Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራ ሶማል፡ ኣስመራ መቓድሾ ከይኮናና እንታይ ንግበር?

''ኤርትራ ናብ ሶማል፡ ኣስመራ ናብ መቓድሾ'' ካብ'ዚ ዉዲት'ከ ብኸመይ ነምልጥ ``ፕረሲደንት ኢሰያስ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ከርእዮ ዝጸንሐ ናይ ዘይርጉእነት መንፈስ ብዙሕ ትንታነታት ኵወሃቦ ጸኒሑ ኢዩ። ምዝዛም ዕምረ-ስልጣኑ ግዲ ተራእይዎ፡ ብዙሕ ዘደንጹ ስጉምትታት ኵወስድ ተራእዩ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒዝገበሮ

”ኤርትራ ናብ ሶማል፡ ኣስመራ ናብ መቓድሾ”

ካብ’ዚ ዉዲት’ከ ብኸመይ ነምልጥ

“ፕረሲደንት ኢሰያስ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ከርእዮ ዝጸንሐ ናይ ዘይርጉእነት መንፈስ ብዙሕ ትንታነታት ኵወሃቦ ጸኒሑ ኢዩ። ምዝዛም ዕምረ-ስልጣኑ ግዲ ተራእይዎ፡ ብዙሕ ዘደንጹ ስጉምትታት ኵወስድ ተራእዩ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒዝገበሮ ህጽጽ ዕጹው ኣኼባ ብዘይ ሕብእብእ፡ ነቶም ምስኡ ተሪፎም ዘለው ግን ዘይኣምኖም ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ግንባርን’ውን ንስልጣኑ ክትንክፍ ንዝብገስ ዝኾነ ምንቅስቓስ ወይ ሰብ ክሕምሽሽ ምዃኑ ብነድሪ ገሊጽሎም። ዕላማ ህዝባዊ ምዕጣቕ ኣስመራ ናብ ሞቓድሾ ንምቕያር  ምዃኑ፡ መንእሰይ ኤርትራ ሃገር ከድሕነሉ ኣብ ዘይክእል ቦታ ከም ዘሳጎጎን፡ ነቶም ሰብኡት ዝብሎም መጋልድልቱ ከም ዘጥፍኦምን እቶም ምስኡ ተሪፎም ዘለዉ ከም ሰብኡት ከም ዘይቆጽሮምን ኣጉባዕቢዕሎም። ብሓጺሩ፡ ብድሕሪኡ፡ እዛ ሃገር ኣብ ጸልማት ከም ትኣቱ ኢዩ ኣጠንቂቑ።”  ካብ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ናብ መርበብ ኣዝማሪኖ ካብ ኣስመራ ካብ ዝተላእከት ጽሕፍቲ ዝተወስደ እዩ።

ዉድቀት ስርዓት ህግደፍ ናይ መዓልታት፡ ትንክፍ ዘብሎ ሓይሊ እንተረኺቡ ድማ ናይ ሰዓታት ሕቶ ጥራይ ኢዩ።  እንተኾነ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ክዉንነት ነዚ ሓቒ’ዚ ዝድርዖ ኣይኮነን። ስርዓት ህግደፍ ብናይ ገዛእ ርእሱ ፖሊቲካዊ ሃሰሰ-ለባምነት ግን፡ ኣብ ጸጽብሕ ናብ ጸድፊ ክሳግም ብኣንክሮ እንዕዘቦ ዘለና ተርእዮ ኮይኑ ኣሎ። ዉድቀት ናይ’ዚ ብሓንቲ እግሩ ኣብ ጸድፊ ጠልጠል ኢሉ ዘሎ ስርዓት ዘይተርፍ’ዩ፡ ካብ ተባህለ ግን ምስ’ኡ ተተሓሒዙ ዝለዓል ኣገዳሲ ሕቶ ኣሎ። ድሕሪ ዉድቀት እዚ ስርዓት ኤርትራ ናበይ ኣንፈት`ያ ከተብል? ካብ’ቲ ኣንጸላልዩና ዘሎ ከቢድ ሓደጋ’ኸ ከመይ ጌርና ከነምልጥ ንኽእል? እዚ ዓንቀጽ ክድህስሶም ክፍትን ኢዩ።

እዚ ሕቶ እዚ ብዙሕ ግዜ ኣይተላዕለን፡ ብግቡእ’ዉን ኣይተመለሰን። ማዕረ እቲ ምዉዳቕ ናይ’ዚ ስርዓት፡ ብድሕሪኡ ክስዕብ ዝኽእል ኩነት`ዉን ከተሓሳስበና ይግብኦ። ወድዓዊ ኩነታትና ብጭቡጥ ንምግምጋም ንህልዊ ኩነታትናን ተኣፋፍነቱን ብዕቱብነት ምርኣዩ ከድልየና ኢዩ። እዚ ማለት ብቐንዲ፡ ብዉድቀት እዚ ስርዓት ክፍጠሩ ንዝኽእሉ ምዕባለታት ብዓንተብኡ ምግማቶምን፡ ዘላቒ ሳዕቤን ከየኸትሉ ገታኢ ስጉምታት ዝዉሰደሉ መንገድታት ንምንዳይ ኣቐዲምካ ምድላዋት ጌርካ ምጽናሕ ክሓተና ኢዩ።

ኣብ ኣርእስቲ እዚ ጽሑፍ ከምዝተተንብሀ፡ ሓደ ካብ’ቲ ኩላትና ዘይንምነዮ ኣሰቓቒ ዉጺኢት፡ ተርእዮ ሶማል ኣብ ሃገርና ከይድገም ኢዩ። እዚ ክስተት ካብ ክዉንነት ኤርትራ ወጻኢ መሲሉ ዝርኣዮምን፡ ስርዓት ህግደፍ ምስ ወደቐ ሳናጥኦም ኣልዒሎም ዓዶም ክኣትዉ ዝሕልኑ ሓያለ ኣለዉ። እዚ ሰናይ ትምኒት’ዚ ግን፡ ብመንጽር ህልዊ ፖለቲካዊ ክዉንነትና ክንብድሆ ይግባእ። ኣብ ባይታ ንዘለዉ ሓቅታት ብዕምቆት እንተገምጊምናዮም ድማ፡ ኣሻቓሊ ደበና ኣብ ሰማያትና ይዝምቢ ከምዘሎ ክንግንዘብ ንኽእል።

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘዉረዶን፡ ዘዉርዶ ዘሎን መዘና ኣልቦ ኣበሳ፡ ዘርዚርካ ኣይዉዳእን። እዚ ኩሉ ሓሳረ መከራ ምስ ምብቃዕ እዚ ስርዓት እኳ ከየብቅዕ፡ ንሓያለ እዋናት እንዳሓቐየና ዝነብር እሾኽ ኣብ ምድሪ ቤትና ክዘርእ ጸኒሑ ኣሎ። እቶም ነዚ ሓቒ ብኣጋ ተገንዚቦም ዓገብ ዝበሉ ዜጋታትና፡ ንሕስያ ብዘይብሉ ስጉምቲ ተቐዚፎም። መብዛሕትኡ ካብ ህዝብና’ዉን ብነዝሒ ፕሮፓጋንዳ እቲ ስርዓት፡ እንዳርኣየ ዓዊሩ እንዳሰምዐ’ዉን ጸሚሙ’ዩ ጸኒሑ። ብኣግኡ ዓገብ ዝብል ሰብ ብዙሕ ኣይተረኽበን። ኣብ’ዚ እዋን ግን፡ እቲ ዝተዘርአ ናይ ጥፍኣት ክርዳድ በቊሉ ስለዝሰወደ፡ እቲ ደቂሱ ዝጸንሐ እንከይተረፈ’ኳ ክነቅሕ ንሪኦ ኣለና። ነቲ ሓቂ ካብ ሓሶት ብምምማይ፡ ንተንኮላትን ዉዲትን እዚ ስርዓት’ዉን ብምንቃሕ፡ ኣንጻር እዚ ስርዓት ቆሪጹ ተላዒሉ’ሎ ንምባል ግን ኣየድፍርን። ዛጊት’ዉን እንተኾነ፡ ኣብ ድንግርግር ዝነብር ዘሎ ሓያለ ኢዩ።

ኤርትራ ናብ ሶማል ክትቅየር ትኽእል’ዶ? ኢሉ ንዝሓትት ሓታቲ፡ ንሕትኡ ብሕቶ ምስተመለሰ። ‘ዘርኢ እንተትዘርእ’ከ ምበቖለ’ዶ? ምናልባት ኩሉ ዝተዘርአ ዘርኢ ኣይበቁልን ይኸዉን፡ ዘይተዘርአ ግን ኣይዕጸድን። ህድእ ኢልና እንተስተብሂልና እቲ ተዘሪኡ ዘሎ ዘርኢ ክርዳድ ሓያለ ኮይኑ ንረኽቦ። ካብዚ ሓያለ ኣዝርእቲ ገሊኡ እንተበቖለ ድማ፡ ክገርመና ኣይግባእን። ሽሻይ ዘለዎ ንዳእቲ ንምሕፋስ፡ ኣቐዲምና ናብ ጻህያይ ምዉፋር ከድልየና ኢዩ።

ሓንቲ ሃገር ከም ሃገር እትቐዉም፡ ብሕግን ስርዓትን ክትመሓደር እንከላ ጥራሕ ኢዩ። እዚ ሕጊ’ዚ ድማ ከከም ኣድላይነቱ ምምሕያሻት እንዳተገብረሉ፡ ካብ ሓደ ወለዶ ናብ ካልእ ወለዶ ይሰጋገር። እዛ ሕጂ ዘላ ኤርትራ ግን፡ ብራዕድን ሽበራን ኣፈ ሙዝ ብረት’ያ ቆይማ እትርከብ። ፕረዝደንት ኢሳይያስ ምናልባት መግዛእቲ ብዝመረሮም ወተሃደራት፡ ወይ’ዉን ብሕማም ምስ ዝመዉት እኳ ንዕኡ ዝትክእ ሰብ ይኹን ሕጋዊ ኣሰራርሓ የለን። ርሑቕ እንከይከድና ትማሊ ትማሊ ኣብ’ዛ ጎረቤት ሃገርና ዘጋጠመ ተርእዮ ዓቢ ትምህርቲ ክህበና ይግባእ። ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር መለስ ዜናዊ ምስ ዓረፈ፡ ብመሰረት ቅዋም እታ ሃገርን፡ ዉሽጣዊ መምርሒ ገዛኢ ሰልፊን፡ እቲ ናይ ምትኽኻእ መስርሕ ብቐሊሉ ክፍጸም ርኢናዮ። በዚ ድማ እቲ ሓያለ ተንተንቲ ኢትዮጵያ ከይትበታተን ዝነበሮም ግምት ኣጒሉ ተሪፉ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ’ዉን ሰብ ምኻኑ ኣይተረፎን፡ እንተስ ብኢድ ሰብ ወይስ ብኢድ ፈጣሪ፡ እታ ጸላም መዓልቲ ከተረኻኽበሉ ኢያ። እዛ ቅዋምን ምክትል ፕረዚደንትን ዘይብላ ሃገር ግን መን ኮን ብድሕሪኡ ክርከባ ይኸዉን? ንሱ’ኸ ነየናይ ሕግን ስርዓትን ምርኩስ ብምግባር’ዩ ስልጣን ክርከብ። እቶም ነዚ ስልጣን ዝባርኽሉ’ኸ እነመነመን ኢዮም። እቲ ሕቶታት ብዙሕ፡ መልሱ ግን ሒደት። ኤርትራ ምናልባት እታ እንኮ ቅዋምን ምክትል ፕረዝደንትን ዘይብላ ሃገር ከይኮነት ኣይትተርፍን። ከም ኣልቓዒዳ ዛኣመሰሉ ግብረ-ሽበራዉያን ዉድባት እንከይተረፉ እኳ፡ ናይ ምትኽኻእ ዉጥን ኣለዎም።

ስለዚ እምበኣር’ዩ እዛ ሃገር ብህይወት እንተሎ ብስቅያት ክትማስን፡ እንተሞተ’ዉን ዕጫ ሶማል በጺሕዋ ብኲናት ሕድሕድ ክትበጣጠስ ኣሕሊፉ ሂብዋ ዝርከብ። ግን ኢሰያስ ካብ ምብትታን ኤርትራ እንታይ ፋይዳ ይረክብ ዝብል ሓታቲ ኣይሰኣንን ይኸዉን። መልሱ ቀሊል`ዩ ንሓያለ ሰባት ግን፡ እቲ ሓቂ ካብ ምሒር ምዕጻቑ ዝተላዕለ ምዉሓጥ ዝኣብዮም ኣለዉ። ብተደጋጋሚ ኢሰያስ ኤርትራዊ ስሚዒት ከምዘይብሉን፡ እቲ ንናጽነት ዝተኻየደ ዕጥቃዊ ቃልሲ መሪሕዎ ክንሱ፡ ጥሙሕ ግን ናጽነት ኤርትራ ከምዘይነበረ ባዕሉ ካብ ዝሃቦ መግለጺ ይኹን ምስኡ ብቐረባ ዝሰርሑ ዝነበሩ ዉልቀ-ሰባትን ብተደጋጋሚ ንህዝቢ ክሕበሩ ጸኒሖም ኢዮም። ሰማዒት እዝኒ ግን ኣይረኸቡን። ብፍላይ እኳ ኣብ 1993 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ቃል ብቓሉ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዳግም ንምጽንባራ ወላ ንዓሰርተታ ዓመታት ዝዘልቕ ግዜ እንተሓተተ ከይሰልከየ ከምዝሰርሕ ብዘይሕብእብእ ተዛሪቡ ኢዩ። ከም መርኣያ ናይ’ዚ ክኾነና ዝኽእል ድማ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቊጸሩ፡ ኤርትራ መደበሮም ዝገበሩ ተቓወምቲ ዉድባት ኢትዮጵያ፡ መብዛሕትኦም ብናጽነት ኤርትራ’ኳ ዘይኣምኑ ኮይኖም ንረኽቦም። እዞም ተቓወምቲ ዝተሰምዩ ወተሃደራት’ዚኦም ካብ ሓሓሊፉ ኣብ ዉሽጢ ኢትዮጵያ ዝግበር ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕትታት ዝሓልፍ፡ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፊት ንፊት ዉግእ ገጢሞም፡ ነታ ብቓልሲ ሓራ ከዉጽእዋ ዝወፈሩ ኢትዮጵያ፡ ምሕራራስ ይትረፍ፡ ንስክላ እኳ ክጥቀስ ዝኽእል ዉግእ ገጢሞም ኣይፈልጡን። ስለ’ዚ እምበኣር’ዩ እቲ ኣብ ዉሽጢ ኤርትራ ዘለዎም ህላዉነት ካልእ ሕቶታት ከልዕል ግድነትን ባህርያዉን ዝኸዉን።

ኢሰያስ ብዘተኣታተዎ ፖሊሲ ደረት ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ህይወት ዓሰርተታት ኣሽሓት መንእሰያትና በሊዑ፡ ጉልበት ኣማኢት ኣሽሓት መንእሰያትና መጽዩ፡ ክትካእ ዘይክእል ግዜን ዕድላትን ህዝቢ ኤርትራ’ዉን ከም ሕሱም ኣባኺኑ ኢዩ። ህይወት ሚልዮናት ዜጋታትና ኣብ ኢዱ ብምጭባጥ ናብ መሓርን ቀታልን ፎርኦም ተቐይሩ። በዚ ድማ እልቢ ዘይብሎም ሰባት ኣሲሩን ኣጥፊኡን። በዚ ኣሰቓቒ ተግባራት ዝበርገጉ መንእሰያትና፡ እግሮም ናብ ዝመርሖም ብኣዝዩ ኣሰካፊ ብዝሒ ክስደዱ ተቐሲቦም። እዚ ኩሉ ጥፍኣት መንእሰያት ብፍላፍ’ኳ ንከም ኤርትራ ዝኣመሰለት ንእሽቶ ሃገር፡ ጃምላዊ ህልቂት’ዩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። እቲ ምንታይ እዚ ኩሉ ናብ ወጻኢ ፈሊሱ ዘሎ፡ እቲ ኣብ ዝሓሰቦ ከይበጽሐ ኣብ መንገዲ ተኾሊፉ ዝተረፈ እኳ ኣዲኡ ትቊጸሮ፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ምስታ ዕትብቱ ዝተቐብረላ ዓዱ ተባቲኹ ኢዩ። ንስደት ክትሳግም ቀሊል፡ ካብ ስደት ጠቕሊልካ ዓድኻ ክትምለስ ግን ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ምኻኑ፡ ነቶም መብዛሕትኦም ”ኣጆኻ ኣብ ጎድንኻ ኣለና” ዝብልዎ ደገፍቱ፡ ንልዕሊ 30 ክሳብ 40 ዓመት ኣብ ስደት ዝኣረጉ ምምልካት ጥራሕ ኣኻሊ ኢዩ። ክትሪኦም ብሃልሃልታ ብፍቕሪ ዓዶም ዝቃጸሉ ይመስሉ፡ ካብቲ ዝገርም ግን፡ ናብታ ክንድዚ ዝሓሙላ ዓዲ ክዛወሩላ እምበር፡ ተመሊሶም ናብርኦም ከጣይሱላስ ኣይተራእዩን። ዋላ’ኳ እቶም ኣብ ኤርትራ ተወሊዶም ዝዓበዩ ሓያለ ዜጋታት፡ ናብታ ሰላምን ቅሳነትን ዝሰፈና ዓዶም ክምለሱ እንተተሃንጠዩ፡ ኣብ ደገ ተወሊዶም ንዝዓበዩ ቆልዑት ሒዞም ዓዲ ክኣትዉ ዘሎ ተኽእሎ ግን ምህሙን ኢዩ። ስለ’ዚ እምበኣር’የ እዚ ስደት ጃምላዊ ህልቂት`ዩ ዝበልክዎ ኣቐዲመ ።

ናብ ቀንዲ ኣርእስተይ ክመልሰኩም። ንኤርትራን ሶማልን እንታይ ዘመሳስል ንረኽበለን። ክልቲኦም ኢሰያስን ስያድ ባረን ብዴሳዊ ሰዉራ ቻይና ዝተጸልዉ ጨካናት መራሕቲ ኢዮም። ልክዕ ከምቲ ኢሰያስ ኣብ 2001 ስልጣንካ ንህዝቢ ኣረክብ ንዝበልዎ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣሲሩ ዝቐዘፎም፡ ስያድ ባረ’ዉን ድሕሪ እቲ ኣብ 1977 ንኦጋዴን ንምምላስ ምስ ኢትዮጵያ ዘካየዶ’ሞ ብስዕረቱ ዝተዛዘመ ኲናት፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ሓያለ ካብ ላዕለዎት ወተሃደራዉያንን ሲቭል ሰበ-መዝን ዝተሳተፍዎ ዘይተዓወተ ዕልዋ መንግስቲ ተኻይዱሉ ኔሩ። ምላሽ ሲያድ ባረ ድማ ንብምልኦም ኣብቲ ስርሒት ዝተሳተፉን ዝተጠርጠሩን ሰባት ብኣልማማ ምርሻን ኔሩ።

እንተኾነ ብብዙሕ መዳያት ስርዓት ስያድ ባረ፡ ካብ ስርዓት ኢሰያስ ዝበልጽ ኮይኑ ንረኽቦ። ባረ ነታ ፋሕ ጭንግራሕ ብዝበሉ ቀቢላታት ዝቖመት፡ ግን ከኣ ሓደ ብሄርን ቋንቋን ሃይማኖትን ዘለዎ ህዝቢ እትዉንን ሶማል፡ ኣብ ሓደ ንምጥርናፋ ዘይፈንቀሎ ከዉሒ ኣይነበረን። ዋላ’ኳ ስያድ ባረ ከም ዝኾነ ካልእ ዉልቀ-መላኺ፡ ነቶም ቁልፊ መንግስታዊ ስልጣናት ብእሙናት ደቂ ቀቢልኡን ኣዝማዱን ከምዝብሓት ብምግባሩ፡ ኣብ ዓይኒ ሓያለ ሶማላዉያን እንተኣተዎ። ዘይከም ኢሰያስ ግን ቅዋምን ምክትል ፕረዝደንት ኔርዎ ኢዩ። ምርጫ’ዉን ዋላ ስማዊ ይንበር፡ ኣብ ዝተፈላለየ እብረ ግዜ የካይድ ኔሩ ኢዩ። ከም ኣብነት ኣብ 1986 ስያድ ባረ ብሰሪ ዘጋጠሞ ሓደጋ መኪና፡ ብከቢድ ቆሲሉ ንሓያለ ኣዋርሕ ኣብ ሱዕዲ ዓረብ ሕክምናዎ ክንክን ይግበረሉ ኔሩ። ኣብ’ዚ ህሞት፡ እቲ ምክትል ፕረዝደንት ዝነበረ ጀነራል ዓሊ ሳማታር መርሒነት ተረኪቡ ሓዉዩ ክሳዕ ዝምለስ፡ ነታ ሃገር ንሸዉዓታ ኣዋርሕ መመላእታ መሪሕዋ።

ብዘይካ’ዚ ስያድ ባረ ዘይከም ዉልቀ-መላኺ ኢሰያስ፡ ንሰለማዉያን ሶማላዉያን ገዛ ገዛ እንዳኸደ ብረት ፈጺሙ ኣየዕጠቐን። እቶም ብጎነጽ ካብ ስልጣኑ ዝኣለዩዎ ምልሻታታት’ኳ፡ ካብ ስርዓት ደርግ ብዝረኸብዎ ዕጥቅን ስንቅን ኢዩ። በዚ ድማ እቶም ንዝተፈላለያ ቀቢላታት ብምዉካል፡ ንስርዓት ስያድ ባረ ብዕጥቃዊ ቃልሲ ካብ ስልጣን ዝኣለዩዎ ምልሻታት፡ ድሕሪ ዉድቀት እቲ ስርዓት ነቲ ዝተፈጥረ ሃጓፍ መንበረ ስልጣን ንምቁጽጻር ተጓይዮም። ታሪኽ ስያድ ባረ ከይድገም ዝሰግኡ ሶማላዉያን ድማ ተኣማንነቶም ናብ ቀቢልኦም ጥራሕ ከምዝቐንዕ ጌሮም። ብረት ኣብ ንሓድሕዶም ኣቕኒዖም፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸር ሰላማዊ ዜጋ እታ ሃገር ድማ፡ ንዝበኣሰ ሓሳረ መከራ ኣዳሪጎሞ። ድሕሪ 22 ዓመት ከም ዉጽኢት እዚ ኲናት ሕድሕድ፡ እዛ ሎሚ እንሪኣ ምህምንቲን፡ ብሳናቡእ ካልኦት ሃገራት እተስተንፍስ ዘላን ሶማል ተፈጢራ።

ታሪኽ ሶማል ኣብ ኤርትራ ከቶ ክድገም ኣይክእልን ኢዩ ኢልካ ምሕሳብ እምበኣር፡ ነብስኻ ምቕሻሽ ጥራሕ ኪኸዉን ይኽእል ኢዩ። እቲ ምንትይ ከም ስያድ ባረን ኢሰያስን ዝኣመሰሉ ዉልቀ-መለኽእቲ፡ ብታሕቲ ታሕቲ ህዝቢ ከይመቓቐሉ መነበረ ስልጣኖም ከደልድሉ ይኽእሉ’ዮም ኢልካ ፈጺምካ ዘይሕሰብ እዩ። እሞ ህዝቢ ኤርትራ ደኣ ተመቓቒሉ ድዩ? እቲ ናይዚ ሕቶ መልሲ ንኣንበብቲ ዝግደፍ ኢዩ።

ህልዊ ክዉንነትና ዓቢጥናዮ ዘይዕበጥ ሓቂ ኢዩ። ብፍላይ እኳ እቲ ምምቕቓል ኣብ ስደት ንእንርከብ ጎሊሕ ይርኣ። ኤምባሲታት እቲ ንቡር ክዓምኦ ዝግባእ ዲፕሎማስያዊ ዕማም ስለዘይብለን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ብዓድን ብዓዉድን ዝመቓቕሉ ነብያት ሓሶት እንዳዋፈራ፡ ኣብ ሕብረተ-ሰብና ምትእምማን ከይፍጠር ኣበርቲዐን ክሰርሓ ንርኢ ኣለና። ገለ ካብቶም ነድሪ ብዝተሓወሶ ስምዒት፡ ነዚ ስርዓት ዝድግፉን ሰባት፡ በዚ ቫይረስ እዚ ዝተለኽፉ ኮይኖም ንረኽቦም። እዚ ቫይረስ ድማ ናይ ግድን`ዩ ናብ ካልኦት ግሩሃት’ዉን ክመሓላለፍ። ምናልባት እዚ ስርዓት ክሳዕ እዚ እዋን ኣብ ስልጣን ክሰርር ዝኸኣለ፡ ፈዉሲ ናይዚ ቫይረስ እዚ ክሳዕ ሕጂ ከይተረኽበ ምጽንሑ ሓደ ካብቲ ብዙሕ ምኽንያታት ክኽዉን ይኽእል ኢዩ። እቲ ሽግርና መሊሱ ዘብእሶ’ዉን ካልእ ሕብርን መልክዕን ዘለዎ ፈዉሲ ዘይተረኸቦም ቫይረሳት’ዉን ኣለዉና። እምበኣር ልክዕ ከም’ቲ ንሓደ ቫይረስ ባህርያቱ ኣጽኒዕካ፡ ፈዉሱ ክሳዕ ዘይረኸብካዮ ጥዕና ዘይትረክብ፡ ከምኡ’ዉን ናይ ሕማማትና ፈዉሲ ምሉእ ብምሉእ ከይረኸብናዮም ጥዕና ክንረክብ ከቶ ኣይንኽእል።

ምቋም ኮሚተ ንሃገራዊ ዕርቒ

እዚ ሕማም’ዚ ብእዋኑ ንምፍዋሱ እንተዘይክኢልና ብዘገምታ እንዳማሰነ ክቐትለና ልዑል ተኽእሎ ኣሎ። እሞ ምሕማምና ካብ ፈለጥና፡ ንሕማምና ዝፍዉስ ሓኪምን መድሃኒትን’ዩ ዘድልየና። እቲ እንኸዶ ሓኪም’ከ መን ኢዩ? እቲ ዝእዝዘልና መድሃኒት’ከ እንታይ’ዩ ዓይነቱ? ብርእይቶይ ፈዉሲ ናትዚ ሕማም፡ ኣብያተ ክርስትያናትን መሳጊድን እየን። ምኽንያቱ ተቓወምትናን ደገፍትናን ብሓደ እንከበለን፡ እንኮ ቦታታት ንሰን ጥራይ ስለዝኾና። ስለዚ እቶም ሓካይም ድማ ኣቕሺሽትን፡ መሻይኽን፡ ፓስተራትን ክኾኑ ግድን ኢዩ። እዞም መራሕቲ ዝተፈላለያ እምነታት ብሓደ ተኣኪቦም መጀመርያ በይኖም ክመኽሩ፡ ደሓር ድማ ኣኣብ ከተምኦም ንዝርከብ ህዝቢ ብትብዓት ከምዝነቕሕ ክገብርዎ፡ ንዝተጋገየ ክግስጽዎን ክመኽርዎን መድረኽ ዝጠልቦ እዋናዊ ሓላፍነት ኣለዎም። እቲ ኣብ ጸጽባሕ ፋሕ ጭንግራሕ እንዳበለ ንህዝብና ዝሓቕዮን፡ ዓቕሉ ዘጸንቅቖን ዘሎ ህልዊ ኩነታት ደምበ ተቓዉሞ፡ ኣብ ሓደ ጽላል ዓሲሉ ሓንቲ መዝሙር ሰላም ምዘመረን ኣብ ንሓድሕዱ’ዉን ድምዱል ምትእምማን ምፈጠረን። እንተሰሚርናን እንተተፋቒርናን፡ ፍልልያትና’ዉን እንተተጸዋዊርናን፡ ንኹላትና ኣኺሉ ዝተርፍ መዓርን ጸባን እተዉሕዝ ሃገር ከምዘላትና ክንኣምን ይግብኣና። ከም`ቲ ፕረዝደንት ኣመሪካ ነበር ኣብርሃም ሊንከን ዝበሎ፡ ኣብ ነንሕድሕዳ ዝተኸፋፈለት ቤት ክትቀዉም ከቶ ኣይክኣላን’ዩ እሞ፡ ነዚ ቀዳምነት ናይ ቀዳምነታትና ብምስራዕ ክንሰርሓሉ የድሊ።

የግዳስ እዚ ሕልሚ እዚ ጋህዲ እንተኾይኑ፡ እቲ ዝዓበየ ዕማም እታ ኣብ ምሉእ ዓለም ካብ ዘለዋ ኣብያተ ክርስትያናትን መሳጊድን፡ ካልኦት ሽማግለታትን ዓበይቲ ዓድን ዝርከብዋ እትቐዉም ሓዳሽ ኮሚተ፡ እቲ ዝዓበየ ተልእኾኣ ንዉሽጢ ሃገር ዝኣንፈተ ኽኸዉን ይግባእ። መራሕቲ ፖለቲካዊ ዉድባት ንህዝብና ኣብ ሓደ ደንበ ከጽልልኦስ ይትረፍ ክብትንኦን፡ ነቲ ዘይምትእምማን’ዉን መሊሰን ከባልሕኦን ክንዕዘብ ጸኒሕና። ብዙሓት ድማ ‘ኣንታ እዛ ዓዲ ካን’ዶ ለባም ሰብ ተሳኢንዋ’ ክሳዕ ምባል ዝበጽሑ ኣለዉ። ምናልባት እንተተመሰለልናን፡ ጉዳይና ፈጣሪ`ዉን እንተተሓወሶንሲ፡ መራሕቲ ሃይማኖት ኣእጃምኩም ከተልዕሉ ነማሕጽነኩም። ፈጣሪ ጥበብ ክህበካ ኣሚንካ ዝግበር ዕዩ ድማ፡ ፍረስ ኣይስኣኖን ኢዩ። ጸኒሕና እምብኣር ዕማምን ብፍድሆታትን እዛ ኮሚተ እንታይ ክኸዉን ከምዝኽእል፡ ብመንጽር ህልዊ ክነታት ክንሪኦ ክንፍትን ኢና።

መዘዝ ብረት ዝዓጠቐ ሰለማዊ ህዝብን ተቓወምቲ ሓይልታት ኢትዮጵያን

እቲ ምስዚ ክልዓል ዝግብኦ ጉዳይ እምበኣር፡ ጉዳይ እቶም ብኣስገዳድ ብረት ዓጢቖም ዝርከቡ መንእሰያትን ሽማግለታትን ኢዩ።  ስርዓት ህግደፍ ብሰለማዊ መንገዲ ስንጣኑ ንህዝቢ ከምዘየረክብ ኣቐዲሙ ኣፍሊጡ ኢዩ። እቲ ናይ መወዳእታ ዕጭኡ ድማ ብኣጥፊእካ ጥፋእ ትራጀዲ ንኽዛዘም ኩሉ ምድላዋቱ ኣጻፊፉ ይርከብ። ንሰለማዊ ህዝቢ ብረት ምዕጣቕ ማለት እንታይ ማለት ምኻኑ፡ ንበሃም እንከይተረፈ እኳ ንኽርድኦ ዝእግም ኣይኮነን። ኣብቲ ልእላዉነት ሃገር ተጋሂሱ፡ መሬት`ዉን ከም ዑንቂ ዝጸበበትሉን፡ ሓደ ርብዒ መሬት ኤርትራ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ዝተጎብጠሉን ህሞት ሳልሳይ ወራር እኳ፡ ሰላማዊ ህዝቢ ብረት ከምዝዓጥቕ ኣይተገብረን። እሞ ኣብ`ዚ ኲናት ዘኽተመሉን ናይ ኲናት ስግኣታት ብዓቢ መጠን ዝቐነሰሉን ህሞት ድኣ፡ ገዛ ገዛ እንዳኣተኻ ብረት ምዕዳል እንታይ’ዩ ቕንቊኝኡ ናይ ዝብል ሕቶ መልሲ ንኹላትና ብሩህ ኢዩ።

ስለዚ እምበርኣር እዚ ስርዓት ኣብ ዝወድቀሉ፡ ዘይከምቲ ስርዓት ደርግ ክወድቕ እንከሎ፡ ነቲ ዝተፈጥረ ሃጎፍ ዝሽፍን ኣብ ኤርትራ ህ.ግ ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ህወሓት ቁልፊ ግደ ዝነበሮ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ግን ከምዚ ዓይነት ዝዋደበ ዘለዎ ነቲ ሃጋፍ ዝዓብስ ሓይሊ የለን። ህዝብና ኣብ ሕንፍሽፍሽ ንኸይኣቱን ታሪኽ ሶማል ኣብ ሃገርና ንኸይድገምን ክንሰግእን፡ ነዚ ናይ ጥፍኣት ደበና ንምብርዓን፡ ህጹጽ ስጉምቲ ክንወስድ ዝግባኣና። ኣብዚ ቕንያት ንሰምዐ ከምዘለና፡ ህዝብና ብህልቂት ኣማኢት ደቁ ሓዘኑ ከይወደአ፡ ኢሰያስ ደምሒት (ትግራይ ዝመበቆሎም ዕጡቓት ጉጅለ) ልኢኹ ንተቐማጦ ከተማ ኣስመራ ብግፋ ደቁ ክድብሶ ተራእዩ። እዚ ብዕጡቓት ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዉሽጢ ኣስመራ ዝተፈጸመ ተግባር ዕሽሽ ኢልካ ዝሕለፍ ኣይኮነን። ክሳዕ ክንደይ ደይ መደይ ብምባል መመሊሱ ነገራትና ይሓላልኾ ከምዘሎ`ዉን ክንግንዘብ ዝከኣል ኢዩ። እዞም ኢሰያስ ብፍሉይ ክረርዎም ዝጸንሐ ተቓወምቲ ዉድባት ኢትዮጵያ ዝተሰምዩ፡ ኣብ ተግባር ግን ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ልክዕ ኣብ ሓለዉኡ ኣዋፊርዎም ይርከብ። እዞም ዉድባት ብፍላይ እኳ ደምሒት፡ ኣብ’ዚ ጽንኩር እዋን፡ ነዚ ተግባር ምፍጻሞም ህዝብና ዕድል እንተረኺቡ ከመይ ጌሩ ከምዝቐጽዖም ብዓንተብኡ ተገንዚቦም ኣለዉ። ነቲ ዘዕቖቦም ህዝቢ ብኣፈሙዝ ብረት ከሰራጥይዎ እንክትርኢ ድማ ዘበነ ግርምቢጥ ጥራይ’ዩ ክበሃል ዝክኣል። እዚ ፍጻመ ነቶም ብፍላጥ ይኹን ብምትላል ጎረርኦም ክሳብ ዝነቕዕ ነዚ ስርዓት ክመጻደቕሉ ዝጸንሑ ”ኤርትራዉያን ኢና” በሃልቲ ወገናት እምበኣር፡ ናይ መወዳእታ ደወል ተሃሪምሎም ኣሎ። መርገጺኦም ለዊጦም ዓገብ እንተዘይሎም ድማ ድሕሪ ደጊም  ብህዝቢ ቅንጣብ ትኹን ፋዕራ ከምዘይብሎም ዘመስክርን፡ ዕርቃኖም ዘዉጽእ ናይ ፍርዲ እዋን ተበጺሑ ኣሎ።

ኣብ 2006 ኢሰያስ ንኹሎም ተቓወምቲ ዉድባት ብምእካብ ”ኣብዛ ሃገር ብሳላይ ኢኹም ዘለኹም፡ እምበር ህዝቢ ኤርትራስ ሓንቲ መዓልቲ ትኹን’ዉን ኣይመቐመጠኩምን።” ክብል ከምዝተዛረቦም ኣብቲ እዋን ምስ እዞም ዉድባት ቅርበት ዝነበሮ ሰብ የዕሊሉኒ ኔሩ። እዞም ቊጽሮም ኣብ`ዚ እዋን ናብ ዓሰርተታት ኣሽሓት ክብ ኢሉ ዘሎ፡ ፍሉይ ክንክን ዝግበረሎም ምሩጽ ወተሃደራዊ ዕጥቒ ዝቕረበሎም ዉድባት ኢትዮጵያ፡ ንዓቢ ሓደጋ ሃገራዊ ጸጥታ ምኽንያት ኮይኖም ይርከቡ። ደምሒት ቀጻልንት ስልጣን ኢሰያስ ንምዉሓስ ኣብ ዝግበር ቃልሲ፡ ንዕዖም`ዉን ናይ ሞትን ህይወትን ቋልሲ ኢዩ። ‘ሞትካ ሞትና ህላወኻ ህላወና’ ብምባል ምስ ሓይልታት ምክልኻልና ምርጻሞም ዘይተርፍ ከምዝኾነ እንዳተጋህደ መጽዩ ኣሎ። እቲ ምንታይሲ ህላዉነቶም ኣብ ኤርትራ ብፍታዉ ኢሰያስ እምበር፡ ህዝቢ ኤርትራስ ኣይባረኸሎምን። እቲ ክዉላዕ ልዑል ተኽእሎ ዘለዎ ኲናት ሕድሕድ እምበኣር፡ ብቐንዱ ኣንጻር እዞም ዉድባት እዚኦም ዘነጻጸረ ክኸዉን ልዑል ተኽእሎ ኣሎ። ኮይኑ ግን እቲ ኣብ ሞንጎ ዝተፈላለዩ ጀነራላትና ዘሎ ኢሰያስ ብዝፈሐሶም ዉዲታት፡ ኣብ ምትፋናንን ዘይምትእምማንን ስለዘእተዎም፡ ንሶም’ዉን ዘቕስኑ ኣይኮኑን። ብፍላይ እኳ ደኣ መብዛሕትኦም ብገበን ስለዘቖማጥዖም፡ ህላዉነቶም ምስ ህላዉነቱ ኣተሓሒዞም ክሳዕ ሕጂ ክርእይዎ ጸኒሖም ኢዮም። በዚ ድማ ክጥቐስ ዝእኽል ብድሆ ካብዞም ጀነራላት ከየጋጠሞ ሓያለ ዓመታት ሓሊፉ። ሕጂ ግን እታ ዓባይ መርከብ ትጥሕል ስለዘላ፡ ነብሶም ከመይ ከምዘዉጽኡ ጨኒቝዎም፡ ኣብ ወጥሪ ኣትዮም ከምዝርከቡ ከነስተብህል ይግባእ።

እዞም ዉድባት ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ስርዓተ-ለዉጢ እንተመጽዩ፡ እታ ዝነበረቶም እንኮ ኣማራጺ ዶብ ኣቋሪጽካ ናብ ሱዳን ምህዳም ኢያ። እዚ ኣማራጺ ግን ኣብ`ዚ እዋን ማህሚኑ እዩ። እዞም ዉድባት ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ወይ ኣብ መሬት ጋሽ ኣይኮኑን ዓሪዶም ዘለዉ። ኣብ ዞባ ማእከልን ከባቢ ጋሕተላይን እዮም ዝርከቡ። ካብዚ ሓሊፎም ዉሻጠ ኣስመራ ኣትዮም ገበርትን ሓደግትን ኽኾኑ ስልጣን ተዋሂብዎም። በዚ እምበኣር፡ እቲ ዉሽጥናን ቖምሽጥናን ጽቡቕ ጌሮም ካብ ፈለጥዎ፡ ናብ ሱዳን ክሃድሙ’ዮም ኢልካ ምሕሳብ ዓቐበት ኢዩ። ዝሃድሙሉ ምኽንያት’ዉን ኣይረኣዮምን። ዕድልን ግዜን እንተረኺቦምሲ፡ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ስልጣን ሃጓፍ ንምዕባስ ዘይመጣጠርሉ ምኽንያት’ዉን የለን። እቶም እዚ ክዉንነት ምዉሓጡ ዝኣበዮም፡ ነገራት ደንጉዮ ዝበረሃሎም ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ንሃገርና ካብ ወራር ደምሒትን መሰልቶምን ሓራ ንምዉጻእ ኣብ ዝኸፍትዎ ተኲሲ፡ ከቢድ በሰላ ኪገድፍ ይኽእል ኢዩ።

ህዝብና በዚ ትማል ዘጋጠመ ተግባራት ደምሒት፡ ልቡ ክሒኑ ስለዘሎ፡ እቲ ዓጢቝዎ ዘሎ ብረት ብምምዛዝ  ሕነ ናይ ምፍዳይ ስጉምቲ ክወስድ ይኽእል ኢዩ። እዚ ምልሻ ወዳቢ እንተዘይብሉ ድማ፡ ሕንፍሽፍሽ ክልዓልን ፈታዊኻን ጸላኢኻን ኣብ ዘይትፈልጠሉ ደረጃ ክብጻሕን ዓቢ ተኽእሎ ኣሎ። ሓንሳብ ጥይት ኳሕ እንተ ኢላን፡ ምፍሳስ ደም እንተጀሚሩን ድማ፡ እቲ ኩነታት ካብ ቊጽጽር ወጻኢ ክኸይድ ይኽእል ኢዩ።

ኣብ`ዚ ኣነኣኢስካ ዘይርአ ድማ፡ ጉዳይ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኢዩ። ተጋደልትን ሃገራዊ ኣጎልጉሎትን ኣንጭዋን ዱሙን ኢዮም። ብሰሪ ብልሽዉን ዘይዉዱንን ምሕደራ ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ልቢ ብዙሕ ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት ብቒምታ ዝሰምበረ ኢዩ። ኣብ ሞንጎ ኣዘዝትን ተራን ዘሎ ቂም ብሒነ ምፍዳይ ከይዛዘም’ዉን ስግኣት ኣሎ።

እዚ ክብ ኢሉ ክጥቀስ ዝጸንሐ ክስተታት እምበኣር፡ ክልስ-ሓሳብ ጥራይ ኮይኑ ክተርፍ፡ ህጹጽ እዋናዊ ስጉምቲ ምዉሳድ ከድሊ ኢዩ። እቲ ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ዝርከብ ህዝብና ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ስለዝርከብ ድምጹ ከስምዓሉ ዝኽእል ኣፍደገ የብሉን። ሳላ መግዛእቲ ኢሰያስ ግን፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ካብ ህዝብና ኣብ ስደት ሰፊሩ ስለዝርከብ፡ ተወዲቡ እቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ስጉምቲ ክወስድ ይኽእል ኢዩ።

ስለዚ እምበርኣ እታ እትቐዉም ኮሚቴ ዕርቂ፡ ንኹሎም ቀጸላታት ሕብረተሰብና እትዉክልን ብመራሕቲ ሃይማንትን ዓበይቲ ዓድን ምስ ቖመት፡ ነዚ ጉዳይ ብዕቱብ ተረዲኣ ስርሓ ክትጅምር ይግባእ። ካብቲ ቀንዲ ዕማም እዛ ኮሚተ እዞም ዝስዕቡ ሓሳባት ከካትቱ ይኽእሉ ኢዮም።

1. ኣብ ወጻኢ ንዝርከብ ህዝብና ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ መራሕቲ ፖለቲካዉያን ዉድባ፡ ንህልዉ ሓደገኛ ኩነታት ሃገርና ኣብ ግምት ብምእታዉ፡ ብዘለዎም ናይ ኣረኣእያ ፍልልያት ኣብ ነንሕድሕዶም ምጥቅቃዕ ከወግዱን፡ ንድሕነት ሃገር ቀዳምነት ሰሪዖም ብሓባር ክሰርሑ ምጉስጓስን ምምዓድን።

2. ኣብ ዝተፈላለያ ኣብያተ ክርስትያናት ይኹን መሳጊድ ብሰሪ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ተተፋኒኖም ንዝነብሩን ኣብ መንገዲ ተረጋጊጾም ዝሓልፉን ዘለዉ ዜጋታትና፡ ዘለዎም ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ብዘየገድስ ፍልልያቶም ብምክብባርን ብምጽዉዋርን እቲ ዝምድንኦም ናብ ንቡር ክምለስ ምጽዓር።

3.  ነዚ ኣብ ልዕሊ ሃገርና ዘንጸላሉ ዘሎ ደበና ጥፍኣት ንምግታእ፡ ብሚስጢር ንላዕለዎት ወተሃደራዉያን ሓለፍቲ፡ ካብ ኮለኔላት ክሳብ ጀነራላት ረኺቦም፡ ህዝቢ ኣብ ጎኖም ከምዘሎን ምስ መዛንኦም ኣዘዝቲ ንዘለዎም ምትፋናን ስለ ድሕነት ሃገር ዕሽሽ ብምባል፡ ሃገርና ካብዚ ኣትያቶ ዘላ ደልሃመት ንኽትወጽእ ዝተወሃሃደ ተባዕ ስጉምቲ ብምዉሳድ፡ ስልጣን ናብ ህዝቢ ክረክቡ ምጽዋዕ። እዚ እንተደኣ ጌርም ድማ፡ ኣብቲ ኣብ መጻኢ ዝምስረት ሓድሽ መንግስቲ ቦታ ከምዝህልዎምን፡ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኲነት፡ እቲ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝፈጸምዎም በደላት፡ ካብ ህዝቢ ምሕረት ከምዝግበረሎም ቃል ክእተወሎም። ካብ’ታ ብተመሳሳሊ ተመክሮ ዝሓለፈት ኮሚተ ሃገራዊ ዕርቒ ኣልጀርያ፡ እዛ ኮሚተ ብደቂቕ ብምጽናዕ ብዙሕ ፍልጠት ክትቀስም ትኽእል ኢያ።

4. ብጎረባብቲ ሃገራትን ማሕበረ-ሰብ ዓለምን፡ እቲ ኣብ ዉሽጢ ኤርትራ ብሓይልታት ምክልኻል ዝዉሰድ ስጉምቲ ህዝባዊ ደገፍ ከምዘለዎን ተፈላጥነት ክረክብን  ምንጣፍ።

ካልኦት ነጥብታት እታ ኮሚተ ኣገዳስነቶም ብምርኣይ ዕማማ ከተሰላስል ትኽእል።

እቲ ኣብ ደገ ዝነብር ደላዩ ፍትሒ ኩሉ ዜጋ፡ ነዛ ኮሚተ ብወግዒ ደገፉ ክህባ ይግባእ። ሓደ ካብቲ ንዕድመ ስልጣን ዉልቀ-ምልካዊ መግዛእቲ ህግደፍ ክሳዕ ክንድዚ ከምዝሻድን ዝገብሮ፡ እቲ ኣብ ተቓዉሞ ደምበ ዝተራእየ ዘይብስለትን ዘይምክእኣልን እዩ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ እምበኣር ኩሉ ፍልልያት ኣወንዚፉ፡ ነዛ ኮሚተ ደገፉ እንተሂብዋ፡ ኣብ’ታ ደሞክራሲ ዝሰፈና ኤርትራ፡ ናይ መኖም ሓሳብ ከምዝሓይሽ ህዝቢ ባዕሉ ስለዝዳንዮም፡ ነዚ ሕልሚ ክዉን ንምግባር ጥራይ ብሓባር ክሰርሑ ይግባእ። እዚ እንተጌሮምን ንስቅያትን ኣዉያትን ህዝቢ ቀዳምንት ሂቦም እንተሰሪሖምን፡ ኣብ ሓንቲ ጽላል እንተደኣ ተጠርኒፎምን እምበኣር፡ ተዓጽየን ዝነበራ ኣእዛን ብዙሓት ክኽፈታን፡ ልቢ ሓያለ ሰባት ብተስፋ ክርስርሳን እየን።

በዚ ኣጋጣሚ ንተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ) ብዝወሰዶ ተባዕን ለባምን ስጉምቲ፡ ከየመስገንክዎ ክሓልፍ ኣይደልን። ስነ-ጥበባዊ የዉሃንስ ትካቦ’ዉን ንክልቲኡ ወገን ንምትዕራቕ ከምዝሰርሕ ብዝሃቦ ቋል ክምጎስ ይግብኦ። ብፍላይ እኳ ፓስተር ጎይትኦም ገብረዮናስ ክብ ዝበለ ምስጋናይ ይብጽሓዮ። ንሱ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ዋሽንግተንን ከባቢኡን ንዝነብሩ ኩሎም ደገፍትን ተቓወምትን ዕድመ ብምግባር፡ ኣብ ንሓድሕዶም ዘሎ ጽልኢን፡ ጸቢብ ትሕተ-ሃገራዊ ስሚዒታት ወጊድ’ሎም ብምጽዉዋር ተኸባቢሮም ክነብሩ ሓያል መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ኢዩ። እቶም ካልኦት መራሕቲ ሃይማኖት’ዉን ኣሰሩ ብምስዓብ፡  ይጽንሓለይ ዘይብሃሎ ዕዩ-ገዛ ከምዘለኩም ክትግንዘቡ ይግባእ። እዚ ብወዲ ቫካሮ፡ ወዲ ትካቦ ከምኡ’ዉን ፓስተር ጎይትኦም ብንጽል ዝተወስደ ዝንኣድ ተበጉሶ እኳ እንተኾነ፡ ዝበለጸ ኣድማዒ ዉጽኢት ምእንቲ ክርከቦ ግን፡ ከምኦም ዝኣመሰሉ ካልኦት ለባማትን ዓበይቲ ዓድን ብዝተወደበ መልክዕ ክድርዕዎ ይግባእ።

እዚ ሕልሚ እዚ ጋህዲ እንተዘይተቐይሩ፡ እቲ ዘንጸላልወና ዘሎ ሓደጋ እምባዛ ሓደገኛ ኢዩ። ኢሰያስ ብደይ መደይ ዝፈሓሶም ዉዲታት፡ ሽቶኦም ከይወቕዑ እንከለዉ ብኣጋ እንተዘይ ኣለሊናዮምን፡ ንምፍሻሎም እንተዘይተረባሪብናን ግን፡ እታ ጽቡቓ እንመነየላ ሃገርና፡ ‘ናብ ሶማል ክትቅየር ኣይትኽእልን ኢያ’ ኢልና ጥራይ እንተፈከርና፡ ካብቲ መዓት ክንስወር ኣይንኽእል። ከምቲ ኣብ’ዚ እዋን ሓያለ ሶማላዉያን ንስርዓት ስያድ ባረ ምስ ኩሉ ጽያፈታቱ ዝናፍቝዎ ዘለዉ፡ እቶም ደገፍቲ እዚ ስርዓት ክሳዕ ክንድዚ ክሻድንን ሃገርና ኣብዚ ዘላቶ ደረጃ ክሳዕ እትወድቕ ንዝገበሩሉ ምትብባዓትን ዘንጊዖም፡ ”ቀደሙስ ኣይበልናኩምን’ዶ ዘይንሱ ደኣ መን’ዶ ሒዝዋ ጸኒሑ ኢዩ።” ብምባል ክመጻደቑ ክጅምሩ ኢዮም። በዚ ድማ ኣብ ነንሕድሕድና ክንተፋነን ኢሰያስን እኩይ ዉዲታቱን ዝዝክሮ ሰብ’ዉን ክስኣን ኢዩ። እዚ ክዉንነት’ዚ ጋህዲ ንኸይቅየርን ህዝብና ካብ’ዚ መዓት`ዚ ክስወርን እምበኣር፡ ሃየ ዓቕምና ብዝፈቕዶ ዘበለ ብትግሃት ዉዳቤና ኣሐይልና ክንሰርሕ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ መድረኽ ዝጠልቦ ዝበረኸ ሓላፍነት ይጽበየና ኣሎ።

ብቴድሮስ ኣብርሃም

tedros1000@gmail.com

aseye.asena@gmail.com

Review overview
36 COMMENTS
  • Zehawarya November 6, 2013

    ናይ ኣስመራ ናብ መቓድሾ ምቕያር ወይ ኤርትራ ናብ ሱማል ምቕያር ዘይተርፍ እዩ ፥ እቲ ከመይሲ ንስኻትኩም ተቓወምቲ ኣብ ኣዋሳ ፣ ኣዲስ ኣበባ ፣ ኣብ ደብረዘይትን ቦለኛን ዘይተሰማማዕኩም ኣብ ኤርትራ ኣቲኹም ክትሰማምዑ ዝብል እምነት ዘለዎ ኤርትራዊ የለን። ሕዝቢ ኣባኹም እምነት ስለዘይብሉ እዩ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ተገዚኡ ዝኸይድ ዘሎ። ሰነፋት ፣ ዘርአኛታት ፣ ዓሌታውያን ፣ ወገናውያን ፣ ኣውራጃውያን ፣ ሃይማኖትውያንን ካልእ ብዙሕ ሓደገኛ ዝኾነ ፓራዶክሳው ኣረኣእያ ከምዘለኩም ዝፈልጥ ህዝቢ ኤርትራ ካልኣይቲ ሶማል ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንኸይፈጥር ተጸሚሙን ተረጊጹን ይኸይድ ኣሎ።

  • wedi meret November 6, 2013

    Tedros Lebam eka eti haqi dma tentinkayo ajoka tsbuq mengedi higika aleka gin ezom tselaElaE ziblom zelo sile eti haqi ktsawerwo aykalun mkneyatu widitom efeshilom alo

  • H.K November 6, 2013

    Dear Tewodros,

    Thank you for your article.
    I have the following comments for your analysis:
    1- The social fabric between that of Eritrea and Somalia is 100% different. We can go in detail but to name the few a) The Somalis has more Ethnical affiliation than National. b) They are less exposed than we are. c) Religious fanaticism is prevalent d) They have no experience of unity like the Eritrean long struggle for liberation and the coexistence of the two religions.
    2- The Eritrean people are more matured and more far sighted than their MAFIA leaders and they know the consequences of their caos more than any country on earth.
    3- This has been tested before the Federation with Ethiopia and was resolved in AKEBA BETGHIORGHIS.
    So, regardless what the Shifta leaders intention is the possibility is less than 5%. if not 0%!!

  • ERITRAWIT November 6, 2013

    Thank u very good articles,so Isaias supporter and the General most of u from Hamasein are u with u people or with Demhit Tegaru my comment it does’t include all Hamasien with respect.

    • hanti Ertra November 6, 2013

      Eritrawit

      who are you to question the sympathy and nationalism of Hamasien people? i guess you are closer to demhit than the people of Hamasien. i hope you are saying this to provoke the people of hamasien,, but if you are serious with it, trust me your intention (marginalizing Hamasien) will take you no where. stand in the heart of asmara , look to the north till fifil, look to the east till Dongolo, look to the west till Adi namin, look to the south till weqerti and shiketi…..are you sure about what you are seeing? hamasien people are similar to the other awrajas. what they contribute in the revolution is not more not less than that of the others. and i believe no good hamasienay intends to marginalize his cousins from the Eritrean political forum. as to me i do not want see eritrea marginalizing any locality,ethini group or religion…i paid life to eradicate divissionism and colonization. enough about disunity.
      Tedros , i respect your ideas. lets work on it.

      • Dawit November 6, 2013

        If you need to know go to Beleza mekutsisar akmi seb.
        More than 65% of HGDEF military officers are from awraja Hamasien.
        Why aren´t other regiones fight for the liberation of Eritrea?
        An answer will come sooner or later.

    • John November 6, 2013

      Your comment is childish. And you want Eritreans united. First unite your brain.

  • qelchama November 6, 2013

    The message is clear,we have a promiss to save our history
    now we know HGDF is Enemy of Eritrean poeple what to do is
    clear the same like Qezafi or Sadam

  • keren November 6, 2013

    Gud analysis indeed.the message is clear let’s talk to each other for the gud of our land irrespective of our political affilations. Lets show maturity, and save our nation frm disintegration.

  • Eritrean November 6, 2013

    I do not think we have a polotical crises in our country the problem is spritual unity. We are all saying unity unity but really when we probe our heart is empty there are some people have integrity thank God for them but we need to recognize this people and these kind of people Eritrea need them.

  • ተወልደመድኅን November 6, 2013

    ኤርትራ ሶማል፡ ኣስመራ መቓድሾ ከይኮናና እንታይ ንግበር?…..እዋኑ ዝሃለፎ ሕቶ’ዩ።እዚ ሕቶ’ዚ ቅድሚ ሰለስተ ኣርባዕተ ኦኣመት ተላዒሉ ዝተዘርበሉ ኢዩ።ሳላ ሽዑ ዝተዘርበሉ፡እነሆ ብውሽጥን ብግዳምን ነድሪ ተወሊዑ ንህግደፍን መራሕቶምን ለብሊቡዎም።እዚ ሕቶ’ዚ ኪመጽእ ስለዝተፈልጠ ኢዩ፡ህግደፍን መራሒኡን ጭእ ክሳብ ዝጨንዩ ዕንኪልል ክብሉ ዝጸንሑ።ሎሚ ጪኦም በኪዑ ኩሉ ሪሒቑሎም ኢዩ።ሎሚ ምእንቲ ህግደፍን ኢሳያስን ተባሂሉ ክጭድር ዝኽእል የለን።ናይ ሎሚ ሕቶ እቲ ኣብ ውሽጢ 22 ዓመት ዘመን ግዝ ኣት ኢሳያስ ዝቦቖሉ ዓጻቓት ጻህያይ ኣብ ቀረባ ግዜ ቦቂስና ዝከሰርናዮን ኣብ ውሽጢ’ዚ ቅሩብ ግዜ ኣመኦኣራሪና ንቡር ህይወት ኅብረተሰብ ኣብ ቦት ኡ ይምለስዶ፡ኣንታይ ክንገብር ኣሎና’ዩ ክኸውን ዘሎና። ምቅይያር ኣብዘለዎ ድኽመትን ጸገምን ክመጹ ስለዝኽእሉ ነቲ ዝመጽእ ጸገም ብስኽፍታ ምር ኣዩ፡ንምፍታሑ ትብዓትን ሃቦን ምሃዝ’ምበር ስኽፍታ ኣየድልን።ዝተፈላለዩ ሃድነት ሃገር ዝበታትኑ ኩነታት ተራእዮም ኢዮም ኩሎም ከኣ ትምህርቲ ኣቕሲሞም ኢዮም።ሰልዚ ድሕሪ ሕጂ ዝመጽእ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ክሃይሽ ዝኽእል’ምበር ዝኸፍአ ክመጽእ’ዩ ዝብል ስኽፍታ ምእላይ የድሊ።ንዝኾነ ዝዝረብ ወረ ከኣ መፍትሂ ኣለዎ።ጉዳይ ናይ ደምሒት ክፈልጡዎ ዝኽእሉ ኣብ ውስጢ ኣኤርትራ የለውን፡ነዚ ጸገምዚ ኣብ ምፍታሕ ክእለት ዘለዎም የለውን ንሕና ኢና ፈላጣት ትብል እንተሊካ ትጋጋ ኣሎኻ።ስለዚ ንዝመጽእ ምዕባለታት ንጸበዮ።ርግጽ’ዩ ብሓደ መከላከሊ ሚንስተር ዘይእወድ ሰራዊት፡ሃጋጊ ኣካልን ምክትል ፕረዝደንት ዘይብላ ሃገር ክመጽእ ዝኽእል ሃጓፍ ኣስተውዒልና፡እዚ ሃ`ጋፍዚ ተሓቲሙ ቅርጺ ክሳብ ዝህዝ ንጸበ።

  • Hag pag November 6, 2013

    perhaps, eritrea is already collenaizide by tegaru to make return the era of raisy alula.the era of fesses indeed,no time to save ertrea and people.demhit must go…..

  • habte November 6, 2013

    Tedi ita kendi nay hizbi Eritrea gemed tirnafena tibetk zela group na akshishiti special in orthodox church eya. Kintinkekelan kenestewilelan yigiba.

POST A COMMENT