Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣፈታትሓ፤ንማ ሕበራዊን ፖለትካዊን ግርጭታት ፣ኣብ መንጎና

ኣብ ዘመነ ኢንተርነት ብዛዕባ ኣብ ሃገርና ንዘሎ ዓቢ ተረኽቦናይ ውልቀ መላኽነትን ጥፈኣት ኤርትራውያን መንእሰያትናን፤ንሓያሎ  ግዜ ተዘሪቡሉስ ቀሊል መፍትሒ  ዛጊት ግን ኣይተረኽበሉን ዘሎ። ህልቂት መንእሰያትና መታን ከብቅዕ’ከ  እንታይኮን ይሓይሽ እናበልና ተደጋጋሚ፥ብጽሑፋትን ዛዕባታትን ከነካይድ ጸኒሕናን ጌናውን ፍንክት

ኣብ ዘመነ ኢንተርነት ብዛዕባ ኣብ ሃገርና ንዘሎ ዓቢ ተረኽቦናይ ውልቀ መላኽነትን ጥፈኣት ኤርትራውያን መንእሰያትናን፤ንሓያሎ  ግዜ ተዘሪቡሉስ ቀሊል መፍትሒ  ዛጊት ግን ኣይተረኽበሉን ዘሎ። ህልቂት መንእሰያትና መታን ከብቅዕ’ከ  እንታይኮን ይሓይሽ እናበልና ተደጋጋሚ፥ብጽሑፋትን ዛዕባታትን ከነካይድ ጸኒሕናን ጌናውን ፍንክት ከይበልና ኣሎና።ዓማጽን ጉሒላን ግን ጌና በምዑት ደቅና ይጻወቱን ይሸጡን፣ይቐትሉን አልዉ።

ነዚ  እከይ ተግባራት ጠጠው’ ምባልን፣ ኩነታት ሃገርና ካብ ባርነትን ህልቂትን፥ ህዝብና፤ ብሕልፊ ኸኣ ሂወት መንእሰያትና ዝድሕንሉን ንቡር ሂወቶም  ዝሰርዑሉን፤ ዘጣጥሑሉን ግዜ  ንምፍጣር ዘኽ እለና ኣብ ምውሓስ፤ ነዊሕን ኣህላኺን ግዜ ወሲዱልና።

እንሆ ድማ  23 ዓመታት ኣቕጺሩን  ይርከብ።መዋእል መንእሰይ ብኸልበትበት ይሓልፍ ስለዘሎ፣ብኸመይ ንቐይሮ ዝብሉ ብዙሓት ርእቶታት  ክወሃቡ  ጸኒሖም ኣለዉ፣እንተኾነ ዛጊት ቀንዲ መፍትሕ  ሽግርና ኣይተረኽበን።

እሞ ’ኸደኣ እንታይ ይገበር?

 

ፈውሲን ፍታሕን  ኢድ   ናይ  ኩሉና ኤርትራውያን ከምዘድሊ፣ንስሕቶ  ኣይመስለንን፥እንታይ  ደኣ ጊዜ ወሲዱልና  ክሳብ   ሕጂ  ንዝብል  ግን

መልሲ   የድልየና   ኣሎ።

መልሲ ንምርካብ ፡እቲ ቀንዲን ጊዜ ዝወሰደን ኩነታትና ኣብ  ምልላይን ኣብ መፍትሒ   ዝፈላሉዩናን   ንምልላዮም  ክሕግዙና  ዝኸእሉ መርት ዖታት  ክኾኑና  መታን፡እቶም ዘገራጭዉን ማሕበራዊ ይኹኑ ፖለቲካዊ ግርጭታትና በብሓደ ከነለልዮም  ይግብኣና ይመስለኒ። ገለ  ካብቶም   ዝለዓሉ  ግርጭ ታት ንምጥቃስ፣

 

  1. 1.  ኣብ መንጎ ውልቀሰባት
  2. 2.  ኣብ   ውሽጢ    ሓደ  ውድብ
  3. 3.  ኣብ መንጎ  ዝተፈላለያ  ውድባት
  4. 4.  ኣ መንጎ ዝተፈላለዩ  ኣካላት  ሕብረተሰብ
  5. 5.  ኣብ    መንጎ  መንግስትን ህዝብን

 

ዓይነት  ግርጭታት’ከ  ኣየኖት  ኢዮም ?

  • ባ ዕልዊን/ውድ ዓዊን
  • ግሁድን/ስዉርን
  • ጽፍሓዊን/እጉድን
  • ብደገ ዝተ ኣልመ   (እሉም) ኢዮም።

 

 

ሀ. ኣብ  መንጎ ውልቀ-ሰባት ዝረ ኣዩ ግርጭታት፣

 

ኣብ  መንጎ ኣሕዋት  ይኹን ኣብ  መንጎ፡ ኣባላት ናይ ሓንቲ  ስድራ  ቤት ዝረእ ናኣሽቱ  ምጉንፋጥ  ገዲፍካ ፡መትከላዊ ዘይኮነ ምርሕሓቕ እውን

በብ እዋኑ ይቕልቀል’ሞ    ነታ  ስድራ ቤት ይኸፋፍልዋ ፡ኣደን ኣቦን እውን ምስቲ  ፍልልያት ናይ ደቆም   ወግን ይሕዙ፣ስለዚ እታ  መሰረት ኩርናዕ ናይ  ሕብረተሰብ  ብመልከዕ  ምክፍፋላ እዛ ንሽቶ  እትመስል  ናይ ስድራ  ቤት  ዋህዮ  ክትጉዳእ ብ ዓይና ንር እያ ኣሎና።

ኣብ ሕብረተሰብ  ናይ  ኤርትራ ዝረኣዩ ግርጭእታት ፣ዝተፈላለዩ ዘይምርድዳእን ምስሕሓብን ፡ኣብ  መንጎ ሰባት ኩሉ ግዜ ይረአ ኢዩ፣ግናኸ ከምዚ ናይዚ እዋን ኣብ  መንጎ ውልቀን ኣብ መንጎ ዉዱባትን ዘየድሊ ናይ ፍልልያት ብዝሒ  ተራእዩ ኣይፈልጥን።እቶም  መትከላዊ ፍልልያት ኣሎና ዝብሉ እውን ንኽፈላለዩ ደኣ ደሊዮም   እምበር ንሓርነት ናይ ህዝብን ሃገርንሲ መትከላዊ  ኣረኣእያ ዝፈጥር  ኣይመስለንን፣ እንተ’ሎ   እውን ይፍታሕ  ኢዩ።

 

 

ለ.ኣብ  መንጎ ሓደ ውድብ  ዝረኣዩ ግርጭታት፦

ኣብ ሱሳታት  ዝተራዩ ናይ ኣብ ውሽጢ   እቲ ዓርሞሸሽ  ውድብ  ትሓኤ ፣ረቓሒታት

መንቅሊ ኡ፣  ንታሪኽ  ዝግደፍ  ፣ግንምስቲ ድልየትን  ሃንቀውታን ናይ

ህዝቢ   ኤርትራ  ተመ ጣ ጣኒ ግዚያዊ  መፍትሒ  ክርከበሉ  ምተገበኦ።

ኣብ  ሕሉፍ   ሎሚ    ምጥ ዓ  ቅኑዕ  እካ  እንተዘይኮነ ፣ ዘርዚርካ  ዘይውዳእ  ክሳራ  ህዝቢን ውድብን ኣኸቲሉ ን  ሎሚ’ዉን  ኣብ  ወጻኢ  እንርከብ  ዘሎና

ተቓወምቲ   ናይቲ  ስንብራት   ኣሰር  ይኽተለና  ኣሎ።ብወገነይ  እዚ ኣብ  መንጎ መራሕቲ ናይቲ ውድብ  ዝጸንሐ   ዘይምት እምማን፣ ዘንቀሎ  ናይ  መን  በለጸን  ቦታ  መሪሕነት ሓዘ ዘይመሰረታዊ  ናይ ፖለቲካ  ሰነ-ሓሳባዊ  ፍልልይ

ዝመሰረቱ  ንነዊሕ  ተዶጊሉ  ዝጸንሐ  ጥጅ እ፣ ነቲ ኩሉ ቅኑዕን  መሰረታዊ  ናይ

መፍትሒ  መንገዲታት  ዓጺዎን  ይርከብ  ኣሎ።

 

ኣብ  ውሽጢ  ህግደፍ፣ንነዊሕ  እውን ብሓደ ስሱ ዕ ባእታ  እናተዘወረን  ከም  ብሕታዊ  ግራቱ ክብሕቶ  ዝጸንሐ  ግንባርን  ሕቡእ  ሰልፊን፣  ሎሚ   ኣብ    ዝልዓለ  ጥርዙ  በጺሑ፡ነቶም  ቀንዲ  መጋበሪያ ናይ  ኢያስ ኮይኖም  ዝጸንሑ  ደቀባት ዕጫ  ሞትን ቅትለትንኣላ።

ድምር  ናይ ውድባዊ  ጉድለት  ዝልዓለ  ዘሰዕቦ  ዕንወት፡ ህልቂትን ኣኸቲሉልና፣ ዋጋ ኸፊልና ዘይንረኽቦም   ሉል  ባሕሪ ዝኾኑ  መን እሰያትን  ነጥፍ እ ኣሎና። ኣይረድ  ዘብል  ጥፈኣት ህዝቢን ሃገርን ሰኣን ኣብ  ግዚኡ  መፍትሒ  ምፍጣርን  ይቕረ፡  ዘይምብባልን፣ ክሳራና  ኣዚዩ በዚሑ  ።

 

 

 

ሐ . ኣብ  መንጎ ዝተፈላለያ  ውድባት ኤርትራ ዘሎ  ግርጭትን ህልኽን፦

 

ኣብ  መንጎ እቲ ልፍንታዊ  (Alliance)  ዝስሙ  ጉህለ  ኣብ ሓጺር  ዕምሩ ተፈንጢሑ፣ቀጺሉ  ዝተተኽለ  ኪዳንውን  ክንድቲ ዝንኣድን  ስኒት ዘየብሉ  ብመልከዕ  መራሕቱ ዝፈላለን ዝበታተንን፣ኮይኑ  ግን  ሰሚርናዶ እዚ ጌርናዶ’ ናበለ ተስፋ  ብምዝርጋሕ  ኣብ መሬት ኤርትራ  ኣትዩ ንህዝቢ ሞራል ዘይህብ ጉጅለ  ካብ  ሙኻን  ሓሊፉ ዘየረዕም  ቃል ኪዳን ዝ ኣሰረን  ነቲ ባ ዕሉ ዝጠፋጠፎ  ባይቶ  እውን ባዕሉ እናዘውረ ዓቕሉ  እናጽበበሉ  ማሕንቖን ሕልኮን ኣእትዩ  ከምዘይ  ሰርሕ  ሓኒቑዎ  ሰለዘሎ  ሎሚዶ ጽባሕ  የብቐዕ ዕምሩ  ተባሂሉ

ብተ ዓዘብቲ  ወ ጻ እተኛታት  ከይተረፈ መኻን ኮራርምቲ ዘየብሉ  ምትእኽኻብ

ኤርትራውያን ኮይኑ ብግርጭት ምብዛሕ  ዕድሚኡ  ዘናውሕ፣ ዓው ኢልካ ዘይብከዮ

ሞት ሕጹይ  ኾይኑና ዘንበርናሉ ተስፋ እናማህመነ  ይኸይድ  ኣሎ።

እስከ  እዛ ሓንቲን   ህዝቢ  ተስፉ ዘንበረላ ናይ ሓባር፣ጻዕሪን ድኻምን ዝተኸፍለላን ባይቶና፣ብ መራሕቲ ውድባት ዲያስፖራ፣ ጅሆ ተታሒዛትና ትርከብ።ብውሽጥን  ብደገን  ህዝብና ተቐርቂሩ  እግሩ ናብ ዝወሰዶ ይጠፈእ ኣሎ።

 

መ.  ኣመንጎ ዝተፈላለዩ ኣካላት ሕብረተ-ሰብና ዝረኣዩ ናይ ኣረዳድ ኣ ፍልልያት፣

 

ሕብረተ-ሰብ   ኤርትራ ብዝተፈላልዩ ኣዕኑድ  ኣካላት  ዝቖመ  ምኻኑ ክዝንጋዕ የብሉን፣

ገለ ካብቲ ዘሎ ተፈጥራዊ  ኣካላት ህዝቢ፣-

ብሄራዊን ናይ  ቛንቛ  ኣብዝሓ  ዘለዎም  ቤተሰባትን ኣብ ዝተፈላልየ ክፋላትን ኣውራጃታትን ዝነብሩ ደቂ ሃገር ናይ ግድን ኣብ  ኣነባብራኦምን ኣተሓሳስባን  ይፈላለዩ’ም። እዚ ግን ኣብ ምሉእ  ዓለም  ዝረከብ ባህሪያዊን ቅቡልን  ፍልልያት ስለዝኾነ  ከም ሃብቲ ናይዛ ሃገር  ክቕጸር ይግባእ።

ኣብ መንጎ ደቂ ተባዕትዮን ኣንስትዮን ዘሎ  ናይ ሓባር ናብራን ጾታዊ  ፍልልያት፣ ብማ ዕርነት ናይ ምንባር  ኣገዳሲን ም ዕቡል ሕብረተሰብ  ኣብ  ዘለዎሉ ‘ቲ  ፍልልይ  ጎዳኢ  ኣይከውንን።ጾ ታዊ ማዕርነት  ዝረጋገጸሉ  ብክልቲኡ  ጾታታት፣  ብቃልሲን ትምህርትን ኢዩ ዝረ ጋገጽ።

 

 

እሞኸድ ’ ኣ እንታይ  ይገበር ኣብ ዝብል መፍትሒ   ኣስዒበ ኣብ ታሕቲ ቀጺለ

ክገልጾ ከፍትን ኢየ!

ተሞክሮና ኣ ብ  ኣተሓሕዛ  ግርጭትታት ዉዱባትና ከመይ  ነይሩን ከመይ ኣሎን ዝብል ስክፍታ ናብ  ሓንጎልና  እናተዘከረና  ከምዝመጽእ ርግጸኛ ኢየ።

እብ  ሕሉፍ ታሪኽና ርሑቕ ዘይኮነ ናይ ትማል ተዘክሮ ስለዝኾነ ካብ ግዜ  ፈደረሽን  ኣትሒካ ኣተሓሕዛ ግጭት ብሰላማዊ መንግዲን በኣፈሙዝን ተፈቲኑን ሕጂ’ን ይቕጽል  ኣሎን።

 

 

ብሰላማዊ  መንገዲ  ኣፈታትሓ  ፍልልያትና፣ ኣብ  ጊዜ  ፈደረሽን ኣብ ዋዕላታትን  ኣብ  ፓርላማ  ፈደረሽን ኤርትራ(ሰምበሊያ) ፈተነታት ተኽይዱ ነይሩ፣እንተኾነ እዚ’ውን ብሓይሊ ብረት ብጸላኢ ዝተዓስቡ ሸፋቱ ተዘሪጉ።ፍልልያት ኣብ መንጎ ኣሕዋት ደቂ  ሃገር እቲ ዝቐለልን ዝምረጽን ኮይኑ ገና ግን ካብ  ወለድና ዘይቀሰምናዮ  ባህሊ እዚ ሰላማዊ  ፍታሕ እዚዩ፡ኣብቲ ብረት ክትጥቀመሉ ዘይከኣል ቦታ እውን ከይተረፈ ነቲ ሰላማዊ ፍታሕ  ከም ካላኣይ ምርጭና  ክይኑ ንገድፎን ናይ  ሓይሊን ጉልበትን  ምጥቃም  ንቐድም።ኮይኑ ግን ሕጂ እንትኾነ እውን  መዋጽ ኦና  ኣብ መንጎና  ሰላማዊ  ፍታሕ  ኣመንጎ ተቓወምቲ ዝምረጽ እንኮ መንገዲ  መፍትሒ ናይ ግርጭታት ንውልቀሰባትን  ዉዱብን ማሕበራዊ  ዘይምርድዳእን  ከነዘውትር ንግደድ፣ ንምንታይስ  ክሳብ ሎሚ ዝተጎዓዝናዮ ጐዕዞ ውጺቱ ዘየ ዕግብ ኮይኑ ስለዘሎን (Zero Tolerance) ዘይተጽዋርነት፣ ብተጻዋርነት  ምትክኡ  ክሳርኡ፡ እቲ ዝወሓደ  ኢዩ።ሰላማዊ መፍትሒ  ኣብ መንጎ ኣሕዋት ንዝረኤ  ፍልልያት ዝበለጸን ግዜን ጻዕሪን ይቑጥበልና።

 

ኣተሓሕዛ ሕልፉን ህሉውን ግጭት፣ኣብ ሕብረተሰብናን ተቓወምቲ ውዱባትን፣

 

ሀ. ሰላማዊ  ፍታሕ  ንግጭት፣

ኣብ ታሪኽ ኩናት ዓለምና ዓመጽቲን ሓያላትን ሃገራትን ነትን ናኣሽቱ ጎረባብተን ኩናት ጽዕራ፣ መብዝሕቱኡ ግዜ ብሃንደበት ይወርእን፣ንብረተን ኣብ ም ዝራፍ ከኣ ይተሓሓዝኦ። ዓመጸኛታት ገረቤትንውን ብኸምዚ ኩነታት ንፈደረሽን ኣፍሪሶም ኣብዘይደለናዮ ብረታው ቃልሲ ክንደይ ጀጋኑ ዝወሓጠ ውግኣት ተኻዩዱሉ። ከም ፍታሕ  ናይ ዘይምስምማ ዕ፣ ዋዕላ ቤት  ጊዮርጊስን ጉባኤ ሰላም ሲነማ ሮማን  ዝተባህላ ታሪኽ  ዘለወን ጉባኤታት ኣብ 1946/1950 ንተኻይደን ኤየን።ውጺት ናይቲ ዋዕልኳ ከምቲ ዝድለ ኣይኹን’በር፣እቲ ፈተነ ኣብ   መንጎ ዝተፈላልያ  ሰልፍታት  ሓድነታዊ ውሳኔ ንምብጻሕን  ነቲ ዝነበረ ሃዋሁው   ንምዝሓልን  ዝተኻየዱ  ፈተነታት ኣቦታትና ኢዮም  ነይሮም።ኣብ  ኤርትራ  ብ 70ታት ናይ ክልቲኤን ውድባት ምርጻምን  ምትህርራምን   ጠጠው    ንኽብልን  ንጸላኢ  ሓቢርካ  ምውቃዕን  ዝሓለነ ብመራሕተንን  ብተራ    ተጋደልቲን ፈተነታት  ተኻይዶምን ነይሮም።

 

ኩሉ  ግዜ  ነዚ  ቅዱስ  ዕላማ’’ዚ  ዘዕንቅፍ  ተጻቦታት  እውን  ብላዕለዎት መራሕቲ  ከልቲኡ  ግንባራት (ELF & EPLF) ተኽይዶም  ብዘይ ሓድነት ከኣ  ሰውራ  ናብ  ናይ  1991 መደምደምታ በጺሑ።

 

ድሕሪ ምፍራስ  ፈደረሽን እው ን  ብሰላማዊ  መንገዲ ፣ገበን  ኣብ  1962  ዝተወስደ  ብወገን  ንግስነት  ኢትዮጵያ ዘይሕጋው ን ብዘይ  ፍቓድ ህዝቢ

ካብ   ውሳነ  ሕ/መ  ወጻኢ ውሽጣዊ  ምምሕዳር ፈደራላዊ መንግስቲ ኤርትራ    ዝገሃሰ  ስለዝነበረ  ኣቤቱታን  ጥራዓንን  ብወግን ህዝቢ ኤርትራ  ተፈቲኖም፣ ብኡ መጠን ከኣ ኣቦታትና ናብ ሕቡራት መንግስታት እናኸዱ  ጥርዓን ንምቕራብ  ፈቲ ኖም ። ነዚ ልምናኦም  ግን እዝኒ ዝሰምዕ ሰለዝሰኣነ ናብቲ እንኮ ምርጫ  ተኣትዩ፣ እዚ እውን መፍትሒ  ኾይኑ ስለዘይተረኽ በ ኣብ  መ ኣዲ ዘተ እናቐረብካ መፍትሒን ውግእ ጠጠው  ዝብለሉን ክሳራ ዝውሕደሉን መንገድታት ኣብ ምንዳይ ይእቶ  ነይሩ’ እዩ ።መንእሰያትን ተመሃሮ  ኤ ርትራ  እውን ብወገኖም  ብሰላማዊ ሰልፍታት ኣብ ነፍሲወከፍ ከተማ ጥር ዓኖምን ድልየቶምን ይገል ጹ ነይሮም።

 

 

ለ. ብጎንጻዊ  መንገዲ  ከም  መፍትሕ   ግጭት፣

 

ኣብ  ሜዳ እንተኾነ እውን  መኣሕቲ ከልቲኡ  ግንባራት ነቲ ደልየት  ናይ ተራ ተጋደልቲ  ብምጉሳይ ናታቶም   መምርሒ  ብምቕዳም  ዕሽሽ ኣብ  ዝብልሉ  እዋን፣እንተስ ብነቐፌታ  ወይ ድማ  ገድሊ  ገዲፍም   ብዙሓት  ተጋደልቲ

ናብ ስደት ዘምርሑን: ከመኡ  ድማ   ተስፋ ብምቑራጽ ብትዕግስቲ ሓሊፎሞ።እዚ ግን ነቲ ኩነታት ኣይቀየሮን፣ብ ኣንጻሩኳ  ኢቲ ገድሊ  ተዳኺሙ   ሃገር ተበዲላ፣መሬት  ብደም ናይ  ኣሕዋት ጨቂያ፣ ሓንቲ  ግንባር  ንሜዳ  ብሒታ

ሃገርና’ ውን  ኣብዘይትወጾ  ዓዘቕቲ  ተሽኺላ። መዋጽኦ ዘይብሉ   ሰንፈላል  ግዜ ኣቲና  ኣሎና።  ብጎንጺ  ክፍታሕ  ማለት፣ ምፍታን ሰበብ   ምፍጣር  ኢዩ ዘኸትል። ሎሚ   ህዝብና  ዓለም  ክትም ዕብል  ንበይኑ  ናብ  ዘበነ ጊልያነት  ተደርብዩ  ይርከብ።

 

ኣብ መንጎ መንግስትን  ህዝብን ዝለዓል ግጭት፣

ብመንጽር  ስርዓት  ህግደፍን ኣተሓሕዛ ግጭትን ሓደ  ህዝብን  ሓደ  ልብን እናበለ ወትሩ ንህዝቢ  እናታለለ  ናይ ርእይቶ  ፍልልይ  ዘይፍቅድ ን  መሰል ናይ ርእይቶ ዝኽሕድ

ስርዓት  ኣልቦ፣ ከም  መፍትሒ  ኢሉ ዝጥቀመሎም  መ ሳርያኡ፣ንዝተቓወሙዎ

  • ምንጻል
  • ምቅንጻልን
  • ብዘይ ፍርዲ  ም እሳር
  • ኣብ  ልዝብን ምምይያጥ  ዘእማን

እዚ  ዓይነት ኣክይዳን ኣገባብ  ብጎንጺ  ጥራይ ናይምፍታሕ  ዝኸይድ  እንትኾይኑ  ቀጻልነት ናይ   ህግደፍ ዘኸትሎም  ሓደጋታት ብዙሓትን  ኣብ  ነዊሕ  እዋን  ህጓፍ  ናይ

ምምሕድኣርን  መንግስታዊ ኣሰራርሓን  ፈጢሩ ንም ዕራዩን  ነቲ  ምሕደሩ  ካብ  ሱሩ  ቀይርካ  ንኽትጉሕፎ  ኣጸጋሚ  ይኸውን።

ከም  ሳዕቤኑ   ኸኣ

  • ል ዕላውነት  ሃገር  ኣይክረጋገጽን ኢዩ
  • መሰርታዊን ዝምድናዊን  ምት እስሳር ሕብረተሰብ ፣ ይዝርዘር  ኣሎ፡
  • ህላውነት  ሃገርን  ህዝቢን ኣብ ሕቶ ምልክት  ኣእቲዎ ይርከብ።

 

 

ኣፈታትሓ  ግጭት  ኣብ መንጎ ትቓወምቲ  ውድባትን  በርጌሳዊ  ማሕበራትን’ከ?

 

ክሳብ  ‘ዚ  እዋንዚ  እቲ  ኣብ  ውሽጢ  ናይ ደምበ ተቓው ሞ   ዘሎ   ሃዋህው  ኣብ ኣፈታትሓ  ግጭት  ካብቲ  ኣብ  ሜዳ   ኤርትራ  ዝነበረ  ናይ ገድሊ  ባህሊ   ጌና  ከም ዘይወ ጽእ  ዘሪኢ ፣ ኣመልን  ልምድን  ተኸቲልና ክንከይድ ስለዝጸናሕና  ብዘይ  ሓርፋፍ  መንገዲ  ብልሙ  -ጽን  ብሰላማዊ  ኣገባብ  ፍልልያትና ኣየወግድናን   ዘሎና።  ካብቶም  ከነጥርዮም  ዘሎና  ኣዎንታዊ   ዝምባሌታት፣

  • ናይ ሰላምን  ምጽውዋርን  መንፈስ  ከንጥሪ ይግብ ኣና
  • ናይ  ውግ እን ሓይሊን ባህሊ ፣ግዚኡ ዝሓለፎ  ንምውጋዱ  ምጽ ዓር
  • ኣሉታዊን ዘይማ ዕብል  ዘይግሉጽነት ኣሰራርሓ  ባህሊ  ምቕያር ይድልየና
  • ዘይተሓታትነት፣ ኣብ ስራሕን  ምምሕዳርን  ከነወግድ  ይግባና

 

 

ግጭት ንምፍታሕ  ዘድልዩ ረቛሒታት

 

ኣብ ግጭት  ክህልወና  ዝኽ እል ር እይቶን ንኣፈታትሕን  ኣየናይ  ኣገባብ  ክንጥቀም

ይግባእ ?

  • ኣብ  ዝተፈላለዩ  ግዜን እዋንን  ኣብ መንጎ  ሰባት ግጭት ከም ባህሪያውን  ኣንቀሳቓሲ  ድፍ ኢትን ፣ናይ ዝኾነ ይኹን እዋን  ሰብ ኣዊን  ማሕበራውን ርክብ  ኣብ ዘለወሉ ዝለ ዓል  ኣንቀሳቓሲ  ጠባያት ኢዩ።
  • ኣብ    ስራሕ  መፍትሒ ክርከበሎም ዘለዎም   ጸግማት ናይ ሰባት  ይጉልሕ
  • ኣብ  ምንቅስቓስና  ኣድላዪ  ለውጢ  ክግበር  ከምዘለዎ  ይጠልብ
  • ሓድሽ  መንገድን  ርክብን  ንኽንፈጥር  ይኽ እለና
  • ንህላውነት ናይ ግጭት  ምኽሓድ  ማለት ንሕማምካ  ከም  ምኽሓድ  ክውሰድ   ይከኣል።

 

 

ግጭትን ኣፈታትሓኡን፣ማ ለት እቲ ቅኑዕ ኣገባታቱ፣  ብኸመይ ይርእ?

 

  • ፍልልይ ኣብ መንጎ ደቂ-ሰባት  ንቡር ስለዝኾ ነ ንቀበሎ ፣ግጭት ይኹን  ፍልልይ ’ዉን  ተቓው ሞ  ምስ ማሕበራዊ ሂወትን መንግስታዊ  ስልጣንን፣ ስርዓትን  ኣይገራጭ ን  ኢዩ ።
  • ብመንገዲ  ዲሞ ክራሲያዊ  ምሕደራ  ምፍትሑ   እቲ  እንኮን መሰረታዊን ቅኑዕን ዝዀ ነ ኣገባብ  መፍትሕ  ግጭ ት  ኢዩ ።
  • ኣድ ላዪ  ኣብ  ዝኾነሉ  እዋን  ብመንጎኝነት ዝመጽእ መፍትሒ  ግጭት ናይ  እንካን  ሃባን ጥበብ ( ኪነት) ኢዩ ።
    • መፍትሒ  ግጭ ት እም በኣር  ዓብላሊን  ተዓብላሊን ዘየብሉ ሰዓርን  ተሰዓርን ዘይኮንስ፣  ዋሕስ ነቲ መሰረታዊ  ናይ ዜጋታት ክኸ ው ን ኢዩ ዝግባእ።

 

ስለዚ  እዞም  ኣብ  ላዕሊ  ተዘርዚሮም  ዘለዉ  ነጥብታት፣ብህዝባዊ ድልየትን ተሳትፎን ፣ ክካየድ  ዘልዎ ደኣምበር ስምን ኣተሓሳስባን ናይ

ህግደፍሲ ዘረኽቦ ነገር የብሉን።ህዝቢ ኤርትራ  ከም  ህዝቢ መጠን ህልው ናኡ  ከረጋግጸሉ ዝኸል  ኣብ  መንጎኡ  ዘሎ  ፍልልያት  ወጊዱ፣ ሓርነቱንን

ሓድነትን  ከደልድልን  ክዕብን እንተደኣ  ደልዩ ን ኣሰራርሓ  ናይ  ህግደፍ ነጺጉ  ብናቱ  ድልየትን ንዕኡ  ብዝሰማም ዖ ምርጫ ን  ብመንግዱን  መፍትሕ  ዝኾኖ ኣሰራርሓ  ክህልዎ  የድሊ ።

 

ኣብ  መ ወዳ እታ፣

ህልውና  ሕዝቢ  ኤርትራ  ከም  ህዝቢ  ሂያው  ክኸውን  መታን፣

ህዝብና   ሓድነትን ሓርነትን  ከረክብ፣ ጥርናፌ   ናይ  ኩሎም  ዲሞ ክራሲያውያን  ሓይልታት  ኣብ  ዝሓጸረ እዋን  ክማላእን፣  ክጸዓረሉን ስለዘለዎ  ነዚ   ሃገራዊ  ግድነት’ ዚ  ሰጊርና  እንገብሮ   ካልእ  ኣገባብ  መህለኺ  ሓይልናን መ ወደእ ጉልበትናን ከይከውን  ምርጫ ና  ኣብ  ሃገራዊ  ዘተን  ፍታሕ  ንመርካብን ንጽዓር።

T.Yitbarek

aseye.asena@gmail.com

Review overview
16 COMMENTS
  • COW FACE April 13, 2014

    REZEN & FANKO ,

    Thank you for praising WEYSEBDEQEY at Asmarino ,I want everyone to know it is me SYE,COW(ARD) FACE ,THE ERITREAN NOAH…or my real name MEHRETU HABTE PAULOS QESHI MIHTSUN SEARE.

    Thanks guys.
    that is my Asmarino Cyber Name The same Message

  • Bloko April 13, 2014

    Aman,
    Have you considered introducing Disqus to demo.archive.assenna.comments section? You should. It is advanced with all kinds of features including account creation. The rest of the world is using it.

  • COW FACE April 13, 2014

    ንወጻኢ ዘለዉ ህዝበይ፣ ምኽሪ ይኹን ርእይቶ ከይህብ መዲበ እየ።ግን እዚ መልእኽቲ እዚ ንዓርቢ ሓርነት እዩ
    Weysebdeqey Mahbula · Top Commenter
    ዓርቢ ሓርነት፣
    I QUOTE YOU…Cooking fuel has disappeared from the market and food items such as meat and egg are luxuries that only few can afford. END OF QUOTE,

    ኣየ ዓርቢ ሓርነት, ……ህዝቢ ኤርትራ ጀብሃ ጌርኩሞ እንቋቝሖን ደርሆን ዝበልዕ።እንታይ ዓይነት ዕሸላውን ዘሕንኽን ዜና እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ቁልዑ ይበልዕ እምበር እንቋቝሖ ኣይበልዕንዩ።ጅግናን መስተውዓልን ስለ ዝኾነ ደቁ ናብ ማሕረዲ ክወርዱ ከለዉ እልል ኢሉ እዩ ዘፋኑ እምበር ከምቶም ደረት ዘይብሉ ከብዶም ኢትዮጵያውያን ንምግቢ ሃንጀምጀም ኣይብልን እዩ።
    ድሓር እተን ደርሁ ኤርትራ ከምተን ደርሆ ዓጋመ ኣብ ሰስዓት ዝወልዳ ኣይኮናን።ስልጡናት ስለዝኾና BIRTH CONTROL PILLS ይጥቀማ እየን።
    ድሓር ባባ ኢሳያስ 23 ዓመት ይገብር እዚ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዶብ ከምዘይህሉ ነጊሩና ኔሩ እዩ, ነብዪ ስለ ዝኾነ። ኤርትራ ብሰደድ(export) ካብ ዓለም ናይ ቡን መበል 13 ኔራ ,ወያነ ግን ተንኮለኛታት ስለ ዝኾኑ
    ንቡን ዘብቍል ኢሊባቡር ከፋዝተባህለ፣መሬት ኤርትራ ብሓይሊ ወሲድዎ።ብዲማርኬሽን ከፋን ሲዳሞን ንኤርትራ ተዋሂቡ ከሎ ወያነ ርጉማት ካብ መሬትናን ቡንናን ምውጻእ ኣብዮም።ብሜላው ምዝላቕን መኻልፍን ምስ ደርዓምናዮም ክወጹ እዮም.

    – ደርሆን እንቋቝሖን ናይ መድሓርሓሪት እስላማዊት ጀብሃ እዮም።
    – ዕድመ ነቲ ኮሌስተራል ኤርትራውያን ዝቋጻጸር ዘሎ ጥሜት።
    – mጽጋብን ሓርነትን ናይ ወያነ ስለ ዝኽዖነ ብቓልስና ክውቃዕ እዩ።

    COW FACE aka WEYSEBDEQEY MAHBULA

  • COW FACE April 13, 2014

    The following message is for Weyane ,that are taking away the friends we never had and encircling us. ie..SUDAN (south & north),Djibouti,Yemen & the sea creaturesz of red sea.
    BAD,BAD WEYANES..GO AWAY

    I Quote

    Yemeni delegation in Ethiopia for federalism talks

    Saturday, April 12, 2014
    ADDIS ABABA – A Yemeni delegation is holding talks in Ethiopia with the aim of sharing experience on federalism and political administration, an Ethiopian official said Saturday.
    “Members of the delegation include senior officials, representatives of different political parties, civic associations as well as women and youth associations,” Gebru Gebreselassie, communication director of the House of Federation, told Anadolu Agency.
    He said the delegation, which arrived on Friday, was briefed on the Ethiopian federal system, the country’s constitution and the structure and duties of the House of Federation.
    Talks also focused on research papers on the constitution, federalism and fair distribution of wealth, according to Gebreselassie.
    Yemeni delegation members, for their part, expressed desire to further strengthen bilateral relations between the two countries.
    The 112-member House of Federation is the upper house of the bicameral Federal Parliamentary Assembly (parliament).
    The House members are elected by the State Councils. They are tasked with interpreting the constitution, organizing the Council of Constitutional Inquiry and deciding on issues relating to the rights of Nations, Nationalities and Peoples to self-determination, including the right to secession and promoting equality among the Ethiopians.
    Copyright © 2014 Anadolu Agency

    ሰላምን ምይይጥን ዲፕሎማሲን ናይ ወያነ ስለ ዝኾኑ ብቓልስና ዓነውቲ እዮም።

  • Hazhaz April 13, 2014

    May you enjoy your weekend with this song:

    http://www.youtube.com/watch?v=MxCB354Druo

    ———————-

  • COW FACE April 13, 2014

    Haz Haz ,

    I enjoyed the song ,until I found out apart from Tigrinya the rest of the language was from another ,far away country..I think it was Aramaic from Semarya ,some ancient language..it is very different than tigrinya though ,they say welelaye..we say welelay..to say my honey. wow, what a difference !!!

    • Hazhaz April 13, 2014

      Cow Face,
      thank you, you are my hero for telling all the truth. I like your poem on Zekre Lebona’s magnificent article.

  • THE ERITREAN NOAH April 13, 2014

    ንወጻኢ ዘለዉ ህዝበይ፣ ምኽሪ ይኹን ርእይቶ ከይህብ መዲበ እየ።ግን እዚ መልእኽቲ እዚ ን PRESIDENT ERITREA ሓርነት እዩ,

    ከም ሓማሴናይን ናይ ሉተራዊ በትኽስያን ኣማኒ ከንሻን ፣ኣብ ራድዮ ኣሰና ዝሰማዕኩዎ ፣ናይ ሽዱሽተ ሓደሽቲ ኣቕሽሽቲ ከንሻ ምእሳሮም ብሓቂ ኣጕህዩኒ።
    ወዲ ላሕምናን ናይ ሓመሴንናን ኢልና እናደገፍናካን ፣እዛ ናይ ሓማ ስልጣን ጸንዓድግለ ከይወስድዋን ለይትን ምዓልትን እንዳተሓለቕናልካስ ፣ከመይ ጌርካ ደቂ ሓማ ዝኾኑ ከንሻ ትኣስር ፧ ወይ ብድሕሪ እዚ ናይ ዞባታት ዲማርኬሽን ናብ ኣከለጉዛይ ተቐይሮም እንተኾይኖም ኣብርሃልና እምበር እቶም ወጻኢ ዘለዉ ኣዝማደይ ጕህዮም FOOD STAMPS ካርድታቶም ይቐድዎ ኣለዉ።ምንም እኳ ካርነሽም እንተዘይኮንኩ ከም ድምበዛንማይ ተቐንዝየ, ኣብ ምዓልቲ ኣርባዕተ ሳዕ ጥራይ እየ ዝበልዕ ዘለኹ፣እቶም ደቂ ካርነሽም እሞ ናይ OBAMA CARE ካርድታቶም ከይተረፈ ቀዳዲዶሞ።
    እንተዘይኮነ ኣሕብር ኢኻ።ካብቶም ኮተሊኽ እውን ናይ መንካዕ ቅዳሴ ጌሮም ኢልካ ዘክሮም እምበር፣ እዚ ተጌሩ ዘሎ ዕሸላውን ዘሕንኽን እዩ።ነቲ ናይ ገሽናሽም ሓምሊ ኣድጊ ሓደራ ሰላም በለለይ።ሕጂ እኳ ናብ እኳ ናብ ካብ ሓምሊ ኣድጊ ናብ ሓምሊ ኣድጊ በረኻ ተቐይሩ ይኸውን።

    ሓሻካ ብረሲደንተ ሕሰበሉ ድኣ ።
    እውይ ስጋ ቐሺ ምሕጹን ፣ንብዓት እኳ ስዒሩኒ፣ናይቲ ሓምሊ ኣድጊ ግዲ ኾይኑስ ኦቲ ንብዓተይ ቀጠልያ ኮይኑ ሓሻኩም።

  • COW FACE April 13, 2014

    Hazhaz ,
    Highly appreciated. A lot of thought went to it. I want you tocontinue with your straight forward approach. Again thanks for appreciating my comments anywhere.
    Well unfortunatelly ,like the saying in Amharic goes “ለኣህያ ማር ኣይጥማትም ” few went sour on me.Big Fart ???

    thanks
    keep up,Hazhaz

  • WaEro April 13, 2014

    Cow face,
    What I do not like about you is when you use dirty words.

    If you are true Eritrean, Can you suggest a solution to the problems in Eritrean in a single paragraph?

    • THE ERITREAN NOAH April 14, 2014

      WaEro ,

      I have been trying to give solution by trying to detoxify the young people of our (the old generation),but ,I received Agame,Ethiopian…etc. Now,I have decided not to give advice ,but receive advice.I received Eritrean advice ,to be Eritrean. WELL MY RELATIVES ALWAYS CALL ME & E MAIL ME NOT TO OPPOSE ISAIAS ,THAT WILL MAKE$ HAPPY THEW AKELEGUZAI ,SPECIALLY THE TSENADIGLE….
      I AM CONFUSED EITHER I WILL TELL THE TRUTH OR I WILL ACT ERITREAN ,THAT I AM .
      WELL, I AM HAMASIEN & 94.6% HAMQASENITES WHETHER THEY LIKE ISAIAS OR NOT DO NOT WANT AKELEGUZAI TO SNATCH THE POWER.
      YOUNG PEOPLE MAKE UP YOUR MINDS.IF I AM GOIUNG TO ACT ERITREAN ,I AM HAMASENITE.SO MI AM ACTING LIKEWISE:

  • Stefanos Temolso April 14, 2014

    ቲ ይትባረኽ፡ ጽሑፍካ ኣገዳስን መሃርን እዩ። እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ዝዓበየ ጸገም ዘይምፍላጥ ዘይኮነ ነቲ ትፈልጦ ብሰንኪ ዝተፈላለየ ምኽንያታት ኣብ ግብሪ ዘይምውዓል እዩ። ንኣብነት ምሕሳው፡ ምስራቕ፡ ምብኣስ ምዝማው፡ ሰብ ምቕታል ወዘተ ጌጋ ምዃኑ ማንም ሰብ ይፈልጥ። ነዞም ጌጋታት እዚኣቶም ግን ካብቲ ዘይተማህረ ጓሳ ጀሚርካ ክሳብ ፕሮፈሰር ይፍጽሙዎም። ስለምንታይ እንተ በልካዮም ድማ ኣብ መወዳእታ ተጋጊና እዮም ዝብሉኻ። ኣይተጋገናን ኢሎም ድርቕ ዝብሉ ከም ዘለዉ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። ሓደ ካብኣቶም ኣንደሽ ብራይቪክ ዝብሃል ኖርወጃዊ ክንጠቅስ ንኽእል። ሂትለርን ስታሊንን እንተ ኾነውን ካብቶም ሚልዮናት ሰባት ኣህሊቖም ከብቅዑ ብጌጋኦም ከይተኣመኑ ዝሞቱ እዮም። ናብ ኣርእስትኻ ክምለስ ግን፡ ኣብ ሃገርና ዘሎ ናይ ፖለቲካ ሓሸውየ እንተኾነ’ውን መራሕቲ ውድባት ይኹኑ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት እቲ ፍታሕ ጸጊሙዎም ወይ ምፍላጥ ስኢኖሞ ዘይኮነ ባህጊ ስልጣን፡ ውልቃዊ ጥቕሚ ምሕላው፡ ኣብ ክንዲ ንሃገር ምቕዳም ብሄር ምቕዳም ስለ ዝመረጹ እዩ። ካብዚ ወጻኢ ካልእ መግለጺ የብሉን። ኣብ ትምህርቲ ይኹን ኣብ ተሞክሮ ናይ ቃልሲ መጺእካ ልዕሊ ሰብ ትምህርቲ ኣለዎም፡ ልዕሊ ሰብ ናይ ቃልሲ ተሞክሮ ኣለዎም። ግን በዚ ዝገለጽኩዎ ምኽንያት ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ዝስጕሙ ጋም ማን ክብሉ መሪጾም ኣለዉ። ጽሑፍካን ተገዳስነትካን ግን ኣመና ዝምስገን እዩ።

Post a Reply to Hidat Cancel Reply