Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣገዳሲ መግለጺ – ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር– ዞባ ሱዳን

          ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር-- ዞባ ሱዳን ኣገዳሲ መግለጺ ናብ ተቓለስቲ መንእሰያት:- ኣብ መንጎ ሃገራዊ ጉዳይና ካብ ልክዕ ንላዕሊ ኣብ ዝተሓላለኸ ልዑል ደረጃ በጺሕሉ ዘሎ ህሞት: ማእከልነት ሱዳን ካብ 02-05 ሓምለ 2013  ኣኼባ ኣካይድና::

          ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር– ዞባ ሱዳን
ኣገዳሲ መግለጺ
ናብ ተቓለስቲ መንእሰያት:-
ኣብ መንጎ ሃገራዊ ጉዳይና ካብ ልክዕ ንላዕሊ ኣብ ዝተሓላለኸ ልዑል ደረጃ በጺሕሉ ዘሎ ህሞት: ማእከልነት ሱዳን ካብ 02-05 ሓምለ 2013  ኣኼባ ኣካይድና:: መሪሕነት ዞባ ሱዳን  ኣንጻር ኩሉ መሰናኽላት በዲህናን ክሳብ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ሃገርና ዝረጋገጽ ቃልሲ መንእሰያት ኤርትራ ብዝለዓለ ናህሪ ንምዕራጉ ወሲንና ቆሪጽና ተላዒልና ኣለና::
መሪሕነት ዞባ ሱዳን ኣብ ምምስራትን ምዕዋትን መድረኽ መኣዲ-ዘተ ደብረዘይቲ ከምኡ ‘ውን ዋዕላ ጎንደር ዝተሳተፈ: ተዓዛቢ ናይቲ ከጋጥም ዝጸንሐ ሓርጎጽጎጽ ምንባሩ ዝዝከር ኢዩ:: ገና ብግስ ከይበልና ኣብ መንጎ መሪሕነት ማሕበር ዘጋጠመ ዘይምቅዳው፤ ኣሉታዊ ጽልዉኡን ናብ ምስሓብ ኣባልነት መንእሰያት ዓፈርን ዞባ ሱዳንን ገለ ካብቲ ተርእዮታት ኢዩ ነይሩ::
መሪሕነት ዞባ ሱዳን ብወገንና ጋግ ንምጽባብ: መኣዲ-ዘተ ደብረዘይቲ ይኹን ዋዕላ ጎንደር ንምዕዋት ዝከኣለና ጽዒርና ኢና:: ንኹሉ ተጻብኦታትን ኣግላሊ ሓሳባትን መሪሕነት ጸይርና ምኻድና ኩሉ ዝፈልጦ መስካሪ ዘየድልዮ ሓቂ ኢዩ:: ኪኖ ኣሉታዊ ባህርያት ኣቦ-መንበር ፈጻሚት ኣካል ማለት ( ድርቅና: ግትርናን ዘይተጻዋርን ባህርያት) ከምኡ ‘ውን ብውልቃዊ ቃሕትኡ ናይ ምኻድን ምውሳንን ልምድን ጸይርና መሰረታዊ ፍታሕ ንምምጽእ ከም ዝጸዓርና ክነሕብር ንፈቱ:: ኣብ መወዳእታ ግን ድሕሪ እዚ ኩሉ ፈተነታት ህሉው ኩነታት ማሕበር ድሕሪ ምግምጋምን በቶም ኣብ ክልቲኡ ዋዕላታት ዝተሳተፉ ወከልቲ ዝምእከል ሓደ መሪሕነት ክንምስረት ወሲንና ኣለና::
መንእሰያት ደገፍትና፡
ከምቲ ብኸፊል ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ኩነታት ማሕበር ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ በጺሕሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን ብኣንጻሩ ምስ መርገጽታትና ዝሳነ መርገጽን ኣረኣእያን ዘለዎም መንእሰያት ምሳና ደው ኢሎም ዘለዉ ከምዘለዉ ክንሕብር ንፈቱ :: ብምቕጻል ከም ወከልቲ ማሕበር ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር- ዞባ ሱዳን ኣካል እዚ ማሕበር ኮይንና ናይ ምቕጻል ድሌት ኮነ ቅሩቡነት ከም ዘይብልና በዚ ኣጋጣሚ ንገልጽ:: ብመንገዲ ኣቦ መንበር ፈጻሚት ዝተወስዱ በይንያዉ ዉሳኔታትን ስጉምታትን ብዙሓት እኳ እንተኾኑ: ብፍላይ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዘይወግዓውን ዘይተማእከለን ዑደቱ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ዝሃቦ መግለጺ ግን ከየተሓሳሰበና ኣይተረፈን:: ንሱ ኣብ መደርኡ “ዘይሰመረ ኣብ ዝመጽእ ጉባኤ ኣይሳተፍን ኢዩ” ብምባል ነቲ ብዙሕ ጻዕርን ሃልክን ዝፈሰሶ ማሕበር ኣብ ክንዲ ክፉትን ኣሳታፍን ሓቛፍን ዝኸውን: ብመንገዱ ጥራሕ ከምዝዉሰን ኣርጊጹ ሓቢሩና ኣሎ ::  እምበኣር መሪሕነት ዞባ ሱዳን ነዚን ካልእን ኣብ ግምት ብምእታው ዝሓለፈ ወርሒ ተመስሪታ::
ኣብዚ ኣኼባ ብተወሳኺ ንህሉው ኩነታት መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ብዕምቆት ክንመሚ ኣኽኢሉና ኢዩ:: ከም ዝፍለጥ ኣብዘን ዝሓለፋ ቅሩባት ዓመታት ህላወ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ዓቢ ዝርጋሐ እኳ እንተርኣየ ንድሌትን ትጽቢትን ናይቲ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ ዝጭቆን ዘሎ ህዝብና ዘማልእ ግን ኮይኑ ኣይተረኽበን ኣሎ:: ነዝን ካልእን ኣብ ግምት ብምእታው ማሕበርና ነዚ ዝስዕብ ውሳኔ ኣሕሊፋ:-

ንሃረርታን ድሌትን ህዝብና ዝምልሽ ኣሳታፊ ሓቛፊ ጉባኤ እተዳሉ ንኹሉ መስፈሪታት ዘማልአት ኣሳናዳኢት ሽማግለ ብዘይ ቅድመ-ኩነት ክትቀውም ዝብሉ ይርከብዎም::
በቲ ካልእ ሸነኽ ማእከልነት ሱዳን ምስ ህልውቲ መሪሕነት ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር ብዘይካ ኣብ ጉዳይ ምስንዳእ ዝመጽእ ጉባኤ ካልእ ዝኾነ ዘራኽብ ወይ ዘተኣሳስረና ነገር ከም ዘይብልና ኣብዚ ኣኼባ ኣስሚርናሉ ሓሊፍና ኣለና:: ብተወሳኺ እቲ እንኮ ተሪፉ ዝነበረ ወኪል ዞባ ሱዳን ኣብ መሪሕነት ስምረት ‘ውን እንተኾነ ካብ መዝነቱ ስሒቡ ከምዘሎ በዚ ኣጋጣሚ ነፍልጥ:: ማሕበርና ሰፊሕ ዝርጋሐ ዘለዎ: ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጸ መሪሕነት ዝምእዘዝ ምስ ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ብእንካ ሃባን ዝሰርሕ: ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ ፍታሕ ንምምጻእ ዝቃለስ ዘሎ ማሕበር ኢዩ:: ብተወሳኺ ማሕበርና: ንባህላውን ማሕበራውን ብዙሕነት ሃገርና ዝኣምን: ንምስሊ ኤርትራ ብዘንጸባርቕ መንገዲ ንምስራሕ የእዳዉ ዝዘርገሐ ማሕበር ኢዩ:: መርኣያ ናይዚ ከኣ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ምስ ዝነጥፉ: ኣብ ጉባኤ ተሳቲፎም ኣድማዒ ስራሕ ክሰርሑ ምስ ዝህቅኑ ሃገራውያን ባእታታት ድማ ይሰርሕ:
ማሕበርና እምበኣር ኣብዞም ልዒሎም ዝተገልጹ መሰረታውያን መትከላት ምርኩስ ብምግባር ዝርጋሔና ኪኖ ሱዳን ምስ ኣብ ኣውስትራልያን ማእከላይ ምብራቕን ዝርከቡ ተቓለስቲ ብምትእስሳር ቃልሲና ንምዕዋት ኣብ ጎኒ እታ እትቐውም ኣሳናዳኢት ሽማግለ ደው ከም ንብል በዚ ኣጋጣሚ ነረጋግጽ::

ተቓላሳይ ሓፋሽ ህዝብና፡
ፖለቲካዊ ተርእዮ ኤርትራ ኣብ ትካዘን ተስፋ ምቑራጽን በጺሑሉ ኣብ ዘሎ ደረጃ: በቲ ስርዓት ህግደፍ ዝፈነዎ ክፉእ ነዝዒ እሞ ምስ ርእሰ ምቁጽጻር ዘጥፍኣሉን ሰንደልደል ዘበሎን ምንቅስቓስ ፎርቶ ጥሪ 21 ምትእስሳር ኣለዎም ዝበሎም ሰባት ኣብ መንነቶምን ድሕረ- ባይታ ኣባልነቶምን ዝተሰረት ብሃውሪ ምእሳር ከም ዝተራእየ ገምጊምና:: ብመንጸር እዚ ምዕባሌታት ግን ብኣንጻሩ ተራ ተቓውሞ ንክቱር ህርፋን ንለውጢ ናይቲ ክቡር ዋጋ ሂቡ ደቁ ሞባእ ዝኸፈለ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝዳረገሉ ደረጃ የለን:: ስለዚ ኢዩ ከኣ ኣኼባና ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ህዝብና ንምድሓን ግቡእ መሪሕ ተርኡ ንምጽዋት ብቑዕ ኣገባብ ቃልሲ ተጠቒሙ ንኻልኦት ኣብ ምስሓብ: ዝተፈላለዩ ፖለቲካውያንን ሲቪካውያንን ጉጅለታት ኣብ ትሕቲ ሓደ ጽላል ጠርኒፉ ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ዕድል ብምኽላእ ኣንጻሩ ከቃልስ ንምሕጸን፤፤

                                                ደምዳሚ ኣዋጅ
ኣገደስቲ ውሳኔታትን ውሽጣዊ ለበዋታትን ኣኼባ
1. ኣብ ኣሳናዳኢት ሽማግለ ንወከልቲ መዓስከር ስደተኛታት ዓፈር ኣብ ኢትዮጵያ: ልክዕ ከም ናይቶም ካልኦት መዘንኦም መዓስከራት ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ እሞ ኣብ ኣሳናዳኢት ዝተወከሉ ቦታ (ውክልና) ምሃብ ኣድላዩነት ከም ዘለዎ ብምእማን
2.ምቛም ናይ ዘተ ሽማግለ: ምእንቲ ምስ ካልኦት ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ምንቅስቓሳት መንእሰያት እሞ ድማ ምስ ማእከልነት ሱዳን ምንም ርክብ ዘይብለን ምዝርራብ ክከኣል
3.  ንምምሕዳራውን ውድባውን ስርሓት ተካይድ: ኣካያዲት ኣካል መሪሕነት ምቛም:
4. ወግዓዊ ኣፈኛ ማእከልነት ሱዳን ምምራጽ
5. ምንዳፍ መቕየዲ ስነ-ምግባር ንኣባላት ማእከልነት ሱዳን ኣብ ውሽጢ ኣሳናዳኢት ሽማግለ ንዝመጽእ ጉባኤ: ምኽንያቱ ከኣ እቲ ኣብ ደብረዘይቲ ዘጋጠመ ጌጋታት ምእንቲ ከይድገም ንምክልኻል
አብ መወዳእታ ብዛዕባ እዚ ዝካየድ ዘሎ ዘሐዝን ሰብኣዊ ተግባራት ብመልክዕ ንግዲ መሸጣ ደቂ-ሰባት: መንእሰያትና ግዳይ ኮይኖ ተቓሊዖምሉ ዘለዉ ኩነታት ኣኼባና ንጉጅለ ገበነኛታት ስርዓት ኢሳይያስ ምሉእ ሓላፍነት ኣሰኪምዎ ኣሎ:: በዚ ኣጋጣሚ ‘ውን ንዝምልከተን ውድባት: ማሕበራት: በዓል-መዚታትን መንግስትታትን ነዚ ዝፍጸም ዘሎ ባርባራዊ ገበናት ደው ንክብል ክሰርሓ ተማሕጺኑ::
ብተወሳኺ ንቃልስን ኣስተዋጽኦን ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን መንእሰያት: ምስ ማእከልነት ሱዳንን ምስ ሕሱም ናብራ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ዘሕልፉ ዘለዉ ደው ምባሎም መርገጺ ምውሳዶም: ከምኡ ከኣ ኣብ ውሽጥን ኣብ ዲያስፖራን ንዝቃለስ ዘሎ ህዝብናን ጥምረት መንእሰያት ኤርትራ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ነሞግስ::
ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና!
ሕፍረትን ስዕረትን ንዲክታቶርያዊ ስርዓት

ኣኼባ መሪሕነት ማእከልነት ሱዳን
05/07/2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
19 COMMENTS
  • Kabbire July 18, 2013

    ካባኹም፣ ካብ ቦለቲካ ዳያስቆራ ደኣ እንታይ ክንጽበ፤ ሰብ ተሓጺብካ ናብ ጭቃ። ንስኻትኩም ከም ዋሃዮታት ባክተርያ፣ ኣብ ክልተ ክልተ እንዳ ተፈንጨልኩም ምፍራይ እንተዘይኮይኑ።
    ራዛ ናይ ኣቦኡ ሓዛ። ሓራካ ኔራ፣ ጀብሃ ኮይና። ካብ ጀብሃ ህዝባዊ ሓይላታት፤ ካብኡ ሻዕብያን ኣልዋሕዳ ሳበን፤ ካብኡ ዑበላይት መንካዕ የሚን ፋሉል ዓጂብ ሳግም እንዳ ዓብደላ። ሕጂ ኸኣ ህግደፍን ከንተመንቱን ተሪፊኩም።
    ንስኹም ሰብ ክትልክሙ እምበር ቁምነገር ዘይብልኩም ኢኹም። ሰውራዶ ገድሊ እንዳበልኩም ክንደይ ሰብ ንገደል ደርቢኹም። ሕጂ ከኣ ሰብ ኩላ ባርያ ዓረብን ህግደፍን ኮይና። ብላሽ

    The only thing normal in Eritrean opposition politics is multiplication by binary fission, just like bacterias. Forget leadership ambition, with such immaturity and poor attitude, you will never overthrow the Hgdef regime. Eritrea’s only hope are the Eritreans inside Eritrea who are in the trenches or in Sawa. No one expects anything positive from your politics.

  • Kabbire July 18, 2013

    እዚ እንድዩ ዕጫ ኤርትራውያን
    Isn’t this the current fate of Eritreans?

    http://www.youtube.com/watch?v=yg3alS-gDaU

    —-

    • NEW HOPE ERITREA July 19, 2013

      Kabbire ,

      You will sleep without guilty conscience ,it is your love for our people & respect that makes you even angry when you see the every day Eritrean falls for a retarded excuse by PFDJ & the so called opposition .
      Do not give up .Let the vain people give hi 5 to eachother.Do not worry have a solution ,even if it is outrageous like mine .You stand your ground ,because you believe on what you say .Do not take it personal anything they tell you.

      Keep up shouting ,Make mistakes ,Eritreans are perishing while these people want to save the integrity of the land while despising the people.

      Awet nhzbi Ertra

  • Dawit Meconen July 18, 2013

    Every Eritrean youngster must understand that no blessing ever comes from woyane and its ancestors. It was woyane who deported hundreds of thousands of Eritreans from every corner of Ethiopia,in a manner only one with Nazi heart could have done.

    Eritrean Youngsters,

    Why has woyane targetted you? Because of your young age and bad experience back home under Isaias Afewerqi, woyane thinks you are extremely amenable to its manipulation.

    But do you know that Isaias Afewerqi and woyane are the same? Yes, they are. Isaias from within and woyane without, they are intimately collaborating to decimate our hard won Sovereignty, our heritage and langauge.

    Discount the name calling they are throwing at each other. It is all Theatrical Drama for the consumption of the gullible Eritreans.

    If Isaias Afewerqi were really Eritrean, would he have violated International Law and invaded Ethiopia because of the woyane border skirmishes? Not at all. Why should he go to war when he could nip woyane conspiracy in the bud by simply telling the UNSC to do its job of securing peace and tranquility for the people of Eritrea and Ethiopia.

    Suppose again Isaias Afewerqi was genuine Eritrean and suppose he made a mistake of invading Ethiopia, would he abolish the Constitution, Baito and arrest and incacerate the Senior EPLF Officials when the war was over? Not at all. Because he would need all their proven counsels to bring the country and people from trajedy of war to normalcy. Isaias chose to extend the targedy of war to perpetual tragedy because he wanted to destroy the country.

    By the way, before woyane started deporting Eritreans, Isaias Afewerqi had sent codified message on the air waves to woyane to initiate the deportation processes. He said,” We have strong forces in Ethiopia”, which subsequently woyane used to justify its action.

    Let me ask you again, which country is militarily stronger, the one whose people are free and engaged in the political processes of the country, or the other whom their leader treat them like sheep?

    Yes, free people are stronger. This is the reason Isaias Afewerq treat Eritreans like sheep, and I might add, kill the intellectuals, to blindfold them into the abyss.

    What the option, young Eritreans?

    Surrender is not an option. To be Isaias Afewerqi, or woyane puppet is no option. It is kneeling down. An Eritrean does not kneel down to surrender. Eritrean dies fighting for freedom. Patriotism is in our genetic blue print. Viva Eritrea!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!

    • Tamrat Tamrat July 19, 2013

      high smarti, what are you going to say if tplf and eplf become friends again? the same bulshit like 1991-97?

      Eritrea is the way it is because you and Your ledears can do only this much if there is no one sponser yor banditory. think of the energy you used to convince yourself better than ethiopian, and if only you use for Development. we ethiopians got the uper hand only because we were free thanks for Our ansister.

    • Tes July 19, 2013

      Dear dawit,

      I think you need help. Your opposition with weyane is a bit of concern to your health. You might have person grudge with them but don’t bring it here and relate it to every topic. We Eritrean have to see ourselves first and foremost before blaming other for our suffering. Weyane are showing a commanding achievement and marching forward. This is not me saying the whole world are witnessing their achievement and they are regaining their long lost respect. You are in your every comments weyane this weyane that or Isseyas this or the same won’t do us any better. Ethiopia is another country which have their interest to look what else do you want them to do? As an Eritrean we have to fight for our interest at any time or occasion. Blinded by hater won’t benefit you or any Eritrean. Move on forget about Ethiopia and trying to find solution to Eritrea impasse. Preaching about weyane this or that is non starter. For many Eritreans including myself we are grateful to weyane for being hospitable for Eritrean refugees in their time of need. As you are always implying in your comments about weyane had been deported thousand of eritreans. Well I am not going to argue on this because it was done under tit for tat and most those who deported were the ones who return in thousands to Ethiopia as we speak. To remind you the weyane are still in charge in Ethiopia so don’t waste you breath on insulting our intelligence.

  • Biniam July 19, 2013

    ኽንዳኻ ዘይኣኽላ በእኻ ይዋረዘያ!

    ንዝሰርሕ ሰብ ምቁንጻብ, እንከይ ሰርሓኻ ብኣፍካ ጸፍ ምባል ,ፈትፊቱ ኣብ ኣፍካ ክእትወልካ ምጽባይ ዘኣምሰለ ትርእዮታት ኣብ ኤሪትራዊያን ዝርእ ተግባራት ኮይኑ ኣሎ። እንታይ እዩ ሽግርና ክንቢል ኣይካልናን፡ ወግሔ ጸብሔ ዊዳበን ማሕበራትን ይፍጠር ጊን ከይደንጎየ ኣብ ክልተ ይግማዕ። ሽግርና እንታይ እዩ, እነ ክምዝመስለኒ…

    1, ንቕሓትና ብጣዕሚ ትሑት, ሙሁራትና ናይ ሙሁራት ደናቁር (ኣብ ኪንዲ ዝጥርንፉን ዝምሁሩን ዘንቁሑን ይብቱኑ)
    2, ናይ ሃይማኖት ሽግር፡ ኣብ ሃገርና ኣስላማይን ክሪስታን፡ ተኸባቢሩን ትሓላሊዩ ዝነቢር ዝነበረ ሕዝቡ እዩ።
    እብዚ እዋን ኣዚ በንጻሩ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወገን ዘይምትእምማንን ምትፊናን ከምኡ እዉን እነ ኽዕብሊል ኣለኒ ዝቢል ዓይነት ዝርኤ ዘሎ ይመስለኒ እዚ ናይ ሱዳን ነገር ከስተብሂል ከለኹ። እዚ ናይ ሃይማኖት ነገር ብዝግባእ ክዝረበሉ ኣለዎ ይብል፡ ቁስልኻ ሓብእካ ምኻድ ጊዜ ምብኻን እዩ፡ እዚ ሽግር ኣብ ስምረት መንእሰያት ንድሕነት ሓገር ዝርኤ ዘሎ መቀጸልታ ናይቲእን ነባራት ዉዱባት ዝገበረኦ ኣብ ኣዋሳን ቅድሚኡ ዋዕላታት ዝነበር ሽግራት እዩ። እዚ መንእሰይ ወሎዶ ክማሃረሉ ኣይበቕዔን። ሰብ ዝበለ ይበል ብናእተይ ኣራኣያ እዚ ናይ ሱዳን ነገር ናይ ሃይማኖት ኣስልምና ሽግር ምዃኑን እብዝተወደበ ማሕበር ዓብላሊ ኮይና ምውጻእ ድልየት ዘለዉ ኩይኑ ይስማዓኒ። ኤሪትራ ናይ ኣስላምይ እያ, ኤሪትራ ናይ ክሪስቲኣን ኣያ ፈቲና ጸልእና። ምእመና ኣስላም እሕዋትና ከምቲ ንኹም ትሓስቡዉ ካልእ ወገን እዉን ከማኹም የሓስቢን የስተውዕሊን እዩ። ስለዚ ብሃይማኖት ምስሕሓብ ኣብ ኤሪትራ እየዋጻእናን እዩ።

    ጊዜ ወርቂ እዩ፡ ወርቃዊ ጊዚኡ ወፊዩ ንዝቃለስ ሰብ, ሞጎስ ይግቦኦ እምበር ዕንቅፋት ክትኮኖ እይግባእን.

    ኾሉ ሰብ ሓይማኖት ኣለዎ! ንከባበር
    ሃይማኖቲን ቦለቲካን ፈላሊና ንርኣዮ!

    ሰላም ውሰናይ ንኹላትና!
    ቢኒኣም

  • Girmay July 19, 2013

    The main problem in opposition politics is egoism. We need leadership chair sitting home. Doing nothing. we totally forget that the power that we are dreaming, asks human life and so on. That is why we spend our time side fighting under different dichotomies. There is no power for free. we have seen those who dreamt from Hawassa could not get it. Hawassa was a big lesson for power dreamers. The power is Asmara in the hands of Isais, and this power is to be taken by those who are ready to give their life to rescue their people.

  • ahmed saleh July 19, 2013

    Do not discourage from failures . Politics in a looser tone is to take risks and be engaged . Eritrean youth
    who forced to flee from their homes to seek refugee in neighboring countries are the most frustrated toward
    our political episode because it affect their own life dearly . It is obvious making a living as a refugee
    could be hard . But there is nothing wrong to acknowledge or embrace failure as a learning Experience because
    it may lead you to move in another direction to avoid mistakes . Where ever we reside at all over the world ,
    those who seek political and social change inside our country , for sure one central message reflects always ;
    that is the call to keep engaged around you for the sake of connection to our people cause . Stay put and
    strong , there is much work ahead to fix the wrongs and to bring UNITY AND TRUST among people of different background .

  • Bereket July 19, 2013

    ሓደ መንእሰያት ክግርሁሉ ዘይብሎም ተርእዮ፡ ዓጻዶ ብድሕሪኦም ዝሓደጉዎ ንዳእቲ ኣብ ቍሚጦ ተዋህሊሉ ኣብ ናይ ሓባር ዓውዲ ተኸይዱ ብዝተሓፍሰ ምህርቲ ዝትከል መኣዲ ምስ ሰቦም ክበልዑ ክጽበዩ ዓቕልን እስትሕያን ዘይብሎም፡ ንዳእቲ ቆንጪሎም ኣብ ሰፍኢ ሓስዮም ብዘዋህለሉዎ እኽሊ ስርቖት ኣብ ውሻጠ ስልጣንያ ምቍልማጽ ዘየሕፍሮም ተበለጽቲ ምህላዎም እዩ። እዞም ንመዝነት ንረኣዩለይ ስምዑለይን ንውልቃዊ ረብሓን ክምዝምዙዎ ዝህንጠዩ ተበለጽቲ እምብኣር ብጸቢብ መንፊት ክሓልፉ ኣለዎም።
     
    ,,,,,,,,ብምርጫን ሕጋዊ ውክልናን ዘይተኸፍተ መድረኽ፡ ኣብ ጉዳያት ሓባራዊ መረዳእታ ካብ ምምዕባል ሓሊፉ ሃገር ለኸ ውሳኔታት ብምውሳድ ከም ኣድማሳዊ ወኪል ክቕመጥ ክፍትን ከሎ ደረት ተልእኾኡ እዩ ዝጥሕስ ዘሎ።
    በዚ መንጽር ኣብቲ ኣኼባ ከም ግለ ሰብ ዝተራእየኒ ስኽፍታ፡ እቲ ብሕጋዊ ውክልና ዘይኮነ፡ ብመን ሕራይ ብዝተኣኻኸቡ መንእሰያት ዝተኻየደ መኣዲ ዘተ፡ ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያት ክምስረት ካብ ምስምማዕ ሓሊፉ፡ ስጉምቱ መጢጡ ሓደ ደረጃ ብምስጋር፡ ብኡ ንብኡ መራሕቲ መሪጹ ማሕበር ምቛሙ እዩ። ነዚ ብዝምልከት፡ ኣብቲ ናይ ጉጅለታት ዘተ ይኹን ኣብቲ ሓባራዊ መድረኽ ዝቐረበ ምጕት ኣብዚ ምድጋሙ ነቲ ቀንዲ ኣርእስቲ ከይውሕጦ መታን ክጎስየ እየ። እንተኾነ፡ ጽሑፍን ንጹርን ቅዋም፡ ቅጥዕታት ምርጫ፡ ብዓቢኡ ድማ ሕጋውያን ወከልቲ ኣብ ዘይብሉ መድረኽ ንኹሉ ዝሓቍፍ ማሕበር ምቛም ኣጸጋሚነቱ ክጥቀስ ኣለዎ። ሕጋውነቱ ዘየተኣማምን ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ነቲ  ዝንቀሳቐስ ዘሎ ጥራይ ዘይኮነ እንተላይ ነቲ ባይታ ዝጽበ ዘሎ ዝሰፍሐ መንእሰይ ናይ ዋንነት ስምዒት ከሕድረሉ ‘ውን ከቢድ ስራሕ ይሓትት።
     
    ኣብቲ መኣዲ ዘተ ሓያለ ርጡባት መንእሰያት ‘ኳ እንተነበሩ፡ ነዚ ስኽፍታታት’ዚ ብግቡእ ዘይተገንዘቡዎ፡ ናይ ፓልቶክ ቁጽርን ባህልን ንኽብደት ናይቲ ኣብ ባይታ ዘድሊ፡ ዕቱብ፡ ካብ ኩሉ ሸነኻት ሰባት ናይ ምጥርናፍን ምልዕዓልን ስራሕ ብሚዛናዊ ዓይኒ ካብ ምርኣይ ዝዓንቀፎም መንእሰያት ኣይተሳእኑን። እቲ ኣብ ባይታ ዝካየድ ሰላማዊ ሰልፍታት ተቓውሞ፡ ምስቲ ሆጭ ዝበለ ዕሙር ዕላል ፓልቶክ ክዋዳደር ከሎ ኣዝዩ ስሑው ምዃኑ መርኣያ ናይቲ ኣብ ‘ቨርቹዋል’ ዓለምን ባይታን ዘሎ ፍልልይ ምዃኑ ምዝካር ኣድላዪ እዩ።
     
    እቲ ካብ ኣብ ሕጋውነትን ቅጥዕን ናብ ብስራት ዓወት ዝዘምበለ መስርሕ ኣብ ክንዲ መንፊት ሚሐ ኮይኑ ቀዳዳት ስለዝኸፈተ፡ ከምቲ ቅድም ዝጠቐስናዮ፡ ካብቲ ቅኑዕ መንፈስ መንእሰያት ዘልገሱ ገለ ብግቡእ ከይተጻረዩ ዝሓለፉ፡ ገለገለ ዝመለቑ ክህልዉ ይኽእሉ እዮም። ብኡንብኡ ኣብ መንጎ’ቶም መንእሰያት ገለ ገለ ትሒምታን ቅሬታታት ተቐላቒሉ ምንባሩ ‘ውን መርኣያ ናይዚ እዩ። ብሕልፊ ኣብ ምምራጽ መሪሕነት ዝተጻፈፈ፡ ጽሑፍ ቅጥዒ ምርጫ እንተዘይሃልዩ፡ ዝደለዩዎ ውልቀሰባት ኮነ ውዱባት ኣካላት ነቲ ድኻም ክብለጹሉን ክምዝምዙዎን ዕድል ከምዝኸፍት ክሰሓት የብሉን።
     
    ሓደ ምስ ምርጫ ተተሓሒዙ ዝተኸስተ ጉዳይ፡ እቲ ናይ መንእሰያት ማሕበር ነጻ ክኸውን፡ ዋላ ምስ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ናይ ምትሕግጋዝ መንፈስ ክህልዎ ደኣምበር፡ ፍጹም ነጻ ክኸውን ሓባራዊ ስምምዕ ተበጺሑ ክንሱ፡ ሓደ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ከም መሪሕነት ናይቲ ማሕበር ኮይኑ ምምራጹ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ዋና መራሒ ፈጻሚ ሽማግለ ምዃኑ እዩ። እዚ ኩነታት’ዚ ንጹርን ጽሑፍን ቅጥዒ ምርጫ ብዘይምንባሩ ኣሻማዊ ኮይኑ ተረኺቡ። ብዓይኒ ሓቂ ክርአ ኸሎ ‘ውን፡ እዚ ስጉምቲ’ዚ፡ እቲ ማሕበር መንእሰያት ካብ ባይቶ ነጻ ክኸውን ኣለዎ ንዝብል ስምምዕ ዘፍርስ እዩ። ስለዚ ነዚ መትከል’ቲ ንምሕላው፡ እቲ ቅኑዕ ፍታሕ ኣብ ባይቶ ወይ ኣብ መሪሕነት ናይቲ ማሕበር መንእሰያት ኣብ ሓዲኡ ምሓዝ እዩ ነይሩ። በዚ መልክዕ፡ እቲ ኣቐዲምና ዝተመልከትናዮ፡ ኣብ ልዕሊ ባይቶን ተቓወምቲ ውድባትን ዝተራኣየ ኣፈናዊ ኣውንታዊ ጸቕጥን ጽልዋን መንእሰያት ቀጻልነቱ ምርግጋጹን ዘይምርግጋጹን ኣብ ጉዕዞ ዝርአ እዩ።
     
    ስለዚ ኣብ ቀጻሊ፡ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተመሊሱ ካብ ዘጣዕስ ወይ ሕርኽርኽ ዘብል ጸገማት ንምድሓን፡ ከም መንእሰይ ብድድ ኢልካ ኣብ እዋኑ ኣብ ፊት ኣኼበኛ ሓሳብካ ብምግላጽ ንጉዳያት ምንትዖም፡ በቲ ሓደ ወገን ከኣ፡ ሕግን ቅጥዕታትን ዋልታ ዝሓስብካዮምን ዘይሓሰብካይምን ሕጽረታት ክኾኑ ከምዝኽእሉ ኣሚንካ ኣቓልቦ ብምሃብ፡ ንልብኻ ካብ ደረት መንእሰይ ኣውርድ ኣቢልካ፡ ከይተሃወኽካ ብምስትውዓል ምሕሳብ የድሊ።

    ኣማኑኤል ኢያሱ 
    31 ሓምለ: 2012

  • hawileito July 19, 2013

    I think what is written is a blackmail for the true struggle the Eritrean youth raised. We know that Eritrea is a state with different ethnic groups (9 if u want 10). Whether you bulshit mind believe or not the youth is marching to save the people in Eritrea not somewhere in the world.

    The owners of the press release are loosers and they will not gain anything from what they said. It is only a messanger work where they want them to fail with them.

    The youth is united than ever before. If you go anywhere else it is your choice. What you have done it will take you to greave because it is full of lies and fabrications.

  • Gimay Abrha July 19, 2013

    As far there are few who want to go the front for sacrifice , it doest matter who bark. The Camel keeps its walk while the dog….. and i am sure the camel will recieve its reward/price from the mass. There is nothing for free.

    Girmay

  • shimay tekolom July 19, 2013

    abotatna kimislus habalis metemetia tikahal yblu abotatna tiserhu entekonkum ab sirahkum dia niseb keterieywo mifetenkum enber minin kitblu niziserhu enkifat aytikunu kab higi nino bikibitrot kingasiyekum giziye yebilnan entekielkum ab minin tegalagilkum nay sirah sebat konkum arkibuna entezeyele des zibelekum kunu kab minin halifkum tigebro kemzeyele tiray ena kinhbirekum nifetu

POST A COMMENT