እዋናዊ ጽሑፍ – ኩነታት ኢሳይያስ ሓርማዝ ኣይትውደቕካ ኮይኑ ኣሎ!
ሎሚ እቲ ቁጠባውን ፖለቲካወን ኩሉእንትናዊ ሃብቲ ሃገር ገቢቱ መላኽነቱ ዝኣወጀ፡ ዲክታቶርያዊ መራሒ ጉጅለ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሞተ ሰረረ ጋዕገልጠም እበሃል ኣሎ፡፡ ብርግጽ ኢሳይያስ ብጽኑዕ ሓሚሙ ኣብ ከቢድ ሕክምናዊ ክንክን ኣብ ሃገረ ዱባይ ንሓጺር ግዜ
ሎሚ እቲ ቁጠባውን ፖለቲካወን ኩሉእንትናዊ ሃብቲ ሃገር ገቢቱ መላኽነቱ ዝኣወጀ፡ ዲክታቶርያዊ መራሒ ጉጅለ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሞተ ሰረረ ጋዕገልጠም እበሃል ኣሎ፡፡ ብርግጽ ኢሳይያስ ብጽኑዕ ሓሚሙ ኣብ ከቢድ ሕክምናዊ ክንክን ኣብ ሃገረ ዱባይ ንሓጺር ግዜ ከም ዝነበረ ውን ተፈሊጡ ኣሎ፡፡ሕማም ገባቲ መራሒ ኢሳይያስ ሕጂ ናብ ኣሻቓሊ ኩነታት ስለ ዝበጸሐ እምበር ካብ ነዊሕ ግዜ ክዝረበሉ ዝጸነሐ ኢዩ፡፡ብፍሉይ ኢጣልያዊ ክኢላ ሓኪም ሚካኤል ነዊሕ ግዜ ኣብ ውሽጢ ኣስመራ ብስቱር ኣብ ጽዑቕ ሕክምናዊ ክትትል ከምዝነበረ ውን ክስማዕ ጸኒሑ ኢዩ፡፡ ብዜካዚ ኢሳይያስ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ ኣዋርሕ ክልተ ግዜ ብሚስጢር ንሕክምናዊ ፍወሳ ናብ ቀጠር ከም ዝከደ ውን ተወሳኺ ሓበሬታ ተሰሚዑ ኢዩ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት ነቲ 27 ዓመት ውን ዘይመለአ ቦኽሪ ወዱ ኣብርሃም ብዘይ ትብጻሕኩምን ሕጸን ብሃታ ሃታ ከመርዕዎ ዝወሰነ ውን ጉዳይ ጥዐዕና ኢሳይያስ ኣብ ኣዘዩ ኣሻቓሊ ኩነታት ስለዝበጸሓ ኢዩ፡፡ዝብሉ ኣዝዮም ብዙሓት ኢዮም፡፡ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ቃለ መሕተት ክገብር ኣብ መስኮት ተለቪጅን ኤርትራ ዝተራኣየ ምስሉ ድማ ኣዝዩ ኣሰንባዲ ምንባሩ ዓለም ብዓለሙ ርእይዎ ኢዩ፡፡ገለ ደገፍቱ በቲ ዝረኣይዎ ምስሊ ኢሳይያስ ከምዝሓዘኑ ውን ዝፍለጥ ኢዩ፡፡እቲ ብገበታ ሜክኣፕ ዝተሸበጠ ገጹ ብኽቱር ኣልኮል ንዝመደወ መዓጓጉርቱ ክሓብኦ ኣይከኣለን፡፡ሓቅታት ባዕሎም ቦሎኽ ኢሎም እናወጹ፡ ዓለም ናብ ሓንቲ ንእሽቶ ቁሸት ኣብዝተቐየረትሉ፡ቅልጡፍ ቴክኖሎጅያዊ መራኸቢ ኣብ ዝተማህዘሉ ልሙድ ድራማዊ ጸወታ ሚኒስትሪ ዜና ህ.ግ.ደ.ፍ.መን’ዩ ዝኣምኖ፡፡ገባቲ መራሒ ኢሳይያስ ምስ ምሉእ ጥዕንኡ ኣብ ብርኩ የስተንፍስ ኣሎ ተባሂሉ፡፡ሚኒስትሪ ዜና ብኻ ስቕ ኢሉ፡፡ግዳ ከምይ ገይሩ፡፡እዚ ሓበሬታ’ዚ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ተላቢዑ ኢዩ፡፡ ኣብዚ መጠረሽታ ሰዓታት ድሕሪ መግለጺ ሚኒስትሪ ዜና ብጭቡጥ ከነረጋግጾ ድኣ ኣይተኻእለን እምበር ኢሳይያስ ዓሪፉ ኣሎ ዝብል ሓበሬታ ውን በጺሑና ኣሎ፡፡ ኢሳይያስ ኣፈርክቡ ተባሂሉ ንሕክምና ናብ ዱባይ ኣብ ዘምርሓሉ ብምስጢር ብወተሃደራዊ ማዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኢዩ ወጺኡ፡፡ብተመሳሳሊ ዓርቢ ምሸት እንተስ ሬስኡ እነተስ ትልኽ እናበለ በዚ ወተሃደራዊ ማዕርፎ ነፈርቲ ናብ ኣስመራ ከም ዝተመልሰ ውን ተረጋጊጹ ኣሎ፡፡ወረ ኩነታት ኢሳይያስ ከምቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝነብሩ ሓርበኛ ኣቦና ኣቦይ ሃብተማርያም ዝመሰልዎ ሓርማዝ ኣይትውደቕካ ኮይኑ ኣሎ፡፡እዚ ወረ’ዚ ንኽትስከሞ ከቢድ ሓይኽካ ክትውሕጦ ድማ ጅማት ኮይኑ፡፡የግዳስ ኣርባዕተ እግሪ እንተለክን ጽባሕ ንርእየክን ድዩ ዝበለ ሰብኣይ፡ 24 ግንቦት ጽባሕ ኢዩ፡፡ብዘይ ባርኾት ኢሳይያስ ስለ ዘይጽንበል ድማ ጽባሕ ንርኢ፡፡
ኩነታት ኢሳይያስ ኣብ ኣሻቓሊ ደረጃ ኣብ ዝበጸሓሉ፡ በቲ ካልእ ድማ ዓሪፉ ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ ተሃዋሲ ግዜ፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ብፍላይ ውን ኣብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ዘይንቡር ነገራት እረኣይ ከምዘሎ ካብ ውሽጢ ዓዲ ሓበሬታታት እውሕዝ ኣሎ፡፡ላዕለዎት ኣዘዝቲ ጀነራላትን ሰበስልጣን መንግስትን ተደጋገምቲ ሚስጢራዊ ኣኼባታት የካይዱ ምህላዎም ተፈሊጡ ኣሎ፡፡ኣብዞም ላዕለዎት ሰበስልጣን ዘይርጉእ መንፈስን ሸበድበድን ከምዘሎ ውን ብቐረባ ዝከታተልዎ ዘለዉ ወገናት ሓበሬተኦም እልእኩልና ኣልዉ፡፡ብዜካዚ ካብ ደገ ናብ ውሽጢ ዝግበር ርክብ ናይ ቴሌፎን ንምዕጻዉን ንምስንኻሉን ውን እፍተን ምህላዉ ተፈሊጡ ኣሎ፡፡ኣብ ገለ ውን መግለጺ ሓጎስ ዝመስል ናይ መስተ ግብጃታት ተራእዩ ኣሎ፡፡ኩነታት ውሽጢ ዓዲ ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማ ኣስመራ እዚ ወረ’ዚ ብሰፊሑ ተላቢዑ ኣሎ፡፡ተወሰኽቲ ሓደሽቲ ሓበሬታታት ውን እስማዕ ኣሎ፡፡ሓደ ካብኡ እቲ ብኤምባሲ መንግሰቲ ኣመሪካ ተዘርጊሑ ዘሎ ናብ ሓቂ ኣዝዩ ዝቐረበ ሓበሬታ ኢዩ፡፡እዚ ወሳኒ ሃገራዊ ጉዳይና ከም ሚስጢራዊ ስራሓት ኢሳይያስ ኮይኑ ብዕበጦ ዕበጦ ክኸይድ ኣይግበኦን ኢዩ፡፡ን 21 ዓመታት ሓቂ ዝተሓረሞ ህዝቢ ሕጂ ውን ብመግለጺታትን ድራማዊ ሰንዓ ዜናታት ዓሊ ዓብዱን መሰልቱን ክደናገር የብሉን፡፡እቶም ኣብውሽጢ ዝርከቡ ላዕለዎት ሰበስልጣን ድማ መስተውዓሊ ልቦና ይሃቦም፡፡ነዊሕ ዓመታት ኢሳይያስ እዪ ዝዕግብ ዘሎ ክንብል ጸኒሕና ኣለና፡፡ከምቲ ዝበሃል ዘሎ ንሱ እቲ መላኺ ብፍቐድ ኣባጅጎ ተኣልዩ ኣሎ፡፡ሓቀኛ ምስልኹምን መንነትኩምን ተረጋግጽሉን ተርእይሉን መድረኽ ተፈጢሩ ኣሎ፡፡ኣብ መጠረሽታ ጋዜጠኛ ኣማኑኤል እያሱ ስለ እቲ ትብዓትካን ተወፋይነትካን እዋናዊ ሓቅታት ናብ ህዝቢ ንኽበጽሕ ትገብሮ ዘለኻ ጻዕሪ ከመስግነካ እደሊ፡፡
ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና
ሚኪኤል እምባየ (ኣራንቺ)
Aranchi03@yahoo.com
robel.habtom@yahoo.com April 24, 2012
I am totaly confused because yesterday you said Isaias is dead today you are saying Isaias is very sick. Assenna pls it is so before you speak once think twice. So you have to cheack it many times before you write here ok.
ለቲና Lettinna April 24, 2012
Robel ….
Assenna didn’t confirm the death of the Dictator if you read the news. They said from the unconfirmed sources. Please read it again.
Selam April 24, 2012
Robel
I think you are confusing assenna news with people who writing comments on assenna. Michael is sharing his obesrvation, which is different from the news posted by assenna. And he is not saying that he is alive. He is not sure. You are right you are confused, read his article again.
Baraee April 24, 2012
Robel,
The article above is not by Assenna but someone like you and I. Read it you decide like an Adult…do not blame Assenna. If you wish to blame any one blame the higdef system who chooses to be silent on anything critical to our country like 300 kids perishing in the sea, others being butchered in the Sinai desert, a veteran dead and not buried for over 70 days.
Waw it chose to tell the President is as fresh as any youth….We have a system that is secretive even for matters that the citizens ought to know…..if Nissu Nhna Nhna Nissu is said with honesty. But it is not leave alone the people of Eritrea they do not trust their own Generals….To the extent they create a democratic transition having controlled this scenario I will give them credit for the tactical misinformation they would have done.
I pray for this nation mor so for it’s people….Eritreans deserve normal and preperous life.
Dawit April 24, 2012
What makes Issayas’s regime the most hated regime among Eritreans is its deafening silence about the horrible torture of young Eritrean women, men, and children at the hands of the Bedeuin in Sinai. While many mass media spread news of these horrible abuses, the government of Eritrea not only kept quiet about it but never attempted to contact the Egyptian government in an effort to stop the torture if not free the Eritreans from the Bedouins. Can we call this a government..can Eritreans rely on this government if things go wrong in foreign land… What ‘s their main purposes, and functions of Eritran ambassadors around the world? The government is very quick at collecting 2% but averts its eyes when Eritreans are in peril in a land where they can’t speak the language, and where the culture is alien.
That’s why no one , except few supporters, will mourn the death of this brutal dictator.
Dawit April 24, 2012
It’s also heartbreaking to hear in the interview Amanuel Iyasu recently conducted with those poor Eritreans under Bdouin’s custody, and torture to appeal to Eritrans in the diaspora instead of the government of Eritrea.
ahmed saleh April 24, 2012
Dawit
A friend in need in need is a friend in deed. If if we could not come
together in bad time we are fake nationalists. What he is trying to
do is to aware us the reality of our current situation. I have a big
respect on him and proud not to to loose such kind of people. Our
feature is shining and hopefull because of him and others.
Aya-Anbesa@yahoo.com April 24, 2012
http://www.shabait.com/news/local-news/8811-foreign-minister-delivers-president-isaias-message-to-chairman-of-the-supreme-council-of-the-armed-forces-of-egypt
kebaritekle@yahoo.com April 24, 2012
ሸጥ ኣቢሉሎም ኣባ ጎሚዳ ኣባ ብልሓቱ
ደርሆ ነቆየ ኣብ ኢሳያስ ኣብታ ሰዓቱ
ኣይተጋገኻን ኣራንሺዓርከይ ጉዳይ ኢሳይያስ ሓርማዝ ኣይትውደቕካ እዩ፡፡እቲ ዝገዘፈ ሓርማዝ ህግደፍ ንሱ ስለ ዝኾነ፡፡ጽሑፍካ ኢሳያስ ሞይቱ ክኸውን ነይረዎ፡፤ሓላፍነት ስለ ዝስማዓካ ግን ዓሪፉ ዝብል ሓበሬታ ረኺብና ኣለና፡፡ከነረጋግጾ ንጽዕር ኣለና ጥራይ ኢልካ፡፡ በጃኻ ሞይቱ ዝብል መርድእ ኣስመዓና ኣራነሺዓርከይ፡፤
pawloserena@yahoo.com April 24, 2012
ሸጥ ኣቢሉሎም ኣባ ጎሚዳ ኣባ ብልሓቱ
ደርሆ ነቆየ ኣብ ኢሳያስ ኣብታ ሰዓቱ
ኣይተጋገኻን ኣራንሺዓርከይ ጉዳይ ኢሳይያስ ሓርማዝ ኣይትውደቕካ እዩ፡፡እቲ ዝገዘፈ ሓርማዝ ህግደፍ ንሱ ስለ ዝኾነ፡፡ጽሑፍካ ኢሳያስ ሞይቱ ክኸውን ነይረዎ፡፤ሓላፍነት ስለ ዝስማዓካ ግን ዓሪፉ ዝብል ሓበሬታ ረኺብና ኣለና፡፡ከነረጋግጾ ንጽዕር ኣለና ጥራይ ኢልካ፡፡ በጃኻ ሞይቱ ዝብል መርድእ ኣስመዓና ኣራነሺዓርከይ፡፤
pawloserena@yahoo.com April 24, 2012
kebari keme zbelkayo ykun.
aranshi dma mmot ezi aryos asmeana.
asmeana tum were. aranshi beal sre jgena wedi ere
M I April 24, 2012
Wishes of the Witches
http://www.shabait.com/images/stories/pics/zzzzzzzzzzzcarton.jpg
samsom April 24, 2012
dkumat ftret…………………………tnfas zelowom resa ekum nskum ………..wela hanti trgum yeblkum ……………..nskum ekum lekabt sheyeti hager…………………
samsom April 24, 2012
telmedien tsehafay………………….ohhhhhhhhhhhh my God btaemi thzn i feel sorry for u ……..have u seen ur self u look drunk not iseyas body …………….shame ful