Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እታ ጉዋ ጉዋ ኢያ፡ እታ ምድሪ ካኣ መስያ ኢያ።

      እታ ጉዋ ጉዋ ኢያ፡              እታ ምድሪ ካኣ መስያ ኢያ።                                           ዕለተ 13.01.2014              ብመጀመርያ 2014 ድሮ 1 አብ ፈላሚ ወርሒ ስለ ዘሎና ማይ ኣይሓለፎን’ሞ ሰናይ ዘመን ይግበረልና ኢለ ክምነ ደስ ይብለኒ ። 2013 ዓ.ምህረትከ እንታይ ዓይነት

      እታ ጉዋ ጉዋ ኢያ፡

             እታ ምድሪ ካኣ መስያ ኢያ።                                           ዕለተ 13.01.2014

            

ብመጀመርያ 2014 ድሮ 1 አብ ፈላሚ ወርሒ ስለ ዘሎና ማይ ኣይሓለፎን’ሞ ሰናይ ዘመን ይግበረልና ኢለ ክምነ ደስ ይብለኒ

2013 ዓ.ምህረትከ እንታይ ዓይነት በሰላ ሓዲጋትልና ሓሊፋ? ኣብ ኣፈፈት ሕ.ኤዉሮጳ ደቕና ተሃንኹቶም ። ህልቂት ላምባዱዛ ኣማኢት ሬሳታት ደቅናን ኣሕዋትናን ካብ ዓይንና ምኹዋል ኣቢና ኣሎ ።እዚ ማለት ካአ ንኹሎም ኣብ ሲናይ ኣብ ባሕሪ ንቡር ዘይረኸበ ሬሳታት ኤርትራዉያን ኣማኢት ዘይኮነ ብኣሽሓት ዝረብሐ ምዃኑ ስለ ዝርድኣና ሓዘና ማዓቀኑ የብሉን። ኣዉራ ካኣ ኣደታት ኤርትራ ዉሉደይ ኣበይ ኮን ይህሉ? ኣበይኮን ትህሉ?እናበላ ሃለዋት ደቀን ዘይፈልጣን፣ ዝተረድኣን፡ ንብዓት ራሄል ዝነብዓ ኣለዋ።እታ ኣደ  ሰለስተ ሕፃናት ደቓ ፡ ካብ ኢዳ መሊቖም ኣናርአየቶም ናብ ጸሊም ባሕሪ ዝጠለቑ ፡ ዋይ ደቀይ ! ኢላ ንሓጻር ንብዓት ራሄል ዝነቢዓ ኣርከበቶም ፡፡ ካኩሉ ዝኸፍኤ ሓንጎልካ ዝስንቅር ኣብሞንጎ ህልቂት ክትሓርስ እትጻዓር ዝነበረት ኣደ፡ ብኢዳ ዝሕዛ ርሃጻ ዝሕብሰላ ዘይብላ  ኣብ ባሕሪ ምስ ሕፃና ተጣቢቓ  ጸንበለል ክትብል  ጸኒሓ። ኣዚዩ ዝገርም ግን   ዓለም ምሳና እናነብዐት፡ጸላኢና ግን ደስኢልዎ ተሓጉሱ ከይኣኽሎ ሬሳታትና ከይቐበርና ሃየ ምሳይ ተሓጎሱ ኢሉ ደረፍቲ ክልእኽ ከሎ ኢዩ ።ካብ’ዚ ዝኽፍ ንዕቀት ስለ ዘየለ ካኣ ድርብ ሓዘን እዩ ። ኣንባኣር ንኹሎም ብሞት ዝተፈለዩ ዜጋታትና ኣብኩሉ ስፍራ፡ ኣብ እስርቤታት ህ.ግ.ደ.ፍ፣ ኣብ በረኻታት ፣ ኣብስንጪሮ ፣ አብ መንገዲ ኣብ ምድረበዳ ፣ ኣብ ባሕሪ ፡ሓመድ ዓዶም  ዝሳኣኑ  ተቓለስቲ ሰብ ፍትሒን ፡

ንኹሎም  ረቢ ይርሓሞም ፡ መንስተሰማይ የዋርሶም፣

እወ!  ዉጹዓት ኢዮም’ሞ እግዚኣብሔር ኢዱ ዘርጊሑ  ኣብመንግስቱ ይቐበሎም ።

ህዝቢ ኤርትራ ተኻላቢቱ ፡ መሪር  ሂወት  የሕልፍ ኣሎ ።

ክቡራት ኣሕዋተይን ኣሓተይን ብፍላይ ካኣ መንእሰያት ደቀይ ፡ኩነታትና ከም’ዚ ካብበኮነ፡  ጻዕራም ሓረስታይ ብእትብል ሓጻር ዛንታ ጀሚረ መልእኽተይ ከማሓላልፍ እየ’ሞ ብግቡእ ክትግንዘቡኒ ይላቦ።

ሓደ ትጉሁን ጻዕራምን ሓረስታይ ነበረ።

ኣንጊሁ ክወፍር ብኣሳሒታ ፤ ቀትሪ ከዕርፍ ከይበለ ብፀሓይ ፣ ምሸት ኣምስዩ ክኣቱ ብቑሪ ኣናተገረፈ ብዓይነቱ ብብዝሑን ፡ አብ ኩሉ ከባቢ ኣድንቖት ዘትረፈ ምህርቲ ኣከበ ይባሃል። እንተኾነ ዘራጊ ከሎ ጹሩይ ማይ ስለ ዘይስተ ፡ ኣብ ምሉእ እቲ ከባቢ ዓመጽቲ ወሪሮም  ፡ ንብረቱ ጥሪቱ ካብ ዓዉዲ ሰፍ ዘይብል ምህርቱን ከም ኩሎም ተዘሚቱ፡ስድራቤቱ ሒዙ ናብ ስደት ኣምርሐ። ኣብ ርሑቕ ዓዲ ጓና ምስ ኩሎም ስድራቤቱ ኣብ ትሕቲ ሰባት ታዓስበ ። ዘርኡ ኣወዳትን ኣዋልድን ነበሩ።ኣዋልድ ደቂ ድኻ እንታይ ከይገብር እናበሉ፡ ኣብ ዘዝኣተዉኦን ኣብዘዝወፈርኦን እናሳዓቡ ከሕስምወንን ክጋሰስወንን ፡ ዝርንዛሕ እናነብዓ ናብ ወለደን ክመጻ፡ ኣወዳት ኣሓትና ኢሎም ፍኒሕኒሕ ክብሉ ታአኪቦም ክትክትዎም ደም  እናንጠብጠቡ ክመጹ፡ ዝራኣዩ ወለዲ ፡ ንብዓቶም ቆጺሮም ይዉዕሉን ይሓድሩን ነበሩ ።ካብ ዕለታት ሓንቲ ማዓልቲ ግን ፡ሰብ ኣብ ዓዱ’ዩ ክበረቱ’ሞ ካ’ዚኹሉ ሓሳረ መከራ  ዋጋ ከፊሎም ናብ ዓዶምን ክብረቶምን  ክምለሱ ወሰኑ ። ካኩሉ ታኣኻኺቦም ካኣ ንዓመጽቶ ገጢሞም ዋጋ ከፊሎም ጸላእቶም ኣባሪሮም ታዓዊቶም ። ዳግማይ ስደት ከይመጾም ብሓባር ክካላኸሉ ዉዑል ታኣታቲዮም ፡ተሓፊሮምን ከቢሮምን ይነብሩ ነበሩ ይባሃል።

እዛ ታሪኽ  ምስ  ኣንበብኩ ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ትመስል  ኮይና ፡ ኣብ  መወዳእታ  ካአ ጽቡቕ መደምታ ስለ ዘለዋ ናይ 2014 ጽብቕቲ ፋል ክትኮነልና  ይምነ ።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ  ንዓመታት ብተንኮላዊ ስልቲ  ዝተጠናነጉ ሽግራትና ብኸመይ ንፈትሖም?

እዚ ኩሉ እከይ ዝኣልሙልና እንታዎት ኢዮም? ማኣስ ጀሚሮሞ ? ዓጋቲ ስለ ዝሳኣኑኸ ኣብ ከመይ ዓይነት ደረጃ አብጺሖምና ይርከቡ? ። ንዝበል ሕቶ ክንምልስ ሕጂ እንበር ደሓር ኣይኮነን፡ ምድሪ ትመስየና ኣላ።በጊዕ ንኣዉድኣመት ክትግዛእ ተሰማሚዕካስ፡ ከይተገዝኤት ኣበይከ ይታአሰር?  ዝብል ሕቶ ኣልዒካ ክትባአስ ኮሎኻ ትርጉም ዘይብሉ ኢዩ ። ኮምኡ ዝመስል ኣኻይዳ ንኸይድ ስለ ዘሎናስ ናይ ብሓቂዶ ጸላኢና ኣነጺርና  ንፈልጥ ኢና? የብለካ።

ናይ ነዊሕ ብጸልማት ክእለሙን  ክስርሑን ዝጸንሑ ናይ ሙሁራትና ፡ለባማት ምዑታት ጀጋኑ ቃጻታት

ክልተ ሃገራዉያነ ወድባት ከይሰምራ  ዝግበር ዝነበረ ዉዲታት

ብፍላይ እዃ 1977 ካብ ከባቢ ኣስመራ ዘንሳሓብናሉ ዉዲት

ተወዳዳሪት ዉድብ ክተሓቅቕ ፡ገና ብዙሓት ሰባት’ዉን ክሓቁ ክስወሩን ስለ ዝተደለየ ምኻኑ ኢዩ

እዚ ኹሉ ኩልና ከይተገንዘብናዮ በብመድረኹን፣ በብግዝዩኡን ዝተፈጸሙ ረቀቕቲ ስልትታት ገዲፍካ ፡እቲ  ግሁድ ናይ ብሓቂ ኣነ እየ ፈላጺ ቖራጺ ክብል ተገልጸ

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኣሕዋትን ኣሓትን ደቅ’ዛ ክብረቲ ሃገር ኣርትራ፡፡

ብድልየት ሓደ ዉልቀ ሰብ  ኩናት ዓያሹ ድሕሪ ምክያድና ፡ ናይ ኩሉ ሂልቒት መን ተሓታቲ?፡ ካብ  ዝብ ሕቶ እዩ ዝብገስ ። ብፍላይ 2001 ኩሎም  ዝላዓሉ ሰበስልጣን ሃገርና ብቕዋም እትግዛእ ሃገርን፡ ብህዝቢ ዝተመረጸ መራሕን ክህልወና ፡ ዝሓለፍናዩ ጋዕገልጠም ይኣኽል ፡ገዛና ነጽፍፍ ክብሉ ወሰኑ፡፡ ብልሳን ህዝቢ  ናይተ’ቲ እዋን’ቲ ዝነበራ ጋዜጣታት ፡  ብዝግብእ ንህቢ ተገሊጹሉ ኢዩ ።

 

 

እቲ ክሕተት ዝግብኦ መዕነዊ ሃገርን ህዝብን ካኣ፡ ምስ ኩሎም ኮራኹሩ ካብ ተሓታትነት ከምልጡ ንጀጋኑ ሓርበኛታት ተቓለስቲ ዘይስሞም ኣጠሚቖሞም፡፡ መራሕትናንን ኩሎም ጋዘጠኛታትንን ደላቲ ፍትሕን ኣብ ፎቖዶ እስርቤታትን ፡ ኣብ ኮነኢልካ ተዋዲዱ ዝጸንሐ እስርቤታት ዒራዒሮ ብኾንቱ ይበልዩ ኣሎዉ ። ካብ ፍርሕን ራዕድን ዝተላዕለ ካኣ፡ በትሪ ስልጣኑ ተመንጢሉ ብስርዓተ ሕጊ  ከይፍረድ፡ ህዝቢ ኤርትራ ክርዕድ ክጭፍለቅ ክቕጥቀጥ ኣለዎ ብዝብል ጨካን ስልቲ ወሰደ። ሓቢርና ከይነድምዕ ካኣ ብሓሶት፣ ብምድንጋር፤ ኣብ ዉሽጢን ኣብ ደገን ዝላዓለ ባጀት ሰሊዖም ኣብ ምፍልላይ ህዝቢ ኣዚዩ ገጂፍ ተራ ተጻዊቶም ። እንሆ እንባኣር ክሳብ ሎሚ መጻኢና ኣጸልሚቶም ፡ ዘርእና ኣጽኒቶም ፡ ክቡር ባህልና ስርዓትናን ኣፍሪሶም ፡ ካብ ቤትትምህርትታት ዝበዝሕ እስርቤታት ሰሪሖም ፡ ብኽቱር ጭካኔ ብዕሸላት ደቅናን ክቡር  ማሕፀና ይጻወቱ ኣለዉ ። ህዝቢ ኤርትራ  ዓቅሉ ጸቢብዎ ተባትቲኑ ክጠፍእክጸንት፡ ን22 ዓመታት ዝኣክል ዝወጠንዎ እከይ ተግባራት የተግብርዎ ኣሎዉ።  ክሳብ ማኣስ ኢና? ተፋላሊና ብዕሽነትና ባዕልና ንቅጻዕ ?

 

ኣብ ዓዲ ኣናብስ ወኻርያ ነጊሳ

ከይደቀሰት ትሓድር ኣርኮል ጠስጢሳ፡

ተንኮል ተተርኢሳ፡

ንሓደ ኣጓንያ ንሓደ ሊሒሳ

2014 . . ?   ለቢምናዶ?

ክንረኽበላዲና  ፈዉሳ ?

 

ደንሒት

ዕፀ መጥማጢ ደም  ህዝቢ ኤርትራዝኾነ  ዉልቀ መላኺ ኢዮም ኾነ’ልካ  ካኣ ኣብ ማከል ህዝቢ ተጸፊዮም ኣለዉ ።እዞም ዕፀ ንብሎም ዘሎና  ኣብ ሃገርና ተፀፊዮም ዘለዉ፡ ብርግጽ ዕፀ ንህቢ ኣይኮኑን።ዕፀ ቑማል ቆንጪ ትዃን መጥመጥቲ ደምና ክኾኑ ይኽሉ መኽንያቱ ተመን ተመን እንበር ርግቢት ኣይወልድን ኢዩ።

 

ሎሚ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ፡

ደንሒት  ኣብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ ሃገርና ሰብ ግዜ ኮይኖም ኣለዉ ።ሰብን ንብረትን ፣  ክገፉ፡ ኣንስትና ደቅና ፡ክጋሰሱ ፣ ክቐትሉ፣ ክኣስሩ ፣ ቐጠልያ መብራህቲ ተዋሂብዎም ኣሎ ።

ብመን ?  ህዝቢ ተማሪሩ ናብ ፖሊስ እንተ ጠርዔ ፡ ፖሊስ  ጉዳይ ደንሒት ክንምርምር ፍቓድ የብልናን ኢሎም  ። ኣንታ ክቡር ህዝቢ ብደዉካ ሞት እኮ እዚ ኢዩ ። ክንደይ ኣሽሓት ሸፋቱ ኣብ ርእስኻ ኽሸኑልካ ተደልዩ ፡ ገና እዉን ክመጹኻ ኢዮም ።

 

ንሱ ሓደ ኢዩ እንተኾነ ግን ጀነራት ይኩኑ ኮሎም ናይ ወታሃደራት ሓለፍቲን ኣማሓደርትን መጋበሪያታቱ ፡፡ ኣጻብዕቱ ፣  ኣጽፋሩ ፣ ኮይኖም  ንህዝቦም ደም ዘንብዑ ዘሎዉ

ብፍላይ ኣነ ዝገርመኒ ምስ ጀጋኑን ከምጀጋኑን ክንደይ ምረት ዝተኻፈሉ ተጋደልቲ ፡ ክደይ   ስዉኣት ብጾቶም ሓመድ ዝደፈኑን ሕድሪ ዝተቐበሉን ፡ ሎሚ ንደቂ ስዉኣት ከሳቂዩ፣ ክዕምጹ ፣ ክርሺኑ ፣ ክትርኢ ፣ ክትሰምዕ ይድንጽካ ። እቲ ኣነ ክሓልፍ ንስኻ ጽናሕ ዝብል ዝነበረ ሕላገት ተጋዳላይ ከመይ’ሉ ብቕጽበት ተቐይሩ?

እዚ ናይ ጥልመት ጥልመት ካበይ ኢዩ እቲ ምንጩ?  ፍሉጥ ኢዩ ።

እንተኾነ ግን እታ ግዋ ግዋ ኢያ፡ እታ ምድሪ ካአ መስያ ኢያ ፡ ንዑ ምስ ዝብኹም ኹኑ ዕጫ ጉጂለ ጂ15 ከይበጽሓኩም። ኣዛብእ ግዋ ከይብዝብዝኹም ።ንርእስኹ ክትብሉ እንበር፡ ብዘይካኹም እዉን መሬት ክትወግሕ ውዃና ኣይትጠራሩ።

 

ኣቱም ኣንጻር ሓድነትናን ፡ ስምረትናን ከየዕረፍኩም ክትንቃሳቐሱ ዝጸናሕኩም፡ ሕጅ ካኣ ዕድመ ስቕያትና ከተናዉሑ፡ ናብ ጽገና ሃነፍነፍ ትብሉ ዘሎኹም፡ ጽላሎት ኢሳያስ፡ ግደፉ ንዕቀት ህዝቢ ይኣክል ።እታምድሪ መስያ ኢያ፡ እታ ጉዋ ካአ ግዋኢያ

 

ኹልና ተቛወምቲ ኢና ንብል ፡ ህዝብና ክብትበት ከሎ፡ ኒሕ ሒዙና ፍልልያትና ኣኽቢርና፡ ተኻባቢርና ናይ ሓባር መቓለሲ ባይታ  ፈጢርና፡ ንህዝብና ተስፋ ካብምኻን ዝሓንገድናንሕና እዉን  ናይ ጥፍኣት ህዝብን ሃገርን ተሓተቲ ኢና ግዋ ከይሰገርናያ ምድሪ ትመስየና ኣላ ።

 

ከምኡ እዉን ኩቡራት ደቕና  ኣቦታትኩም ኣደታትኩም ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ሓላምን፣ መንባሃቑን ይነበርናን ።

ነ’ታ እነፍቕራ ኤርትራ ሃገርና ክንደሊ፡ ኣብ በረኻ ምስ ዕንቂርቢተ ተመን ሓዲርና፡  ሃሩር፣ ጥሜት፣ ጽምኢ ፣ ኮታ ኩሉ ናይ ተፈጥሮ ባህሪያት  ተጻዊርና ፣ዓበይትና፣ ናእሽቱና ፣ወድና፣ ጓልና  መንም ኣጆኹም ዝበለና ዘይብልና ፡ ንጸላኢ ብብረቱን ብጥይቱን ኢልና ጨሪሕና፡ምስ ሓጻዉን ተጋጪና ፡ ኩሉ ናዉቲ ዉግእ መንዚዕና ዓጢቅና ተዋጊእና። ኣብ ዝተናዉሔ ዓመታት ካኣ ጸላኢና ኣላሽ አቢልና ሲዒርና ።

 

ከምኡ’ዉን  ተባዓት ኤርትራዉያን ፡  ኣብ ሕንብርቲ ጸላኢ ኮይኖም ስርሖም ከሳላስሉ ተታሒዞም፡ ንብጾቶም ኣሕሊፎም ከይሃቡ ኣብ ማረርያም ግቢ ብብርቱዕ ስቅያት ወዶም ጓሎም ተሰዊኦም ኢዮም።

 

ኣብደገ ህዝቢ ብማሕበራት ማለት ማ. ሰራሕተኛ፣ ማ. ደቂኣንስትዮ፣ ማ. መንእሰያት ተጠርኒፉ፡ ናይ ሰዉራ ዓንድሕቖ ኮይኑ ርሃጹ ገንዘቡ ወርቁ ንብረቱ እና ኣወፈየ ዝሓለፈ ፡ ኩሉ ተደማሚሩ ካብ ጸሊም ኣፍሪቃ ዝሓየለ ዝብሃል ክሳብ ዓንቀሩ ዝዓጠቐ ሰራዊት ሲዒርና ። ንዓንገልቶም ሓያላት መንግሥታት ኣሕፊርናን፣ ኣሕኒኽናን፡ባንደራና ካኣ ኣብ ዓለም ከም’ተንበልብል ዝገበርና ህዝቢ ኢና ።እዚ ወርቓዊ ታሪኽ ዉርሻኹም ኢዩ።

 

እንተኾ ግን ብሥርዓተ ሕጊ ስለ ዘየዉሓስናዮ፡ ናብ ዕሽነት ዘድህብ ክቱር እምነትና ተኸዲዕና። ናይ ቃልስና  ፍረ ሰላም፣ ፍቕሪ፣ ሓድነት፣ ራህዋ ቅሳኔት ምህርትና ካብ ዓዉዲ ተዘሚትና ። ደቕና ከፊኡኩም፡ መጻኢኹም ጸልሚቱ፡ ዘመነ ባርነት ትሓልፉ ኣሎኹም ። ዓዲ ገዲፍኩም ናብ እግርኹም ዝሃበኩም ክትስደዱ፡  ኣደዳ ኩሉ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ሰቕያት ትኾኑ ኣለኹም። ኣደታት ደም ኽነብዓ ኣቦታት ሕርር  ኢሎም ከሰል ተኸዲኖም ዕድምኦም ክሓጽር አርኤ ኣሎ ። ክቡራት መንእሰይ ከም’ቲ ወዲ ባካሮ ዝበሎ  ክንደይ ጌጋታት እናርአና  ኮንዶኾን ክንብል ምስቲ ስርዓት ሰሪሕና። ተጋጊና ኢና እቅረታ ኣይትሓዙልና ዝበለ ። ፡ ኩልና ኤርትራዉያን ሕልናና እንተንዳህሰስና ጉድለታትና እንተ ታኣመና ፡ ጓል መንገዲ፡ ከለል ሸንኮለል ገዲፍና፡ ኣብ ገፊሕ ጎደና ተራኺብና ሓቢርና ክንምርሽ  ኣይምጸገመናንሃ ። ኣዚ ሎሚ ደቕና ኣብ ምድረ በዳ ብበደዊን ክትሳቐዩ ክንሰምዕ መዛርዕ ኣካላት ደቅኹም ተዛሒቑ ኣብዕዳጋ ወሪዱ ክንሰምዕ ፡ ኣብ ባሕሪ መይቶም ክንሰምዕ ከለና፡ነቶም ግዳያትና ሓንቲ ግዜ ሞት’ያ፡ ንኣና ንወለዲ ግን ብዙሕ ግዜ ሞት’ዩ ።  ደም ስዉኣትን ከይደበሰት፡ ንብዓት ደቂ ስዉኣትን ዝዉሕዘሳ ዘሎ ሃገርና 2014  ዓ.ም. ኣምላኽ ስቓይኩም ይኣኽል ይበለና ። ንሕና ካኣ ነብስና ንሓግዝ ፡ ከምታ ዛንታ ጻዕራም ሓረስታይ ይዕበ ይንኣስ ዋጋ ከፊልና፡ ዘላቒ ንትዉልደ ትዉልዲ ዝኽዉን ሰላምን ራህዋን ንፍጠር፡ ንለብም ፡ ሕድገት ንግበር ፡ንታዓቛቖፍ ብሓባር ንመርሽ ። ድሙዕ ካኣ ንሕሰብ ከነድምዕ። ዘመነ ሕድገት ፍቕሪ፡ ዘመን ስምረትን ሓድነትን ይግበረልና። ዝተኣሰሩ ዝፍትሕሉ፣ ዝወፈሩ ዝምለሱሉ ዘመን እቶ እቶ ይግበረልና። ኣሜን

ኢስጢፋኖስ  መንግስትኣብ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • SAVING YOUNG ERITREANS January 13, 2014

    ¨ዘስደምም ቃልሲ ኤርትራ ናይ ኣይኮንኩን ቃልሲ፣ናይ መንነትካ ክሒድካ ንባዕዳውን ዝተሰንዔን መንነት ምልባስ።እስልምና ሃይማኖት እዩ ፣ዓረብ ዘርኢ እዩ።ህዝበ ትግርኛ ዝብሃል ናይ ሓሶት መንነት እዩ።ትግራዋይ ናይ ትግራይ ኣሎ፣ትግራዋይ ናይ ሓማሸን (ባሕረ-ነጋሽ) ኣሎ።¨

    ኣህዛብ ምእንቲ መንነቶም ይቃለሱ__እቲ ናይ ኤርትራ ቃልሲ ግን ናይ ኣይኮንኩን¨ቃልሲ እዩ ኔሩ።ነቲ ኣስላም ህዝብና ትግረ ብሌን ቢን ዓሚር ወዘተ….ኣይኮንካን ኢሎም ፤መጻሕፍቱ ኣቃጺሎም፣መንነቱ ደምሲሶም ዓረባዊ መንነት ከልብስዎ ርሂጾም__ነቲ ትግራዋይ ወዲ ከበሳ (ሓማሴናይ፣ሰረወታይ፣ዓቢ ክፋል ናይ ኣከለጉዛይ)ድማ፣ባሕረ ነጋሽ ትግራዋይ ኣይኮንካን ፍሉይ ፍጥረት/SPECIAL BREED ኢኻ ኢሎም ኣብ ዘይረብሕ ውግኣት ኣጥፊኦሞ።ቀቢላ/ጎሳ multiple choice ኣይኮነን ።ንኣብነት ኣነ ናይ ሓማሴንን ሰራየን ትግራዋይ እየ።ኤርትራ ፣ካናዳን ኣሜሪካን ሃገራተይ እየን።ኤርትራ ዝተወለድኩላ፣ካናዳን ኣሜሪካን ፎርም መሊኤ ሃገራውነተን ዝተጓናጸፍኩ።
    እተን ሓማሴንን ሰራየን ኣውራጃይ ንምምሕዳር ተባሂለን ናብ ዞባታት ተቐይረን፣ዘሎ እዩ።ሃገራዊ መንነተይ ካልእ ሃገራዊ መንነት ተወሲኽዎ እምበር ኣይተቐየረን።እቲ ኣውራጃይ__ንምምሕዳር ሓድሽ ቅዲ ወጺእዎ__ዘሎ እዩ።ኣብዚ ኩሉ ሓንቲ ዘይትቕየር መንነተይ ኣላ ፣ከባሳዊ (ሓማሸን) ትግራውነተይ እያ።ሃገር,ፎርም መሊእካ ሓድሽ ሃገራዊ መንነት ትጓናጸፍ።ቀቢላ ጎሳ ግን ትግራዋይ ኣይኮንኩን __ህዝበ ትግርኛ እየ።ትግረ ኣይኮንኩን ___ ዓረብ እየ ኢልካ ናይ ሓሶት መንነት ትቕብኦ መሕሰሪኻ እዩ።ነዚ ናይ ባዕልኻ ቡልሺት ኣሚካ ሙማት ድማ ናይ ባርያ ባርያ ፣ናይ ሕሱር ሕሱር ፣ናይ ዓሻ ዓሻ የብለካ ።

    ማርቴሎ ሃቡኒ____________ ነዚ ርእሰይ ክጨዶ
    ድንቍርናይ ተሴሩ________ጥዑይ ሓሳብ እንተወረዶ
    እቲ ባርያ ሓንጎለይ___________ሓበን እንተለመዶ
    እቲ ፋሽሽቲ ግራስያኒ ______ኣብ መቐመጫይ ዝሰጎዶ
    ናይ ሓሶት መንነተይ _________ጓሕጕሑ እንተወገዶ
    ናይ ከዝብ ናጽነት______ውሕጅ ሩባ ዓንሰባ እንተወሰዶ
    ንኤርትራዊ ሰብኣይ፣በደዊን ኣጎምቢሑ_ብሸመሩ ከዋዳውዶ
    ንኢትዮጵያዊ ክብረት _________ ገድሎም ዝተሓንገዶ
    ውሽማ እዮም ቀይሮም___ካብ ሙሶሊኒ ናብ እኒ መሓመዶ
    ሃገር ኢሎም ሃኒጾም ________ናይ ኣመንዝራታት ኣጕዶ
    መስኪናይ መንእሰይ_________ ጉሓፍ ኣቦታቱ ዝዓጽዶ !!!!!

    ናይ ድምበዛን ሓወቦታተይ___ኣኮታተይ ናይ ጉሕጭዓ
    ፍቕሪ ኢትዮጵያ ኣዴኹም _______ ዘወትር መልኣ
    ሸፈጥ ሸፋቱ_____________ታሪኽ ሓሶት ወጽዓ
    ነጻነት ኢሎም __________ኣእትዮሙልኩም ጭዓ
    ሙታንታ ኣዕራብ _________ስፔሻል ብሪድ ሸኽዓ
    ሽግ ባርነት ________ጉንበት ተስዓን ሓደን ተወሊዓ
    ¨ጤሊት ሚን ሒልበያ ጨምቀያ ትፈተ¨____ ተረቂዓ !!!!!

    ተስእ፣ኣኮይ ኣውዓሎም___________መስተንክር ፈጻሚ
    ተስእ፣ዘርኣይ ደረስ ___________ክሳድ ፋሽሽቲ ዝጎኒ
    ተስኡ፣ ኣብርሃን ኣጽብሃን_______ኣለና,ሓድሽ ግራስያኒ
    ታሪኽ ተጣሚሙ___________ሸፋቱ ብሓሶት ዝምህሩኒ
    መጻሕፍቲ ትግረ ዘቃጽሉ____________ ዓረብ ክገብሩኒ
    ህዝበ ትግርኛ ዝብል _________ከዛብ መንነት ኣልቢሶምኒ
    ትግራዋይ ዓጋመ እንከለኹ_________ ኣይኮንካን ኢሎምኒ
    ብርካሽ ገድሎም __________ብመቑሕ ሽፍትነት ኣሲሮምኒ !!!!!!!

    ሕሱር ዕላምኦም ______________ ጥፍኣት ዝወለደ
    ንመንእሰይ ከይሕብርዎ_______ሓሶት ቃልሶም ብዝግሃደ
    ጠላዕ ሰብኣይ________ ብበደዊን ተጎምቢሑ እናተበገደ
    ሕድሪ ስዉኣት ይብልዎ__________እቲ ንኸንቱ ዘሕረደ
    ንሶም ወጻኢ፣___ዓጽመ ስግኦም ብወርቅን ጨርቅን ዝተለበደ
    ነዚኦም ዝሰምዕ_________________በትኪ ጨበል ዕደ
    ሃገር ኢሎም ዝ ሃንጹ__________TIME BOMBዝተጻወደ
    ኣነስ ካሊፎርንያ ኣለኹ__የሕዝነኒ ኣብታ ከዛብ ሃገር ዝተጸምደ !!!!!!

    The Marvelous UNCLE SYE (saving Young Eritreans) aka Yugoslavo Eritrean aks South Sudano Eritrean

    • Sorobeti January 14, 2014

      Saving young Eritreans

      ጤሊት ሚን ሒልበያ ጨምቀያ ትፈተ¨____ ተረቂዓ

      ኢቶቢያ ግልትጭመቆም ወዓረብ ግልጭመቅዎም ላልሓዙ ኩሎም ዓጣልቶም

  • SAVING YOUNG ERITREANS January 13, 2014

    Eritrawit the brilliant ,

    I am glad ,you understand the over all message of my comment .Take heed and take it seriously ,the new generation has¨to imagine the worst and work for the best¨

    Thank You ERITRAWIT

  • ER ITRAWIT January 14, 2014

    SYE,
    “The new generation has to imagine the worst and work for the best”
    please honest answer tell us what we should do aytsekef?
    Thank you Uncle.