንኣምላኽ ይግደፍዎ ኢልካ፣ኣነ’ውን ይፍረዱ ኣይወጸንን።
      ዝኸበርካ F M “መፍቀሬ እግዚኣብሔር” ማለት ብእምነቱ ዝተመስከረሉ ማለት ኣይኮነን ብማለት ነቲ ኣብ ቤተ ክርስትያን ዝግበር ዝጸንሐን ዘሎን ዓቢ ጌጋ፣ኣብ ክንዲ ንምእመናን ዘዕግብ ብከመይ ይተኣረም እትብል፣ናይ መካላኸሊ ስኑዕ መአረምታ ክትህብ ምፍታንካ ነቲ ዝጸንሐ ጌጋ ተራጉዶ ኣሎኻ። “መፍቀሬ እግዚኣብሔር” ማለት ከምቲ ንስኻ ዝገለጽካዮ ዘይኮነ፣ ንእግዚኣብሔር ዘፍቅር ኢዩ ዝበሃል ዘሎ። ንእግዚኣብሔር ዘፍቅር ካብ ኮነ ከኣ ብእምነቱ ይምስክሩሉ ኣለዉ ማለት’ዩ ዘስምዕ።
      ስለዚ እዚ “ንመፍቀሬ እግዚኣብሔር መራሒ ሃገርና ጾሩን ጸላእቱን ቀልጢፍካ ኣህዳኣሉ” ዝብል ጸሎት ምስ’ቲ መራሒናን ኣብ’ቲ ሃገር ዘሎ ክዉንነትን ዘይከይድ ስለ ዝኾነ ዝኸበርካ ካህን FM ምስ ካልኦት ካህናት ኮንካ ኣምላኽ ይቕረ በሃሊ ስለ ዝኾነ ምእንቲ’ቲ ውጹዕ ኣብ ኣርዑት ጭቆና ዝነብር ዘሎ ህዝቢ ኣምላኽ ነቲ ኣረመኔ መራሒ ብዓይኒ ምሕረቱ ናብ ቅኑዕ መንገዲ ክመርሖ፣ነቲ ዘይንቡር ጠባዩ ከም ዝልወጥ ጌሩ ኣብ ፍትሕን ርትዕን ክኣምን መንፈስ ቅዱስ ከውርደሉ ብዝኣመሰሉ ቃላት ተተኪኡ ክጽሎት እንተ ትመያየጡ ምሓሸ።

      • FM October 22, 2014

        ዝኸበርካ መርሓዊ – ናተይ ርእይቶ ነቲ ዝተቕሰ ዓይነት ጸሎት ኣብ ታሪኽ ተመርኵሰ ንኸብርህ ኣንበብቲ ድማ መበገሲ እቲ ጸሎት ንኺፈልጡ እምበር ብዛዕባ ናይ ተዋሕዶ ቤተ-ክርስትያን ኣገባብ ክድግፍ ወይ ከፍርስ ኣይኮንኩን። ናይ ኤርትራ ተውሕዶ ቤተ-ክርስትያን ምሕዳስ ወይ ጽገና የድልያ ዝብሉ ኣመንታ ማለት ብጳጳሳታን ካህናትን ምእመናን እዮም። ኣነ ሓደ ካብኦም ስልዘይኮንኩ ድማ ኦርቶዶክሳዊት ተውሕዶ ኤርትራ ከምዚ ክትገብር ኣለዋ ኢለ ክዛረብ መሰል የቢለይን ግቡእ’ውን ኣይኮነን። ምእንቲ ፍትሕን ሰላምን ምእንቲ ምሕረትን ፍቕርን ምእንቲ ፈተውትን ጸላእትን ምእንቲ ዓማጽን ጻድቕን ምጽላይ ግን ሓልፍነት ክርስትያን ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ነፍሲወከፍ ኣብ “ኣሓዱ ኣምልክ” እኣምን ዝብል ሰብ ኪገብሮ ዚግብኦ’ዩ። ኣብ መወዳእታ ግና ክንግዘቦ ዘድልየና ሓደ ቃል ዓረፍተ-ነገር ወይ ጠቕሲ ወሲድና እዚኣ ትመሓየሽ እዚ ከኣ ትትረፍ ምባል መሰረታዊ ለውጢ ኣየምጽእን’ዩ። ዝኾነ ኾይኑ መርሓዊ መሰልካ’ዩ ሓሳብካን ርእይቶኻን ክትገልጽ – ቃል ነቢያትን መዝሙረ ዳዊትን ምስ እተንብብ ድማ – ምስ ኣምላኽ ኪማግጐቱን ከጕረምሩምን ንርኢ፡ እዚ ድማ ተጽርሮ እምነት ዘይኮነስ ወድስብ ንዅነታቱ ንምርዳእ ዚገብሮ ውሽጣዊ መጎተ የመልክት።

1 2 3

POST A COMMENT