Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

‘’ኤርትራውያን ፍሉያት ኢና !!!’’

‘’ኤርትራውያን ፍሉያት ኢና !!!’’ ኤርትራውያን ፍሉያት ኢና ዝብል ኣዘራርባ ብተደጋጋሚ ሰሚዕክሞ ከምትኾኑ ርግጸኛ እየ። ንሓያሎ ዓመታት ትርጉም ናይዚ ኣዘራርባ ንምፍላጥ’ውን ፈቲንኩም ትኾኑ። ኤርትራውያን ፍሉያት ኢና ዝብል ዘረባ ብዝኾነ መገዲ ካብ ዝኾነ ሰብ ክትሰምዑ ከለኹም ፍሉይ ባህታ

‘’ኤርትራውያን ፍሉያት ኢና !!!’’

ኤርትራውያን ፍሉያት ኢና ዝብል ኣዘራርባ ብተደጋጋሚ ሰሚዕክሞ ከምትኾኑ ርግጸኛ እየ። ንሓያሎ ዓመታት ትርጉም ናይዚ ኣዘራርባ ንምፍላጥ’ውን ፈቲንኩም ትኾኑ። ኤርትራውያን ፍሉያት ኢና ዝብል ዘረባ ብዝኾነ መገዲ ካብ ዝኾነ ሰብ ክትሰምዑ ከለኹም ፍሉይ ባህታ ከም ዝስመዓኩም ድማ ዘካትዕ ጉዳይ ኣይኮነን።እቲ ኣንጻር ባዕዳውያን ገዛእቲ ዝገበርናዮ ቃልሲ ንሓንሳብ ንጎኒ ኣወንዚፍና ኣብዚ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ምስእነተኩር እዚ ‘’ኤርትራውያን ፍሉያት ኢና’’ ዝብል ኣዘራርባ ክንደግሞ ንኽአልዶ? ብወገነይ ቅድሚ ናጽነት ጥራይ ዘይኮነ ድሕሪ ናጽነት’ውን እንተኾነ  ንኤርትራውያን ፍሉያት ዘብሉና ሓያሎ ኣጋጣሚታት ከምዘለዉ እዩ ዝኣምን።

ሓደ ካብቶም ኣብዚ እዋን እዚ ንኤርትራውያን ፍሉያት ዘብሉና ኣብነታት ለዉጢ ንኸነምጽእ ዝወስደልና ግዜ ኢዩ። እዚ ድማ ኣብ ግብጺ መራሒ ሃገር ንምቕያር ሰለስተ መዓልቲ ኪወስደሎም ከሎ ንዓና ግን ምልካዊ ስርዓት ንምቅያር 30 ዓመት እዩ ዝወስደልና።እዚ ድማ ካብ ታሪኽና ዝወሰድናዮ ከይኮነ ኣይተርፍን፡ ምኽንያቱ እቲ ኣንጻር ደርጊ ዝተገብረ ብረታዊ ቓልስና 30 ዓመት ስለዝወሰደ ሕጂ ውን እዚ ምልካዊ ስርዓት 30 ዓመት ከይደሰቐና ከምዘይቅየር ብዙሕ ኣንፈታት ንርኢ ኣለና።ሓደ ካብቲ ምልክታት ድማ ኣብ ክንዲ ሰሚርና ኣንጻር አቲ ሃገር ዘባደመ ስርዓት ንቓለስ ፡ኩልና ተቃወምቲ ነንሕድሕድና ኣብ ምብኣስ ግዜና ነጥፍእ ምህላውና አዩ።

እቲ ከም ካልኣይ ዝጥቀስ ኣብነት ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ኣብ ምሕማይን ኣብ ምንሻውን ልዕሊ ሰብና ግዜና እንዳጥፋእና ነቲ ስርዓት ንምቕያር እንታይ ይገበር ኣብ ዝብል ነጥብን ብዝተወደበ ኣገባብ ንምቅላስ ኣብ ዝግበር ቃልስን ግን ኣድሓርሓርቲ ምዃንና እዩ።ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ስደተኛ ኮይነ ዘሕልፎ ኣብ ዘለኹሉ እዋን ምስ ብዙሓት ካልኦት ዜጋታት ንምዕላል ዕድል ረኺበ ጥራይ ዘይኮነስ እቶም ካልኦት ኣብ ንሕድሕዶም ብዛዕባ እንታይ ከም ዘዕልሉ ኣዳዕዲዐ ንምፍላጥ ውን ክኢለ እየ። አቲ ዝገርም ድማ እቶም ካልኦት ዜጋታት ኣብ ግዘ ምዝንጋዕ ምሉአ ብምሉአ ካብ ፖለቲካ ወጺኦም ኣእምሮኦም ከሕድሱ ከለዉ ኣብ ሃገሮም ለውጢ ንምምጻእ ኣብ ዝግበር ንጥፈታት ከኣ ተወዲቦም ታሪኽ ክሰርሑ አየ ዝዕዘብ ዘለኹ። አንተ ንሕና ግን ንመርዓ ኣብ ዝተዓደምናሉ ቦታ ከይተረፈ ዕላልና ኩሉ ፖለቲካ ኮይኑ ክነሱ “ እሞኸ እንታይ ንግበር?” ኣብ ዝብል ነጥቢ ክንካታዕ ከለና ግን ብዙሕ ሰብ ከድሓርሕር ከሎ ገለ ድማ ኣብ ክንዲ ኣብ ቀንዲ ኣርእስቲ ምድሃብ ኣብ ዘይጠቅም ሃጠውቀጠው ግዜ ከጥፍእ ከሎ ምርኣይ ባህርያዊ እንዳኾነ ይመጽእ ኣሎ። በዚ ድማ ሕጂ ውን ኤርትራውያን ፍሉያት ከምዝኾንና ከብርሃልኩም ይፈቱ

 

እዚ ጥራይ ግን ኣይኮነን ንኤርትራዉያን ፍሉያት ዘብለና። እቲ ካልእ ጉዳይ ዋላ’ኻ ንዓመታት ‘’ኤርትራዊ ጅግና እዩ’’ ‘’ኤርትራዊ ብግንባሩ እምበር ብድሕሬኡ ተሃሪሙ ኣይኮነን ዝመዉት’’ እናበልና ንምካሕ ሰባት እንተኾንና፡ ሕጂ ግን እቲ እዋን ተቐይሩ እዩ። ኣብ ክንዲ ነቲ ስርዓት ፊት ንፊት ገጢምና ንሓንሳብን ንሓዋሩን ንቕይሮ ካብ ሞት ንኽነምልጥ ናብ ሞት ንሃድም ኣለና፡ ካብ ግፍዒ ንኽንሃድም ድማ ግዳያት ‘’ኣብ ታሪክ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ግፍዕታት’’ ንኸዉን ኣለና። ቀንዲ መሰኻኽር ናይዚ ፍጻመታት ድማ በረኻታት ሲናይን፡ ሜዲተራያን ባሕርን እዮም። ኣማን ብኣማን ድማ ‘’ ኤርትራዉያን ፍሉያት ኢና’’

 

ካልእ ንኤርትራዉያን ፍሉይ ዘብለና ጉዳይ ንመራሕትና ነምልኽ ምዃንና እዩ። ሓደ ኣባል ምክትታል ሓይልታት ኤርትራ ነበር ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ‘’ፓል ቶክ’’ ክዛረብ ከሎ፡ ‘’ ሕስብ እሞ ኣብልዎ፡ ቦጦሎኒ ምሉእ ብረት ዓጢቕና ክነስና፡ ሓደ ወልሓንቲ ኣበሳ ዘይብሉ ብጻይና ብትእዛዝ ናይ ሓደ መራሒ ክርሸን ከሎ ስቕ ኢልና ንዕዘብ ኔርና’’ እናበለ ተናዚዙ እዩ። እዚ ግን ምናልባት ኣብ ዉትህድርና ጥራይ ዘይኮነ ፈቀድኡ ዝርአ መላለዩ ናይ ኤርትራዊ ኮይኑ ኣሎ። ንኣብነት ንምጥቃስ፡ ኣበሳ ዘይብሎም ንጹሃት ጋዜጠኛታትና ካብ መስከረም 18/2001 ጀሚሮም ክሳብ እዛ ሰዓት እዚኣ፡ ብዘይ ፍርዲ ስልጣንያ ሒዝካ ክትበጽሓሉ ኣብ ዘይትኽእለሉ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሮም እንከለዉ ንሕና ንዐኦም ከነፍትሕ ዘይምኽኣልና ናይ ብሓቒ ፍሉያት ይገብረና እዩ።

 

እቲ ከም ኤርትራዉያን ፍሉያት ዝገብረና ኣብነታት መወዳእታ ዘይብሉ እኳ እንተኮነ፡ ንሎሚ ግን ኣብዚ ክዛዝሞ ኣፍቅዱለይ። ከም መደምደምታ ግን ንሕና ኤርትራዉያን ትማልን ሎምን ፍሉያት ከምዝኾንናን እዚ ፍሉይነትና ድማ ንዘንትእለት ከምዝቅጽልን እምንቶይ ምዃኑ ደረተይ ነፊሐ ክገልጽ ይፈቱ።

ተስፋጋብር በርሀ (ጆርጅ)

10/03/2014

ደርባን =  ደቡብ ኣፍሪቃ

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
42 COMMENTS
  • Eritreawit March 29, 2014

    Tesfagaber, Berhe (Gorge)

    Please no more putdowns toward Eritrean people, what do you want the people do while mercyless dictator
    hiding himself for 40+ years , not working but putting his energy to distroy a country. Don’t tell us we Eritreans continue like this, IT IS NOT GOING TO HAPPEN ALREADY WE KNOW WHO IS AGAINST US. I advise you to work hard to help your people; we have many putdowns, judmentals, and right out enemies every where. What Eritrea and her people is looking for is for saviour. Do you part if you can; like Amanuel Eyassu, Wedi vacaro, The many youth groups (some may be infltirated by pfdj/or any one working to distroy Eritrea) SO my advice again DO SOME THING BEFORE IT IS TOO LATE IF YOU CALL YOURSELF Eritrean;digrading your people will not take you any where. THANK YOU.

  • abraham March 29, 2014

    right one

  • abraham March 29, 2014

    እዚ ኢሳያስ ንከታልለና ዝመሃረና ኢዩ.we are vaccume.

  • Tesfu Kidane March 29, 2014

    ክቡር ሓው ዘረባካ ዝወጽኦ የብሉን። ሓቂ ምዝራብ ስለ ዘይፍቶ ግን ብዙሓት ክነቕፉካ ክፍትኑ እዮም። እምበር ከም ትብሎ ዘለኻ ኤርትራውያን ብርግጽ ፍሉያት ኢና። ምኽንያቱ፡ ንልዕሊ 23 ዓመት ብሓደ ውልቀመላኺ እናተቐጥቀጥና ኣብ ክንዲ ካብ ስልጣን ንኣልዮ ላህመም ንብል፡ ኣብ ክንዲ ምስ ዓበይቲ ዓዲ መኺርና ተረዳዲእና ንኸይድ ክንጻረፍ መሬት ይዓርበና፡ ሓውና እናተቐጥቀጠ ኣብ ክንዲ ንረድኦ እንቋዕ ኮነ ኢልና ንስዕስዕ፡ ኣሕዋትና እናሞቱ ናብ ጓይላ ንኸይድ፡ ናይ ስጋ ስለ ዘጥቅዓና ምስ ኣቦናን ኣደናን ኣሕዋትናን ብንብረት ኣብ ቤፍርዲ ክንማጎት ንውዕል፡ ንሓውና ሃሲና ነእስር። ንመሰልና ኣይንቃለስን፡ እንተ ብዘረባ ግን ውዒልና ንሓድር። ልዕሊ ኵሉ ድማ ከማና ሰብ የሎን ኢልና ንምካሕ! ናትናስ መውዳእታ የብሉን።

  • solomon March 29, 2014

    That is right.
    We talk too much, but in deed nothing.

    Solomon

  • ERITRAWIT March 29, 2014

    Hakey nfto yehwatna endataharedw endateshetw senkulan edateketelu hzbna endatemeye hager entay kwesa nble ena mo hakey nfto. KEMW ELEU GEN AYNEBREN.

  • Haqi Merar March 29, 2014

    “ዝተሃወኽ ዝብእስ ቀርኒ ይነክስ” ይብሉ ኣምሓራ። ምስራውያን ተሃዊኾም ኣረጊት ሑስኒ ሙባረክ ናብ ንእሽተይ ሑስኒ ሙባረክ ‘ዩም ቀይሮም። ኣብ ኤርትራ ብቕልጡፍ ለውጢ ምምጻእ ተደጎለ ሓዊ ምጽሓር ማለት ደራሲ ትርስዕ ኣለኻ። ምልካዊ ስርዓት ብጉያ ምቕያር ማለት ሓርነት ተራጋጊጹ ማለት ኣይኮነን ሳዕቤናቱ ብዙሕ ሓደገኛ ከምዝኸውን ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብተን ንለውጢ ዘካየዳ ሃገራት ተዓዘብናዮ ተኣምራት ስለዝኾነ!!!።

    • ERITRAWIT March 29, 2014

      Haqi Merar,
      How long shall we wait? don’t you think 45+ years not long time with dictator there is no base they destroy everything before hand. that is why everything collapse after they fall. There is no point waiting miracle will happen in Eritrea and for not doing anything well no one will be left in the country.

  • haki March 29, 2014

    ዝረባኻ ኣንታይ ኮወጾ እዚ’ዮ እቲ ሓቂ :: የግዳስ ኩልና ድማ እንታይ ክንገብር ከምዘለና ኣንፈት ከትሕዘና ዝኽእል ድማ መድያ እዮ :: እቶም ወነንቲ መድያ ድማ ኣብ ዕዳጋ ኣስማቶም ጥራይ ኮይኖም ዝያዳ ኣድህቦኦም:: ዘዘፍቀርዎም ሰባት ኣብ መድያ የምጽእዎም; ንሕና ድማ ቲፎዞ እናኽንና ምስ ኣብ ከባቢና ዝርከብ ሰብ ብ ቒምታን ጽልእን ሓመድ ንጋበር:: ኢሰያስ ብ ፖለቲካ ክመዘይጥፍእ ኩልና ዘንጊዕና ኣለና:: ናይ በሓቒ ብወለዶ ኤርትራ ንግደስ እንተኾይና : ፍቕሪ ኣብ ነንሕድሕድ ክመይ ከምዝምስረት ንዛረብ:: እዚ ዉድብ ገለ ዝበሃል ኢሰያስ ዝሰርሖ ሰኪዔት’ዩ :: ሓንቲ ውድብ ከመይ ኢላ ትዳኸም ኢሰያስ ኣጸቢቑ ዝመልኮ ሜላ’ዩ:: ውድብ ፈጢሩ’ዩ ዘዳኽማ :: ሰበይ ካኣ ቑምነገር ከይትገብር ኣብ ህልኽ ትጽመድ:: እቲ ጉሒላ ድማ ደቂሱ ይሓድር ኣሎ:: ስለዚ መዲያ ካብ ሓጥያት ኢስያስ ክተጋውሑ ትኸርሙ : ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቦታ ዝነብር ኤርትራዊ ክመይ ኢሉ ብሓንሳብ ኮፍ ኢሉ ዝፋቐረሉ ማኣዲ ፍጠሩ : ፖለቲካ ድሕሪ ፍቕርን ምትእምማንን እዩ ዝዓቢ:: እቶም ንዚ ዘሎ ሽግር ከም መሕለፊ ጊዜ ትጥቀምሉ ዘለኹም የሕዋት ድማ በጃኻትኩም ስለ ሃገር ኢድኩም ሕጸቡ:: ኣማኑኤል ድማ ኣስና ቲፈዞ ከትጥሪ ትገብሮ ዘለካ ጻዕሪ በጃኻ ግደፎ:: እስኻ ሕደ ካብቶም ዓቢ ታራ ክጻወቱ ዘለዎም ሰብ ኢኻ::

  • abrham March 29, 2014

    i joined EPLF fighter as the age of 14 and fought for 25 years. It would better to die than i have the pain from small and big injuries.Now i live in Holland as a refugee.I feel sorry the leaders of Eritrea misused and stolen the ambition of the Eritrean people.
    As our age we did our best and obligation to liberate Eritrea.The problem of the new generation is all of them are selfish.

  • Olana March 29, 2014

    Dear Writer

    I am not writing to offend anyone but Eritreans are the only people who sponsor a terrorist governemnt to terrorize and kill thier own mothers, fathers, sisters and brothers.

1 2 3

POST A COMMENT