Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራ ንኤርትራውያን! ንመን ድኣ..? – ካልኣይ ክፋል

                                          ካልኣይ ክፋል                   ኤርትራ ንኤርትራውያን! ንመን ድኣ..?     ካብቲ ዝመጻኒ ብዙሕ ርእይቶታት ገለ ምስቲ ኣነ ዝጽሕፎ ዘለኹ ሓሳብ ዘይሳነ ሕቖን ከብድን ኮይኑ እየ ረኺበዮ፡፡ ስለ ዝኾነ ነቶም ጽሑፈይ ምስ ሰሚት ቦለኛ ብምትእስሳር ናብ ካልእ ጫሌዳ መገዲ

 

                                        ካልኣይ ክፋል

                  ኤርትራ ንኤርትራውያን! ንመን ድኣ..?

    ካብቲ ዝመጻኒ ብዙሕ ርእይቶታት ገለ ምስቲ ኣነ ዝጽሕፎ ዘለኹ ሓሳብ ዘይሳነ ሕቖን ከብድን ኮይኑ እየ ረኺበዮ፡፡ ስለ ዝኾነ ነቶም ጽሑፈይ ምስ ሰሚት ቦለኛ ብምትእስሳር ናብ ካልእ ጫሌዳ መገዲ ከተትሕዝዎ ዝፈተንኩም፡ ኣይፋልኩምን እዚ ጽሑፍ ምስ ሰሚት ቦለኛ ዝኾነ ዘራኽብ የብሉን፡፡ ንሰሚት ቦለኛ ዝነቅፍን ነቲ ኣብ ቦለኛ ዝግበር ምትእኽኻብ ዝኹንን ኣይኮነን፡፡ መሪሕ ጭርሖ ሰሚት ቦለኛ ኤርትራ ንኤርትራውያን ዘይኮነ Eritrean solution for Eritrean problems ኢዩ ዝብል፡፡ ስለ ዝኾነ ጽሑፈይ ንንጽል ነገራት ዝዓለመ ዘይኮነ ኣዝዩ ዓቢ ጥቕላል ኢዩ፡፡ ክጽሕፎ ዝደረኸኒ እውን ውህሉል ትዕዝብተይን ብኣካል ዘጋጥሙኒ ነገራትን ደኣ እምበር፡ ሰሚት ቦለኛ ኣይኮነን፡፡ ንኣንፈይ ግን ዝተወሰነ ርእይቶ ኣነ ውን ወስ ከብል፡፡ ንገብሮ ዘለና ቃልሲ ጻጸ ምስ ሓርማዝ ዝዓይነቱ ምዃኑ ክንዝንግዕ የብልናን፡፡ ቃልስና ምስቲ ንኣስታት ሓምሳ ዓመታት ሳሪሃ ማሪሃ ዝጠጀአ ኣዝዩ ግናን ሓደገኛን ቀታሊ ሰርዓት ምዃኑ ምፍላጥን ምእማንን የድሊ፡፡ ስለ ዝኾነ ኣዝዩ ዓቢ ደገፍ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ብፍላይ እውን ጎረባብቲ ሃገራት የድልየና፡፡ እዚ ቀታሊ ስርዓት ብጠበንጃ እምበር ብጸሎትን ምህለላን ኣይእለይን ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ኩሉ እንትናዊ ደገፍ ብፍላይ ጎረባብቲ ሃገራት የድልየና፡፡ ዝግበር ሽርክና፡ ዝግበር ትዕበ ትንኣስ ደገፍን ሓገዝን ግን፡ ናይ ለማናይን ተኻብን ናይ ለኣኽን ተላኣኻይን ዘይኮነ፡ ኣብ ቅኑዕ መሰረት ዝተሰረተ፡ ንብረብሓ ኩለን ጎረባብቲ ህዝብታት ናብ ስኒትን ፍቕርን ዘምጽእ፡ ሓባራዊ ዕቤትን ሰላምን ዘረጋግጽ ራእይን ዝሓዘ፡ ግሉጽነት ዘለዎ ሽርክናን ምትሕግጋዝን ክኸውን ኣለዎ፡፡ ምስ ኣኽብሮት፡፡ ናብቲ ዘበገስኩዎ ካልኣይ ክፋል ጽሑፈይ ኤርትራ ንኤርትራውያን ንወድያመን ድኣ ንቐጽል፡፡

ኣነስ እንታይ ምበልኩ ናብ ጎድኒ ምትኳስ ኣይምኣኸለናንʼዶ…? ንሕድሕድና ምትኹዃብ ኣይምኣኸለናንʼዶ….? ናብ ቅድሚት ናብቲ ልቸንስኡ ዘውጸአ ህግደፍ ገጽና እንተንትኩስʼዶ ኣይምሓሸን…..? ሃብቶም ተኽለ ዝተባህለ ካብ ነበብቲ ጽሑፈይ ዝሰደደለይ ርእይቶ ኢያ፡፡ ካብቲ ዝመጻኒ ብዙሕ ርእይቶታት ከምዚአ ገይራ ኣብ ልበይ ዝኣተወት ሓሳብ የላን፡፡ ብሓቂ ብዘይ ቀልዓለም እዚ ሃብቶም ዝብሎ ዘሎ ኢዩ ክኸውን ዝግበኦ፡፡ ሓደ ዕላማን ንሓደ ጸላእን ኣብ መሳርዕ ቃልሲ ኣቲና ንሕድሕድና ክንበላላዕ ኣይግባእን፡፡ እዚ ጽሑፍ ንደምበ ተቓውሞ ክነቅፍ ወይ እውን ጉድለታቶም ከቃልዕ ዘይኮነኩ ኢሳይያስን ሃሱሳቱን ውን ኣብ ደምበ ተቓውሞ ካባ ተቓወምቲ ወድዮም ሰሊኾምና ምህላዎም ንምግንዛብ ኢየ፡፡ ከምቲ ሃብቶም ዝበሎ ናይ ምቕታልን ምእሳርን ሃገር ምብዳምን ኤርትራውያን ከጽንትን ነበረያ ነበረ ክገብርን ብኣዋጅ ልቸንሳ ዘውጸአን ብዘውጸኦ ወግዓዊ ናይ ምቕታልን ምጽናትን ተግባራቱ ብጸሓይ ቀትሩ እናኣተግበረ፡ ስለምንታይ ንዕዑ ጎሲና ንሕድሕድና ኣብ ምውንጃል ንኣቱ ዘለና፡፡ ስለምንታይ ንተቓለስትን ምንቅስቓስ ቃልስን ምቕታልን ምቕንጻልን ምብትታንን….?

ንእመን ኣይንእመን ብዘየገድስ ነቲ ሓቀኛ ቃልሲ ዝዕንቅፉ ሃሱሳት ተቃወምቲ ዝመስሉ በታተንቲ ሶሊኾምና ኣለዉ፡፡ ብዙሕ ነገራት ይፍተን ጽቡቕ ኣንፈትን መንገድን ይሕዝ፡ ከይጸነሐ ኣይሰሙን ኣይሳልስቲ፡ ቀምሽ ኣደይ ሓንኲሉኒ ኣካይዳታት ይስዕብ፡፡ ኣብ ብዙሕ ኣኼባታት ናይ ዘተ መኣድታት ኣትየን ተሳቲፈን፡፡ ንህግደፍ ከመይ ገይርና ንስዕሮን ነጥፍኦን ተባሂሉ ክዝረብ ዳርጋ ኣይሰማዕኩን፡፡ ብዓቢኡ እቲ ኣስታት 600 ኤርትራውያን ዝተሳተፍዎ ጉባኤ ኣዋሳ ወሲኽካ፡ ዝበዝሑ ዝተሳተፍኩዎም ኣኼባታት ንስርዓት ህግደፍ ከምዚ ቀስ ኢልካ ዝስራሕ ዕዮ ገዛ ኣወንዚፎም፡ ኣብ ካልእ ናይ ሓሸውየ ዛዕባታት ሸንኮለል ክብሉ እየ ተዓዚበ፡፡ ስለምንታይ….? እቲ ሕቶ ናይ ኩልና እቲ መልሲ ውን ናይ ኩልና ኢዩ፡፡ ስለምንታይ ናይ ቀዳምነት ቀዳሚ ዕዮና ዘይንሰርሕ….? እቲ ዘየፈላሊ ፍልልያትና ከምዘለዎ ኮይኑ፡ ስለምንታይ ናይ ሓቢርካ ምስራሕ ፕሮግራም ዘይንሕንጽጽ…? ሕጂ እውን ንፍቶ ንጽላእ ነቲ ተላዒሉ ዘሎ ህዝባዊ ሕቶ ንምዕንቃፍ ቋንቋ እቲ ንጥፍኣትና ልቸንሳ ዘውጸአ ህግደፍ ዜማ ቀይሮም ዝደርፉ ሃሱሳት እቲ ስርዓት ኣብ መንጎና ተሰግሲጎም ኣለዉ፡፡ እታ ብቐዳምነት ዘምጽእዋ ቅድመ ኩነት ድማ፡ ኢትዮጵያ፡ ወያነ፡ ኤርትራ ንኤርትራውያን ዝብል ኣሻማውን ኣብ ምጥርጣር ዘእቱ ሓሳባትን ኢዩ፡፡

ሎሚ እዚ ኢሳይያስ ዝደረሶ ትያትሮታት ክቀላላዕ ክኽእል ኣለዎ፡፡ ጠበናጁና ናብ ኢሳይያስን ሃሱሳቱን ክቐንዕ እንተድኣ ኮይኑ ንሓቂ ብትብዓት ክንስየፈላ ኣለና፡፡ ልዕሊ ዝኾነ ድማ እዚ ደም አሽሓት ንጹሃት ኤርትራውያን ዘፍሰሰ ኣራዊታዊ ስርዓት ብሓይሊ ብጠበንጃ እምበር፡ ብሰለማዊ መንገዲ ክእለ ከምዘይክእል ምእማን የድሊ፡፡ ሓይሊ ጠበንጃ ክብል እንከለኹ፡ ኣብ መንጎ ኣሐዋት ኤርትራውያን ኲናት ሕድሕድ ይገበር ማለት ኣይኮነን፡፡ በሰላ ኲናት ሕድሕድ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ክሳብ ከንደይ ከቢድ ምዃኑ ከም ኩሉ ኤርትራዊ ይፈልጦን የሕምመንን ኢዩ፡፡ ከምኡ ዓይነት ትራጀዲ ኣብ ህይወተይ ዳግማይ ክርኢ ኣይደልን፡፡ ሓደ ክንፈልጦን ከነረጋግጾን ዘለና ሓቂ ግን፡ እቲ ብስርዓት ህግደፍ ጅሆ ተታሒዙ ዘሎ ሰራዊትን ህዝብን ብመንጽሩ፡ እቲ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ጠበንጃ ኣልዒሉ ዘሎ ተቓላሳይን ድሌቶም ሓደ ኢዩ፡፡ ክልቲኦም ሓርነት ህዝቢ ኤርትራ ክረጋገጽ ዝደልዩን ዝብህጉን ኣካላት ኢዮም፡፡ እቶም ንሓርነት መላእ ህዝቢ ኤርትራ ረጊጾም ደም ዘፍስሱ ዘለዉ ገበነኛታት ግን፡ እንትርፎ ብሓይሊ ብረት ስልጣን ናብ ህዝቢ ከረክቡ ከምዘይክእሉ  ምግንዛብ የድሊ፡፡ ዓሚ ታንኪ ኣምሪሑ ፎርቶ ዝደየበ ጅግና ስዉእ ወዲ ዓሊ ህዝባዊ ሕቶ ድኣ ሓቲቱ እምበር፡ ኲናት ሕድሕድ ኣይኣወጀን፡፡ ኣፈሙዝ ታንኩ ናብ ህዝቢ ኣየቕነዐን፡፡ ካብዚ ዝዓቢ ምስክርነት የለን፡፡ እቶም ንጠበንጃ ከም መመሳመሲ ኲናት ሕድሕድ ስክፍታታት ዝፈጥሩ ካብ ፍጻመ 21 ጥሪ ይመሃሩ፡፡

ከምዚ ዝኣመሰለ ንምጾታት ስርዓት ህግደፍ ዘቀላጥፍ ዛዕባ እንክለዓል ደም ብዝሒ ዝለዓለም ኣካላት ድማ ኢዮም፡ ሓለይቲ ህዝብን ተቓለስትን ተመሲሎም ፍልጠቶምን ተመክሮኦምን ሓዊሶም፡ ንስለ መሰል፡ ንስለ ሓርነትን ፍትሕን ዝተበገሰ ህዝባዊ ቃልስና ካብ ሓደ ገጽ ናብቲ ካልእ ገጽ ከም ዝዛዝው ዝገብርዎ ዘለዉ፡፡ ጎነጽ ዝበሃል ቃል ክለዓል የብሉን፡፡ እዚ ህዝቢ ንሕድሕዱ ደም ክፋሰስን ክፋለስን የብሉን፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣቲኻ ዝግበር ቃልሲ ቅቡል ኣይኮነን ክድዓትዩ፡፡ ኢትዮጵያ ናይ ሓዋሩ ጸላኢትና ኢያ፡፡ ወያነ ትማሊ ኣሕዋትና ዝቐተለን ህዝቢ ዘባረረን ኢዩ፡፡ ወያነ ኣይእመንንዩ፡፡ ወያነ ምስ ተቓወምቲ ተሰማሚዑ ንወደብ ዓሰብ ገሚዑ ክወስድን ናብ ኢትዮጵያ ክሕውሳን ኢዩ ዝሰርሕ ዘሎ፡፡ ኣብ ጉዳይና ኢዶም ኣይኮነን እግሮም የእትዮምሉ፡፡ ኤርትራ ናይ ኤርትራውያን ኢያ፡፡ ኣንቱም ሰባት ኣየናይ ጠበንጃ ዘልዓለ ምንቅስቓስ ኢዩ ኲናት ሕድሕድ ዝኣወጀ…? ኣየናይ ጻድቕ ኢዩ ኣብ ኢትዮጵያ ኣቲኻ ቃልሲ ምክያድን ጠበንጃ  ምልዓልን ውጉዝ ከም ከመ ኣርዮስ ኢሉ ዝወገዘ….? መን ኣየናይ ውድብ ኢዩ ኤርትራ ናይ ኤርትራውያን ኣይኮነትን ወይ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ክትሕወስ ኣለዋ ዝበለ…? እዚ ተኣፋፊ ዛዕባ ኣብ ሳልሳይ ክፋል ናይዚ ጽሑፍ ብዕሙቀት ክኣትዎ ክፍትን እየ፡፡ ንሕጂ ግን ናብታ ኤርትራ ንኤርትራውያን ትብል ገለ ሃሱሳት ድንግርግር ከእትዉልና ክበታትኑና ዘምጽእዋ ሓሳብ ክምለስ፡፡

ብቓልስና፡ ብመስዋእትና፡ ብድምጽና ዝመለስናዮን ዘረጋገጽናዮን ሓቂ፡ ስለምንታይ ኮር ተገልበጥ ኮይኑ ኣብ ምጥርጣርን ኣብ ዋጋ ዕዳጋን ንኽኣትው ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ፍላጥ ዝስራሕ ዘሎ….? ኤርትራ ናይ ኤርትራውያን ምዃና ዘይኣምንን ዝጠራጠርን መንዩ…? እዛ ብርኩታ እምኒ ኣላታ ዘብልዩ ነገራቱ፡፡ ኢሳይያስ ነቲ ገና ካብ ምብጋሱ ክርዳድ ንኽንፈሪ ዝተለሞ ትልሚ ኣብ መፈጸምትኡ ከብጽሕ ናይ ሓይለ ኣቡኡ ይሰርሕ ኣሎ፡፡ ኢሳይያስ ነቲ ቃልሲ ንፍትሕን ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ዘለዓዓለ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሓቢሩን ሰሚሩን ብማዕበል ከይትንስእን ክርዳድ ትልምታት ኢሳይያስ ብርዒን ከይገብሮን ብኹሉ መዳያት ክዕንቕፎ ይሰርሕ ኣሎ፡፡ ኢሳይያስን ሃሱሳቱን ንደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ብዓይኒ መርፍእ ከም ዝከታተልዎን ንምዕንቃፉ፡ ንምብታኑ፡ ኣብ ሕድሕዱ ምትእምማን ክስእንን ክበላላዕን ኣዝዩ ገዚፍ ገንዘባዊ ባጀትን ሰብኣዊ ዓቕምን ኣዋፊሩ ይሰርሕ ምህላዉ፡ ናይ ኣደባባይ ሚስጢር ኢዩ፡፡ ሓደ ካብኡ ኣብ ሕድሕድና ምፍልላይን ምጥርጣርን ከምዝኣቱ ምግባር ኢዩ፡፡

ኢሳይያስ ነቲ ከም ዘይገደሰሉን ዘይስከፈሉን ኮይኑ ክረኣይ ዝደሊ ደምበ ተቓውሞ፡ ምብትታን ጥራይ ዘይኮነ ከም ሑጻ ባሕሪ  ክበዝሕን ከም ነደቕቲ መንደቕ ባቤል ንሕድሕዱ ብዘየረዳድእ ቋንቋ ክተሃናኾትን ይሰርሕን ይገብርን ኣሎ፡፡ ነዚ ፈሊጥናን ኣለሊናን ነቶም ክርዳድ ክንፈሪ ዝሰርሑ ዘለዉ ሃሱሳት ኣይፋልኩምን፡ ትያትሮታት ኢሳይያስ ተገጢሙ ኢዩ እንተዘይ ኢልናዮም፡ እናሰሓቕና ውሕጅ ህግደፍ ንዕርብርብና ከዕርበና ኢዩ፡፡ ኤርትራ ናይ ኤርትራውያን ኮይና ኢያ፡፡ ሕቶና ብቓልስናን መስዋእትናን ነጻ ድምጽናን ተመሊሱ ኢዩ፡፡ ጉዳይ ኤርትራ ንኤርትራያን መዓልቦ ተገይሩሉ ዝተዓጽወ መዝገብ ኢዩ፡፡ እቲ ኤርትራ ናይ ኤርትራውያን ምዃና፡ ኤርትራ ነጻን ሉላዊትን ሃገር ምዃና ብቐዳምነት ወግዓዊ ኣፍልጦ ዝሃበ ድማ፡ እቲ ብሃሱሳት ህግደፍ ኣይእመንዩ ዝበሃል ዘሎ፡ ወያነ ኢሂወደግ ምዃኑ ታሪኽ ሰኒድዎ ዘሎ ሓቂ ኢዩ፡፡ ንድሕሪት ተመሊስና ነቲ ዓይኑ ዘፍጠጠ ሓቂ ምምርማር ከድልየና ኢዩ፡፡

ኣብ መጠረሽታ እንተዘይ ትንውንወኒ መን መጽደፈኒ ዝብል ምስላ ኣበዋት ኣለና፡፡ ኢሳይያስ ብዘይ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ፡  ብኢደ ወነኑ ታንክታትን መዳፍዓትን ኣምሪሑ ንዝጀመሮ ኲናት ሸፊና፡ ንህዝቢ ከምቲ ዝሓለፈ ወያነ ክወሩኻ እዮም፡፡ ኣይእመኑን ኢዮም፡፡ እናበልና ኣብ ድንግርግር ከም ዝኣቱ ክንገብሮ ኣይግባእን፡፡ ህዝቢ ነዚ ፋሹል ሓሳብ ስዒሩ ናብቲ ጸላኢኻዩ ዝበሃል ዘሎ ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ዝኾነ ግዜ ዶብ ተሳጊሩ ብጅምላ ናብ ኢትዮጵያ ይኣቱን ይስደድን ኣሎ፡፡ ኣብ ሰሙን ካብ 700 ክሳብ 1000 ኤርትራውያን  ናብ ኢትዮጵያ ይኣትዉ ከም ዘለዉ ሰነዳት UNHCR ኣስፊርዎ ኣሎ፡፡ ስለ ዝኾነ  ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ዝተረፈ፡ ህዝቢ ዝፈለጦን ዝሰዓሮን ሕሱር ሓሶት ንየው ንበሎ፡፡ ነቲ መዳርግቲ ኣልቦ መስዋእቲ ዝኸፈለ ህዝቢ ኤርትራ ጸላኢኡ ስርዓት ህግደፍ ጥራይ ኢዩ፡፡

ሳልሳይ ክፋል ይቕጽል

ሚካኤል እምባየ (ኣራንቺ)

Aranechi03@yahoo.com

251-921924501

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
30 COMMENTS
  • Yonas July 31, 2014

    I want change in Eritrea but not through a people who wanted to risk the integrity of Eritrean territory. Did the opposition acknowledge BADME is Eritrean? How do you know whether the war is started by Eritrea? or is just because you hate Eseyas and blame Eritrea for igniting the war. In short I do not trust the agenda of opposition in Ethiopia. We have differentiate the current government and Eritrea. Because, Eritrea will live forever but government can go even tomorrow. Please do not compromise Assab or Badme for satisfying weyane. LONG LIVE ERITREA

    • Suleman July 31, 2014

      Yonas! You said “how do you know whether the war was started by Eritrea”? I think you must be the only person who doesn’t know who started the war.How about searching on the internet for who started the war by putting “UN resolution on Ethio Eritrea war” in any search engine, and you would find statements like the following written clearly: “….According to a ruling by an international commission in The Hague, Eritrea broke international law and triggered the war by invading Ethiopia.”
      I hope you will not be the same yonas from now on!

      • sara July 31, 2014

        Dear Suleman,

        If you trust what the UN and the west are saying then you really don’t understand their mission. Please dig out what they have done to Eritreans starting in the 40s until the present. Look at Somalia, Iraq, and Libya; use your great brain God/Allah gave you and if you are an Eritrean, try to do great things to your people and land. If you are not Eritrean just as a kind of human being, be wise and help exploited people in the planet.

        • 1 step forward 2 steps backward August 2, 2014

          sara,
          I am with you ,the whole world is sagainst us ,because once eritreans vprogress there is no stopping us ..even in mekele and adis ababa eritreans are 1st in their class ,but weyane has po9isoned 54 eritrean university students in mekele and 42 in adis ababa university. we should know weyane and higdef are one family ,the temben adwa coalition is destroying eritreans .

      • Yonas July 31, 2014

        Suleman
        well I still do not convinced by their report as it could be politically motivated. But I fully agree the current government has to be changed the sooner the better

  • Tes July 31, 2014

    Kubur Hawi,

    It is really great article and expose the truth about the messengers of HGDEF infiltrated the oppositions. Isseyas is working over time to decimate false pretenses as if he care about Eritrea. He milked the resource of the country to support those low life to create crack between individuals and parties. Our licensed enemy is clearly Isseyas so we have to be able to identify his agents and concentrate our effort to eradicate Isseyas and his junta. We have to be smart and not to be pretenders but bold enough to tell right is right and wrong is wrong. Having said that I don’t care if they believe Isseyas can be reformed and confrontation is the way to throw Isseyas, but leave to those courage children of Eritrea to deal with Isseyas whether from Ethiopia or Mars. We have to be grateful to Ethiopians for allowing us to use Ethiopia as our base. It would be much better if they can allow as to use as spring board. But I can understand if they won’t allow that. What is so strange is that the people who are planning to do festivals as if Eritrean are addicted to festival. Eritrea is in a slow death she is crying for urgent rescue while those so called opposition are sleepless to organizing festival. I am not saying all oppositions, there are many who are working tirelessly to elevate the suffering of our people.

  • Tesfu Kbrom July 31, 2014

    ክቡር ሓው ኣራንቺ፡ ኣራንቺ ጥራይ ዘይኮንካ ልዕሊ ኣራንቺ ምዃንካ እኣምን እየ። ምኽንያቱ ብኣካል ረኺበ ኣዕሊለካ፡ ልቦናኻ መርሚረ፡ ምሕልናካውን ገምጊመዮ። ከም ካልኦት መንእሰያት ናብ ኤውሮጳ ወይ ናብ ኣመሪካ ምስጋም ጸጊሙካ ኣይኮነን፡ የግዳስ ጕዳይ ሃገር ዓዚዙካ ኣብ ጥቓቶም ኣንጻር ምልኪ ብግብሪ ዝቃለሱ ዘለዉ መንእሰያት ብምዃን ነቲ ቃልሲ ብኣካል ክትሳተፎ ስለ ዝደለኻ ጥራይ። ከም ዝበልካዮ ተቓዋማይ ኣይወሓደን። ግን ከኣ ኣብ ክንዲ ኣብ ቀንዲ ጕዳይ ምትኳር ጓል መንገዲ ብምሓዝ ነቲ ቃልሲ ናብ ሓሸውየ ዘድቕድቑዎ ዘለዉ ውሑዳት ኣይኮኑ። ከም ኣብነት ኣብ ገለ ኣኼባ ከምዚ ንግበር ኢልካ ትረዳዳእ፡ እሞ ነፍስወከፍ ማሕበር 100 ዶላር ወይ ኤውሮ ለዋጽእ ኣለዎ ምስ ተባህለ፡ ዝበዝሕ ሰብ ተሰማሚዑ ከብቅዕ ገለ ወከልቲ ውድባት እሞ ቅድም ንኣባላተይ ክሓትት ብምባል ነቲ ዕማም ብርኡይ ክጐቱዎ ትዕዘብ። ክልተ ሰባት ንሃንቲ ገረብ ክቘርጹዋ እንተ ተሰማሚዖም ገና ነታ ገረብ ከይቈረጹዋ ከለዉ፡ ነቲ ቈጽሊ እንታይ ንገብሮ ኣብ ዝብል ሕቶ ኣይበኣሱን እዮም። ስለዚ፡ ከም ዝበልካዮ ጭፍራ ህግደፍ ኣብ ምእላይ ጥራይ ክነተኵር ኣሎና። ድሒሩ ዝስዕብ ንህዝቢ ዝምልከትምበር ንፖለቲካዊ ውድባት ወይ ማሕበራት ኣይምልከትን እዩ። ገና ነቲ ስርዓት ከይኣለና ብዛዕባ ህዝብና ከመይ ክመሓደር እዩ ክንውስን እንተ ዄንና ግን ካብ ህግደፍ ወይ ህግሓኤ ንፍለ ኣይኮንናን። ኣብ መወዳእታ ንሓው ኣራንቺ ይኹን ንኩላቶም ምሳኻ ቃልሶም ዘሰላስሉ ዘለዉ ኣጆኹም ኣብ ጐድንኹም ኣሎና ክብል እፈቱ። ውዒልና ሓዲርና ድማ ክንስዕበኩም ምኳንና እሕብር።

  • ተወልደመድህን July 31, 2014

    ዝኸበርካ ጸሓፊ፡
    መልእኽትኻ ተመላሊሰ ኣንቢበዮ።
    ልክዕ’ዩ ኩሉ ኣገባብ ኣቀላልሳና ኢሳያስን ህግደፍን ንምውዳቕ ክነውዕሎ ኣሎና……ዚስማዕ ቋንቃ’ዩ።
    ነዚ ግን ኩላትና ኣይንርደኦን ኢና።ሎሚ ኣንጻር ህግደፍ ምኳንካ ዘፍልጥ፡ኣብ ሆሆ ትጽንበር እንተኾናክ።ኢሳያስ ይውደም ዚብሉ ቃላት ተድምጽ ኣንተኾንካ።ንገለ ቅልቅል ዚብሉ ሰባት ባህርን ሽምን ተቃልህ ኣንተኾንካ’ዩ።እቲ ዝዓበየ ከኣ፡ኣብ ውድብ ተጠርኒፍካ ትቃለስ ኣንተኾንካ’ዩ።
    እዚ ኣብ ህዝብና ዘሎ ድኽመት’ዩ።እዚ ድኽመት’ዚ ከኣ ሎሚ ዘይኮነ ቀደም ኣብ 2001 ኢሳያስ ጽቡቅ ገይሩ ኣጽኒዑዎ’ዩ።እቶም ውድባት ተባሂሎም ዘለው ናቶም ድኽመት ዘለዎም ጸላኢ ዘውድቕ መንገዲ ገድፎም ኣብ ጓል መንገዲ’ዮም ዚጠዋወዩ።ኣብ ትሕቲ’ዚኦም ዝጓዓዝ ከኣ ናቶም ግብሪ’ምብረ ቅኑዕ ነገር ኣይመሃርን።
    እቲ ተወዳዲቡ ኣብ ከተማታት ኣኤውሮፓ ይኹን ካልእ ኢሳያስ ይውደም ዚብል ዘሎ ከኣ ተረፍ ሕርቃኑ’ምበር፡ኢሳያስ ዘውድም ስነሃሳብ የብሉን።
    ኢሳያስ ብሓይሊ ዚገጥሞ ከምዘየሎ ኣጸቢቁ ይፈልጥ’ዩ።
    እቲ ን ኢሳያስ ብጽፉፍ መንገዲ ከውድቖ ዚኽእልን ነቲ ዝመጻ ለውጢ ብጽፉፍ ኣገባብ ክመርሕ ዝኽእል ጥርኑፍ ይኹን ዘይጥርኑፍ ዜጋ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ እንተልዩዎ ጥራሕ’ዩ።
    ምዕቡል ኣተሃሳስባ ዘይሃነጸ ተቃውሞ ከምዚ ዚረኣናዮ ናይ ምእካብን ምፍራስን ኣኼባ ጥራህ’ዩ ዘካይድ።

  • Abisho July 31, 2014

    Yes, Yes,Yes i read all your article you are honestly guy Mr.Mikiel Embaye(Aranshi) keep it up you did well my dear bro. You exposure the right way of HGDEF, So that keep it up. thanks so much my dear bro.

  • Berhe Tensea July 31, 2014

    The source of the problem, that is the war and the suferring is the dictator or the worst enemy of the Eritrean people.
    People who fail to stand up for their basic right will continue to live in agony.
    Death to to Wubee”s grandson.

    • 1 step forward 2 steps backward August 2, 2014

      how about to grandchildren of ras alula ?

  • Medber August 1, 2014

    Good job Michael Embay ( Aranchi)

    Telling the truth is a brave act.

    • ASTER August 2, 2014

      Medber,

      I agree Aranchi is one of my favorite eritrean writer.

  • Medber August 1, 2014

    Dear brothers and sisters

    Yonas and Sara,-
    It is absolutely true that Eritrea (Issayas) started the war,my advice to you is ,never hate the truth otherwise you will be guilty of refusing to face the truth please try to view reality from a distance and don’t sacrifice your principles to please anyone .
    The bottom line is NO ONE CAN BURY HISTORY.

    • yonas August 1, 2014

      Dear Medber
      As I said previously I still not convinced by the report as everything is politicized and a lot of issues has to be considered such as intimidations, provocations etc. My point is not to discuss who started the war but we have to differentiate the current Eritrean government and Eritrea as a country, because we should not compromise our Eritrean territory including BADME just for the sake of throwing the Eseyas regime (HEGEDEF) and satisfying the WEYANES dream.
      Personally neither do I support the current Eritrean regime nor do I trust the WEYANE as their objective with Eritrea is written or stated on different social media. We have to look also the past history.

      Therefore, if the Eritrean opposition wanted public support first they have to work for one unity Eritrea, respect the borders including Badme, Ethiopian soldiers have to leave the Eritrean territory including Badme, not compromise Assab etc.
      My recommendation to the oppositions is to work for one unity Eritrea with respecting the integrity and border lines of the country and not to compromise Assab or Badme just for getting help from weyane. LONG LIVE ERITREA

      • Medber August 1, 2014

        Dear Yonas,
        I really appreciate your recomondation to the oppositions to work for unity Eritrea, I hope they work on it.But every Eritrean knows Isyass starts the war intentionally not to be implemented our constiuation and no one Eritrean compromise our Eritrean territory including Badma or Assab for the sake of throwing the Isyass regime and satisfying Wayane’s dream, I am sorry to say it this opinion is cheap and pity.but the Hgdf supporters compromised their faith and moral integrity for cheap benefit and opportunity The ultimate measure of a man or woman is where he or she stands at times of challenge and controversy
        FACTS WEIGHS MORE THAN OPINION.

  • ASTER August 1, 2014

    I THINK ISAYAS IS DOING HIS BEST TO KEEP ERITREA AS A NATION. ITS NOT EASY TO RULE EX-SLAVES, SO WE SHOULD GIVE HIM A CHANCE TO FIX THE COUNTRY.

    • yonas August 2, 2014

      aster
      What do you mean Ex-slaves?

      • ASTER August 2, 2014

        YONAS,
        ERITREANS WERE ITALIAN, ENGLISH, AND ETHIOPIAN SLAVES, SO ITS NOT EASY TO RULE THIS PEOPLE IN A DEMOCRATIC WAY.

        • yonas August 3, 2014

          Aster
          Actually you are mistaken because the Eritrean population is very disciplined and easy to rule, but we know for sure we haven’t find yet a democratic leader. But definitely this kind of thought is coming from jealous Ethiopians.

  • Habtom Kidane August 1, 2014

    Ato Mikael Embaye,

    I am so impressed by your message through “Eritrea for Eritreans”, You are really gifted artist ! we need more of you in our path to democratic Eritrea.

    You have explained in your text most of the tactics used by HGDEF to divide our unity & stay in power.

    AS THERE IS ALWAYS CHALLENGES TO SUCCESS, PLEASE IGNORE THOSE WHO OPPOSE YOU & DIRECTLY AND INDIRECTLY SERVES THE DICTATOR, PIA!!!!!!

    KEEP UP THE GOOD WORK, GOD BLESS YOU!!!!!

    VICTORY TO THE MASSES!!!!
    DOWNFALL TO HGDEF!!!

POST A COMMENT