Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እዋናዊ ዛዕባ ንኤርትራውያን መናእሰያት

እቲ ኣብ ግንቦት 1998 ዓ/ም ብዝሰኸረ ትምክሕቲ ንዝና ውልቀ ኢሳይያስ ብሰበብ ባድመ ዝተባረዐ ኣዝዩ ኣስካሕካሒ ኲናት ማእለያ ዘይብሉ ሂወት ክልቲኡ ወገናት ቀዚፉ ኢዩ፡፡ከቢድ ቁጠባዊ ሃስያን ዕንወትን ኣብ መንጎ ክልቲኡ ሃገራት ኣውሪዱ ኢዩ፡፡ህዝብታት ክልቲኡ ሃገራት ተመዛቢሉ

እቲ ኣብ ግንቦት 1998 ዓ/ም ብዝሰኸረ ትምክሕቲ ንዝና ውልቀ ኢሳይያስ ብሰበብ ባድመ ዝተባረዐ ኣዝዩ ኣስካሕካሒ ኲናት ማእለያ ዘይብሉ ሂወት ክልቲኡ ወገናት ቀዚፉ ኢዩ፡፡ከቢድ ቁጠባዊ ሃስያን ዕንወትን ኣብ መንጎ ክልቲኡ ሃገራት ኣውሪዱ ኢዩ፡፡ህዝብታት ክልቲኡ ሃገራት ተመዛቢሉ ፋሕ ፋሕ ኢሉ’ዩ፡፡ብሰንኪ ’ዚ ምዝካሩ ዘጽልእ ኣህላቕን ኣስካሕካሕን ኲናት ልቢ ክልትኡ ህዝብታት ደምዩ ቆሲሉ በሰልኡ ክሳብ’ዚ ዕለት’ዚ ክሓዊ ኣይተኻእለን፡፡እዚ ክልተ ኣሕዋት ህዝብታት’ዚ ጉርብትና ጥራይ ዘይኮነ ዝኣሳስሮ ብሓባር ተቓሊሱ ንፋሽሽታዊ ስርዓት ደርግ ዝሰዓረ ኢዩ፡፡ብፍላይ ተጋደልቲ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ን ተጋደልቲ ህ.ወ.ሓ.ት. ን ኣብ ናይ ሓባር ቃልሲ ንናይ ሓባር ጸላኢ ብሓደ ተሰዊኦም ኣብ ሓደ ጋህሲ ተቐቢሮም ኢዮም፡፡እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘኹርዕ ታሪኽ ዝውንን ህዝብታት ሕውነቱ፡ ምሕዝነቱ ብኲናት ብደም ምፍሳስ ክገልጾ ኣይግባእን ነይሩ፡፡እንተኾነ ዘራጊ እንከሎ ጽሩይ ማይ ስለ ዘይስተ ብሰንኪ እቲ ቀጻልነት ምንባሩ ኣብ ኲናት ጥራይ ዝተሰረተ ኢሳይያዝ ዝእዝዞ ጉጅለ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ.  ዕድመ ልክዕና ኣብ ዘይኣጎድናዮ መጋርያ ክንጥበስ ተፈሪድና ኣለና፡፡ሎሚ እቲ ካብ መፋርቕ 2000 ዓ/ም ኢሳይያስ ተገዲዱ ዝኣተዎ ውዕል ሰላም ቃንኡ ተቐይሩ ኣሎ፡፡ድሕሪ ዓሰርተው ክልተ ኣይ ናይ ሰላም ኣይ ናይ ኲናት ፋይዳ ዘይነበሮ ዝባኸነ ዓመታት፡ ዳግማይ ህልቂት ክስዕብ ከቢድ ወጥሪ ኲናት ኣንጸላልዩ ህዚቢ ከብዱ ሓቒፉ ኣሎ፡፡

ብተደጋጋሚ ክበርህ ዝሓገየን ዝኸረመን ናይ መጠንቀቕታ ቢጫ መብራህቲ ሎሚ ሕብሩ ናብ ቀይሕ ተቐይሩ ኣሎ፡፡ቀይሕ ምልክታት ደም፡ምልክት ጥፍኣት፡ህልቂት፡ዕንወት፡ስደት፡ምብትታን ምልክት ሓደጋ፡፡ ሓሙስ ዕለት 15/03/2012 ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ፡መንግስቲ ኢትዮጲያ ብወግዒ ተመጣጣኒ ዝበሎ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ከም ዝወሰደ ብመራኸቢ ብዙሓን ኣቓሊሑ ኣሎ፡፡ እቲ ዝተወስደ ስጉምቲ ክሳብ 18 ኪ.ሜ ኣብ ወሽጢ መሬት ኤርትራ ምንባሩ ውን እቲ ዝተዋህበ መግለጺ ኣነጺርዎ ኢዩ፡፡ኣብዚ ዝተወስደ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ዝተቐትሉን ዝተማረኹን ወተሃደራት ከም ዘለዉ ውን ተገሊጹ ኣሎ፡፡  ብመንጽሩ ድማ፡እቲ ንዕስራ ዓመታት ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ውራዩን ሃገራውነቱን ዘጓነየ ብዊንታ ኢሳይያስ ዝምራሕ ጉጅለ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ብኣፈኛታቱ ኣቢሉ ውስጠዘ ትርጉሙ ዘይርዳኣካ ኣይነበረን ዝዓይነቱ ኣሉ ክብል ምላሽ ሂቡ ኣሎ፡፡ብዝጠፍእ ዘሎ ሂወት መናእሰያት ኤርትራ ንሓንቲ ደቒቕ ውን ትኹን ሓዚኖምን ሓሲቦምን ዘይፈልጡ ልባውያን ደቂ ዕቁብ እዚ ስርዓትዚ ሕጂ ውን ንህዘቢ ኤርትራ ንምድንጋር ርካሽ ሓሶታት ኣብ ምንዛሕ ተዋፊሮም ኣለዉ፡፡ ሎሚ ክፍኣተ መጋብር ህ.ግ.ደ.ፍ. ዕርቃኑ ወጺኡ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ተባቲኹ ሕቖን ከብድን ኣብ ዝኾነሉ እዚ ርካሽ ኩምራ ሓሶታት ከውሊ ከም ዘይኮኖም ግን ዝስሕትዎ ኣይመስለንን፡፡ነገረ ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣመል ምስ መግነዝ ስለ ዝኾኖም ጥራይ ኢዩ፡፡

ብዜካ እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጲያ ብወግዒ ዝተገልጸ ኣብ ከባቢታት ደንከል ዝተወስደ ወተሃደራዊ  ስጉምቲ፡ ኣብ ካልእ ቦታታት ውን ጎንጽታት ከም ዝነበረ ወረታት ኣሎ፡፡ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ውን፡ኣብ ከባቢታት ኣኽራን መስሓል ወደከለ ውግእ ከምዝተኻየደ ሓበሬታታት ኣሎ፡፡ሽዑ ዝተታሕዙ ቦታታት ውን ክሳብ ሕጂ ክምለሶም ከምዘይተኻእለ ዝፍለጥ ኢዩ፡፡ሎሚ  ኣብ ኣፋፌት መቓብር ተገምጊሙ ዘሎ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ነዚ ዝተጨበጠ ሓበሬታታት ከቃልሖ ትብዓት የብሉን፡፡ለኻኺሙ ክጠፍእ ድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ ስትራተጅኡ ከተግብር ግን፡ እቲ እከይ ውዲታቱ ድሮ ብሰላሕታ ጀሚርዎ ኣሎ፡፡ ትማሊ ቀዳም ዕለት 17/03/2012 ካብ 40 ክሳብ 60 ዝዕድሚኦም ኤርትራውያን ኣቦታት ኣያታት፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ተጣይሶም ዝጸንሑ፡ ናብ መሳርዕ ሓይልታት ምክልኻል ክኣትዉ ጽኑዕ ትእዛዝ ተዋሂቡ ኣሎ፡፡መሳርዕ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ገረውሮው ኢሉ ኣብ ዝጸመወሉ፡መናእሰያት ብሰንኪ ግዕዙይ ምሕደራ እቲ ስርዓት፡ብጅምላ ናብ ስደት ኣብ ዘምርሑሉ፡ ብትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ ህጻውንትን ናብ ሽምግልና ገጾም ዘምርሑ ዓበይትን ጌርካ ዕድመ ስልጣንካ ከተናውሕ ህ.ግ.ደ.ፍ. ክፍትኖ ጥራይ ዘይኮነ ከተግብሮ ውን ኢዩ፡፡ብዜካዚ ብተቓወምቲ መንግስቲ  ኢትዮጲያ ብፍላይ ውን ደ.ም.ሒ.ት. ሃጓፋቱ ክዓብስ ኣብ ቅድመ ግንባር ኣሰሊፍዎም ከም ዘሎ መዓልታዊ ናብ ኢትዮጲያ ዝኣትዉ ዘለው ኤርትራውያን እገልጹ ኣለዉ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ፕራይም ሚንስተር ኢትዮጲያ ኣቶ መለስ ዜናዊ ንፓርላማ ሃገሮም ኣብ ዝሃብዎ መብርህን ሓበሬታን፡” ኣብ ዝኾነ ይኹን ግዜን እዋንን ምርጫና ሰላም ኢዩ፡፡ቀዳማይ ካልኣይ ሳልሳይ ምርጫና ሰላም ኢዩ፡፡ንሰላም ኣብ ጣውላ ኮፍ ኢልና ንምርድዳእ ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ዝደለይዎ ግዜ፡ ኣብ ዝደለይዎ ቦታ፡ ብዝደለይዎ ሸምጋሊ ኣካል ዋላ ውን ባዕሎም ብዝመረጽዎ ክንዛተ ጉዳያትና ብውሕሉል ኣገባብ ክንፈትሕ መንግስቲ ኢትዮጲያ ቁሩብ ኢዩ፡፡ምርጫናን እቲ ክኸውን ዝግበኦን ንሱ ኢዩ፡፡”ብምባል ብትኽክል ኣቖሚጥዎ ኢዩ፡፡ማዕረ ማዕረኡ ድማ ጉጅለ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ብዝፈጥርዎ ዘለዉ ኣዕነውቲ ናይ ግብረ ሽበራ ተግባራት ኢዶም ከም ዘየጣምሩን ተመጣጣኒ ስጉምቲ ክውሰድ ምዃኑን ኣነጺርዎ ኢዩ፡፡እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ቢጫ ናይ መጠንቀቕታ መብራህቲ ብተደጋጋሚ ብመንግስቲ ኢትዮጲያ ክወሃብን ክበርህን ጸኒሑ ኢዩ፡፡ሎሚ እቲ ብጫ ዝሕብሩ መብራህቲ ናብ ቀይሕ ተቐይሩ ኣሎ፡፡ምብራዕ እቲ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሂወት ዘህለቐ ኲናት ባድመ ካብ ዝኽርታትና ዝእለ ኣይመስለንን፡፡ሎሚ ከቢድ ደበና ኲናት ኣብ ዶባት ክልቲኡ ሃገራት ኣንጠጥዩ ኣሎ፡፡

እዚ ትራጀድያዊ ናይ ቅዝፈትን ህልቂትን ኲናት ዳግማይ ከይባራዕ እዋናዊ ዛዕባ ኤርትራውያን መናእሰያት ክኸውን ይግበኦ፡፡ኤርትራዊ መንእሰይ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ብደም ኤርትራውያን እጣላዕ ከምዘሎ ዝተኸወሎ ኣይመስለንን፡፡የግዳስ ደም ኩርምቲ ኮይንዎ ኣብ ክንዲ ቱፍ ምባሉ ንውሽጢ’ዩ ክውሕጦ ጸኒሑ፡፡ኣብ መፋርቕ 2000 ዓ/ም ሰራዊት ኢትዮጲያ ንውሽጢ መሬት ኤርትራ ደፊኡ ምስ ኣተወ እዝን ቁጽጽርን ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ሓደጋ ምስ ወደቐ ኢሳይያስ ዕድመ ስልጣኑ ከናውሕ ዝወሰዶ ስጉምቲ ካብ ዝኽርታትና ገና ኣይሃሰሰን፡፡ንስምምዕ ርዋንዳን ኣሜሪካን ተሓሲሙ ውግእ ክቕጽል ከም ዘይመረጸ 25 ኪ.ሜ. ናይ ጸጥታ ዞቦ ኣብ ውሽጢ መሬት ኤርትራ ክኸውን ኢሳይያስ ምስምምዑ ክሳብ ክንደይ ብሂወት ኤርትራውያንው ከምዝተጣለዐ ኣይረሳዕናዮን፡፡ሕጂ ውን ኣብ መጠረሽታ ሰዓታት ዕርበቱ ሂወት ኤርትራወያን ከም ቆጽሊ ምስ ረገፈ፡ከቢድ ዕንወትን ምብትታንን ምስ ሰዐበ ብዋጋ ወደብ ዓሰብ ውን ነዛ ድሕነቱ ክዕቅብ ክዋገ ከምዝፍትን ክንስሕቶ የብልናን፡፡እዚ ቅልጡፍ ምላሽ ዘድልዮ እዋናዊ ሕቶ’ዚ ገዘፍ ሃገራዊ ዛዕባ ኤርትራውያን መናእሰያት ኢዩ፡፡ኣብዚ እዋናዊ ዛዕባ እጃምና ከነበርክት መድረኽ ይጽዋዓና ጥራይ ዘይኮነ ዘሎ ቀዲሙና ውን ይኸይድ ኣሎ፡፡ኣብ መላእ ዓለም እንርከብ ኤርትራውያን መናእሰያት ነዚ ምንውናው ጥራይ ዝተረፎ ዝቦኽቦኸ ግዕዘይ ስርዓት ንምእላይ ብሓደ ድምጺብሓደ ረምታ ንለዓል፡፡ኢሳይያስ ዝመርሖ ጨፍላቒ ገጅለ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ.ብቅልጽሙ ዘይኮነ ብስንፍናን መሰረታዊ ዘይኮነ ፍልልያትናን ኢዩ ቀሲኑ ዝሓድር ዘሎ፡፡

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና

ሚኪኤል እምባየ(ኣራንቺ)

Aranchi03@yahoo.com

aseye.asena@gmail.com

Review overview
15 COMMENTS
  • Mussie March 19, 2012

    ATOM SEBAT BEJAKUM HGERKUM YEHLIFKUM AYTHABU, NEZI MENGSTI ETHIOPIA ZGEBRO ZELO SHRHI TEKAWEMWO, MS’U KONKUM AYTETAK’U. SR’AT ETHIOPIA GUDAYNA KFETHALNA ELKUM AYTTSBEYU, GUDAYNA BE’ALNA NFTHAYO, GUDAY HAGERNA N’ANA YMLKET ENBER N ETHIOPIA AYMLKETOMN EU. BZA’EBA MDGAF TEKAWEMTI KLITI’OM ZTSAWETWO TERA EU. SLEZI STOP ETHIOPIAN REGIM FROM KILLING OUR INNOCENT PEOPLE?

    • sara March 20, 2012

      these are people, who have crossed the red line, do not hope they will relent and stop their treasonous act, never in history did we hear a traitor repented…specially in our part of the world… a traitor dies a traitor… that’s in their DNA…

    • eritrawit March 21, 2012

      Mussie,
      When are you going to tell the dictator Isayas to leave our ppl alone and get the hell out. If it wasn’t for his damb ruling we wouldn’t end up in this situation;
      so who are you blaming? only your self who seems sepporting him blindly.

  • mahari March 19, 2012

    mussie zbelkayo kurub haki eyu gn gudaina bealna nfetho tiblsi,bzaiba fithi tezaribka`do tifelt?

  • Abnet Tesfai March 19, 2012

    ኢሳይያስ ዝመርሖ ጨፍላቒ ገጅለ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ.ብቅልጽሙ ዘይኮነ ብስንፍናን መሰረታዊ ዘይኮነ ፍልልያትናን ኢዩ ቀሲኑ ዝሓድር ዘሎ፡፡
    ………perfect idea

    • Mr. T March 19, 2012

      Abnet Tesfai,

      You are either not telling the truth or you are totally lost if you really believe in what you have said, “Our difference is not fundamental.” You have not matured yet politically speaking. Our difference is not just fundamental but is also irreconcilable. Here is why for the sake of your enlightenment:

      1. The ethnic organizations (the Afar, Kunama, Bilen and Saho) have political programs up to secession.

      2. The religious organizations believe in a nation that is governed and guided by their Islamic sharia laws in any part of the nation that they claim as their own.

      3. Many of the organizations which are under the care of the barbaric woyane regime support the woyane regime to invade Eritrea and hope it will hand them back.

      4. Many of the extremists in the oppositions consider the Tigrigna ethnic group as their sole enemy.

      Do you want me to add more to prove that you are insanely wrong?
      MEQUWATSRTI!

      • Ahmed saleh March 19, 2012

        Mr T
        After all this time discussing politics with Eritreans in this forum, you refuse to learn and open your heart to our people. For so long your
        message had been to divide people with your I’ll wil using religion
        and ethnicity. I do not care you may call Taliban as you use to do.
        But your the most disgusted and dangerous educated person with
        hidden agenda. I am from Saho tribe who live peacefully on their
        region with respect and harmony with their counter part Christians
        brothers. you have a gut to spew your venom of hate without
        hesitation, we are more civil without yours devilish education.
        To proof what I am saying, I leave the rest to any commentator
        whose origin hailed from that region to tell you how deceiving lair
        you are.
        And you got a courage to call real Eritreans Mokatserti, how foolish.

        • Ahmed saleh March 19, 2012

          Please read as ill will instead I’ll will.

          • sara March 20, 2012

            ahmed…. just another small correction, saho is not a tribal name it is larger than that… if you know what i mean.

            aa’dou la e’ye

        • Mr. T March 20, 2012

          Ahmed saleh,

          Take your rotten crab to the taliban’s website and figure out what those people are up to.

          • ahmed saleh March 20, 2012

            sara
            I accept your correction. You are right it is ethnic
            group. Thank you.

      • Haqi March 20, 2012

        This is a crap, you just made it up
        quote
        1. The ethnic organizations (the Afar, Kunama, Bilen and Saho) have political programs up to secession.
        unquote
        show the readers your source or admit you are an agent of Isaias.

        • Mr. T March 20, 2012

          Haqi,
          You are sadly confined to a world of your own. The statement you quoted me above has been talked many times over by the supporters of the rotten opposition groups and other sensible Eritreans. You need to get out of your confined space and breathe in the outside fresh air. For starters, please ask your close friends to help you understand the political programs of the entities I had listed in proof #1. Good Luck!

  • selomon March 20, 2012

    xubuq zereba gud nay bihaki
    ezi hade turkus eyu new belo

Post a Reply to Haqi Cancel Reply