ኤርትራዊት ኣደ
ሓላል ለዋህ በላሕ መስተውዓሊት ርህርህቲ ወላዲት ንደቀይ በሃሊት ፍሕሹው ገጸባህራ ፍቅሪ ንረክበሉ ልሳና ጡዑም መዝሙር ሂወት ንዘርኣሉ ደኺመ ከይበለት ደቓ ትዓናግል ንጽባሕ ተቓምት ኣርሒቓ ተስተብህል እንተ ሕጂ ግን ጻዕረ ሞት ሒዝዋ ገጻ ተጸዊጉ ሕብራ ተደምሲሱ ዓይና
ሓላል ለዋህ በላሕ መስተውዓሊት
ርህርህቲ ወላዲት ንደቀይ በሃሊት
ፍሕሹው ገጸባህራ ፍቅሪ ንረክበሉ
ልሳና ጡዑም መዝሙር ሂወት ንዘርኣሉ
ደኺመ ከይበለት ደቓ ትዓናግል
ንጽባሕ ተቓምት ኣርሒቓ ተስተብህል
እንተ ሕጂ ግን
ጻዕረ ሞት ሒዝዋ ገጻ ተጸዊጉ
ሕብራ ተደምሲሱ ዓይና ደም ዝዒጉ
ፈናጅል ኣዒንታ ሕብሩ ተቐይሩ
ብገበታ ንብዓት ቀይሕ ደም ኣስፊሩ
ከም ቆልቃል ኪትነብዕ ትነብር
ወላድ መኻን ኮይና ስኢና ዝጥውር
ጨኒቕዋ ካዕካዕታ ፍርሒ በዚሕዋ
ራዕዲ ጥሜት ጽምኢ ኩሉ ከቢቡዋ
እንታይእያ ኣቢሳ ክንድዚ ትውጻዕ
ንስቅያት ሕሰም ሓይኻ ትበልዕ
እታ ለዋህ ኣደ ብፍርሒ ጃጅያ
ንሱ ኣይኮነን ኢዳ ሕማቅእያ ተፈድያ
ርእሳ ደርሚማ መዋእላ ሓዘን
ብምሒር ቃንዛሕሰም ሓዲርዋ መርዘን
ሕብሪ ገጻ ተባላሽዩ ማድዩ
ጸጉሪ ርእሳ ተወዲኡ ጠፊኡ ተነጽዩ
ንሕና ኢና ለውጢ መቐይሮ ሂወታ
ንምልኪ ጨካን ስርዓት ንስጎጎ ካብ ቤታ
ንበገስ ኩላትና ከነንግሳ ሰላም
ንሓቂ ንገስግስ ንቀንጥጦ ጸላም
በጃኹም ሆ ንበል ንምለሶ ትብዓታ
ካብ ባርነት ነውጽኣያ ንድረዘላ ንብዓታ።
ሰላምይንገስ (ወዲደባስ)
tegadalay March 12, 2012
way is ASSENA POSTING apicture of people from TGRAY use it for it is propoganda
haki ytakeb March 12, 2012
kkkkkkkkkkk!!!!!!!!Kkkkkkkk!!!!!!THAT IS FANNY.ABOU ENDIYU MEDEBERU.HULUFFAT ENDIYOM ANDA HASSENNA ASSENNA.
Michael Aman March 13, 2012
ብራቮ ኣማኑኤል እያሱ ከምኡውን ጸሓፋይ እዛ ግጥሚ ወዲደባስ
ወዲ ደበሳይ May 4, 2019
ብራቮ ወዲ ደባስ!
ኣጆኻ እታ ግዜ ኣኺላ ኣላ
ሽግ ሓርነትና ዝበርሃሉ
ስርዓት ምልኪ ዝፈርሰሉ
ኤርትራዊት ኣደ ምስ ደቃ ትራኸበሉ
ኣኺሉ።