Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ካብ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣምሊጦም ሱዳን ካብ ዝተሰደዱ 4 መንእሰያት ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ መንነቶም ብልክዕ ብዘይተፈልጠ ዕጡቓት ኣብ ካርቱም ድሕሪ ዝወረዶም መጥቃዕቲ ሓደ ክምወት ከሎ፣ እቶም ዝተረፉ ማህሰይቲ ከምዝወረዶም ምንጭታት ሓቢሮም።

ካብ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣምሊጦም ሱዳን ካብ ዝኣትዉ ኣስታት ክልተ ወርሒ ዝገበሩ 4 መንእሰያት ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ኣብ ካርቱም ብሓባር ኣብ ዝተኻየሩዎ ገዛ ኣብ ካንሸሎ ደቂሶም ክለዉ፣ ብ 26 ሚያዝያ፣ ሰዓት ክልተ ናይ ወጋሕታ ድሕሪ ዝወረዶም

ካብ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣምሊጦም ሱዳን ካብ ዝኣትዉ ኣስታት ክልተ ወርሒ ዝገበሩ 4 መንእሰያት ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ኣብ ካርቱም ብሓባር ኣብ ዝተኻየሩዎ ገዛ ኣብ ካንሸሎ ደቂሶም ክለዉ፣ ብ 26 ሚያዝያ፣ ሰዓት ክልተ ናይ ወጋሕታ ድሕሪ ዝወረዶም ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ፣  ሓደ ካብኦም ኢዮብ ተስማማርያም ዝተባህለ መንእሰይ በቲ ኣብቲ ጥምጥም ዝወረዶ ማህሰይቲ፣ ኣብ ሕክምና ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ሰሙኑ  ብ 3 ግንቦት ክመወት ከሎ፣ እቶም ዝተረፉ ሰለስተ ጉዱኣት ብጾቱ ‘ውን ኣብ ሕክምና ከምዝቐነዩ ምንጭታት ሓቢሮም።

እቶም ደቂ ሰፍኣ ምዃኖም ዝንገረሎም መሳኪን ግዳያት፣ እቶም መንነቶም ዘይተፈልጡ ናይ ከተማ ሸፋቱ ኣብ ምድቃሶም ከለዉ ኣብ ዓይኖም ላምፓዲና ብምውላዕ ኣብ መኪና ክስቀሉ ምስ ኣገደዱዎም ካብቲ ጭውያ ከምልጡ ድሕሪ ዘካየዱዎ ጥምጥም ካብታ መኪና ብምውዳቖም እዮም እቲ ሞትን መጕዳእትን ኣጋጢሙዎም።

መንነት ናይቶም ፈተነ ጭውያ ዘካየዱ ገበነኛታት ዛጊት ብልክዕ ኳ እንተዘይተፈልጠ፣ ደጊም ካርቱም ‘ውን ከምተን መደበራት ስቓይን ሞትን ኮይነን ንመንእሰያት ኤርትራ ግዳይ ሸፋቱን ዓመጽትን ዝገበራኦም ሸገራብን ሲናይን ውሕስነት ከምዘይብላ ብዝምኽኻር፣ ሰብኣዊ ድሕነቶም ንምሕላው መንእሰያት ኤርትራ ከቢድ ጥንቃቐታት ከዘውትሩ እቶም ምንጭታት የዘኻኽሩ።

ብዘይካ ‘ቶም ንመንእሰያት ኤርትራ ጅሆ ሒዞም ገንዘብ ምምእራር ዝለመዱ ነጋዶ ሰብ፣ ሃሱሳትን ሰለይትን ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ‘ውን ነቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ሕጊ ኣልቦነት ተጠቒሞም ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ጭውያን ግፍዕን ስርሓት ከምዝፍጽሙ ይፍለጥ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
13 COMMENTS
  • Semere Mike May 17, 2016

    Hizbi Eritrea Beshirn Esaiasn tezerariyomlu.

    Bifilaykea lomkine polis Sudan nieritrawoan bialmama inagefefu abmedeber polis alarebi yeikibiwom kabau niUmdurman kitfiredu inatebehalu kisab 2900 dinar yekfiliwom alewo.
    Wekali ziseane hizbi yiwared alo, bizuhat kem zibliwo intekoynu id HGDEF alewo yibehal. Iti zegerim Ethiopiawoan zidefrom kemzeyele yigilx.

    Fithi Nihizbna

  • wefri May 17, 2016

    ካርቱም መደበር ሽፍትነት ሻዕብያ ካብ ቀደም እያ ኔራ ህጂ ከአ ዝገደደ እናኮነ ይከይድ አሎ 1 ብርጌድ ዝከወን ናይ ተክለ ማንጁስ እኮ አሎ ዝተፈላለየ ስለያዊ ስርሃት ዘካይድ ስለዚ ዝኮነ ስብ አብ ዘጋንፎም ሽግር ካብ ሱዳናወያን ጎረባበቲ ሃገዝ ኪሃቱ ከም ዘለዎም ከአ ንኩቡራት አሀዋተና ሃብርዎም ብፍላይ አካረይቲ ገዛ መንባበርኦም ምስ ክራይ ገዛ ዝተአሳሰረ ስለ ዝኮነ ምስ መንእስያት ደው ናይ ምባል ልምዲ አለዎም እሞ ሃየ እዛ አገዳሲ መልእኪቲ ንሃብሮም ።

  • AHMED SALEH !!! May 17, 2016

    For how our people will cry foul bothers me the most . We know the
    root source of these kind incidents but so far everybody prefer to
    run away than to confront accordingly .
    It doesn’t make a sense for us to keep crying like babies from sad
    news in daily basis . Something wrong happened with Eritreans .

    • Yorda May 17, 2016

      Eti zegerim brukat yewat
      Temasasali kidmi 3 keyti kemzi agatimu zelo temasasli ab khartom jiref zibahal bota dekisom kelewu seat 3 wegahta mesiomom netom awedat ab wishti geza. Netien awalid ka ab kalshelo gerom.. gnzeb. Entezey hibkumna. Kinasrekum ena. Nihna police ena elom ..800 shih nayti adi genzeb .wesidom keydom

      • k.tewolde May 17, 2016

        I remember those places GIREF and SAHAFA, back then when I was there was just a peaceful place where Eritreans stayed temporally hurdled up together waiting for transit to their respective destinations.How times have changed, now it is HGDEF’S outpost.It is an infestation of low life parasites looking for quick cash. Distinctive trademark of the Asmara regime and its proliferating cancerous network.Thank you Yorda.

      • AHMED SALEH !!! May 17, 2016

        Tehalaki zeyblom mesakin Eritrawian rekhibemo zelewu shegr kab nay
        zihalefe temekrona zighedede inakhone yikheyed alo . Ita hanti zela
        meftihi tehababirka nebsekha mikilkhal iya . Ferihka mumat nimen ikha
        keteheghus . Iti zegherm HGDF sigab kindey diyu kindizi dihulat fetret gheyriwom . Reghimti SAWA zibluwa medenzezi bota iya halafnet tiskem.

  • failed nation May 17, 2016

    ክቡራት መንእሰያት ፣
    ነዚ ተሓተትቲ እዞም ዕድሜና ካብ ሓምሳ ንላዕሊ ንርከብ ሸፋቱን ተዳናገጽቶምን ኢና፣ኢሳያስ ካብታ ዝወጸላ ጊዜ ጀሚሩ ነታ ጂሃዳዊት ጀብሃ ደምሲሱ ኣብ ሕቖ ደቂ ባንዳ ተወጢሑ ንኢትዮጵያ (ውላዳ ኤርትራ ዘጠቓለለ)ንምግዛእ እዩ ኔሩ ሕጂ እውን ከም ኡ እዩ ዘሎ።ባባ ኢሳያስ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብትግራይን ሶማልን ሲዳሞን ጋምቤላን በርባዕቲኡ መኣዝናት ብተዘዋዋሪ ዝወግኦም ዘሎ እታ ጠቕላል ሚኒስተር ደሳለኝ ሃይለማርያም ኮፍ ኢሉዋ ዘሎ ንዕኣ ንምምላስ እዩ ዝቃለስ ዘሎ።እቶም ተገንጸልቲ ሸፋቱ ዝነበሩ ኣሕዋትናን ወለድታትኩምን ብባርያዊ ስምዒት ተበጊሶም ንሕና ላዛኛ ጣልያን ከብ ጉሓፍ ጣልያን ኣውጺእና ስለ ዝበላዕና ካብቲ ጥላም ዝሳእኑ ትግራዋይን ካብቲ ጥረ ስጋ ዝበልዕ ኣምሓራይን ዝበለጽና፣ ካልቾ ፋሽሽቲ ዝቐደሰና ኢና ብምባል ነዞም መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ዘይትወጽዎ ሓሳረ መከራ ኣእትዮምኹም ይርከቡ።
    ባባ ኢሳያስ ጉዳይ ዋላ ኮረሻ ኣቦይ ኣደም ትኹን ሓንሳእ ስዑዲ እናእተወ ሓንሳእ ምስ ቃጣር እናተላፈነ ተስፋ ከይቆረጸ ንወላዲት ሃገርና ነበር ኢትዮጵያ ከይገዝኣ ከም ዘይድቅስ ፍለጡ።እዚ ሕጂ ኣብ ኦሮሚያ ተላዒሉ ንዘሎ እስላማዊ ሕቶ ስዑድን ባባ ኢሳያስን ዘጓሃህርዎ እዩ።ወያነ ትግራይ እውን እቲ ናይ ማሌሊት ገባቲ መንፈስ ዝተጋደፎም ኣይመስሉን፣ ነቲ ጥቁው ግምገማን ነቐፌታን ርእሰ ነቐፌታን ረሲዖም ብሰላማዊ መገዲ ሰላማዊ ሰልፊ ንዝገበረ ህዝቢ ትግራይ ናፍቖት ደርጊ ኣይተጋደፈኩምን ኢሎም ኰወቕስዎ ምርኣይ የስደምም።እዚ ንባባ ኢሳያስ ኬኩ/cake እዩ።

    • Sol May 18, 2016

      failed nation
      ኣየ ተኽላይ መዓስ ኢኻ ክትቀብጽ። ናይ ኢትዮጵያ ሓድነት የገድሰካ እንተኾይኑ ካብ ኣብዚ ጅሃድ ኣስላም ሸፋቱ እናበልካ ተቕሮምርም ኣብታ ሃገረይ ኢልካ ተዓግበላ ኢትዮጵያ ማዕርነትን ፍትሕን ክነግስ ጸውዕ።

  • kerenlaelay May 17, 2016

    Eritrean are suffering in Khartoum .Sudan security forces are entering houses of Eritrean illegally&they are arresting Eritrean even Eritrean who lived in khartoum for 30 years .but who is behind all this arresting&taking money from Eritrean , why UNHCR is quite.

  • AHMED SALEH !!! May 17, 2016

    Atum ahwat deki kebessa
    Stop the nonsense and save your young children . For how long you
    will live in denial . Join the call of deleyti fithi for GOD Sake
    to get blessings .
    Issayas doctrine is against our societies culture of love , caring
    and the teaching of HOLY BOOK . Life is too short so please listen
    to your instincts to make the right thing for your people in dire
    need of help . At least be real men to honor the promise vowed to
    your martyred brothers and sisters practically as supposed to be .
    I am begging you because regardless our difference we are members
    of Eritrean family , that means , we can’t rid of each other .
    And the hard core HGDF cult followers time is running and better ask
    for repentance before too late when one leg slipped in a grave .
    Be careful do not take life for granted .
    May God bless us to gain positive thinking! HADNET YESMIRELNA!

  • Desalegn May 19, 2016

    ባህሪያት ወዲ ሰብ ናብ ናይ ኣራዊት ባህሪያት ዚተቀየረሉ ዘመን

    እንስሳ ጥራሕ አዩ ዉላዱ ብጸላኢ ኣራዊት አንዳተበልዐ ከሎ ካብቲ ቦታ አልይ ብምባል ብምፍርሒ ተወሓጣ በሓዘን ካብ ማህጸን ንዝወጸ ዉላዳ እንዳተበልዐን እንዳተዋሕጠን ከሎ ትገብሮ ኣማራጺ ስለዘይብላ ትም ኢላ ትሪኢምበር ሰብ ወዲ ኣዳም ማለት ናይ ሰብ ፍጥረት ዝኾነ ኢሪትራዊ ዜጋ ኣብዚ ዘለናዮ መዋእል ናብ እንስሳ መሰል ናብ ናይ ኣራዊት ባህሪያት ዚተቀየረሉ ዘመን በጺሕና ኣለና። ዉላዱን ክፋል ኣካላቱን ንዚኾነ ቢኣራዊት እንዳተበልዐን እንዳተዋሕጠን ኣማዕዲዩ ከም እንስሳ ትም ኢሉ ዚሪኤሉን ዘስቅጠሉን ዘመን ተበጺሑ ኣሎ።

    ተግባራትናን ባህሪታትናን ኣብ ክንዲ ንኣራዊት ንመስል ንሰብ ወዲ ኣዳም ብምምሳል ብኣራዊት መሰል ሰብ ህዝብና ካብ ምብላዕን ምጽናትን ነድሕን ምኽንያቱ እቲ ሓቀኛ ባህሪያት ወዲ ሰብ እዚ ተግባራዚ ስለዚኾነ።

Post a Reply to kerenlaelay Cancel Reply