Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራዊ ድራማ

ኣማኑኤል ሳህለ ዝሓለፈ ጌጋታትን ህዉኽ ውሳነን: ግጉይ ግብረመልስን ድሑር ባህልን: ምስ ሕሉፍ ታሪኽን ተመክሮን: ምስ ማሕበራውን ፖለቲካውን ቁጠባውን ስርዓታት ተደማሚሩን ተጓዳዲሉን: ነቲ ኣሉታዊ ናይ ህይወት ሒሳብ ሚዛን (balance sheet) የቕርበልካ: ነቲ ሕማቕ ዘመን ከኣ ጎቲቱ የምጽኣልካ። ብግዜ

ኣማኑኤል ሳህለ

ዝሓለፈ ጌጋታትን ህዉኽ ውሳነን: ግጉይ ግብረመልስን ድሑር ባህልን: ምስ ሕሉፍ ታሪኽን ተመክሮን: ምስ ማሕበራውን ፖለቲካውን ቁጠባውን ስርዓታት ተደማሚሩን ተጓዳዲሉን: ነቲ ኣሉታዊ ናይ ህይወት ሒሳብ ሚዛን (balance sheet) የቕርበልካ: ነቲ ሕማቕ ዘመን ከኣ ጎቲቱ የምጽኣልካ።

ብግዜ ጣልያን: ህዝቢ ብሓይሊ ይኹን ብድልየቱ እናተኸትበ ንሊብያ ኪኸይድ ከሎ: ኣብቲ ምድረበዳ ሲረናይካ ኣውያት ዘይብሉ ሞት ዝጠዓሙ ኤርትራውያን ኣሽሓት እዮም። ኣብቲ ግዜቲ: በብሓደ ሰብ ወሓደ ይብሃል ነይሩ። እታ ነቶም ካብ ሞት ዘምለጡ ዓሻኽር ካብ ምጽዋዕ ናብ ኣስመራ እተምጽኦም ዝነበረት ጸላም ባቡር ግን: ንገለ ወለዲ ሓዘን ተሰኪማ እያ ናብቲ ፈሮቭያ ዚብሃል ዝነበረ መነሃርያ ባቡር እትኣቱ ዝነበረት። ሽዑ ኸኣዩ: ባቡር መጸት ትኪ ተኸዲና: ጓለቦኺ ትበኪ ደኒና ዚብሃል ዝነበረ።

ቅድሚኡውን ዘመን ኣካሒዳ ዚብሃል ዓቢ ናይ ጥሜት ዓመታት ነይሩ። እዚ ግን ሰብ ዘምጽኦ መከራ ዘይኮነስ: ተፈጥሮ ዘምጽኦ ኩነታት እዩ ነይሩ። ምናልባት ብገለ ሸነኻቱ ናይ ሰብ ኣስተዋጽኦ ነይሩዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ: ግን ብዓውለማዊ መገዲ እንተ ዘይኮይኑ: ኣፍካ መሊእካ እትውንጅሎ ፍሉይ ኣካል ኪህሉ ኣይክእልን።

ብጥንቲውን ኣብዚ ከባቢና ኣርዌ እተባህለ ገበል ይገዝእ ነይሩ ዚብል ኣፈታሪኽ ኣሎ። ኣብ ዓመት ሓንቲ ዝበልዓ ጎርዞ እንተ ዘይኣምጻእካሉ: ኣየንብረካን እዩ። በዝን ክንድዝን ከኣዩ: ብዘመነ ገበል ዝሃቡኻ ተቐበል: እተባህለ። ግን ከኣ: ተመን እኮ ተዛሪቡ እዩ፤ ክፍእ ውዒለ ክፍእ እንተ ሓደርኩ: ካብ ሰብ ኣይከፍእን እየ ብምባል ኣማሪሩ። ከምዚ ኪብል ከሎ ኸኣ: ግዝኣት ሰብ ካብ ግዝኣት ተመን ከም ዝኸፍእ ኪሕብረና ስለ ዝደለየ እዩ። እዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ስርዓት ስለ እተራእዮ ደኾን ይኸውን ከምዚ ኪብል እተገደደ?

ኣስታት 500 ዓመት ይገብር ድማ ብጭካነኡ መወዳድርቲ ዘይነበሮ ናይ ቱርኪ መግዛእቲ ኣሕሊፍና ኢና። ኣቦታትና: ንዝኾነ ግፍዓዊ ምሕደራ: ግዝኣት ቱርኪ ብምባል እዮም ዚገልጹዎ። ምናልባት: ድሕሪ ቅሩብ ዓመታት: እታ ግዝኣት ቱርኪ እትብል ሓረግ: ናብ ግዝኣት ህግደፍ እትብል ሓረግ ትልወጥዶ ትኸውን?

እቲ ውሩይ እንግሊዛዊ ተቐናያይ: ዊልያም ሸክስፒር: ዓለም መድረኽ እያ: ሰባት ከኣ ተዋሳእታ እዮም: ይብል። ኩልና ኣብዛ ሓጻር ዕድሜና ተዋሳእቲ ኢና። ገሌና ንሒደት ደቓይቕ ምስ ተዋሳእና ቅድሚ መጋረጃ ምዕጻዉ ካብቲ መድረኽ ነልግስ: ገሌና ድማ ክሳዕቲ መጋረጃ ዚወርድ ንጸንሕ።

ናይ ዓለምና ተዋስኦ ግን: ተዓዛባይ የብሉን። ኩሉ ተዋሳኢ እዩ። ብሓጺሩ: እቲ መድረኽን እቲ ዕዱም ኮፍ ዚብለሉ ቦታን: ኩሉ መድረኽ እዩ። ምናልባት ተዓዛቢ ኪህሉ ይኽእል ይኸውን: ግን ንሱውን ኣብቲ ሓፈሻዊ መድረኽ ስለ ዘሎ: ተዋሳኢ ካብ ምዃን ኣይሓልፍን እዩ።

ኣብዛ ዓለም: ኤርትራውያን ዚዋስኡሉ ድራማ ይካየድ ኣሎ። እቲ ኣብ ውሽጥን ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዘሎ ኤርትራዊ ኣብቲ ተዋስኦ ተሳታፊ እዩ።

ናይዚ ኣሰቃቕን ግፍዓውን ብደም ዝጠልቀየን ድራማ ቀንዲ ተዋሳእቲ: ኣባላት ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት እዮም። እቲ ነቲ ተዋስኦ ዝጸሓፎ: ባዕሉ እቲ ውልቀመላኺ እዩ። ስክሪፕት ዘዳለዉ ድማ ጀነራላትን: ናይ ጸጥታ ሓለፍትን: ካድረታትን እዮም። ክፉእ ዘመን ኣርኪቡና። ግን ከኣ ክንሓልፎ ዘሎና መድረኽ እዩ።

ኣርእስቲ ናይቲ ድራማ: ኤርትራ ናበይ? ዚብል እዩ። እቲ መጋረጃ ኣብ 60ታት እዩ ዚኽፈት። ቀዳማይ ግብሪ: ቀዳማይ ምርኢት። እቲ ውልቀመላኺ ነቶም ሰዓብቱ መሪሑዎም ኣብቲ መድረኽ ይኣቱ።

እቲ ድራማ ይቕጽል። ሓርነታዊ ቃልሲ ይጅምር: ህዝቢ ናብ ዓውደኲናት ይውሕዝ። ጸላኢ ኣረመናዊ ግፍዕታት ይፍጽም። ዓድታትን ቁሸታትን ይነድድ። መሬት ይጕህር። (ውግእ ሓድሕድ ይዝለል): ሚግ: ኣንቶኖቭ: ናፓልም: ጋዝ: ከበባ ሳሕል: እምቢ ያለ ሰው ጥይት ኣጕርሰው….ሽዕብ ….ጽንዓት…..ህዝቢ ከይተሓለለ ይቃለስ: ማርያም ግንቦት: ዓፋኝ: ወዶገባ…..ኣፍዓበት…ስርሒት ፈንቅል….። ኣብ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ ብድሆን ተጻዋርነትን ይረአ። ውፉያትን ጀጋኑን ይቘስሉን ይስውኡን። ኣብ መጠረስታ ጸላኢ ካብ መሬት ኤርትራ ተሰኒፉ ይስጎግ። ናጽነት ይእወጅ። ህዝቢ ደረት ዘይብሉ ሓጎሱ ይገልጽ። መጋረጃ ይዕጾ።

መጋረጃ ይኽፈት። ቀዳማይ ግብሪ: ካልኣይ ምርኢት። እቲ ውልቀመላኺ ነቶም ሰዓብቱ መሪሑዎም ኣብቲ መድረኽ ይኣቱ። እቲ ውልቀመላኺ ቅሩብ እተቐየረ ይመስል። ብዙሕ ዝረሸነን ዘጽነተን መራሒ: እከይ መንፈሱ ኣብ ኣካይዳኡ የንጸባርቕ እዩ። እቶም ሰዓብቱ ድማ ናይ ምሽክንክን ምባል ባህርያት ዘርእዩ ዘለዉ ይመስሉ። ብዙሓት ብጾቶም ኣብ ሜዳ ደርብዮም እዮም መጺኦም። እቲ ህዝቢ ሓፍ ብምባል የጣቕዕ። ገለ ሰባት ግን: ሕሽዅሽዅ ይብሉ…. ሕጂ ተጣቕዓ ኣሎኽን ደሓር ግን ክትበኽያ ኢኽን…..ይብሉ።

እቲ ውልቀመላኺ ነቶም ሰዓብቱ ነቲ ቀሪቡዎ ዝነበረ ኣሳእላትን ቻርትን ፖስተራትን ኣብቲ መንደቕ ኪልጥፉዎ ይእዝዝ። ከምኡ ድማ ይግበር። ናይ ሲንጋፖር ኣሳእል: ናይ ቀጠር: ናይ ዱባይ: ናይ ሊብያ ወዘተ በብሓደ ይዝርጋሕ። መንእሰያት ባንዴራ እናኣምበልበሉ ተሰሪዖም ብዓቢ ሓበን እናመረሹ ይሓልፉ። ብድሕርዚ ብውልቀመላኽን ሰዓብቱን ናይ ምዕባለን ፕሮፓጋንዳን መዛሙር ይዝመር። ህዝቢ የጣቕዕ። ኣንስቲ እልል ይብላ። ገለ ጣቕዒትን እልልታን ግን ካብ ክሳድ ንላዕሊ እዩ። መጋረጃ ይዕጾ።

ካልኣይ ግብሪ: ቀዳማይ ምርኢት። መጋረጃ ይኽፈት። ውልቀመላኺ ንዓሻኽሩ ነቲ ኣሳእላትን ቻርትን ኣውሪዶም ኪቐዳድዱዎን ከንድዱዎን ኣብ ክንዳኡ ድማ ናይ ሳዋን ከባቢኣን ኣሳእል ኪልጥፉ ይእዝዝ። ሎኽሎኽ በሃልቲ ሰዓብቱ: ነዚ ንምግባር ግዜ ኣይወስዱን። ህዝቢ: ገሊኡ ትሒም ቲሒም ይብል። ገሊኡ የጣቕዕ። ኣንስቲ ድማ እልል ይብላ። ገለ ካብቶም ኣብቲ ትያትር ዘለዉ ሰባት: ቅዋም! ቅዋም! ዚብል ድምጺ የስምዑ። ዓሻኽር ውልቀመላኺ ነዚ ምስ ሰምዑ: ልቦም ይመልቝ። ገሊኦም ግን ነቲ ህዝቢ ብምድጋፍ ኣራእሶም ይንቕንቑ። ውልቀመላኺ ካብቲ መድረኽ ኰደብ ኰደብ እናበለ ንግዜኡ ይወጽእ። መጋረጃ ይዕጾ።

ሳልሳይ ግብሪ: ቀዳማይ ምርኢት። መጋረጃ ንኺኽፈት ይድንጒ። ካብ ህዝቢ ፋጻን (ፊስክያን) ኮርማሕማሕን ይስማዕ። ሓደ ካብቶም ዓሻኽር ኣብ ቅድሚቲ ዘይተኸፍተ መጋረጃ ደው ኢሉ፤ ሓንሳእ ተዓገሱና: ደቂ ሸራ…. ….ይብል: ጸርፍን ዘለፋን ናይ ሓለፍትን ካድረታትን ሕላገት እዩ። ጸኒሑ ድማ: ዘሐጉስ ዜና ብምባል፤ ብኽቡር ፕረሲደንት: ኩሉ መንእሰይ ናብ ሳዋ ኪወርድ ይዕደም ኣሎ: ዚብል ድቦላ ዝኾነ ሓበሬታ ይስንዱ። መጋረጃ ይዕጾ።

መጋረጃ ይኽፈት። ቅሩብ ጸኒሑ ውልቀመላኺ ኣብቲ መድረኽ ይኣቱ። ካብቶም ኣቐዲሞም ምስኡ ዝነበሩ ሰዓብቱ: ሕጂ የለዉን። እዞም ሕጂ ምስኡ ዘለዉ ድማ መብዛሕትኦም ናይ ወታደር ክዳን ዝለበሱ እዮም። ገለ ሰባት ካብቲ ትያትር ሰላሕ ኢሎም ኪወጹ ይጅምሩ።

ኣብቲ መናድቕ መድረኽ: ናይ በረኻታትን ታንክታትን ስእልታት: ዶባት ዘርእይ ካርታታት ይዝርጋሕ። ካብን ናብን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቴለግራማትን ደብዳበታትን ይመጽእን ይለኣኽን። ነፈርቲ ጸላኢ ልዕሊቲ ትያትር ይበራ። ውልቀመላኺ የዕገርግር። ድምጺ ቦምብታት ይስማዕ። ክሕደት ይሽትተኒሎ: ይብል ውልቀመላኺ። ምእሳርን ምድጓንን ይካየድ። ብዙሓት ሰባት ነቲ ትያትር ገዲፎምዎ ይወጹ። እቲ ድራማ ኣብ ምውዳኡ እዩ። እቲ ምውጻእ ይቕጽል። መጋረጃ ይዕጾ።

ሳልሳይ ግብርን መወዳእታ ምርኢትን። መጋረጃ ኣይኽፈትን። ህዝቢ ብዓቕሊ ይጽበ። ድምጺ ዚገላበጥ ባሕሪ: ናይ ዝጥሕሉ ድምጺ ኣውያት። መርድእን ብኽያትን። ድሕሪ መጋረጃ ገልጠምጠም ይስማዕ። ቆየቛን ባእስን። ክትሪኣ ኢኽን ነዛ ሃገር ከም ሶማል ገይረ እንተ ዘይገዲፈያ ዚብል ናይቲ ውልቀመላኺ ድምጺ ብድሕሪ መጋረጃ ይስማዕ። ህዝቢ ብምቝጣዕ ካብ መናብሩ ይለዓል: ኣብ ደገ ዝነበረ ተዓዛቢ ድማ ይሕወሶ። ናብቲ መድረኽ ድማ ይውሕዝ። ነቲ መጋረጃ ሓዊ የእትወሉ። ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኩሎም ተዋሳእቲ ድማ ይሕዞም። ኣሲሩ ድማ ንደገ የውጽኦም።

ሽዑ: ካብቲ መጕልሕ ድምጺ: እምበኣር እቲ ንዓመታት ንኤርትራ ዘዕነዋን: ንህዝባ ዘሳቐየን ዘዋረደን: ንኣእምሮ መንእሰያታ ዘበላሸወን ኣርዌ ተታሒዙ እዩ: ዚብል ድምጺ ይፍኖ።

ኣጋግዩና እዩ እዚ እኩይ መራሒ: በጃኹም መሓሩና ዚብል ድምጺ ካብቶም ምሽክንክን ዚብሉ ናይቲ ስርዓት ኣባላት ይስማዕ።

ኣይበልናንዶ… ኣይበልናንዶየ….ዚብል ሙዚቃ ድማ ካብቲ ናይ ትያትር መጕልሕ ድምጺ ይቃላሕ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
16 COMMENTS
  • Yohannes August 18, 2015

    It’s a great drama worth reading, it represents exactly the tragedy we are facing currently. I wish the end of the regime fits this drama.
    Thanks Memehir Amanuel

  • Kamil October 9, 2015

    What a pleasure to find someone who ideneifits the issues so clearly

Post a Reply to Yohannes Cancel Reply