Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ከምዚ ስርዓት’ዝስ ተራእዩ ይፈልጥ ዶ?

ዝኾነ ስርዓት ወይ ህዝቢ ብዛዕባ ታሪኹ ጸጽቡቑ እዩ ዝስንድ፡ ዘዘንቱ ወይ ዘዕልል። ዝበዛሕና ኤርትራውያን’ውን ንታሪኽና ኣጸባቢቕና ኢና ክንገልጽ ጸኒሕና። ታሪኽ እወታውን ኣሉታውን ባህሪ ከም ዘሎዎ ንፈልጥን ንግንዘብን ግን ክንደይ ኢና። ነዚ ፈሊጥና ንቕበሎን ንገልጾንከ ክንደይ

ዝኾነ ስርዓት ወይ ህዝቢ ብዛዕባ ታሪኹ ጸጽቡቑ እዩ ዝስንድ፡ ዘዘንቱ ወይ ዘዕልል። ዝበዛሕና ኤርትራውያን’ውን ንታሪኽና ኣጸባቢቕና ኢና ክንገልጽ ጸኒሕና። ታሪኽ እወታውን ኣሉታውን ባህሪ ከም ዘሎዎ ንፈልጥን ንግንዘብን ግን ክንደይ ኢና። ነዚ ፈሊጥና ንቕበሎን ንገልጾንከ ክንደይ ኮን ንኸውን። ብፍላይ ሎሚ እዋን ምስ ህላዌ ደጋፊ፡ ተቓዋሚ፡ ህግደፋዊ፡ ደላዪ ፍትሒ፡ ኣይህግደፍ ኣይደላዪ ፍትሒ፤ ታሪኽ ክትገልጽ ምስ እትፍትን እቲ ጕዳይ ዝያዳ ተኣፋፊ ይኸውን። ምኽንያቱ ወዲሰብ ብተፈጥሮኡ ፈታው ውዳሴ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ኣብ ትናትኔን መግለጽን ናብ ክልተ ጫፋት ኢኻ ፋሕ ትብል። ናብ ነጥብና ምስ እንምለስ ህግሓኤ ብፍላይ ኣብ ግዜ ቃልስን ክሳዕ 1997 ካብ ልክዕ ዝሓለፈ’ኳ ደኣ ተወዲሱ። ርግጽ’ዩ በንጻር ውዳሴ ናይ ዝበዝሐ ኣባላት ተሓኤን ሰዓብቱን ብርቱዕ ወቐሳን ኵነኔን ይወርዶ ከም ዝነበረን ዘሎን ክርሳዕ የብሉን። ህግሓኤ ኣብ ግዜ ቃልሲ ከሎን ድሕሪ ናጽነት’ውን ንውሱን እዋን’ኳ እንተ ተወደሰ፡ ህዝቢ ኣንጻሩ ወቐሳ ክጅምር ግዜ ኣይወሰደን። ስለምንታይ ዝብል ሕቶ ምስ ዝለዓል ቅድም ቀዳድም ረብሓኡ ስለ ዝተተንከፈ ዝብል መልሲ ኢና ንረክብ። እቲ ሕድሪ ስዉኣት ጥሊሙ ዝብል ሕቶ ድሒሩ እዩ ዝቕልቀል። ምኽንያቱ ህግደፍ ንተጋደልቲ ብዘይ ፍርዲ ክኣስር፡ ይኹን ንስንኵላን ክርሽን ወይ ሰባት ብዘይ ፍርዲ ኣብ ቀይዲ ከእቱ ከሎ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ጀሚርካ ክሳዕ’ቲ ዝተሓተ ዜጋ ዝሓተተ ይኹን ዝተገደሰ ኣይነበረን። ስለምንታይ እንተ ተባህለ እቲ ስርዓት ነቲ በብግዜኡ ዘካይዶ ዝነበረ ምዕምጻጽ ፍትሕን ሕግን፡ መራኸቢ ብዙሓን  እናተጠቕመ ብዝተራቐቐ ናይ ምዕፋን ጥበብ ብምዝውታር ብዝህቢ ከም ዘይለዓል ይገብሮ ነይሩ። ድሕሪኡ እቲ ኩላትና ንፈልጦ ይኣክል! ክብሉ ናይ ዝፈተኑ ገዳይም ሓለፍትን ጋዜጠኛታትን ምእሳር ታሪኽ’ዩ ዝስዕብ።

ድሕርዚ መድረኽ’ዚ እዩ’ምበኣር ኢሰያስ ውልቃዊ ስልጣን ጨቢጡ ናብ ምሉእ ውልቀመላኺ ምስ ተቐየረን፡ ጽባሕ ጽባሕ  ፊን ዘበሎ ኣዋጃት ክፍኑ ምስ ጀመረን ህዝቢ ከማርርን ኣውያቱ ከስምዕን ዝጀመረ። ኣብ ዝኾነ ሕብረተሰብ ህዝቢ ንመነባብሮኡ ዝሃሲ ጕዳይ ከጋጥም ከሎ ብውዱብ ይኹን ብዘይተወደበ ኣገባብ ናዕቢ እዩ ዘካይድ። ኣብ ሱዳን ዋጋ ነዳዲ ምስ ወሰኸ ከም ሳዕቤን ክፍሊት ኣውቶቡስ ከተማ ዓሰርተ ሳንቲም ወሲኹ። ንጽባሒቱ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸር ህዝቢ ካርቱም ናብ ጽርግያ ብምትውሻሕ ንስርዓት ጃዕፈር ኣልኑመሪ ካብ ስልጣን ከም ዝእለ ገይሩዎ። ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ኣዕራብ ይኹን ሃገራት ኣፍሪቃ ዘጋጠመ ተምሳሳሊ ተርእዮ’ውን ከም ኣብነት ክጥቀስ ይከኣል። ገለ ብኡንብኡ ዝተዓወተ ክኸውን ከሎ ገለ ድማ ብሰንኪ እቲ ዝመሽመሸ ስርዓታት ዝፈጠሮ ምክፍፋል ሜላ ናብ ውግእ ሓድሕድ ዘድሃበን ህይወት ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰላማዊ ህዝቢ ዘጥፍአን ነይሩ። ነቲ ውግእ ሓድሕድ ኢድ ወጻእተኛታት ክሕወሶ ከሎ ድማ እቲ ምንቅስቓስ ሃገራዊ መልክዑ ኣጥፊኡ ብባዕዳውያን ሓይልታት ዝዝወር ይኸውን። ኣብ ሶማል፡ ሶርያን ሊብያን ዝተራእየ ምንቅስቓሳት ናይ ቀረባ ኣብነት’ዩ። ኣብ ከምዚ ኵነታት፡ ናብ ጕዳይ ሃገርና ተመሊስና ህዝቢ ኤርትራ ስለምንታይ ስቓዩ ክብርትዕ ከሎ፡ ህይወት ደቁን ህይወቱን ኣብ ሓደጋ ክወድቕ እናረኣየ፡ ልዕሊ ዅሉ ድማ ህላዌ ሃገር ኣብ ሓደጋ ክወድቕ እናረኣየ ስለምንታይ ክንቀሳቐስ ዘይተራእየ? ዝብል ሕቶ ክነልዕል ባህርያዊ ይኸውን። ነዚ ሕቶ’ዚ ብዙሓት ሰባት ኣልዒሎም ይዘራረቡሉ’ኳ እንተኾኑ ኣብ ናይ ሓባር ነጥቢ ዝበጽሑ ግን ውሑዳት’ዮም። ገለ ካብኣቶም፡ “ህዝቢ ኤርትራ ሰነፍ’ዩ! እዚ ዅሉ ኣደራዕን ግፍዕን እናጋጠሞ ከሎ ምንቕ ዘይምባሉ ምልክት ተመላኽነቱ እዩ፡” ክብሉ ከለዉ፡ ገለ ድማ “ኣብ ክንዲ ንህዝቢ ኤርትራ ምምራር ነፍስወከፍና ነንባዕልና ዘይንሓትት፡ ኣነ ንስኻ፡ ንሱ ኣንጻርቲ መላኺ ስርዓት ተወፊና ዲና? ህዝቢ ክንቀሳቐስ እንተኾይኑኮ ዝመርሖን ዝውድቦን ይደሊ እዩ፡” ይብሉ ካልኦት ድማ “ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ተወዳዲብካ ክትሰርሕ ዝከኣል ኣይኮነን፡ ምኽንያቱ ከም ህግደፍ ዝኣመሰለ ኣዝዩ ዝተወደበን ምስጢራውን ስርዓት ነዊሕ ናይ ምጭፍላቕ ተሞክሮ ስለ ዘሎዎ፡ ኣብ ፍትሕን ደሞክራስን ዘይኣምን ክነሱ፡ ንዝኾነ ምንቅስቓስ ወይ ውዳቤ ገና ኣብ ክልተ ወይ ሰለስተ ሰባት ከሎ ማለት ከም ድቂ ጅምር ከብል ብጭካኔን ብዘይ ኣሰር ስለ ዘጥፍኦ፡ ተወዲብካ ክትሰርሕ ዝከኣል ኣይኮነን፡” ይብሉ። ትንታኔ ናይ ዘተፍላለዩ ሰባት በበይኑን ተመሳሳልን ክኸውን ይኽእል’ዩ። ብዘይካ’ቲ ንህዝቢ ዘከሻምሽ ህዝቢ ኤርትራ ሰነፍ’ዩ ዝብል ዘሰክፍ ዘረባ ግን እቲ ዝተረፈ ብምሉኡ ቅኑዕ ትንታኔ እዩ። ሓደ ሃጓፍ ግን ክምልእ።

ህዝቢ ኤርትራ ንመዋእል ኣብ ትሕቲ ተበራረይቲ ባዕዳውያን ገዛእቲ ዝረብረበን ናይ ሰላሳ ዓመታት ደማዊ ኵናት ብምክያድ ብስእነት ሰላም ላሕ ዝበለ ህዝቢ እዩ። ናጽነት ዝብሃል ኣምር’ውን ብዘይካ ብደረጃ ዓዲ ወይ ወረዳ ብደረጃ ሃገርን ልኡላውነትን ኣስተማቒሩዎ ኣይፈልጥን። እቲ ድሕሪ ናጽነት ከስተማቐሮ ዝጀመረ ናጽነት ድማ ኩላትና ከም ንፈልጦ ኣብ ሓጺር ግዜ ተቘጽዩ ተሪፉ። ኣብ ኣርባዓታት ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ፡ እቲ መንቃሕቋሕታ ዘሎዎ ክፋል ህዝብና ምስ ዘበናዊ ፖለቲካ ብምልላይ ሰልፍታቱ መስሪቱ ንምሉእ ሃገራዊ ናጽነት ይዳሎ ነይሩ። እቲ ጕዳይ ግን ብሰንኪ ኣህጉራዊ ፖለቲካን ረብሓ ሓያላት መንግስታትን ማእከላይ መንገዲ ብምሓዝ፡ ሃገርና ኤርትራ ብፈደራላዊ ምሕደራ ምስ ኢትዮጵያ ክትመሓደር ጀሚራ። ኣብቲ እዋን’ቲ ኤርትራ፡ ኣብ ፖለቲካ፡ ምሕደራን ትካላዊ ኣሰራርሓን እታ ዝማዕበለት ሃገር ከም ዝነበረት መዛግብ ታሪኽ ዝምስክሩዎ ሓቂ እዩ። ብህዝቢ ዝተመርጸ ብግቡእ ዝሰርሕ ባይቶ፡ ናጻ ፕረስን ኣዝዩ ምዕቡል ውዳቤ ዝነበሮ ማሕበር ሰራሕተኛታትን ድማ ነይሩ። ኤርትራ በዚ ኣገባብዚ ክትመሓደር ከላ ኢትዮጵያ ገና ኣብ ትሕቲ ንጉሳዊ ምሕደራ ተቘሪና ብድሕረት ትሳቐ ነይራ። እዚ ዅሉ ምዕባለ ግን ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ምስ ተቘርነት ከም ዘይነበረ ኮይኑ። እዚ ክኸውን ከሎ ዝተራእየ ናዕቢ እንተ ነይሩ እቲ ኣብ 1958 ብማሕበራ ሰራሕተኛታ ዝተራእየ ተቓውሞ ሰራሕተኛታትን ኣብ ግዜ ምቝራን ኤርትራ ዝተኸስተ ተቓውሞ ናይ ተመሃሮን እዩ። ኣብቲ ሰፊሕ ህዝቢ ዝተራእየ ናዕቢ ኣይነበረን። ስለምንታይ እንተ ተባህለ ኣብ መንጎ ምስ ኢትዮጵያ ምቝራንን ምምሕዳር ፈደረሽንን ዝርድኦ ህዝቢ ኣመና ውሑድ እዩ ነይሩ። እቲ ኣብ ገጠር ዝነብር ህዝብና 90% ስለ ዝነበረ ብዛዕባዚ ክንዲ ፍረ ጣፍ ኣፍልጦ ነይሩዎ ክብሃል ኣይከኣልን።

ንሱ ጥራይ ዘይኮነ እቶም ኣብ ጥቓኡ ዘለዉ ኣመሓደርቲ እቶም ቅድም ዝፈልጦም ቋንቋኡ ዝዛረቡን ንዑኡ ዝመስሉን’ዮም። ንሳቶም ከም ቀደሞም ንቡር ህይወቶም እናካየዱ ከለዉ እቲ ሓፍሽ ህዝቢ ክነቓነቕ ዝሕሰብ ኣይኮነን። እንታይ ስለ ዝኾነ? ኣብ መነባብሮ ይኹን ኣብ ምምሕዳር ዝተጋህደ ንሱ ክፈልጦ ዝኽእል ፍሉይ ለውጢ ኣይነበረን። ስለዚ፡ በዝን ክንድዝን ተቓውሞ ክገብር ኣይተበገሰን። ቃልሲ ምስ ተጀምረ’ውን ድሕሪ 13 ዓመታት ማለት ድሕሪ ውድቀት ሃይለስላሴ እዩ እቲ ቃልሲ ህዝባዊ መልክዕ ክሕዝ ዝኸኣለ። እቲ ምኽንያት ውሽጣዊ ምዕባለ ናይተን ውድባትን ምውዳቕ ስርዓት ሃይለስላሴ ዝፈጠሮ ተዛማዲ ጽልዋን ድማ ቀንዲ ምኽንያት ናይቲ ቅልጡፍ ምዓባለታት ነይሩ። ሰውራ ኤርትራ ምስቲ ብዙሕ ጋሕማጥ ምሕደራን ኣንጻር ህዝብን ንጹሃት ተጋደልትን ዝተፈጸመ ገበናትን ናጽነት ኣምጺኡ። እቲ ብዋጋ ኣሽሓት ስዉኣት ዝተረኽበ ናጽነት መሬት ግን መራሕቱ ኣውራ ድማ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ናብ ባርነት ተቐዪሩ። ኢሰያስ ብዘገምታ ንመላእ ህዝብን ሃገርን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ብምእታው ነታ ሃገር ህዝባ ክነብራ ናብ ዘይትኽእል ህያው ሲኦል ቀዪሩዋ። ዝበዝሕ ህዝቢ ድማ ኣብ ግዜ ደርግ ይሕሸና ነይሩ ናብ ዝብለሉ ደረጃ በጺሑ። እቲ ዝኸፍአ ነገር ድማ ህግደፍ ዝብሃል ቅዋም ኣሎኒ ዝብል፡ ስብም ደሞክራስን ፍትሕን ዝተጠመቐ ሰላሕታዊ ውድብ፡ ብሽርሕን ተንኰልን ስለ ዘመሓድር ከም ቀንዲ መሓውር ኢሰያስ ኮይኑ ንንጹሃት ዜጋታት ብዘይፍርዲ ይኣስር፡ ይጨዊ፡ ይቐትል ወዘተ። ንናጻ ጋዜጠኛታት ብምእሳርን ናጻ ፕረስ ብምርጋጥን ኣፍ ህዝቢ ዓቢሱ ድማ ነታ ሃገር ዝኾነ ነገር ዘይዝረባን ዘይርከባን ናይ ሕቡኣን መንበሪ ኣምሲሉዋ። እዚ እናኾነ ግን ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻርቲ ጨካን ስሮኣት ክለዓል ኣይመረጸን። ስለምንታይ እንተ ተባህለ ድሕሪ መዋእላት ካብ ባዕዳውያን ናጻ ኮይነ ኢሉ እናሓሰበ ኣብ ልዕል’ቲ ናይ ደቅና ዝብሎ መንግስቲ ጐነጽ ክፍጽም ትብዓት ኣይረኸበን። ከመይ’ሉኸ ክረክብ? ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ወራሪ ተበገስ ኢልካዮ ክብገስ ይኽእል’ዩ። ብናዕቢ ንሓደ መንግስቲ ናይ ምእላይ ባህሊ ግን ባህሉ ስለ ዘይኮነ ኣይፈልጦን’ዩ። እቲ ንሱ ዝፈልጦ ደሞክራሲ ድማ ካብ ናይ ዓዲ ወይ ወረዳ ዝሓልፍ ኣይኮነን። ልዕሊ ዅሉ ግን ኣስላማዩ ክስታናዩ ብኵናትን ወረ ኵናትን ዝረብረበ ስለ ዝኾነ ንዓ ተዋጋእ ወይ ንኵናት ተበገስ ኢልካዮ ክሰምዓካ ዝሕሰብ ኣይኮነን።

ሓደ ኣቦ ክዛረቡ ከለዉ ንህግደፍ ከምዚ ክብሉ ገሊጾሞ፡ “ኣነ ኣርባዕተ ባንዴራ ዝረኣኹ ሰብየ። ኩላቶም ዘርከብኩሎም ስርዓታት ከም ባህሪ በብዓቕሞም ጨቈንቲ’ኳ እንተ ነበሩ ነቲ ህዝቢ ገለ መተንፈሲ ይገብሩሉ ነይሮም። እዚ ስርዓት’ዚ ነዛ ሃገር ሺርኮሎ ገይሩ ብምዕጻው መተንፈሲ ዘይብላ ገይሩዋ። ኣብ ዕምረይ ከምዚ ስርዓት’ዚ ኣኼስ ርእየ ኣይፈልጥን፡” ክብሉ ንገለ ኣብ ቤትፍርዲ ዝሰርሑ ሰበስልጣን ከይፈርሑ ኣዕሊሎሞም። ብጐነጽ ክእለ ኣለዎ ግን ኣይበሉን። እዚ ዘረባታትዚ ኣብ ሰውራ ዝፈተንናን መንእሰያትን ጥራይዩ ዝስማዕ። ብዝኾነ፡ እቶም ሰብኣይ ፍቱውን ዕድመ ዝደፍኡን ብምንባሮም  እቶም ሰማዕቲ ስለ ዘየብጽሑሎም ካብ ማእሰርትን መግረፍትን ድሒኖም። ህግደፍ ሓደ ሃየንታ ዘይብሉ ኣረሜናዊ ስርዓት ምዃኑ ኩላትና ንፈልጦ’ኳ እንተኾንና፡ ዝተፈላለዩ ሰባት ኣብ ልዕለኦም ዝወረደ ስቅያትን ግፍዕን ከዕልሉኻ ከለዉ ሓደ ሓደ ግዜ፡ “ከምዚ ዓይነት ግፍዒ ዝፍጽሙ ሰባትስ ብሓቂ ኤርትራውያን ድዮም?” ናብ ምባል ትበጽሕ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ ኵሉ ሰብ “ኣብ ህይወተይ ከምዚ ስርዓት’ዚ ርእየን ሰሚዐን ኣይፈልጥን፡” ክብል ዝስማዕ። ርግጽ’ዩ ኣብ ዓለምና ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ኣህዛብ ዘጽነቱ ከም በዓል ሂትለር ናይ ጀርመን፡ ስታሊን ናይ ሶቬት ሕብረት፡ ፖልፖት ናይ ካምቦድያ ነይሮም’ዮም። ንኢሰያስ ዝፈልዮ ነገር እንተ’ልዩ ቅርሕንቱ ኣንጻር ፍሉያት ጸላእተይ ዝብሎም ሰባት ወይ ጕጅለ ዘይኮነ፡ በልማማ ኣንጻር ምሉእ ህዝቢ ዝቐንዐ ብምዃኑ እዩ። ነዚ ድማ ከምቶም ዝጠቐስናዮም ስርዓታት ብወግዒ ዘይኮነ ብሰላሕታን ብሕብእብእን እዩ ዝፍጽሞ። ኣብ ኤርትራ ዝኾነ ሰብ ብሕጊ ወይ ብወግዒ ተነጊሩ ዝኽሰስ ወይ ዝእሰር ተሰሚዑን ተራእዩን ኣይፈልጥን። እቶም ኣዝዮም ግፍዐኛታት ዝብሃሉ ኣፍሪቃውያን ዲክታተራት ኣንጻር ህዝቦም በልማማ ዝፈጽሙዎ እከይ ተግባር ኣብ ርእሲ ዘይምህላዉ ኣንጻር ጸላእትና ዝብሉዎም ዝፍጽሙዎ ማእሰርቲ ይኹን መቕተልቲ ብወግዒ’ዮም ይገብሩዎ። ስለዚ፡ ከምዚ ስርዓት’ዚ ምስሉይ፡ ግፍዐኛ፡ ስልሕም፡ ሽርሐኛ፡ ንህዝቡ ሰላም ከሊኡ ንጐረባብቱ ሰላም ዝኸልእ ኣብ ዓለም ተራእዩን ተሰሚዑን ኣይፈልጥን። ኣብ መደምደምታ፡ እሞ ነዚ እከይ ተግባራቱ በየናይ ዓቕሚ እዩ ዝፍጽሞ ዘሎ? ተባሂሉ ምስ ዝሕተት እቲ መልሲ ብመንገዲ መጋበርያታቱ ዝኾኑ ጸረ ህዝቢ ውሑዳት ውልቀሰባት ዝብል መልሲ ንረክብ። ክንዮ’ዚ ምስ ንኸይድ ድማ ንሕና ማለት ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ነቲ ዝወርደና ዘሎ ግፍዒ ኣብ ክንዲ ብሓደ ድምጺ “ያዕ! ዓገብ! ስለምንታይ? እዚ ግፍዕዚ ከብቅዕ ኣለዎ? ፍትሒ ይንገስ፡” ስለ ዘይበልና ምዃኑ ምስክር ዘድልዮ ዘረባ ኣይኮነን። ልዕሊ ዅሉ ግን ደለይቲ ፍትሒ ንብሃል ሎምስ ነታ ፍትሒ ብሓቂ ዲና ንደልያ ንማለቱ ኢና ከም ደርፊ ንደግማ ዘለና ዝብል ዘረባ ክንሃድመሉ ኣይንኽእልን። ኣብ ክንዲ ኣንጻር’ቲ ንህዝብና ዘሳቒ ዘሎ እኩይ ስርዓት ብሓደ ድምጺ ደው ኢልና ስለ ህዝብና ንጣበቕን ንቃለስን፡ ኣብ ኣንቸመንቺ ብምድሃብን ኣብ ጓል መንገዲ ብምእታውን ብዛዕባ ቈሎጥጥቖ ጥራይ ክንተሃናዀት ንውዕል ኣለና። ስለዚ፡ ኣብዚ ጀሚሩ ዘሎ ሓድሽ ዓመት ኣመንቲ ምስልምና ብስሚላህ ኣልራሕማን ኣልራሒም! ኢልና ክርስትያን ድማ በስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ኢልና ብምብጋስ ነዚ ስርዓት’ዚ ትንፋስ ክንህቦ የብልናን። ባዕሉ ወግሐ ጸብሐ ምስ ህዝቢ እናተባእሰ ይሕግዘና ስለ ዘሎ፡ ሓንሳብ ንሓዋሩን ነው! ኣቢልና ዓነውነው ነብሎ። ንሕና እንተ ነፊዕና ኢሰያስ ይትረፍ ዓመታት ኣዋርሕ’ውን ክጸንሕ ዓቕሚ የብሉን። ክንዕወት ኢና።

ኣስጢፋኖስ ገብረሚካኤል

 

 

 

 

 

 

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
11 COMMENTS
  • Simon G January 3, 2018

    ጽቡቕ ኣለኻ ‘ስቲፋኖስ። የግዳስ: ዝኹሉ ዓመታት ጸላኢና ብግቡእ ኣይፈለጥናን። ብሓንቲ ቃል ናትና መግለጺ “ኣይለበምናን” እንተ ተባህለ ምግናን ኣይኮነን።

    ==================================

    ንለብም!
    ==================================

    ኣይዓሸናንዶ ማራ: ካብ መጠን ንላዕሊ
    በዓል ካራ: ከናዲ መስሓሊ
    መታን ንሕና: ክንረግፍ ከም ቆጽሊ
    ከም ትማሊ: ከም ቅድሚ ትማሊ

    ================================
    ሩፍታ ተሳኢኑ
    ካብ መዓልቲ ናብ ዓመታት: ተስፋና በኒኑ
    ስቓይና ከይጎድል: ዕጽፊ ዕጽፍጻፍ ኮይኑ
    ስለምንታይ?
    ናይ ጸሎት ቋንቋና: በበይኑ
    ጌጋ! ዝብልዶ ተሳኢኑ
    ዋላስ! የእዛና ተሎኲቱ
    ይጽበ’ሎ: ፍርዲ ናይ ሕልፈቱ
    ትሕቲ ህልዋት: ቁሩብ ልዕል ካብ ዝሞቱ
    ==================================—

    ዋእ! ኣንቱም ሰባት
    ካን ከነስትማስል
    ሓሊፉ መዋእል
    ኣውያት ዓምቢቡ: ኣጥፊኡዋ ንዕልል
    መሰረት ከምዝሰኣና: ኣብ ሰንደልደል
    =================================

    ‘ት ዝ ገርም ግን

    ኣብ ክንዲ: ናይ ሕጂ ንላዘብ
    ኣብ ክንዲ: ናይ ጽባሕ ንዛረብ
    ካን! ኮይኑና: ብናይ ዕስራ ዓመት ንረባረብ
    ብዘይ መልሲ: ብዘይ ቁምነገር
    ኣብዘይጠቅም ኮለል
    እዋይ ናትና ነገር!
    ===============================

    ኣናህብ ብዘይ ንግስቲ ዶ ኴይና ሓቀይ?

    በጀኻትኩም! መፍትሒ ንድለ
    ኣእምሮና: ኣዝዩ ከይደስከለ
    ኣካላትና: ከይሰንከለ
    ጸላኢና: መሊሱ ከይሰወደ: ከይገበለ
    ===============================

    ሃገርና ኤርትራ
    ተጥሊዓ: ኡኡኡኡኡኡኡይ ትብል ኣላ
    ኩሉ ክዛረብ: ሰማዒ ስኢና

    =================================

    እሞኸደኣ እንታይ ‘ዩ ፈውስና?

    ምሕሳብ ንጀምር
    ምቁያቕ ይኣክል
    ሃገር ነድሕን: መንነትና ከይጠፈአ

    ህላወና ከይተረሰዐ
    ንሰማማዕ! ንከባበር
    ንተኣከብ: ገለ ንግበር
    ድሕሪ ህዝቢ: የለን ሃገር
    ብዘይ ሃገር: የለን ክብረት
    ስለ ዘየለ መንነት
    =================================

    ዝሓለፈ ሓሊፉ: ከም ትምህርቲ ወሲድና
    ጌጋና: ምርኩስ ጌርና
    ከነድሕን ሃገርና
    ሃገር-ኣልቦ: ከይኮና
    ዜሮ ሰዓት ኣኺሉ
    ኢደይ ኢድካ ንብለሉ
    ነዚ ኣረሜን ስርዓት: ንዓልወሉ
    ተበገስ ዝብል
    ብርቱዕ ቃጭል
    ተደዊሉ!

    • k.tewolde January 3, 2018

      Simon, you can’t condense the plight of the nation so beautifully. I hope it ricochet across the opposition landscape,stir up the slumbering mind,pound the playing dead alive,rock the stubborn to action,sway the misled into the right direction and yes clear this dark cloud that’s been hovering over us for awhile.Lets start the new calendar in the right footing.

      • Simon G January 3, 2018

        Thanks for the compliment, brother k.tewolde!

  • B. Russom January 3, 2018

    Ato Estifanos Selam:: I read your article slowly. carefully and completely. Thank you for your time devoted to teach and remind us of our history.
    Prior to your article, I just finished listening twenty eight minutes video at Meskerem by Amanuel Habte,..
    Based to my understanding that I could be wrong, both.are well thought and clear with relevant points to the title. It was soul searching for solution to the confusion the people of the nation is immersed in.
    While Amanuel highlighted his frustration with all past opposition.leaders, he was signalling messages to work with dictator. He never cross the boundary line to get rid of the dictator but literally suggesting the opposition to cooperate and work with the dictator. That is including living side by side with him at one’s peril.
    My answer to Mr. Amanuel would be, “Indeed,history repeats itself, how short of our memories.as if the sacrificial lambs G-15 is not suffice, What gave you confidence that it will work? ..
    However, he indicated many crucial points of the the malaise and weakness of the opposition. Nevertheless, he did not explain either how it should be corrected.in the future despite conciliation with the avowed public enemy..
    Mr. steve subject was comprehensive with step by step guide of our journey for independence from start to finish and after up to now including various hurdles encountered. .
    At the end, steve could not hide his dismay of the dictator’s wickedness that it was worse of any infamous ones alike of past dictators including pol pot and Hitler now festered flesh while our sadistic dictator is still breathing for now…
    Steve als elaborated that many conditions we passing through have not been conducive to add him to the garbage bin of history as his predecessors.

    • Gezae January 3, 2018

      I would like to say it is acceptable by one or another means to pick up ideas about the past and its linkages with the present, even if these ideas are sketchy or uninformed. But it is best to get help to access to these ideas and evidence of that history as an integral part of normal knowledge. Additionally, eventhough I/we are rooted in past, its general preconceptions often differ from one onother, and indeed unavoidable biased; however, if we want to evaluate or compare and contrast the prospect, we usually need to describe the major changes that occurred in during the course.

      I understand, most of the time when we debate or evualate the past, unfair alibi are the result of our preferring one account over the other because due to our interests. Thus it is useful to distinguish the history that is misleading by our personal inclination. So no body grumble about the assesment because we know politics and religion are two things that are based on preferences on a person’s sense of right and wrong rather than on facts. Hence, being right on the facts is much better than not giving a fig, while presumably, tyring to convince.

      Pretty much my point;society changes according to politics. The perception that they are worse arises from unwarranted hopes and expectations that the so called oppositions are playing the nastiest political games. Maybe individually some of them are not, but collectively they are. Thus this is/was a sensible enough stance in relation to the Eritrean poltics–an hubristic, reality-defying political escapade. But along the way they also forgot that politics is indeed about things that can be other than they are, thus about changing reality.

      We are all sometimes politically ignorant to some extent. But the so called opposition groups must be aware of the toxic effect of their rigid mindsets. as ‘tainted’ or contaminated by non national ideology. however, if they want to reduce the dangers of their political ignorance and deception, they should focus changing reality; because the painful truth about their disintegration or nervouse collaps as dear compatriot Mengustu said is that it is just the symptom of their longstanding problem nothing else.

      In respect to that, in conclusion ,even though a little bit late Mr. Amanuel Habte [Mengustu] is absolutely right. And I would comparable disclose my backing for displaying fair-mindedness, which may induce an interlocutor to trust and attempt to argue similar fair-mindedness.

      • Kalighe January 4, 2018

        “We are all sometimes politically ignorant to some extent. But the so called opposition groups must be aware of the toxic effect of their rigid mindsets. as ‘tainted’ or contaminated by non national ideology.”

        Gezae

        Your comment shows Higdef supporters are confused (you being one of them) and pouring their anger on opposition out of frustration and irrational hate.
        Higdef is gone, politically it’s dead, there is no way for them to make a comeback under any condition. But til someone sends them to ‘scarico’ they are waiting.
        Instead of blaming the opposition, the victims, accept the new reality and live with it. Accept the fact that the Eritrean people are sovereign not a fascist junta ruling over them.

      • k.tewolde January 4, 2018

        ‘The perception that they are worse arises from unwarranted hopes and expectations that the so called oppositions are playing the nastiest political games’ Why? because they are asking the restoration of the shelved constitutional draft,unconditional release of high ranking officials and journalists and private citizens who are in prison without any charge,demanding rule of law………..is this what you calling nastiest political game? or ‘reality-defying political escapade’? as if they are asking the erection of the Petrona Towers of Kuala Lampur in Harnet Ave overnight. Gezae, we heard enough of your scrutiny of the opposition,what is your unbiased assessment of the ruling party in Asmara? can’t wait. .

        • AHMED SALEH !!! January 4, 2018

          Gezae
          Please try to clarify your stance . Your long comments irrelevant to the
          subject but to jump against opposition parties repeatedly makes readers
          a little suspicious .

  • Kalighe January 3, 2018

    ጽቡቕ ኣለኻ ‘ስቲፋኖስ። የግዳስ: ዝኹሉ ዓመታት ጸላኢና ብግቡእ ኣይፈለጥናን።

    Simon G

    Brother, when Iseyas used to say “ezom Islam, ezon Akele Guzai, ezom Beni Amir … etc” many around him did not see it as a problem. The man has always been divisive. Now everyone is complaining as if we came to know about him yesterday.

  • Simon G January 3, 2018

    Agree, brother Kalighe!
    It seems like we are also walking as slow as a turtle, just like baba Isu 🙂

    • AHMED SALEH !!! January 4, 2018

      Guys
      Do you remember in 1994 public meeting in Wash.DC to the question of one participant about reconciliation of political groups and Issayas respond irresponsibly by calling Eritrean
      political parties ( GHILET HATELA ) . The worst than his arrogance was to observe our
      people emotional reaction to give him big applause .
      We must show honesty to ourselves and try to share the blame than pointing fingers at
      those Eritreans who are engaged in national politics .
      Let ask ourselves to find a little clue on our weakness than we bury ourselves under a
      mat of excuses or denial . Eritrea belongs equally to all of us , right !
      Who played behind the scene to nurture a person until he become a monster to destroy
      everybody life including his close compatriots ?
      Who are the main actors inside and outside eager to protect his legacy at the expense
      of those victims of political conspiracies ?
      Either we like it or not , Issayas enjoyed unreserved support to control the livelihood of
      EPLF fighters and to dictate the life of entire population . Now our country fell under mercy
      of one man rule , one man show , to one man dependency for good or bad outcomes .
      At this inactive political movement our choice is to PRAY FOR THE BETTER

Post a Reply to Simon G Cancel Reply