ኤርትራ ንኤርትራውያን ! ንመን ድኣ….?
ኤርትራ ንኤርትራውያን ! ንመን ድኣ….? ሓቂ ኣብዘይ ግዚኡ ሓሶት ኢዩ፡፡ ነዚ ኣርእስቲ እዚ ወሲደ ንኽጽሕፍ ዘገደደኒ ነገር እንተሃልዩ ብዙሕ እዩ፡፡ ሎሚ ንኹሉ ሓደ ብሓደ ክዝርዝሮን ክኣትዎን ኣይደለኹን፡፡ እቲ ምንታይ ሓቂ ኣብ ዘይ ግዚኡ ሓሶት ኢዩ፡፡ ስለ
ኤርትራ ንኤርትራውያን ! ንመን ድኣ….?
ሓቂ ኣብዘይ ግዚኡ ሓሶት ኢዩ፡፡ ነዚ ኣርእስቲ እዚ ወሲደ ንኽጽሕፍ ዘገደደኒ ነገር እንተሃልዩ ብዙሕ እዩ፡፡ ሎሚ ንኹሉ ሓደ ብሓደ ክዝርዝሮን ክኣትዎን ኣይደለኹን፡፡ እቲ ምንታይ ሓቂ ኣብ ዘይ ግዚኡ ሓሶት ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ነቲ ናይ ሓምሳ ዓመታት ዝተመስረሐ ትያትሮታት ኢሳይያስን ደቂ ዕቁቡን ኣፍና መሊእና እዚዩ እቲ ሓቂ ክንብል፡ ዘመነ ምስማዕን ምጽሓፍን ምዝራብን ዘመነ ሓቂ ዝግለጸሉ ግዜ፡ ርሑቕ ኣይክኸውንን ኢዩ፡፡ ኢሳይያስን እቶም ፍረ ክርዳድ ኢሳያስን ዝኾኑ ሃሱሳቱን ግን ንህዝቢ ጥራይ ዘይኮኑ ዘጽንቱ ዘለዉ፡ ታሪኽና እውን ንሶም ብዝደልይዎ ሰናኒዖሞ ኢዮም፡፡ ነዊሕ ዓመታት ብዝተሰናነዐ ሓሶት ታሪኻት ኣእዛኑ ጸሚሙ የዒንቱ ንዝዓወረ ህዝቢ ሎሚ ኣብዘይ ግዚኡ እቲ ሓቂ እዚዩ እንተበልካዮ፡ ግር ክብሎን ኣይ ኣይፋልኩምን ክብልን ከም ዝኽእል ርግጸኛ እየ፡፡ ስለ ዝኾነ ነቲ ኩልና ንደልዮን ንብህጎን ዘመነ ሐቂ፡ ዘመነ ፍትሒ፡ ዘመነ ሓሳብካ ብዘይፍርሂ ትገልጸሉ ርሑቕ ዘይኮነ ግዜ ንሽዑ ክገድፎ፡፡ ዝተወሰነ ንእሽቶ ሓሳበይ ግን፡ ነቶም ኤርትራ ንኤርትራውያን ኣብ ዝብል ብደምናን ድምጽናን ዘረጋገጽናዮ ሓቂ፡ ጅሆ ተታሒዞም ኣብ ድንግርግር ኣትዮም ድንግርግር ዘብሉ ዘለዉ ገለ ክብሎም፡፡
ብሓቂ ዲና ነዛ ብኣእላፍ ኩቡር መስዋእቲ ብሉጻትን ብድምጺ መላእ ሕብረተሰብ ኤርትራን ናጽነታ ዘረጋገጸት ሉኡላዊት ሃገር፡ ገለ ኮትሮማንዲስታ ሰባት ከይሸጥዋን ንኢትዮጵያ ብፍላይ እውን፡ ነቲ ኣብ መልሓስ ብዙሓት ህግደፍ ዝወቀጦ ወያነ ኣሕሊፎም ከይህብዋን ንፈርሕን ንስከፍን ንጠራጠርን ዘለና…..? እዚ ኢሳይያስ ዝዘረኦ መርዚ ግን ከኣ ናይ ዓያሹ ትያትሮ፡ ንዓና ንኤርትራውያን ክሳብ ክደይ ኣዓሺዉናን ኣገሪሁናን ሎሚ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ በሪሁልና ክኸውን ተስፋ ይገብር፡፡ ኤርትራ ንኤርትራውያን ዝብል ግዚኡ ዝሓለፎ መሪሕ ጭረሖ ተሓንጊጦም፡ ቋንቋ እቲ ንጥፍኣትና ዝሰርሕ ዘሎ ዝደግሙ ግሩሃት ተቓለስቲ፡ ወይ እውን ኮነ ኢሎም ኣብ ሓሸውየ ክንነብር ዝደልዩ መሳርሒ እቲ ስርዓት ዝኾኑ ሃሱሳት፡ ንኤርትራዊ ሕብረተሰብ በቃ ከምታ ዘለዋ እናሰሓቐ ውሕጅ ጥፍኣት ህግደፍ ክወስዶ ይሰርሑን ይገብሩን ኣለዉ፡፡ ሎሚ ኣብቲ ዝኸፈአ መድረኽ ኢና ንርከብ ዘለና፡፡ ስለ ዝኾነ እቲ ኢሳይያስን ሃሱሳቱን ዝደረስዎ ትያትሮ ክንመራመረሉ ይግባእ፡፡ ኤርትራ ናይ ኤርትራውያን ኮይና ኢያ፡፡ ሕቶ ኤርትራ ንኤርትራውያን ብመስዋእትናን ድምጽናን ኣብ ቅድሚ ተዓዛብነት ሕቡራት ሃገራት መኸተምታ ጌርናሉ ኢና፡፡ ኤርትራ ናይ ዋናታታ ኤርትራውያን ኮይና ኢያ፡፡ ኣርባዕተ ነጥቢ፡፡
ሃዋርያዊ መልእኽቲ ጳጳሳት ኮተሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ ስለምንታይ ሓውኻ ኣበይ ኣሎ ዝብል ኣርእስቲ ሰይሞም ነቲ ኣዝዩ ረዚን ሓሳብ ናብ ህዝቢ ዘርጊሖሞ ደጋጊምና ንመርምሮ፡፡ እቲ ኤርትራ ንኤርትራውያን ክትከውን ግንባሩ ዝሃበ፡ ዝተሰወኣ፡ዝሰንከለ፡ ዝኸርተተ፡ ኣቡኡን ኣዲኡን ንስለ ኤርትራ ሞባእ ዝኸፈለ ወዲስዉእ፡ እቲ ወላድ መኻን ዝኾነ ስድራቤታት ኩሉ ኣበይ ኣሎ…..? እዚ ንብሎ ዘለና ሕጂ ካብታ ዝፈትዋ ዓዱ መሪርዎ፡ ጨኒቕዎ ብጅምላ ዝስደድ ዘሎ ህዝቢ ኢዮኮ ኤርትራ ንኤርትራውያን ክትከውን ኩሉ እንትንኡ ዝወፈየ፡፡ እዚ ኤርትራ ናይኤርትራውያን ክትከውን ዝተሰወአ ዝሰንከለ ዝተኻላበተ ህዝቢ ሎሚ ኤርትራ ናቱ ከይተኸውን ዝገበር ዘሎ ድኣ መንዩ..? እቲ ፍትሒ ተረጊጹ ሃገር ንወዲ ሃገር ብምባል ብትብዓት ዝቃለስ ዘሎʼዶ፡ ወይስ እቲ ንጥፍኣትና ድግድጊት ዝተዓጥቀ ህግደፍ….?
ኤርትራ ንኤርትራውያን! ንወድያመን ድኣ…..? ንሶማልያውያን፡ ንሱዳናውያን፡ ንኣሜሪካውያን ወይስ ከምቲ ህግደፍን ሃሱሳት ህግደፍን ዝብልዎ ንኢትዮጵያን ንወያነ….? እዚ ናይ ዓያሹ ትያትሮ ሎሚ ክንቕሓሉን ክንልብመሉን ይግባኣና፡፡ ኤርትራ ናይ ኤርትራውያን ሓንሳብን ንሓዋሩን ኮይና ኢያ፡፡ ኤርትራ ናይ ኤርትራውያን ክትከውን መላእ ሕብረተሰብ ኤርትራ ተቓሊሱ፡ ተሰዊኡ፡ ሰንኪሉን ንዓመታት ከርተት ኢሉን ኢዩ፡፡ ዓስቢ መስዋእቱን ምስንካሉን ከርተቱን ገድሉን ድማ፡ ኤርትራ ናይ ኤርትራያን ኮይና ኢያ፡፡ ሎሚ ነቲ ብደምናን ድምጽናን ዘረጋገጽናዮ ሓቂ ደጊምና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከነእትዎ ኣምበይ ምተገበኣን፡፡ ግዳ ገሌና ብዘይፍላጥ ስሚዒትን ውሕጅ ሓሶት ህግደፍን ገፊዑና፡ ገለ ድማ ሕልፈትና ከምታ ኢሳይያስን ሃሱሳቱን ዝተለምዋ ክርዳድ ምእንቲ ክንፈሪ፡ ብቓልስናን መስዋእትናን ድምጽናን ዘረጋገጽናዮ ሓቂ ኮር ተገምጠል ኮይኑ ንርእዮ ኣለና፡፡ ብሓቂ እቲ ምዃን ተሳኢኑ ዘሎ ግን፡ ኤርትራውያን ናይታ ዝተሰዋእናላ፡ ዝሰንከልናላ፡ ዝተሞቓሕናላ፡ ዝተጋደልናላን ዝኸርተትናላን ኤርትራ ክንከውን ኣይከኣልናን፡፡ ሕልፈት መዋእልና ትማልን ሎምን ሓደʼዩ ዘሎ፡፡ ትማሊ ተጓኒና ሎሚ እውን ብዝገደደ ተጓኒና፡፡
ኤርትራ ንኤርትራውያን! ኣብቲ ርሱን ፖለቲካዊ መድረኽ መፋርቕ ኣርበዓታት ብሓርበኛታት ተቓለስቲ ኣቦታትናን ኣበሓጎታትናን ኣብ ግዚኡን ሰዓቱን ዝመጸን ዝተላዕለን ሕቶ መንነትናን ክብረትናን ኢዩ፡፡ ኣብቲ ተሃዋስን ተኣፋፍን ግዜ ጉዳይ ኤርትራን ኤርትራውያንን ሓበጀረዋይ መልክዕ ሒዙ ስለ ዝነበረ፡፡ እዋን መርገጺኻን ኤርትራውነትካን ኣነጽር ዝበሃለሉ ግዜ ስለ ዝነበረ፡፡ ኤርትራ ብሓደ ወገን ናብ ኢትዮጵያ ትተሓወስ፡፡ በቲ ካልእ ወገን ኤርትራ ከም ስጋ ጉዚ ትጎዛዘ፡፡ ኤርትራ ከም ቆልዓ ሕድሪ ብሞግዚትነት ትጽናሕ…..ካልእ ካልእ ዝበሃለሉ ግዜ ስለ ዝነበረ፡፡ እቶም ኣብ ታሪኽና እንሕበነሎም ሓርበኛታት ኣቦታትና ኤርትራ ኣይትቑርመም ኣይሽርመም፡ ኣይትጉዘ ኣይትቆራረስን፡ ናይ ኤርትራውያን ኢያ ብምባል ጸኒዖም ተቓሊሶም፡፡ ሕማቕ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን ማሕበረሰብ ዓለም ድምጺ ህዝቢ ዓፊኑ ግጉይ ውሳነ ሂቡና፡፡ ከም ሳዕቤኑ ድማ ነቲ ኤርትራ ንኤርትራውያን ዝብል ሓቀኛ ቃልስና ብሰለማውን ሕጋውን መገዲ ስለ ዝሰኣናዮ ጠበንጃ ኣልዒልና፡፡ ንሳላሳ ዓመታት ገድልን መስገደልን ሓሊፍና፡፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት መስዋእቲ ከፊልና፡፡ ሰንኪልና ከርቲትና ተዎቒሕና ተሰዲድና እውን፡፡ ብቓልስናን መስዋእትናን ድማ ነቲ ኤርትራ ንኤርትራውያን ዝብል ሕቶና መሊስናዮ፡፡ ኤርትራ ናይ ኤርትራውያን ሓንሳብን ንሓዋሩን ኮይና፡፡ ነዚ ከቢድ መስዋእቲ ዝኸፈልናሉ ዝተመለሰ ሕቶና ሎሚ መንዩ ዝጠራጠረሉ….? ኣይንዓሹ ኣይንገራህ ኣሕዋት ኢሳይያስ ዝደረሶ ገና ውስጠዘ ሚስጢራቱ ዘይተቐልዐ ውሕጅ እናሰሓቕና ኣሰርና ከየጥፍኣና፡፡
እስከ ሓንቲ ሕቶ ኣልዒለ እዚ ቀዳማይ ክፋል ጽሑፈይ ናብቲ ካልኣይ ክፋል ከሰጋግሮ፡፡ እዛ ብቓልሲ ህዝብን ብመስዋእቲ ብሉጻትን ብድምጺ መላእ ሕብረተሰብ ኤርትራን ነጻን ሉኡላዊትን ዝኾነት ሃገር፡ ክሸጣን ብፍሉይ እውን ንኢትዮጵያ ኣሕሊፉ ክህባን ከረክባን ዝቃለስ ተቓላሳይ ኣሎ ኢልና ንሓስብ ዶ….? ኣብ ደምበ ተቓውሞ ብጭቡጥ ከምዚኦም ዓይነት ተቓለስቲ ኣለዉ….? ሃገር ክበሃል ከሎ መሬት ባሕሪ ዘይኮነ ህዝቢ ኢዩ፡፡ ነዚ ገድልን መስገደልን ዝተሳገረ ንመሰልን ሪምን መስዋእቲ ዝኸፈለ፡ ህዝቢ ከምኣቕሓ መሸጣ ክትሸጦን ክትልውጦን ከ ይከኣልʼዶ ይኸውን…..? መልሲ ንነበብቲ፡፡
ካልአይ ክፋል ይቕጽል
ሚካኤል እምባየ (ኣራንቺ)
Tele 251-921924501
Kidan, Sudan July 26, 2014
well written, thanks
Tesfu Kbrom July 26, 2014
ምናልባሽ በዓል ዳኒኤልውን ይምሃሩላ ይኾኑ። ብራቮ ማይክ ኣይትጥፋኣና እስኪ።
D.mantai July 26, 2014
ክቡር ሃው ምክኤል እምባየ። ጽሕፍትኻ ብጽሞና ኣንብበያ። እሞ ኣብቲ ሳልሳይ ምዕራፍ (ፓራግራፍ) እንታይ ዝብልጽሕፍካ፡- ”እቲ ፍትሒ ተረጊጹ ሃገር ንወዲ ሃገር ብምባል ብትብዓት ዝቃለስ ዘሎዶ……..” ሃገር ማለት ኤርትራ ኢያ። ኤርትራ ከኣ ሃገር ኢያ። ስለዚ እቲ ጽሑፍካ ብቐጥታ ክትርጎም ከሎ– ሃገር ንወዲ ሃገር = ኤርትራ ንወዲ ኤርትራ። ኤርትራ ንኤርትራውያን እንተተባህለስ እንታይ ፍልልይ ኣሎዎ፡?
michealembaye@yahoo.com July 27, 2014
dzsefeha ab mail entezshfelka kndey des mbeleni .
degagime tsihifeyo aleku. eritra nay eritrawyan koyna eya . beka arbaete netbi.
mkan tesainu zelo nhna eritrawyan nay eritra knkewn aykealnann. tmali bsrat hayleslasen dergn .
lomi dma bsrat isayas ertra mdre bahra ember hzba ayedlyenanan eyu zbehal zelo.
eti srah ezom seleste sratat hbrom ember tegbaratom hadeyu zelo.
nhna nayta ztesewaenala eritrea nkun.
deranto July 26, 2014
tsbuk hasabin tsihufin agoka bertie Michael kemaka ybziholna amen, Egziabher ybarika hayli yhabka AMIEN.
mahta July 26, 2014
Ane bmeseret ezi betsihnayo zelena hzbi eritra kufue hiwet eti kendi mkniat bzmesleni issayas filmi nay msrah abi temekuro alewo ab lieli hzbi eritra kebid tslee alewo . Why. Mkniatu abti mejemerta 3 milon hzbn 3milon serawitn tebahilu ab zneberelu ewan kulu hzbi eritra kutur harnet eritra kab megzaeti hogosna reeu .abti mengstawi srat nmtkal abznebere agebab eu zeyfetewo .mskrn nay ezi kea etom G15 eyom . Nsom hgawi hto rebha hzbi amehadadra tekmi nhafash sle zbelu . Emo hzbi kea nti hgi zbhal ab wshtn ab degen zelo hzbi hager bhgi ember bseb kemzey nekahna sle zfelete neze filmi weyanen amerika zbla tyatr mhizu . Miskin hzbi eritra kea nezen resanat aedawu bsmit ena atakee ashadinwo.ezien do baelen bbaelen kbla bmbal ntom msue tegadelu bzey frdi ahkikwom. Slezi ety melsi fulut eu kineeen hsdnan tray eu ybl.
saba July 26, 2014
Very good article! I think by now most people understand that isayas is not an effective leader and most likely he will be gone soon. My question to the so called eritrean people is, do you hate isayas because he is tigraway? If so, how far do you thing you will go in this world by hating tegaru? As we all know tegaru today are in process controlling Africa.
Eritreawit July 27, 2014
saba—
What are you doing? day dreaming? controlling Africa LOL please. Just stop being puppet of the west and all East Africa will be in peace. And tomorrow, oromo or some anasa beher will come , you are just a puppet. just enjoy the temporary good times.
yonas August 3, 2014
Saba
KKKK What is so funny and dream to hear “tegaru today are in process controlling Africa” it is a matter of time when tegaru is controlled by Oromo and Amhara, but I can’t stop you from your dream. Be realistic otherwise in the coming few years you will be disappointed.
robelebereketab@gmail.com July 26, 2014
እስከ ሓንቲ ሕቶ ኣልዒለ እዚ ቀዳማይ ክፋል ጽሑፈይ ናብቲ ካልኣይ ክፋል ከሰጋግሮ፡፡ እዛ ብቓልሲ ህዝብን ብመስዋእቲ ብሉጻትን ብድምጺ መላእ ሕብረተሰብ ኤርትራን ነጻን ሉኡላዊትን ዝኾነት ሃገር፡ ክሸጣን ብፍሉይ እውን ንኢትዮጵያ ኣሕሊፉ ክህባን ከረክባን ዝቃለስ ተቓላሳይ ኣሎ ኢልና ንሓስብ ዶ….? ኣብ ደምበ ተቓውሞ ብጭቡጥ ከምዚኦም ዓይነት ተቓለስቲ ኣለዉ….? ሃገር ክበሃል ከሎ መሬት ባሕሪ ዘይኮነ ህዝቢ ኢዩ፡፡ ነዚ ገድልን መስገደልን ዝተሳገረ ንመሰልን ሪምን መስዋእቲ ዝኸፈለ፡ ህዝቢ ከምኣቕሓ መሸጣ ክትሸጦን ክትልውጦን ከ ይከኣልʼዶ ይኸውን…..? መልሲ ንነበብቲ፡፡
ካልአይ ክፋል ይቕጽል
ሚካኤል እምባየ (ኣራንቺ)
MERHABA HAKI MERHABA KORIDAYE.
KEMZIA GERU DEFIRU ZTSHF WFUY
WEDI HZBI MENYU,
ANTUM SEB HUSHUKSHUK ARANSHI EZIU (SEBAY SEBUT)
ROBEL BEREKETAB
robelebereketab@gmail.com July 26, 2014
ብሓቂ ዲና ነዛ ብኣእላፍ ኩቡር መስዋእቲ ብሉጻትን ብድምጺ መላእ ሕብረተሰብ ኤርትራን ናጽነታ ዘረጋገጸት ሉኡላዊት ሃገር፡ ገለ ኮትሮማንዲስታ ሰባት ከይሸጥዋን ንኢትዮጵያ ብፍላይ እውን፡ ነቲ ኣብ መልሓስ ብዙሓት ህግደፍ ዝወቀጦ ወያነ ኣሕሊፎም ከይህብዋን ንፈርሕን ንስከፍን ንጠራጠርን ዘለና…..?
eTOM EZI KALSI KEYEWET GELE DOLAR TEKEFILOM
GELE DMA ETA GNAY MEGEDI TFATNA ISAYAS ZTELEMA
TLMI KRDADD ZERIOM CHEW KEFRUYUNA ZDELYU ZKEDWA
NAY TENKOL MEGEDI EYA
BRAVO BRAVO AYTTFANA ARANSHI
ROBEL BEREKETAB
robelebereketab@gmail.com July 26, 2014
ንኤርትራውያን ወገናት ዝብሎ ኣለኒ። ኤርትራዊ ጸሓፊ ከምኡ እውን ተመራማሪ ታሪኽ ኣቶ ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፥ “ኤርትራውያን ምስ ኢትዮጵያ ክቚረኑ ዝኸኣሉ ብሰንኪ ድኹም ናይ ምምጓት ክእለቶም እዩ” ኢሉ ነይሩ። ብዛዕባ ጒዳይ ኤርትራ ክምጉቱ ናብ ኒው-ዮርክ ዝኣክል ይኸዱ እሞ፡ ኣብኡ፡ ብዛዕባ እቲ ዘምጽኦም ጒዳይ ገዲፎም ብዛዕባ ናይ ገዛእ-ርእሶም ፍልልያት ክማጐቱ ጸሓይ እናዓረበቶም። ከምዚ ሕጂ፡ ልዕሊ ንመሰል ኤርትራ ንመሰል ውድባቶም ክማጐቱ ዝውዕልዎ ማለት እዩ።
DESALE bereketab wedi keshi bereketab
kab ztsehafo thuf kab face book zwesedkuwa eya.
nay desal;e neger ab geliu ygermeni eyu . eza tshfti micheal aranshi ketenbba eye zsedelka zeleku.
nay eritrean neger kemey kemey mkanu.
robel bereketab
Oromay July 26, 2014
ካብ ጀነራል ተላ ዑቕቢት ጀሚርኩም 60 ዓመት ተገሪህና ተዓሽና ክትብሉ ሓደ ክ/ዘመን ኮይኑ መዓዝ ደኣልኹም ክትልብሙ? ይገርመና’ሎ።ኣብ ሰብዓታት ዝተፈጥረ ሕማም መንሽሮ ዉሽጣዉሽጢ መድሓኒት ከይትደልዩሉ ምኽኒት እናፈጠርኩም ካብ ህዝቢ ሓበእኩም ትጋሕሞ እናበልኩም ብዓቢ ክብርን ራእድን እናሰራሰርኩም ዘምጽእኩምዎ ቫይረስ ሕብሩ እናቐያየረ እነሆ ነዚ ሓርበኛ ህዝቢ የጽንቶ ኣሎ። እዚ እማምዚ ዝያዳ ክላባዕ ብስዉርን ብጋህድን ኣንጻር ፍትሓዊ ቃልሲ ይካየድ ኣሎ። ኣብ ውሻጠ መንእሰያት EYSNS ዝበቖለ EYSC ብህግደፍ remote control ዝዝወር Bologna summit, Bologna Forum, For Eritrean problem, Eritrean solution, reform, peaceful solution.
ኣብ ካልኣት ተቓወምቲ ዉድባት ውሽጢ ዓስበ ከናፍር ዝቕበሉ ልኡኻት ሳጥናኤ ተመሳሳሊ ውድብ መስሪትካ ምቓውሞ ምጥፋእ።
ብመርበብ ምስከረምን ራድዮ ኢሳትን ግንቦት 7 ጠፋእኩ ስላስ ኣዉያት ምግባር ኢትዮጵያ ክትጥህረኒ ደሊያ ሎሞስ ኣይትመሕረንን እያ ድቓይ ኣብዩኒ እናባህረርኩ እየ ዝሓድር ዘለኹ። ንዓ ማንጁስ ውጻአ ፊልጶስ ነዞም 450 ኣውጸኣዮም ጥራይ ሎሚ ብሕይወት የውጽኡና።ማንኪ Eri Blood ዝበሃሉ ዓንተራት ኣብ ኩሉ ቦታ መልምል ኢኻ። ኣብዚ ድማ እሙናት ናይ ዊና ካድረታት መልሚልና ኣለና። ኣኸባና ቅድሚ ምዕጻውና ክቡር መራሒና ኣነ ተስገኣኒ ሓንቲ ነገር ኣላ። እንታይ እያ ተዛረብ ዓፋፍ! እዚ ስርዓት ወያነ ጎብለል ዞባና ይኸውን ኣሎ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ዘይተጸባናዮ ንብጻይ ኣንዳርጋቸው ጽገ ቐይሕ ባሕሪ ተሳጊሮም ጨውዮምዎ። እሂሞ እንታይ ክትብል ደሊኻ እኻ። እዋእ!ኣብ ባድመ ስለዘለዉስ ለይቲ ስግር እሎም ከይጨውዩኻ ክትጥንቀቕ ኢለ እየ። ቦጅባጅ ትም በል ኣነ መን ምኻነይ ኣይትፈልጥን ዲኻ? ዓዋን!