Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ካብ መደረ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ፡ ደበስ ኣይረኸብኩን ካልኣይ ቀብሪ ግን ኣይተጸበኹን

መንግስቲ ወይ መራሒ ሃገር፡ ኣረጊት ዓመት ብሓድሽ ዓመት ክትካእ እንከሎ፡ ከምቲ ልሙድ፡ ዝሓለፈ ሓያልን ድኹምን መዳያቱ ብቅንዕና ምግምጋምን ንመጻኢ ጭቡጣት መዳባት ምትላምን ንህዝቢ ዘተስፉ ብስራት ምሃብን’ዩ፡፡ ውልቀ መላኺ ኢሳይስ ኣፈወርቂ ብኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመተ 2017, ኣብ

መንግስቲ ወይ መራሒ ሃገር፡ ኣረጊት ዓመት ብሓድሽ ዓመት ክትካእ እንከሎ፡ ከምቲ ልሙድ፡ ዝሓለፈ ሓያልን ድኹምን መዳያቱ ብቅንዕና ምግምጋምን ንመጻኢ ጭቡጣት መዳባት ምትላምን ንህዝቢ ዘተስፉ ብስራት ምሃብን’ዩ፡፡ ውልቀ መላኺ ኢሳይስ ኣፈወርቂ ብኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመተ 2017, ኣብ መወዳእታ ጥሪ ምስ ሰለስተ ናይ ስርዓት ህግደፍ ጋዜጠኛታት ኣብ ዘካይዶ ስማዊ ቃለ-መጠይቅ ግን ብድዐ፡ ስልበጣን ምሕጫጭን ዝተዓብለለ’ዩ ነይሩ። እቲ ንሓደ ሕቶ ንምምላስ ልዕሊ 30 ደቃይቅ ዝወስደሉ ዝነበረ ኣሰልቻውን ንክውንነት ኤርትራ ዘይውክልን ቃለ-መጠይቅ፡ ናይ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ንኤርትራ ጥራይ ዝምልከት ዛዕባታት ዘይኮነ ዳህሲሱ ንምሉእ ዓለምን ጉዳያት ካልኦት ሃገራትን’ውን ዘጠቃለለ’ዩ ነይሩ። በቲ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ዝሃቦ መግለጺታት ድማ፡ ኢሳያስ ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ፕረሲደንት ሕብረት ኤውሮጳን ናይ መበል 21 ዘመን ናይ  ኩሉ ዓውድታት ፈላስፋ ኮይኑ ነይሩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ብላዕ ዘይበልዎስ ጽብሑለይ በለ ወይ ድማ መን መርዓት ምስበለክን ትኳሓላ ዝብሃል ድማ ከምዚ ናይ ኢሳያስ ጠባያትን ምውርዛይን ምስ በዝሐ’ዩ። ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ክንደይ ሰዓት ለፍሊፉ፡ መኣስን ኣበይን መደረ ኣስሚዑ ንህዝቢ ዘገድስ’ኳ እንተኾነ፡ እቲ ቀንዲ ቁምነገር ግን ትሕዝቶ ናይቲ ዝተባህለ ክሳብ ክንደይ ንሃገርን ህዝብን ኤርትራ የገድስን የርብሕን’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ረድዩ ጸሊኡ፡ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ታሪኹ ኣጋጢምዎ ዘይፈልጥ ሕሰም የሕልፍ ስለዘሎ፡ ካብቲ ባዕሉ ዝተሸመ መራሒ መንግስቲ’የ ዝብል ኢሳያስ መግለጺ ክወሃብ’ዩ ምስተባህለ፡ ኮን ደኾን መራሒና ናብ ልቡ ተመሊሱ ሰላም፡ ምፍታሕ እሱራት፡ ምብቃዕ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ስደትን፡ ብልጽግና፡ ፍቅርን ምትእኽኻብ ስድራቤታትን ዘተስፉ ብስራት የስምዓና ይኸውን” ኢሉ ዓቢ ሃንቀውታ እንተገበረ ጽቡቅ ባህጊ እምበር ጌጋ ኣይኮነን። እንተኾነ፡ ካብ ኢሳያስ ሰላም፡ ምዕባለን ፍትሕን ምጽባይ ብዕራይ ሓሊብካ ጓጉድ ጸባ ምጽባይ’ዩ።

ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት፡ ኣብ በበይኖም መዳያት ተወጢኖም ዝነበሩ ልምዓታዊ መደባትን ምምሕያሽ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ኩሎም ከምዝፈሸሉን ዘዕግብ ውጽኢት ከምዘይሃቡን ብድፍረት ገሊጹ። ኣውራ ጠንቂ ፍሽለታት ናይቶም ተተኢሞም ዝነበሩ መደባት፡ ኢሳያስ ባዕሉ ከምዝኾነ ግን ተንከስ ኢሉ ሓንቲ ቃል ከተንብህ ኣይደለየን። ኣብ ክንድኡ ከም ኣመሉ ንኻልኦት ምውንጃልን ናይ ትምክሕቲ ምስምስ ምፍጣርን መሪጹ። ትዕቢተኛ ኢሳያስ ደጋጊሙ ግን ድማ ብዝተፈላለየ ሽሓጢ ኣቀራርባን ቃናን፡ “ዓለም ንምድኻምናን ንምጥፋእናን ዘይፈንቀለቶ እምኒ ዘይፍሓሰቶ ተንኮል የለን፡፡ ዓቅሚ ሰብና ንምጽንቃቕን ንምብትታናን እውጅ ኩናት ተኻዩዱልና፡ ብጽንዓትና ግን ንኹሉ በዲህና ጠጠው ኢልናን ሓይልናን” ኢሉ ዘገርም’ዩ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ኣብ ስደት፡ ክቱር ጥሜት፡ ውትህድርናን ማእሰርትን እንከለዉ፡ “ተንኮላት ዓለም ኣፍሺልና፡ ጎቢዝናን ኣብ ሓዊ ተጠቢስናን ወጺና መጻኢና ድማ ትስፉው’ዩ” ምባል፡ ዘይኩርምትኻ ሑጻ ቆርጥመሉ ስለዝኾነ ኢሳያስ ምግባት ስልጣን እምበር ሕሰምን ምብትታንን ህዝቢ ኤርትራ ዝዓጦ ኣይኮነን። ውልቀመላኺ ኢሳያስ፡ ካብ ንኤርትራ ኣብ ዘገድሱ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን ጉዳያት ዝዛረብ፡ አብ ጉዳይ ካልኦት ሃገራትን መንግስታትን ዓጀው ኢሉ። ካብቲ ንመላእ ዓለም ዝኾብለለ መግለጺ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ዝተረጋገጸ ኣገዳሲ ጉዳያት ግን ኣሎ።

 ቀዳማይ፡ ጉሒላ ኢሳያስ፡ ኣብ ኤርትራ ንኹሉ ፖለቲካዊ መስርሕ ዝቅይስን ዝመርሕን ሕጂ‘ውን እንኮ ህግደፍ ምዃኑን፡ ቅዋም፡ ምርጫን ዲሞክራስን ዝብሃሉ ኣምራት ኣብ ኣጀንዳ ህግደፍ ቦታ ከምዘይብሎም ብምሕባር፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይካ ህግደፍ ዝኣዘዞ ምፍጻም ካልእ ምርጫ ከምዘይብሉ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

ካልኣይ፡ ብኣገላልጻ መላኺ ኢሳያስ፡ እቲ ህዝብን ሰራዊትን ንምቁጽጻሩ መታን ክጥዕም ሓንሳብ ብዞባታት ካልእ እዋን ድማ ብወተሃደራዊ እዚታት ክመቃቀል ዝጸንሐ ኣወዳድባ ተሪፉ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ሰለስተ ናይ መኸተ ዞባታትን ግንባራትን ከምዝቀውም ኣብ ወጻኢ ድማ ነቲ ካብ ግዱድ ዕስክርናን ድኽነትን ኣምሊጡ ኣብ ስደት ዘሎ ዓቢ ክፋል ህዝብና ንምስላይ፡ ናይ ዕቁባ መሰላቱ ንምትዕንቃፍ፡ ዓለም ንምድንጋርን ሓደ ዞባ ከምዝምስረት ሓቢሩ፡፡

ሳልሳይ፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ንመሰረታዊ ጉዳያት ጎስዩ፡ ንኣብነት ሕቶ ቅዋም፡ ተነጽሎ ኤርትራ ዘብቅዓሉ ትልሚ ምሕንጻጽ፡ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎሎት ዝውዳኣሉ፡ ብዘይ ሕጊ ተኣሲሮም ዘለዉ ዜጋታት ኣብ ፍርዲ ምቅራ፡ ሰብኣዊ መሰል ዝረጋገጸሉ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝወከሎ ስርዓት መንግስቲ ምትካል ዝብሉን ካልኦትን፡ ብፍላጥን ሓልዮት ህዝቢ ስለዘይብሉን ክትንክፎ ኣይደለየን።

እቶም የማናይ ኢድ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ዝኾነ ብየማነ ገብረመስቀልን የማነ ገብረኣብን ተዳልዮም፡ ንኢሳያስ ደረቅ ቃለመጠይቅ ከካይዱ ሕቶታት ዝተዋህቡ ንጋዜጠኛታት’ውን፡ ስዓብ ተኸተል ሕቶታት ከቅርቡሉ መሰል ኣይነበሮምን። እተን ዝተዋህብኦም ሕቶታት ከም መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብውን ተራእዮም። ምኽንያቱ ናይ ጋዜጠኛ ስነምግባርን ግቡኣትን እንተፈጺሞም ማእሰርትን መግናሕትን ከምዘሎ ስለዝፈልጡ፡ ኢሳያስ ሃለውለዉ ክሳብ ዘቛርጽ ብጽሞና ክጽበዩ ኣለዎም። እዚ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ምዝራብን ሓቂ ክፈልጥን መሰል ከምዘይብሉ ተወሳኺ መርትዖ’ዩ። መልስታትን ዲስኩርን ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ንጹርን ሕጫጨ ዝሓዘለን’ዩ ነይሩ ። ንኣፈን ዘይረኸባ ዝቁርጠም ንርእሰን ሻሽ መጠምጠም ከምዝብሃል፡ ህዝቢ ኤርትራ ቁራስ እንጀራ ስኢኑ እንከሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ ቻይናም ቁጣብ ክለምድ ኣለዎ ክብል ተላብዮ። እዞም ካብ ጨካን ምንጋጋ ህግደፍ ክናገፉ ኣብ ማእከላይ ባሕርን ምድረበዳን ህይወቶም ዝሰኣኑን ንቡር ስነስርዓት ቀብሪ ዘይተገብረሎምን ኣማኢትን ዓሰርተታ ኣሽሓት ኣብ ስደት ዘለውን ኤርትራውያን፡ “ብምዕራባውያን ሃገራት ተደናጊሮምን ኣብ ወጻኢ ገነት ኣሎ ተባሂሎም’ዮም ሃገሮም ገዲፎም ንጸገም ተቃሊዖም” ኢሉ ፈሪዱዎም። እዚ ጨካንን ዓንዳርን ስርዓት ህግደፍ፡ ኤርትራን ህዝባን ንምጽናትን ንምርጋጽን ዘካይዶ ዘሎ ሓደገኛ ውጥን፡ ህዝቢ ኤርትራ ሰሚሩን ተቢዑን ካብ ቃላት ንላዕሊ ስጉምቲ እንተዘይወሲዱ ድማ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ዝሞተን ዝተቀብረን ኩሉ መሰላት፡ ኣብ ክንዲ ንህዝቢ ኤርትራ ዝድብስን ልቢ ዝረስርስን ግብራዊ ስጉምቲ ምውሳድ፡ ሎሚ’ውን ካልኣይ ቀብሪ ከምዝገብር’ዩ ገሊጹ ዘሎ። ስለዚ ኤርትራውያን፡ እንታይ ክሳብ ንኸውን ኢና ንጽበ ዘሎና? ህይወት ዘለዎ ህዝብና ካብ ኤርትራ ጸኒቱ፡ ኣስከሬን ዜጋታትና ተፋሒሩ ካብ መሬትና ክሳብ ዝግዕዝ? ዓገብ!!

ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 4 ጥሪ 2017

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
10 COMMENTS
  • k.tewolde February 4, 2017

    Is anybody home? Is there anybody with wit and testosterone who can unseat this elderly senior citizen with slurred speech? Entay Ma’at iyu weriduna?

  • PH February 4, 2017

    ሙኹዋን ኢኹዋ ሓቁ እንድዩ፡ድኽመታትና በዚ ፡ዓለም ዘይምግዳሳ ክኣ በቲ ካልእ፡ሎሚ ኣብ መጋባእያ በት-ፍርዲ ከምዘይ ቀርብ ምስኣረጋገጸ ድሮ ክጉብዕ ጀሚሩ።መቸም፡ሓደ መንእሰይ ኣብ እንዳሻሂ ክዘናጋዕ ኢንተርእዩ ዓይኑ ደም ኢያ ትመሊኦ።ብገንዘብ ሓዋላ ክብል’ውን በጨቅ ኣቢሉ ኢዩ።ኣየ ሓሳድ ፍጥረት!ምስ ጸጋታትና ከለና ኢዩ ዝሕጭጨልና ዘሎ።ንመዋእል ዝተሰደ ዘጋ ከጣይስ ዘይደሊ ፡በንጻሩ ብጅምላ ዝሰጉግ ናይ ጥፋኣት ኣረምየን ኢዩ።ከምስል ፡ናይ ጣዕሳ forum ኣፈሪሙ ዓድኻ የብጽሓካ ፓስፖርትኻ ከይወቅዐ።ተመሊሱ ግን፡ሊስታ ሒዙ ንዝምልከቶም መንግስታት የረክብ ኢሞ ከምዚ ናይ swiss court ውሳንየ የጋጥም።ስለዚ ካብ ውልቀ መላኺ ብዙሕ ንመሃር ስለዘለና ዝያዳ ንሕሰብ ብሓላይ ኢየ።

  • stefanos temolso February 4, 2017

    ትማሊ ትማሊ ናይ 25 ተኣምራት ሰሪሕና ክብሃል ጸኒሑ። እዚ ዕቡድ ሰብኣይ ድማ ኵሉ ብላሽዩ ኢሉዎ። እሞ መንዩ ተሓታቲ? ባዕሉ ወይ እቲ ንሱ ዝመርሖ ህግደፍዶ ኣይኮነን። ናብ ህዝቢ ድዩ ከላግቦ፡ ናብ ወያኔ፡ ናብ ሃገራት ምዕራብ፡ ብኣጠቓላሊ ናብ ዓለም፡ ናብ ኣምላኽ? ኢሰያስ ዘይዛረቦ የብሉን! መዳኸሚ እዩ። ኣእምሮኡ ስሒቱ ዘሎ ሰብኣይ’ዩ!

  • Biniam February 6, 2017

    I can’t extricate myself from Selam Kidane’s previous great but sad observation.
    The fathers and mothers (all from the alien loving evil-ghedli) died liberating the country called Eritrea.
    And the children are dying running away from it ……. the irony ……. the tragedy ………. the absurd reality of being Eritrean. …………. Selam Kidane of Asmarino.com.

  • Peter February 6, 2017

    The origin of the topic article about the dectator Isayas Afewerki’s cruel treatment and our people’s pain. We can agree or disagree with the writer and contribute something that to solve the current horrific situation of Eritrean people. It is not about Gedli, Muslim, Ethioppea or to highlight our differences rather it supposed to focus how to defeat our ENEMY,HIGDEF.

POST A COMMENT