Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ካብ ሰሜን ኣመሪካ ናብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝወሓዙ ኣስታት ክልተ ሽሕ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሕን ለውጥን፡ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ዕዉት፡ ታሪኻዊ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ካብ ሰሜን ኣመሪካ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳን፡ ገሊኦም ኣሽሓት ማይላት፡ ንልዕሊ 5 ሰዓታት ተጓዒዞም ናብ ዋሽንግተን ዲሲ ብምጕዓዝ፡ ኣብቲ ከም ኣካል ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ ዝተወደበ ሰላማዊ ዝልፊ ዝተሳተፉ፡ ኣስታት ክልተ ሽሕ ኤርትራውያን፡ ሓልዮት ህዝብን ሃገርን

ካብ ሰሜን ኣመሪካ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳን፡ ገሊኦም ኣሽሓት ማይላት፡ ንልዕሊ 5 ሰዓታት ተጓዒዞም ናብ ዋሽንግተን ዲሲ ብምጕዓዝ፡ ኣብቲ ከም ኣካል ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ ዝተወደበ ሰላማዊ ዝልፊ ዝተሳተፉ፡ ኣስታት ክልተ ሽሕ ኤርትራውያን፡ ሓልዮት ህዝብን ሃገርን ዘንጸባርቕ፡ ሃገራዊ መንፈስ ዘለዓዕል ውዕዉዕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

እቶም ብብዝሒ መንእሰያት፡ ደቀንስትዮን ውፉያት ተቓለስትን ዝርከቡዎም፡ ሓልዮት ህዝቦም ድቃስ ዝኸልኦም ኤርትራውያን፡ ካብቲ ንጉሆ ሰዓት ዓሰርተ ዝተኣኻኸቡሉ ማእከላይ ቦታ ተበጊሶም፡ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ካብ ስልጣን ክለቅቕ፡ ኣብ ልዕሊ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ደረት ኣልቦ ዓመጽ ብህጹጽ ከብቅዕ፡ ከምኡ ‘ውን ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዕላማ ንምዕዋት ክለዓል ዝጽውዕ ጭርሖታት እናቃልሑ፡ ብምዕሩግን መሳጥን ሰልፊ እናመረሹ ናብቲ ኣብ ውሽንግተን ዲሲ ዝርከብ ኤምባሲ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ዋይት ሃውስ፡ ከምኡ ውን ስቴት ዲፓርትመንት ብምምራሕ፡ ኣብ ክንዲ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ሓርነትን ፍትሕን ድምጺ ኣስሚዖም።

ብፍላይ ኣብቲ ኣብ ፊት ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍ ዝተኻየደ ሰልፊ፡ ኣስታት 150 ዝኾኑ ወይጦታት ህግደፍ፡ ነቲ ስለ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ዘቃልሑዎ ዝነበሩ ድምጺ ውጹዓት ብመጕልሒ ድምጺ ብዝፍኖ ደርፍታት ክውሕጡዎ ኳ እንተፈተኑ፡ እቲ ናይ ኣስታት ክልተ ሽሕ ኤርትራውያን ናይ ሕልናን ተወፋይነትን ድምጺ ሓርነት፡ ንዋጭዋጭታኦም ዓብሊሉ ብሕፈረት ነንሕድሕዶም ከምጠማመጡን ከምዘቅባሕብሑን ገይሩዎም።

ኣብ መንጎ እቶም ወይጦታት ህግደፍን፡ ደለይቲ ፍትሕን ናይ 10 ሜትሮ ፍልልይ ኳ እንተነበሮም፡ ኣብ ሕልናኦም ዝነበረ ፍልልይ ናይ ሰማይን ምድርን እዩ። እቶም ናይ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ስእሊ ጸይሮም ዝነበሩ ወይጦታት ህግደፍ፡ ነቶም ናይ ግዳያት ሲናይ ቃንዛ ዘንጸባርቕ ምስልን ጥርሖን ጸይሮም ዝነበሩ ደለይቲ ፍትሒ ቀኒዖም ክጥምቱዎም ድፍረት ኣይነበሮምን።

በዚ ድማ፡ እቶም ብኣፍራስን መካይንን ብዝተዓጀቡ ፖሊስ ኣመሪካ ዝሕለዉ ዝነበሩ ቆልዓ ሰበይቲ ዝበዝሑዎም ደገፍቲ ህግደፍ እቲ ውዕዉዕ መንፈስ ደለይቲ ፍትሕን ለውጥን ጭንቀት ስለዘስዓበሎም፡ ናብቲ ህግደፍ ዘላመዶም ዕዋላዊ ጠባያት ኣትዮም፡ ነቲ ርኡይ ውድቀት ናይ ስርዓቶም መሊሱ ናብ ዘረጋግጽ ለጠቕ ዝበለ ደረጃ ክወርዱ ተራእዮም።

ኣብቲ ኣብ ዋይት ሃውስን ስቴት ዲፓርትመንትን ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ሰልፊ፡ ስለፈኛታት፡ መንግስቲ ኣመሪካ ነቲ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ራዕድን ሽበራን ኣውዲቑ ንኹሉ ሰብኣዉ መሰላቱ ዓምጺጹ ዝገዝኦ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ክዅንኖን ኣብ ጎኒ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ደውል ከብልን ብተደጋጋሚ ጸዊዖም።

እቲ ካብ ንጉሆ ክሳብ ምሸት ዝተኻየደ ፍሉይ ድምቀት ዝነበሮ ሰላማዊ ሰልፊ በቲ ኣውራ ጎደናታት ዋሺንግተን ዲሲ ክሓልፍ ከሎ፡ ኣቓልቦን ተገዳስነትን ብዙሓት ኣመሪካውያን ስሒቡ።

እዚ ሎሚ ክካየድ ዝወዓለ ሰላማዊ ሰልፊ ሓደ ኣካል ናይቲ ብደረጃ ሰሜን ኣመሪካን ካናዳን ብደለይቲ ፍትሒ ክካየድ ዝተወጠነ መደብ ኮይኑ ሎሚ ምሸትን ጽባሕ ምሉእ መዓልትን፡ ብሓባራዊ ዘተታት ሰሚናራትን ምዝንጋእን ክቕጽል እዩ።

ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ጽምብል ኣብ ገጽ ኩሎም ተሳተፍቲ፡ “እንቋዕ ‘ባ ካብዚ ጉዳይ ሓርነት ኣይበኾርኩ” ዝብል ናይ ዓወት መንፈስ የንጸባርቕ ኣሎ።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
25 COMMENTS
  • ahmed saleh May 25, 2013

    Watching the extended numbers of people’s voices year by year shows that silence start to be conquered
    by real and principled Eritreans who possess great concern to their beloved people . It is very impressive
    and promising to see many youngsters participation on our political issues .
    I wish our people back home know all about the struggle in diaspora fighting for their cause mainly those
    forgotten fellows on that stupid military service at least to give them hope .

  • Tes May 25, 2013

    Teawetu Jeganu deki Ere…Tseba siteyu tsa astikumna. Those idiots and loony of HGDEFAWIAN shame on them.They are blinded by greed and self privileged who don’t care about people or Eritrea. Well done those who stand against injustice.

  • Selino Asmarino May 25, 2013

    ኣየይ ፥ ክልተ ባንዴራ ሒዝካስ ሃገር ክምስረተለይ>> መዳኽምቲ ኢኺም ንስኻትኩም። ኣበየናይ ዓለም ተራእዩ 2 ባንዴራ ዘለዋ ሃገር ፥ መዳኽምቲ ኢኹም ንስኻትኩም። ህዝቢ በታቲንኩም ካልእ ሽግር ደኣ ክተምጽኡልና እምበር ብኣኻትኩም ዝመጽእ ለውጢ የለን። ኣብ ኣሜሪካን ካናዳን ኮይኖም ኣይኮኑን ናጽነት ኣምጺኦማ። ስረ እንተለኩም ሃዲምካ መጺኻ ኣብኢ ሃለው-ለው ካብ ምባል ሃየ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኴንኩም ግጠሙ እሞ እታ ተምጽእዋ ዴሞክራሲያዊት ሃገረ ኤርትራ ክንርእያ። ዋላ ሰሊጥኩም መንግስቲ እንተትግልብጡ ነንሕድሕድኩም ክትባልዑ ሃገር ናብ ሱማል ምቐየርኩማ። ክልተ ባንዴራ ሒዝካ’ዶ ዲሞክራሲ ኣሎ።

  • foto May 25, 2013

    wawwwwwwwwwww wawwwwwwwwwww i feel worm am proud of u my dear brothers and sisters

  • Mussie May 25, 2013

    አንጻር ጭቆናን መሰልካን ምቅላስ ሓላል እዩ ሞ አጆካ ህዝበይ አጆካ አጆካ !!!
    ብሓቂ ዘኩርዕ ሰለማዊ ሰልፊ

  • mengs May 25, 2013

    kulu bawet deleyti lwti ywdae alo emo ajona tray bmenfes msakum wilna ena drb awet eyu ajona

  • Senu May 25, 2013

    Aseye Asena Eritreawyan Americawiyan deleyti Fithi Ahoguskumuna:: Kiniiwet Ina. Nkdmit nab Awetn Harnet Fithi Democracy

  • Semhar May 25, 2013

    The ድያብሎስ! Isayas is 100% Ethiopian.
    He was sent by Asrate Kasa the former Governor of Eritrea and by his uncle Degezmach Solomon Abreha, former governor of Wollo province of Ethiopia to dissolve the Eritrean Liberation Front. 

    He dissolved E.L.F in 1980. 

    He dissolved E.P.L.F in 1993 and replaced them by his own blind organization HIGDEF.
    
He took down The Eritrean Liberation flag in 1993 and replaced it by his own burned flag.
    
He dissolved the historical Eritrean provinces in 1993 and replaced them by his own Zobas. 

    He dissolved the historical law of the land “HIGHI INDABA” “Eritrean constitution” and replaced it by his own MAFIA Law.

    2013, the mad dog ድያብሎስ!Isayas has a new mission, 

    1) To sacrifice Eritreans in the war against Ethiopia by siding with Egypt.
    2) To surrender the port of ASSAB to Ethiopia. 

    3) To sell Eritrean people’s organ by collaborating with Egypt.
    Unlike the mad dog Isayas the Eritrean People will always be on the side of Ethiopia, Rwanda, Uganda, Kenya and Tanzania’s signed agreement in Entebbe, Uganda, to overturn a colonial-era treaty seeking a more reasonable and equitable utilization of the river.
    As long as Isayas and HIGDEF are in Eritrea misery and death will continue. 


    The only solution is to get rid of crazy mad dog ድያብሎስ!Isayas wedi Medhin Berad, his son, and his blind followers HIGDEF just like the Libyans did to Gadafi, his sons and his followers. Eritreans should unite and get rid the tyrant mad dog Isayas, his son and his blind followers the HIGDEF.

  • Kabbire May 25, 2013

    Well done and well reported:

    “ኣብ መንጎ እቶም ወይጦታት ህግደፍን፡ ደለይቲ ፍትሕን ናይ 10 ሜትሮ ፍልልይ ኳ እንተነበሮም፡ ኣብ ሕልናኦም ዝነበረ ፍልልይ ናይ ሰማይን ምድርን እዩ። እቶም ናይ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ስእሊ ጸይሮም ዝነበሩ ወይጦታት ህግደፍ፡ ነቶም ናይ ግዳያት ሲናይ ቃንዛ ዘንጸባርቕ ምስልን ጥርሖን ጸይሮም ዝነበሩ ደለይቲ ፍትሒ ቀኒዖም ክጥምቱዎም ድፍረት ኣይነበሮምን።

    በዚ ድማ፡ እቶም ብኣፍራስን መካይንን ብዝተዓጀቡ ፖሊስ ኣመሪካ ዝሕለዉ ዝነበሩ ቆልዓ ሰበይቲ ዝበዝሑዎም ደገፍቲ ህግደፍ እቲ ውዕዉዕ መንፈስ ደለይቲ ፍትሕን ለውጥን ጭንቀት ስለዘስዓበሎም፡ ናብቲ ህግደፍ ዘላመዶም ዕዋላዊ ጠባያት ኣትዮም፡ ነቲ ርኡይ ውድቀት ናይ ስርዓቶም መሊሱ ናብ ዘረጋግጽ ለጠቕ ዝበለ ደረጃ ክወርዱ ተራእዮም።”

  • oromay May 29, 2013

    The butcher of Eritrea must go to hell now, now!

Post a Reply to Mussie Cancel Reply