እገዳ ንህግደፍ እምበር ንዓና; ንህዝቢ ኤርትራ እንታዩ ክጎድልና?
እገዳ ንህግደፍ እምበር ንዓና ንህዝቢ ኤርትራ እንታዩ ክጎድልና? Tesfamariam Wel. 14/11/2018 Norway Oslo እገዳ ህዝቢና ሎሚ ኣይኮነን ተጀሚሩ ህገደፍዩ ጀሚርዎ እትው ከይበለ እግሩ ንኸይንቅሳቐስ ዘልመሶ ብርኩ መሓውሩ ንከይትንስእ ከይምዕብል ስልቱ ቀያይሩ ጥሪቱን ንብረቱን ዓዱን እናተዘምተ ከይነግድ ከይወጽእ ከይኣቱ እናካላበተ ገፊፉ ከም ኣራዊት ብጃምላ እናጽንተ ዓገብ ምተገብኦ

እገዳ ንህግደፍ እምበር ንዓና
ንህዝቢ ኤርትራ እንታዩ ክጎድልና?
Tesfamariam Wel.
14/11/2018 Norway Oslo
እገዳ ህዝቢና ሎሚ ኣይኮነን ተጀሚሩ
ህገደፍዩ ጀሚርዎ እትው ከይበለ እግሩ
ንኸይንቅሳቐስ ዘልመሶ ብርኩ መሓውሩ
ንከይትንስእ ከይምዕብል ስልቱ ቀያይሩ
ጥሪቱን ንብረቱን ዓዱን እናተዘምተ
ከይነግድ ከይወጽእ ከይኣቱ እናካላበተ
ገፊፉ ከም ኣራዊት ብጃምላ እናጽንተ
ዓገብ ምተገብኦ ንጥፍኣት እናሃውተተ
ከም ሓላይ ህዝቢ መሲልካ ምውርዛይ
መሪሩኒ እናለ በጃኹም ኣእውይለይ
እገዳ ዝተሰከፍኩም ክቡራት የሕዋተይ
ብሓቂድዩ ወይስ ንራኣዩለይ ስምዑለይ
ክንዲ ንህግደፍ ግደፍ ኣይተግድፍ ምባል
ተመሊስካ ዝተበየነሉ ምቑጻሩ ከም በደል
ዚኣስ መንጎያ ኣይምስተካል ኣይምስ ሓላል
ኮይኑ ግን ዝዓግቶ የለን ንውልቃዊ መሰል
ትሰምዑ ኣለኹም ናበይ ተብልላላ ሃገር
ዓመታት ሓሊፉ ከይተሰርሐ ቁምነገር
ብዘይካ ንርብሓ ጥቕሙ ስርቂ ምድንጋር
ማዕጾ ሰሰርካ ንብረት ብሓይሊ ምጉርጓር
ንሕሰብሞ ጥሪትካ ክትሸይጥ ክትእገድ
ንብረተዩ ዝበለ በደል ተቖጺሩ ክቑፈድ
ንጥሪቱ ዘይፍቀደሉ ንዕዳጋ ከውርድ
ብእንቋቑሖ ጀሚሩ ዝቋጻጸር ንኸርዕድ
ቁሩብ ቅራቦ ጠራቒሙ ከይዕንገል
ብጠጠወን መዚንካ ሽጠለይ ዝብል
ዝሓረሶ ካብ ማእከል ዓውዲ ዝምንጥል
ካብ ምርጋም ሓሊፍና ታይ ክንብል
እገዳ ንጸገም ህዝብና ኣየቃልል ኣየነኪ
ንህግደፍ ህግደፋውያንዩ ዘሕዝን ዘብኪ
ኤርትራ እገዳ ኣይኮነን ንሓልዮትኪ
ኣይኮነንውን ደንጊጾም ብሽግር ህዝብኺ
ንህልኸኛ ክረኽቦዮም ኣይኮነን ንዓኺ
ዋላ ገደል ተደርበይዎስ ታይይጎድለኪ
ነጋዳይ ከይንቀሳቐስ ፍቓድ ወረቐቱ ተሓዲጉ
ድራሩ ከይምእርር ብሓይሊ ማዕጾኡ ተዓሺጉ
ህግደፍዶ ከይኮነ ህዝቢ ኣጊዱ ዘሎ ኣልቦ ሕጉ
እዚኳ ክውሕዶም ተካላት ብሱሮም ይባሕጎጉ
ህግደፋዊ ጫው ይበል ከም ኣመሉ
ዝተማህሮ እሰብኣዊ ጸርፊ ይብለየሉ
ንእገዳ ድኣ ሽጉር ህዝቢ ዘየስተብህለሉ
ቀደምዩ ተኣጊዱ ኣይረኸበን ዘእውይሉ
ቀቢጹዩ ህግደፍ ከሎ ከምዘይ ወግሓሉ
በዚ ዝታለል እንተሊዩ ናይ ዓያሹ
ዓያሹ ክኸውን አልዎ
መሰለዩ ዝተራእየንን ዝመስለንን ክገልጽ
ንሳያ ታሓቂ ኣይትቕንጠብ ኣይትቑረጽ
ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ
Simon G. November 21, 2018
ህግደፍ ካብ ምንታይ ተሰርሐ?
———————————–
የእጋሩ ካብ ደናቑር
ኣንቢቡ ጽሒፉ ዘይክእል
ሀ ኢልካያ ዝጠፍኣ ለ ምባል
ናይ ካልኦት ሓሳብ ዘይምቕባል
ባህላ-ባህሉ ‘ዩ ድርቀት
ገዝኦም ብድኽነት-ሓንጎል ዝተነድቀት
ኣብ ክንዲ ብሓንጎሎም ዝሓስቡ
ተጸበይቲ ተመጽወቲ ጎሓላሉ
መን ምዃኖም ዘይፈልጡ
ጋቢ ተጎልበቡ
ብደም ጀጋኑ ዝዘቕበቡ
ፈጠራ ሓሶት ይነግርዎም
ሰብ ጭጓር ድማ ይኣምንዎም
————————————-
ንሕለፍ ናብ ብርኪ
መን ዮም ንብርኪ ዝሃነጹ
ሰብ ድዮም ኣናጹ
ንሰማዒ ዘደንጹ
ንምንታይ ህግደፍ ክተኽሉ
ንህዝቦም ከዲዖም ደቂ-ሃገር ኢና ዝብሉ
ብውሽጦም ሕዙናት ህጉሳት ከምስሉ
ተሓቢኦም ዓሕ እናበሉ
መታን ሃገር ክመላለሱ
ምስ ጓሎም ትኣክል ክድቅሱ
የዒንቶም
ዓሚቶም
ብልቦም ክነብዑ
ብኣፎም ደም ይጎስዑ
መዓልቶም ምስ ኣኸለ ከም ብጾቶም ተረስዑ
ዋይ ውርደት!
—————————
መን ‘ዮም ከ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ዝተሰርዑ?
ዋእ! ሳልሳይ ደኣ በዓል ኮላሊት-ሰናቡእ
መዓናጡ-ጸላም ከብዲ ጽቡቕ ኮነ ሕማቕ ትሓብእ
ብዓቢኡ ድማ ‘ታ ውሪቲ ልቢ
‘ታ ፍልጥቲ ሰራሕተኛ ከም ንህቢ
ደም-ውሰድ-ኣምጽእ ክትብል
ክትጭንጉዕ ትነብር ከዕርፍ ዘይትብል
እሞ ምስ ሰዓብቲ ህግደፍ ‘ታይ ኣራኸባ?
ጽብቕቲ ሕቶ ሓተትካኒ
ኣድግሲ ‘ታይ ኣድለዮ ሳእኒ
ዝበልካ ኮይኑ ተሰሚዑኒ
ግሩሃት ኣለዋ ሰዓብቲ ህግደፍ
ወርቀን ጨርቀን ዝድርብያ
ገጾም ተጸዊጎም: ምስኦም ዝበኽያ
ፍሽኽ ክብሉ ድማ: ንሳተን ይጭድራ
ካብኣቶም ንላዕሊ ይዕንድራ
ዝገርም ‘ዩ ናይ ኤርትራ
———————————-
በቃ በቃ ንሕለፍ ናብቀዳማይ መስርዕ
‘ዞም ሰብ ላዕሊ መን ‘ዮም?
ምስ ህግደፍ እንታይ ‘ዩ ርክቦም
መን ከ ስልጣን ሃቦም
ዋእ! ኣብ ላዕሊ ደኣ ክንደይ ክትብሎም?
ካብ ክሳድ ጀሚርካ
የእዛን-የዒንቲ ምስ ኣፍንጫ
ሰጣሕ ግምባር
ከምኡ ድማ ብዓቢኡ ሓንጎል
ትቕበል ኣይትቀበል
ለሚድዎ ትእዛዝዩ ምባል
ግን: እንታይ ‘ዩ ርክቦም ምስ ህግደፍ?
ኣብ ላዕሊ ኮይኖም ሰባት ክእዝዙ
03 ኣዋፊሮም ዜጋታት ከፍዝዙ
ዝኣመነ ይእመን ዘይኣመነ ከደንዝዙ
ርኢስ! ይበሃሉ
ከይጎበዙ ዝገበሉ
ከይተማህሩ ሊቀ-መማህራን ኢና ይብሉ
ብዓለም ዘይቅቡል ዲግሪ ዝሰቐሉ
ብቐትሪ ጻድቃናት ናይ ለይቲ ጎሓላሉ
ብደም ዝጨቀዉ ቀያሕቲ ክመስሉ
ስኻ-ንሕና ንሕና ድማ ንሱ ይብሉ
———————————-
ኣይፈለጥዎን ሚስጢር ርእሰ-ደብሪ
ይሸጦም ከምዘሎ ብብርሃን ጸሓይ-ቀትሪ
ንሕና ንሱ ይብሉ: ንሱ ግን ኣብ ጎንደር
ኤርትራ ክሸጣ ይደራደር
ሓንጎሎም ተዓጽዩ: ‘ታይሞ ግበር
ካብ ሕልሞም ምስተስኡ የላን ሃገር
ብላሽ!
k.tewolde November 21, 2018
Tesfamariam then followed by Simon,it is like a misty waterfall cascading from the face of a majestic cliff,you left me full of goosebumps.
Danilo November 21, 2018
I think this two tesfamarim and Simon should be encouraged to do more by assenna.to follow Bashay’s , Amanuel and Ayneta fantastic contribute that debit us !
Simon G. November 21, 2018
Thanks for those kind words, brothers KT & Danilo!
That’s what is missing the most in today’s Eritrea – Encoragement/+ve attitude, humbleness. Few of you here in this forum are endowed with that. Tahnks God, we have you guys!