Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራ ሓድሕድ ኩናት ስለዘይብላ፡ ደሴት ሰላም ክትብሃል ኣይትኽእል’ያ

ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ኤርትራ ሰላምን ፍትሕን ከምዘሎ ኣፉ ደም ክሳብ ዝወጽእ’ዩ ዝግዕር። ንኣብነት ብ11 ጥቅምቲ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ስርዓት ህግደፍ ዝተቃልሐ ሓተታ፡ “ኣብ ኢድካ ዘሎ ወርቂ ዳርጋ ጨርቂ ከምዝብሃል፡ ሰባት ኣብ ኢዶም ዘሎ ጽቡቅ ነገር

ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ኤርትራ ሰላምን ፍትሕን ከምዘሎ ኣፉ ደም ክሳብ ዝወጽእ’ዩ ዝግዕር። ንኣብነት ብ11 ጥቅምቲ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ስርዓት ህግደፍ ዝተቃልሐ ሓተታ፡ “ኣብ ኢድካ ዘሎ ወርቂ ዳርጋ ጨርቂ ከምዝብሃል፡ ሰባት ኣብ ኢዶም ዘሎ ጽቡቅ ነገር ክዕቅብዎን ከስተማርዎን እንተዘይክኢሉም፡ እቲ ኣብ ኢዶም ዘሎ ጽቡቅ ነገር ምስስኣንዎ’ዮም ዝርድኦም። ሎሚ ኣብ ጎርባብትናን ካልእ ከባቢታት ዓለምን ምርግጋእ የለን። ኤርትራ ግን ደሴት ሰላምን ህዝባ ድማ ሓድነቱ ዝዓቀበን’ዩ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ ጸጋ ክዕቅቦን ከም ዓቢ ህያብ ክሓስቦን ኣለዎ’’ ክብል ገሊጹ። ብርግጽ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንግዳማውያን መጣቆስትን ደለልትን ቦታ እንተኸሊእዎም፡ ብሰላምን ተጸዋዊሩን ክነብር ጸገም የብሉን። ሓድነትን መንነትን ህዝቢ ኤርትራ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ስልጣን ምስ መጸ ኣይኮነን ተረጋጊጹ። ፖለቲከኛታትን ስልጣን ዝሕዙ መራሕትን ብዝኽተልዎ ውሽጣውን ግዳማውን ፖሊሲታትን ግን፡ ኣብ ሓደ ሃገር ሰላም ክሰፍን ወይ’ውን ዘይምርግጋእ ክፍጠር ኣገዳሲ ረቋሒ’ዩ። ከምቲ ኣብ የመን፡ ኣፍጋኒስታን፡ ሶማል፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሶርያ፡ ኢትዮጵያ፡ ሊብያን ካልእ ከባቢታት ዓለምን ዝርአ ዘሎ፡ ግዳማዊ ምትእትታው፡ ህልቂትን ምምዝባልን ሰላማውያን ሰባትን ዕንወትን፡ ኣብ ኤርትራ ሓድሕድ ኩናት ስለዘየለ፡ ኤርትራ ደሴት ሰላም ከብላ ኣይክእልን’ዩ። እቲ ብስርዓት ህግደፍ፡ ብሕቡእ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ቅትለት፡ ማእሰርቲ፡ ምግባት ሃብቲ፡ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል፡ ብልሽው ምምሕዳር፡ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ድኽነት፡ ምዕፋን፡ ስደትን ምብትታንን ኣማኢት ኣስሽሓት ኤርትራውያንን ዘይተኣወጀ ኩናት’ዩ። ኣብ ኤርትራ፡ ብዘይካ’ቲ ስርዓት ህግደፍ ዝውንኖ መራኸቢ ብዙሓንን ዝዝርግሖ ውሱን ወይ ዝንቡዕ ሓበሬታን ካልኣ ናጻ ምንጪ ስለዘየለ፡ ኣብ ኤርትራ እንታይ ተፈጺሙን ሓቂ ክትፈልጥን ኣዝዩ ኣጸጋሚ’ዩ። ስርዓት ህግደፍ ዝበለካ ከም ሓቂ ጌርካ ምውሳድ ወይ ድማ ብ03 ማለት ብቤላበለው ዝላኻዕ ወረ ምቅባል’ዩ። ዝበዝሕ ምንቅስቃስን ንጥፈታትን ስርዓት ህግደፍ፡ ዋላ እቲ ንህዝቢ ዘገድስ ጉዳያት ምስጢርን ካብ ህዝቢ ዝተሓብአን ስለዝኾነ፡ ስርዓት ህግደፍ ብዝደልዮን ብዘርብሖን’ዩ ሓበሪታ ዝህብ። ህዝቢ ኤርትራ ሓቂ ክፈልጥ መሰልን ዕድልን የብሉን። ንኣብነት፡ ዓመታዊ ባጀት መንግስቲ፡ ካብ ማዕድናት ዝሕፈስ እቶት፡ ክሳራታትን መኽሰባትን ትካላት መንግስቲ፡ እቲ ተራ ህዝቢ ይትረፍ፡ እቶም ስማውያን ሚኒትራት’ውን ኣይፈልጡን’ዮም።

ስርዓት ህግደፍ፡ ካብ ቅድሚ ናጽነት ኣትሒዙ ክሰርሓሉ ዝጸንሐ ብውሽጢ ውሽጢ ሰባት ምሕቃቅን ምስዋርን፡ ድሕሪ ናጽነት’ውን ኣየቋረጾን። ዝኾነ መንግስቲ፡ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ንምሕላውን ሕግን ስርዓትን ንምኽባርን፡ ቅዋም ብዘፍቅዶ ኣብ ልዕሊ ሕጊ ዝጠሓሱ ሰባት ኣድላዪ ስጉምቲ ክወስድ የምሕረሉ’ዩ። መራሒ ሃገር፡ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ሰልፊ ይኹን ጉጅለ ግን፡ ስልጣኑ ተጠቂሙ ኣብ ልዕሊ ካልኦት በደል ክፍጽም፡ ሕነ ክፈድን ሃብቲ ሃገር ከጠፋፍእን ኣይግባእን። ኣብ ኤርትራ እዚ ዝተጠቅሰ ንቡር ኣሰራርሓ ስለዘየለ፡ ሰባት ናይ እምነትን ክሕደትን ቃል ከይሃቡ፡ ክቅተሉ፡ ብዘይ ብቁዕን እኹልን መባእታዊ ኣገልግሎትን ተኸላኽሊ ጠበቃን ከይተገብረሎም ንዓመታት ኣብ ጎዳጉድን ኮንተይነራትን ክሕየሩ፡ ብኽቱር ሙቆትን ኣስሓይታን ክሳቀዩ፡ ብስድራቤቶም ክይብጽሑ፡ መግቢ ይኹን ቅያር ክዳን ከይኣትዎምን ተሓሪሞም ብሕዱር ሕማምን ጭንቀትን ክሳቀዩን ነብሰ ቅትለት ክፍጽሙን ንቡር ኮይኑ። ወዮ ድኣ እቲ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለየ ኣብያተ ማእሰርትን መዳጎኒ መዓስከራትን ብስርዓት ህግደፍ ዝፍጸም ማእለያ ዘይብሉን ኣዝዩ ዘስካሕክሕን ገበናት፡ ስቱር  ኮይኑ’ምበር፡ ግዳያትን ናይ ዓይኒ መሰኻኸርን ቃልኩም ሃቡ እንተዝበሃሉ፡ እቲ መንግስቱ ሃይለማርያም ብስም ቀይሕ ሽብር ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን፡ ሂትለር ኣብ ልዕሊ እስራኤላውያን ጁውሽ፡ ማኦ ጸቱንግን ስታሊንን ኣብ ልዕሊ ተቃወምቶም ዝፈጸምዎ ምጽናት ሰባትን ገበናትን፡ ዝውዳደር ወይ’ውን ዝሓልፎ ከምዝኸውን ዘማትእ ኣይኮነን።

ኣብ መጀመርታ ዝሑል ኩናት፡ ምብራቅ ጀርመናውያን ኣብ ትሕቲ ማሕበርነታዊ ስርዓት ናጽነትን ፍትሕን ምስሓረሞም፡ ካብ 1961 ክሳብ 1989፡ ነቲ ሓደገኛን ብዙሕ መሰናኽልን ዝነበሮ መንደቅ ሰጊሮም ናብ ምዕራብ በርሊን ክሰግሩ ክብሉ ልዕሊ 80 ሰባት ከምዝተቀትሉ መዝገባት ታሪኽ ይሕብሩ። ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት፡ ግፍዕታትን ሕሰም ናብራን ስርዓት ህግደፍ መሪርዎም ናብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን፡ ጁቡትን ክሰግሩ ብጠያይትን ነትጉትን ዝተቀትሉ፡ ተወጊኦም ዝተታሕዙን ረዳኢ ስኢኖም ዝሞቱን ሓመድ ኣዳም ሓሪምዎም ቀለብ ኣራዊት ዝኾኑን ኤርትራውያን፡ ብዝሖም ብርግጽ ኣይፍለጥን’ዩ። መንነቶም ተነጺሩ ስድራቤቶም ክቀብጹ፡ ስቃዮምን ለበዋኦምን መጻኢ ወለዶ ክፈልጦን ኣብ ታሪኽ ክስነድን’ውን ዕድል የለን። ብስም መንካዕ፡ የሚን፡ ጉጅለ 15፡ ክድዓት፡ ምጥፍፋእን ካልእ ኣስማትን ብምጥማቅ፡ ብስርዓት ህግደፍ ብምስጢር ዝተቀንጸሉን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝበልዩ ዘለውን ኤርትራውያን፡ ሓቀኛ ስቃዮም ዘእውየሎምን ዝጸውየሎምን እንተዝረኽቡ፡ “ኤርትራ ደሴት ሰላም’ያ” ንዝብል ምስሉይ ምጉት ስርዓት ህግደፍ እንታይ መልሲ ምሃብሉ?

 ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 16 ታሕሳስ 2017

 

 

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
15 COMMENTS
  • Danilo December 17, 2017

    ምሕደራ ህግደፍ መንደፍ
    መንቀጽ ሱቅ ኢልካ ዘይሕለፍ
    ረብሪብና’ዶ ሓቀይ ክንብል ዓድና ግድፍ?

    በንጻሩ ኣብስደት ንከላበት
    ንጽዋእ ከርተት ንብርሰት
    በሊና ከም ተንኮበት

    ዓለም ዘይኮነት ዘራይት ብዘይካ ኑሱ
    ምድሪ ዓሪቡና ክንብል ንሕና ኑሱ
    ወይለይ ኢሱ! ለዊሱና’ባ ሓዋዊሱ።

  • k.tewolde December 18, 2017

    It is not peace, it is an eerie silence superimposed by the will of the tyrant,it is a haunting silence of crippling fear of humanity,it is a sheer terror that paralyzed a generation of youth to submission,it is a serene landscape with sound proof subterranean torture chambers for the people,it is the Alcatraz of our time,it is a place where the weak minded,insensitive and cold blooded go to validate their self worth. Tsilal don’t get me started.

  • Tesfom December 18, 2017

    በል ጽላል ወዲ ኣመሪካ፣ ዝዝ….. ክንብል ካብ ተፈቐደልና ኣብ ኣሰና ጽቡቕ ጌርና ኸነስምዓካ። ብመጀመርያ ነገር እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሰላም ሰብን እዝግን ዝምስክሮ ሓቒ እዩ። ኣብ ኩለን ከተማታት ዜርካ ጥር ዝብል ብረት ዝዓጠቐ ፓሊስ ኣይትርእን ኢኻ። እዚ ንባዕሉ ማዕረኽንደይ መንግስትን ህዝብን ተረጋጊኦም ብሰላም እነብሩ ከምዘለው ዘመስክር ኩነት እዮ። ህዝባዊ ግንባር ድማ ንትሽዓተ ቢሄራት ብሓንሳብ ተኸባቢረት ተፋቒረን ንኽነብራ ዝገበረ ዉድብ እዮ፡ እሱ ድማ እዩ ምስጢር ዓወትና። እንተ ብዛዕባ ቤትማእሰርቲ ዝበልካዮ መንግስቲ ኤርትራ ከም መንግስቲ መጠን ዕላማ ዘለዎ ርእሳ ዝኸኣለት ካብ ምዕራባውያን ሃገራት ጸቕጥን ምዝመዛን ነጻ ዝኾነት ሃገር ክምስርቱ እንተኾይኖም ናይ ጸጥታ ትካላት ኣበርቲዔን ክሰርሓ ግድነት እዮ። ንኣምነት ናይ ሲቪላዊ ገበነኛታት ካብ ጌግኦም ተኣሪሞምስ ስጋብ ብዲፕሎማን ዲግርን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክምረቑ ንዕዘብ ኣሎና። እንተ እቶም ጉጅለ 15 ዝበልካዮም ሃገር ኽሸጡ እዮም ተታሒዞም። ጉዳዮም ድማ ብናይ ሃገራዊ ድሕንነት ከም ዝተሓዝ ተጌሩ። እስኻ ንባዕልኻ ብዓይንኻ ትርእዮ ኣመሪካ ፓሊስ ከመይ ንጸለምቲ ከም ዝቐትልዎም ዘለዉ ካባይ ትጽበዮ ሓበረታ ኣኮነን። ስለዚ ኣብ ኣመሪካ ኼንካ ብዛዕባ ናይ ኤርትራ ሰላም ከተቛናጽብ ኣየምሕረልካን እዩ። እንተ እቲ ናይመንእሰያት ዋሕዚ ስደት ኣዝዩ ዘሕዝን ኮይኑ ንኤርትራ ምዉዳቕ ብወያነን ምዕራባዉያን ዝተወደበ እዮ። ሓንቲ ካብ ጽሑፋትካ ዝተመሃርክዎ ነገር እንተልዮ ንስኻ ኣዝዮ ዝሰሓነ ፍቕሪ ሃገር ኣለካ እንተኾነ ግን ብጽልእን ብቕርሕንትን ሃገር ከተዔሪ ዘይከኣል እዩ። ናይቲ መንግስቲ ዝኾነን ዘይኮነን ገበናት ረድሪድካ መንግስቲ ክትቕይር ኣይትኽእል ኢኻ። እዚ ኽብል ኮለኹ እቲ መንግስቲ ጉድለታት የብሉን ማለት ኣይኮነን። ጉድለታት ከምዘለዎ እሱውን ባዕሉ ዝእመነሉ ጉዳይ እዩ። ንምዕራዩ ድማ ይስረሓሉ ኣሎ። ንኣብነት ህዝቢ ኤርትራ ብወረዳን ንኡስ ወረዳን መራሕቱ ካብ ዝመርጽ ዓመታት ኣቕጺሩ ኣሎ። እዚ ድማ ርእሱ ዝኸኣለ መስርሕ ናይ ደሞክራሲ ኣብ እቲ ህዝቢ ንምስራጽ ዝዓለመ እዮ። ስለ ዝኾነ ድማ ጽባሕ ንግሆ ካብ ድሑር ሕማማት ነጻ ዝኾነ ሕብረተሰብ ዝመርጽ ዝምረጽ ህዝቢ ክህልወካ እዩ። እቲ ኮንስቲትሽ ወይ ድማ ካብ መንግስቲ ጸቕጢ ነጻ ዝኾነ ላዕለዋ ቤት ፍርዲ ንምትካል ህዝብን መንግስትን ኣብ ጻዕሪ ይርከቡ።

    • k.tewolde December 19, 2017

      Tesfom,either you need lasik surgery or buy a new set of glasses,if that doesn’t work a complete hemispherectomy. Indoctrination is powerful, it creates a generation of robots which repeat the same decibels over and over again.

      • k.tewolde December 19, 2017

        In other words, forget miskin hizbi Eritra,it even worked on the most innovative people of the world -the German people,remember H,H!

      • Tesfom December 19, 2017

        K. tewolde
        Well! It’s interesting respond and it describes you who you are. You sound badly beaten both emotionally and psychologically. I hope you are okay in your life. Your comments are not normal and something is not right. You need to learn how to accommodated different opinions in civilized manner. Cheers!

    • Simon G December 19, 2017

      Tesfom:
      Since I have hard time understanding it, let me try this in reverse way.
      ================================================================================

      ˙ናካርጊናደአ ሲይታንምለስ
      ¿ላአ ርገሃ ልሃበት ራትርኤ ምተስሲ ርላሶ እልካ ብአ ላዋ ዩድ ራትርኤ ጣልፈን ዛ‘ ባዕዛብ ኑዃምን ¿ሎኣ ራትርኤ ብአ ስዮካልበዝ ሉኹዝ
      ፡ሲብነ ትፊስተ ታንአ

      • Simon G December 19, 2017

        Even better, try this was…
        =========================================
        ˙ʇı ƃuıʇɐɔıldnp ʎsɐǝ ʇou sı ʇı ʇnq ssǝɔɔns sʇı ʎdoɔ oʇ ƃuıʎɹʇ sı ǝuo ɹǝʌǝ ˙ɐɔıɹɟɐ ɟo qnɥ ɥɔǝʇ ɥƃıɥ sı ʇı ‘ʇuǝɯuɹǝʌoƃ ƃuoɹʇs puɐ ɔıʇɐɹɔoɯǝp ʎɹǝʌ ɐ ɥʇıʍ ‘pǝdolǝʌǝp ʎlɥƃıɥ sı ʇı ˙llǝʍ ʎɹǝʌ ƃuıop sı ɐǝɹʇıɹǝ

      • Tesfom December 20, 2017

        ኣንታ Simon ሓወይ እስኻ’ኸ ደሓን’ዶ ኣይነበርካን። እዚ ናይ ኣሰና ወፕ ሳይት’ሲ ኣብ ክንዲ መዛተይ ሓሳብ ንሓሳብ መለዋወጢ ብዛዕባ ጉዳይ ሃገር ክንዲ ዝኸውንሲ ካን ዕቑብ ናይ ስላሰ ናይ በዓል ኣደይ ኣምሲልኩሞ። ሓንቲ ካሰት ክትደጋግሙ ጸሓይ ክዓርበኩም። ገለ ማዩ ዝሰተየ መዓዲ ሲኢንኩም። ሕጅስ ድማ ገለ ዝዓይነቱ ቛንቛ ምጽሓፍ ጀሚርኩም። ክንደይ ትበልሑ ወደይ። ኣሰና! ኣሰና! ኣሰና! እስኻትኩም ከምዞም ዓዶም ዘይምለሱ ድሮ መቓብሮም ዝገዝኡ ኢኹም ግዲ። በሉ ኣብካልእ ግዜ ዝዝ ክንብል። ኣይትስኣኑ!

        • Simon G December 20, 2017

          ሶሪ ተስፊት ነብሲ፡
          ሰሓቕ ቀቲልካኒ!

  • Kalighe December 19, 2017

    People like Tesfom are not ashamed to defend a fascist system, because for them, self interest comes first. Some other forms of social ills they may be suffering from cannot be excluded.
    But then, an unexpected bad day comes also from them.
    When they leave Higdef underworld, mostly they go into hiding. They renain silent like a tomb.
    They are ashamed to see the very people they used to insult and threaten.

  • Danilo December 19, 2017

    Tesfom.
    ኣብ ኣሰና ዚዝ ምባል ቀጽል።ከመይ ድሓን እቶ ስሓቅ ቀቲልካኒ። ኣየኸየይ……ከማኻ ዓይኒ ኣንቁሪ፡ቀልቢ ኣልቦ፡ ሓሳዊ ፡ዝሓሰረ ዑሱብ ንውልቀ -መላኺ ፡ንሃገርን ህዝብን ዘይኮነ ምሽክናይ ሓወይ ኣደኻ ትደፋእ ግን በዚ ኣጋጣሚ ንኸም ዝኸማኻ Assenna.com ምዕንጋላ ሑጉስ እየይ።ኣነ ዝጸልእ ብተስፋጺዮን ዝተሓርኡ ሃመማ እየ ዝጸልእ።ከምዚ ማለተይ ግን ከይቲ ሻድን “ጨርቅን ሓሶትን ፈኮስቲ እዮም” ጽባሕ ንጉሆ ከይትጠዓስ ።ኣና ዋራክ ዘመን ጠዊል ።

    • Tesfom December 20, 2017

      ኣንታ Danilo! እንታይ ኽትረክብ ወደይ! እዚ ኹሉ ጸርፍስ ኣይበዝሐንዶ። መቸም ፍኹስ ኢሉካ ክትሓድር ተስፋ እገብር። እንተ እታ “ዑሱብ ናይ ውልቀ መላኺ” ኣይግድን። ኣነስ እንተተዓሰብኩ ድማ ንሓወይ ጅግና ኤርትራዊ። አየወ እዚ ዕጉስ ከም ኣንበሳ። ግዳስ ጸርፊ ኣይትፍቶ። ብሓንሳብ ክልተ ኣሕዋት ኣብ ሓደ ገዛ ዓብዮም እንድዮም ብሓሳብ ዝፋላለዩ። ረሲዕካዮ ትኸዉን እምበር ጀብሃን ሻዕብያን ተባሂሉ የሕዋት ዝተራመጽሉ እዋን እኮኔሩ ኦዩ። ሕጂ ዘድልየና ፍልልያትና ኣማሕዲርና ብሓንሳብ ንረብሓ ህዝብና ምስራሕ እዩ። እዚ ወዲ ኣፎምሲ ካን ናይ ርእሲ ጌሩልኩም። በል እዚ ሓወይ ኣብ ዝቕጽል ዚዝ….ዘይኮነስ ዥዥዥ እየ ክብል።

  • Danilo December 20, 2017

    Tesfom.
    እዚ ባዕልኻ ዚኣመንካሉ ዑስብነት ጸርፊ ኣይኮነን።እቲ ኩንታት ሃገርናን ህዝብናን ብሰንኪ ውልቀ ረብሓ ስእሊ ምቅራብካ ሓሳዊ እየ ዝብለካ ዘለኽክ’ሞ ሓቂ እምበር ጸርፊ ኣይኮነን።

    • Tesfom December 20, 2017

      Danilo!
      እቲ ዕሱብነት ዝብል ቃል እኮ ንስኻ ኢኻ ኣበጊስካዮ። እቲ ምጽራፍ ድማ መስለኒ ገለ ኻብቲ ፖለቲካዊ ፕሮግራምኩም ምዃኑ እዩ። እስኹም ካብ ሓሳብኩም ፍልይ ዝበለ ሰብ ኽትጻረፉ፡ ሰብ ድማ ከም ፋኛቱራ ፎእ እብለኩም። ከም ዝኸማኻ ዝኣመሰሉ ፉብሪካ ጸርፊ ዘለዎም ክንደይ ንህግደፍ ሓገዝቲ ኾይኖም ኣለዉ። በል እስኻ ምጽራፍ ደዉ ኣይተብል። ኣነ ድማ ዚዝ ከም ቐደመይ። ሩሑስ ኣዉድኣመት!

Post a Reply to k.tewolde Cancel Reply