Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣፈ’ርክቡ! – ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

ኣፈ’ርክቡ 17/07/2016 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) ኣውያት ኰይኑ ተደፊኑ ቀልቡ ገባር እከይ ጠሊማቶ ልቡ ዘመድ ተሳኢኑ ኣፈ ’ርክቡ የማን ጸጋም ኢሉ ዝረብረበ ክገይሽ ዝጸንሐ ከይሓሰበ ደበኽ ኢላ ወዮ ሓመድ ድበ   ካብ ወድ-ሰብ ኣራዊት ዝፈቱ ወዮ ምንጫት ስጋ ናይ ’ሕዋቱ ዋዜምኡ ግብኣተ መርየቱ መርድእ ኰይኑ ደይቦም ኣብ ህድሞ ብዓል

ኣፈ’ርክቡ

17/07/2016 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

ኣውያት ኰይኑ ተደፊኑ ቀልቡ

ገባር እከይ ጠሊማቶ ልቡ

ዘመድ ተሳኢኑ ኣፈ ’ርክቡ

የማን ጸጋም ኢሉ ዝረብረበ

ክገይሽ ዝጸንሐ ከይሓሰበ

ደበኽ ኢላ ወዮ ሓመድ ድበ

 

ካብ ወድ-ሰብ ኣራዊት ዝፈቱ

ወዮ ምንጫት ስጋ ናይ ’ሕዋቱ

ዋዜምኡ ግብኣተ መርየቱ

መርድእ ኰይኑ ደይቦም ኣብ ህድሞ

ብዓል ህበይ ብዓል ዘርም-ዘርሞ

ንመቓብር ንዑናይ ኣንዲያሞ

 

ቅተል እሰር ጥራይ ዝለመደ

ኣልቦ ሕፍረት ነ’ቦ ይኹን ነ’ደ

ክንደይ ክመናጥል ሕጅስ ይዕደ

እንኩም ዘይፈልጥ ሃቡ ጥራይ

መበላሸው ትሕዞ ጸያቕ ውራይ

ዘርኢ ሰይጣን እከይ ተመሃራይ

 

እልል ኢለን መሲለካየን ኣያ

ኣዴታትና ተኸዲነን ዙርያ

ሕጂ ኤህ መጺኣ በል ስምዓያ

ጅግና ኤርትራዊ በዓል ዛንታ

ብሰንክኻ ተጸዊዑ ሽፍታ

ግንባር ስዉእ መሲሉዎም ካርታ

 

ዓለም ዘመስከረ ብዓል ዕጥቂ

ተናዒቑ ነጎዳ ምስ በርቂ

ዕላል ዓሻ ብመለኪያ ’ረቂ

መሓውር ናይ ደርጊ ምስ ተሰብረ

ለካ ድቂ ነይሩ ዝተቐብረ

ምዓር-መሰል ጽንሕ ኢሉ ዕረ

ሒሹኒ ኢልካ መድሃኒት ኣይትግደፍ

ሕማም ደግሲ’ኮ ’ሎ ተረፍ-መርፍ

መዘንግዒ ከም ናይ ብዓል ህግደፍ

ፍረ ሰውራ ኣይትዓሹ ’ይትንኣስ

ኣይትደቅስ ይትረፍካ መተርኣስ

ዘይተሓስበ ድሓር ከይትጠዓስ

 

መሊኡ’ሎ ሕቡእ ወቓዕ ክራር

ዝሙት ፖሊቲካ ሕማም ቅሓር

ሓዲግ መዲግ ኣይ ምሳሕ ኣይድራር

ድጉል ሓዊ ረመጽ ከይረኽበካ

ናይ ጠላማት ማሕላ ክነግረካ

ስጋ ’ንገሊዝ ስጋ ኣመሪካ

 

ፎቖድኡ ክትሓርስ ሓብትኻ

ንእዲ ተሳኢኑስ ኣብ በረኻ

ትሕቲ ዓርኮብኮባይ ትሕቲ ላኻ!

ደቂ ባይቶ ኢኹም ደቂ ዋዕላ

ደቂ ሓቂ ውረስ ደቂ ማሕላ

ኒዮው በሉለይ ናይ ታሪኽ ሓበላ

 

“ብዓል ጸባ ኣይስኣን ማይ ጨባ”

ኣደ ጅግና ደብሱለይ ልባ

ጽጋብ ስድራ ክትሓቝነልኩም ኣልባ

ደጊም በቃ ህግደፋዊ ወረ

ኣይብላዕ ኣይስተ ጥረ-ምረ

ቆፎ ህግደፍ ትሕዝቶኡ ማእረ

 

ወዲ ጅግና ጀሚርካ ዛዝሞ

ግራትካ’ዩ ስዉእ ዝተለሞ

ቀጽቀጽ ግበረሉ ዓቢ ህድሞ

ኣፈ’ርክቡ ናይቶም ዝጠለሙ

ጅግንነት ሃገረይ ከም ቀደሙ

በርበረ ምንእሰይ ምስ ቀመሙ።

 

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Desalegn July 18, 2016

    ከመይ ነበረ “ጥምጥም”ጀነቫ!

    ከመይ ነበረ ናይ ጀንቫ ግጥም፤
    ሃቂንካዶ ኔርካ ሓቀይ ክትገጥም፤
    እሞ ከመይ ረኺብካይ እቲ ጥምጥም፤
    ባዓል ሞንኪ ካብ ኮኑ ዝወኪልካ፤
    ኣይ ሽዑ እንድዩ እቲ ኳና ዝፈረሰካ፤
    ፕሮፈሰር በሃለይ እንድዩ ዝጠለመካ፤
    ኣይረድ እንደኣሉ ወሪዱካ፤
    ብዛዕባ ገበንኩም እንተሓተቱ፤
    ክንዮ ማዕዶ ትጥምቱ፤
    ኣይ ሽዑ እንድዩ ሕልናኹም ሞይቱ፤
    ጭፍራ ህግደፍ ኣገመ ከም ሓጺን ዝመረተ፤
    ብሚድያን ፌስቦክን ብዙሕ ሃዉተተ፤
    ኣብ መወዳእትኡስ ተረደኦ ደኣ ከምዝሞተ፤
    ጭፍራ ተረፈት ብዙሕ ዓፊራ ፤
    ሽዑ እንድዩ ኩሉ ዝተወጃበራ፤
    ኣብ ቲቪ ኤረ ብዙሕ ጊዒራ፤
    ተረፈት ደኣኒ ብኹሉ ከሲራ፤
    ጸጊባ ሓደረት ደላይት ፍትሒ ተደሪራ፤
    ብዓለምና ዓጊብና ሓደርና ንሓቂ መስኪራ፤

  • Wedi fre July 20, 2016

    HITER SEWID BASHAY,

Post a Reply to Desalegn Cancel Reply