Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራ፡ ትልሚ ልምዓትን ፍትሕን እምበር ቅዲ ኩናት ኣየድልያን’ዩ

ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት፡ ህግደፍ፡ ንኽትሰምዖ ኣእዛንካ ዝሕርክኽ ንኽትኣምኖ ዘሸግር፡ ግዕዙይን ዘይንቡርን ኣሰራርሓ ክኽተል ስለዝጸንሐን ገና ይቅጸሎ ስለዘሎን፡ ብህዝቢ ኤርትራ ተኻዒቡን ተፈንፊኑን’ዩ። ከምቲ ሓደ በዓል ጸጋ ዕድመ ኣቦ፡ “ኣንቱም ኣቦይ ብላታ ኣብ ግዜ ጥልያን፡ እንግሊዝ፡

ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት፡ ህግደፍ፡ ንኽትሰምዖ ኣእዛንካ ዝሕርክኽ ንኽትኣምኖ ዘሸግር፡ ግዕዙይን ዘይንቡርን ኣሰራርሓ ክኽተል ስለዝጸንሐን ገና ይቅጸሎ ስለዘሎን፡ ብህዝቢ ኤርትራ ተኻዒቡን ተፈንፊኑን’ዩ። ከምቲ ሓደ በዓል ጸጋ ዕድመ ኣቦ፡ “ኣንቱም ኣቦይ ብላታ ኣብ ግዜ ጥልያን፡ እንግሊዝ፡ ሃይለስላሰ፡ ደርጊ ትሓልሙ ኔርኩም፡ ኣብዚ እዋን’ዚኸ ከም ቀደምኩም’ዶ ትሓልሙ ኣለኹም?” ምስተባህሉ፡ “ወይለ’ቦኻ ክንሓልም ዘይክንሓልም ኣበይ’ሞ ተደቅሱና ኣለኹም፡፡ እንሓልሞ ንመንግስቲ ዝወቅስ ከይከውን’ሞ ከይንእሰር ስለዝፈራሕና ድማ ዝሕለም እንክለና ገዲፍናዮ” ኢሎም ዝመለስዎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ሓቂ ክድርጉሖ ዕድል እንተዝወሃቦ፡ ህግደፍ ብእከይ ተግባራቱን ሎኽመኛ መልሓሱን፡ ኣብ ሲኦል ምኣተወ ነይሩ።  ህግደፍ፡ ስለያዊ ትካላት፡ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ መራኸቢ ብዙሓንን፡ ገንዘባዊ ትካላትን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ስለዘሎን ከምኡ’ውን ንዕኡ ዝብድህ ዝተወደበ ተቃዋሚ ምንቅስቃስ ብዘይምምስራቱን፡ ህግደፍ ነታ ትልኽ ትብል ትንፋሱ ቀልጢፋ ሓመድ- ድበ ንኸይትለብስ ንግዚኡ ዕድል ሂብዎ። ህግደፍ፡ ኣበራቱ ክኣምንን ንህዝቢ ይቅረ ክብልን፡ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ምሕላፍ ይቀልል። ከይሓፈረን የኽፍኣለይ ከይበለን፡ ተንኮሉን ኣረሜናዊ ተግባራቱን ሓቢኡ ንህዝቢ ኤርትራን ዓለምን ምድንጋር ኮሓሒልካ ታሪኽ ምቅራብ ዘለዎ ክእለት ግን ተወዳዳሪ የብሉን። ህግደፍ፡ እዚ ኣዕናዊ ክእለት’ዚ ኣበየናይ ዩኒቨርስቲ ከምዝተማህሮ ንምፍላጥ መጻሕፍቲ ገንጺለ ፈላጣት ሓቲተ ክሳብ ሕጂ መልሲ ኣይረኸብኩሉን። ገዛእቲ ኢትዮጵያ፡ ንኤርትራውያን፡ “ምስ ተጋደልቲ ተሓባቢርኩም ንሰውራ ደጊፍኩም” ብዝብል ክሲ፡ ንኤርትራውያን ብስልኪ ይሓንቁ፡ ሬሳታት ኣብ ጎደናታት ይሰጥሑ፡ ብኤለክትሪክ፡ ሓጻውንን ጠያይትን ይርሽኑ ከምዝነበሩ ኣብ ታሪኽና ተመዝጊቡ’ሎ። በዚ ክብ ኢሉ ዝተጠቅሰ ዝተኸሱ ኤርትራውያን፡ ናይ እምነትን ክሕደትን ቃል ንምሃብ ኣብ ሕጊ ይቀርቡ፡ ይፍረዱ፡ ብስድራቤቶም፡ መቅርቦምን ክብጽሑ፡ መግብን ካልእ ንዋትን ክኣትዎም፡ ክመሃሩን ናይ ይግባይ መሰሎም ዝተሓለወን ነይሩ። ኣብ ስርዓት ህግደፍ ግን፡ ሰባት ብጸልማት ከካብ ገዝኦምን መገሻታቶምን ብኣባላት ጸጥታ’ቲ ስርዓት ተተመንጢሎም ምስተወስዱ፡ ይሃልዉ ይሙቱ ኣይፍለጡን’ዮም። መኽሰሲኦም ገበን ኣይግለጸሎም፡ ክሓቱ፡ ጠበቃ ከውጽኡ ኣብ ፍርዲ ክቀርቡ፡ ብቤተሰቦም ክብጽሑ፡ ግቡእ ሕክምናዊ ኣገልግሎት፡ ጽሬት መግቢ ክረኽቡ፡ ክመሃሩ መሰል የብሎምን። ዘለዎም እንኮ ዕድል፡ ብስቃይ ክመቱ፡ ኣብ ጽምዋን ዓይንኻ ዘንቁረካ ኣብ ዘይትርእየሉን ጸልማት ክዳጎኑ ጥራሕ’ዩ። ካብዚ ዝኸፍአን ዘስደምምን ገበን ግን፡ እቶም ጽምኣት ደም ዘለዎምን ሰብ ዝመስሉ ብኣራዊታዊ ጠባይ ዝፍለጡ፡ ኣብ ምእሳርን ሓለዋን፡ ምምርማር፡ ምፍራድን ምቅንጻልን ንጹሃት ኤርትራውያን ተዋፊሮም ዘለዉ ቀንዲ እሙናት ስርዓት ህግደፍ፡ ንኣሕዋቶም ወለዶምን፡ ከም ስጋ ጉዚን ዕጨ ገዳምን ብፋስን ጎዞሞን ኣካላት ሰባት ክቆራርጹ፡ ክቀትሉ፡ ብመርዚ ክስመሙን ኣብ ዕጹው ኮንተይነራትን ጎዳጉድን ብሕጽረት ጽሩይ ኣየርን ጸሓይ ብርሃንን ከምኡ’ውን ብኽቱር ቁርን ሙቆትን ከም ኮሚደረ መሽሚሾም ክጓሓፉን እንከለዉ፡ ኣሽምባይ ንፈታዊኻ ንጸላኢኻ’ውን ኣይትምነየሉን። ነቶም ፈጸምቲ’ዚ ገበን፡ “እምበርዶ ከማና ሰብ’ዮም? ከመይ’ሎም’ከ መንኮብን ርእስን ሰብ ብፋስን ብጎዞሞን ፋሊጾምን ቆሪጾምን ደቂሶም ይሓድሩ” ኢልካ ምስ ነብስኻ ትማጎት።

 

ሓቀኛ ተግባራት ስርዓት ህግደፍ ኣረሜንን ቀታሊ ሰብን ምዃኑ ክንሱ፡ ጻድቅ ክመስል ወትሩ ምስሃቀነ’ዩ። ብፍላይ ድማ ነቲ ብገርሂ ወይ ድማ ብረብሓ ሓባቢሉ ከም ኢደ-እግሪ ዝጥቀመሉ ክፋል ሕብረተሰብና፡ ናይ እዋን ገድሊ ቅያታትን ዓወታትን ብምድግጋም’ዩ ካብ ውድቀቱ ክድሕን ዝፍትን ዘሎ። ንኣብነት፡ ብ9 ነሓሰ 2016፡ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ቁጽሪ 295፡ “ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ኣንፈት ዛዛሚ ኲናት ኣብ ግንባራት ጊንዳዕን ደቀምሓረን ዝገልጽ ቅዲ ሑጻ፡ ንነጋድያን ፈስቲቫል ኣቕሪቡ። እዚ 25 ዓመታት ንድሕሪት ዝመልስ ዕዮ፡ ንኣሰላልፋ ኣሃዱታት ወገንን ጸላእን ብቦታ፡ ስምን ኣጽዋርን፡ ከምኡ’ውን ኣንፈት መጥቃዕቲ ኣሃዱታት ህዝባዊ ግንባር ክሳብ ምሉእ ናጽነት ብንጹር ዘርኢ እዩ።” ብምባል ከም ኣዝዩ ዘገድስ ዜና ኮይኑ ቀሪቡ። ኣብ ኤርትራ ታሪኽ ከምዘለዎ ንህሉውን ንመጻእን ዘውርስ መንግስቲ ስለዘየለ’ምበር፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸሞ ጅግንነት፡ ውሑድ መዳርግቲ’ዩ ዘለዎ። ህግደፍ፡ ኣብ ዕድመ ስልጣኑ ንሓርነት ሃገሮም ኢሎም በረኻ ዝወጹ ዜጋታት እናቀተለ ኣብዚ ሎሚ ዘለዎ ደረጃ ከምዝበጽሐ ተናዚዙ ኣይፈልጥን’ዩ። ተዓዊተ ዝብሎ ከከምዝጥዕሞ እናቆናጨለን ንኻልኦት እናወንጀለን እምበር ውድቀቱን ብልሽውናታቱን ንህዝቢ ኤርትራ ሓቢሩ ኣይፈልጥን’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ብሳዕቤን ናይ 30 ዓመታት ኩናት ምስ ገዛእቲ ኢትዮጵያን ህግደፍ ካብ ጽባሕ ናጽነት ዝተኸተሎ ኣዕናዊ ፖለቲካውን ቁጠባውን ሜላታትን ሓንቲ ካብተን ካብ ዓለም ብመነባብሮ ዝደኸየትን ብውልቀ መላኺ ኣገዛዝኣ፡ ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ብልሽውናን እትፍለጥ ሃገር ኮይና’ላ። ብጠንቂ ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዓስቢ ናይቲ ዝኸፈሎ ክቡርን ከቢድን ህይወትን ሕሰምን፡ ሰላምን ብልጽግናን ኣይትዓደለን። ድሕሪ ናጽነት፡ ሃገሩ ክሃንጽ፡ ናብራኡ ከጣጥሕ፡ ብሩፍታ ኣብቲ ኣዕጽምቲ ደቁ ዝተቀብረሉን ደሞም ዘፈሰሰሉን መሬቱ ክነብር’ዩ ነይሩ ባህጉን ሕልሙን። ይኹን እምበር በቶም ካብ ከርሱ ዝተወልዱ ደቁ ክርገጽ፡ ክዋረድ፡ ክእሰርን ናብ ስደት ከምርሕን ተገዲዱ። እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ክውንነት፡ መራሕቲ ህግደፍን ውሑዳት መጣቃዕትን፡ ዘጋይጹሉን ሃብቶም ዘኻዕብቱሉን ክንሱ፡ ህግደፍ፡ ናይ እዋን ሰውራ ደርፍታት፡ ተዋስኦታት፡ መደረታት፡ ጭርሖታትን ምስልታትን ካብ ክብሒታትን ሸልፍታትን ብምውጻእ፡ መሪጹ ኣብ መራኸቢ ብዙሓንን ብካድራቱን ኣቢሉ ከኳማስዕን ህዝቢ ከደናግርን ይህቅን ኣሎ። እቲ ብሓቀኛ ባህሪ ህግደፍ ንዓመታት ዝደንገለን ዝጸመመን ህዝብና፡ ብጥሜት ተኾርምዩ ጾሙ እናሓደረ፡ ብሕማም እናማሰነ፡ ፍትሒ ስኢኑ እናኣማረረ፡ ብሕጽረት ማሕበራዊ ኣገልግሎት እናተሳቀየን ብዘይ ጠዋሪ ኣብ ገዛ ብጽምዋን ሓዘንን እናተደነሰን እንከሎ፡ እቲ ዓመት መጸ ኣብ መዓልቲ ናጽነት፡ ሃገራዊ በዓላት፡ ኣብ መመረቅታ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ካልእ ኣጋጣሚታትን ዝዝመርን ነውራም ሓሶታትን ትርጉም ኣይህቦን’ዩ። እቶም ንፕሮፖጋንዳ ህግደፍ ከም መጽሓፍ ቅዱስ ዝኣምኑ ወገናት፡ እቶም ካብቲ ስርዓት ፍሉይ ጉንዖታት ዘለዎም ወይ ድማ ኣብ መንጎ ጸልማትን ብርሃንን ዘሎ ፍልልያት ከስተማቅሩ ዘይክእሉ’ዮም።

 

ኣንፈት ዛዛሚ ኩናት ግንባራት ጊንዳዕን ደቀምሓረን ዝገልጽ ቅዲ ሑጻ ወይ ቅዲ ሓመድ ንነጋድያን ምቅራብ፡ ረዚንን ሓቀኛን ትርጉም ንኽህልዎ፡ ፍረ ናይቲ መዘና ኣልቦ መስዋእቲ ዝተኸፍለሉ ናጽነት ዘንጸባርቅ ቁጠባዊ ምዕባለ፡ ፍትሒ፡ ሃገራዊ መንነትን ሓድነትን ዝዕቅብ፡ ምክብባር ዘዕቢ፡ ብዓቢኡ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ብቀጥታ ዝዋስኣሉ ስርዓት ክህሉ ምስዝኽእል’ዩ። ብስም ገደብን ሕግን ኣልቦ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ዘዝተወልደ መንእሰይ ኤርትራ ጠበንጃ ትሰኪሙ ካብ ሕብረተተሰብ ተነጺሉን ንቡር ህይወቱ ከይመርሕ ተሓሪሙን እንከሎ፡ ኣብ ሃገሩ ብሰላም ሰሪሑ ክነብር ኩሉ ዕድላት ስለዝተዓጽዎን ተስፋ ስለዝቆረጸን ናብ ስደት እናምርሐ እንከሎ፡ ብስም ቅነ መንእሰያትን ሃገራዊ ፈስቲቫላትን ኣብ ኣስመራን ወጻእን ጽምብላት ምክያድ፡ ዝብኢ ኣብ ዘይፈልጦ ዓዲ ከይዱ ኣጎዛ ኣንጽፉለይ በለ ጥራሕ’ዩ። መንእሰይ፡ ቅኑዕ መሪሕን ተበላሕትነቱ ክዓቢ ዘተባብዖ መንግስትን እንተረኺቡ ቅያ ከምዝሰርሕ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ብሰሪ ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ዝኽተሎ ዘሎ ባርባራዊ ተግባራት ግን፡ ቅያ ኣያታቱ ክወርስን ኣብ ሃገሩ ረጊኡ ህይወቱ ክመርሕን ሃገሩ ከማዕብልን ዘይሕሰብ’ዩ። ውርሻ ስርዓት ህግደፍ ድማ፡ ሞት፡ ምእሳር፡ ግዱድ ዕስክርና፡ ስደት፡ ጥሜት፡ ምግባት፡ ስርቂ፡ ጉቦ፡ ትህኪት፡ ዓመጽ፡ ዕርበት ሕልና፡ ጥልመት፡ ራዕዲ፡ ምድስካል፡ ምቅባር ፍትሒ፡ ሓዘን፡ ዕንወትን ምትላልን’ዩ። ንህዝቢ ኤርትራ ዘድልዮ ሃብታም ውርሻ ድማ፡ ቅዲ ኩናትን ንክውንነት ታሪኽና ብልክዕ ዘይሕብር ታሪኽ ዘይኮነ፡ ውጥን ልምዓት፡ ፍልጠት፡ መንፈስ ዘይተስዓርነት፡ ምጽውዋር፡ ምውጋድ ድኽነትን ማዕርነትን’ዩ።

 

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (23 ነሓሰ 2016)

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Zagir August 24, 2016

    Eritrean generation is at a total loss and total confusion of what it actually wanted due to a half century unbearable evil gedli’s damages on the poor nation called Eritrea and Eritreans.
    When authority is entrusted on unqualified people (like that of poor Eritrea on evil gedls shefatu/bandits tegadelti), is a sign of doomsday. The quality of leadership in any society is a good indication of its health. In poor Eritrea’s case, still under the barbaric and brutal gedli rule the sick and decaying health of its people and cities are crystal clear everywhere.

  • k.tewolde August 25, 2016

    Tsilal, every time I read your articles you rekindle hope in my heart, and I say,there is light at the end of the tunnel. Indeed,they call it “Hagerawi Dihnet’, I call it hagerawi filset,they call it ‘Agelglot’, I call it barnet,they call it “Tehadso’ ,I call it tedequisho…………..people who don’t have nothing to show for today, they live of reciting glory moments of yesterday.

  • Lemlem August 25, 2016

    It is perfect

Post a Reply to Lemlem Cancel Reply