Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራ፡ ግዳይ ጭቆናዊ ሞደልን ዕንደራን

ኣማኑኤል ሳህለ ገለ ሃገራት ኣለዋ፡ ብምኽንያት ጀዎግራፍያዊ ኣቀማምጣአን ይኹን ወይ ፖለቲካውን ሕብረተሰብኣውን ኣቃውማአን፡ ግዳይ ጎረባብቲ ሃገራት ወይ ሓያላን ሃገራት ዝኾና። ካብተን ዝዝክረን ሃገራት ሓንቲ: ፖላንድ እያ። እዛ ሃገር እዚኣ ብዕንደራዊ ይኹን ወይ ስትራተጅያዊ ምኽንያት፡ ብጎረባብታ ክትውረርን

ኣማኑኤል ሳህለ

ገለ ሃገራት ኣለዋ፡ ብምኽንያት ጀዎግራፍያዊ ኣቀማምጣአን ይኹን ወይ ፖለቲካውን ሕብረተሰብኣውን ኣቃውማአን፡ ግዳይ ጎረባብቲ ሃገራት ወይ ሓያላን ሃገራት ዝኾና። ካብተን ዝዝክረን ሃገራት ሓንቲ: ፖላንድ እያ። እዛ ሃገር እዚኣ ብዕንደራዊ ይኹን ወይ ስትራተጅያዊ ምኽንያት፡ ብጎረባብታ ክትውረርን ክትዝመትን እያ ኣሕሊፋቶ። አረ ሓደ እዋንስ ካብ ካርታ ዓለም ዝጠፍኣትሉ ኣጋጣሚ ነይሩ እዩ። ከምኡውን ከም በዓል ኣርመንያ፡ በልጁም፡ ኣልዛስ ሎረን ዝበሃላ ሃገራት ወይ ግዝኣታት፡ ተመሳሳሊ ዕድል ኣጋጢሙወን እዩ። ሓሰኻ ደምበስ ኣብ ዝለምለመሉ ዚብሉዎ ኸምዚ እዩ።

ታሪኽ ኤርትራ ብወራርን ብመግዛእትታትን ብጭቆናን ግፍዕን እተነድቀ እዩ። ግሪኻውያን፡ ፋርሳውያን፡ ዓረባውያን፡ ቱርካውያን፡ ግብጻውያን፡ ኢጣልያውያን፡ ብድሕሪኡ ድማ ብዘይ ባዕላዊ ፍቓድ ምስ ዘይትደልዮ ሃገር ምቝራን ወዘተ…..እዚ ኹሉ ከይኣክል ከኣ ኣብ መወዳእታ ህግደፋውያን ተራኦም ሓሊዮም መጺኦም!! ደሓንዶውዒልኪ ጭቆና!

ወራርን መግዛእትን ጭቆናን ግፍዕን ብዝኾነ ሰብ ወይ ውድብ ኪመጽእ ወይ ኪገሃድ ይኽእል እዩ። ኣደ፡ ኣቦ፡ ሓው፡ ዘመድ፡ ጻዕዳ፡ ጸሊም፡ ሓጺር፡ ነዊሕ ኣይብልን ወይ ኣይፈልን። ናይ ምውራርን ምግዛእን ናይ ግፍዕን ጭቆናን ባህርያት፡ ሕብሩን ቆርበቱን እናለዋወጠ ኣብ ኩሉ ፖለቲካውን ማሕበራውን ቁጠባውን ኩነታት ይኽሰት እዩ። እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ብኹሉ መገድታቱ ነዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓት ይገልጾ እዩ፡ ብዘይካ እታ ምውራር!! እታ ምውራር ናብ ናጻ ምውጻእ ተለዊጣ ኾይና እምበር፡ መለሳ የብላን። እታ ናጻ ምውጻእ ድማ ንባዕላ ሕድሪ ስዉኣት ጠሊማ ናብ ጭቆና ተለዊጣ!

እቲ እተፈላለየ ባህርያት ሰብ ዚጥርንፍ ፖለቲካዊ ስልትን ሜላን ቍርቁስን፡ ነቲ ዘዋጽኦ እምበር ንሃገር ወይ ንህዝቢ ወይ ንሓው ወይ ንሓውቲ ኣይርእን እዩ። ኣብ ህርፋን እተሰረተ ፖለቲካ፡ ዘመድ ወይ ዓርኪ የብሉን፡ ጥቕሚ ጥራይ እዩ ዘለዎ፡ ናብ ጥቕሙ ጥራይ እዩ ዚጎዪ። ዝጠቕሞ እንተ ኾይኑ፡ ነቲ ህዝቡ ከም ዘይህዝቡ፡ ነቲ ዘርብሖ ግን ከኣ ጸላእ ህዝቡ ዝኾነ ወገን ድማ ከም ህዝቡ ገይሩ ኪርእይ ልሙድ እዩ። ናይ ሶቭየት ሩስያ ውልቀመላኺ ዝነብረ ጆሰፍ ስታሊን፡ ኣብቲ ናይ ህዝቢ ምፍንቃል ዕማሙ፡ ንደቂ ዓዱ ከም ዘይነሓፈ ታሪኽ ይምስክር።

ሓድሓደ ግዜ እቲ ናይቲ ዝሓለፈ ስርዓት ኣካይዳ ከም ሞደል ኮይኑ ንነዊሕ ዘበናት ይሰርሕ እዩ። ኤርትራ ብምሒር መግዛእትን ጭቆናን ናታ ናይ ኣገዛዝኣ ሞደል ቀሪጻ እያ። እዚ ሞደልዚ ኣብቲ ናይቲ ህዝቢ ታሪኻዊ ኣነነት (ኤቶስ) ዝሰረጸ ይመስል። በዚ መገድዚ እቲ ነታ ሃገር ኪገዝኣ ዝመጽእ ሓይሊ ነቲ ሞደልቲ ኪርዕሞ ምድላዩ ዘገርም ኣይኮነን።

እቲ ሞደል በቶም ዝሓለፉ ገዛእቲ ሓይልታት እዩ ተቐሪጹን ኣብ ግብሪ ውዒሉን፡ ህግደፋውያን ድማ ይጥቀሙሉ ኣለዉ። ከም ግቡእ ግን ናጻ ኣውጻእቲ ነዚ ሞደልዚ ኣፍሪሶም ካልእ ንህዝቢ ኤርትራ መንነቱን ኩርዓቱን ሓበኑን ዝቕስቅሰሉን ዘበራብረሉን ሞደል እዩ ኪፈጥሩ ዝነበሮም። ነቲ ዝሓለፈ ሞደል ምጥቃም ግን ፋይዳ የብሉን። ምጭቋን ምጭቋኑ ደኣሞ ጣልያን ዘይጭቍኑና! ንጣልያን ባዕዳውያን ዝገበሮም እኮ ሕብሮም ኣይኮነን፡ ባህርያቶምን ሜላታቶምን ኣጀንዳኦምን እዩ። ብሩታ ራሳ (ተካል ዓሌት)፡ ባፋንኩሎ ይብሉና ነይሮም ጥልያን፡ እዚኣቶም ድማ፡ ደ..ሸራ….ክትርእያ ኢኽን! ወርቂ ቢሻኮ ዋናታቱ ኣለዎ… ኣብ ማይ ዘለዎ ዘይትኸዱ….ይብሉና ኣለዉ።

ገለ ሰባት፡ ዋእ ካብ ባዕድስ፡ ሓውኻ ደኣ ይጨቍንካ ዚብሉ ኣይሰኣኑን። ሓቃቶም ኪኾኑ ይኽእሉ፡ ከመይሲ ባዕዲ ኩሉ ግዜ ባዕዲ እዩ። ኣይእንታይካን። ሓውኻ ግን ምዒድካዮኳ ይምለስ….። እቲ ኣብ ላዕሊ እተባህለ ኣዘራርባ ምስ መረረካ እትብሎ ደኣምበር፡ ደሊኻዮ ኣይኮነን። ን25 ዓመታት ላሕ ዘበላካ ሓውኻ ግን፡ ዘይደለኻዮ እዩ ዘዛርበካ። እምበርዶኸ ሓውኻ እዩ?

ሓደ ናይ ጎይተቱ ጥልያን ሰራሕተኛ ዝነበረ ኤርትራዊ ኸምዚ ኺብል የዘንቱ፤ ጎይታይ ጥልያኖ ኩሉ ግዜ ንግሆ ስራሕ ክኣቱ ማለዲኳቶ (ደንቆሮ) ይብለኒ ነይሩ፡ ኣቤት ክፈትወኒ። ነቲ ጸርፊ ለሚዱዎ ማለት እኮዩ። ስርዓት ህግደፍ፡ ጸርፍን ውርደትን መዓር ዝጥዕሞ ክፋል ህዝቢ ምፍጣሩ፡ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ሰይጣናዊ ዓወታቱ እዩ።

ብዘይካ ናይ መግዛእትን ጭቆናን ሞደል ካልእ ሞደል ዘይፈልጡ ናይዚ ስርዓትዚ ተሓላቕቲ፡ ዕምሪ ጭቆና የናውሑ ከም ዘለዉ ይፈልጡ ድዮም? ብሓደ ወገን ግን ኣይተጋገዩን፡ መንዶ ኻልእ ሞደል ኣርእዩዎም እዩ? ግን ከኣ ዓዋናት ኮይኖም እምበር፡ ኣብዛ ሎሚ ከም ንእሽቶ ቁሸት ተጠቕሊላ ዘላ ዓለም፡ ኣየናይ ፖለቲካዊ ስርዓት ከም ዘርብሕ ጠፊኡዎም መኣስ ኮይኑ?

ህግደፋውያን ነቲ እቶም ዝሓለፉ ገዛእቲ ዘዘውትሩዎ ዝነበሩ ሞደል ምርዓሞም ኽልተ ምኽንያታት ኣለዎም፤

  1. ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ውሑስ ሞደል ብምዃኑ
  2. ብውሽጦም ሓቀኛታት መውጻእቲ ሓራ ስለ ዘይኮኑ

ኣብዚ መስርሕዚ ንጣልያን ዘምስሎም ነገር እንተሎ፡ እታ ኻልአይቲ ነጥቢ እያ። እታ ቐዳመይቲ ነጥቢ ንኹሉ ናይ ስልጣን ህርፋን ዘለዎ ስርዓት እትሓቍፍ ክትከውን ከላ፡ እታ ኻልአይቲ ነጥቢ ግን ናይ ባዕዳውነት ባህርያት ኣለዋ። እዚኣ ኸኣያ ምስታ ቀዳማይ ነጥቢ ተደሚራ፡ ነዚ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ፈጢራ ዘላ፡ ማለት ናይ ስልጣን ኮረሻ ምስራሕን ንህዝብኻ ድማ ከም ጓና ምርኣይን።

ብውሽጦም ሓቀኛታት መውጻእቲ ሓራ እንተ ዘይኮይኖም ደኣ፡ ከም ሓቂ እንታይ እዮም? እዚ ሕቶዚ እዩ ኣብዚ እዋንዚ ንሰብ ምስጢር ኮይኑዎ ዘሎ? ኣማኢት ኣብ ባሕሪ እናሃለቑ፡ ህዝብና ኣይኮኑን ምባል፡ ኣማኢት ኩሊታቶም እናተወስደ ኣብቲ ንግድቲ ምስታፍ፡ ኣማኢት ኣሽሓት ናብ ጎረቤት ሃገር እናወሓዙ ናይ ቁጠባ ዕቝበኛታት እዮም ኢልካ ምዝራብ፡ ደሞክራሲ ኣበይ ኣሎ ብምባል እንተሓተትካ፡ ኣብ ካልእ ዓለማት ኬድካ ድለዮ ዚብል መልሲ ምሃብ…..

ካልእ ነታ ኻልአይቲ ነጥቢ ዘደልድል ተግባራቶም እቲ ናይ ዕንደራ ፖሊሲታቶም እዩ። ዕሱብ ጓሳ ነተን ኣባጊዑ ተዅላ ኪዘርወን ከሎ ግዲ የብሉን። ከመይሲ ናቱ ኣይኮናን። ንዘይናትካ ድማ ግዲ ኣይትህበሉን።

ኣብ ስልጣን ምጽናሕካ ካብ ኣረጋገጽካ፡ ብውሽጥኻ ድማ ነቲ ህዝቢ ከም ዘይህዝብኻ ክትርእዮ ምስ ጀመርካ፡ ዕንደራዊ ፖለቲካ ሒዝካ ንምጕዓዝ እንታይ ይኽልክለካ? ቃሕ ዝበለካ ንኽትገብርከ መን ይዓግተካ?

ስራሕ ዘይብለን ኣእዳውሲ ሸይጣን ስራሕ ይፈጥረለን ዚብል ምስላ ኣሎ። ብማእሰርትን ግፍዕን ጭቆናን ምፍርራህን ስልጣንካ ምስ ኣውሓስካ፡ ነቲ ህዝቢ ድማ ከም ዘይናትካ ክትርእዮ ምስ ጀመርካ፡ እንታይ ምምሕዳራዊ ወይ ቁጠባዊ ወይ ትሕተቅርጻዊ ስራሕ ዚስራሕ ደኣ ኣሎካ? ገዛውቲ ምፍራስ? ኣብ ዘይምልከተካ ጦብሎቕ ጦብሎቕ ምባል? እንታይ ካልእ ስራሕ ደኣ ኪህልወካ ይኽእል?

ሓደ ንጉስ ነይሩ ይብሃል ብጥንቲ። ነታ ሃገር ከም ብሕታዊት ድኳኑ እዩ ዘመሓድራ። ኩሉ ኪገብር ስለ ዚኽእል፡ ዓቕሉ ይጸቦ ነበረ። ዓመት ዓመት ውግእ ኣሎ። ዓመት ዓመት ህውከት ኣሎ። ዓመት ዓመት ብርሰት ኣሎ። እንታይ ደኣሞ ኪሰርሕ። ድሕሪ ውግእ፡ ድግስን ዳንኬራን ኣሎ። ብዘይጠቅም በደላት ኪቐትሎም ዚውዕል ንጹሃን ሰባት ከኣ ኣደኦም ትቝጸሮም።

ሓደ መዓልቲ ውግእ ይገጥም እሞ፡ ቀልጢፉ ይስዕር። ግን በዚ ቅልጡፍ ዓወት ደስ ኣይበሎን። ንገዛ ምስ ተመልሰ ደኣ እንታይ ኪገብር እዩ? ስለዚ ነቲ ጀነራሉ ጸዊዑ፡ ነቲ እተሳዕረ ንጉስ ደብዳበ ከብጽሓሉ ይእዝዞ። እቲ ጀነራል ድማ ነታ ደብዳበ ሒዙ ፈረሱ ተወጢሑ ናብቲ እተሳዕረ ንጉስ ከይዱ ይህቦ። እቲ መስኪናይ ንጉስ ነቲ ደብዳበ ምስ ኣንበቦ ብሓቂ ይገርሞ። እቲ መልእኽቲ ከምዚ ይብል ነበረ፤ ገና ክትዋጋእ እንተ ደሊኻስ ሓደ 10 ሽሕ ዝኾኑ ካብ ወትሃደራተይ ከለቅሕካ እኽእል እየ……ካርታ ወይ ጠላዕ ድዩ ገይሩዎ ንኲናት!?

እዚ ከም ዋዛ እዩ ቀሪቡ። ግን ዕንደራ ናብ ከምዚ ዝመሰለ ተግባራት እዩ ዚመርሓካ። ስራሕ ዘይብሉ ጨቋኒ መንግስቲ፡ ምስ ጎረባብቱ ካብ ምትዅታዅን ወደባቱ ንባዕዲ ካብ ምሻጥን፡ ምስ ጸላእትና ውዕላት ካብ ምፍራምን፡ ባሕርና ከም ዝድፈር ካብ ምግባርን፡ ንህዝቡ ካብ ምጽራፍን፡ ካድረታት ካብ ምምራቕን፡ ካብቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ህዝቡ ገንዘብ ካብ ምስራቕን ሓሊፉ እንታይ ኪገብር ይኽእል ኢልኩም ትሓስቡ?

ደሓን ኩኒ ጭቆና እንብለሉ ዓመት ደኣ የምጽኣልና (ፈጣሪ)!!!

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
27 COMMENTS
  • quarks March 4, 2016

    Continuation
    ብምልይዮናት ዝቑጸሩ ሕዝቢ ነዛ ሐጻር ግዜ አብዛ ዓለም ብሰላም ዝነብሩላ ዕድል ተነፊጎም ይነብሩ አለዉ።ሕጅስ ከም ለውጢ ዓለም ናይ ሰላም መግዲ እንተ ትፍትንዶ አይምሐሸን? ነንሕድሕድካ ምጽላምን ምርጋምን ናብ ድቕድቕ ጸላም እዩ ዘምርሕ ዘሎ። እቶም ዝህወኹ ግን በቲ ናይ ቀደም መገዶም ክቕሉ ንግደፎም።

  • quarks March 4, 2016

    Continuation
    ብምልይዮናት ዝቑጸሩ ሕዝቢ ነዛ ሐጻር ግዜ አብዛ ዓለም ብሰላም ዝነብሩላ ዕድል ተነፊጎም ይነብሩ አለዉ።ሕጅስ ከም ለውጢ ዓለም ናይ ሰላም መግዲ እንተ ትፍትንዶ አይምሐሸን? ነንሕድሕድካ ምጽላምን ምርጋምን ናብ ድቕድቕ ጸላም እዩ ዘምርሕ ዘሎ። እቶም ዝህወኹ ግን በቲ ናይ ቀደም መገዶም ክቕሉ ንግደፎም።

  • Damas March 4, 2016

    We have paid a heavy price mislead by a gang, he really played a Trojan Horse and mesmerised some hard core followers,they repeat his words like a parrot ንሕና ንሱ ንሱ ንሕና, what a ashame and tragedy. It is a desease of Stockholem Syndrome.Thank You Amanuel it is a great article, please keep on.

  • Yohannes March 4, 2016

    መምህር ኣማኑኤል ብስሉን ለባምን ርእይቶ። የቐንየልና ዝማሃርካና። እዋእ ኣንቱም ሰባት እንታይ ኢና ንገብር ዘለና? በጃኻትኩም ኣበርቲዕና ንቃለሶ ነዚ መንሽሮ ህግደፍ። እቲ ዘሻቕልስ ሳላ ኣደንቁርካን፣ በታቲንካን፣ ስነኣእምሮኣዊ ስንክልናን ፈጢርካ ግዛእ መንሽሮ ነበር ከይንኸውን ንቃለስ። ምኽሪ ናይ ለባማት ንስማዕ ከም ህዝቢ ከም ሃገር ክንነብር እንተድኣ ንሕልን ኮይና። እዋይ እንታይ ሓድጊ እዮም ክገድፉልና መንሽሮ ህግደፍ? ዋእ ካብ ክፉእ ክገብሩኻስ ክፉእ ክምህሩኻ። ካብ ቁጠባዊ ስንክልናስ ስነኣእምሮኣዊ ስንክልና ይኽፍእ። The barbarian, evil and ignorant machine of PFDJ is at intensive work of destruction and mayhem. Please let us do something before it is too late.

  • quarks March 4, 2016

    ጽቡቕ ትንተና እዩ: እንተኾነ ግን ስጋብ ሕጂ ካብዚ ዝተራቐቐ ትንተናታት ሰብ’ውን መፍትሒ ከምጽእ አይከአለን። ስለዚ ከምቲ አብ መውዳእታ ዝበልካዮ: ፈጣሪ ነዚ ኩነታትና ከመይ ከም ዝትንትኖ እንተ ንመራመር ደአ ምሐሸ ሕጅስ። ንልቢ ሰብ ዝትንክፍን ዝልውጥን መልእኽቲ እንተለካ ፈትን እምበር መብዛሕትኡ ሰብ ጠፊኢዎ አይኮነን። ፍልጠት ከምሎሚኳ አይበዝሐን። እንታይድአ ሰብ ቅንዕና ስለ ዘጥፈኤ ንሐቂ ፍልጠት ብካልእ ፍልጠት ክጠውን ከታልልን ይረኤ። ወድሰብ ናብቲ ሰማያዊ ባህሪኡ እንተዘይተመሊሱ ንዐይ ንዐይ ብምባል ካብ ጨካናት እንስሳ ንታሕቲ እዩ ክኸውን። ዓለማዊ ፍልጠት ጥራይ ንወድሰብ ክልውጦ አይክእልን እዩ። አብዛ ዓለምና በእላፍ ዝቑጸር ወሐለ ቃላት፣ ዓንቀጻት፣ ፍልስፍናታትን መጻሕፍትን ተዘርጊሖምን ተሸይጦምን ኢዮም። እንተኾነ ጭቆና ስሰዔ ወዘተ ክገድድ ንዕዘብ። መንግስቲ ተገልቢጡ ዝገደደ መንግስቲ ክትካእ ንርኢ። ሐደ ዓይነት ተግባር እንደደጋገምናስ ዝተፈልየ ውጽኢት ንጽበ። ናይዚ ኩሉ ጠንቂ ናይ ሰብ ልቢ ምትራርን ናይ ውሽጡ ሕልና ዘይምጽራይንዶ አይኮነን? መፍቲሒኡ ታሪኽ እንዳተንተንካን እንዳመላለስካን ንሰባት ብምርስሳን አይኮነን። ንሕናን ንሳቶምን እንዳበልካ መወዳእታ ዘይብሉ ምፍልላይን ምዝራግን ካብ ምሕላን: ዘሕብሮምን ናብ ሰብአውነት ሕልነእምን ዝመልስ ምኽሪ እንተዘርጋሕካ ይሐይሽ። ንብዙሕ ሰብ ዝስሕቦ ኢልካ ዝግበር ናይ ጎነጽ ምግቡዕባዕ ንኹሉ ወገን ዘኽስርን አብ “ሐንቲ ዓልም” ዘየነብርን እዩ። ከም ዝገሃድ ዘሎ ሰብ ነታ ዝበአሰላ ዘሎ መርየት ክነብረላኳ አይከአለን። ይመውትን ይስደድን ደአሎ። ኩሉ ሰብ አስተንቲኑ ክበጽሖ ዘልዎ ነገር እዩ ግን ፖለቲከኛታትን አፈኛታትን ከዳናግርዎም ይርከቡ። ብምልይዮናት ዝቑጸሩ ሕዝቢ ነዛ ሐጻር ግዜ አብዛ ዓለም ብሰላም ዝነብሩላ ዕድል ተነፊጎም ይነብሩ አለዉ።ሕጅስ ከም ለውጢ ዓለም ናይ ሰላም መግዲ እንተ ትፍትንዶ አይምሐሸን? ነንሕድሕድካ ምጽላምን ምርጋምን ናብ ድቕድቕ ጸላም እዩ ዘምርሕ ዘሎ። እቶም ዝህወኹ ግን በቲ ናይ ቀደም መገዶም ክቕጽሉ ንግደፎም።

    • Isayas March 5, 2016

      With all due respect your message is not clear. Naturally, the regime in Eritrea is the cause of the havoc in our country, at least, that is the message emanuel trying to convey. You hypocritically attempted to attempted to belittle an arguably great wisdom of this compatriot. You do not like the article because it is critical of the government in Eritrea. It is untenable to stand by the government and you resort to sarcastic suggestion and edition or the article presented by the well known patriotic writer, shame on you.

  • solomon seyoum March 4, 2016

    Another very beautiful article..I do enjoy reading your articles.
    Solomon in Belgium

  • Berhe Tensea March 4, 2016

    Yes this dictator copies and uses former colonizers tactics, in part. I also believe that his real role model to be Stalin, who killed hundreds of officials and the best generals ,. Stalin also was the main cause of the hunger, that killed millions in the Soviet Union.
    Stalin was always in the business of eliminating opponents using the security department and or the halewa sewra.
    Iseyas has the Stalin’s hand book and that why Eritrea is on its way to extinction.

  • Berhe Tensea March 4, 2016

    Yes this dictator copies and uses former colonizers tactics, in part. I also believe that his real role model to be Stalin, who killed hundreds of officials and the best generals ,. Stalin also was the main cause of the hunger, that killed millions in the Soviet Union.
    Stalin was forcing millions to work on the endless and meaningless woferas, of building dighas.
    Stalin was always in the business of eliminating opponents using the security department and or the halewa sewra.
    Millions is getting wasted on the controlled mass media, and the thousands of security agents and hit men like what Stalin was doing.
    Iseyas has the Stalin’s hand book and that is why Eritrea is on its way to extinction.

  • Wedi Hagher March 4, 2016

    Dictators are created but people, or rather by their sub-culture. Dictators remain in power as long as people want them to rule over them. You many find these views unacceptable and preposterous, but it’s particularly true in case of Eritrea. Thanks to the internet, we can go back and see what Iseyas used to tell us in public meetings, his insults and threats, and yet, the way many us used to express their appreciation to him with standing ovation.
    Although many ordinary people have opened their eyes in recent years, to see the ugly nature of the rootless tyrant and his system, many still remain spell bound and captive of his personalty cult. The day we all liberate our minds from him, and stop believing in personalities, because of their region, religion, ethnicity ..etc. that day will be the day we are ready to get our freedom back.

  • dictator March 4, 2016

    መምህር ኣዝዩ ብሱል ንባብ የቀኒየልና፡፡ኣምላክ ዕድመ ይሃብኩም፡፡ምስ ኩሉ ኣክብሮተይ

Post a Reply to Adal Cancel Reply