Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እዋናዊ ሓበሬታ፡ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ትማሊ ዓርቢ 22 መጋቢት 2019፡ ኣብ ኣስመራን ዝተፋላለዩ ካልኦት ዞባታትን ኤርትራ፡ መጋበርያታቱ ኣዋፊሩ ፖለቲካዊ ፍሽለቱ ንምሽፋን ኣብ ዘካየዶ ዕጹው ኣኼባታት ላዕለዎት ሓለፍቲ፡ ምስ ወያነ ኲናት ዘይተርፍ እዩ ብምባል ንኲናት ምድላዋት ክገብሩ `ኳ እናሓበረ፡ ብቴለቭዥን ናብ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ግን መደናገሪ ፕሮፖጋንዳ ብምፍናው ኣጉል ተስፋ ክህብ ፈቲኑ። ተ

እዋናዊ ሓበሬታ፡ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ትማሊ ዓርቢ 22 መጋቢት 2019፡ ኣብ ኣስመራን ዝተፋላለዩ ካልኦት ዞባታትን ኤርትራ፡ መጋበርያታቱ ኣዋፊሩ ፖለቲካዊ ፍሽለቱ ንምሽፋን ኣብ ዘካየዶ ዕጹው ኣኼባታት ላዕለዎት ሓለፍቲ፡ ምስ ወያነ ኲናት ዘይተርፍ እዩ ብምባል ንኲናት ምድላዋት ክገብሩ

እዋናዊ ሓበሬታ፡
ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ትማሊ ዓርቢ 22 መጋቢት 2019፡ ኣብ ኣስመራን ዝተፋላለዩ ካልኦት ዞባታትን ኤርትራ፡ መጋበርያታቱ ኣዋፊሩ ፖለቲካዊ ፍሽለቱ ንምሽፋን ኣብ ዘካየዶ ዕጹው ኣኼባታት ላዕለዎት ሓለፍቲ፡ ምስ ወያነ ኲናት ዘይተርፍ እዩ ብምባል ንኲናት ምድላዋት ክገብሩ `ኳ እናሓበረ፡ ብቴለቭዥን ናብ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ግን መደናገሪ ፕሮፖጋንዳ ብምፍናው ኣጉል ተስፋ ክህብ ፈቲኑ።
ተሳተፍቲ ናይቲ ሰሚናር፡ ብስም ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ መንጎ ኢሳይያስን ኣቢይ ኣሕመድ ናይ ኢትዮጵያን ሕግብግብ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ክሳብ ሎሚ ንትሽዓተ ኣዋርሕ መመላእታ እዋናዊ ሓበሬታ ስኢኖም ኣንፈቶም ኣጥፊኦም ዝጸንሑ፡ ገሊኦም ኣብ ንጡፍ ኣገልግሎት ናይቲ ስርዓት ዘለዉ፡ ገሊኦም ድማ ዝደስከሉ ላዕለዎት ሓለፍትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ካድራቱን ኳ እንተኾኑ፡ ከምቲ ካልእ ህዝቢ ነቶም ኣካየድቲ ሰሚናራት በዳህቲ ሕቶታት ካብ ምቕራብ ኣይተቖጠቡን።
ኣብ ዝሓለፈ ዜናታት ኣሰና ኣቐዲምና ከምዝኣመትናልኩም፡ እቲ ኢሳይያስ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ብውዲት ዝኣለሞ፡ ንልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ 1ይ ውጥን፡ ብተቓውሞ ህዝቢ ኤርትራ ከምኡ `ውን ብውሽጣዊ ፖለቲካዊ ነውጽን ምፍጣጥን ኢትዮጵያ ዝፈሸሎ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ናብ ፕላን ቢ ከምዝወረደ እዚ ናይ ትማሊ ሰሚናር ሓደ ካብ መርኣያኡ እዩ።
ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ኣውደኣመታት እናኣመኽነየ ንህዝቢ ብሳዕስዒትን ዳንኬራን ከዘንግዕ ካብ ፈቖዶ ገጠራት ብቐጥታ መደባት ዘመሓላልፈላ ቴለቭዥን ትማሊ ኣንቴናኣ ኣብ ኣዳራሽ ምምሕዳር ከተማ ኣስመራ ዘርጊሓ ነቲ ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ንህዝቢ ብቐጥታ ከተመሓላልፎ ዝግብኣ ኳ እንተነበረ፡ በንጻሩ ከም ኣመላ፡ ኣብቲ ኣዳራሽ ንዝነበረ ሓቂ ሸፋፊና፡ የማነ ማንኪ ጽሒፉዎ ዝጸንሐ ኣይዜና ኣይሓተታ ብምዝርጋሕ ህዝቢ ከተደናግር ፈቲና። እንተኾነ፡ ካብ ኤርትራ ብዝበጽሓና ሓበሬታ መሰረት፡ ነቲ ሓፈሻዊ ሃዋህው ዘንጸባርቕ ገለ ኣገደስቲ ሕቶታት ናይቶም ተሳተፍትን መልስታቱን ክንጠቕሰልኩም።
ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ እቲ ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ኣኼባ ኣብ ክልተ ቦታታት ማለት ሚኒስተራትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ኣመሓደርትን ዝርከቡዎም ላዕለዎት ሰብ መዚ ዝተሳተፉዎ ኣኼባ ብኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ዋና ጸሓፊ ህግደፍ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣስመራ ከካይድ ከሎ፡ ነቲ ሰሚናር ናይ ምክያድ ዕዮ ገዛ ንምምላእ፡ ኣልኣሚን ካብ ገዝኡ ተለሚኑ ከምዝመጽአ ይሕበር። ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ የማነ ገብረኣብ (ማንኪ) ድማ ኣብ ኤክስፖ ንማእከሎት ሓለፍቲ ናይቲ ስርዓት ተመሳሳሊ ኣጀንዳ ዝነበሮ ሰሚናር ኣካይዱሎም።
ኣብ ክልቲኡ ኣኼባታት ዝነበረ ወጥሪ ዝዓሰሎ ረዚን ሃዋህው ተመሳሳሊ ኳ እንተነበረ፡ ኣብቲ ኣልኣሚን ዘካየዶ ኣኼባ ካብ ዝተላዕሉ ቲቪ ኤረ ዓቢጣቶ ዝሓለፈት መሰረታዊ ሕቶታት ሓደ፡ `ወያነ ካብ መሬትና ምውጻእ ኣብያትና` ንዝብል መግለጺ ኣልኣሚን መበገሲ ዝገበረ ኮይኑ፡ ሓታቲ ብባጫ እናሰሓቐ፡ `እሞ ኣብ ኢትዮጵያ ክልተ መንግስቲ እዩ ዘሎ ዘይትብሉና፡ ብቐደሙ፡ ካብ ምስ ኣቢይ ደኣ`ሞ ምስ ወያነ ስምምዕ ሰላም እንተትፋራረሙ ዶ ኣይምሓሸኩምን?` መሬትና ዘየምልስ ሰላም ደኣ` ሞ እንታይ ትርጉም ኣለዎ` ክብል ሓቲቱዎ።
ኣስዒቡ፡ `ኲናት ምስ ወያነ ዘይተርፍ እዩ፡ ተዳለዉ ትብለና ኣለኻ፡ እንተኾነ፡ በዚ ናይ ሰላም ዝበልኩሞ ርክብ ምስ ኢትዮጵያ ዶብ ከፊትኩም፡ መንእሰይ ኤርትራ ኩሉ ተጓሕጒሑ ናብ ኢትዮጵያ ክግዕዝ ስቕ ኢልኩም ተዓዚብኩሞ ክንስኹም ንመን ሒዝኩም ኢኹም ክትዋግኡ ትሓስቡ ዘለኹም? ንወያነ ኸ መን እዩ ክዓግታ?` ኢሉዎ።
`ቅድሚ ሕጂ፡ ወያነ ከይወጽአት ኣይንዛተን ትብሉ ኔርኩም፡ እንተኾነ፡ ወያነ ከይወጽአት ተዛሪብኩም፡ መሬትና ድማ ኣይረኸብናን፡ ተገምጢልኩም ድማ መሬትና ኣይረኸብናን ንውግእ ተዳለዉ ትብሉና ዘለኹም፡ ብቐደሙ ፍሹል ናይ ሓሶት ስምምዕ ሰላም ኢኹም ፈርምኩም ማለትዩ` ክብል `ውን ሳልሳይ ሕቶ ኣቕሪቡሉ።
እንተኾነ፡ ኣልኣሚን `ንሕና ንወያነ ውጹ ኢልናዮም ክወጹ ኣይከኣሉን፡ ብዝኾነ መንገዲ መዕለቢ ክንገብረሉ ኢና፡ ምስ ኣቢ ዝተፈራረምና ድማ፡ ተስፋ ስለዝሃበና፡ ሞራል ክንህቦ ኢልና ኢና` ካብ ምባል ሓሊፉ ነቲ በዳሂ ሕቶ ክምልሶ ኣይከኣለን።
ሓንቲ ካልእ ንኩነታት ናይቲ ቅትለት ዝተፈተነሉ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ዝምልከት ሕቶ ዘቕረበት ተሳታፊት ብወገና፡ ቅድሚ ሕጂ ፈተነ ቅትለት ዝተኻየደሉ ብሪጋደር ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል ኩነታቱ ብትሒምትሒም ጥራይ ሰሚዕናዮ፡ ሕጂ `ውን ናይ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ፈትነ ቅትለት ከምኡ ብትሒም ትሒም ጥራይ ንሰምዖ ኣለና፡ ስለምንታይ ብወግዒ ዘይንገረና ክትብል ሓቲታ።
ኣልኣሚን ድማ፡ ነቲ ስለምንታይ ዝብል መሰረታዊ ሕቶ ጎስዩ፡ ንጉዳይ ስብሓት ኤፍሬም መንግስቲ ብዕቱብነት ሒዙዎ ኣሎ፡ ስብሓት ኣብ ደሓን ኩነታት እዩ ዝርከብ ዘሎ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን `ውን ኣስመራ ክምለስ እዩ` ክብል መሊሱላ።
ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ነቶም ብቑዕ መልሲ ብምሃብ ከረጋግኡዎም ዘይከኣሉ ሓለፍቲ፡ ህዝቢ ከረጋግኡ ከምዘለዎም ዕዮ ገዛ ብምሃብ ኣፋንዮሞም።
ክቡራት ተኸታተልቲ ቴለቭዥን ኣሰና፡ ነዚ ሰሚናር ዚ ብዝምልከት ዘዳለናዮ ቃል ኣሰና ጽባሕ ብሰፊሑ ከነቕርበልኩም ኢና።
ከምቲ ኣቐዲምና ዝበልናዮ ሕጂ `ውን ክስመረሉ ዘሎ ጉዳይ ግን፡ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ንውዲቱ ንግዚኡ ኣወንዚፉ ብስም ዞባዊ ውህደትን ምትሕብባርን ክሽፍኖ `ኳ እንተፈተነ፡ ብህይወት ክሳብ ዘሎ ነቲ ንፍርቂ ዘበን ኣብ ውሽጡ ዝህውጾ ዘሎ ንኤርትራ ላቔባ ኢትዮጵያ ናይ ምግባር ኣጀንዳ ፈጺሙ ክገድፎ ከምዘይኮነ ህዝቢ ኤርትራ ከስተውዕለሉ ይግባእ።
ስለዚ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ጀሚሩዎ ዘሎ `ኣኸለ` ኢሉ ንምልካዊ ስልጣኑ ብምውጋድ፡ ንኹሉ እቲ ጀጋኑ ደቁ ዝኸፈለሉ ሕግን ፍትሕን፡ ሰላምን ምዕባለን ዝነግሰላ ሃገር ናይ ምህናጽ ራእይ ባዕሉ እዩ ክውንኖን ከተግብሮን ዘለዎ።
ክቡራት ሰማዕትና ዝተረፈ ካልእ ዜናታት ክትከታተሉ ንዕድመኩም፡ ሰላም ምሸት

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Hagherawi March 24, 2019

    “ኣልኣሚን `ንሕና ንወያነ ውጹ ኢልናዮም ክወጹ ኣይከኣሉን፡ ብዝኾነ መንገዲ መዕለቢ ክንገብረሉ ኢና፡ ምስ ኣቢ ዝተፈራረምና ድማ፡ ተስፋ ስለዝሃበና፡ ሞራል ክንህቦ ኢልና ኢና` ካብ ምባል ሓሊፉ ነቲ በዳሂ ሕቶ ክምልሶ ኣይከኣለን።”

    ——-

    ህግደፍ ፥ ህዝቢ ክግሕፎም ተላዒሉ ከም ዘሎ ድሕሪ ምግንዛብ ፥ ሓዲሽ ናይ ኣሽካዕላል ሜላ ኣብ ምድላይ ይርከቡ።
    ካድራት እቲ ኣረመናዊ ጉጂለ ፥ እቶም መዋእል ኣብ ምጭዋይን ምቅታልን ተዋፊሮም ዝነበሩ ፥ እዚ ተረኺቡ ዘሎ ናይ ለውጢ ኩነታት ንሓደጋ የቃልዖም ምህላዉ ስለ ዝፈልጡ ፥ ኣብ ዓቅሊ ጽበት ከም ዝርከቡ ዝሳሓት ኣይኮነን። ንዖኦም ሒዙ እዩ እሰያስ እተን ዝተረፋ ናይ ቅብጸት ግዝያት ፥ ንህዝቢ ከበሳብስ ዝደሊ ዘሎ።
    ናይ ህግደፍ ምድንጋር ኣብ መጨረሻ መድረኽ ስለ ዝበጽሐ ፥ ለውጢ ንምዕጋት ፥ ህዝቢ ንምድሃል ፥ ዓብይ ገበናት ክገብሩ ተኽእሎ ስለ ዘሎ ምጥንቃቅ የድሊ።

    ውድቅት ንህግደፍ።
    ፍትውቲ ሃገረይ ንዘልኣለም ከቢራ ትንበር።

  • Thomas March 24, 2019

    The dictator and his cadres can go as low as wherever it takes them, gamling on us and our country, oscillating between one form of decieption,lie and another. It has been clear as a day light that they are trying to stay in power as long as they can. This gives as an alerting signal how fast and how hard we have to struggle to make thier evil dream come short and to make it get berried. Every single day they stay in power matters for us and for our Eritrea more than any time before. Now the dictator clearly started to feel that his lawlessness in this beloved land is coming to an end soon. Think of how low he can go in an attempt to avert the enevitable action by the Eritrean people to bring him to justis. So we need to be extra vigilant. It is too late to talk about contitution, demarcation and release of prisoners with the dictator now. If we are asking the dictator and his cliqes to deliver to us these fundametal rights, it become just silly. These are not his matters, These are the matters of the Eritrean people. It us who should deliver these rights, not him. What we want is to bring down the dictator and his cliqes and bring them to justis. So very important to emphasis: whatever economic plan they may have for 2019/2020 as they are saying now ( for sure they have nothing other than a hidden plan to destroy this country more, as they have done for the last 28 years) is not the matter of the Eritrean people. Our matter is to bring them down and make them face the consequences of thier beryal to the Eritrean people, the extrem sufferings they have inflicted on us, the distructions they did on our country. VERY IMOPORTANT: The last 28 years have witnessed that the dictator and his cliques do not belong to Eritrea. What they did on us can never be what a country/the people expects from its citizens. No people/country in history has exprienced betryal by its leader to that extent as the dictator and his cliques did on us.

  • Zeregabir Teaghes March 24, 2019

    The seminars must have been done by the “President ” himself but he doesn’t have the gut to stand infront of the Eritrean Heros.
    People was confused by hgdf about Sebhat. Isayas sends his liers:
    Nay wedi Ali sebhat afshilwo;
    Nmenkae telimwom;
    And now he said war against Weyane; this emply that the remaining Eritrean to leave the country systematically.

  • ህግደፍ ሓምሓም March 24, 2019

    ህግደፍ ርእስ ሓምሓም ንግዚኡ መቸም ነዚ ህዝቢ ኣዘናጊዕክሞ ዜከውን ናይ ሓሶት ፊልምታት እናሰራሕኩም። ሰላም ዜየለሲ ሰላም ወየያነ እንተተንኪፍኩማ ሲ እታ ፊልምኹም ክትውዳእ እያ ዝዋጋእ ህዝቢ ኣክህሉን እዩ መንእሰይ ኤርትራ ነቂሕልኩም እዩ ህግደፍ ግዘኹም ተቃሪባ እያ እንታይ ኡና ክንርኢ ኣብ ውድቀትኩ እታ ሰዓት ቲክ እያ ትብል ዘላ።