Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እምበር ዘርኢ ክርዳድ !

ከምኡ ዝኣመሰለት ተባሃጊት ሃገር ኮይናትሉስ፡ ንኢዱ ዝጸግባ ከይመሰሎ ኢዩ ንዕዳጋ ዝወረደ። ንሱ ስድራኡ ከይረኣየ ሓያለይ ግዜ ስለዝሓለፈ ዝነበሮ ምስሊ’ውን ከይሃሰሰ ኣይተረፈን።ነቶም ክፋእ ሃገር ዝዛረቡ ክፉኣት ሰባት እናተ ማዓቶም ሓንቲ ምኢቲ ኦይሮ ብብላክ ኣሽሪፉ፡ ምስንእሽቶ ሓብቱ ዕዳጋ

ከምኡ ዝኣመሰለት ተባሃጊት ሃገር ኮይናትሉስ፡ ንኢዱ ዝጸግባ ከይመሰሎ ኢዩ ንዕዳጋ ዝወረደ። ንሱ ስድራኡ ከይረኣየ ሓያለይ ግዜ ስለዝሓለፈ ዝነበሮ ምስሊ’ውን ከይሃሰሰ ኣይተረፈን።ነቶም ክፋእ ሃገር ዝዛረቡ ክፉኣት ሰባት እናተ

ማዓቶም ሓንቲ ምኢቲ ኦይሮ ብብላክ ኣሽሪፉ፡ ምስንእሽቶ ሓብቱ ዕዳጋ ወረደ። ሸመታ ናይ ጸብሐመብሒ ኣይሸፈ ነትን ኦይሮኡ። ደጊሙ ከሽርፍ ብላክ ኣይተረኽበን’ሞ ብጋናኡ ምኢቱ ብዕጽፊ ኣንቆልቆለት። ክካረያ ዝሓሰበ ታክሲ ገዲፉ ምስ ሓብቱ ዘዘንቢሎም ኣንጠልጢሎም ኣብኣውቶቡስ ምስተሰቕሉ ከይተረድኦ“ ኦይ፡ ነዚ ድዮም ድኣ ዓድና ጽቡቕ ኣላ ዝብሉና“ በለ ብልቡ። ምስተመለሰ ነቶም ሃገሮም ጥዒምዋ ከምዘሎ ዝዛረቡ እንታይ ከምዝብሎም’ሞ እንድዒ። እንተ’ቲ ዘርኢ ክርዳድ ንክትጥጥዕ ክትለምዕ ተባሂሉ ብተለቪዥን ዝፍኖ ሓሶት ግና ዕዳጋታት መሊኡ ሃገር ሽሻይ ንሽሻይ ኮይና ኢዩ ዘርኢ። መዐቀኒ ልምዓት ሃገር ኣብገገዛና ዘላ ናብራ ዶ ኣይኮነትን? ሓሶት እናፈኾሰ ኣ ብዝመጻሉ ግዜ ሎሚ ድማ ከምቲ ዘላደየና መጀረ-ጀነራል፡ ሻምበለ-ኮለኔል፡ ወረኩሉሙሉ ዘዘንቢል ናቕፋ ደሞዝ ክንውሰኽ ተነጊርና ኣሎ’ሞ ሃለኽቲ ኣቑሑኸ ክንደይ ካብ ምኢቲ ኮን ይውስኹ? እቲ ዓመታት ዝገበረ ወሰኽ ደሞዝ ኣብሎሚ ክትግበር እንተኾይኑ ናይ ምንታይ ምልክት ምዃኑ ድማ ነስተውዕል። ከምቲ ቀደም ኣብ ደንደስ ኵናት ዝ ሕረደልና ስጋን ዝቕረበልና ሩዝን ከይኮነ ኣይተርፍን ኢዩ፡፡ ሃየ በል ኮለኔለ-ጀነራል ህዝብኻ ኣድሕን!!

ክቡራት ተኸታተልቲ፡ ፖለቲካን ፖለቲከኛታትን ኣደናጊርዎሰ ንዘይግብራዊት ምሕደራ ስለዝተመነየ ኣይኮነን እዚ ኩሉ ዝቃወም ዘሎ። ከምትዕዝብተይ ኩሉ ንዝመጽእ’ውን ኣጸቢቑ ይፈልጥ ኢዩ።እሞ ብውሑዱ ንኤርትራን ህዝባን ዘይግባእ ናጤባ ናይ ውሽጢ ባዕዲ ስለዝወረደና ንሓዋሩ መጉርሒ ንክኸውን ተባሂሉ ንዝቐርብ ጽሑፋት ብዓይኒ ጽልእን ህልኽን ጥራይ ከይንጥምቶ ሓደራኹም። ንቐጽል በሉ።

    ዘርኢ ክርዳድ እንታይ ማለት ኢዩ? መዓስ ኢዩ ክዝራእ ተጀሚሩ? ከምዝፍለጥ ኣንጻር መግዛእቲ ምቅላስን፡ ክት ገዝእ ኢልካ ምብጋስን ክልተ ኣንጻራት ኢዮም።እቲ ቀዳማይ ኣብ ሜላ ጽኑዕ ሓድነት ክምርኮስ እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ግዳ ሜላ ፈላሊኻ ግዛእ ኢዩ ናይ ዓወት ሰረቱ። እዚኣ ኢያ ድማ እታ ዘርኢ ክርዳድ እትበሃል። ምስቲ ሰናይ ጅማሮ ብረታዊ ቃልሲ ህዝብና ተመኹልዩ ዝበቖለ፡ ዝዓበየን ዘጉላዕልዐን፡ ገሊኡ ስራሓት ገዛእትና፡ ገለ’ውን ካብቲ  ድሑርነት ሕ/ሰብና ዝመንጨወ ክውረስ ዘይብሉ ዘይተደላይ ኣሉታ ከምዘለና ብሰፊሑ ተዘሪብሉ ኢዩ።ከምኣድላይ ነቱ ክንደግሞን ደጋግሞን ጉቡእ ብምዃኑ ከኣ ነልዕሎ እነና። ከይነርሕቕ ምእንቲ ምስቲ ኩሉ ህቡብነትን እወታን  ውድብ ህ.ግምባር ከይተረፈ ዘርኢ ክርዳድ ኣሽካዕሊልልና ኢዩ። ብሓያል ድሌትን ተወፋይነትን ሓፋሽ ህዝብናን ተ ጋዳላይናን ድኣ ይወሓጥን ጣልማይነቱ ከኣ ናብ ዕላማ ሓፋሽ እናተጸግዑ የመሳስልዎ ነይሮም እምበር ሓረስቶት ዘርኢ ክርዳድስ መራሕትና ባዕላቶም ኢዮም ዝነበሩ። ከምዝፍለጥ ህዝቢ ኤርትራ ኩሉ ግዜ ብመራሕቱ ምስተጠል መ ኢዩ። መራሕቲ ንስልጣን ውርሻኦም ገይሮም ንምብሓት ንመቃልስቶም ጠሊሞም ክሳብ ምስ ጸላእቶም ዝውግ ንሉ እዋን ተራእዩ ኢዩ። ከምኡ ንክኸውን ንስምረት ህዝቢ ክዘርጉ ክብትኑ ስለዘለዎም ዘርኢ ክርዳድ ይዘርኡ።እቶ ም ህዝብን ዓለምን ዝተቐበለቶም ድኑቓት መራሕትና ድማ ሰኺሮምስ ኣብኡ ተደርጊሞም ዘለዉ።

ዘርኢ ክርዳድ ንእዋኑ’ዃ እንተፈወሶም ክርዳድ ዝዘርአ ክርዳድ ስለዝዓጽድ ለካሚኦም ምዃኑ ይፈልጡ ነይሮም ኢዮም። ስለዚ ድሕሪ ዕንወት’ቲ ብባህሩ መሰረት ሓድነት ዝነበረ ጸላኢ’ውን ይኹን ንሓድነት ህዝቢ ከመይ ከምዝምክትዎ ንምርግጋጽ ኣብ ኩለን ኣሃዱታት ጸይቂ ዘሪኦም ኢዮም።እንተኾነስ ብኣጋጣሚ ዝጀመርናዮ ዕላል ክቡር ነ ባር ተጋፈዳላይ ኣቶ ምስፍን ሓጎስ መሰረት ገይረ ክዛረብ እየ።

ኣብ ክፍሊ ቁጠባ ኣቃውማ ሕብረተሰብና መሰረት ዝገበረ መጽናዕቲ እንታይ ይመስል ከምዝነበረ ከይተስተብሃ ለሉ ጸኒሑ ክኸውን ይኽእል።ዝወዓለ ግን ከከም ዓቕሙ ፈሊጥዎ ኣሎ። ዝኾነ ኮይኑ በቲ ግዜ’ቲ ድሕሪ ቢተወደድ ብዓልኬር ኣብዝመርሓ ጨንፈር መጎዓዝያ ከምኣብነት እነተወሰድና፡ ብዝተራእየ ነውጺ ህላወን ቀጻልነትን ሰውራ ዘጠራጥርን ተስፋ ዘቑርጽን ህሞት ከምዝነበረ፡ ሽዑ ብዘይፍታዎም ሃዲሞም ስግር ባሕሪ ዝሰፈሩ ሎሚ ብጋህዲ የ ውግዑሉ ኣለዉ። ክፍሊ ቁጠባ፡ በቲ ራብዓይ መትሎ ስልጣን መራሕ ክፍሊ ዝተባርዐ ናይ ፈተና ሰልፋዊ ሰውራ ክትናወጽ እንከላ ንሱ ሎሚ ጽፍሕታት ጠጥሒሶም ምስኡ ክራኸቡ ባዕሉ ፕረሲደንት  ከምዝኣዘዘ ገይሩ ከቕርቦ’ዃ እንተፈተነ ፈጻሚኡ ግን ንሱ ባዕሉ ኢዩ። ዝኾነ ኮይኑ እቲ ናይቲ መድረኽ በዓል ግዜ መራሒ ንኡስ ኣካል ምውፋር መካይን፡ ብዝተዋህቦ ናይቲ ከባቢ መሪሕነት ሰልፊ ሰኺሩ ዝፈጸሞ ሕንፍሽፍሽ ብርግጽ መርኣያ ናይዚ ናይ ሎሚ ፍልሰት ሃገራውያን ይመሳሰል። እቲ ፍልሰፍና ሰውራ ሸቃሎ ናይ ሓዋሩ ናይ መፋለሲ ጥበብ ተመሪጹ ነበረ። ኣብ ክፍሊ ቁጠባ ገኒኑ ዝተራእየሉ ምኽንያት ድማ ኣብተን ብዓዲ ንኡስ ቡርጅዋ ዝፍለጣ ኣሃዱታት ክፍተን ባይታ ስለ ዘይነበሮ ኣብ ቁጠባ ግን ንተፈጻምነቱ መስፍን ስለዘተኣማምን፡ ብተወሳኺ ከም ኣብ ውሽጢ’ቲ ክፍሊ ዝጥርነፋ ኣሃ ዱታት ከም ጋራጅ፡ምውፋር መካይን ኢደ-ስራሓት ዝኣመሰላ ኣካላት ዝነበሩ ኣባላት ድሕረ-ባይታኦም ሸቃሎ ኢዮ ም ተባሂሉ፡ ምስተን ኣብ ጥቡቕ ፍቕርን ምክብባርን ዝነበራ ከም ሕክምና ዝኣመሰላ ኣሃዱታት፡ ብኣረኣእያ ይኹን ብስምዒት ንምንቛተን ይሰልጥ እንተኾይኑ ተባሂሉ ኢዩ እቲ ሽኦል ተኻዕዩ።እቲ ከምበቕሊ ሕዛእቲ እናሓንሓነ ኣብ ኩሉ ምሕደራ ዝተጠብሎቐ ክብሪ በተኽ ንእሽቶ ሓላፊኸ ብምንታይ ተመረጸ? ሓቂ ይኹን ኣይኹን ነቲ ኣብ ጀብሃ ፈጺምዎ ዝበሃል ተግባር ከምመበገሲ ግዲ ተወሲዱ፡ ብዕድል ሰባት ከይተሰከፈ ከምዝፍጽሞ ተኣማሚኖም ኢዮም መሪጸሞ ይስማዕ ነይሩ። ተልእኾኡ ከኣ ኣብርእሲ ካልኦት ደርብታት ብፍላይ ኣንጻር ምሁራት ዝዓለመ ስለዝነበረ፡ ኣይብኡ ኣይብጥቓኡ ብስራቕ ፍልስፍና ኩርማጅ ሸቃሎ ጨቢጡ ብኡ ዘይሰለቐን ተሰሊቑ ዘይለዘበን ስንቆም ቋጺ ሩ ንስደቶም ከፋንዎም ከምዝኾነ ብወግዒ መዲሩን ገይሩን። ንዝኣሰሩሉ ሰብ ዘይፈፈጸሞ ዘይተራእየ ጉድለት እናተ ሰርሐ ጠቐነ፡ ሓሶት፡ ብሓሶት ምምስካር፡ ጸለመ ምግናን፡ ኮታ ዘይተገብረ ነገር ኣይነበረን ክበሃል ይከኣል።

ውጽኢት ናይቲ ኩሉ ዕግርግር ከምቲ ዝተጸበይዎ ኣይነበረን። እቲ ብኢንዱስትሪያዊ ኣእምሮ ኣይተሃነጸን ዝብል ዎ ርሂጸ-በላዕ ጥቁው ተጋዳላይ፡ ኣብርእሲ ካልኦት ደርብታት ሓደጋ ኣይወደቐን ጥራይ ዘይኮነስ ንሓዋሩ’ውን ከምዘ ይወድቕን ዝያዳ’ዃ ድኣ ምስቶም ንኡስቡርጅዋ ዝጽውዑ ብጾቶም ተጋደልቲ ኮይኖም እቲ ዝፍጸም ዝነበረ ዕንደራ ድማ መሪሕነት ስለዘይፈለጠቶ ኮይኑ እምበር ክንድዚ ፋሉልነት ኣይምነገሰን፡ ካብ ዝብል ሓልዮት ማእሰርትን ርስ ሓቱን እናፈለጡ ብዘይካ’ቶም ዕድሎቶም ኮይና ብጠበናጁ እናተኾብኮቡ ዝተዳጎኑ፡ ባዕላቶም ከይተረፈ ንሓለዋ ሰ ውራ ዘምርሑ ነይሮም።“ሓዚላ ዘላን ተሓዚላ ዘላን ኩለን ሓደ“ ከምዝበሃል ከኣ፡ እምንቶ ሓለዋ ሰውራ ዝገደደ ስ ምብራት ገደፈሎም። ኣብኡ እንታይ ኢዩ ዝግበር? እንታይከ ኣጋጠሞም? ኢልኩምኮን ትሓስቡ?

ገለ ካብቶም “ተማሂሮም ክምለሱ ኢዮም“ እናተባህሉ ተተሓፊሶም ዝተኣስሩን ክጸንሑ ዕድል ዝረኸቡን ንማርያ -ግምቢ’ ኣቕሓ’ዃ ኣይቆጸርዎን።ተማሂሮም ይምለሱ እንተነይሮም ድማ ጽቡቕ፡ ብዛዕባ ዓይነትን ዝጠልቦ ንውሓት ግዜን፡ ጉጅለ 15 ሰቒለሞ ዝመጹ ቆቡዕ ማስተረ-ዶክተር ርኢኹም ከተረጋግጽዎ ስለዝኾንኩም ንሕለፎ ጥራይ።ሽዑ ግን ኩሉ’ቲ ዝተራእየ ኮይኑ። ካብቲ ማእሰርቲ ዝተረፈ ደደረቑ ከኣ ተተሓፊሱ ብዘይ ውጥን ንግምባር ተመዲቡ። ኣ ብኡ’ውን ምስቶም ብተመሳሳሊ ጸገም ካብስልጣን ክወርዱን ክድይቡን ዝውዕሉ ዝነበሩ ንከይራኸቡ ኣብትሕቲ ጽኑዕ ሓለዋ መራሕ መስርዕ ምቕፋድ ነበረ በቃ!!ጥይት ጸላኢ ቀልጢፋ እንተዘይረዲኣቶምከ ሃለዋቶም እንታይ ይመ ይመስል ነይሩ?

መኮነን ጉብጣን ከባቢ’ታ ንወለጋ ዝኸደላ ምስገለ ህሉዋት ኣብዓምበርበብ ረኺበዮ ነይረ። ብሓጺሩ ከምዚ ኢልኒ፡-“ዝተዓመረት ብረት ናባና ምስቀንዐት ኣይተኣመነትን ዘላ። ቃታ መዓስ ከምትሰሓብ ግን እንድዒ“…………..

ዝኾነ ኮይኑ ገሊኡ ካብቲ ዝንቡል ዝተጠመቐ ኣባል መጎዓዝያ ብክቱር ቅብጸት ነብሱ ቀቲሉ፡ ወይ ድማ ምሔን ከምዝወሓጦ ርእሱ ኣድኒኑ ክነብር ተገዲዱ።ክልተሳዕ ክጽውዑ ዘሕነኾም ከኣ ዋላ’ዃ ዋራት ኣይረኸቦ መለሳ እንተ ኾኖም ኣሃዱ ቀይሮም ዝቐጸሉ ኣይወሓዱን።ገለ ለባማት’ሞ ንሓዋሩ’ውን እቲ ገድሊ ጠገለን ረብሓን ስኢኖሙሉስ ከምዚ ናይ ሎሚ ብዝመሳሰል  ኣእጋሮም ከምዝሃቦም ሃጽ ኢሎም ተሰዲዶም። እቲ መጠን ህድማ ምስገንፈለ ብዙሕ ተጋዳላይ ሱዳን ኣትዩ ቤተሰቡ ወይ ከኣ ንሰብዝና ብጾቶም ምዒዶም ክመልሱ ተጓይዮም ነበሩ። ሓደ ካብኦም ዳሊ ምንባሩ እዝክሮ ኢየ።ኣጋጣሚ ኮይኑ’ውን ንኢሰይያስ ተወልደ /ውዲፍላንሳ/ ኣብ ዓራግ ረኸብኩዎ። ንሱ ኩሉ ነገር ኵናት ኮይንዎ ካብ ዝተዛረበኒ ሓንቲ ዘይርስዓ ኣላትኒ።“አእ፡ ምኢቲ ኩናት ኣቲኻ እንተዘይኮነልካ፡/እንተዘይተ ሰዋእካ ማለቱ ኢዩ/ መበል ምኢትን ሓደን ግን ብዘይሓሰብካዮ ተጻብኦ ትሃድም ወይ ትስዋእ“።

እቲ ተኹላ ክንሱ ቆርበት በጊዕ ደሪቡ ዝተባህለ ኢሰይያስ ኣፈወርቂ’ውን ባዕሉ ንዝወልዖ እኪት ክድብስ እናመሰለ ደድሕሪ ሃጽ ኢሎም ዝሃጀሩ ነባራትን ቅኑዓትን ተጋደልቲ ኣርኪቡ ኢዩ።ኣብ ሱዳን ዝተገብረ ሰሚናር ድማ ዋላ ነቶ  ም ውሑዳት ዘይኮኑ ዘቕበጹ ክመልሶም እንተዘይከኣለ፡ ኣብ ሱዳን ምስዝነበሩ ተቓወምቲ ተደሪቦም ሓይሊ ከይኮኑ ኣብዘዝኸድዎ ድማ ቤት ጽሕፈታት ህ.ግምባር ንዐዖም ክፉት ምዃኑ ተላብዩ ከምተመለሰ ንዝክሮ ኢና።

እዚ ኩሉ ክፍጸም መራሕ ንኡስ ኣካል በቲ ሓደ ወገኑስ ንሱ ይጎርሕ ነይሩ።ቀትረ-ቀትሪ “ንሕና ኢሰይያስ ኣይግ ድሸና ሮመዳን፡ ጽሩያት ሸቃሎ ከኣ ኢና፡ ፍልስፍና ሸቃሎ ዘይተቐበለ ስንቁ ቋጺርና ከነፋንዎ ንኽእል ኢና“ ክብል ውዒሉ፡ኣማስያኡ ድማ ምስከምኡ ዝኣመሰሉ ኮይኑ ኣስማት ስብሓተ-ካልኦት እናጠቐሰ፡“ ንኡስ ቡርጅዋ ጽባሕ ክ ትጠልመና ኢያ፡ ስለዚ ካብሕጁ ብረት ክንሓብእ ኣለና“ ክብል ይሓድር ነበረ። ዝኾነ ኮይኑ ከምኡ ዝኣመሰለ ምግዳ ልካ ዘጽልእ ኩነት ምንባሩ ብግልጺ ዝዝንተወሉ ጅማሮ እምበር እቲ ምርረት መዓስ መወዳእታ ነይርዎ? እዚ ኩሉ ጉዳት ንዝፈጸሙ መራሕቲ እንታይ ምፈረድኩሞም?

መራሕ ኣካል ነብሱ ተዓሻሽያ ገባርን ሓዳግን ኮይኑ ክሳብ ማዕጾ ኢሰይያስ ክኩሕኩሕ ምስጀመረን፡እቲ ተልእኾ ዘርኢ ክርዳድ ከኣ ብኩሉ ተጋዳላይ ተቐባልነት ምስ ሰኣነን መዐገሲ ክግበረሉ ተባሂሉ ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ናብ ፈተና ኣይተላእከን እምበር ካብ ሓላፍነት ኣደስኪሎም ከሰላ ከምዝመደብዎስ ተወረየ ድኣ። እንተኾነስ ኣብቲ ናይ ይምሰል መቕጻእቲ ከይደንጎየ ብብሄር ተወኪሉ ኣብ ጉባኤ ተመሪጹ ተባሂሉ ዳግማይ ተሸይሙ። ድሕሪ ናጽነት ከኣ ሓደ ካብቶም ኣይሕሱብ ከብትን ጥሪትን ዝኾኑ ኮይኑ ካብስራሕ መንግስቲ ተኣልዩ እንከሎ፡ ከምዚ ናይ ሰራቕ ሞባ እ ገለ ስላኹ ዘረባ ግዲ ሸተት ኢላቶ፡ ምስ መኪናኡ ብሃላይ ጽፍዒት ኦራል ንገደሉ ከንደልህጽ ከምዝተፈተነ፡ ጸኒ ሑ ከኣ ናብ ስራሕ መንግስቲ ተመሊሱ ተባሂሉ። እዋእ፡ ንስ’ውን ሓንቲ መዓልቲ ተግባራቱ ክጠዓሰሉ ምእንቲ ካብ ረኽቢስ የድሕኖ ድኣ!! እምበር ነገር ምስ መኪናኻ ዕንቅፍትስ ሓቂ ይኹን ኣይኹን ድሕሪ መስዋእቲ ዳሊ ኩሉ ብጥ ርጠራ ክርአ ግድን ኮይኑ ኣሎ።

እዚ ኩሉ ክኸውን እቲ ርእሱ ኣብ መንኮቡ ዝቐበረ መራሕ ክፍሊ፡ ሎሚ ንርእሱ ካብ ክንደይ ፈተና ንስክላ ከ ምዝወጸ ይግለጽ እምበር ከምዚ ሎሚ እቲ ነገር ዛንታ ጥራይ ከይኮነ ነገር ብጉሁሩን ብኸምቲ ናይ ዘመነ-ክፍልታ ት፡ዘመነ-ሕንፍሽፍሽ፡ ኣባላቱ ክጅፍዑ እንከለዉስ ኣፍ ኣየርከበን። ከምቲ ትፈልጥዎ ከኣ ንሱ’ውን ከም መቕዕጻዕቲ  ተሓሲቡ ካብቲ ክፍሊ ተኣልዩ ካልእ ሰልፋዊ ዕማማቱ ድሕሪ ምስራሕ ናብ ግምባር ናቕፋ ከምዝተመደበ ድሮ ሰሚዕኩሞ ኣለኹም። ኣብቲ ውድባዊ ጉባኤታት ዝመርጾ ተሳኢኑስ ባዕሉ ኢሰይያስ መስፍን ዘይብሉ መኣዲ ከምዘይብርሆ እናጠቐሰ ከምዝመረጾ ድማ ከነውጋዓኩም። ዝገርም ነገር፡ ኣብቲ ምርጫታት ንሱ ልዕሊ ኢሰይያስ ድምጺ ረኺብ ክንሱ፡ ብስጋይ ስጋኻ ነቲ በሊሕ ኢሰይያስ ከምዘሕለፎ ከምተባህለ ድማ ክንውስኸልኩም። ብሓቂ እታ ት እምርቲ ኪዳኖም ትምስክር ናይ ተኽሊ ስእልን ዝወሓጥዎ ጸጸርን ነዚ ዳሕረዋይ ኪዳኖም ይምስክር!! ክሳብ ለይቲ ሎሚ።

ኣብ ስራሕ ዝዋፈሩ ሰባት በቲስራእ ዝመጸ ክጋጨዉ ይኽእሉ ኢዮም። ኣብ ከምቲ ዝተራእየ ግን ፖለቲካዊ ትርጉም ነይርዎ። ኢሰያስ፡ መስፍን፡ ናይዝጊ…….፡ ኮታ ሓያለይ ሰበስልጣን ብጠባዮም ጊንጢ ኢዮም። ትማልን ሎም ን ኣይተሰማምዑን፡ ጽባሕን ድሕሪ ጽባሕን፡ ኣብ መሬትን ሰማይን ከይተረፈ’ውን ብርግጽ ኣይክሰማምዑን ኢዮም። ውልቀ ባህሪያቶም ድዩ ንዘይስምምዕ ኣጋሊጽዎም እቲ ፖለቲካኦም ኢዩ ዘየሰማምእዕ? ክትብሉ ትኽእሉ። መስፍን ንኣብነት ከምቲ ዝበሎ ኣብዝኣተዎ ኣሃዱ ተሰማሚዑ ኣይፈልጥን። ብስም ኣንጻር ኢሰይያስ ናይሰባት ተደናጋጽነት እናረኸበ ልባቶም መመዝሒቑ ጉድ ከምዝሰርሖም ከኣ ጉጅለ ከይተረፉ ቅድሚ ማእሰርቶም ክዛረብሉ ጀሚራም ኢዮም።ንሱ’ውን ጉጅለ ብመዛኑኦም ከምተጠለሙስ ገሊጹ ኢዩ።ኣብዚ ክርሳዕ ዘይብሉ ጉዳይ ቢተወደድ ኣሎ።ንሱ ኣብትሕቲ ምምሕዳር መስፍን ኣብ ዝነበረ ዞባ ዓሰብ እንከሎ፡ ብዝነበሮ ንጹር ኣጠማምታ መንግስትን መራሕትን ንሓዋሩ ከምዘየስርሮም ፈሊጦም፡ “ምስ መስፍን ኣብ ወደብ ብዝጸንሐ ሙሩኽ ንብረት ኣይተሰማምዑን“ተባሂሉ ዕ ድመ ይፍታሕ ከምተሓየረ ተዘሪቡ ኢዩ። ብተወሳኺ ገለ ኣባላት ጉጅለ 15 ካብቲ ዝፈረሙሉ ከንሳሕቡ ዝጀመሩ’ውንነገር መስፍን ምስበርሃሎም ኢዩ ተባሂሉ ኢዩ። ጥልመት ንርእሳ ቁጻር ክርዳድ ኢያ። እሞ ብወጻኢ ንዝስማዕ መስ ርሕ ኣጠላላም፡ ክልተ ስልፍታት ኣዳቒቑ ሎሚ ምስታ ህቡብ ሓላፊኣ ዝሰኣነት ክፋል ተ.ሓ.ኤ ተጸጊዑ ከምዘሎ ይ ፍለጥ። አእ፡ ኣመል ምስመግነዝ እንተኾይኑ ሎሚኸ ክሰማማዕ ዶ ትብልዎ? ድሮ’ኮ ነቲ ውድቡ ዘውጽአቶ ህግደፍ ዘደናገሮ ናይ ጣልያን ካሕሳ ገንዘብ ጸብጻብ ክነጽጎ ካብ ጀመረ ክርዳዱ ከመይ ከምዝዘርእ ዘመላኽት ኢዩ።ወይለኹ ም መራሕቲ ኢፒዲፒ፡ እምበር ንሱስ ድሮ ነቲ ዝተሓሰሞ ባይታ ኢትዮጵያ፡ ስድራኡ ያኢ ካብሱዳን ንወጻኢ ምው ጻእ ሓርቢትዋስ ኣዲስ ኣበባኣ ከምእትኣቱ ገይሩ ንሱ ከኣ እግሪ እግራ ከምእተደርገመ ሰሚዕና ኣለና። ድሮ’ውን ኣብ ኡ ቤት ጽሕፈቱ ተኸፊቱ ኣሎ። እዚ መሰጋገሪ ድልድል ነቶም ኣብኡ ዝጠራነፉ ዘለዉ ኤርትራውያን ዝብትን ቁጻር ዘርኢ ክርዳድ ምዃኑ ተረዳእ ወዲ ኤርትራ !! ዓሻ ድየ በራኺ!! ጉድ ክኾነኩም ያኢ ህ.ግምባር ቅድሚ ዕስራ ዓመታ ት ዘጥፈአቶ ከምኣውራጃነትን ሎሚ ወጢነሞ ንዘለዉ ናይ ሃይማኖታውን ናይ ’ቆላማ ደጋማ’ ዝኣመሰለ ሕሱር ተር

እዮ ክስረሓሉ ሙእንቲ ካብኡ ከምዘይወጻእናን ክንወጽእ ከምዘይንኽእል ገይሩ ከውጋዓና ሰሚዕናዮ። በሉ ሕቶ ን ንሕተት ሕጂ።

ኣቶ መስፍን፡ እዛ ንኣርባዓን ሓሙሽተን ዓመታት ዝለፋዕካላ ኤርትራ፡ ሎሚ በቲ ዘተኣታተኹሞ እኩይ ናይ ፈላሊኻ ግዛእ ብልሓት ብትሕቲ ዘመነ-ኣርባዓታት ትሕመሰሉ ኣብ ዘላ ግዜ፡ ብዙሕ ክትገብሮ ዝነበረካ ከምዝነበረ ’ዃ እንተገለጽካ ካብ ነበረንስ እኒአኒ ኢዩሞ ህዝቢ ንእዋናዊ ኣስተዋጽኦኻ ብኸመይ ኢዩ ክጽበዮ? እንተኣነን መሰላ ተይን’ሞ ምንም እጃም ከምዘይብልካ ጥራይ ዘይኮነ፡ መሊስካ’ውን ተልእኾኻ ክትቅጽል ኢኻ በሃልቲ ኢና። መንዶ ይቐርበካ? ብተወሳኺ፡ ምስበዓል ኪዳንካ ኢሰይያስ ኣይግዳዱ ኮንኩም ዝዘራእኩሞ ዘርኢ ክርዳድ ሳዕሪሩ ዓለም ኣብዘስደመመሉ መድረኽ ኣብዘለናሉ ግዜ፡ መደባትኩም መደብ ኩሉ ተጋፈዳላይ ከምዝነበረ ኣምሲልካ ብምግላጽ፡ ከምዕዉታት መጠን ከኣ ታሪኽ ክትጽሕፍ ከምተዳለኻ ገሊጽካ ኣለኻ። ምጽሓፍ ዝኸልኣካ’ዃ እንተዘየለ፡ ኣሉታትካ ዘይትቕበል መራሒ እንታይ ዓይነት ሃገራዊ ታሪኽ ከምእትጽሕፍ የሰኽፈካዶ ኣሎ ዋላስ በታ “ከምኡ ሳላዝገበርና ኢና ተዓዊትና“ ኢኻ ክትደርቕ? ምርጫኻ እዛ ዳሕረዎይቲ እንተኾይና፡ ብሓንቲ ኢድካ ኣብ ጠፈር ታሪኽ ከተንሳፍፍ ዝወርደካ ዕንወት ካብሕጁ ክንገልጸልካ ንፈቱ። እንተ’ቲ ካልእ ክፋል ታሪኽና ብዘይፍታውኩም ድሮ ብብዙሓት   ብጉሳትን ብብዙሕ መልክዓቱን ተጻሒፉ ከምእተቐደምካን፡ ምንእሰይ ከኣ ነቲ ሽንግላጡ ዝወጸ ክውረስ ዘይብሉ እከያትኩም እናኣለለየ ይጉሕፎ ኣሎ’ሞ ዘሰክፍ የብልናን።

ውድቀት ንቁጻር ዘርኢ ክርዳድ!!

ጎደፋ

14-02-12

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • FOOD STAMP February 15, 2012

    ሓኻይም ሰብን ናይ እንስሳታትን፣ ዋና ዋጣ ነበር ናይ shabait.com ,ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ….ወዘተ ንማማ ህግደፍ ገዲፍዋ እናኸደ እዩ ። ተሃዊኸ ድኣ ከይከውን እምበር , ሓንቲ ደርፊ,ዜምኣ ከምታ ናይ ,ኣልኣሚን ዓብደልለጢፍ , በቲ ዘይምኖ ድምጹ ጌሩ , “ድሓን ኩኒ ኣባሻውል”
    “ድሓን ኩኒ “ዓባይ” ህግደፍ ” ( JULY 14 – 2011 )
    ድሓን ኩኒ “ዓባይ” ህግደፍ፣ ሰላም ቅድሚ ምፍራስኪ
    ኣደ ኩሉ ወይጦ፣ መዕበይ ዋህዮ ኔርኪ ።
    እዛ ዓባይ ህግደፍ ሎሚ ክደርፈላ፣ ፈጺማ ብኹላ ከይፈርጠጠት ከላ
    ኣብ ሓለዋ ሰውራ ደም ዝነባዕኩላ፣ ኣደ ናይ የዋሃን ናይ ጭካነ ጩራ።
    ንስኺ ክትዓወኒ ብዙሕ ደስ ይብለኒ፣ ግን ፋሕ ጭንግራሕ ደሉ ተቓወምቲ ካብ ሃበኒ
    በቲ ሓደ ወገን ደስታ ይህበኒ፣ በቲ ሓደ ግና “opposition party” ፈሶም ይዕልሰኒ ።
    በሊ ህግደፊና ብህውከት ፍረሲ ፣ ዚምባብወ ርእየዮ ናይ መልክዕኪ ቅርጺ
    ሊብያ ውን ክሰደኪ፣ ጥራይ ተበቆጺ !!!!!!!!!!!!

  • FOOD STAMP NATION February 16, 2012

    WE ERITREANS ARE NATURALLY BRILLIANT !!!!!

    Ethiopia ,on top of being #3 coffee exporter in the world,beating columbia ,expanding its leather & textile market ,selling electricity to Sudan & Kenya , education in University grew 2300% & now has become economic powerhouse. of exporting large amount of wine ,90 kilometres south of the capital…growing ,in it´s capacity to the level of BRIC ie. Brazil Russia India ,China….WE ERITREANS ARE NOT AMUSED & TO PROGRESS IN SUCH a MIRACLEOUS MANNER IS TRYING TO MAKE ERITREA LOOK LIKE A LOSER .WE DENOUNCE THIS EVIL DEEDS BY WOYANE !!! I BET THEY CAN NOT DIG TRENCHES LIKE US . YES , THERE IS A REAL POSSIBILITY ;THAT ETHIOPIA WILL BE THE 1st IN AFRICA & SOME FOREIGN COUNTRIES .BUT ERITREA HAS SOMETHING THAT ETHIOPIA DOES NOT HAVE .WE ALSO EXPORT SLAVE TRADE ,USING OUR OWN PEOPLE ,LET´S SEE YOU TOP THAT WOYANE AGAMES !!!! REACH TO THE LEVEL OF ERITREA´S .WE BALSO EXPORT TERRORISM ::na..na..na..bu..bu !!

    • hggum brhan February 17, 2012

      SINGAPO ERITREAN ………….MECHM CHERKIKA KTDRBI KUROB EU TERIFUKA.NAMETA ZTSLEL SI LEBZEBEN AMNI YDRBI.ZBAHAL MSLA AKO ALO.

  • hggum brhan February 17, 2012

    SINGAPO ERITREAN ………..CHRKIKA KTDRBI MECHS KURUB EU TERIFUKA.KELAH!!!!!! NAMETA ZTSLELS LEBZEBEN EMNI YDRBI ZBAHAL MSLA EKO ALO.YEARFF BEGAKA ELKANA.

Post a Reply to hggum brhan Cancel Reply