Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣጀንዳ ኢሳይያስን ጭፍርኡን፡ ብመራሕቲ ተቓወምቲ ዉድባት ኢትዮጵያ ይኽሻሕ

ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ወይ ኮንፈደረሽን ከምእትሓብር ምግባር ፕረዝደንት ኢሰያስ ካብ ጽባሕ ናጽነት ኣትሒዙ ከም ቀዳማይ ኣጀንድኡ ብምሓዝ ክሰርሓሉ ከምዝጸንሐን ሕጂ`ዉን ይሰርሓሉ ከምዘሎን ኣብርሃም ያየህ ዝተባህለ ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይ'ቲ ብግንቦት 7 ዝፍለጥ ኤርትራ

ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ወይ ኮንፈደረሽን ከምእትሓብር ምግባር ፕረዝደንት ኢሰያስ ካብ ጽባሕ ናጽነት ኣትሒዙ ከም ቀዳማይ ኣጀንድኡ ብምሓዝ ክሰርሓሉ ከምዝጸንሐን ሕጂ`ዉን ይሰርሓሉ ከምዘሎን ኣብርሃም ያየህ ዝተባህለ ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይ’ቲ ብግንቦት 7 ዝፍለጥ ኤርትራ ዝመደበሩ ተቓዋሚ ዉድብ ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ንዉድቡ ብምዉካል ምስ ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ካብ ቅድሚ 12 ዓመታት ከካይድዎም ዝጸንሑ ምስጢራዉያን ርክባት ዕምቆት ብዘለዎ ዝርዝራዊ ጽሑፍ ኣብ ኣዉራምባ ታይምስ ዝተሰምየ መርበብ ሓበሬታ ብምዝርጋሕ ኣቃሊዑ።

ንሱ ኣብ መግለጺኡ፡ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ኤርትራ (ብፍላይ ኢሰያስን የማነ ማንኪን)፡ ንምእማኑ ክሳዕ ዘጸግሞ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ከምዝስቑርቆሩን፡ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ይኹን ኮንፈደረሽን ኤርትራ ክትሓበር ካብ ጽባሕ ናጽነት ኣትሒዞም ከምዝሰርሑን፡ ብሰሪ ዕንቕፋት መለስ ዜናዊ እዚ ሕልሚ’ዚ ጋህዲ ክኸዉን ከምዘይከኣለን ኣረዲኡ። ንሱ ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ኣብ ዝነደፈትሉ እዋን፡ ኢሰያስ ንዓንቀጽ 39 ካብቲ ሕገ-መንግስቲ ክትለግስን፡ ክልላት ኣብ ክንዲ ቋንቋ ብጂኦግራፊያዊ ኣቐማምታ ተኸፋፊለን ክመሓደራ ተባሂሉ እንተተኣሪሙን፡ እቲ ስርዓተ-ምሕደራ ንኤርትራ’ዉን ዘይሕዉሰሉ ምኽንያት ከምዘየለ ዋላ’ኳ ደጋጊሙ እንተገለጸሉ፡ መለስ ግን ካብቲ ዝነበሮ ተሪር መርገጺ ሕድገት ክገብር ፍቓደኛ ኣይነበረን ኢሉ።

ንሱ ኣስዒቡ ` መለስ ሕልሚ ዓባይ ትግራይ ብዘይ መሰል ምግንጻል ክዉን ክኸዉን ስለዘይክእል ሕድገት ክገብር ፍቓደኛ ብዘይምንባሩ፡ ምስ ኢሳይያስ በዚ ምኽንያት ኣብ ዓቢ ዘይመቅዳ’ዉን ዘእተዎም ቀንዲ ምኽንያት ምንባሩ ኣብ ዋሽንግተን ምስ የማነ ገብረኣብ ኣብ ዘካየዶ ምስጢራዊ ርክብ ክርዳእ ከምዝኸኣለ ኣኸሺሑ ኣሎ። ንሱ  ኣስዒቡ “ካብቲ ዝገረመኒ ነገር፡ እቲ ንኤርትራ ዝመርሕ ኢሰያስ ዓባይ ኢትዮጵያ ክርኢ ክሓልም እንከሎ፡ እቲ ንኢትዮጵያ ዝመርሕ መለስ ግን ዓባይ ትግራይ ምሕላሙ ኢዩ።“ ይብል።

ንሱ ኣብ’ቲ ልዕሊ 30 ገጻት ዝሓዘ ገና`ዉን ዝቕጽል መግለጺኡ ብኸመይን ኣበይን ምስ ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ከምዝተራኸቡን፡ ኤምባሲታት ኤርትራን ነዚ ርክባት ኣብ ምጥጣሕ ዝነበረን ተራን ብዝርዝር ገሊጹ ኣሎ። ብፍላይ እኳ ይብል፡ የማነ ገብረኣብ(ማንኪ) ነዚ ዕማም ኣብ ምስልሳል ናብ ወጻኢ ሃገራት ብብዝሒ ብምምልላስ ምስ ሓያለ ካብ መራሕቲ ዉድባት ኢትዮጵያ ርክባት ከምዘካየደ ኣረዲኡ።

እቲ ብኣብርሃም ያየህ ዝቐረበ ሰነድ፡ ነቲ ን12 ዓመታት መመላእታ ሓያለ ኤርትራዉያን ስለምንታይ ኢሰያስን ጭፍርኡን፡ ቍዋም ይኹን ባይቶ ዘይብላ ብምፍጣር፡ ነዚ ኩሉ ዕንደራን ምሕረት ዘይብሉ ጭቖናን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ የዉርዱ ኣለዉ ዝብል ሕቶን፡ ኣንፈት ኤርትራ ናበይ ምዃኑ ብዘየዳግም መንገዲ ምላሽ ረኺቡ ኣሎ ክብሉ ገለ ካብቶም ነቲ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ቀሪቡ ዘሎ ሰነድ ዘንበቡ ሰባት ርእይትኦም ገሊጾም ኣለዉ።

ኣቐዲሙ መለስ ዜናዊ ምስ ወኪል ስለያ ኣመሪካ ፖዉል ሀንዘ ኣብ 1990 ዓ.ም ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መጠየቕ፡ ድሕሪ ዉድቀት ስርዓት ደርግ ዕጫ ኤርትራ እንታይ ከምዝኸዉን ኣብ ዝተሓተተሉ፡ ”ጽቡቕ ርክብ’ዩ ዘለና ኣብ ናጽነት ኤርትራ ዘለዎ ስክፍታ ድማ ኩሉ ሳዕ ምስ ኣካፈለኒ ኢዩ።ህዝቢ ኤርትራ እምበር ኢሰያስ ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ክትንጸል ኣይደልን ኢዩ። ” ክብል ከምዝተዛረበ ይዝከር።

ብዘይካ’ዚ ኣብ 1993 ኢሰያስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ወግዓዊ ዑደት ኣብ ዝፍጽመሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኤርትራ ዋላ’ኳ ኣብዚ እዋን ናጽነታ እንተኣወጀት፡ ክንዲ ዝወሰደ ግዜ ይዉሰድ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብቑጠባን ፖለቲካን ንኽትሓብር ዓቢ ተኽእሎ ኣሎ። እዚ ድማ ንስለ ፖለቲካዊ ሃልኪ እንዛረቦ ዘረባ ዘይኮናስ ኣሚና ብዕቱብነት እንሰርሓሉ ጉዳይ ኢዩ ክብል ብዕሊ ገሊጹ ኔሩ’ዩ። እቲ ሽዑ ዝሃቦ መግለጺ ብቪድዮ ስለዝተሰነደ ኣብዚ ሊንክ ንምዉካስ ይከኣል። https://www.youtube.com/watch?v=rthKX-ymawE

ዝኸበርኩም ኣንበብቲ እቲ ብኣብራሃም ያየህ ዝቐረበ ሰነድ ህልዉ ኩነታትና፡ ናበየናይ ኣንፈት ነምርሕ ከምዘለናን ብዕቱብ ንምርዳእ ዓቢ ኣበርክቶ ስለዘለዎ፡  ትርጉሙ በብኽፋል ከነቕርበልኩም ክንፍትን ኢና።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
61 COMMENTS
  • Belay Tewlede October 28, 2013

    Isayas, this means you have not heard Isayas saying, ‘ms rthiopia b’federation zeynhabrelu miknyat kihlu aykielin’ this was ca 1994. Again Isayas as a person only wanted to rule Eritrea and Ethiopia together, and as a eprson With an Ethiopian origing he seeks to make his motherland a (great nation). So, try to assess Your thinking!

  • senay October 28, 2013

    Thank you Abraham Yaye, reading the entire report he wrote blows your mind. This is the biggest wakeup call for Eritreans. For Eseyas to realise his dream he has to wipeout the generations of Eritreans that he sees as a hindrance. I am puzzled.

  • Belay Zeleke Kebede October 28, 2013

    Abraham Yayeh is excellently qualified in the art of fabricating stories.So this fairytale is just nonsense and must have been cooked by Abraham Yayeh himself.

  • COW FACE October 28, 2013

    ” ነብዪ ኣብ ዓዱ ስለ ዘይክበር፣ድሓን ይቕረ ይብለልኩም ”

    እወ ኣብርሃም ያየህ፣____ በቲ ጎራሕን ምሁርን ወዲ ዓድዋ፣ንሱ ከይኣኽሎ ድማ ኣብሓጉኡ ድማ እንግሊዛዊ እዮም።እዚ ሕጂ ከም ሓድሽ ነገር ኬርኩም ተቕርብዎ ዘለኹም ኣነ ንዓመታት ኣብ ኣዝማሪኖን ዓዋተን ይኹን ኣብ ኣሰና ክብሎ ሓግየን ከሪመን እየ ።ወርሒ ኣይገብርን ብዛዕባ ናይ ኣቢስያናዊት ሻዕብያ ፣ምስ ወያነ ዘለዋ ቅራኔ ናይ ኢትዮጵያ ምግዛእ ቅድ ድም እዩ እዩ።ቃልሲ ኤርትራ ኣብ ሰብዓታት ተጨውዩ ናብ ኣቢስያናዊ ቃልሲ ተቐይሩ ኢለ ምሂረኩም ኔረ።ግን ኣነ ሓደ ኣቦኹምን ሓውኩምን ሓማሴናይ ሓሻካ ስለ ዝኾንኩ ናይ ኣብርሃም ያየህ ብርቂ ኮይኑኩም።ድሓን ይቕረ ይብለልኩም ።
    እንታይ ዓይነት ሃገራዊ ገድሊ እዩ ካብታ ኣንጻር እታ ዝዋግኣ ዘሎ ሃገር ፣ውድብ ኣእትዩ ሃገራዊት ውድብ ዘጥፍእ ።እቶም ወያነ ንጀብሃ ክወቕዑ ኢሎም ክኣትዉ ከለዉ ነቲ ኣጀንድኦም ዘስርሕን ፣ ከምኦም ኢትዮጵያዊት ዝኾነት ውድብ (ሻዕብያ)ሓጊዞም ንኤርትራዊት ውድብ ጀብሃ ክወቕዑ መዲቦም።ከም ኢትዮጵያዊ ውድብ ዘዋጽኦም ጌሮም ።ኣብ ጊዜኡ ከም ሞት ጸሊኤዮም ኔረ ። ሕጂ፣ ንህዝበይ፣ ህዝቢ ኤርትራ የዕቁቡ ስለ ዘለዉ ላቺ እግሮም ተደቢረ ምኣሰርኵዎ፣ካብ ህዝበይ ንላዕሊ ዝፈትዎ ስለዘይብለይ።

    ንሕና ንኢትዮጵያዊት ሻዕብያ ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ከነሕኩር ከም ኮንዶም ኴንና ከም ዘገልገልናን፣ነገልግል ከም ዘለናን ንምንታይ ዘይበርሃልኩም ኣሕዋተይን ደቀይን ፧
    ወያነ፣ኣጀንዳ ሻዕብያ ስለ ዝገጠመት እኮ እያ ፣ቅድሚ ሬፈረንደም፣ነፍስ ሄር መለስ ዜናዊ ንሕቡራት መንግስታት እናደወለ ፣ምዓስ ኢኹም እዛ ኤርትራ ትብሃል ጉሓፍ ቆሪጽኩም ትጉሕፉልና ዝዓይነቱ ምንውናው ዘቕርበሎም ዝነበረ።ብኡ እዩ ድማ ተቓላጢፉ ብሬፈረንደም ጌሩ ዘፋነዋ ።
    ባጤራ ኤርትራ ንኽሕተም ኢሳያስ ኣይደለየን ኔሩ፣ብዝክኣሎ ከደናጕዮ ፈቲኑ፣ግን ጸቕጢ እዞም ሕጂ ኣሲርዎም ዘሎ ጂ-15 ን ህዝብን ስለ ዝበዝሖ ኣሕቲምዎ፣ኢሳያስ ናይ ዘይኣምነላ ሃገር ገንዘብ ክወጽእ ዘሄውኾ ኣይነበረን።እዚ ውዲት እዚ ግሁድ ስለ ዝኾነ እዩ ኣሜሪካ ኣብ 1993 ቅድሚ ሰብ ሃገርነት ኤርትራ ዝኣመኑሉ።እዚ ነጻነት እዚ ብጀብሃ ተዛዚሙ ኔሩ እንተዝኸውን ፣መለስ ነጻነትና ከይፈረመ ከሎ ኣሜሪካን እስራኤልን ባዕሎም ብድሮን ጌሮም ምቐተልዎ።እዛ ሃገር ክትከውን ዘይግብ ኣ ክብል ከለኹ እኮ ነቲ ጉዳይ በቲ ካብ ናይ ሙሉእ ኤርትራዊ ዝበልሔ ሓንጎለይ ስለ ዝበጻሕኩዎ ጥራይ እዩ።
    እቲ ወያነ ኣእትዩ ሓቀኛ ገድሊ ኤርትራ ዘስጐጐ ሻዕብያ ፣ሕጂ እውን ደምሒት (ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ትግራይ)”ተቓዋሚ” ሓይሊ ኣብ ኣስመራ መንእሰያት ኤርትራ ይገፍፍ ኣሎ። ደምሒት ንኣቢስያናዊት ሻዕብያ ህግደፍ ጓል ሃገሩ ንምድጋፍ ዝገብሮ ስለ ዝኾነ ክገርመና ኣይግባእን። እንታይ ኢኹም ትጽበዩ ዘለኹም ፧ ሻዕብያ ኣንበሳ ዘለዋ ባንዴራ ኢትዮጵያ ኣውጺኡ ክሳዕ ዘንበልብላ ።እቶም ደቀንስትዮና ብድሙ ድሙ እንዳባላሸዉን ፣ሃገረሰብ ኣዝማድና እናጨወዩ ዝሞቱ ተጋደልቲ ኣዝማድና ዕላምኦም ኣስላማዊት ጀብሃ ኣጥፊኦም፣ ሓቀኛ ክርስትያናዊት ውድብን ሃገርን ንምቛም ቅዱስ ቃልሲ ከም ዘካየዱ ኣይጠራጠርን ።ግን ናይ ሃቐነ ዘይኮነ ናይ ሪያሊቲ ጉዳይ እዩ።ንመንደፈራ ክኸይድ ደልየ ግን ኣብ ክንዲ ብብሎኮ ጎዳይፍ፣ብብሎኮ ዓዲ ኣቤቶ ወጺኤ፣ኣብ ክንዲ መንደፈራ ከሰላ እየ ዝኣቱ። ዘረባ ለባማት ከይሰምዕ ብእኡ ጌረ ሰላሳ ዓመት እንድሕር ተጓዒዘ ድማ ምዕራብ ኣፍሪቃ _ ላይበርያ እየ ክበጽሕ።እቶም ብኳደረ ኣገዲዶም ምግቢ ሓረስቶት ዓድና እናመንዝዑ ፣ህዝብና እናጨወዩ ፣ዝተቓለሱልና ተጋደልትና፣ንኢትዮጵያ ኢዮም ዝቃለሱ ኔሮም ።እወ ኣብርሃም ያየህ ቁሩብ ሓሶት ጥብ እናበለ ዝዛረብ ሰብ እዩ።እዚ ግን ሮኬት ሳይንስ ዘየድልዮ ሓደ ኮርዒዳ ሓሻካ ከምዚ ከማይ ቀደም ዝገጠሞ እዩ።ሓስየ እንተኾይነ ሓሲኻ በሉኒ። ሓቅኻ እኳ ብዙሕ ኣይጽበያን ።ምስኪናይ መንእሰይ ህዝቢ ኤርትራ፣ህዝበይ ግን ብሰንኪ ተኳን ሓንጎሎም መንነቶም ዝጸልኡ ከበሳውያን ተጋሩ (ህዝበ ትግርኛ )ኣቦታቱ ይጠፍእ ኣሎ፣በቶም ትግራዋይ መንነቶም ዝኾርዑ መረብ ምላሽ ዘለዉ ኣቦታቱ ግን ይክሓስ ኣሎ ይዕቆብ ኣሎ። እዞም ተረፍ ጣልያን ኣቦታቱን ኣዴታቱን ግን እቲ መቐለን ዓዲ ግራትን ዓድዋን ዘሎ ዓንጋሊኻ እዩ ጸላኢኻ ይብልዎ ኣለዉ ።ምስኪናይ መንእሰይ ኤርትራ ተዳናጊሩዎ።
    ሻዕብያ ንወያነ ዝጸልኦም ናይ ክልል ፖለቲካ ጌሮም ኢትዮጵይኡ ከይፍንጥሕሉ ስለ ዝፈርሔ እዩ።ምኽንያቱ ባባ ኢሳያስ ኢትዮጵያ፣ከም ንጉስ ኮይኑ ክገዝኣ እዩ ዝደሊ።

    ስዉኣት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሲእኩም ሓቁ እዚ ሰብኣይ በሉኒ ፣ምኽንያቱ እቶም ኣሜሪካን ካናዳን ዘለዉ ጀብሃ ነበር ፣ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ሙታንታ ኢትዮጵያዊት ሻዕብያ ኮይኖም እዮም !!!

    ኢሳያስ ኣፈወርቂ ጥራይ ብጥበብ ዝበልጾ
    ኣቦኹምን ዓ ቢ ኣያኹምን
    ገጽ ላም ዩጎዝላቭያ ኤርትራዊ ምሕረቱ ሃብተ

    • ghenet October 28, 2013

      Mehretu,
      we miss your ‘gtmitat” please give one to our Lampadusa victims.

      • COW FACE October 28, 2013

        ዝኸበርኪ ገነት ፣

        ምናልባሽ ኣየድሃብክላን ትኾኒ እምበር ብዕለት October 14, 2013 ካብ ልበይ ተተንኪፈ ገጢመሎም ኔረ ፣ምናልባት ከየንበብክያ እንተሓለፍኪ እንሃ እንደገና ።ክብረት ይሃበለይ።

        COW FACE on October 14, 2013 at 3:04 pm said:
        I HAVE NO TEARS LEFT TO OFFER ,MY CHILDREN& YOUNGER BROTHERS & SISTERS OF ERITREA,INSTEAD THIS POOR POEM SAYS HOW I FEEL.
        I TAKE PARTIAL RESPONSIBILITY FOR YOUR DEATH…

        ስቕ ክብል እንተልኩስ ___________ ስቕ ዘይተብሉ
        ኣብ ተለቪዥነይን_____ኣብ ኣሰና ዌብሳይትን ትቃላቐሉ
        ናይ ሲናይ ከለንስ ___ላምፔዱሳ ሓድሽ ዳስ ሓዘን ትተኽሉ
        ኣብ ገረገር ኣንቢዑኒ _______ኣሎ፣ ስእልኹም ተሰቒሉ
        ዩ _ትዩብ ርእየኩም ____ቅድሚ ምጥሓልኩም ክትሻቐሉ
        ንሕና ኢና ኣቕቲልናኩምም ___ንኻልእ ሰብ ኣይተላግቡሉ።

        ሎሚ ኣብ ኣሰና _________ብኮሜንት እንተተዋራዘና
        ሓራግጽ ዘዕበናዮም __ኣብ ጽልኢን ፍልልይን ተመርኲስና
        ውላድ ሓረስቶት ___________ ቅድሚ ነጻነት ዘዕነና
        ሕጂ ኣብ ቆለውዕ ኣስመራ_______ኣትዮም እንተጽነቱና
        ኣይፈለጥናን ፣መሲሉና ኔሩ__እንተልናኩም ከይትኣምኑና
        ደቂ ሓምሳን ልዕሊኡን ___ብቕዝፈትኩም ተሓተትቲ ኢና።

        ገድሊ ኣይቀየረን ________ካብ ናይ ሰብዓታት ገበናቱ
        ህዝብና እናጨወየ፣__ ቆለውዕ ፈጊሩ፣ሓለዋ ሰውራ ዘእቱ
        ደቀንስትዮ ብድሙ ድሙ ኣራኺሱ ሰውራዊ ኣመንዝራነቱ
        ድፋዓት ባድመ ይቕጽል ኣሎ _ሕጂ እውን ጋህዲ ተኸሲቱ
        ምሽክን መንእሰይ ኤርትራ፣ ብገዛእ ወለዱ ንሞት ተፈሪዱ ።

        ክልተ ሰሙን ከነዕገርግር ኢና ___ብናይ ኢሞሽን ጠራዕራዕ
        ድሓር ግን ክትሃሱ ኢኹም፣__እንደገና ክትኣትዉ ናብ ጠላዕ
        ንወዲ ህዝቢ፣ንወዲ ዓሊ ሕተቱ____ ኣይትኺዱ ኣብ ካልእ
        መሳርሒ፣መጽረፍ ኢሳያስ ክትሕግዙ ____ንሱ ክሳዕ ዝርሳዕ
        ክሳዕ ካልእ ጃልባ ተገልቢጣ፣ ወይ ትጥሕል____ ወይ ትባራዕ
        ክንጫማልቕ ኢና___ከም ኣመልና ኣብ ወገንነት፣ክንማራሳሕ
        ንስኹም ሙማት ኣይትሕመቑ፣ንሕና መዛረቢ ስኢንና ከይንባላዕ ።

        that was the poem ,as usual & as a responsible Eritrean I put the blame where it belongs .Slave minded ,My age bracket “Hizbe Tigrinyas “

    • ahmed saleh October 28, 2013

      pls cow face , don’t you know how sweet it can be if you use the one and only beautiful name MEHRETU HABTE .
      You already made many friends in this forum from your long time contributions. When you chase names we lost
      each other in between.

      • COW FACE October 28, 2013

        Brother Ahmed ,

        The name Yugoslavo Eritrean was put as a warnning to all of us ,the Yugoslavya /Somalia EPLF/PFDJ has been cooking for us for so long .Cow face is just a silly catchy name to draw people to my opinions .It did work .Brother ,you know who I am & that is good enough with me.

    • ERITRAWIT October 28, 2013

      Ato Mehretu,I’m speech less demhit are controlling Eritrea you are write we are waiting for Etio flag!!!!!! what a shock it will be if we don’t do anything but can you tell us what we should do?

      • COW FACE October 28, 2013

        Thanks Eritrawit ,

        I love Ethiopia & Ethiopians ,I exited through the door in 1993 ,I have no intention going back through the window ,as a condom of Abyssinyan ShaIbiya.
        If I go back I want to go back through the door I exited !!!

        thanks

  • Olana October 28, 2013

    Anyone can write whatever he/she wants but it should be related to the reality on the ground. Do you think Melese would sacrified his life for the development of Ethiopia, if he had the plan for abay Tigray. It has never been an agenda in the TPLF. It is just a dream of some dreamers like Abreham Yayeh and some half-casted Eritreans who does not want to loss thier identity. More than 90% of the mega projects underway in Ethiopia are outside Tigray. Esayas used to say that federation or confederation is possible with Ethiopia. And I don’t see any problem with that. But with current Eritrean generations who are still in the Gedli mentality it would be immpossible to have any kind of normal cooperation let alone federation or confederation. Yes it is true that Esayas always wants to rule the whole Ethiopia which includes Eritrea but that will not be realised as long as Eritreans do not come to thier senses to think federation or confederation or unity is possible in countries who believe in democracy and equaliy. For the time being I believe Ethiopia is better off without Eritrea; and there is no reason why any kilil(biher) wants a secession from Ethiopia to join Eritrea or sudan or Kenya or Djibouti. Dear Assennas shame on you to think to post an article written by a losser and oppose anyone who thinks federation or confederaion between the two countries. Please don’t live in the Gedli Mentality. There is time for change. Let’s think of the real reality on the ground and try to sort out how to live in the future with neighboring countries and people, offcourse, after Esayas. As to me I prefer an independent, peaceful and democratic Eritrea with leaders who believe in cooperation and mitual benefit in a give and take transactions with any other country.

    • Tamrat Tamrat October 28, 2013

      If meless was as dumb as you he could have tired to turn Abay flow to tigray and make the mega Power plant there. But he is a bit smarter than you he planned the dam at its Natural Place and export the Power produced by blood and sweat to the mass and use the Money for tigray first policy.

      Moron, how come you say meles did not build the mega powr plant in tigray. He made tekeze 400 mw, and only yeaterday the New prime inaugrated the the 120mw Wind farm. Dont get me wrong this is good. but the Money came by selling the land of non-tigrians. Think of your meless had done to all states all what he has done for tigray, then you could have said he sacrificed for Ethiopia. But not. Meless obssestion for tigray first is one fo the reasons why the problems between Eritrea and ethiopia is agravating after 1991.

      • Olana October 28, 2013

        Dear Sir

        I know what you have been writing on many www reflects how uncivilized and rude you are and all your responses are not related to the issue under discussion. Your hate toward Tigrians blinded you and your mind but I can assure you it will not take you anywhere. If you are Habesha (I suspect you are an Eritrean)do not fail our good culture of respecting others and you have to support your arguments with evidence instead of insulting others. Before you respond try to understand what the writer tries to say.

  • dagnew October 28, 2013

    bullisht…abraha yayeh is obsessed with meles. whether esayas is there or not, whether it is with shabia or not, TPLF well understood the wish of eritreans. melese never worked for the seccession of eritrea, but to put forward the right to independence. all the frame work had been in place including article 39 for eritreas to choose their options. but guess what, isayas and his cos abused it. Untile that stupied war broke out cutting the two nations hard. isaias ofcourse he fought for 30 years to see an independent erirea. and thats why dozens paid the ultimate price for it. But, the problem was, isaias never thought of democracy or the future economic situation of eritrea post independece. If eplf was democratic, all options could have been debated before eritreans were rushed into choosing between independence or SLAVERY. It was all rush, all emotional and eirtrean intellectuals who could have assessed the real situations were all taken by emotions and followed what this crazy leader chose.
    so like I said,whether isaias was in power or not, who could have stopped the wish of eritreans for independence??? No one, thats why meles looked at things beyond EPLF/PIA. He looked at the wish of eritreans who were volutneering to pay in blood. the only way to stop was to understand the situation and put OPTIONS. and article 39 was written with Eritrea in Mind. but alas, eritreas intellectualsy were never there entertain IDEAS. Ofcourse there were many who never liked the idea of indepenedence but of a federation or something..who spoke to them? who gave them any chance to put their ideas to the front? no one…all went on by crazy and ended up at the oddest crossing point.

  • dagnew October 28, 2013

    continued..
    post the refurrundem, PIA charted out a plan to make eritrea the singapore of africa. But all by exploiting neighbouring countries. those which meles sent to asmaro to attend the meeting were all caught by surprise to find out how the plan is supposed to work. Pure robbery! Gebru Asrat was one who there..who was not happy with the idea.
    any any case, PIA ofcourse worked very very hard for the benefit of an independent Eritrea. but the problem was he was follwoing all the non sense and open robbery. Thats why the badme war had to get ignited. shabia agents, and tigraians were at odds in every grocessery in addis ababa..which interestingly morphed into a full blow war of Badme.

    Point is Isaias had the best vision for eritrea but the worst means to realize it!

  • dagnew October 28, 2013

    continued..now it is too late and you have an independent eritrea with her own flag and problems both up in the air. I thing you guys have paid more than enough. Instead of colliding here and there..why not to start to think clearly and face the front end challenge. The challenge is how to save the people from a total demise. Dont go round the bush tying to get someone to blame. I don’t think you have enough time. be smart as you claim to be !!!

  • dejena October 28, 2013

    ዝከበርካ ሐው አማኑኤል፣ ናይ ቀደም ገዲፍና ትማሊ ትማሊ አብ እምባትካላ ዝተካየደ ናይ 3 መዓልቲ ሰሚናር ብኢሳያስ ዝተመርሔ ብዝተነጸረ አቀራርባ እዚ 30 ዓመት መግዛእቲ ኢትዮጵያ ክብሃል ዝጸንሔ ጌጋ ኣበሃህላ እዩ: ምክንያቱ ኢትዮጵያ አይገዝአትናን ክትገዝአና ዓቅሚ አይነበራን ንዓናን ንኢትዮጵያን ብሐባር አሜርካ እያ ትገዝአና ነይራ ስለዚ ኩልኩም ነዚ ዝጸንሔጌጋ አካይዳ አሪምኩም ኤርትራ ብኢትዮጵያ ከምዘይተገዝኤት ከም እዋናዊ መምርሒ ክስርሐሉ አለኩም ተባሂሉ ተዋሂቡና አሎ። እዚ መደብ መምሪሒ`ዚ ናይ ኢሳያኢሳያስ ጥራሕ ዘይኾነስ እንተላይ ናይ አሜርኻ ምዃኑ ብሩህ ኾይኑ አሎ። ጸገም ኾይነሞ ዘለው ወያነ እዮም እምበር መደቡስ ድሮ አብ ፍርቂ መገዲ በጺሑ አሎ። ምስ አሜሪካን እስራኤልን ኾይኑ እዩ ዝሰርሕ ዘሎ። ተረድእዎ በጃኩም ሃገርና ኤርትራ ሕጅውን ተፈሪዳ እያ። ሽግር ስለዝኾኖም ንቀዳማይ ሚ/ መለስ ዜናዊ ተሐባቢሮም ቀቲሎሞ ሕጂ ዕላምኦም ከተግብሩ ሽግር ዘለዎም ኾይኑ አይስምዓኒን ህዝብናውን ደኪሙ ተሳዒሩ`ዩ ዘሎ። መሪሕነት ወያን`ውን ተዳኪሞምን ተፈላልዮምን ስለዘለው ምርጫታት አሜሪካን ኢሳያስን ከፍተን እዋኑ ዝተቃራረበ እመስል ብሐባር ኡውይ ኡውይ ኡውይ ንበል። ደጀን ካብ አስመራ እየ !!

  • dejena October 28, 2013

    ዝከበርካ ሐው አማኑኤል አሰና፣ ናይ ቀደም ገዲፍና ትማሊ ትማሊ አብ እምባትካላ ዝተካየደ ናይ 3 መዓልቲ ሰሚናር ብኢሳያስ ዝተመርሔ ብዝተነጸረ አቀራርባ እዚ 30 ዓመት መግዛእቲ ኢትዮጵያ ክብሃል ዝጸንሔ ጌጋ ኣበሃህላ እዩ: ምክንያቱ ኢትዮጵያ አይገዝአትናን ክትገዝአና ዓቅሚ አይነበራን ንዓናን ንኢትዮጵያን ብሐባር አሜርካ እያ ትገዝአና ነይራ ስለዚ ኩልኩም ነዚ ዝጸንሔጌጋ አካይዳ አሪምኩም ኤርትራ ብኢትዮጵያ ከምዘይተገዝኤት ከም እዋናዊ መምርሒ ክስርሐሉ አለኩም ተባሂሉ ተዋሂቡና አሎ። እዚ መደብ መምሪሒ`ዚ ናይ ኢሳያኢሳያስ ጥራሕ ዘይኾነስ እንተላይ ናይ አሜርኻ ምዃኑ ብሩህ ኾይኑ አሎ። ጸገም ኾይነሞ ዘለው ወያነ እዮም እምበር መደቡስ ድሮ አብ ፍርቂ መገዲ በጺሑ አሎ። ምስ አሜሪካን እስራኤልን ኾይኑ እዩ ዝሰርሕ ዘሎ። ተረድእዎ በጃኩም ሃገርና ኤርትራ ሕጅውን ተፈሪዳ እያ። ሽግር ስለዝኾኖም ንቀዳማይ ሚ/ መለስ ዜናዊ ተሐባቢሮም ቀቲሎሞ ሕጂ ዕላምኦም ከተግብሩ ሽግር ዘለዎም ኾይኑ አይስምዓኒን ህዝብናውን ደኪሙ ተሳዒሩ`ዩ ዘሎ። መሪሕነት ወያን`ውን ተዳኪሞምን ተፈላልዮምን ስለዘለው ምርጫታት አሜሪካን ኢሳያስን ከፍተን እዋኑ ዝተቃራረበ እመስል ብሐባር ኡውይ ኡውይ ኡውይ ንበል። ደጀን ካብ አስመራ እየ !!

    • COW FACE October 28, 2013

      ደጀና፣

      ነቲ ዝበልካዮ “ንቀዳማይ ሚ./ መለስ ዜናዊ ተሐባቢሮም ቀቲሎሞ” ኣነ እውን ይጥርጥር እየ ።ግን መረጋገጽን ደጋፊ መርትዖ ዘይብለይን ስቕ ኢለ ክዝሕዎ ኣይደለኹን ።Very possible theory ,we never heard about his illness ,just his death .

      ነገራት ኣስፊሕካ ምርኣይ ብጣዕሚ እዩ ጠቒሙኒ ንኣይ

Post a Reply to mik Cancel Reply