Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራዊ ተጋዳላይ ክስዕቦ ዘለዎ ኣብነታዊ ስጉምቲ ነባራት ተጋደልቲ ዚምባብወ

ኢሳይያስ ኢልካ ሮበርት ሙጋበ፣ ዛኑ ፒፍ ኢልካ ህግደፍ ተመሳሳልቲ ካብ ኮኑ፣ ነባራት ተጋደልቲ ዚምባብወ ንሮበርት ሙጋበ ይኣኽለካ ክብሉዎ ከለዉ ኤርትራውያን ገዳይም ተጋደልቲ ኸ ንኢሳይያስ ይኣኽለካ ዘይብሉሉ ምኽንያት እንታይ እዩ? ኣብ እዋን ናጽነት፣ ኢሳይያስ፣ ንመራሕቲ ኣፍሪቃ “እኩባት

ኢሳይያስ ኢልካ ሮበርት ሙጋበ፣ ዛኑ ፒፍ ኢልካ ህግደፍ ተመሳሳልቲ ካብ ኮኑ፣ ነባራት ተጋደልቲ ዚምባብወ ንሮበርት ሙጋበ ይኣኽለካ ክብሉዎ ከለዉ ኤርትራውያን ገዳይም ተጋደልቲ ኸ ንኢሳይያስ ይኣኽለካ ዘይብሉሉ ምኽንያት እንታይ እዩ?

ኣብ እዋን ናጽነት፣ ኢሳይያስ፣ ንመራሕቲ ኣፍሪቃ “እኩባት ጋዋኑ” ኢሉ ከናሽዎም ከሎ፣ እዞም ተኣሲሮም፣ ደስኪሎም፣ ብዙሓት ድማ ብብስጭት ዕለተ ሞቶም ተቐላጢፋ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ተቐቢሮም ዘለዉ ንኤርትራ ዕድመ ንእስነቶምን ወርቃዊ ህወቶምን ዘወፈዩላ ተጋደልቲ፣ ንኢሳይያስ ከም ሓቀኛ መራሒ ኣሚኖሞ ስለዝነበሩ ንባጭኡ ከምሳግላ ከይቀልዑ በሊዖም “ገይሩለን” ኢሎም ካብ ምስሓቕ ኣይሓለፉን። ሕጂ ውዲት ኢሳይያስ ተቐሊዑ፣ ንዓኣቶም ተመሊሱ ምስ ገበረሎም፣ ካብቶም ኢሳይያስ ጋዋኑ ዝበሎም መራሕቲ ኣፍሪቃ እቲ ዝገወነ ሮበርት ሙጋበ ‘ኳ ብኽፋኡ ንኢሳይያስ ክቀራረቦ ስለዘይከኣለ፣ ብውዲቱን ጻልጣ ውልቀ መላኽነቱን ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ መዳርግቲ ስኢኑ ምስ መራሕቲ ስሜን ኮርያ መወዳድርቲ ኮይኑሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ጥፉእ ኣይምለስ ክዉን ኣይምለስ ኢሎም ኢዶም ኣጣሚሮም ክዕዘቡ የብሎምን። ካብ ገዳይም ተጋደልቲ ዚምባብወ ንላዕሊ ንኢሳይያስ ይኣኽለካ ክብሉዎ ዘለዎም ነባራት ተጋደልቲ ኤርትራ እዮም።

ከመይ ሲ፣ ውልቀመላኽነት ኢሳይያስ ካብ ናይ ሮበርት ሙጋበ ብዓሰርተ ዕጽፊ ዝኸፍአ፣ ድኽነት ኤርትራ ካብ ናይ ዚምባብወ ብዓሰርተ ዕጽፊ ዝሓሰመ ብምዃኑ፣ እኽል ታርፍ ምኽንያት ኣለዎም። እቶም ካብኣቶም ብ 10 ዓመት ዝሽምግሉ ገዳይም ተጋደልቲ ዚምባብወ ሓቦ እንዳገበሩ፣ ንኤርትራውያን ተጋደልቲ ተስፋ ዘቝርጽ ምኽንያት ከቶ ክህሉ ኣይግባእን።

ተጋዳላይ ኤርትራ፣ ካብቲ ኢሳይያስ ብዝጥዕሞ ወረቐት ሰኒዑ ባህ ዝበሎ ሕብሪ ለኽዩ ከም ቆቢዕ ኣብ ርእሱ ሰቒሉሉ ዘሎ ባኮ ርእሱ ኣውጺኡ ክሓስብ እንተጀሚሩ፣ ነብሱ ሓራ እንተገይሩ፣ እቲ ኩሉ ብሓሹል ኢሳይያስ ተማሂዙ ተጋዳላይ ሃገሩ ከየድሕን ከም ጅሆ ሒዙዎ ዘሎ ፕሮፖጋንዳ ከም ዝበንን ፍሉጥ እዩ።

ተጋዳላይ፣ “ኣሕ እንታይ ‘ሞ፣ ሃገር ከይትብተን፣ ሕንፍሽፍሽ ከይፍጠር፣ መራሒ ከይንስእን፣ ኢትዮጵያ ተመሊሳ ከይትጎብጠና …ሰጊእና እምበር፣ ወዲ መድህን በራድ ዝፍጽሞ ዘሎ ጥፍኣት መዓስ ጠፊኡና” እናበለ፣ ነቶም ኢሳይያስ ቦዲ ጋርድስ ክኾኑዎ ኮነ ኢሉ ዝጠንቆሎም ምስምሳት እናኳማስዐ ምንባር እንተቐጺሉ ግን ንባዕሉ ‘ውን ክበንን እዩ።

ወረ ንምዃኑ፣ እቲ ኣብ ግዜ ገድሊ ኢሳይያስ ኣብ ስንጭሮ ዓምበርበብ ከሎ ኣብ ግንባር ናቕፋ ዝተዋግአን ዘዋግአን፣ ኢሳይያስ ኣብ ለንደን ኣብ ጣውላ ከሎ ታንክታት ኣምሪሑ ኣስመራ ዝተደቕደቐ፣ ንኢሳይያስ ባዕሉ መሪሑዎ ዝኣተወ፣ ቤትመንግስቲ ባዕሉ ዘረከቦ ተጋዳላይ ከመይ ኢሉ እዩ ብመሪሕነት ዝጭነቕ!

ብዛዕባ ዳግማይ ጎበጣ ኢትዮጵያ እንተኾይኑ፣ ኩናት ወሊዑ፣ ነቲ ሓበን ኤርትራውያን ኮይኑ ዝነበረ ቅያን ጅግንነትን ተጋዳላይ ብምብኻን ንኤርትራ ዳግም ናብ ተጻብኦ ኢትዮጵያ ዝመለሳ ኢሳይያስ እዩ። ንመንእሰያት ኤርትራ ካብ ገዛእ ሃገሮም እናበተነ ብጅምላ ንኢትዮጵያ ዘረከባ ዘሎ ‘ውን ኢሳይያስ እዩ። መንእሰያት ኤርትራ ባዲሞም ኤርትራ ጸዋርን ተኸላኻልን ዘይብላ በዱ ኮይና ምስ እትተርፍ ከኣ ‘ያ ኤርትራ ኣብ ሓደጋ እትወድቕ። እዞም ህዝቢ ኤርትራ ኩዕንቲ እናኣረየ፣ ኢሳይያስ ብኽልተ ኢዱ ስጋ ሒዙ፣ ብኢትዮጵያ ይኹን ብስግር ባሕሪ፣ ብኹሉ ወገናት ንኤርትራ ኣኻልብ ክዕድመላ ዝርእዩዎ ዘለዉ ተጋደልቲ ደኣ ከመይ ኢሎም እዮም ነቲ ሃገር ዘዳቕቕ ዘሎ መጥሓን ኤርትራ ከም መድሕን ክጠራጠሩሉ ዝረኣዩ። ኢሳይያስ እቲ ዝላሕለሐ ቀለቤት ኤርትራ ምዃኑ፣ ምንዋሕ ዕድመ ኢሳይያስ ምሕጻር ዕድመ ኤርትራ ምዃኑ ተሰቍሩዎም፣ ከም ነባራት ተጋደልቲ ዚምባብወ ንምርጫ ከይተጸበዩ ሃገሮምን ህዝቦምን ንምድሓን ብህጹጽ ዳምዳም ክብሉ ዝግብኦም እምብኣር ተጋደልቲ ኤርትራ እዮም።

ኣብ ኤርትራ ኵናት የለን፣ ርግኣት ከይዝረገና ኢሎም ዝሓስቡ እንተልዮም ደጋጊምና ከምዝበልናዮ ነብሶም ጥራይ እዮም ዝቕሽሹ ዘለዉ። ኣህዪ ኵናት ደኣ ‘ዩ ዘይልቦ ‘ምበር ጥሚቕ ኵናትስ ኣብ ኤርትራ ኣየዕረፈን። ነዚ ንህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ንመንእሰያት ኤርትራ ገጢሙዎም ዘሎ ኵናት ኢሳይያስ ካብቲ ዘሕለፉዎ ኵናት ዝኸፍአ ዝገብሮ፣ ነቲ ናብኣቶም ዝቐንዐ ቶኽሲ ክምልሱሉ ዘይምኽእሎም እዩ። እቶም ብሳይለሰር ኢሳይያስ ዝጠፍኡ ዘለዉ መንእሰያት እቲ ድምጺ ናይቲ ዝቐተሎም ጥይት ኳ እንተዘይተሰምዐ፣ መርድኦም ኣብ መናድቕ ኤርትራ ተለጢፉ ስለዘሎ ንኹሉ ርኡይ እዩ።

ውልቀመላኽነት ኢሳይያስ ካብ ናይ ሙጋበ ዝሓሰመ እዩ ክንብል ከለና ስድሪ ኣየጋነናን። እዚ ናይ ገዳይም ተጋደልቲ ዚምባብወ ኵነነን ውገዛን ንሙጋበ፣ ሃንደበት ዝመጸ ኣይኮነን። ህይወት ኣብ ትሕቲ ሙጋበ ዝመረሮም ዜጋታት እታ ሃገር ብሓደ ቀሺ ተመሪሖም ቀጻሊ ሰላማዊ ሰልፍታት ከካይዱ ድሕሪ ምቕናዮም ዝሰዓበ እዩ። ኣብ መጽሓፍ ህግደፍ ሰላማዊ ሰልፊ እትብሃል ቃል ከምዘየላ እንተዘኪርና፣ እቶም ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ብኣስመራ ክሓልፉ ተቓውሞኦም ዝገለጹ መሳኪን መንእሰያት በልማማ ጥይት ከምዝተቖሽመዱ እንተዘኪርና ብዓይኒ ኤርትራ ዚምባብወ ኤውሮጳ እያ። ኢሳይያስ ነቶም “እዛ ሃገር ከይትጠፍኣና፣ ህዝብና ጻምኡ ክረክብ ሃየ ‘ባ ንላዘብ” ዝበሉዎ ሚኒስተራት፣ ጀነራላትን ኣባላት ባይቶን ኣብ ማሕዩር የሕቅቖም ምህላዉ ዘኪርና፣ ሮበርት ሙጋበ ነቲ ሎሚ ቕነ ሰላማዊ ሰልፍታት ዝመርሐ ቀሺ “ናብራ እንተመሪሩካ ዓዲ ቀይር” ኢሉ ከምዝሓለፎ እንተተገንዚብና፣ ኢሳይያስ ኣምባገነነትን ጋኔንነትን ደሚሩ ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ብምቕሉልነቱ ዝልለ ህዝቢ ይበልዖ ምህላዉ ንኹሉ ብሩህ እዩ።

ሃገሩ እናባደመት ህዝቡ እናጠፍአ ደኣ ‘ሞ ንተጋዳላይ፣ እንታይ ‘ዩ ኢዱ ኣሲሩዎ ዘሎ?

ኣሸበሸብ ኢሳይያስ ከምቶም ዝቐደሙ እንተኣሲሩዎ ደቁ ከይዝኽትሙ?

ዓይኑ ይርኢ፣ ቀልቡ የስተውዕል እንተልዩ ግን ኮ፣ እቶም ኣብ እርጋኑ ዝወለዶም ደቂ ቴስዓ ዓመተ ምህረት ደቁ እዮም ኣብ ሰሃራ፣ ማእከላይ ባሕሪ ዝቕዘፉ ዘለዉ። ብሰንኪ እዚ ናብ ምጽማም ደረጃ ዝበጽሐ ምጽማም ተጋዳላይ፣ ኣብ ኤርትራ ዘይንቡር ንቡር ክኸውን፣ ኣብ ክንዲ ውላድ ወላዲ ክዝኽትም፣ ውሉድ ወላዲኡ ክንዲ ዝቐበር፣ ወላዲ ውሉድ ክቐብር ይውዕል ኣሎ። እሞ ድማ ሬሳ ዘይብሉ ቀብሪ!

ኣንቱም ሰባት፣ እቲ ምእንቲ ህዝቢ ንእስነቱ ዘባኸነ፣ ዝደመየ፣ ዝተሰውአ ተጋዳላይ፣ ከመይ ኢሉ እዩ ምእንቲ ደቁ ደው ምባል ስኢኑ ዘሎ? ከመይ ኢሉ እዩ እቲ በህባይ ተኸቢቡ ዘሎ ጋውና ኤርትራ ዝረትዖ ኣንበሳ ስኢኑ?  ጸገም ይከኣሎ፣ ዝኽእሎ ኣብ ክንዲ ዝገብር፣ ተኻኢሉ ዓዲ ስለዝወዕለ እዩ፣ መሰሉ ዝጋሃስ፣ ህዝቡ ዝፈልስ፣ ታሪኹ ዝድምሰስ ዘሎ።

ልክዕ እዩ ቅድሚ ገዳይም ተጋደልቲ ዚምባብወ፣ ስንኩላን ተጋደልቲ ኤርትራ ከምኡ ‘ውን ሓይልታት ምልክልኻል እዮም ንምልኪ ዝዅንን ደብዳበ ጽሒፎም። ኣብ ጽባሕ ናጽነት ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር፣ ብድሕሪኡ ኣካለ ስንኩላን ተጋደልቲ፣ ጸኒሖም ‘ውን እቶም ብጉጅለ 15 ዝፍለጡ ተጋደልቲ ነበር ሚኒስተራትን ጀነራላትን ዘርኣዩዎ ታሪኻዊ ተቓውሞታት ‘ውን ኣብ ቦትኡ ‘ሎ። እንተኾነ፣ እቲ ክፋኡን ውዲቱን ሱር ዝሰደደ ኣኼስ ኢሳይያስ፣ ብደብዳበን ብለመናን ዝወድቕ ኣይኮነን። ሕልኮ ተጋዳላይ እዩ ሰጣሕ ኣቢሉ ዘውድቖ። ንሕልኮ ተጋዳላይ ዝመልኮ ድማ ተጋዳላይ እዩ።

ኢሳይያስ ሃዳሚ ፈራሕ፣ ጃጃዊ ምዃኑ ዝፈልጥ ተጋዳላይ እዩ።

ኢሳይያስ ኣብ ምንታይ ቲኽቲኽ እንተበልካዮ ከምዝመውት ዝፈልጥ ‘ውን ተጋዳላይ እዩ።

ኵናት ከፊቱ ነቲ ካብ መስዋእቲ ድሒኑ ዝኣተወ ተጋዳላይ ምስ ደቁን ኣሕዋቱን ብጥይት ከምዝቕረም ዝገበረ፣ ብሰንኩ ዶብ ተጣሒሱ ምስ ተባህለ፣ ህዝቢ ንድሕሪት ገዲፉ ናብ ናቕፋ ዘቕንዐ ኢሳይያስ ምዃኑ ከኣ ካብ ማንም ንላዕሊ ተጋዳላይ ይፈልጥ።

ከምቲ መንእሰያት ኣስመራ ኣብ ዝሓለፈ ቕነ፣ ኢሳይያስ ኣገልግሎት ማይ ደው ኣቢሉ ህዝቢ ምስ ኣጽምአ፣ ኣባጅጎ ማይ ተውሺሕሉ ህዝቢ ብመጀርበብ ኣዕቍሩ ብዘዋህለሎ ማይ ምስ ተሰትረ፣ “ሰብኣይ ጕህዩ” ክብሉዎ ዝቐነዩ፣ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ‘ውን ኣሽንባይ ዶ ተጋዳላይ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ፈሊጡዎ ኣሎ። ስለዚ፣ ህዝብስ ንተጋዳላይ ይጽበ ‘ሎ፣ ተጋዳላይ ከ ንመን እዩ ዝጽበ ዘሎ? ንኢሳይያስ? ኢሳይያስ ደኣ ነታ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዝሰማምዓላ ሃገራዊ ቅዋም ከይተረፈት ዶ ብኣፉ ኣይቀተላን።

ኣብዚ ክንጽር ዘለዎ ጉዳይ፣ ዝበዝሐ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ሓላፍነት ‘ዚ ንተጋዳላይ ዘሰክመሉ ምኽንያት፣ ኣብ ተጋዳላይ ክብርን ኣድናቆትን ስለዘለዎ ደኣምበር፣ ህይወት ንኻልኦት መስዋእቲ ድማ ንተጋዳላይ ጥራይ ዝተሓዝአ ተግባር ብምዃኑ ኣይኮነን። ከምኡ ዝሓስቡ ሰባት እንተልዮም ተበላጺ መርግጺኦም ክእርሙ ኣለዎም።  ንርእስና ኣብ ስደት ኴንና ተጋዳላይ ክውፈየልና ምጽባይ ብሕልና ቀጭውጨው ከምዝብለና ክንሓብኦ ኣይግባእን። ይኹን’ምበር፣ ዋላ ኣብ ውሽጢ ሃገር እንተዝህሉ ‘ውን፣ ድሩት ዓቕምና እናወፈና ካብ ተጋዳላይ ምጽባይና ኣይምተረፈን። ምኽንያቱ፣ ንኢሳይያስ ብሽመቱ፣ ንተጋዳላይ ግን ብጅግንነቱ ኢና እንፈላልዮም። ልዕሊ ኹሉ ዝምስጠና ድማ ጅግንነት ተጋዳላይ እዩ። ስለዚ እየ፣ ኣነ በዛ ገዛእ ነብሰይ ከም ግለ ሰብ፣ ኣብ 1994፣ “ተመስገን በሉዎ ንተመስገን፣ ዓይኑ እንተሓበሰ ልቡ ኣይኣበደን” ክብል ኣብ ናዕታታት ግጥመይ ውዳሰን ሻቕሎትን ኣቀራቒረ፣ ነቲ ከይተገገልጸ ዝተረግጸ ተጋዳላይ ወየ ዝበልኩሉ።

ኢሳይያስ ድሂሉ፣ ኣደስኪሉ፣ ኣሲሩ፣ ቀቲሉ ነቲ ኣብ ጥርዚ በጺሑ ዝነበረ ተወፋይነት ተጋዳላይ ክድምስሶ ናይ ዘለዎ ተተናዅሉ ኳ እንተኾነ፣ ኣብ ውሽጥን ግዳምን ኮሊልና ከምዝተዓዘብናዮ፣ ድሕነት ኤርትራ ኣብ ኣንጉዕ ተጋዳላይ እዩ ዘሎ። ተጋዳላይ ከኣ፣ ነዚ ጸጋ ‘ዚ፣ ሕንከት ኤርትራ ንምቕንጣጥ፣ ክብረት ህዝቢ ኤርትራ ንንምላስ፣ ከምቲ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ፣ ክውን ኣይምለስ ጥፉእ ኣይምለስ ምባል ገዲፉ፣ ነቲ ኢሳይያስ ብደገፉ ዝተኸሎ ምልካዊ ክዉንነት ኣብ ምንቃል ክጥቀመሉ ኣለዎ።

በንጻር ‘ቲ ኢሳይያስ ኣብ እዋን ናጽነት፣ በቲ በቲ ብጅግንነት ተጋዳላይ እናተዋራዘየ ንኻልኦት ኤርትራውያን ንምንጻል “ኣበይ ዝነበርኩም ኢኹም” እናበለ፣ በቲ ኻልእ ድማ ክብረት ተጋዳላይ ባሕጕጉ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ተሰማዕነት ከምዘይልዎ ገይሩ ስልጣን ንምግባት ዝተጠቕሞ ሜላ፣ ተጋዳላይ፣ ነቲ ናይ ለውጢ ዓወት ናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራ እንተገይሩዎ፣ ህዝቢ ኤርትራ ንስጉምቱ ከም ጸጋ ተቐቢሉ፣ ከምቲ ናይ ፈለማ ንተጋዳላይ ከም ውፉይ ዜጋ ዘይምርቐሉ ምኽንያት የልቦን።

መንእሰያት ደቁ ካብ ጥፍኣት ክድሕኑ፣ ኣዴታት ኤርትራ ብምህለላን ጸሎትን ፍሒሙ ዘሎ ግንባረን ለሚጹ ፍሽኽ ክብላ፣ ድሕነት ሃገርና ኤርትራ ርጉጽ፣ መጻኢ ኤርትራ ፍሉጥ ክኸውን እምብኣር፣ ተጋዳላይ ነዚ ሃገራዊ ሕድሪ ንምፍጻም ብዘይወዓል ሕደር ታሪኻዊ ሓላፍነቱ  ክስከም ኣለዎ።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

ኣማኑኤል ኢያሱ

23 ሓምለ 2016

aseye.asena@gmail.com

Review overview
13 COMMENTS
  • k.tewolde July 24, 2016

    It is a great call to the vets whatever is left of them if there are any,at the same time,it is way overdue,this call should have come in the early 70’s when progressive voices were muffled,maimed and silenced forever by the tyrant,it should have boldly resonated at the time when dictatorship was budding its ugly head,it should have defied the orders that declared war against brothers and sisters with the help of a foreign intruder who has no business on Eritrean soil.That’s the time we lost it.The armed struggle is marred with betrayals and unholy alliances,murders and incommunicado disappearances,fornication,rape,and alcoholism,backstabbing,spying and character assassination……………this is the filthy baggage the ‘liberators’ brought with them and they smeared it allover the face of the innocent civilian who was yearning for them to come home. It was a bitter sweet moment,but the home we know has never been the same since,and we are paying a heavy price for our inaction when it was warrantied.Lets tell the whole story,it didn’t start in page 71 or 81 or 93,it is from alpha till present,otherwise we will never find solution to our dilemma as long as we are tearing out some pages of the book and the new reader will never comprehend it.

  • hara July 24, 2016

    Ata jigna aman eyasu. nska trah entetistihif …….. ms jemerkwo.nsaka mqanka yfleyeni beka abza libey STuk ybl. … edmen. tiEnan. Yhabka
    Amlak semay

    • wedi Toronto July 24, 2016

      why are you praising Amanuel Eyasu so much for a small article? Amanuel and so many others have been writing so many great articles but they have not brought solutions or changes in Eritrea. The big problem is we are all only emotional and weak people and only talk, talk. big talks.

      • AHMED SALEH July 24, 2016

        wedi Toronto
        You look naturally a person with resentment and negative state of mind . To disrespect a person who wellcome to his home reflects the personality of unappreciative guest .

        • wedi Toronto July 26, 2016

          You are simply medakemi/TirHu gerewegna (empty and noisy vessel) waste of time, space and energy and you are only good at barking just like the wild Arab dogs. Get real or get lost to wherever that you belong or come from in the first place. Btw, show us for a change your positive state of mind.

      • k.tewolde July 25, 2016

        w.T. you give the good city of Toronto a bad name. Amanuel deserves all the praise and accolades a staunch political activist embodies.Tell me what have you contributed to elevate towards the current misery of the Eritrean people for you to ridicule his work?like the good American saying goes,if you don’t have something good to say,don’t say nothing at all.Nothing personal,just an honest plain advice.

        • k.tewolde July 25, 2016

          read ‘elevate’ as ‘alleviate’ thanks.

        • wedi Toronto July 26, 2016

          k.tewelde
          Ghedli’s papagalo, what’s your problem and what planet you on? I don’t believe people should stay shackled to realize your aspiration, your fake sacrifices of garbage ghedli. You would be happy and defending Amanuel Eyasu but only if you and that ahmed salih were to read some of my responses to you two which they always get deleted by your hero Amlak semay (Amanuel Eyasu), then you wouldn’t be happy or defending him anymore..
          Now, “Wusha/dog beseferu anbessa new”, and since you and your ahmed salehs are the Assenna’s wushas and anbessas, do you consider Eritreans to be free and liberated by you and under your current evil criminal gedli regime?

          • k.tewolde July 26, 2016

            I am not here to spar with you w.T. nor I will give you the pleasure.I am curious though,why are a frequent visitor of this website?

          • Simon G. July 26, 2016

            wedi Toronto,
            You are insulting everyone. You think Ghedli was the problem. That’s your opinion. However, your words against Assenna and these fine gentlemen are not helpful.
            BTW, Ghedli is not the problem. It brought half of the solution. The rest half is owned by the criminal Isayas. It is now upto us to get the rest half back.

  • ዓ.ብርሃነ July 24, 2016

    መጥሓንሲ ዝጠሓን ነይሓደገ ድዩ ዝብሃል? ኣማኑኤል እቲ ቅኑዕን ግልጽን ጻዊዒት ጸዊዕካ፡እዚ ጻዊዒት እዚ ነቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝጋደሉ ዘለው ክኸውን እንከሎ ብቐጽሪ ንዳረጎም ካብ ሃገርና ተበታቲና ኣብ ምሉእ ዓለም ተበቲና ዘሎና ተአጋደልቲ ነበር እውን ውሑዳት ኣይኮናን፡ ኣብ ጀነቫ ዕሱባት ህግደፍ ንፍልይቲ ራፖርተር ሕቡራት መንግስታት ሩታ ኪታሩት ኣብ ዝዓረፈትሉ ሆተል ክርብሽዋ እንከለው ። እዞም ብዙሕ ንዛረብን ለውጢ ብኻልኦት ክመጽእ ንጽበን የማነ ህበይ ሰለስተ ሰሙን ኣብ ጀነቫ ክነብር ቁሊሕ ኢልና ክንካታተሎ ኣይክኣልናን፡። ኣብ ውሽቲ ዘለው ተጋደልቲ ንለውጢ ንኽንህሩ እዞም ኩነታት ዓለም ኣብ ሰኮንድታት ንካታተል ዘሎና ሳላ ምዕባለ ጊዜ ንእባሲታት ህግደፍ ክንሕዞን ክንማርኾን ጽቡቕ ሙኾነ፡፡ እቲ ሕጊ ንደላይ ፍትሒ ጥራይ ድዩኡ ዘፍርሖ?

  • berie haqi July 27, 2016

    ኣታ ኩርኩር ወያነ: ሕልምኻ በኒኑ ፍርናሽካ’ዶ ምብላዕ ጀሚርካ: ብድሕሪ ሕጂ ተረፍመረፍ ዝልመጽ ሸሓኒ ከምዘይትረክብ ምስተረደኣካ እምበኣር ኣብ ኤርትራውያን ተጋደልቲ ክትለማመጽ ሃነፍነፍ ትብል ኣለኻ: መለስ ኣቦዲሞካራሲ ትብል’ዶ ኣይነበርካ : ግደፍ ደኣ ሕጂስ ደርፊ ቀደምካ ቀጽሎ : ወያነ’ሞ ዕርበታ ኣኺሉ ይጎዩዋ ኣለዉ: ዓይንኻ ስለዝነበርት ምስሞትት ምዕዋርካ ስለዘይተርፈካ መእተዊኻ ጥራይ ድለ : ብሂወቱ ዝሞተ ብድብድ ዝጨነወ ሬሳ:
    ብርዒ : ይከታተለካ እዩ ዘሎ : ኣብትሕቲ ቁጽጽሩ ከምዘለኻ ንፈለማይ ግዜ ይሕብረካ ኣሎ:

Post a Reply to berie haqi Cancel Reply