Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣጀንዳ ኢሳይያስን ጭፍርኡን፡ ብመራሕቲ ተቓወምቲ ዉድባት ኢትዮጵያ ይኽሻሕ

ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ወይ ኮንፈደረሽን ከምእትሓብር ምግባር ፕረዝደንት ኢሰያስ ካብ ጽባሕ ናጽነት ኣትሒዙ ከም ቀዳማይ ኣጀንድኡ ብምሓዝ ክሰርሓሉ ከምዝጸንሐን ሕጂ`ዉን ይሰርሓሉ ከምዘሎን ኣብርሃም ያየህ ዝተባህለ ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይ'ቲ ብግንቦት 7 ዝፍለጥ ኤርትራ

ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ወይ ኮንፈደረሽን ከምእትሓብር ምግባር ፕረዝደንት ኢሰያስ ካብ ጽባሕ ናጽነት ኣትሒዙ ከም ቀዳማይ ኣጀንድኡ ብምሓዝ ክሰርሓሉ ከምዝጸንሐን ሕጂ`ዉን ይሰርሓሉ ከምዘሎን ኣብርሃም ያየህ ዝተባህለ ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይ’ቲ ብግንቦት 7 ዝፍለጥ ኤርትራ ዝመደበሩ ተቓዋሚ ዉድብ ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ንዉድቡ ብምዉካል ምስ ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ካብ ቅድሚ 12 ዓመታት ከካይድዎም ዝጸንሑ ምስጢራዉያን ርክባት ዕምቆት ብዘለዎ ዝርዝራዊ ጽሑፍ ኣብ ኣዉራምባ ታይምስ ዝተሰምየ መርበብ ሓበሬታ ብምዝርጋሕ ኣቃሊዑ።

ንሱ ኣብ መግለጺኡ፡ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ኤርትራ (ብፍላይ ኢሰያስን የማነ ማንኪን)፡ ንምእማኑ ክሳዕ ዘጸግሞ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ከምዝስቑርቆሩን፡ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ይኹን ኮንፈደረሽን ኤርትራ ክትሓበር ካብ ጽባሕ ናጽነት ኣትሒዞም ከምዝሰርሑን፡ ብሰሪ ዕንቕፋት መለስ ዜናዊ እዚ ሕልሚ’ዚ ጋህዲ ክኸዉን ከምዘይከኣለን ኣረዲኡ። ንሱ ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ኣብ ዝነደፈትሉ እዋን፡ ኢሰያስ ንዓንቀጽ 39 ካብቲ ሕገ-መንግስቲ ክትለግስን፡ ክልላት ኣብ ክንዲ ቋንቋ ብጂኦግራፊያዊ ኣቐማምታ ተኸፋፊለን ክመሓደራ ተባሂሉ እንተተኣሪሙን፡ እቲ ስርዓተ-ምሕደራ ንኤርትራ’ዉን ዘይሕዉሰሉ ምኽንያት ከምዘየለ ዋላ’ኳ ደጋጊሙ እንተገለጸሉ፡ መለስ ግን ካብቲ ዝነበሮ ተሪር መርገጺ ሕድገት ክገብር ፍቓደኛ ኣይነበረን ኢሉ።

ንሱ ኣስዒቡ ` መለስ ሕልሚ ዓባይ ትግራይ ብዘይ መሰል ምግንጻል ክዉን ክኸዉን ስለዘይክእል ሕድገት ክገብር ፍቓደኛ ብዘይምንባሩ፡ ምስ ኢሳይያስ በዚ ምኽንያት ኣብ ዓቢ ዘይመቅዳ’ዉን ዘእተዎም ቀንዲ ምኽንያት ምንባሩ ኣብ ዋሽንግተን ምስ የማነ ገብረኣብ ኣብ ዘካየዶ ምስጢራዊ ርክብ ክርዳእ ከምዝኸኣለ ኣኸሺሑ ኣሎ። ንሱ  ኣስዒቡ “ካብቲ ዝገረመኒ ነገር፡ እቲ ንኤርትራ ዝመርሕ ኢሰያስ ዓባይ ኢትዮጵያ ክርኢ ክሓልም እንከሎ፡ እቲ ንኢትዮጵያ ዝመርሕ መለስ ግን ዓባይ ትግራይ ምሕላሙ ኢዩ።“ ይብል።

ንሱ ኣብ’ቲ ልዕሊ 30 ገጻት ዝሓዘ ገና`ዉን ዝቕጽል መግለጺኡ ብኸመይን ኣበይን ምስ ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ከምዝተራኸቡን፡ ኤምባሲታት ኤርትራን ነዚ ርክባት ኣብ ምጥጣሕ ዝነበረን ተራን ብዝርዝር ገሊጹ ኣሎ። ብፍላይ እኳ ይብል፡ የማነ ገብረኣብ(ማንኪ) ነዚ ዕማም ኣብ ምስልሳል ናብ ወጻኢ ሃገራት ብብዝሒ ብምምልላስ ምስ ሓያለ ካብ መራሕቲ ዉድባት ኢትዮጵያ ርክባት ከምዘካየደ ኣረዲኡ።

እቲ ብኣብርሃም ያየህ ዝቐረበ ሰነድ፡ ነቲ ን12 ዓመታት መመላእታ ሓያለ ኤርትራዉያን ስለምንታይ ኢሰያስን ጭፍርኡን፡ ቍዋም ይኹን ባይቶ ዘይብላ ብምፍጣር፡ ነዚ ኩሉ ዕንደራን ምሕረት ዘይብሉ ጭቖናን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ የዉርዱ ኣለዉ ዝብል ሕቶን፡ ኣንፈት ኤርትራ ናበይ ምዃኑ ብዘየዳግም መንገዲ ምላሽ ረኺቡ ኣሎ ክብሉ ገለ ካብቶም ነቲ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ቀሪቡ ዘሎ ሰነድ ዘንበቡ ሰባት ርእይትኦም ገሊጾም ኣለዉ።

ኣቐዲሙ መለስ ዜናዊ ምስ ወኪል ስለያ ኣመሪካ ፖዉል ሀንዘ ኣብ 1990 ዓ.ም ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መጠየቕ፡ ድሕሪ ዉድቀት ስርዓት ደርግ ዕጫ ኤርትራ እንታይ ከምዝኸዉን ኣብ ዝተሓተተሉ፡ ”ጽቡቕ ርክብ’ዩ ዘለና ኣብ ናጽነት ኤርትራ ዘለዎ ስክፍታ ድማ ኩሉ ሳዕ ምስ ኣካፈለኒ ኢዩ።ህዝቢ ኤርትራ እምበር ኢሰያስ ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ክትንጸል ኣይደልን ኢዩ። ” ክብል ከምዝተዛረበ ይዝከር።

ብዘይካ’ዚ ኣብ 1993 ኢሰያስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ወግዓዊ ዑደት ኣብ ዝፍጽመሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኤርትራ ዋላ’ኳ ኣብዚ እዋን ናጽነታ እንተኣወጀት፡ ክንዲ ዝወሰደ ግዜ ይዉሰድ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብቑጠባን ፖለቲካን ንኽትሓብር ዓቢ ተኽእሎ ኣሎ። እዚ ድማ ንስለ ፖለቲካዊ ሃልኪ እንዛረቦ ዘረባ ዘይኮናስ ኣሚና ብዕቱብነት እንሰርሓሉ ጉዳይ ኢዩ ክብል ብዕሊ ገሊጹ ኔሩ’ዩ። እቲ ሽዑ ዝሃቦ መግለጺ ብቪድዮ ስለዝተሰነደ ኣብዚ ሊንክ ንምዉካስ ይከኣል። https://www.youtube.com/watch?v=rthKX-ymawE

ዝኸበርኩም ኣንበብቲ እቲ ብኣብራሃም ያየህ ዝቐረበ ሰነድ ህልዉ ኩነታትና፡ ናበየናይ ኣንፈት ነምርሕ ከምዘለናን ብዕቱብ ንምርዳእ ዓቢ ኣበርክቶ ስለዘለዎ፡  ትርጉሙ በብኽፋል ከነቕርበልኩም ክንፍትን ኢና።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
61 COMMENTS
  • ahmed saleh October 28, 2013

    Olona
    True people believe what they see . Who cares about what ever somebody said rather what is in the ground .
    Meles left behind the print of foundation for progress but in contrary our leader’s print is for destruction .

  • Tekluu Gubtaan October 28, 2013

    Tarik eritrean hizbaan , b hasot ,mehzo zemelaee u . shabaya, n jbhaa haradiit, ketalit. botikalitt aaentii, ty emoo.. ezii zei behall zelfe na gebree nhzbii eritrea ab jbaha tsleei ahdrirul. Hadiom ehayish maletey gn aykonkun.
    Kabtoom n antsarr dergi zetewaguu lomi eti zebeltsee Meles u neru, ab bayta fithii, testawarent , haki ..meabale neza 100,000,000 hizba adi arekibuwa keidu.
    Beaal hegdef ,jebaah …n hzebii eritrea nab sedet kem zewuhaz geroom. meftoot ny ruhuk gezatii .
    Selzi bezabaa Meles wy ka ti bedhruu n eritrea tsbook zegebree Janhooy mzrabb ehayeshh kab hgdef, jbaha..issyaas na belna…na belka mezraab.

  • Morroso October 28, 2013

    Tekluu Gubtaan
    hahahh b’zaba jebha tifelto yeblkan gn onw Q. for you

    1+1 is =?

  • Tekluu Gubtaan October 28, 2013

    Morroso

    Ab gize jebahh wedi 45 ammet zeibesele (immature) nere selzi zezkroo wy zeflto yeloon. neta hitokaa kemlsa gn
    1+1= -37.

  • jemal October 28, 2013

    NAB ZIKEBERKA AMANUEL MEDEB ISEYAS ABREHAM YAYE DERGIHWO ALO AB AWRAMBA TIMES SILEZI
    ITI 1980 HIZBAWIGINBAR ZFLET AGENDA ISEYAS BSEFIHU WETSIUALO NHIZBI META KIFELTO POST INTETIGBIRO XBUK NERU.

  • Gebez October 28, 2013

    ክሓስቦ ከለኹሲ ንሓቀኛ ነፃነት ኤርትራ ዝተዋግኡን ዝዋግኡን ዘለዉ ወያነ ኮይኖም እዮም ዝስምዑኒ::ምኽንያቱ ግን ኣይርደኣንን:: ኣታ ክቡር COW FACE,እሞ ካብቱ ተቀዲሑ ዘይውዳእ ፍልጠትካ፣ካብቲ ካብ ፀሓይ ዝደመቀ፣ ካብ ቴሌስኮፕ ናሳ(NASA) ብዝበለፀ ኣርሒቁ ዝርኢ ኣእምሮኻ ደኾን ነዚ ስጊንጢር እዚ ዝዝርዝር ገለ ሓሳብ ምሃብካና?

    • ሽዋይነሽ October 28, 2013

      “ሰው ጥራ ቢሉት….” በለኸ ኣምሓራይ !

  • Wedi-Mahre-Mahre October 28, 2013

    This is not new it have been exposed in YouTube by Ethiopian who have worked close with Issaias before: Like Dawit Weldegiorgs, Dr.XX )
    Our people the NEHNA NESU allow the regime to imposed his agenda on innocent Eritrean because the Eritrean population could not recognize there enemy until recently.
    When the regime hugging Ethiopian origin Eritrean “(TWELIGE)” and eliminating intelligent/Educated Eritrean’s “(DEKEBAT)” suspected/knew Issaias’s agenda, the Eritrean fighters(TEGADELTI) at most and the population did not protect them since early 1970.
    Therefore, the remaining majority wise and intelligent Eritrean chose to be silent. “AHWATOM SLE ZIKEHADOM HIZBE KEA SLE ZETAKIE KAB-ZIKZEFU REISOM ADNINOM KIKEDU MERITHOM”.
    The past is history. It is not too late to stop the regime agenda from implementing on our nation. I am confident this can be stopped from happening If and only the Eritrean people realized what is going on and united to opposed the regime. Otherwise we will lose our nation and (DEKEBAT) will be leaving in pain forever.
    We have to be open-minded and come out of the box and be able to process information and ask question WHY? HOW? WHEN? WHO? WHERE? …
    MUST STOP FOCUSING ON VERY MINOR ISSUES like region and religion which was used by the regime to divide and mislead the people.

  • dave October 28, 2013

    kkkkkkkkkkkkkkkkkkkkk…..Abraham yayeh as witness … ? u must be joking …. the drunk card sub human is a waste of space … he never been a politician but a hooker…

  • COW FACE October 28, 2013

    ዝኸበርካ ገበዝ ፣

    ክብርን ምስጋናን ብዓጸፌትኡ ንዓኻ ።ኣነ ዝፈለጦም ነገራት ብምሕታትን ንነገራት ከም ዘለዎም ናይ ምርኣይ ድሌት ስለ ዘለኒ እዩ፣እምበር ብሓቂ ካብ ሰበይ ለቢመ ወይ ፈሊጠ ኣይኮንኩን። ኣብ 1977 – 78 ናብ እንዳሞይ ደቀምሓረ ድምበዛን ተዓቝበ ከለኹ ኩሉ ስራሕ እታ ስምዒታ ዝነበረኒ ሻዕብያ ተዓዘብኵዎ እሞ, ጸረ ህዝቢ ኤርትራ ብጠቕላላ፣ ብፍላይ ድማ ጸረ እቲ ሕያዋይ ዝኾነ ኣስላማይ ህዝብና ትነዝሖ ዝነበረት መርዚ ኤርትራዊ ኣጀንዳ ከም ዘይነበራ በርሃለይ ።ግን ጉዳይ ቃልሲ ኤርትራ ሓንቲ ጥይት ከይተኮስኩሉ ዝበርሃለይ ፣ኣብ ኤድመንተን ካናዳ __ተቓለስቲ ጀብሃ ዝነበሩ ኣሕዋት፣ ብሕልፊ ድማ ብዘይ ፍቓዱ ስሙ ክሰምዮ ዘይደሊ ካብ ዕስራ ብሬናትን መዳፍዕን ዝምረጽ ተጋዳላይ ኤርትራዊት ጀብሃ ዝነበረ፣ብሌነታይ ወዲ ኸረን ኤጽን ኢለ ብምስማዕን ልቡ ክሳዕ ዝሓብጥ ብምሕታትን እዩ። እዩ ።
    ኣብ ኡጋንዳ ስደተኛ ከለኹ ጀሚረ ንተቓለስቲ ጀብሃ ዝነበሩ ኣሕዋት ፣ኣብ ናይ ኢዲዩ ዝተቓለሱ ኢትዮጵያውያን፣ወያነ እውን ከም ሞት እኳ ይጸልኦም እንተነበርኩ፣ ኣብ ከባቢ 1985 ዘይጽበዮን እህን ኢለ ንኽሰምዖምን ዘገደደኒ ነጥብታት ቀሪበ ከም ዝሓቶም ዝገበረኒ፣ፋንታስቲክ ጉዳያት ስለ ዝሰማዕኩ እዝነይ ኣለቃሕኩዎም።ብሕልፊ እታ ሃገር ማለት ህዝቢ እዩ እትብል መምርሒ ናይ ኣቦና ወልደ ኣብ ወልደማርያም መምርሒ ዝሓቖፍዋ ወያነ እምበር ፣ኣቢስያንያዊት ሻዕብያስ __ዘይኩሩምትኻ ከውሒ እንተትቑርጥመሉ ፣ንእሽተይ ኩርባ ሒዝና ንኽብሉ ህዝብና ኣብ ዘይረብሕ ህጁማት ኣእትዮሞ እዮም ዘውድእዎ ኔሮም።

    ምንም እኳ ናይ ሓጥያተኛ፣ሓጥያተኛ እንተኾንኩ እውን __እቲ ኣብ ስድራይን እንዳሽወደን ዝተምሃርኩዎ መጽሓፍ ቅዱስ ሓሰውቲ መሲሃን ብፍሪኦም ክትፈልጥዎም ኢኹም ዝበሎ ፣ንሱ መምርሒ ብምኽታል ሻዕብያ ብፍሪኡ ንህዝቢ ኤርትራ ከም ኮንዶም ተጠቒሙ ፣ናይ ሓሶት መንነት ፈጢሩ፣ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ፣ቀቢላ ምስ ቀቢላ ፣ሃይማኖት ምስ ሃይማኖት ፣ሓዳር ከይተረፈ እናፋትሔ__በዝን ነቶም ደቂ ኣውራጃይ ዝኾኑ ሓማሴን ካልእ ተንኮል ይነግሮም __በትን ነቶም ጸንዓድግለ ካልእ ስብከት ይህቦም__ምዃኑ ስለ ዝበርሃለይ እዩ። ጀብሃ ኣብቲ ኣጀማምርኣ ሙታንታ ኣዕራብ ሓይልታት ከም ዝነበርዋ ኣይክሓድን፣እኳ ድኣ መጻሕፍቲ ትግረ ዘንድ ዱ (ይብሃል)መታን ዓረብኛ ኣጀንዳ ክፍጸም ።ድሓር ግን ልክዕ ከም ውድብ ወያነ ዳግመ ርእይቶ እናገበሩ ነቲ ብዓሳዊ (ብዓስ ፓርቲ) ይኹን ውሑድ ፋናቲካዊ ዝምባሌታት ዝነበሮ ኣጸጊዖም፣ ከባሳን መታሕትን ዝተረፈ ህዝብናን ጠርኒፎም ዝጉዓዙ ዝነበሩ ውድብ እዮም ።
    ንሸኽ ወይ ንቐሺ ብተግባሩ እምበር ብመጠምጠምያኡ ምስ እንፈርዶ ኣብ ግ ጉይ ፍርዲ ንወድቕ ።ሻዕብያ ድማ ሰይጣን ተጎዝጕዙ ዕጣን ኣጋንንቲ እናደከረ ክርስቶስ ትንስ ኤ ምዉታን ይኹን ኣላህ ዋእክበር እንተበለ ንዓይ ኣይውሓጠለይን ።ኣነ ን ኢትዮጵያ ብማዕጾ እምበር ብፊኒስትራ ክ ኣትዋ መደብ የብለይን ።ኣነ ጭው ዝበልኩ ሓማሴናይ ስለ ዝኾንኩ ብታሪኸይ ጩው ዝበልኩ ዓጋመ እየ ።፣ሻዕብያ ትግራውነተይ ሓኺኹ ሓሳዊ መንነት ኣይልብሰንን እዩ፣ቅድሚ ሕጂ ዘይተረድኣኒ ይኣክል።
    የመናዊ ፣ ስዑዳዊ ኣይኮንኩን ንኽብል ዓረብነቱ ኣይክሕድን እዩ ። ዓፋር ኩናማ ኣገው___ወዘተ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልቲኤን ሃገራት ኣሎ። ከምኡ እውን ከበሳዊ ትግራዋይ ። ኤርትራውነተይ ንኸእምን ትግራውነተይ ኣይክሕድን ።እቲ ኩሩዕ ህዝቢ ዓፋርን ህዝቢ ኩናማን ድኣ፣ህዝበ ዓፋርኛን ህዝበ ኩናምኛን ተባሂሉ ዘይጽዋዕ___ብዝኾነ ኣነ ሓሳብ ምጥርናፍ ጸገም ስለ ዘለኒ ባዕልኻ ቅደም ተኸተል ኣትሕዞ።
    በቲ ናይ ወያነ ዝሓተትካኒ ድማ ክብረት ይሃበለይ፣ወያነ ኩሉ ዝገብርዎ ነገር ንህዝቢ ትግራይ፣ ብዓቢኡ ክኣ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዘርብሕ እዩ።ኣብ ሳሕልን ዝተረፈ መሬት ኤርትራን ክቡር ደሞም ዝዛሕዝሑ ብወት ሃደራዊ ስትራተጅን ብንትግራዋይ ህዝቦም ፣ሓው ጎረቤትን ንምጥራይ እዩ ። ዶብ ተሓንጺጹ ማለት፣ ኣብ ልብን ፍቕርን ኤርትራን ትግራይን ዶብ ተሓንጺጹ ማለት ኣይኮነን ስለ ዝኣምኑ ድማ ህድእ ኢሎም ድኽነት እናወገዱን ትምህርቲ ዓለም እናማዕበሉን ሃገሮም የምሓድሩ ኣለዉ ።ህዝቢ ኤርትራ ፣ብሕልፊ ድማ ፤እዚ ናይ ከበሳ ትግራዋይ፣ኣጀንዳ ሃጸ ሚኒሊክን ሙሶሊኒን ዘካይድ ዘሎ ፣ጽባሕ ንግሆ ነቲ ብፋንታሲ ዝበልዖ ስፓጌቲን ላዛኛን ምስ ደጕሖ ናይ ቀደሙ ናይ ትግራውነቱ ሽልጆን ጥሕሎን ቃተኛን ጸብሒ ደርሆን ከም ዝተርፎ ይኣምኑ እዮም ።ዘሊሉ ዘሊሉ ድማ ከም ትሓሳማይ ጓሳ እቲ ምስሑ ዝበልዎ ድራሩ ንኽህብዎ ከም ዝልምን ይፈልጡ እዮም ። ናይ ፕረሲደንት ኢሳያስ ሻዕብያ ግን፣ሽዋ ከይዳ ዘውዲ ሃገራ ክሳዕ ትጓናጸ ፍኣንጻር መንግስቲ ሃገራ( መንግስቲ ኢትዮጵያ )ሓንሳእ ንኣልሸባብ እናልኣኸት ሓንሳእ ናይ ኦሮሞ እናልኣኸት ናይ መጨረሻ ዕድላ ክትፍትን እያ ።ክሳዕ ሽዑ ድማ ንሕና ደገፍቲ ህግደፍ ንኹን፡ ተቓወምቲ ህግደፍ፣ ኣብቲ ርእስና ጽልኢት ትግራዋይ መንነትና ስለ ዘለና፣እዞም ርጉማት ዓጋመ እናበልና ክንነብር ኢና ።ወረ ነታ ላምፔዱሳ ዝጥሓለት ጃልባ ንዓጋመ ዘየላገብናሎም ገሪሙኒ ኣሎ ኣነ። ወያነ ይኹን ሻዕብያ ደምሒት ኩሎም ኢትዮጵያዊ ሓይሊ እዮም፣ንሕና ድማ ንዘይጠፍ ኣና ነጻነት ዝጠፋእናን ንጠፍእ ዘለናን ኮንዶም ኢና ።ክሳዕ ልቢ ንዕድግ ድማ ክንጠፍእ ኢና።

    እንደገና ክብረት ይሃበለይ ይብል
    ሓውካ ምሕረቱ ሃብተ

    • Gebez October 28, 2013

      1000 ዓመት ንበር!! ናይ ብሓቂ ንመልስኻ ክፅበ እየ ውዒለ::

      • ሽዋይነሽ October 28, 2013

        ከምታ ዝጠርጠርክዋ!
        እሞ,
        “ሰው ጥራ ቢሉት….” በለኸ ኣምሓራይ! ዘበለኒ;.. .. እቲ ዛጉጤ ገብሩስ (ተሰሚዑ ንዘይፈልጥ ስም “ገገማ” ወይ ፋራ “ዛጉጤ” ይበሃል ኔሩ ኣብ ዓዲ ኣምሓሩ.)ህሩግ ኢሉልካ ኣሎ, ነታ ክትሰምዓ ትደልያ ሃጠው-ቀጠዉ ደስኲርልካ እምበኣር!

        (COW FACE = ዘገንፎ ወያነ, ፍንጭሕ ኢልካ ተሓጐስ ከኣ,ዋላ ሓደ ከበርካ ዝወስድ እናተሳእነ ምስ መጸ, Gebez ኢልካ ባዕልኻ ሓቲትካ, ንነብስኻ ትምልስ ከም ዘልኻ ኣይገጠምናካን፣ ኣጆኻ !)

        ድላይካ ተቓወም ግዳስ ክቡር መስዋእቲ ንዝኸፈል ህዝቢ ኤርትራ ጎጃጂልካ ክተዋርድ ኣይፍቀድካን እዩ.

        • COW FACE October 28, 2013

          ዝኸበርኪ ሽዋይነሽ፣

          ከምዚ ትኸስኒ ኣይገበርኩን።ኣነ ሓደ ኣብ ሂወቱ ብሓዳሩ ከም ብዓል ቤት ይኹን፣ ከም ሓው ከም ኣቦ እውን ብዙሕ ጌጋታት ዝገበርኩን ዝገብር ዘለኹን ውልቀ ሰብ ።ዳሕራይ ዋላ ከምዚ ዝበልክዮ ዝገብር ወራዳ ´ውን እንተዝኸውን ነቲ ኣነ ዝብሎ ዘይትፈርድዮ ፣መለስ ነታ ¨ነጻነት¨ ብፊርማ ክተዅባ ከሎ ድኣ፣ናይዚ ዓጋመ ፊርማ ኣየድልየንን እዩ ዘይትብሊ ። ዘጎንፎ ዕቡድ ተመሲሉ ንቑሕ ኤርትራዊ ፖለቲከኛ ዝነበረ ሰብ እዩ ።ንሱ ብዘየገድስ ግን ብፍላይ ሓንቲ ድቃስ ትኸልኣኒ ጉዳይ ኣላ ።ሽማ ኣይዝክሮን፣ ግን ኤርትራዊት ጓል ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት እያ ኔራ፣ኣብ ሊብያ ቤትማእሰርቲ እያ ተኣሲራ ኔራ ።እናነብዔት፣ምሸት ምሸት ካብ ዓሰርተ ዘይውሕዱ ዋርድያ ቤትማእሰርቲ ሊብያ በብተራ ከም ዝዕምጽዋ ክትገልጽ እንከላ ኣንኳይዶ ኤርትራዊ ኣቦ ከምዚ ኸማይ ፣ንማንም ሕልና ዘለዎ ፣ዘይምልከቶ ሓንጎልካ ዘናውጽ ናተይ ፐርሶናሊቲ እኮ ኣየገድስን እዩ። ንስኺ እውን እዚ ብሽም ግመ ኤርትራን ዓጋመን ወያነን ተሸፊኑ ዘሎ ሓንጎልኪ፣ነቲ ግመ ግልህ ምስ ኣበልክዮ እቲ ሕያዋይ ኤርትራዊ ሕልናኺ ከም ዝምለስ ኣይጠራጠርን ።

          ኣቦኽን ሓውክን
          ዘገንፎ __ ምሕረቱ ሃብተ

          • ሽዋይነሽ October 29, 2013

            ኣየኸ ፑትልክና “ንቕሓት” ወያነታይ !

            “ዘጎንፎ ዕቡድ ተመሲሉ ንቑሕ ኤርትራዊ ፖለቲከኛ ዝነበረ ሰብ እዩ ።” ዲኻኸ ዘልካ !

            ዘገንፎስ´ወ ንኤርትራና ብጥበብ ዝተጋደለ ጅግናና´ዩ ኔሩ፤ ኣብሾ-ወያነ ንስኻ ግና፣ ከምታ ላይ ኣያታትካ…ል ማ.ሌ.ሊ.ት.ኩም ብዝፍድሕ ዕሽነትካ ኣይከኣልካዮን´ንበይ።

    • MightyEmbasoyra October 28, 2013

      Sometimes I wonder if cow face is the one and only one, isayas. You really want Ethiopia to take over Eritrea, again? Isn’t that what isayas’s day dream? I hate to let you know but this won’t happen. Sorry.

      • COW FACE October 28, 2013

        MightyEmbasoyra ,

        My respect to you.ShaIbiya is Ethiopian ,so I do not get your point.
        It is not what I want ,it is what is in front of your eyes .Hope you see it.

      • Kalighe October 28, 2013

        COW FACE is a strange person, a someone said he is ‘zogonfo weyane’.
        He says Shabia is Ethiopian and that is his problem. On the other hand,
        he think Meles has made a mistake by agreeing to Eritrean independence.
        When Melles died this is what he wrote [melkes ni Melles]:

        “ኣነስ ´93 ዝፈረምካለይ ኣይቀደወንን, ንቑልቁል ኣቢሉ.
        ቀደም ታሪኸይ ኣብ ´81 ናብ ጽልእን ሓሶትን ተቐይሩ.
        ደቀይ እንተልኩዎምሲ ,ናብ ደቂ ሕድርትና ዝቕየሩ.
        ንዘይትዓለመ ወዲ 70 ዓመት ብረት ዝዕድሉ.
        ህዝቢ ሓድሕዱ ክዋጋእ ዕግርግር ዘብስሉ.
        እታ ፊልሚ (film) ሪኤያስ ናውቲ ኸብደይ ተገማጢሉ.
        ዕንወት ይመጽእ ኣሎ made in ደቀርብዓ ዝምስሉ.
        መለስ ንኣኻ ኣይኮነን, ንህዝቢ ኤርትራ እዩ ዝብከየሉ!
        ምሕረቱ ሃብተ ጳውሎስ – ዘብሄረ Edmonton Canada.”

        ብዙዎችም በዚህ የንስሃ መስመር እንደሚከተሉ ተጠባበቅ, አንተም ከእነሱው ተማር!!

  • eritrean October 28, 2013

    I think, you guys need to get jobs or get yourselves to psychiatrists. What a bunch of crazies. Too much time on your hands is driving you nuts. Get busy!

    • ፋሲል October 28, 2013

      eritrean:

      ግርም ኣለኻ !
       
       

Post a Reply to michael tedla Cancel Reply