Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እቲ ዘየደቅስ ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ

  ዝኾነ ፍጡር ብሰላም ክድቅስ ዘይደልን ዘይምነን የልቦን። ዘየደቅስ ኩነታት እናሃለወ ከሎ ግና፥ ክድቅስ ዝኽእል የልቦን። ናይታ ቅድስቲ ቤተ-ክርስቲያንና ኩነታት’ውን፥ ኣብዚ እዋን’ዚ ከደቅሰና ዝኽእል ኮይኑ ኣይርከብን ዘሎ። ንሳ እዛ ቅድስቲ ዝኾነት ቤት፥ ሰላምን ቅሳነትን ከይረኸበት ከኣ፥

 

ዝኾነ ፍጡር ብሰላም ክድቅስ ዘይደልን ዘይምነን የልቦን። ዘየደቅስ ኩነታት እናሃለወ ከሎ ግና፥ ክድቅስ ዝኽእል የልቦን። ናይታ ቅድስቲ ቤተ-ክርስቲያንና ኩነታት’ውን፥ ኣብዚ እዋን’ዚ ከደቅሰና ዝኽእል ኮይኑ ኣይርከብን ዘሎ። ንሳ እዛ ቅድስቲ ዝኾነት ቤት፥ ሰላምን ቅሳነትን ከይረኸበት ከኣ፥ ንሕና እቶም ብጸጋ-ጥምቀት ካብ ማህጸና ዝወጻእና ደቃ፥ ሰላም ረኺብና ድቃስ ክወስደና ዝሕሰብ ኣይኮነን። ስለዚ ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ንዓና ነቶም ኦርቶዶክሳውያን፥  ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ካልእ ነገር፥ ቅድሚት ንሰርዖ ዓቢይን ወሳንን ጉዳይ ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ ስለዚ’ዩ።

ርግጽ’ዩ ንሕና ብጸጋ ጥምቀት ዝተወለድና ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ኢና። ግዳስ እዛ ቅድስቲ ቤት እዚኣ፥ ኣብዚ ዝሓለፈ 26-ዓመታት ጥዑም ለይቲ ሓዲራ ትበሃል ኣይኮነትን። ኣብ ልዕሊኣ ዘይተፈጸመ ናይ ሕጊ ግህሰት ከኣ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ዘይተቐበለቶ ፈተና’ውን ኣሎ ክብል ዝኽእል የልቦን። ንሕና እቶም ብጸጋ ጥምቀት ዝወለደትና ደቃ ግና፥ ደሃያ ክንገብር ኣይተረኸብናን። ንኣውያታን ቃንዛኣን ምረታን’ውን፥ ክንሰምዖ ጸኒሕና ኢና ዝበሃል ታሪኽ የልቦን። እቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰተ-ሕጊ፥ ካብ ግዜ ንግዜ እናኸፍአ መጺኡ፥ ንህልውናኣ ኣብ ዝፍታተን ደረጃ ስለ-ዝበጽሐ፥ ሕጂ ኣብዚ እዋን’ዚ እውን፥ ናይ ርድኡኒ ኣውያት ከተእዊ’ያ ትስማዕ ዘላ።

እሞ ንሕና ከም ኦርቶዶክሳውያን መጠን ደኣ፥ ነዚ ዝስማዕ ዘሎ መሪር ኣውያት፥ እንህቦ መልሲ እንታይ’ዩ-? ርግጽ’ዩ ነዚ ኣውያት’ዚ፥ ግዲ ዘይብልና መሲልና ክንርአ ዝጸሕና ዉሑዳት ኣይኮናን። ሕጂ ብኸምኡ ክንቅጽል ግና፥ ዘጸብቐልና ኣይኮነን። ሎሚ ከም ሎሚ እታ ቅድስቲ ቤት’ውን፥ ኣብ ከቢድ ፈተና ትርከብ ኣላ ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ ሰዓት። እዝንና ክንዓጹን ዓይንና ክንዕምትን ኣይንኽእልን ኢና። ርግጽ’ዩ ንሕና ከም ንሕና መጠን፥ ሱር ዝሰደደ ሕመቕ ከም-ዝጸንሓና ክንክሕዶ ንኽእል ኣይኮናን። ንኹሉ ግን ወሰንን ደረትን ኣለዎ። ግዲ ዘይብልና ድቁሳት ኮንና ዝሓለፍናዮ ሕይወት፥ ድሕሪ ደጊምሲ መወዳእታ ክንገብረሉ’ዩ ዝግበኣና።

ብዝኾነ ኣብዚ ሕጂ ዘሎናዮ እዋን’ውን፥ ጉዳይ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ መበገሲ ብምግባር፥ እቲ ንልዕሊ 11-ዓመት ተዓጽዩ ዝጸንሐ መዝገብ፥ ብሃንደበት ኣምጺኦም ህጹጽ መዛረቢ ኣጀንዳ ክገብሩዎ ንርኢ ኣሎና። ዝደለየ ይኹን ከኣ እቲ ተበግሶ፥ ናብ ሰላም ዘብጽሕ እንተ-ዝኸውን፥ ዝጸልኦ ወይ’ውን ዝቃወሞ ሰብ ኣይምተረኽበን። እዚ ብወገን ኣሥመራ ዝርአን ዝስማዕን ዘሎ ድራማ ግና፥ እቶም ነታ ቤተ-ክርስቲያን ካብ 1983 ዓ/ም (1991)ተቘጻጺሮማ ዝርከቡ ዘለዉ ሰብ ፖለቲካ፥ ጌግኦም ኣሪሞም ኢዶም ከውጽኡ ዝደልዩ፥ ኮይኖም ኣይንርእዮምን ዘሎና።

ከመይሲ ነቲ ቅድሚ ሕጂ’ውን፥ ብምድግጋም ክፍትኑዎ ጸኒሖምስ፥ ክዕወቱሉ ዘይከኣሉ’ዮም ሕጂ’ውን፥ ንድሕት ተመሊሶም ክደግሙዎ ዝርኣዩ ዘለዉ። ሎሚ ግን ትማሊ ኣይኮነን። ከመይሲ እቲ ደምበ-ተዋሕዶና ትማሊ ዋና ስለ-ዘይጸንሖ፥ እቲ መድረኽ ቤተ-ክርስቲያን ካብቲ ክኾኖ ዝግብኦ ወጻኢ፥ መጋበርያ ፖለቲካ ክኸውን ተገዲዱ ምጽንሑን ምህላዉን ዝፍለጥ’ዩ። እቲ ጸወታ ብኸምኡ ክቕጽል ከም-ዘይንደልዮ ግና፥ ንሕና እቶም ኦርቶዶክሳውያን፥ ግልጺ ጌርና ክንዛረብ ካብ እንጅምር ነዊሕ ኮይኑ’ዩ። እቶም ሰብ-ፖለቲካ ግና፥ ንድምፂ ሕዝቢ ናይ ምስማዕ ባህሊ ስለ-ዘይጸንሖም ግዲ ኮይኑ። እቲ ቅድሚ 11-ዓመት ዝሞተ ኣጀንዳ ሒዞም’ዮም፥ ሕጂ’ውን ተዓጠቕ ተሸብሸብ ክብሉ ዝርከቡ ዘለዉ።

ከም-ዝፍለጥ ኣብ 1998 ዓ/ም (2006) ነቲ ሲኖዶስ ከም-መጋበርያ ብምጥቃም፥ ንፓትርያርክ-እንጦንዮስ፥ ካብ ሥልጣኖም ኣውሪድናዮም ክብሉ ከለዉ። እቲ መንገዲ ብኸምኡ ክኽየድ ከም-ዘይከኣል ስለ-ዝተረድኦም፥ ቅድሚ ወግዓዊ መግለጺ ምሃቦም፥ ንካይሮ’ዮም በሪሮም ክኸዱ ዝተገደዱ። ከመይሲ እቲ ክወሰዱዎ ዝደልዩ ዝነበሩ ስጉምቲ፥ ብዘይ ኣፍልጦን ምስምማዕን መራሕቲ ቤተ-ክርስቲያን ግብጺ፥ ተቐባልነት ክረክብ ከም-ዘይክእል ይርድኦም ስለ-ዝነበረ እዩ። እቶም ንእምነት ብዝምልከት ተረርትን ጽኑዓትን ዝኾኑ፥ ናይ መንበረ-ማርቆስ ኣቦታት ግና፥ ዮፍታሔ ከም-ዝሓሰቦ ብቐሊል ክታለሉ ዝኽእሉ ኮይኖም ኣይተረኽቡን።

እቲ ንቤተ-ክርስትያንን ምሥጢራት ቤተ-ክርስቲያንን፥ ባዕዲ ዝነበረ ዮፍታሔ ዲሜጥሮስ። ንኣባ ዲዮስቆሮስን ኣባ-ማርቆስን ኣኸቲሉ’ዩ ኣብቲ እዋን’ቲ ካይሮ ዝበጽሐ። ኣብ ቅድሚ’ቶም ታሪኽ ብኽብሪ እናዘከሮም ዝነብር፥ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ሺኖዳ ቀሪቦም፥ ዘምጽኣኩም ጉዳይ ተዛረቡ ምስ-ተባህሉ ግና። እቶም ክልተ ጳጳሳት እቲ ጉዳይ ከም-ዘይምልከቶም፥ ወሰኖም ሒዞም ክጽግዑ ከለዉ፥ ብኣንጻሩ ከኣ ዋናን በዓል-ጉዳይን ኮይኑ፥ ዮፍታሔ ክምድር ኢሉ ክጅምር ከሎ፥ ፓትርያርክ-ሺኖዳ ነዚ ዓሻ ድፍረት’ዚ ክዕገሱዎ ስለ-ዘይከኣሉ“… እቲ ጉዳይ፥ ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ክሳብ ዝኾነ፥ ጳጳሳት ኣብዚ ደው ኢሎም ይርከቡ እናሃለዉ፥ ንስኻ ንዓታቶም ሓሊፍካ ክትዛረብ መሰል የብልካን…”ብምባል፥ ኣደብ ክገብር ገኒሖም ኣፉ ከም-ዘትሓዙዎ፥ ታሪኽ መዝጊቡዎ ኣሎ።

እቶም ንዕኡ ክዕጅቡ እምበር፥ ንኽዛረቡ ተባሂሎም ዘይከዱ፥ ክልተ ጳጳሳት ተዛረቡ ምስ-ተባህሉ፥ ንኽንድ’ቲ ዝኣክል ጉዳይ ክገልጹ፥ ብመሠረቱ’ውን እቲ ዓቕሚ ስለ-ዘይነበረ፥ እቲ ዝፈጠረሎም ምስንባድ ኣብ ገጾም ይንበብ ከም-ዝነበረ፥ እቶም ብኣካል ኣብኡ ዝወዓሉ ክገልጹዎ ይስምዑ እዮም። ኣብ ዓዲ ምስ-ተመልሱ ምዝራብ ኣብዮም ተባሂሎም ጸገም ከየኸትለሎም ስለ-ዝሰግኡ ግና፥ ዝኾነ ነገር ክብሉ ኩነታቶም ከም-ዘገደዶም’ዩ ዝንገር።

በዚ መሠረት’ዚ እውን፥ እቶም ብእወንታ ዝግለጽ ታሪኽ ዘይነበሮምኣባ-ማርቆስ “…ምስ ሲኖዶስ ተሰማሚዖም ምስራሕ ኣይከኣሉን…” ብምባል ንፓትርያርክ-እንጦንዮስ ክኸሱዎም ከለዉ። እቶም ኣብ ኩሉ ነይሮም ዘይበሃሉ ኣባ-ዲዮስቆሮስ ድማ ኣይኪኢላቶ ኣይሲኢናቶ ከም-ዝበሃል “…መናፍቕ ኮይኖም ተረኺቦም። ተመለሱ እንተ-በልናዮም ድማ፥ ኣብዮሙና። በዚ ድማ ካብ ሥልጣኖም ኣውሪድናዮም…” ዝብል ትሕዝቶ ዝነበሮ ውንጀላ’ዮም ኣስሚዖም። እዚ ድማ ተዛሪቦም ክበሃሉ እንተ-ዘይኮይኖም፥ ነቲ ሽዕኡ ዝነበረ መድረኽ ዝምጥን፥ ትሕዝቶን ኣቀራርባን ነይሩዎም ዝበሃሉ ከም-ዘይነበሩ፥ እቶም ኣብኡ ብኣካል ዝወዓሉ ክገልጹዎ ይስምዑ እዮም።

ብዝኾነ እቶም ፓትርያርክ፥ ማለት ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ-ሺኖዳ። ነቲ እቶም ክልተ-ጳጳሳት ዝበሉዎ ምስ-ሰምዑ፥ ኣብቲ ዝተባህለ ንፓትርያርክ-እንጦንዮስ ዝምልከት ጉዳይ፥ ክዝለል ዘይግብኦ ርኡይ ጌጋ ተገይሩ ምህላዉ’ዮም፥ ጸቒጦም ክዛረቡ ዝተሰምዑ። እቲ ንሶም ዝበሉዎ ከኣ፡-

“…ቅድሚ ዝኾነ ኩሉ፥ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ኣብ ክፉት ዝኾነ ጉባኤ ቀሪቦም፥ ቃሎም ክስምዑ ዘለዎም መሰል ክሕለወሎም ኣለዎ። እዚ ከኣ ኣብ ቀኖና ቤተ-ክርስቲያን ሰፊሩ ዝርከብ ዘሎ ሕጊ’ዩ። ስለዚ እቲ ጉባኤ ናይ ግብጺ ኮፕቲክ ቤተ-ክርስቲያን’ውን ክትሕወሶ ስለ-ዘለዋ፥ ብድሕሪኡ’ዩ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ እንታይ ከም-ዝብሉ ሰሚዕካ ዝውሰን እምበር፥ እዚ ወሲድናዮ ትብሉ ዘለኹም ስጉምቲ፥ ብመንጽር ቀኖና ቤተ-ክርስቲያን ክርአ ከሎ፥ ተቐባልነት ዘለዎ ኣይኮነን። ስለዚ ንሕና ከም ናይ ግብጺ ኮፕቲክ ቤተ-ክርስቲያን መጠን፥ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ትማሊ ኮነ ሎሚ፥ ንዓና ሕጋዊ ፓትርያርክ እዮም…” ብምባል፥ ሓደን ዘየጋግን መልሲ ከም-ዝሃቡዎም’ዩ ዝፍለጥ።

እዚ ከኣ ብዝኾነ ተኣምር፥ ሰጊርካዮ ክሕለፍ ዘይግብኦ፥ ክብደት ዝነበሮ ረዚን ቃል’ዩ ነይሩ። ነዚ ርዝነት’ዚ ክመዝን ዝኽእል ልቦና ዘለዎ ሰብ ግና፥ ኣብቲ ኣብ ኣሥመራ ዝርከብ መንበረ-ፓትርያርክ ኣይነበረን። ከምኡ ስለ-ዝኾነ ድማ፥ ነቲ ቀይሕ-መስመር ሰጢጦም ብምሕላፍ፥ ፓትርያርክ መሪጽና ክብሉ ተሰሚዖም። እቲ ጌርናዮ ዝበሉዎ ፓትርያርክነት ግና፥ ካብ ኣሥመራ ወጻኢ ዝኾነ ይኹን ኣፍልጦ ዝህቦ ኣይረኸበን። ንዓመታት ኮለል ኢሎም’ውን ከዐርይዎ ዝኸኣሉ ነገር ኣይነበረን።

ርግጽ’ዩ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፥ ናብ ብዙሓት ዓበይቲ ጉባኤታት ክካፈሉ፥ ዝገበሩዎ ፈተነታት ምንባሩ ዝፍለጥ’ዩ። እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ኢሉ ገጹ ኣብሪሁ ዝቕበሎም ግና ኣይረኸቡን። ኣብ ብዙሕ ጉባኤታት ክሳተፉ’ውን፥ ዮፍታሔን ኣባ-ሉቃስን ዘይገበሩዎ ፈተነ ኣይነበረን። ሕራይ’ሉ ክኽፈት ዝኽእል ማዕጾ ግና ክረኽቡ ኣይከኣሉን። ካብ ክንደይ ጉባኤታት ከኣ፥ ተነጺጎም ክምለሱ ከም-ዝጸንሑ’ዩ ዝፍለጥ። ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት’ኳ ኣብ ኮርያን ስዊስን፥ ከቢድ መንጸግትን ተነጽሎን ኣጋጢሙዎም እዩ። ካብ ጌግኦም ክመሃሩ ዝደልዩ ኮይኖም ግና ኣይተረኽቡን።

ሕጂ ድማ እንሆ ንኽትዛረበሉን ንኽትገልጾን ብዘሕፍር ኩነታት። ምስ ሓደ ኣብ ከቢድ ናይሽምግልና ዕድመ ዝርከቡ ፓትርያርክ፥ ክቃለሱ ይውዕሉን ይሓድሩን ኣለዉ። ብግዲ ተጋግየ’የ ኢልኩም ፈርሙ ብምባል ድማ’ዮም፥ ከጨንቑዎም ዝውዕሉን ዝሓድሩን ዘለዉ። ከምኡ ክብሉ ዝኽእሉ እንተዝኾኑ ነይሮም  እሞ፥ ንልዕሊ 11-ዓመት ኣብ መቑሕ ኣትዮም፥ ክጸንሑ ዘግብር ምኽንያት ኣይምነበሮምን። ስለዚ ሕዝቢ-ተዋሕዶ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ፥ ኣብቲ ንግሆ ዝቘሙሉ ዕላማ ደው ኢሎም ከም-ዘለዉ’ዩ ዝኣምን። ካብዚ ወጻኢ ተዓሪቖምዶ ፈሪሞምዶ ዝብል ምድንጋር፥ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶን ሕዝቢ ተዋሕዶን ይቕበሉዎ’ዮም ዝበሃል ኣይኮነን።

እቲ ክኸውን ዝግብኦ ቅኑዕ መስመር፥ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ-ሺኖዳ፥ ኣብ 1998 ዓ/ም (2006) ተዛሪቦሞ’ዮም። እቲ ጉዳይ ኣብ ግሉጽ መጋባእያ፥ እታ ታሪኻዊትን ዓባይን  ግብጻዊት ቤተ-ክርስቲያን’ውን ኣብ ዘላቶ’ዩ፥ ቀሪቡ ክውሰን ዝኽእል ዝነበረ። ኣብዛ መድረኽ’ዚኣ ክቐርቡ ስለ-ዘሕፍሮም ግና፥ ካብ 11-ዓመት ንላዕሊ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ኣእትዮም፥ ከሳቕዩዎም ይርከቡ ንዘለዉ ፓትርያርክ“…ተጋግየ’የ ኢልኩም ፈርሙ…” ብምባል፥ ዕረፍቲ መዓልትን ድቃስ ለይትን ከሊኦሞም ይርከቡ ኣለዉ።

ንሳቶም እቶም ሰብ-ፖለቲካ ክርድኡዎ ዘለዎም ግና። ጉዳይ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ተወዲኡ ማለት፥ ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ተወዲኡ ማለት ከም-ዘይኮነ፥ ክርድኡዎ ዝደልዩ ኣይመስሉን ዘለዉ። ከመይሲ ጉዳይ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ኣብ 1998 ዓ/ም (2006) ዝጀመረ ክኸውን ከሎ። እታ ዓባይ ቅድስቲ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ፖለቲካ ዝኣተወት ግና ኣብ 1983ዓ/ም (1991) እያ። ስለዚ ዋናን ቀዳማይን ሕዝቢ ተዋሕዶ ዝሓቶ “…እቲ ኣብ ዝባን ቤተ-ክርስቲያን ጽዒንኩሞ ዘሎኹም ናይ ፖለቲካ ኣርዑት ኣውርዱዎ። ወይ ድማ ኢድኩም ካብ ቤተ-ክርስቲያን ኣውጽኡ…” ምባል ከም-ዝኾነ፥ ኣነጺርና ክንነግሮም እዋኑ ሕጂ’ዩ።

ብዝተረፈ በቲ “…እቶም ፓትርያርክ ፈሪሞም ወይ ተዓሪቖም…” እናተባህለ፥ ዝንገር ዘሎ ናይ ምድንጋር ቃላት፥ ሕጂ ከም ሕጂ ክዕሾ ዝኽእል ኣሎ ኣይንብልን። ከመይሲ ንቕሓት ሕዝቢ-ተዋሕዶ፥ ኣብቲ ቅድሚ 26-ዓመት ዝነበሮ ኣይኮነን ዝርከብ ዘሎ። ሎሚ እግዚኣብሔር ይኽበር-! ይመስገን-! ብዙሓት ሰብ ዲግሪ ዉልደ-ክህነት ኣብ ዘፍረናሉ ህሞት ኢና ንርከብ ዘሎና። ስለዚ ከኣ ኢና ትማሊ ክንብሎ ንኽእል ዘይነበርና፥ ሎሚ ኣብ ኣደባባይ ወጺእና ዓው ኢልና “-ይኣክል-!!-” ክንብል ትብዓት ረኺብና ዘሎና። እዚ ግና እቶም ሰብ-ፖለቲካ፥ ክሰምዑዎ ወይ ክርድኡዎ ዝደልዩ መሲሎም ኣይረኣዩን ዘለዉ።

ብዝኾነ እቶም ሰብ-ፖለቲካ፥ ካብቲ ቀርቂሩ ሒዙዎም ዘሎ ባዕላቶም ዝፈጠሩዎ ጸገም ክወጹ ዝደልዩ እንተደኣ ኮይኖም። እቲ ክኸዱዎ ዝግብኦም መንገዲ ግልጺ’ዩ። ንሱ ድማ ኢዶም ተሓጺቦም ካብ ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ክወጹ ጥራይ’ዩ። እቲ ኩሉ ብመንገዲ በዓል ናይዝጊ ክፍሉን, ደራጎን ኃይለ-መለኮትን, ዮፍታሔ ዲሜጥሮስን, ኣባ-ሉቃስ ኣቢልካ ክግበር ዝጸንሐ ምትእትታው፥ ክፍርዮ ዝኸኣለ ነገር የልቦን። የግዳስ ውግዘትን, ኩነኔን, ተነጽሎን ከስዕብ ጥራይ’ዩ ዝተራእየ። ሕጂ ድማ በዚ መንገዲ’ዚ ቀጺልካ ክኸይድ’የ ምባል፥ ለባማት ዝመርጹዎ ምርጫ ከም-ዘይኮነ ጥራይ ኢና ክንነግሮም ንኽእል።

ብዝተረፈ ከምቲ እቶም ዉሉደ-ክህነትና “-ንነግር ወኢንዘብጥ-” ዝብሉዎ። ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ’ውን “…ትጋገዩ ስለ-ዘሎኹም ጌጋኹም ኣርሙ’ያ…” ክትብሎም ትኽእል እምበር፥ ብረት ዓጢቓ ኣብ ቅድሚኦም ደው ኢላ ክትጸንሖም ትኽእል ኣይኮነትን። ክትምርቕን ክትረግምን ግና ትኽእል’ያ። ንሳ ግና ክትምርቕ እምበር ክትረግም እትደሊ ኣይኮነትን።እምበኣር ከምቲ “-ኣቅረብኩ ለከ ማየ ወእሳተ፥ ደይ እዴከ ሃበ ዘፈቀድከ-” ተባሂሉ ዘሎ። እቲ ምርጫ ንዓታቶም ነቶም ሰብ ፖለቲካ ዝምልከት’ዩ። መንገዲ ዕርቅን ሰላምን ክመርጹ ድማ፥ ጸሎት ቤተ-ክርስቲያን-ተዋሕዶ እዩ።ስብሓት ለእግዚኣብሔር ልዑል፥ ወለወላዲቱ ድንግል፥ ወለለ-መስቀሉ ክቡር-!!!

ካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን

ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ /ጀርመን/

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • k.tewolde August 18, 2017

    Good morning aba Merkazion,thank you for gracing us with your divine and sane advice,after all our God given senses tell us where we need to go to seek the truth,peace and serenity,instead we chose EriTV,Facebook,paltalk,whatsup………as a source of our spiritual daily food,the result I don’t have enough space here to narrate,it is time to get back to basics.Thank you ABA.

Post a Reply to k.tewolde Cancel Reply