Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እዋናዊ ጻውዒት ንመኮንናት ኤርትራ: እምኒ ገበጣ ይውዳእ ኣሎ! – ኣለና ኣለና

ኩላትና ኤርትራ ኢዩ ድምጽና። ንግሆን ምሸትን ጸሎትና፣ መኣዲና ክንጅምር ክንውድእ ኤርትራ ኢና እንብል። እወ እቲ ምንታይ ንሳ ዝለዝኾነት ውርሻና። ኦ…መኮንናት ኤርትራ! ዕድመ ገበነኛ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንምንዋሕ፣ ነታ ሰባብ ኤርትራውያን ዘጽነተት በትረ ስልጣኑ ንምሕላውን ስቓይ ሓሙሽተ ሚልዮን

ኩላትና ኤርትራ ኢዩ ድምጽና። ንግሆን ምሸትን ጸሎትና፣ መኣዲና ክንጅምር ክንውድእ ኤርትራ ኢና እንብል። እወ እቲ ምንታይ ንሳ ዝለዝኾነት ውርሻና።
ኦ…መኮንናት ኤርትራ! ዕድመ ገበነኛ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንምንዋሕ፣ ነታ ሰባብ ኤርትራውያን ዘጽነተት በትረ ስልጣኑ ንምሕላውን ስቓይ ሓሙሽተ ሚልዮን ህዝብኹም ንምኽዕባትን፤  ‘ተር ከም ዓተር’ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ተተቲዕኩም ዘለኹም ኤርትራውያን መኮንናት! ብፍላይ ድማ ሜጀር ጀነራላት፣ ብሪጋደር ጀነራላት፣ ኮሎኔላትን ሌተናል ኮሎኔላትን፣ ከምኡ’ውን ሜጀራትን ካፕተይናትን ኤርትራውያን!

ክቡር ኤርትራዊ መኮነን! ብልዒ ሓላፋይ ሽም ተራፋይ ኢዩ፣ ህዝብኻ ከም ትዃን ተጠልቂዑ ኣብ ዘለወሉ እዋን ምቾት ቪላታትን ላንድክሩዘራትን፣ ኣብ ሰሳልስቲ ዝሕረዱ ደዓውልን ክሳብ መዓስ ኢዩ ምሳኻ ክነብር። ወዲ ሰብ’ኳ ጥራይ ነብሱ ኢዩ ተወሊዱ፤ ናብ ጉድጓድ ዝማልኦ ሃብቲን ጸጋን ድማ የለን። ርኣዮ’ሞ ኮሎኔል ሙዓመር ቃዛፊ! እቲ ን42 ዓመታት ዝእክቦ ዝነበረ ቢልዮናት ዶላራት ከድሕኖ ኣይከኣለን። ክቕበር እንከሎ’ውን ኣብ ሳንዱቕ ወርቂን ኣልማዝን ኣይኣተወን። ርኣያ’ሞ እዛ ዓለም! ብሰንኪ ውልቀ-ምልካዊ ግትርነት፣ ቃዛፊ ንብሙሉኣቶም ስድራ ቤቱ ኣጥፊኡዎም ኣሎ። ኣንታ ኤርትራዊ መኮነን ሃየ ብድሕሪ ህዝቢ ሊብያ ታሪኽ ስራሕ! ነቲ ኣብ ጉርጉማኻ ዝዓግተካ ዘሎ ተካል ምረት ሎሚ ሓንሳብን ንሓዋሩን ጡፍ በሎ። ፍልልያት ክትረኽበሉ ኢኻ’ሞ ጥራይ ተበገስ’ምበር ንእለት ሚልዮን ህዝብኻ ኣብ ጽርግያታት ኤርትራ ክጽንበረካ ኢዩ።

‘ኣይትመካሕ በዓል ኣሓ፣ ሰነ ኣላ ብነውሓ’ ከም ዝበሃል፤ እቶም ናይዚ ዘመናት’ዚ ዝነበሩ ኣዝዮም ምኩሓት መራሕቲ ረማዕማዕ ክብሉ ትርእዮም ኣለኻ። ጃጃዊ ኢሳይያስ ብድሕሪ መርድእ እቲ ንሓይሊ ህዝቢ ሊብያ ክርዕም ፍቓደኛ ዘይነበረ ‘ዛንጋዛንጋ’ ሙዓመር ቃዛፊ ከመይ ከም ዝህሉ ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኢኻ።
ከምቲ “…ህዝቢ ኤርትራ ብገዛእ ቅልጽሙ ኢዩ ዘውዲ ደፊኡ ዘሎ’ሞ ነዛ ዘውዲ እዚኣ ዝትንክያ ወይልኡ” ዝበሉዎ ክቡር ኣቦና ነፍስ-ሄር  ወልደኣብ ወልደማርያም፣ እዛ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኢሳይያስ ዘላ ዘውዲ፣ ናትና ናይ ኤርትራውያን ዘውዲ ኣይኮነትን’ሞ ሰለም ከየበልካ ንምምሓዋን ኣብ ቦትኣ ድማ እታ ክቡር ዋጋ ዝተኸፍላ ናትካ ኣኽሊል ዘውዲ ንምትካል ሕጂ ንኸስ።

እምበኣርከስ ኤርትራ ስለ ናጽነታን ሓርነታን ክትብል ረዚን ዋጋ ከፊላ ክነሳ፣ እቲ ዝተኸፍለ ክብሪ መጻወቲ ውልቀ-ምልኪ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ደኣ ኮነ’ምበር ሓርነትሲ ባዶሽ ኮነ። ክሳብ መዓስ ኢኻ ትም ክትብል ክቡር መኮነን? ‘ዓሻስ እምኒ ገበጣ ክሳብ ዝውዳእ ይጻወት’ ከም ዝበህል፤ እምኒ ገበጣ ኢሳይያስ ብድሕሪ ሞት ሙዓመር ቃዛፊ ክህሉ ኢልካ’ዶ ትሓስብ ትኸውን?  ኤርትራን ኤርትራውያንን መላገጺ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ ካብ ዝኾኑ ኣይወሓደ’ሞ፣ ነቲ ንዓመታት ጸቒጡካ ዝነበረ ጽላሎት ኢሳይያስ ሓንሳብን ንሓዋሩን ያዕ ኢልካ ብርኩታኻ ንምብርኳት እምኒ ሩባኻ ኣርስን። ዕድመ ውልቀ-ምልኪ ይኣክል ኢልካ፣ ሎሚ ራህዋን ደበስን ንህዝብኻ ኣበስሮ።

ኦ! መኮነን ኤርትራ!! ብድሕሪ ሞት ቃዛፊ ንኢሳይያስ እዛ ንነብረላ ዘለና ፕላኔት ክትጸቦ ምዃና ኣይትዘንግዕ። ሎሚ ኣብዚ ኦሮማይ ኢሉ ናብ ቀቢጸ-ተስፋ ተሸሚሙሉ ዘሎ እዋን ኣፈርኩቡ እውን ቅንጣብ ዕድል እንተረኺቡ፣ ኣሰር እቶም ካብ ቅድሚ ናጽነት ኣትሒዙ ክሳብ ዓመተ-2001 ዘጽነቶም ኤርትራውያን ንክቕርመካ ምጽንጻን ዘቋረጸ ከይመስለካ፣ ካብ ዳግማይ ዕሽነት ኣጸቢቕካ ረሓቕ። ሎሚ ናባኻ ኢዩ ኣዒንቲ ህዝቢ ዘቋምት ዘሎ’ሞ እስከ ንሓንቲ ሰከንድ እውን ትኹን ሸፋሽፍቲ ኣዒንትኻ ክፈት። ኣብ ድቃስካ ኮንካ እስከ ንሓንቲ ደቒቕ ንድሕሪት ተመለስ፣ ዝሓለፍካዮ ጥውጥዋይ መንገዲ ተመልከቶ።

ስለምንታይ ንመዋእል ጉዕዞኻ ኣብ በረኻታት ኤርትራ ነበረ? ስለምንታይ ከቢድ መስዋእቲ ተኸፊሉ?  ነቲ ክሳብ ኣስናኑ ሓጸልጸል ብዝብል ኣጽዋራት ዓጢቑ ዝነበረ ሰራዊት ደርግ ምስ ኣዝዮም ምኩራት ጀነራላቱ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሰላሕታ ወራራት ንዝነበሩ ‘ናቅፋ ትታየኝ ኣለች’ ኣብ ዝበሃለሉ ዝነበረ ፈታኒ ግዜ ኣዝዮም ሓያላት ግጥማት ምስ መላእ ህዝብኻን ውፉያት ተጋደልትን ብሓባር ብምግጣም፣ ኣብ ከውሒ ከም ዝወደቐ ጥርሙስ ሽዋሕዋሕ ከም ዘበልካዮ ትዝክር’ዶ? ኣብ ግንባራት ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል፣/ውቃው እዝ/ ኣብ  ግንባር ሓልሓል፣ /መንጥር እዝ/ ኣብ ግንባር ናቕፋ፣ /ናደው እዝ/ ኣብ ስርሒት ፈንቅል፣ ኣብ ምርብራብ ግንባር ጊዳዕን ኩበይን ከምኡ’ውን ኣብ ደምዳሚ ኲናት ናጽነትን ንጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ረማዕማዕ ኣቢልካዮ ከም ዝኣተኻ እስከ ዘክር! ኣበይ ኣሎ ህዝብኻ ዝተጸበዩ ራህዋ? ኣበይ ኣሎ’ኸ ሓርነት ህዝቢ ኤርትራ?

ክቡር ኤርትራዊ መኮነን! ስለምንታይን ብከመይን ኲናት ባድመ ተጀመረ? ኣየናይ ጀነራል ምስጢራዊ መምርሒ ካብ ኢሳይያስ ከም ዝተቐበለስ ገለ’ዶ ትፈልጥ ትኸውን? ብድሕሪኡ ዝሰዓበ ምዝንባል ህዝቢ ስለምንታይ? ጥሜትን ስደትን ህዝቢ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናገደደ ይኸይድ ኣሎ? ስለምንታይ ጻንታ መንእሰያት ንክትከውን ኤርትራ ተፈሪዳ ኢልካ እስከ ዝግ ኢልካ ሕሰብ! ኣከያይዳ ኢሳይያስ ካብ ቀደም ክሳብ ሎሚ ከመይ ይመስል ኣሎ? ጥርናፈ ጉጅለ ህግደፍ ስለምንታይ በብቑሩብ እናሓየለ ክመጽእ ጸኒሑ?

ካን’ዶ የማነ ገብረኣብ ዝሓንጸጾ ፖለቲካ ርዒምካዮ ኢኻ? ሓጎስ ገብረሂወት ኣብ ቁጠባ ኤርትራ ገባሪን ሓዳጊን ንክኸውን’ከ ፍቓድካ ድዩ? እወ ኣብ ኲናት 2000 ዓ.ም. ካብ ኢድ ሓጎስ ክሻን ኢሳይያስን ዶላራት ትቕበል ዝነበርካ መኮነን’ከ ኣሎኻ’ዶ? እስከ ናብ ሃብቲ ሙዓመር ቃዛፊ ተመልከት። ስለምንታይ መገሻታት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብየማነን ሓጎስን ጥራይ ይበሓት? ሃገርካ ሰብ የብላን ድያ? የለዉን ድዮም ወልደንኪኤላት፣ ኣብርሃ ኣስፋሃ፣ ኣረፋይነ በርሀ፣ ኣምና ኑርሑሴን፣ ብርሃነ ኣብርሀ፣ ፎዝያ ሃሽም፣ ኣስካሉ መንቀሬዎስ፣ ተስፋይ ገብረስላሴ፣ ኣሕመድ ሓጅ ዓሊ፣ ዶክተር ገርግሽ ተስፋሚካኤል ወ.ዘ.ተ…፣ እቲ ካብ ቀደም ንዝተላእኮ ዕዮ ገዛ ዝሰርሕ ዝነበረን ዘሎን ኮርዒዳ ልኹእ ባዕዳውያን እምበኣር፤ ብንብዓት ኣዴታትካን ሕጻናትካን ዝፍሳህ’ምበር ዝድንግጽ ፍጡር ኣይኮነን።

ዝኸበርካ መኮንናት! ደጊም ይኣክል!! እቲ ኣብ ኣብ ኣኽራናት ሳሕል ብደም ብጾትካ ዝተመንዝዐ፣ ኣብ ጎላጉል ሰምሃር ከኣ ከም ወናም ኣባ-ጓይላ ዝደበልካሉ ብሬናትን ረሽራሻትን ሎሚ ናብቲ ደም ህዝብኻ ዝመጺ ዘሎ  ገበነኛ ኢሳይያስ ንከተቕንዖ ህዝቢ ይጽበየካ ኣሎ። ሻምብቆ እተን ብደም ብጾትካ ዝተረኽባ ታንክታት፣ ከም ጃጓርን ታይገርን ዘለኣለማዊ ቅያ ንክሰርሓ፤ ናብ ግንባር ገበነኛ ኢሳይያስ ኣነጻጽሮ። ሎሚ ኤርትራ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ጽንኩር መንገዲ ኣላ ኢልካ እስከ ዝግ በል’ሞ ብሕልናኻ ፍረድ።

ሎሚ እቲ ንህዝቢ ሊብያ ን42 ዓመታት ዝገዝኣ ውልቀ-መላኺ ሙዓመር ቃዛፊ፤ ኣብ ኤርትራ እውን ካብ ዓሰብ ናብ ኣስመራ ብመኪና ተጓዒዙ ዝኣተወን ንጽርግያ ባጽዕ-ዓሰብ ብቕጽበት ቅጥራን ክለኽየልኩም እየ ዝበለ፤ ኣብ ኲናት 2000 ዓ.ም. ኢሳይያስ ንምድሓን ኣገደስቲ ኣጽዋር ናብ ኤርትራ ዝሰደደ፤ ክሳብ ምልዕዓል ህዝቢ ሊብያ ከኣ ነዳዲ ብነጻን ብድጎማን ንመንግስቲ ህግደፍ ክሕግዝ ዝጸንሐ፤ ኣብ ዓለም እቲ እሙን ዓርኪ ገበነኛ ኢሳይያስ ሞይቱ ኣሎ’ሞ ኦሮማይ!! ውዑይ ሃፋ ዘለዎ መርድእ ንኢሳይያስ ተነጊሩዎ ኣሎ። ካብዚ ሰዓት እዚ ንኢሳይያስ ብዘይካ ሞት ካልእ ዝረኣዮ መንገዲ የለን’ሞ ከምቶም ኣቐዲሙ ዝኣሰሮምን ዝረሸኖምን ደቀባት ኤርትራ ከይልክመካ፤ ሎሚ ንቓሕ!

ሂትለርን ሞሶሊኒን፣ መንግስቱን ሳዳምን ኣብ ስልጣን ኣይነበሩን። ታሪኽ’ምበር ሰብ ነባሪ ኣይኮነን ዝበሃል ለካ ከምዚ ኢዩ። ካብዛ ሰዓት እዚኣ ቃዛፊ የሎን፣ እቲ ካብ ዝፍጠር ክሳብ ሂወቱ ዝሓለፈትላ ሰዓት ዝነበረ ታሪኹ ግን ንዘለኣለም ኣይጠፍእን ኢዩ።

ሰዓት ይኣክል ኣሎ! ህዝቢ ኤርትራ ብድሕሪ እቲ ብሉጻት ደቁ ከፊሉ ዝጨበጦ ሰማይ-ጠቀስ ዓወት፣ ሎሚ ድሕሪ ዕስራ ዓመታት ብግምጣል ናይቲ ዝደየቦ ጥርዚ፣ ናብ ክንድኡ ዝኸውን ዘሕዝን ማዕሙቕ ተሸሚሙ ይርከብ ኣሎ። እቲ ኣንጊሁ ንጥፍኣት ኤርትራዊ ዜጋ ዝወፈረን ደጋጊሙ ዝፈከረን ገበነኛ ኢሳይያስ  ሎሚ በቲ ንስኻ እትወስዶ ሃንደበታዊ በርቂ ካብ ዝባን ህዝቢ ኤርትራ ክእለ ኢዩ።

ክቡራት መኮንናት! ሜጀር ጀነራላት፣ ብሪጋደር ጀነራላት፣ ኮሎኔላትን ሌተናል ኮሎኔላትን፤ ከምኡ’ውን ሜጀራትን ካፕተይናትን ወ.ዘ.ተ… ‘ስም ነርሓ ሳዕሪ ነሓ’ ከም ዝበሃል፤ ሃብታምን ነባሪን ታሪኽ ንምግዳፍ፣ ንመቓብር ሰማእታት ኤርትራ ዘማሙቕ፣ ንድርሙን ኣራእስ ኣዴታት ዝድብስ ኣገዳሲ ስጉምቲ  ሎሚ ብሓንቲ ነጋሪት ተለዓል።
ድሌትን ክዉንነትን ነንበይኑ ኢዩ። ድሌትና ንለውጢ ንግሆን ምሸትን የንበድብድ ኣሎ።  ንስኻ ኣንታ ቀይሕ ነብሪ ሎሚ ተበግሶ ውሰድ። ህዝቢኻ ብሰንኪ ጨካን ስርዓት ህግደፍ ተቓውሞ ክገብር ዝከኣሎ ኣይኮነን። እቲ ምንታይ ኣብ ልዕሊ ርእሱ ዘሎ ዱላን ጠበንጃን ብዘይ ንሕስያ ክርሽኖ ምዃኑ ስለዝፈልጥ ኢዩ። እቲ ብግዝኣተ መሮር ዝመሓደር ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ናትና ናይ ደቂ ህዝቢ ኤርትራ ጽላል ኣይኮነን። ቅንጣብ ኤርትራዊ ደም ብዘይብሎም እኽብካብ ጉጅለ እትመሓደር ኤርትራ’ምበኣር ብዘይካ ኣውያትን ሞትን ካልእ ኣይተዓደለትን።

ንሓድሕድና ከም ዘይንተኣማመን፣ ብሃይማኖትን ኣውራጃን ከም እንፈላለ፣ ብብሄርን ደርቢን ከም ዘይንራኸብ ውዲት ኣንጻርና ዝኣወጀ ገበነኛ ኢሳይያስ ሎሚ ሰዓትካ ኣኺሉ በሎ። እዚ ካብ ቅድሚ ኣርባዓ ዓመታት ብገበናት ዝከስዐ ኢሳይያስ  እቲ ቀንዲ ምድራዊ ዓርኩ መዓመር ቃዛፊ ሞይቱ ኣሎ። ኣብዚ ተሃዋሲ እዋን መራኸቢ ብዙሓን ህግደፍ ንምንቅስቓስ ህዝብታት ሰሜን ኣፍሪቃ ንምጥምዛዝ ይጓየያ ከም ዘለዋ ተዓዚብካዮ ከም እትኽውን ንኣምን። ስለዚ  ውልቀ-ምልካዊ ኢሳይያስ ብዘይካ ብዝተሓባበረ ቅልጽም ብልማኖን ትኳቦን ካብ ስልጣኑ ዝእለ ፍጡር ኣይኮነን’ሞ ኣፈ ሙዝካ ጥወዮ።

ክቡር መኮነን!  ከም ትማሊ ሎሚ’ውን ተኣምር ንምስራሕ ኣለኹ በል። ድምጽኻ ከም ዝጓዝም ኣንበሳ፣ ኣቃልሓዮ።  ሃሚ ድምጽኻ ፍትሒ ዝናብ ናብ ሃገርና ሸው ከም ዝብል ግበሮ። ክንዮ’ቲ ቅቡር ውዲት፣ ክንዮ’ቲ ንነዊሕ ዓመታት ክጥጃእ ዝጸንሐ ንኤርትራውያን ፈላሊኻ ግዛእ ሜላ፣ ብክብ ዝበለ ንቕሓትን ኣቓልቦን መርሽ። ነቲ ኣብ ዘይናቱ ኮረሻ ስልጣን ዝተወጥሐ ዲያብሎስ ኢሳይያስ፣ ውረድ ዘይበቕልኻ፣ ልቐቕ ዘይርስትኻ ኢልካ፣ ተበግሶኻ ጨብጥ። ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣብ ጎድንኻ ኣለና’ሞ ተኣማመን ክቡር ኤርትራዊ መኮነን!

ኣለና ብውሽጢ፣ ኣለና ብደገ።
ሞት ክናና ንኢሳይያስ!

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!!

aseye.asena@gmail.com

Review overview
9 COMMENTS
  • Semhar October 21, 2011

    Gaddafi is dead Isayas is next!

    Yes we can DISTROY the dictator ISAYAS and his terrorist organization the PFDJ where ever they are.
    Yes we will DISTROY the dictator ISAYAS and his terrorist organization the PFDJ where ever they are.
    Eritrea will be free soon!

    – The international community’s talking peace and carrying big stick [sanctions] is having an effect.
    – The Eritrean people are beginning to realize that there is no point in waiting for the regime to reform itself — that it needs to be overthrow.
    This is the moment we must come together to save our land and our people.

    Let freedom ring in Akeleguzay!
    Let freedom ring in Barka!
    Let freedom ring in Denkel!
    Let freedom ring in Hamasien!
    Let freedom ring in Sahil!
    Let freedom ring in Semhar!
    Let freedom ring in Senhit!
    Let freedom ring in Seraye!

    Let freedom ring in ERITREA!

    Let freedom ring allover Eritrea!
    Let’s LIVE FREE OR DIE with dignity.
    Our martyrs did not die to crown the tyrant.
    We must reclaim our flag, our constitution, Highi Indaba, our land (our original provinces), our people, and our culture.
    DISTROY the dictator ISAYAS and his terrorist organization the PFDJ where ever they are.
    Eritrea will be free soon!

  • sador October 21, 2011

    you do not know who you are what you speak and write i am very sad of you because just you are flotting

  • Semhar October 21, 2011

    Barentu,

    You seem to have identity crises!

    Meninet kiliulaw zeleka timesil.

    Highi Indaba (the law of our land in Eritrea), it gives all Eritreans at their father’s village the rite to own a land for farming and a land to build your house for free. That has been and will always be the law of our land. For those who are born outside Eritrea there will be land reserved for them at their father’s village when they return home. This land cannot be sold or exchanged. We only can pass it to the next generation.

    Barentu,
    Yes we will stop you from taking our people’s land in Barka and allover Eritrea.

    Those of you who are taking our land and our property illegally you will pay the price just like Colonel Gaddafi Soaked in blood and looking empty eyed into the camera lens –soon will be your image.

    Reply

    • Huluf October 22, 2011

      Semhar,
      Yes to Higi Indaba and respective law of land in different regions of Eritrea…that will set the fire and save the land from idenitity crisis victims and will rejuvenate the courage that the land, family calls for in it’s defense…It is that torch that called upon our youth to pick up the gun of freedom to flock to the field in defence of the home land.

      You are right on point.

    • sol October 24, 2011

      Hi Semhar

      I think u raise a very important issue but this us going to backfire on you and others who think they are Dekebat. As native Highlander( Tigrigna ) you only deserve a piece of land(Tess) or if you reside in your village u gone have a piece if land for farming,which even can not feed a family of four year round. That is why most kebessa farm during rainy season and work in the cities to complement their income or they have to go to Bahri(lowland) for additional plots of land. But it does not mean that the rest if the land does not have owners.Most of the lands in Barentu or Gash is the Kunama land, it us their ancestral land, but their land is being snatch by the government and Tigrigna highlander, the coastal area is the ancestral land of Afar,Shao,tiger and Nara(Baryas). So it should be known that Being Dekebait does make you the owner of all the land in Eritrea, because every piece of land has its owner. That us the Afar and the Kunamas are fighting to recover their ancestral rights of their land and culture.

      The funny thing about the Tigrigna, they do not want to share their land with others even for a cemetery rather claims the low land and the costal plain as their right

  • samrawit October 21, 2011

    yesssssssssssssssssssssssssssssssssssssssssssssssssssssssssss get up stand up for our right it is the right time to over throw the next dictator issayas

  • samrawit October 21, 2011

    mr, dictator are u ready toescape or todie
    it is ur turn to choose

  • tsefa aloni October 21, 2011

    ኣለና፡ በቲ ኮይኑ በቲ ህግደፍ ሰዓቶም ኣኺላ እያ እቶም ኣብ ደገ ዘለኹም መንእሰይ ሓይሊ ጊዜኹም ሕጂ እዩ ነዚ ኩነታት ማእዘን ኣትሕዙዎ ተበገሱ ኣብ ኩሉ መድረኻት ኣንጻር ሻዕብያን ደገፍቶምን ዚለሉ መክቱ ሹዑ ናቱ ፍረ ኣብ ዉሽጢ ኪትሪኡዎ ኢኹም። ርግጸኛ እየ ዝጅምር አምበር ዚዛዝም ሓይሊ ኣሎ። መንእሰይ የበገስ ንዲክታተር ኢሰያስ ናብ ዓርኩ ቃዛፊ ጸንብሮ ክኸውንዩ ግድን ዩ ክኸውን
    ኣለና ኣብ ጎድንኻ ኣሎና ምሳኻ!!
    ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ይንገስ!!

  • Haqi tezareb October 22, 2011

    Why is the website – Awate.com that is cheering about the so called old Jebha’s Addis conference for November very quite on the capture and death of the Arab dog Gaddafi?
    They were happy to show about other Arabs being deposed such as Mubarek or Tunisia but they are silent as a rat in water on Gaddafi, the way Ali Abdu’s TV Ere is?
    There is no single Arab leader to cheer they(Assad, Salah, Sadam, Saudi, Bahrain, Kuwait) are all a bunch of servants, crooks and evil starting from the bafoon Gamal Abdel Naser who was Gaddafi’s mentor. Funny, all Arab leaders died as dogs. What is shameful when the old ELFs were trying to copy every Arab tyrant to get some kedami’s left over crumbs.
    It was their slaves and informers making life and death decisions in Eritrea.

    Dogs only give birth to little dogs.

Post a Reply to samrawit Cancel Reply