Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እግሪን ኮቦሮን ነንበይኑ! – ሃብተማርያም ኣብራሃ፡ ለንደን ዓዲ-እንግሊዝ

[gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2015/02/Koboron-Egrin.pdf"]

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • vanity rules February 22, 2015

    እቲ ቀዳማይ ወለዶ ንወጻ ኢ ገዲፉ ከይዱ ተቓሊሱ ነዚ ኩሉ ብ ኢትዮጵያ ዝፍጠር ዝነበረ ግፍዒታት ሰሪዙ ሓዳሽን ነጻን ሃገር ፈጢሩ ነቲ መንእሰይ ኣረኪብዎ እዩ።እቲ መንእሰይ ግን ነዚ ገዲፉ ኣብ ክንዲ ንህግደፍ ምቅላስ ሃገር ገገዲፉ ይስደድ ኣሎ። ንህግደፍን ኮራኹሩን ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት ማለት 2020 ምውዳቖም ቀሊል ኔሩ ።ከምዚ እዚ ሓድሽ ትውልዲ ግን ምቾትን ናይ ወጻኢ ነጻነትን እምበር መስዋእቲ ዘይፈቱ እዩ ዝመስል።ክሳዕ ደቂ ደቅና ክንስውኦም ክሳዕ ዘይቆረጽናን መዕጠቒና ሸጥ ክሳዕ ዘየበልናን ግን ንክልተ ሚእቲ ዓመት ከም ንሳቐ ኢና ንመስል።ጸላእትና ትምክሕተኛታት ኢትዮጵያውያን ኢሳያስ ብዘመሓላልፈሎም ናይ ወርቂ ገንዘብና ሃገሮም እናሰልጠኑ እዮም።ንሕና ግን ኣብ ሪስቶራንተ ናይ ወጻኢ ኮስተርቲ ኴንና ተሪፍና።ብገንዘብናን ቃልስናን ኢትዮጵያውያን ሰሪቖምና ይምዕብሉ ኣለዉ።ኢሳያስ ገንዘቡ ኣብ ናይ ስዊስን መቐለን ባንክታት እናቐመጠ ሃገሩ ትግራይ የማዕብል ኣሎ።ንሕኛኸ ሓቢርና ንህግደፍን ወያነንዶ ከነዕንዎም ኣይግብኣናን ?

  • Truly Truly i say to you February 23, 2015

    ዲሞክራሲያዊ መድበላዊ ስርዓት ክትከል ኣለዎ ማለት ናብ 32 ዘይረብሃ ፓርቲታት ብምጭጫህን ንኩለን መሰል ንክሕልወን ዕድልን ኣፍልጦን ምሃብ ዲሞክራሲያዊነት ኢሉ ዝሓስብ ሰብ እንተሎ፣ ኣይትሓዙለይ እቲ ሰብ ወይ ብዛእባ ዲሞክራሲያዊ መሰል ኣፍልጦ ዘየብሉ ክከውን ኣለዎ፣ ወይ ኮነ ኢሉ እተን ዝተጫጨሃ ፓርቲታት ህህደን ክገራጨዋሞ ነቲ ገፋኢ ስርዓት ዕድመ ስልጣኑ ከናውህ ዕድል ክህብዎ ዝሓቀነ ሰብ ክኸውን ኣለዎ፣ ወይ ናይ ስልጣን ሕርፋን ወይ ጸቢብ ኣጀንዳን፣ ናይ ኤርትራ ሉዑላዊነት ዘይተዋሃጠሎም ጉጅለታት ክኾኑ ኣለዎም። ኣብ ኤርትራ ካብ 3 ፓርቲ ንላዕሊ መድበላዊ ስርዓት ምትካል ፈጺሙ ክሕሰብ የብሉን። ኣይፋለን´ዶ ኣብ ኤርትራ ዝኣመሰላ ንኣሽቱ ሃገራት፣ ኣብቶም ብዙሕ ሕዝቢን ሰፊህ ናይ ዲሞክራሲ ተመክሮ ዘለውን ሃገራት ኣውሮፓ ፣ ኣሜሪካ ካብ ሰለስተ ኣርባእተ ዘይበልጹ ኣበይቲ እናተፈራረቑ ዘመሓድርወን ፓርቲታት እዩ ዘለወን። እተን መድበላዊ ፓርቲም፣ ነቲ ንዝመርሕ ዘሎ ፓርቲ፡ ሓናጺ ብዝኾነ መልክኡ እናተቃወማ ነታ ብሃባር ዝጥቀሙላ ሃገር፣ ብቁጠባ ንክትምእብል ሃደ ንሃደ እናተቆጻጸሮ ካብ ብልሽውና ንክድህኑ ዝጥቀሙሉ ሜላ እንበር፣ካልእ ኣእናዊ ወይ ውልቃዊ ትሕዝቶ ዘለወን ኣይኮናን።ናይ ሕዝቦም ማሕበራዊ ቁጠባዊ ሕይወት ዊን ክብሎም እንከሎ ነቶም ካፒታል ዘለዎም ሰባት ዘተባብእ ፓርቲ ብምምራጽ ነቲ ፓርቲ ሪፖብሊካን ወይ ናይ ክርስትያን ዲሞክራት ፓርቲ ኢሎም ብምጥማቅ ብካፒታላዊ ስርዓት ፖሊሲ ንዝተውሰነ ዓመት ንክመርሕ ዕድል ክሕብዎ ከለዉ፣ ኣብቲ ናይቲ ካፒታል ዘለዎን ድኻን ጋግ ክፍጠር ከሎ ከኣ ናይ ዲሞክራት ወይም ሶሻል ዲሚክራት ብዝብል ስያሜ ንዝጽዋእ ፓርቲ ብካልእ ግዜ ብምምራጽ ነቲ ናይ ሃገር ቑጠባ እናተፈራረቑ ብጥበብ ክመርሕዎ እዩ ናይቲ ናይ መድበላዊ ስርዓት መሰረታዊ ዕላማ። ኣብ ኤርትራም ክትከል ዘለዎ መድበላዊ ሰርዓት ከምኡ ትሕዝቶ ዘለዎ ክኸውን ኣለዎ እንበር፣ ካልዕ ጸቢብ ናይ ሓይማኖት ወይ ናይ ኣውራጃ ኣጀንዳ ዘፍቅድ ፓርቲታት ከኸውን የብሉን። በዚ መስረት እተን ተቃወምቲ ፓርቲ ካብ ሰለስተ ከይበለጻ ክቆማ ተዝኽእላ ብዙህ ሕዝቢ ኣሚኑ ምሳኣቦም። ነቲ ኣማጺ ስርዓትም ምውዳቕ ብቀሊሉ ምተከኣለ ነሩ።

  • rezen February 23, 2015

    ናብ ክቡር ኣይተ ሃብተማርያም ኣብራሃ
    ሰላምታይ ይብጻሕኩም! ከምኡ ድማ ትምኒተይ ንጥዕናኹም።
    ዝጻሓፍኩሞ ጽሕፍ ብሓፈሽኡ ዝወጾ የብሉን፡ ሰማዒ ኣንተረኺቡ! ብፍላይ ኣብ ውጻኢ ኣራጢጡ ብሰላምን ቕሳነትን ንዝነብር ኤሪትራዊ ሓንቲ ለውጢ ክገብር ከምዘይኽእል ሙሉእ ብሙሉእ ጋህዲ እናኾነ ይምጽእ ኣሎ። እቲ ምኽንያትዉን ፍሉጥ እዩ>>> ሃይማኖት፡ ኣውራጃነት፡ መንነት፡ ዘርእነት፡ ነፍሰወከፍ ግላዊ ጥቕሚ፡ ወዘት ዝባሃሉ ናይ ካንሰር ሕማማት ካብ ኤርትራ ተማሕዮም ስጋብ ዘይጠፍኡ እታ ንምነያ ናጻ ኤርትራ ትባሃል ሃገር ትምኒት ጥራይ ኮይና እያ ክትተርፍ።

    ቀደም፡ በቲኹፉእ ዘመን፡ ብወጻእቲ መግዛእቲ ምኽኒት ይውሃቦ ነበረ። ኤርትራ፡ ምስቲ ስልጡን ህዝባ፡ ናጻ ሃገር እንተትኸውን ኣበይ ምበጽሐት ኔይራ ኣናተባህለ ይቑዘም ነበረ። ድሕሪ 30-ዓመት ተጋድሎ ከዓ ዓነውነው ዝበለት ናጻ ሃገር ተረኽበት። መራሕታውን ካብ ልክዕ ዝሓለፈ ናእዳ ካብ ኩሉ ኩርናዕ ዓለም በጽሖም። ኤርትራውያን ሙሁራን ከካብ ኩርናዕ ዓለም ናብ ሓዳስ ሃገሮም ተመልሱ –ሃገር ክህንጹ፥ ቅዋም ክተኽሉ ……….. ግናኸ፡ ናይ ዓዲ ዘራጊቶ በዚ መጸ ካይተባህለ ኤርትራ ሰሚዓቶን ርእያቶን ብዘይትፈልጦ ጭካነ ብደቀባት ተገርፈት። ናጽነት፥ ናይ ወዲሰብ መሰል፥ ፍርዲ ወዘተ ካብ መሬት ኤርትራ ጠፍኤ። ተራእዩ ዘይፈልጥ ኣሰቃቒ ስደት ተጀመረ። “ናይ ቀደም ይሕሸና” ኣብ ዝተባህለሉ ግዜውን ተበጽሔ!!!ካብኩሉ ግና፡ ዘስደምምን፡ ከም ታእምር ኮይኑ ዝራኣይን፡ ናይ ኤሪትራውያን ውሽጣዊ-መንፈስ/ባህርይ(ተሓቢኡ ዝነበረ)“ብናጽነት” ጊዜ ብጋህዲ ተራእዬ። ሓደ ብሓደ ምትንታኑ ኣየድልን–ጋህዲ ስለዝኾነ። ክቡር ኣይተ ሃብተማርያም፡ ባዕሉኹም ብግርማ ገሊጽኩሞ ኣለኹም።
    ናይ ኤርትራ ተስፋ፡ ከምቲ ዝበልኩሞ፡(ጸበቐ-ከፍአ)“ኣብ መንእሰያትን፡ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝብን፡ ኣብ ሰራዊትን ዘተኮረ እዩ”። እዚ ኣታሓሳስባ ከዓ ንቡር እዩ። ግናኸ፡ ብዛዕባ ኤርትራ ኢና ንዛረብ ዘለና!!ስርንግጥ!![1] እስኪ ሓደ ብሓደ ንተንትኖ።

    ቀዳምይ፥ ብዛዕባ ሰራዊት ኤርትራ፡
    ሰራዊት ብመሰርቱ ዓላምኡን፡ ትምህርቱን፡ ስርሑን፡ ሓንቲ እያ፡ ሓገር ምክልኻል>>>እዚ ክዓ ብሓይሊ። ሰራዊት ኣብ ሃገር ምምሕዳር ወይ ከዓ ብሓይሊ መራሕ መንግስትን፡ ናይ ህዝቢ ወከልትን፡ ቤት ፍርድን ወዘተ ከም ድላዩ ክቐያይር ኣይድለን። እዚ ከዓ ናይ ዓለም ተሞክሮ ካብኮነ ኤርትራ ንበይነይ ክጻወት እዬ ኣይትብልን። ስለዚ፡ ናይ ኤርትራ ሰራዊት ኣብቲ ዝድለ ሲቪል ለዉጢ እንተዘይኣቱ ይሓይሽ ባሃላይ እየ።

    ካልኣይ፡ ብዛዕባ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝቢ፡
    ብሓቂ ንዛረብ–ብዘይ ስምዒት። እቲ ውሩይ ጅግና ህዝቢ ኤርትራ፡ ድሕሪ 30-ዓመት ውግእን መስዋእትን፡ ቐጺሉ ከዓ ን24 ዓመት ብሰብ ስልጣን ደቁ ዝተኻሕደን፡ ዝተዋረደን፡ ዝተቐጥቐጠን ህዝቢ ብሓቂ ደኺሙ እዩ። ትንፋስ ጥራይ እዩ ተሪፉዎ እምበር ካይሞተ ዝሞተ ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። ኣይፍረዶን። እዚኳ፡ ተባዕን ሓያልን ብምዃኑ ጥራይ እዩ። ሕዝቢ ኤርትራ ሓገዝ የድልዮ እዩ። ካበይ? ካብ መንእሰይ–ሓዲሽ ወለዶ።

    ሳልሳይ፡ መንእሰያት ሓዲሽ ወለዶ
    ተስፋ ናይ ኤርትራ ኣብ መንእሰያት ጥራይ እዩ። ግናኸ፡ ኣብዝውን ኤርትራ ኣይተዓደለትን። መንእሰያት በብማዓልቲ ካብቲ ገሃነም-እሳት ዓዶም ይወጹ ካብሃለዉ እቲ ዝድለ ዘሎ ተስፋ ካብ ወጻኢ ዘለው ኤርትራውያን መንእሰያት ጥራይ እዩ ክኸውን። እዚ ከዓ ንባዕሉ ዱልዱል መሰጋገሪ ኣይኮነን። ከምይ፡ ካብ ሓሙሽተ-ሽውዓተ-ሽሕ ኪሎመትር ርሕቀት ኣብ ዓዲ ለውጢ ክመጽእ ይካኣልዩ ኢልካ ምሕሳብ ብሕልሚ ጥራይ እዩ!

    ራብዓይ፡ ኢድ ወጻእተኛ ሃገራት
    በዛ ንእሽቶይ ዓለም፥ እሞ ከዓ መሬት ዝጸበቦም፥ ሃብቲ ዝዋሓዶም፥ ናይባዕሎም ሃረርታ ዘለዎም ሃገራት ናብ ኤርትራ ገጾም (ዋና ዘለዋ ዘይትመስል ሃገር) እንተጠመቱ ይፍረደሎምዶ? እዚ ከዓ ንኤርትራ ሓዲሽ ኣይኮነን። እቲ ሽም ባዕሉ ናይ ወጻእተኛ ደይኮነን? ካልእውን ኣሎ……
    ኤርትራውያን ብዛዕባ ናይ ሓባር ናብረኦም ክሰማሙዑ ካብዘይካኣሉ ናይ ግድን ናይ ወጻኢ ሓይሊ ኢድ ምትእትታው ዘይተርፍ እዩ። ሸንኮለል! መርገም ድኣ ካይክውን???
    ————————–
    [1] እብ ናይ ኢትዮጵያ መርበብ ሓደ ንድፊ-ስእሊ ናይ ኢሳያስ እሎ፥ ዳማ ክጻወት። ግዳስ እቲ መጻውቱ ብሓደ ሕብሪ መደብ ክጻወት ከሎ ኢስያስ ግን በቲ ካልኣይ ሕብሪ መደብ ክጻወት ይደሊ!

  • Debre February 24, 2015

    ኽቡር ኣቦና ኣቶ ሃብተማርያም ኣብርሃ
    ልባዊ ሰላምታይ ይብጻሕኹም።

    እግርን ከበሮን ነንበይኑ ትብል ጽሑፍኩም ኣንቢበያ። ህልዊ ቃልሲ ሃገርና ጽቡቕ ኣቀሚጥኪሞ ኣለኹም። እቶም ካልኦት ዓበይቲ ወዲ ሃገር ከማኹም የብዘሓልና። በዚ ኣጋጣሚ ዓበይትና ያዕ ክብሉ ዘይደፈሩ ናትኩም ኣብነት ክስዕቡ ለበዋይ አቕርብ። ወዲ ሰበዓ ዓመት ብረት ዕጠቕ ተባሂሉ ብፍርሂ ኣብዘይ ኣመነሉ መትከል ክዓጥቅ ክትርኢ ዘሕዝን ተርእዮ እዩ። እቲ ብዕድመ ዝነኣሰ ደኣ ብኸመይ እዩ ናቶም ኣብነት ክወስድ? ብዝኾነ ንጽሑፍኩም ድጋፈይ ክህብ ኣፍቅዱለይ።

    ቀዳማይ፡ ቃልሲ ከድምዑ ዝኽእሉ ብቀንዱ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብዝለዓል ነውጺ ወይ ኣብ ቀረባ ጎረቤት ሃገር መሰረትካ ምስትገብር ጥራይ ‘ዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ነውጺ ከለዓዕሉ ዝኽእሉ ኣብ ሰራዊት ዘለዉ ዕጡቃት ጥራይ እዮም። እቲ ካልእ ዓቅሚ ዘለዎ ኣይመስልን እዩ። እዚ እዋን እዚ ሰራዊት ኤርትራ ብረቱ ደርብዩ ንስደት ምምራሕ ገዲፉ ብረቱ ኣልዒሉ እምቢ ንምልኪ፡ ናብራ ሓሶት ይኣክል ዝብለሉ እዋን ዝበጽሐ ይመስል። እቲ ሕቶ ብኸመይ ዝብል ደንጎላ ሕቶ ክምለስ ዘለዎ እዩ። እዚኦም ከኣ ዝመርሖምን ዝውድቦምን ኣካል የድልዮም። ኤርትራ ከኣ ቋሚ ሰራዊት የብላን። እቲ ዘሎ ሃገራዊን ኣገልግሎትን ህዝባዊ ሰራዊት ዝበሃሉ እዮም። እዚ ከምዚ ካብ ኮነ ብቀረባ ክመርሖም ዝኽእል ካብ ጎረቤት ሃገር እንዳተበገሰ ነቲ መንግስቲ ሓሳረ መከራ ዘብልዕ ዕጡቕ ኣካል ክኸውን ይኽእል። ነዚ ዕጡቕ ኣካል ከተዕቁበልና ትኽል ሃገር ከኣ ኢትዮጵያ ጥራይ እያ።

  • AHMED SALEH !!! February 24, 2015

    Debre
    Is this the same person who writes articles in this forum ?
    I don’t understand why you are obsessed with Ethiopia involvement
    in Eritrean affairs at any cost which ever body know that majority
    of our people won’t let to happen .

Post a Reply to rezen Cancel Reply