Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራ ንብዓታ ዝደርዘላን ዝእብዳን ውላድ ትደሊ’ላ

ኣምባሳደር ሄርማን ኮሀን, “The Red Sea is Slipping into Total Arab Control” ብዝብል ኣርእስቲ ንህሉው ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ንዝምድናን ምትእስሳርን ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምልከት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዘውጽኦ ጽሑፍ፡ ካብ ብዙሓት ኤርትራውያን ናይ

ኣምባሳደር ሄርማን ኮሀን, “The Red Sea is Slipping into Total Arab Control” ብዝብል ኣርእስቲ ንህሉው ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ንዝምድናን ምትእስሳርን ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምልከት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዘውጽኦ ጽሑፍ፡ ካብ ብዙሓት ኤርትራውያን ናይ ደገፍ፡ ተቃውሞን ሻቅሎትን ግብረ መልሲ ቀሪቡ። ኣምባሳደር ሄርማን ስለምንታይ ኣብዚ እዋን’ዚ ከምዚ ዓይነት ዝርዝራዊ ጽሑፍ ኣቅሪቡ፡ ብውልቃዊ ርእይቶ ተደሪኹ፡ ፖሊሲታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንምንጽብራቅ፡ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምቅርራብ ወይ ውን ካልእ ሕቡእ ኣጀንዳ ኣለዎ፡ ነፍስ ወከፍ ኣንባቢ ነናቱ ፍርዲ ክህልዎን መደምደምታ ክህበሉን ይኽእል’ዩ። ናይ ኩሉ እንተታትን ሕቶታትን መላሲ ግን ንጸሓፊኡ ዝምልከት’ዩ። ብሓፈሻዊ ኣዘራርባን ብዙሕ ኤርትራዊ ዝስማማዓሉን፡ ፖሊሲታት መንግስቲ ኣመሪካ ብደረጃ ዓለም ወትሩ ቀዋምን ንጹርን ኮይኑ ብኣውራኡ ኣብ ሃገራዊ ረብሓታት ዝምርኮስ እምበር ንመሰልን ስቃይን ካልኦት ህዝብታት ዘቅድም ኣይኮነን። ነዊሕ ከይከድና ፖሊሲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ እንተተመልኪትና፡ ታሪኽ ዓመጽ፡ ምዕምጻጽ ፍትሒ፡ ብዋጋ ስቃይ ህዝቢ ኤርትራ ንስርዓታት ኢትዮጵያ ምሕብሓብን ስቅታን’ዩ። ብሰንኪ’ቲ ኣመሪካን ተሓባበርታን ኣብ 50’ታት ዘሕለፍኦ ዘይቅኑዕ ብይንን ክሳብ መዓልቲ ናጽነት ንስርዓታት ኢትዮጵያ ዝመጠውኦ ማእለያ ዘይብሉ ወተሃደራዊ ቁጠባውን ሓገዛት ከምኡ’ውን ዲፕሎማስያውን ፖለቲካውን ባርኾት፡ ህዝቢ ኤርትራ ንዓመታት ክደሚ፡ ከቢድ መስዋኣቲ ክኸፍልን ድሕሪ ሰቡ ክተርፍን ተገዲዱ። ጽሑፍ ኣምባሳደር ሄርማን፡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓባርን ብስኒትን እንተሰሪሖም ብዙሕ ረብሓታት ከምዘለዎምን ነዚ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን ብፍላይ ድማ ኣብ ወደባትን ማያትን ኤርትራ ዝስዕርር ዘሎ ግዳማዊ ምትእትታው ኣስጋእነት ከምዘለዎ ዘነጽር’ዩ። ዕላማ ጽሑፍ ኣምባሳደር ሄርማን ንጎድኒ ኣቀሚጥና፡ ኣብ ስልጣን ዘለዉ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክፉት ሓንጎልን ልቦናን እንተዝህልዎን፡ ፍልልያቶም ንምጽባብ ኣብ መኣዲ ዘተ ምቀረቡን ህዝብታቶም ብሰላም ንግዳውን ካልእ ንቡር ንጥፈታት ከሰላስል ምጽዓሩን ነይሮም። ከምዚ ግበሩ በዚ ተጓዓዙ ዝብል ናይ ግዳም ጠብሎቅታ’ውን ኣይመድለየን። ይኹን እምበር ኤርትራን ኢትዮጵያን እዚ ወርቃዊ ዕድላት ስለዘይተጠቅማሉ፡ ቀንዲ ሕላገት ህዝበን ድሕረትን ስእነት ሰላምን ኮይኑ’ሎ።

ኤርትራውያን ከም ኤርትራውያን ኣብ መንጎና ስምረት፡ ሓድሕድ ምክብባርን ኢሂን ምሂን እንተዝህልወና፡ ብደገ ዝምወል ሓንሳብ ብሃይማኖት ካልእ እዋን ድማ ህርፋን ስልጣንን ምግባት መሬትን ዝመንቀሊኡ ተንኮላት ቦታ ኣይምሃለዎን። ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ፡ ልዕሊ ኹሉ ዘገድሶ ስልጣኑን ረብሓታቱን ንምሕላው እምበር ብዛዕባ ህዝቢ ኤርትራ ቅንጣብ ሓልዮት ስለዘይብሉ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይፈልጦን ዘይረብሓሉን ብኢደ ዋኒኑ መሬት ኤርትራ ክሸይጥን ክልውጥን፡ ልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከእቱን ይህቅን ኣሎ። ኣብ ኤርትራ ውዒሉ ሓዲሩ ብህዝቢ ዝተመርጸ መንግስቲ ምስቆመ ግን፡ እዚ ብህደፍ ብምስጢር ዝግበር ዘሎ ፖለቲካዊ፡ ወተሃደራውን ቁጠባውን ውዕላት ተቀባልነት የብሉን። ህግደፍ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዘሎ ግን ዝፍጸም ውዕላትን ስምምዓትን ኣብ ሃገርና ኣሉታዊ ስምብራት ከምዘለዎ ኣየማትእን’። ኤርትራውያን፡ ዝያዳ ከሻቅለና ዝግብኦ፡ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ልሕሉሕ ዝምድና፡ ምጉጅጃልን ንህግደፍ ብሓደ ቃል ዘይምምካትን እምበር፡ ፈኸራታት ስርዓታት ኢትዮጵያ፡ ጽልዋታት ግብረሽበራን ሃይማኖትን፡ ትንታነታት ኣምባሰደር ሄርማንን ዘራያት ካልኦትን ኣይኮነን። ዝዓበየ ጸገምና፡ ንሕና፡ ንሕና ኮይና ኣንጻር ድሌትናን ሃገራዊ ክብርናን ጠጠው ክንብል ዘይምኽኣልና’ዩ። ንኣብነት ኣብ 1949 ኤርትራ ብቁጠባ ነብሳ ኣይትኽእልንያ ርጉእ ኩነታት ጸጥታ የብላን ብዝብል ጉልባብ ብውጥን በቪን ስፎርዛ (Bevin Sforza Plan) ኤርትራ ኣብ ክልተ ክትምቀል፡ ማለት ከበሳ ምስ ኢትዮጵያ መታሕት ድማ ምስ ሱዳን ክጽንበር እኩይ መደብ ነይሩ። ስርዓት ደርጊ’ውን ብስም “ቆላማ ደጋማ፣ ገማግልን ወዶ ገባን” ንህዝቢ ኤርትራ ክመቃቅልን ንሓድሕዱ ከፋልሶን ብዙሕ ፈቲኑ። ይኹን እምበር ብስሙር ድምጺ ኣይፋል ህዝቢ ኤርትራ መኺኑ። ሰብ ጉዳይ መእሰሪ ዘይብሉ ማእዶ እንተኾይኖምን ቤቶም ጠንጢኖም ዓዲ ጓና እንተሰፊሮምን፡ ጓኖት ደቂ ዓዲ-ደቂ ዓዲ ድማ ጓኖት ከምዝኾኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት፡ ሃገሩ ገዲፉ ናብ ስደት ዘምርሐን ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብጨካን ኣተሓሕዛ ስርዓት ህግደፍ ግደ ሞትን ማእሰርትን ዝኾነን ህጣሙ ዘጥፍአን ኤርትራዊ፡ ጭቡጥ መርትዖ ኤርትራ ናይ ኤርትራውያን ከምዘይኮነት’ዩ። ክሳብ ሎሚ ነቃዕ ናይ ቤትና ክንሓትም ስለዘይክኣልና ድማ ጉዳይና ብኻልኦት ክውነንን ህላወ ህዝብና ኣብ ሓደጋ ክኣቱን፡ እታ ብብዙሕ መስዋእቲ ዝተረኽበት ሃገር ኣብ ዕዳጋ ሓራጅ ከም ምውራድ’ዩ ዝቁጸር። ንሕና እንተንሰምርን ንህግደፍ እንተንምክቶን፡ ዜጋታትና ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ኣይምበለዩን፡ ኣብ ዘይፈልጥዎ ሃገር ብኻራ ኣይምተጎዩሑን ኣብ ባሕሪ ኣይምጠሓሉን። ኣሕዋትናን ኣዴታትናን ክብረ ንጽህነአን ኣይምተደፍራን ወለዲ ጠዋሪ ስኢኖም ኣብ ገዛ ኣይምተዓጽዉን ህዝብና ብሓለንጊ ጥሜት ኣይምተገርፈን ሃጽ ኢሉ ናብ ስደት ኣይመምርሐን። ሕጂ’ውን ኣብ ቅድሜና ተገቲሩን ኤርትራውያን ክንምልሶ ዝግብኣና ሕቶን፡ ንስመር ንቃለስ ንጸዋወር ተንኮላት ጸላእትና ክስበር። ኤርትራ ድማ ንብዓታ ዝደርዘላን ዝእብዳን ዜጋ’ምበር ዘድምያን ዝጎጥያን ውላድ ኣይትደልን’ያ።

                  ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (4 ጥሪ 2016)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • Arre January 5, 2016

    This is excellent advice!Very well articulated and thoughtful. Let’s do it.

  • Simon G. January 6, 2016

    ጽላል,
    Can you submit an article who really is supporting HGDF. I think this is a worthwhile exercise.
    Reason: we are still do not understand the root cause of this cancer.

    • AHMED SALEH !!! January 6, 2016

      SELAM , Simon G.
      The root cause of Eritrean problem is the hidden agenda with Issayas’s
      political secret party establishment . To silence and kill promising
      nationalists , shut the door for people right to exercise progressive
      ideas but instead encourage to promote environment of suspicion and
      division among Eritreans had been the main reasons that put us in this
      difficult predicament . The blind supporters are products of unjust
      political teachings ?
      I think the cancer keep spreading because we prefer to stay in denial .
      For that matter political doctors like Mr.Cohen will try to consult us
      take pain killer than needed medicine that cure the deadly disease.
      By now we all know luck of UNITY is the root source to the country
      failure . And we must accept required sacrifices to bring our people
      together UNITED by any means necessary for the sake of our nation .
      We can’t afford to surrender the country at hands of the few to dictate on daily life of general population .

      • Simon G. January 6, 2016

        Brother Ahmed!
        Let’s check one layer down. What is the root cause for the missing link: unity? What is that separating us? Yes, HGDF are using all tactics to divide us, but what is the issue some people can see how evil HGDF is and others see it the opposite.
        Who are the ardent HGDF supporters? Once we know that, the solution will be very clear. So, I would say, the reason we are here is that we really don’t understand the root cause. I would say unity is first phase of result, rather than the root cause.

        • Saba January 7, 2016

          To Simon G.
          the root cause of our problem is that still we don’t know very well our enemy who works day and night to our division, who started to kill intellectuals since 1966 and living us in total ingnorance. Eritrea is the only country in world without a University!

  • Berhe Tensea January 6, 2016

    You are 100% right. this sick dictator is only interested in prolonging his power and amassing cash in any way possible.
    Eritrea to Iseyas is like a large means or a business of making money.
    People were talking about Bisha, and where is the benefit of that?
    Now he is creating new story about oil and gas deposits in which the people will have zero benefit if it is realized in 10 to t 15 years.
    His plan is to lie and create false hope inside the innocent people mind as if they are going to be the beneficiaries the unproven resources.
    Iseyas is throwing a completely eaten bone or with out any flesh to his assumed dogs.

Post a Reply to Arre Cancel Reply