Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራ ጓና ንህዝባ፡ ሞንተ ካርሎ ንስርዓት ህግደፍ

ኣብ ዓለም፡ ካብ ጽላት ቱሪዝም ደርማስ ምንጪ እቶት ዝሓፍሳን ስም ህዝበን ዘስምያን ሃገራት ብዙሓት’የን። ኣብ 2014፡ ትካል ቱሪዝም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ቻይና፡ ግብጺ፡ ደቡብ ኮርያ፡ ህንዲ፡ ሲንጋፖር፡ ኬንያ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ዓባይ

ኣብ ዓለም፡ ካብ ጽላት ቱሪዝም ደርማስ ምንጪ እቶት ዝሓፍሳን ስም ህዝበን ዘስምያን ሃገራት ብዙሓት’የን። ኣብ 2014፡ ትካል ቱሪዝም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ቻይና፡ ግብጺ፡ ደቡብ ኮርያ፡ ህንዲ፡ ሲንጋፖር፡ ኬንያ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኢጣልያን ባሕሬንን፡ ገለ ካብተን ኣማኢት ኣሽሓት በጻሕቲ ዘአንገዳን ካብ ቱሪዝም ልዑል እቶት ዝረኽባን ሃገራት’የን። ቅድሚ’ቲ፡ “ኤርትራ ብዘለዋ ባህርያዊ ጸጋታት፡ ምርግጋእን ጆኦግራፍያዊ ኣቀማምጣን ንበጻሕቲ ሃገርን ኣውፈርትን ምችእቲ ሃገር’ያ” ዝብል ኣበሃህላ ሓቅን ክውንነታውን ድዩ ኢልካ ምምላስን መደምደምታ ምሃብን፡ ብዛዕባ ኣምር ቱሪዝም ሕጽር ዝበለ ሓሳባት ወስ ምባል ኣገዳሲ’ዩ። ብቀንዱ ሓንቲ ሃገር መስሕብ በጻሕቲ ንምዃን፡ ካብ ቱሪዝም ልዑል ኣታዊ ንኽትረክብን ሃገራ ምስ ዓለም ከተላልን እንተኾይና ንበጻሕቲ ዘድሊ ኩሉ መዳያዊ ኣገልግሎት፡ ጸጥታ፡ መሳለጥያን ጽፉፍ ምምሕዳርን ከተመቻችእ ኣለዋ። ንኣብነት ስሉጥ ትሕተ ቅርጺ ከም መጓዓዝያ መሬት፡ ባሕሪ፡ ኣየር፡ መራኸቢታት ተሌፎን፡ ፋክስ፡ ኢንተርነት፡ መዕረፍን መዘናግዕን ማእከላት፡ ሆቴላት፡ ኣብያተ መግብን መስተን፡ ኣብያተ ሲነማ፡ መሐምብሲ፡ መአከቢ ኣዳራሽ፡ መካየዲ ስፖርታውን ባህላውን ንጥፈታት፡ ብቁዕ ስልጠናን ተሞኩሮን ዘለዎ ዓቅሚ ሰብን ከምኡ’ውን ርትዓውን ምስ እትህቦ ኣገልግሎት ዝመጣጠን ክፍሊት ምህላውን ገለ ካብቶም ንእቶትካ ከኻዕብቱ ዝኽእሉ ኣገደስቲ ረቛሒታት’ዮም። ብርግጽ ነዚ ክብ ኢሉ ዝተጠቅሱ መምዘኒታት ንምምላእ ልዑል ወጻኢታትን ግዜን ከምዝሓትት ዘማትእ ኣይኮነን። ስለዚ ቱሪዝም ማለት ናይ እንካን ሃባን ዕማም ድኣምበር ሳንቲም ከይኣውጻኻ ሚልዮን ትሓፍሰሉ ጽላት ኣይኮነን። ዓመታዊ ገምጋም ትካል ቱሪዝም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዘነጽሮ፡ ኣብ 2015፡ ቻይና 292 ቢልዮን፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 119 ቢልዩን፡ ጀርመን ልዕሊ 77 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ፡ ኣብ ጽላት ቱሪዝም ካብተን ብዓለም ደረጃ ልዑል ወጻኢታት ዝገበራ ሃገራት’የን። ብመንጽር ወጻኢታት ናይዘን ዝተጠቅሳ ሃገራት፡ ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት ካብ ቱሪዝም ዝረኸብኦ እቶት ድማ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ልዕሊ 204 ቢልዮን፡ ቻይና 114 ቢልዮን፡ ጀርመን ኣስታት 37 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ነይሩ። ኣሃዛት ናይዘን ሰለስተ ሃገራት እንተተዓዚብና፡ ቻይናን ጀርመንን ወጻኢታተን ካብ ኣታዊታተን ክዛይድ እንከሎ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ግን ካብ ቱሪዝም ልዑል መኽሰብ ከምዝረኸበት’ዩ ዘመልክት። በጻሕቲ ሃገር ንዝተፈላለየ መደባት ስራሕ፡ ንውሓት ግዜን ቁጠባዊ ዓቅምን ስለዝመጹ፡ ኩሉ ዓይነት መሳለጥያን ኣገልግሎትን ዘይከድልዮም ይኽእል’ዩ። ንኣብነት ገለ በጻሕቲ ንዝተወሰነ መዓልታትን ቁጠባዊ ዓቅምን፡ ዋዕላ ክሳተፉ ጥራይ ዝመጹ እንተኾይኖም፡ መደቀሲ፡ መአከቢ ኣዳራሽን ቤት መግብን ከድልዮም እንከሎ ካልኦት ርኹባት በጻሕቲ ድማ ንዕረፍቲ ንሰሙናት ወይ ንኣዋርሕ ክመጹ እንከለዉ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ልሙድ ኣገልግሎት፡ ስፖርታዊ ንጥፈታት፡ ምብጻሕ ታሪኻዊ ቦታታት፡ መጓዓዝያ፡ ዓጃቢ፡ ቤት ንባብ፡ ውሕስነት ጥዕናን ጸጥታን ክጠልቡ ይኽእሉ።

ኣብ ጽላት ቱሪዝም ግን፡ ልዕሊ ብጥረ ገንዘብ ዝወጽእን ዝሕፈስን እቶት ካልእ ኣብ ግምት ክኣቱ ዘለዎ ኣገዳሲ ጉዳይ ኣሎ። ብቁዕ ትካል ቱሪዝም ከተማዕብል እንከለኻ፡ ልዑል እቶት ንምርካብን በጻሕቲ ንምስሓብን ተባሂሉ ጸጋታት ሃገር ብዘይ ውጥን ምጉሕጓሕ፡ ከባብን ባህርያዊ ተፈጥሮን ምብካል፡ ባህልን መንነትን ህዝብኻ ምብላል ብዓቢኡ ድማ ልኡላውነትካ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ምእታው ኣዝዩ ሓደገኛ’ዩ። ንኣብነት ጽላት ቱሪዝም ንምስፍሕፋሕ ኢልካ፡ ንሓረስቶት ዝሕረስ መሬቶምን መጋሃጫታቶም መንጢልካ ጸሞም ተሕድሮም፡ ኣግራብ ኣብሪስካ ንፍግረ መሬት ትዕድም፡ ማያትካን ገማግም ባሕርኻን ትብክልን ኣብኡ ዘለዉ ፍጡራት ትቀትል እንተኾይንካን፡ ዕንወት እምበር ልምዓት ኣይኮንካን ተካይድ ዘለኻ። ብመሰረት ጸብጻብ ጉጅለ ሓለዋ ባህርያዊ ኣከባቢ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ነፍስ ወከፍ ዓመት ኣብ ማያት ካሪብያን ብዓበይቲ መራኽብ ናይ ዕረፍቲ ግዜኦም ካብ ዘሕልፉ በጻሕቲ ዝተጠቅምሉ፡ 700 ሽሕ ኩንታል ጉሓፍ ኣብ ማያት ከምዝድርበ የረድእ። እዚ ናብ ማያት ዝውርወር ኣሽሓት ኩንታል ጉሓፍ፡ ኣብ ከባብያዊ ተፈጥሮ ዘለዎ ዕንወት ንምግማት ኣየሸግርን። ኣብ ዓለም ብሰንኪ ዘይብቁዕ ምምሕዳር ቱሪዝም፡ ባህርያዊ ጸጋታተን ዘዕነዋን ዝጸንቀቃን፡ ባህላዊ ክብረን ዘማራስሓን ድኽነት ዝዓደማን ሃገራት ብዙሓት’የን። እቲ ሕቡእ ዋጋ ናይ ቱሪዝም ግን ኣብ ምብካል ኣከባብን ምኽላስ መንነት ሃገርን ዝሕጸር ኣይኮነን። መብዛሕትአን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት፡ ካብ ጽላት ቱሪዝም ኣታዊታት ንምርካብ ክነጥፋ እንከለዋ፡ ብምዕቡላት ሃገራት ዘጋጥመን ማሕንቆታት ብዙሕ’ዩ። ኣብ 2015 ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ኣከባብያዊ መደባት ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ፡ ኣብ ነፍስ ወከፍ 100 ዶላር ኣመሪካ በጻሕቲ ሃገር ካብ ዝሕሽሽዎ፡ 5 ዶላር ጥራሕ’ዩ ኣብ ኣእንጋዲት ሃገር ዝተርፍ። ምኽንያቱ ዝበዝሑ ካብ ምዕቡላት ሃገራት ናብ ድኻታት ሃገራት ንዕረፍቲ ይኹን ንስራሕ ዝኸዱ በጻሕቲ፡ ቀንዲ መዋፈሪ ኣብያተ ጽሕፈት መንገዲ ኣየር፡ ሆቴላትን ካልእ ቱሪዝም ንምስላጥ ዝነጥፋ ወሃብቲ ትካላትን፡ ኣብተን ምዕቡላት ሃገራት ስለዝኾነ ዓቢ ክፋል ምንጪ እቶት ኣእንጋዲት ሃገር ኣይትረኽቦን’ያ። ንኣብነት ኣብ ታይላንድ፡ 70 ሚእታዊት ቱሪስት ኣብታ ሃገር ካብ ዝወጽእዎ ገንዘብ ተመሊሱ ናብቲ ብወጻእተኛታት ዝውነን ትካላት መጓዓዝያ፡ ሆቴል፡ መግብን መስተን ዝኣመሰለ ኣገልግሎት’ዩ ዝኣቱ። ጽላት ቱሪዝም ንምምዕባል ቅድሚ ምሕሳብ፡ መኽሰብን ወጻኢታትን ወይ ኣሉታዊ ጸልዋታቱን ብደቂቕ ክተጽንዕ ኣለካ። ብዘይካ’ዚ፡ እቲ ካብ ቱሪዝም ዝርከብ እቶት ብኸመይ ኣብ ምምሕያሽ መነባብሮ ህዝቢ ተውዕሎን ተማሓድሮን፡ መንነትካን ጸጋታትካን ትዕቅብን፡ ዘለካ ብቅዓት ምምሕዳርን ቅኑዕ ፖሊሲታትን ዝእምት’ዩ። ብዘየማትእ ሓደ ሃገር ወይ ህዝቢ ካብ ብቁዕ ኣገልግሎት ቱሪዝም ገንዘብ ጥራይ ኣይኮነን ዝሓፍስ። ብቀንዱ ምንጪ እቶት፡ ዕድላት ስራሕ ምፍጣር፡ ባህልኻን ታሪኽካን ምስ ካልኦት ህዝብታት ምልላይ፡ ዝምድና ምርሓውን ተሞኩሮ ምልውዋጥን ዓቢ እጃም ኣለዎ።

ብመንጽር’ዚ ክብ ኢሉ ዝተጠቅሰ ረቋሒታት ቱሪዝም፡ ኤርትራ ንበጻሕቲ ዝስሕብን ምንጪ ቁጠባዊ እቶት ክኸውን ዝኽእልን ብዙሕ ባህርያውን ሰብ ዝሰርሖን ጸጋታት ኣለዋ። ወደብ ምጽዋዕን ገማግሙን፡ ደሴታት ዳህላክ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሃገርና ዝርከቡ ጥንታውያን ገዳማት፡ መሳጊድን ኣብያተ ክርስትያናትን፡ ታሪኻዊ ቦታታት ከም ቆሓይቶ፡ በለውከለው፡ ኣዱሊስ፡ መደበር መንገዲ ባቡር ኣስመራ፡ ምቹእን ዝተፈላለየን ኩነታት ኣየር፡ በብዓይነቱ ቅርጺ መሬት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ምጽዋዕን ኣስመራ ዝርከቡ ብውሕሉል ክእለት ዝተሰርሑ ህንጻታት ከም ኣብነት ክጥቀሱ ይኽእሉ። ብዘይካዚ፡ እቶም ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ደማዊ ውግኣት ዝተኻየደሎም ዕርድታትን መነብብሮ ተጋደልቲ ዝገልጹ ቅርስታትን’ውን ክብርበሩ ዝግብኦም መስሕብ በጻሕቲ ኽኮኑ ዝኽእሉ’ዮም። መንግስቲ ኤርትራ ዋላ’ኳ ጽላት ቱሪዝም ንምምዕባል ናይ 20 ዓመት ውጥን ይሓንጽጽ፡ ብሰንኪ ገባቲ ፖሊስታቱ፡ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ፡ ኩናት ምስ ጎረባብቲ ሃገራትን ድርቅን፡ እቲ ዝወጸ መደብ ግብራውነቱ ኣይተረጋገጸን። ውሱን ጸብጻባት ትካል ውድብ ቱሪዝም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝሕብሮ፡ ኣብ 2002 ዝነበረ ቁጽሪ በጻሕቲ ምስ 2003 ብምንጽጻር፡ ብ20 ሚእታዊት ከምዘንቆልቆለ የመልክት። ልዕሊ ኹሉ ግን፡ ዘይቅርዑይ ቁጠባዊ ፖሊሲታት ስርዓት ህግደፍ ከይተፈወሰ፡ መሰል ዜጋታቱ ዘኽብርን ዲሞክራስያዊ ስርዓት ከይተተኽለን፡ እቲ ንጽላት ቱሪዝም ዝምልከት ኣብ ወረቀት ዝሰፍርን ኣብ ኣኼባታት ብተደጋጋሚ ዝምደርን ትርጉም የብሉን። ቀዳምነታት ህግደፍ ድማ፡ ኣብያተ ማእሰርቲ ምህናጽ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንምጽንጻንን ንምብትታንን ኣብ ስለያዊ ትካላት ቢልዮናት ገንዘብ ምስላዕ፡ ብምስጢር ኣብ ደሴታት ዳህላክ ነጋውስ ስዑድ ዓረብያ፡ ኢጣላውያን፡ ዜጋታት ኢማራትን ካልኦት ርኹባትን ዝድነስሉ ተቆጻጻሪ ዘይብሉ መሳለጥያ ምህናጽ’ዩ። ይብዛሕ ይሓድ ካብ ቱሪዝም ዝርከብ እቶት ኣበይ ኣትዩ ስርዓት ህግደፍ ክሕተት ክሳብ ዘይተኻእለ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ምዕባለ ቱሪዝም ትርጉም የብሉን። ኣብዚ እዋንዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣገልግሎት ኢንተርነት፡ ተለፎን፡ መጓዓዝያ፡ ቡስጣ፡ ብሕጽረት መግቢ፡ ሕክምና፡ መንበሪ ኣባይቲ፡ ዝስተ ማይ፡ ኤለክትሪክ እናተሳቀየን ህዝባ ናብ ስደት እናምርሐን እንከሎ፡ “ኤርትራ ብዘለዋ ሰላምን ጆኦግራፍያዊ ኣቀማምጣን መስሕብ ቱሪዝም’ያ” ዝብል መሳጢ መግለጺ መን ክኣምኖ ይኽእል? ውሑዳት ወጻእተኛታን ኤርትራውያንን፡ በጻሕቲ ብዓጀብቲ ህግደፍ ተሰንዮም ኣብ ቀንዲ ጎደናታት ኣስመራን ወደብ ምጽዋዕን ተዛዊሮም ምስተመልሱ፡ “ኤርትራ ብዘለዋ ጽሬትን ርግኣትን ምስተን ፍሉጣት ከተማታት ኤውሮጳ ትወዳደር’ያ” ኢሎም መግለጺ እንተሃቡ ዘገርም ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኣብቲ ንመዋእሉ ኣብ ዋና ከተማ ኤርትራ እናተቐመጠ ኣገልግሎት ዓይኒ ምድሪ ተሓሪምዎ ዘሎ ክፋል ኣስመራ ኣይተዓዘቡን። ኣብቲ ብጸልማት ጉሓፍን ርስሓትን እናረገጽካ ትጓዓዞ ናይ ሓመድ ጎደናታት ኣይበጽሑን። ኣብ ኣስመራን ካልኦት ከተማታትን፡ ብስእነት መንበሪ ኣባይቲ ኣብ ሓንቲ ጸባብ ክፍሊ ተጸቃቂጣ ትነብር ስድራ ኣይተዓዘቡን። ኤርትራ ገነት’ያ ኢሉ መግለጺ ዝህብ ውልቀሰብ ሰብ ወይ ጉጅለ፡ እቲ ኣገልግሎት ሕክምና፡ ትምህርቲ፡ ዝስተ ማይን ዕዳጋን ንምርካብ ነዊሕ ሰዓታት ብእግሩ ዘጓሕ ዝብል ዝበዝሐ ክፋል ህዝብና ክዕዘብ ኣለዎ። ነዞም ሓሶታት ስርዓት ህግደፍ ዝደግሙ ሰባት፡ ኣስመራ ማለት ጎደናታት ሓርነትን ሰማእታትን ጥራሕ’ያ። ኣብ ኤርትራ ከምቲ ኣብ ሶርያ፡ የመን፡ ዒራቅ፡ ኣፍጋኒስታን፡ ሶማልያን ሊብያን ዘሎ ኩነታት፡ መዓልታዊ ድምጺ ጥይትን ቦምባን ስለዘይተሰምዐ፡ ደም ስለዘይፈሰሰን ህይወት ሰብ ስለዘይሓለፈን፡ ኤርትራ ገነት’ያ ክትብሃል ኣይትኽእልን’ያ። ንምንታይ’ሲ፡ ኤርትራ ብዘይ እዉጅን ብምስጢርን ብስርዓት ህግደፍ ዜጋታታ ዝጭወዩላ፡ ብዘይፍርዲ ዝሕየሩላ፡ ዝቅተሉላን ንኸይዛረቡ ኣፎም ዝተዓብሱላን ናይ መሬት ስኦል’ያ። ሰብ ጸጋ፡ መሰል ዜጋታታ ዘይተኽብር፡ ብቁዕ ኣገልግሎት ቱሪዝምን ንጹር ፖሊስታትን ዘይብላን ሃገር፡ ብምቹእ ኩነታት ኣየርን ካልእ ባህርያዊ ብልጫታትን ተመሲጦም ናብ ኤርትራ ክመጹ ኣይክእሉን’ዮም። ስለዚ ኤርትራ፡ ንዜጋታት ጓና’ያ ንስርዓት ህግደፍ ግን እታ ኣብ ምዕራብ ኤውሮጳ እትርከ ብሃብቶም ዝተኣማመኑ ሰባት ዝዘናግዑላ፡ ብቁማርን ካልእ መሳለጥያን ኣዝያ ዝተፈልጠትን ዝማዕበለትን ደሴት ሞንተ ካርሎ’ያ።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
12 COMMENTS
  • Daniel January 14, 2017

    The Eritrean identity was fake and superficial while the beautiful Monte Carlo is real and original/organic.

    • Daniel January 14, 2017

      Indeed, extremely fake and superficial especially when you have the illegal rootless immigrant Yemeni nomad savage evil moslems in it with their alien Arabic language and identity.
      Come hell or high water, the fundamental truth that sensible humans (not evil savage moslem Arab dogs) should understand is that “humans can only have peace, order and good governance when they obey the rule of law (and not the rule of savage evil-ghedle Sahel law ans worshiping the barbaric criminal shefatu/bandits of evil-ghedli) that the world has established to govern its smaller and greater actors. History is a bitch, ain’t it?

      • Akah January 14, 2017

        Daniel

        Who cares what you say ?
        But take care because Ethiopian Muslims are reading the comments you make here, and they are seeing how much Weyane is a sectarian clique.

        • Daniel January 14, 2017

          Akah aka Sol, andom – the Arab condom, Abdurobo the dead Saho rat/snake, Khaled, Mohammed, Abdu, Habtu, WediHagher – WediHalima, adhanom, Moges Beyene, Mehari Woldegabir, tesfay T, eyob tesfalem, Zafu, PARADISE HOTEL, in short, kondaf rootless nomad saHab gimel.
          Unlike you mushmush savage Arab dog, Ethiopian Muslims DO NOT burn their Ethiopian text books or languages in order to walk, talk and pretend like your savage evil barbarian moslem Arab slave masters.
          Just out of curiosity, do you get in touch with your Shire/Sheraro Muslim families who must be doing well in fast developing peaceful Ethiopia? I bet you live to regret for not staying behind in your Shire/Sheraro – Tigray, Ethiopia.!! But with your vicious cancer Islam, you only brought destruction, miseries, bloodshed, mayhem, wars and savage killings to poor Eritrea. Why did our forefathers took you out of pity when you were dumped into Eritrea or were they forced to by king Yohannes forces??

        • Daniel January 14, 2017

          Akah
          I thought you last said ‘let’s ignore him’ blah blah thing!!!!
          Seriously though my damaged beyond repairs Arab dog friend, I am really getting tired of trying to catch up to your nomad Yemeni shiTaratat of multiple pen-names and lets make a deal of sticking to only one nick!!!!
          So as from now on I would only be known as by my original and real name of Samsom with Agazi while you should also stick with your Khaled/Khalid!
          Do we have a deal WediHalima nebsi!!!!or Andom – the Arab condom!!!!

          • Tembien January 14, 2017

            Who care what a ‘Komal Agame’ is saying ??

  • k.tewolde January 14, 2017

    Beauty is in the eye of the beholder.Security guided tours,photo shopped pictures,staged settings…….it is like the incompetent house wife who only cleans and kicks out her unkempt children to the curb when guests are expected,that is the phony HGDEF. Oh yes,they know how to hide their filth,but for how long?Thanks Tsilal, Monte Carlo! How about the French Riviera of Africa? somebody really suffers from psych disorder of grandeur.

  • hidat January 15, 2017

    wowwwwww ABZA AMET NAB ERITRA ZIBEXEHUU TURIST B19% KIB ILU…………..YIBIL HAGERAWI DIHNET WAWWW …….WERE GENA……YEKENYELNA HAGERAWI DIHNET………KEXELEWO. !!!!!!!

  • PH January 15, 2017

    It is a real scenario to be un fade out in front of huge resources. Our human resources along is enough if allowed. The eritrean expatriates who love the country should be considered to fill full truism with out spending nothing but no way. Thus is our nightmare!!!

    • PH January 15, 2017

      In continuation, rule of law and constitution at hand, simply worth for all. If Isayas regime cares our wellbeing should have done it. Madness, corruption, evil agenda and ignorance is our enemy.

  • BH January 17, 2017

    Our subject is about HGIDEF brutality not about Weyane or about religion. Any comment should reflect and focus about the original topic and about our problem’s solution. We should comment constructive idea and respect other people’s dignity. Our responsibility and our priority should concentrate how to build/strength our unity, compromise our differences to defeat HIGIDEF and to secure our people peace and prosperity.

  • hidat January 17, 2017

    BH NETI HAGER NAXXXXXXXXXXXXXXXAAAAAAAAAAAAAAAAA AWXEUU HAGER ZIHANIX ZELO SIM ( SHIM)TIRAH ZIKEYERE ZEYTEREDAKA TEKOINU KAB EPLF NAB HIGDEF NABEY KITALYO ?????????? GEGIKAYOM IKA MESLENI ZEBET.

Post a Reply to k.tewolde Cancel Reply