ካብ ህግደፍ ዝጽበ
ንታይ ዝኾነ ዩ: ካብ ህግደፍ ዝጽበ ፍረ ዕንወት: መሰረት ድንቁርና ካብ ሕማቕ ናብ ዝኸፍአ ዘውረደና ዘር ኢ ሙስሉያት ዝገበረና ኣብ ሰጣሕ ጎልጎል ኣውሪዱ ዝደርበየና ጥሙያት: ፈራሓት ጌሩ: ስረ ዘፍተሓና ህግደፍ ኳዩ ኣብዚ ዘብጸሓና ካብ ህግደፍ ንጽበ ደኣ;ሞ: ስለምንታይ ኢና? ክብረት ስለዘይንፈቱ ዶ ዋላስ ሓንጎልና
ንታይ ዝኾነ ዩ: ካብ ህግደፍ ዝጽበ
ፍረ ዕንወት: መሰረት ድንቁርና
ካብ ሕማቕ ናብ ዝኸፍአ ዘውረደና
ዘር ኢ ሙስሉያት ዝገበረና
ኣብ ሰጣሕ ጎልጎል ኣውሪዱ ዝደርበየና
ጥሙያት: ፈራሓት ጌሩ: ስረ ዘፍተሓና
ህግደፍ ኳዩ ኣብዚ ዘብጸሓና
ካብ ህግደፍ ንጽበ ደኣ;ሞ: ስለምንታይ ኢና?
ክብረት ስለዘይንፈቱ
ዶ ዋላስ ሓንጎልና ስለዘይሰርሕ
ዋላ ኣብ ስደት ከለና ብህግደፍ ክንፈርሕ
ኣንታ እንታይ መዓቱ
ንሰማዒ ዘደንጹ: ንለባም ዘሕፍር
ኣዝዩ ዘነውር: ጠሪሱ ዘይንቡር!
ኣይከም ናትናን
ኣብ ካልእ ኣይረኣናን: ኣይሰማዕናን
ተገላብጦሽ! ኣብ ግዜ ህግደፍ
ጽቡቕ – ብሕማቕ: ተቐይሩ ክተርፍ
ኣቦ ሓጎ ክሰርሕ: ኮለኔል ከዕርፍ
ክኢላ ኣብ ትሕቲ መሬት: በዓል ካላሽን ዲጋ ክሰርሕ
ኣብዚ እንሀልካ ናይ ጥፍኣት መሪሕ!
እዋይ ህግደፍ: ናይ ተንኮል ኮነ ጥፍኣት በሊሕ
ግን: ግንየ ዝብለኩም: ስጋዕ ሕጂ ንህግደፍ ዝጽበዩ
ፋዱስ ከይ ኣኸለ: ዘንቧህቑ
ደም መጽረዪ መሲሉዎም: ዊስኪ ዝጭልጡ
ን ኤርትራ ረሲዖም: ህግደፍ ክብሉ ዝዋጥዩ
ኣብ ቃልዕ ከሞግሱ: ብሒቶም ዝበኽዩ
መጓሂቱ ህዝቦም: ስረኦም ዘጠልቀዩ
እምበር! በዚሎምደኣ: ንህግደፍ?
ግደፍዶ ነዚኦም ኣረሜናት ክትድግፍ
ደጋፊኦም ኔረ: ኢልካ ክትዛረብ ከማን ዘሕንኽ
እሞ መንደኣ ‘ዩ ዝድግፎም
ነዞም ኣረሜናት ሓተላ ታሪኾም
ይፍልጦም የ ክትብል ዘሕፍር: ሙሽ’ዶ ክትድግፎም
በዓል ኣይሓፍራ/ኣይሓፍሩ: ባንዴራ ተጠቕሊሎም
ተጠሊዖም ዘዂዱዱሎም
ፍጥረት ሰብ ዘይብሎም
ፓፓጋሎታት ናይ ዘመና
ሰብ ድኹማት ሕልና
ጸሓይ ምስ በረቐ: ምስ ህግደፍ ተትጠፍኡልና
እንታይ ከይተርፈና
Simon G.
Berhe Tensea December 2, 2016
Thank you for the exceptionally excellent cartoon.