Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ መበል 23 ዓመት ናጽነት ብሰላማዊ ሰልፍን ዘተን ንኽልተ መዓልታት ዘኪሮማ ውዒሎም።

ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሓያለ ሰዓታት ብመካይን ተጓዒዞም ናብ ዋሺንግተን ዲሲ ዝመጽኡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ንመበል 23 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ብሰላማዊ ሰልፍን ዘተን ንኽልተ መዓልታት ዘኪሮማ ውዒሎም። ኣብቲ ብዓርቢ 23 ግንቦት ብሰልፊ ዝጀመረ ጽንብል ዝኽሪ መበል

ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሓያለ ሰዓታት ብመካይን ተጓዒዞም ናብ ዋሺንግተን ዲሲ ዝመጽኡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ንመበል 23 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ብሰላማዊ ሰልፍን ዘተን ንኽልተ መዓልታት ዘኪሮማ ውዒሎም።

ኣብቲ ብዓርቢ 23 ግንቦት ብሰልፊ ዝጀመረ ጽንብል ዝኽሪ መበል 23 ዓመት፣ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ውድቀት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስን ምምጻእ ዲሞክራስያዊ ለውጥን ዝጽውዑ ጭርሖታት ብምልዓል እናጭርሑ፣ ምረሻኦም ብቤተመንግስቲ ኣመሪካ ዋይት ሃውስ ብምፍላም፣ ናብ ኣዳራሽ ባይቶ ኣመሪካ ካፒቶል ሂል ኣምሪሖም። ኣብ መወዳእታ ድማ፣ ባህላዊ ማእከል ማሕበረኮም ኤርትራውያን ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ናይ ህግደፍ ማእከል ብምብጻሕ ተዛዚሙ።

ኣብቲ ዝቕጸለ መዓልቲ ቀዳም 24 ግንቦት ኣብ ሂልተን ሆተል ካብ ቅድሚ ቀትሪ ክሳብ ምሸት ኣብ ዝተኻየደ ተኸታታሊ ሓባራዊ ዘተን ኣስተምህሮታትን፣ ምንቅስቃስ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ምቅልጣፍ ኣብ ዝሕግዙ፣ ህዝባዊ ምንቅስቃስ፣ ድሕነት ሃገር፣ ብዙሕነትን ሓድነትን ኤርትራውያን ዝኣመሰሉ ሰፋሕቲ ኣርእስታት ዘተን ክትዕን ኣካይዶም።

ኣብቲ ኣጋጣሚ፣ ኩነታት ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ጉዕዞ ስደት ብፍላይ ድማ ኣብ ምድረበዳታት ሰሃራን ሲናይን ዝምልከቱ ተምክሮታት ከምኡ ‘ውን ኩነታት ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ዓለም ንምጕላሕ ክካየዱ ብዛዕባ ዘለዎም ዲሎማስያዊ ስርዓት ‘ውን መብርሂታት ተዋሂቦም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • Semhar June 3, 2014

    As long as Isayas , ባህሊ ኣድጊ በረኻ ዘለዎ his son ዋርሳይand HIGDEF ሸፋቱ ዋርሳይ፣ኮሮኔላት ሻዕብያrule Eritrea this ባህሊ ኣድጊ በረኻ will continue.
    The only solution is to get reed of Isayas the leader of ባህሊ ኣድጊ በረኻ, the leader of ዋርሳይ፣ኮሮኔላት ሻዕብያ , his son ኣድጊ በረኻand his blind followers HIGDEF ሸፋቱ just like the Libyans did to Gadafi and his sons.
    Eritreans should unite and get reed the tyrant Isayas ኣድጊ በረኻ , his son ይክኣሎ ነበር ኣድጊ በረኻ and his blind followers HIGDEF ሸፋቱ .

Post a Reply to Semhar Cancel Reply