Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣዲስ ከምብሓዲሽ(ስ)።

ካብ ዋሺንግቶን ዲሲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ትበርር ነፋሪት ኣላ ዝብል ወረ ካብ ዝሰምዕ ዝሓለፈ እዋን’ኳ እንተ ዘይሓጸረ፡ ኣነስ ቅድሚ ክልተ ሰሙን’የ ባዕለይ ክፍትን ዕድል ዝረኸብኩ። ዝገርመኩም’ዩ! እንዳ ዝናን ባህታን ዝብሉዎ ደኣ እንድዒ’ምበር ንኣይ’ሲ፡  ምናልባት ድሕሪ

ካብ ዋሺንግቶን ዲሲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ትበርር ነፋሪት ኣላ ዝብል ወረ ካብ ዝሰምዕ ዝሓለፈ እዋን’ኳ እንተ ዘይሓጸረ፡ ኣነስ ቅድሚ ክልተ ሰሙን’የ ባዕለይ ክፍትን ዕድል ዝረኸብኩ። ዝገርመኩም’ዩ! እንዳ ዝናን ባህታን ዝብሉዎ ደኣ እንድዒ’ምበር ንኣይ’ሲ፡  ምናልባት ድሕሪ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመታት ስለዝኾነ ግዲ ኾይኑ፡ ኣብ’ቲ ጉዕዞ ኩሉ ነገር’ዩ ሓዲሹኒ። ብዘይ ምግናን ከኣወያ ተቐባሊት ጋሻ ከምምዃና፡ ብጎበዘይ ዝፈልጣዝነበርኩ ኣዲስ ኣበባ’ሲርእሰይ ኣብ ምብርሑ ጸጉረይ ኣብ ምስያቡ፡ መርዓት ሕጽኖት ክሳብ ትመስልኣዝያ ….. ተሓዲሳን ተሃንዲሳን’ያ ….. ጸኒሓትኒ። ንሱ ከይኣኽላ ድማከም’ዛ ቐደም ዘይትፈልጠኒ-ጋሻን ደሃይ ምዕባለ ከምዘይብለይን’ያ ከተዐንዝዘኒ ፈቲና።እንተኾነ ግን ሽሕ’ኳ ንሳ ዝገገየትኒ መሲላ ክትቀርበኒ ዝደለት እንተመሰለት ኣነስ ኣይተሃመልኩላን።ከምብሓዲሽ ተመሊሰ ክርእያ ዕድል ስለዝረኸብኩ’ኳደኣ ግዲ’ብልክን ካብ ዝሓሰብክዮ ኣይትትረፊ’ምበር ኣላሽ ኣይብልን’የ ወድኣይተ እና’በልኩ’የ ህሩግ ዝበልኩዋ።

ዝኾነ ኾይኑ እቲ ጉዕዞ ብዋሺንግቶን ዲሲ’ዩ ተጀሚሩ። ወዮ ቐደም ካበ’ስመራ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብ 153 ብር ወይ ድማ ብፍርቁ (ናይ ተመሃራይ) ዝፈልጦ ዝነበርኩ ናይ ኣየር ትኬት ዋጋ እንተረኸብኩ ሃሰስ ንምባልየ’መስለኒ ድማብመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ክኸይድ ዝወሰንኩ። ስለ’ዚደሃይ ናይ ነፋሪት ትኬት ከጣይቕምስጀመርኩ ኣብ’ቲ ስራሕ ዝሓሸ ሓበሬታ ይህልዎ’ዩ ንዝበልኩዎ ዓርከይ ተወከስኩ። ንሱ ግንቅድሚ ትኬት ምግዛእካ መእተዊ ቪዛ ክትረክብ ኣለካ ዝብል ኣብ ልበይ ዘይጸንሐ ሓሳብ ዱብ ኣበለለይ። ኣነ ድማ ክላ ሱቕ በል በጃኻ ዝሓለፈ’ኣኽለና! ናይ ኣመሪካ ፓስፖርትኮ’ዩ ዘለኒ ክብል፡ ብዛዕባ’ቲ ሓዲሽ ቪቶ-ፓወረይ!!! ኣግሃድኩሉ። ብልበይ ድማ ፈረንሳይ ጥራይዶ’ይኮነትንከንኣመሪካውያን መእተዊ ቪዛ ትሓትትዝብል ብሂል ዘኪረ ተጠራጠርኩ።ነዛ ብሂል’ዚኣ ኣጥሊለ ስለዘይፈልጣ ግን ካብ ኣፈይ ኣየውጻእኩዋን።

ወዮ ዓርከይ ግን ኣንታ ሓውና ኣብ ፓስፖርትኻ ዘሎ ጽሑፍ ብዛዕባ ዝተወለድካሉ ሃገር ኤርትራ እንተኾይኑ ዝብል ቅድሚ ትኬት ምግዛእካ መእተዊ ቪዛ ክትሓትት ኣለካ’የ ዝብለካ ዘለኹ በለኒ’ሞ፡ ሕራይ ኢለ ንግዜኡ ተፋነኹዎ። ካብኡ ናብ ኤምባሲ ናይ ኢትዮጵያ ስልኪ ደዊለ ተወከስኩዎም። ንሳቶም ድማ ብፍላይ ኤርትራዊ መቦቆል ንዘለዎም ገያሾ ብዝምልከት ኣብ ናይ ኢንተርነት ኣድራሽኦም ዘሎ ሓበሬታ ተኸቲለ መእተዊ ፍቓድ ክሓትት ከምዝግብኣኒ ሓበሩኒ’ሞ፡ ክልተ ገጽ ሙሉእ ብኣምሓርኛ ሓንቲ ገጽ ድማ ብእንግሊዝኛ ዝምላእ ቅጥዕታት መሊአ፡ስእለይ ለጢፈ’የ ንኽልተ ሰሙን ኣዲስ ኣበባ በጺሐ ክምለስ ፍቓድ ዝሓተትኩ። …… ጉድ’ዩ!

በቲ ሓደ ወገን ድማ ዘይውዳእ በረኸት ይዓድሎም ኣመሪካ ወላ ሓዲሽ ኩን ደኣ’ምበር ደጊም ወድዓድና ኢኻ። ስለ’ዚ ብመሰረት ሕጊ ዓደ’ቦናዓመት ሙሉእ ስለዝሰራሕካ’ሲሃየ’ስኪ ዕረፍቲ ወሲድካ ተዘናጋዕ ዝብል መሰል ስለዝሃቡኒ’የ፡ ኣብ ክንዲ ዕረፍተይ ደሃይ’ቲ ንዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመታት ደሃዩ ዘይነበረኒ ዓርሰ-መርሲ ክገብር ዝተበገስኩ። እዝጊ’ሃቦም ፈረንጂ ዜግነት ሂቦም ናይ ስራሕን ናይ ጡረታን ዕድል ከፊቶም ክላ በል ንሱ’ኣኽለካ’ሞ ወሰንካ ሓዘልና ኣይበሉንን። ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ……….ነዛ ሂወት ጸጋ…….ዝወሃባ ዋጋ!    ኣብ ኣፍሪቃን ኣብ ኣመሪካን ክሳብ ክንደይ ፍልልይ ከምዘለዎ ክሳብ ዝድንጽወኒ! ሃየ ደኣ ንኣና ምሰል ብምባል፡ እዛ ሂወት ጸጋ ሓጸርን ምቅርትን’ያ’ሞ ዳኒኤለ! ኣስተማቕራ ኢኻ ክብሉ’ዮም ኣሰናቢቶሙኒ። ኣቤ…………..ት!!!  እንዳ ዝናን ባህታን ኣይስምዑ። እዚኹሉ መሰል’ሲ ንዑቑር ሰራዊት ከይብሉ ማለተይ’የ!

ዝኾነ ኾይኑ “በቲ በቲ ወድኽን ይድረረልክን፡ በቲ ሓደ ድማ ሽሻይክን ይዕቆረልክን፡እዋን ምስ ቀውዐት ድማ ለቓሕክን ይምለሰልክን” (ምስላ)። ክሳራ የብልክንን ኣደየ! ከምዝበለቶ መርዓት ንሓማታ፡ ኣነ ድማ እንተኾነ መምለስ እግሪ’ረክብ፡ እንተዘይኮነ ድማ ሰሓቕን ዕላልን ናይ ሰብ ቀደም እኸስብ ብምባል ንነብሰይ ጠቢረ’የ ምስ ስግኣትን ናፍቖትን ናብ ኣዲስ ኣበባ ተበጊሰ፡ ኣብ ናይ ዋሺንግቶን-ዳላስ መዓርፎ ነፈርቲ ኣንጊሀ ዝበጻሕኩ።

እቲ ኣየር ፖርት ኣዝዩ ዓቢ’ዩ። ካብ ማእከል ከተማ ዲሲ ድማ ርሑቕ’ዩ። ዝገደደ ድማ እቶም ሰራሕተኛታት ናይ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዳርጋ ኩላቶም፡ እቶም ገያሾከኣ መብዛሕትኦም ሓበሻ’ዮም ጸኒሖሙኒ።  ስለ’ዚ ብነፋሪት ከይበረርኩስገና ኣብ ዲሲ እንከለኹ በታ ሓምለ 1998 ናብ ዓዲዃላ’ቢለ ዝሰገርኩላናይ መረብ ቢንቶሕጂ ድማ ናብ ራማ ገጸይዝተመለስኩ መሲሉ ተሰመዓኒ። ብርግጽ ከኣታድያስ ዝብል ደኣ’ምበር ዋትዝ’ኣፕ! ዝብል ድምጺ ኣይነበረን ኣብ’ቲ ኣየር ፖርት።ዝኾነ ኾይኑ ስንቀይ ኣብ ጁባይ ዘምቢለይ ድማ ኣብ መንኩበይ ስለዝነበረ፡ ቅጥዕታት ኣማሊአንኽሓልፍ ኣየደንጎየንን። ቀልጢፉ’ዩ ሰሊጡኒ።
ካብኡ ነታ ዝርካባ ዘምቢለይ ኣፋንየ ገጸይ ገልበጥኩ’ሞ፡ እቶም መኻይደይ መብዛሕትኦም ካሮሳ ክትስሕቦ ወይ ድማ ገመል ክትስከሞ ትኽእል ዘይመስል ጽዕነት ዘለወን ዓረብያታት ክኹብኩቡረኣኹዎም። ሽዑ ቁሩብ ስክፍታ ምስ ፍርሃት ተሰመዓኒ። ምኽንያቱ ነዚ ኹሉ ህዝብን ነዚ ኹሉ እስቤዛን’ሲ ናይ ብሓቂ ሓንቲ ነፋሪት ድያ ካብ ዋሺንግቶን ናብ ኣዲስ ኣበባ ከተብጽሖ ደቀይ። እሞ ድማ ከየዕረፈት! እና’በልኩ ብግስ በልኩ’ሞ እልቢ ዘይብሉ ህዝቢ ንገያሾ ምእንቲ ኸፋኑ ተኣኪቡ ረአኹ። ሽዑ …. ቦሌን ቀበሌን….ጥራይ ዘይኮነ ጎልጎል ሰምበል ….. ከይተረፈ’ዩ ትዝ ዝበለኒ። ንፋስን ደሮናን ጥራይ’ዩ ዘይተሰመዓኒ’ምበር።

ጎላጉል ዋሺንግቶን ዳላስ ኣየር ፖርት ድማ ካብ ጎላጉል ሳዋ ዝንእስ ኣይመስልን’ዩ። ኣብ’ታ ንግሆ’ቲኣ ግን ንዕብየቱ ዝምጥናብዙሓት ነፈርቲ ኣይነበረኦን። ዝኾነ ኾዩኑ እታ ሽዑ ተድልየኒ ዝነበረት ናይ ኢትዮጵያ ነፋሪት ግን ፊትንፊተይ ናብ መንደቕ ለጊባ ንኽትነፍር ክትቀራረብ ጸንሐትኒ።  ኣይደንጎየትን ድማ ከም ምዱብ ሰዓታ ማዕጾኣ ከፊታ ተቐበለትኒ። ሓቂ ንምዝራብኣነ’የ ዝብል ሙኩሕ ቀላዓይ’ኳ  ኩዕሶ ጨርቂ ቲሮ ቐሊዑ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ናይ’ዛ ነፋሪት ኣይመብጻሓን። ኣቤት ክትዓቢ!! ቦይንግ 777 – 200 ትበሃል፡ ኣስታት 320ገያሾ ትስከምከኣ ይብሉዋ። ኣብ’ታ ነፋሪት ዝነበረ ድርጅታዊ ማህደር ከምዝሕብሮ ድማ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ እዘን ዝስዕባ ንወጻኢ ዝመላለሳ ናይ ንግዲ ነፈርቲ ብምውናን ኣብ ንግድን ዕዳጋን ይዋሳእ።

1.    Long range passenger services – (a) Boeing 777 – 200   …… ሓሙሽተ ነፈርቲ   (b) Boeing 767-300  … ዓሰርተ ነፈርቲ
2.    Medium range passenger services –(a) Boeing 757 – 200 …. 8 ነፈርቲ    (b) Boeing 737 -700 …. 5  (c) Boeing 737 – 800 …. 2
እዚኣተን  ካርጎን ኣብ ናይ ውሽጢ ሃገር ኣገልግሎት ዝህባ ነፈርትን ከይሓወስካ’ዩ። ……  ንፈተውቲ ስራሕ ፍትወቶም ይባርኸሎም!

ዝኾነ ኾይኑ ንእሽቶ ማህደረይ ተኾልኲለ ዝተመደበትለይ ቁጽሪ መንበር ሃሰስ ክብል እንከለኹ “ስቓይ ዝከኣል’ዩ ስቓይ ዝከኣል’ዩ …. ኩሉ ግዜ …” ትብል ናይ ትግርኛ ደርፊ (ብናውቲ ሙዚቃ ጥራይ) ብትሑት ቃና ኣብ ውሽጢ’ታ ነፋሪት ክትድረፍ ሰማዕኩ’ሞ፡ ካን! ንገዛይ ዝምለስ ዘለኹን! በቲ ጥቓ ካተድራለ ንሲነማ ኢምፐሮ ገጸይ ኮዘን ክብል ዝኸይድ ዘለኹን መሲሉ ተሰመዓኒ። ኣይደንጎኹንግንቁጽሪ መንበረይ ረኺበያ ኮፍ በልኩ። ካብኡ እታ ቀዳመይቲ ደርፊ ምስተወድአትከኣ  “ከም ኮኾብ ኣብ ሰማይ ተሰቒላ……” ትብል ናይ ኣቶ ትኳቦ ወልደማርያም ደርፊ ንሳ’ውን ብናውቲ ሙዚቃ ጥራይ ቀጸለት።  ሽዑ ኣብ ሞደርናን ኣብ ኢምፐሮን ባንኮኒ ተደጊፈ ጻዕዳ ማክያቶ! ጸላም ካፑቺኖ ሃበኒ ፒኮሎ! ስምዓኒ ሽኮር ባዕለይ ክዕቅነሉ’የ! ወይ ድማ ሕራይ ደሓን ፍርቂ ማንካ ጥራይ ግበረሉከይተብዝሓሉ፡ ክብል እንከለኹ ከምሕልሚ ተራእየኒ። ኣይደንጎኹን ድማቀልጢፈ ኣብኡ ንዝጸንሓኒ ጽሑፋትኣገላበጥኩ።ቀጺለ ድማ ኣብ ቅድመይ ዝነበረ ናይ ኮምፕዩተር ሰሌዳ ጠወቕኩ። ሽዑናይ በረራ ኣድራሻታት (flight locations) ኣብ ትሕቲ ዝብል ዝርዝር ዝንጸንሓኒ ኣስማት ከተማታት ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ  እንተረአኹስ-

Abidjan, Abu Dhabi, Abuja, Accra     ……………..   ክብል ዝጀመረ ጸብጻብ………..  Zagreb, Zanzibar,Zhengzhou.

ክሳብ ምባል ከምዝበጽሕ ኣንበብኩ። ሽሕ’ኳ ናይ ገሊአን ከተማታት ኣስማት ናይ ርሑቕ ናይ ወርሒ ዝመስል እነተነበረ፡ ዝሓሰብኩዎ ኣይሰለጠንን። እንተኾነ ግን ብታህዋኽ ከየቕለብኩሉ ዝሓለፍኩዎ መሲሉኒ ስለዝተጠራጠርኩ ነቲ ቀልጢፈ ዝሓለፍኩዎ ዝርዝር ኣስማት ናይ ከተማታት ተመሊሰ ብርግኣትኣንበብኩዎ። ይኹንደኣ’ምበር ብሓሳባት ዛዊነ ዛዊነስካብ ዝፈራሕኩዎ ኣይወጻእኩን! ኣስመራ ኣብ’ቲ ሊስታ ኣይነበረትን። ይዋእ ኣስመራ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ምስ’ቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣትሒዙ ብናይሮቢ’ቢሉ ክሳብ ካምፓላን ኪጋሊን ዝሓንን ዘሎ ናይ ንግድን ዕዳጋን ማዕበል-ምዕባለ ምሕዋስ ኣጊሙዋ ጓል ሳሕል’ኮ’የ! ትብል’ያ ትመስልዘላ። …. መስተርሆት ይፍጠረላ።

ዝኾነ ኾይኑ ካብ ዳላስ ኣየር ፖርት ናይ ዋሺንግቶን ዲሲ ዝተበገስት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ሰማይ ክትዓርግ ደቒቕ ኣይወሰደላን። ከም’ዛ ጥር ኢላ ኣብ ጫፍ ሳግላዝዓለበት ርግቢት ድማ ገልጠም የለ ከርባሕ የለ ጸጥ ኢላ ኣብ ትጎየሉ ጥጡሕ ጎደና በጽሐት’ሞ፡ መጽሓፍ ዘንብብ ናብ መጽሓፉ ፊልም ዝርኢ ናብ ፊልሙ ብምዃኒ’ና ነናብ ዋኒንናተፈላሊና።

ድሕሪ ሓጺር ግዜ ድማ ሰራሕተኛታት ናይ’ታ ነፋሪት ዝብላዕ ዝስተ ሒዘን  እንታይ ትሰት’ዩ እንታይ ትበልዑ እና’በላ ኣብ ውሽጢ’ታ ነፋሪት ንዝሕ ኢለን ዑደት ጀመራ። ይሃበናን ይሃብኩምን መዓት ሽሻይ’ዩ!። እቲ ጉዕዞ ሙሉእ መዓልቲ ስለዝነበረ ድማ ካብ ቁርሲ ጀሚርካ ክሳብ ድራር’ዩ ቀሪቡልና። ….. ካብ’ቲዝበላዕኩዎን ዝሰተኹዎን ናይ መኣዲ ዓይነታት… ካብ ኣመሪካ ካብ አውሮጳ ከምኡ’ውን ኣፍሪቃ ዝፈረየ ምህርቲ ዝተኸሸነ’ዩ ኔሩ።  ንኣብነት፡
1.    ካርልስበርግ ቢራ   …… ካብ ኮፐንሃገን ደንማርክ
2.    ብሽኮቲ    …… ካብ ጀርመን
3.     ክራከርስ ካብ Craft foods Global Inc Canada
4.    Cheese  ……. ካብ Tillamook Oregon USA 97141
5.    ባኒ  ….. ንቕጽቲ’ያ ኔራ!!! ብፕላስቲክ ተጠቕሊላ ኮይና’ምበር ብምዝሓላ’ሲካብ ርትዓዊ ድኳን ናይ እንዳዝናን ባህታን ዝተለገስት’ያ ትመስል! ማለት’ሲ እንዳ ኣልፋ ወይ ድማ ሽዋ ዳቦ ዝዓይነቱ ኣድራሻ ዝሕብር ጽሑፍኣይነበራን።
6.    ኣብ ጨውን ሽኮርን ዝነበረ ጽሑፍ ግን ኣይድሃብኩሉን፡ ምናልባት ግን ኣፍሪቃዊ ከይኮነ ኣይተርፍን’ዩ!
7.    ኣነ ዘይጠልብኩዎ ዓይነታት ብልዕን መስተን’ውን መሊኡ’ዩ ኔሩ። ዊስክን ቪኖን’ኳ ኣይተረፉን።

ዋይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ! ርኣዩዋ’ሞ ክትጸብብ፡ እንተተሳኒኻ ድማ ክትምቅር!

ዝኾነ ኾይኑ እቲ ልዕሊ 12 ሰዓታት ዝወሰደ ጉዕዞ ብዝናፈቕን ዝነኣድን ኣገልግሎት’ዩ ተፈጺሙ። ካብ ዋሺንግቶን – ዳላስ ንግሆ ተበጊስናስ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ናይ ቦሌ ንጽባሒቱ  ሰዓት ሸሞንተን ፈረቓን ናይ ወጋሕታ ኢና በጺሕና። ካብ ነፋሪት ውርድ ምስበልና ድማ ቆልዓናን ቁንጭናን ጻዕዳናን ጸሊምናን ኣብ ነዋሕ ኣውቶቡስ ዓቕላ ክሳብ ዝጸባ ውትፍ ኣበሉና።      ……     እታ መንገዲ’ቲኣ’ኳ እንቋዕ ኣይነውሐት።
እወ እቲ ኣንጻር ድኽነት ዝግበር ኣዝዩ ንኡድ ጻዕሪ ኣብ ኣየርን ምድርን ብንጹር ዝርአ’ኳ እንተኾነ፡ ዘይተማልአ ሃጓፍ ንዘቋምት ዓይኒ ዝኸውን ናይ ድኽነት ምልክታት ድማ ካብ ቦሌ’ዩ ክረኣየካ ዝጅምር። ብፍላይ ድማ ድሕሪ ነዊሕ እዋን ካብ ምዕቡል ዓለም ንዝምለስ ዓይኒ።

እሞ ብኣቋራጭ እንታ’እኻ ክትብል ትደሊ ዘለኻ ዝብል ሓታታይ ኣይሰኣንን ይኸውን’ዩ። ይቕረታ! እታ ኣቋራጭ ስለዘይረኸብኩዋ’የ ብዓቕመይ ኮለል ክብል ዝፍትን ዘለኹ። ለባማት ከምዝብሉዎ ግን እዛ ዓለም ዕዳጋ ከም መልክዓን ከም ምስላን ዝጥምታ’ምበር ንባህጉን ንዓቕሙን ዘንጸባርቕ ሕብሪ ቀቢኡ ክርእያ ዝፍትን ፍጡር ኣይትፈቱን’ያ። ብዘይቃልዓለም ድማ እዚ ኣኻይዳ’ዚ  ንጉስ ዕዳጋ ዘይፈትዎ ናይ እንዳ ዝናን ባህታን ሕማም’ዩ። ምኽንያቱ ብሂወቱ ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ዘሎ ሰብ ምናልባት ተጋግዩ ንንጉስ ሰማይ ዘቖጥዕ ሓጢኣት እንተፈጺሙ፡ እሞ ድማ ምንሳሕ እንተኣብዩ ናብ ገሃነም፡ ምናልባት ንንጉስ ዕዳጋ ዘቐይም ሓጢኣት እንተፈጺሙ፡ ማለት’ሲ ንስራሕን ንሕግታት ንግድ ዕዳጋን (ካስተመር ኬር) እንተዘይርዒሙ፡ እሞ ድማ ካብ ጌግኡ ምእራም እንተኣብዩከኣናብ’ዛድኽነቱከምዝጥሕል ካብ ኣቦና ኣዳም ኣትሒዙ ዝጸንሐን ዘሎን ኩሉ ሰብ ዘይስሕቶ ናይ ታሪኽን ናይ መዋዕልን ፍርዲ’ዩ። እንተኾነ ግን “ዝሰርሕ (ንፉዕ) ይሕመ፡ ዕባራ (ሕማቕ) ይግመ” ከም ዝብል ምስላ ዓደቦና፡ እና’ወደቕካ እና’ተንሳእካ ዝህነጽ ምዕባለ’ዩ ዘዛርበኒ ዘሎ። ….. ምስ’ዛ ዳግማይ-ትንሳአ ደኣተኣምራት-ትንሳአይድገመና’ምበር።

እወ እንዳ ዝናን ባህታን’ሲ ብጽፍርና ኽብሉ ኢድናን እግርናን ኣቖንዲፎሙና፡ ኣብ በረኻታት ኣስፊሮም ካብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ከዊሎም፡ ብቐሊሉ ኣብ ዘይውጻእ ሰልሚ ኣጥሒሎሙና’ዮም፡ ንወራሲ ይጭነቆ እና’በሉ በብሓደ ዝሓልፉ ዘለዉ። …. ከም ምሕረቱ’ምበር ከም ግብሮም ኣይግበረሎም።
ስለ’ዚ ንሳቶምምእንቲ ንስልጣኖም ክጥዕመሎም ንሕመቖምን-ውድቀቶምን ናይ ዶብን ናይ ሉኡላውነትን ሕቶ ዝዓይነቱ መጋረጃኣጎልቢቦሞ። ንሱ ከይኣክል ድማሕጂ’ውን ጌና ጸላኢ’ሎ ወራሪ ይመጽኣ’ሎ ዝብል ናይ ስግኣትን ናይ ጽልእን ሰራም ፖለቲከኦም፡ሰማዒ ምእንቲ ክዝክረሎም ነቶም “ኣንድነት” እናበሉ ኣብ ታሪኽ ዝደቀሱ ፖለቲከኛታት ናይ ኢትዮጵያ (ተቓወምቲ) ኣበ’ስመራ ኣቐሚጦሞም ኣለዉ።እዞም ሓዋወስቲ ናጽነት ክብሉ ንፍርቂ ዘመን ከምዘይለፍለፉ ሕጂ ኣብ እርጋኖም ንናይ “ኣንድነት” ተጣበቕጥቲ መዕቆብቲ መሲሎም ፖለቲካ ክሕንጽጹ ይረኣዩ’ለዉ።ኣቤት ጉድ! እቶም  ዘመን እኒ! እኒ! ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ዝብል ናይ ፖለቲካ መስመር ክኽተሉ ዝፈተኑሰብቀደም ብሂወት እንተዝህልዉ’ሲ ነዚ ናይ እንዳ ዝናን ባህታን ፖለቲካዊ ለኽበጥበጥምስረኣዩእንታይኮን ምበሉ?

ዝኾነ ኾይኑ ግን እንዳ ዝናን ባህታን’ሲ እዚ ኣብ ታሪኽ ዝደቀሰ እዋኑ ዘሕለፈ ዝምባሌ’ዚ ንህሉው ጸገማት ናይ ኤርትራ ዝኸውን ታሪኻዊ ፍታሕ ከምዘይብሉ  ጠፊእዎም ኣይኮነን።ወይ ድማ ንማሕበር ፍቕሪ ሃገር ትንፋስ ክሰኹዑሉ ደልዮም ኣይመስለንን። እንታይ ደኣ ነቲ ብስግኣትን ብጽልእን ዝተላዕጠጠ ፕሮፓጋንዳኦም ከም መርትዖ ዝጥቀሙሉ ሜላ እንተረኸቡ’ሞ ህዝቢ ንምትላልንሓበሬታ ንምብራዝን’ዮም ኣበ’ስመራ ኣዕቊቦሞም ዘለዉ።
ስለ’ዚ እዚ ናይ እንዳ ዝናን ባህታን ህልኽን ስግኣትን ብዛዕባ ኢትዮጵያ ርስቲ’ይኮነን’ሞ፡ ነቲ ዝበሃግ መስርሕ ለውጥን ዕርቅን ብኣሉታ ክጸልዎ ካብ ዝኽእል ኣገባብ  ምጥንቃቕ የድሊ’ሎ ክብል’የ ዝፍትን ዘለኹ። ከምኡ’ውን ንሓድሕድናን ምስ መናብርትናን ምእንቲ ክንቀራረብ በቲ ከባእስን ክዕረቕን ዝኽእል መስርሕ ምኹስኳስ ናይ ረብሓ ንዛረብ። ክሳብ መኣሲ’ና ብጽልእን ስግኣትን ጠጠረርና ሒዝና ክንቀራረድ። ሂወትናን መጻኢ ዕድልናን’ኮ ብጎረባብትና ጥራይ ዘይኮነ’ሲ ካብ ርሑቕ ብዝመጽኡ ደቂ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ከይተረፈ’ዩክውረርንርእዮ ዘለና። ………..  እዚ ድማ ጽባሕ ነርክበሉ ዝበሃል ዛዕባ ኣይመስለንን።

በዚ መንቀሊ’ዚ መሰርት እምበኣርከስ እዚድሕሪ ናጽነት ተሪፉ ዘሎ ቃልሲ፡ ናብ ቃልሲ ኣንጻር ድኽነትን ናብ ልዝብን ምምይያጥን ምስደቂ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ምቕያሩ ውዓል ሕደር ዘየድልዮ ናይለውጢ መስርሕ ከምዝኾነ ዝጠራጠር ሰብ ዘሎ ኣይመስለንን።ምናልባት ሕጂ’ውን ጌና ኣብ ኣመሪካን ኣብ ካልኦት ምዕቡላት ሃገራትን ዘሎ ናይ መሰልጸሓይ እናማሞቕካኣብ ውሽጥን ኣብ ከባብን ናይ’ታ ኣብ ሳሕል ዝተሰርሐት “ብጽፍራና” ትብል ዕጽውቲ ኣጉዶ፡ቃላት ቀያይርካ ኮለል ክበሃል እንተተደልዩ ግን ነታ ብእንዳ ዝናን ባህታን ዝቖንደፈት ጽፍሪ ኣዝማልቶ ለኺኻ፡ እዚ’ዩ ለውጢ ካብ ምባልዝሓልፍፈተነ ኣይመስለንን።

ብቐንዱ ከኣ ንኤርትራዊ ሽግርዝኸውን ቻይናዊ ህንዳዊ  ጃፓናዊ አውሮጳዊ ወይ ድማ ኣፍሪቃዊ ዝዓይነቱ ፍታሕ ከመ’ማራጺ ዝረኣየ ወይ ድማ ዝሰምዐ ኤርትራዊ ዘሎ ኣይመስለንን። ኣነ’ውን ኣብ ኢትዮጵያ ንኤርትራዊ ሽግር ዝኸውን ኢትዮጵያዊ ፍታሕ ተራእዩኒ’ሎ ኣይበልኩን። እታ ትድለ ዘላ ፍታሕ ሎምን ጽባሕን ኤርትራዊት’ያ። ንሓዋሩ ከኣ ናይ ገድልን ምግዳልን ታሪኽና ጥራይ ዘይኮነ ሓዲሽጻዕርናን ስምምዕናን’ዩ ምስ እዋን ዘዋስእመልክዕ ዝፈጥረላ።

ስለ’ዚ ብዘይቃልዓለም ኣብ’ቲ መስርሕ ለወጥን-ዕርቅን ምስ ጎረባብትኻብፍላይ ድማብባህሊ ብታሪኽ ብሃይማኖት ብትውልዲ ምስ ዝዛመደካሕብረተሰብ ብዓቢኡ ድማ ብረብሓ ምስ ዝብጻሓካመንግስቲ እሂን ምሂን ምብህሃል ናይ መንፍዓት’ምበር ናይ ስንፍና ዲፕሎማሲ ኣይኮነን። እንዳ ዝናን ባህታን ድማ ምስ ኢትዮጵያ ብረብሓ’ምበር ብዶብ ኣይተባእሱን። ናይ ዶብ ሕቶ ንመሸፈጢ’ዮም ኣልዒሎሞ። ….. ውሑድ ድማ ኣየታለሉሉን።

እቲ ባእሲ እምበኣርከስ ዘይምቅዳው ናየ’ሰራርሓ ባህሊዝፈጠሮ ናይ ረብሓ ሕቶ’ዩ። ስለ’ዚ ሕጂ’ውን ጌና እዚ ደድሕሪ ውድቀት ንግስነት ኢሳያስን  መሳርሕቱን ጥራይ እናመኽነኻ ዝርአ ዘሎ ናይ ለውጢ ጉያ እኹል ኣይመስለንን። ከመይ’ሲ እንዳ ዝናን ባህታን ካብ ሞት ዘተንስእ ናይ ፋሲካ ተኣምራት እንተዘይረኺቦም ብሞያ ኣኺሉዎም ወዲቖም’ዩ። ስለ’ዚ ኣብ መስርሕ ለውጥን ዕርቅን እቲ ዝዕለም ምቕያር ናብ ነብሶም ጥራይ ዘይኮነ ብዓቢኡ ናብ ናይ ኣሰራርሓ ባህሎም’ውን ከተኩር ይሓይሽ።ኣብ’ቲ ወዲቖሙሉ ዘለዉ ጭቃ ዘይኮነ’ሲ፡ ኣብ’ቲ ኣዕንዮሞ ዘለዉ ዓቢ ህድሞ ምርጋጽ የድሊ’ሎ።

ንሳቶም’ውን  ደጋጊሞም ከምዝበልዎ “ሕቶ ዶብ’ኮ ብቐሊሉ ሰብ ዝርድኦ ቋንቋ ንምዝራብ ዝተላዕለ’ምበር ንሱ’ይኮነን መበኣሲ፡ እቲ ባእሲ ኣብ’ዛ ንእሽቶ ዕዳጋ ናይ ኢትዮጵያ ዝግበር ቁርቁስ’ዩ” እናበሉ’ዮም ሸለው ዝበሉ። ስለ’ዚ ነቲ ናይ ሸፈጥ ኣርእስትን ንሱ ዘስዓቦ ናይ ህልኽ ዝምባሌን ከም ቀንዲ ሽግር ኣትሒዝካ ፍታሕ ክትቅይስ ብምፍታን፡ ኣሰር እንዳ ዝናን ባህታን ምስዓብ ዘይኮነ’ሲ ብዛዕባ’ቲ ብሸፈጥ ክኽውልዎ ዝፈተኑ ናይ ብሓቂ ጠንቂ ናይ ባእሲ ዝኾነ ጉዳይ ብድፍረት ከምብሓዲሽ ምዝርራብ ሃናጺ ኢዩ። ንሱ’ዩ ሂወት ዘለዎ! ንሱ’ዩዝሕከም-ዝጽገን፡ ዝስበር-ዝዕረ፡ ዝዓብር-ዝሃጥር ዝምዕብል-ዝኹስኮስ ዝህነጽ-ዝቕየር ባህርይ ዘለዎ ጎድኒ ናይ’ቲ ሽግር። እንዳ ዝናን ባህታን ሰኣን ምስ እዋን ምትዕጽጻፍ ንሂወትናን መጻኢ ዕድልናን ንኻልኦት ደቂ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ኣሕሊፎም ሂቦሞ’ዮም በብሓደ ክሓልፉ ንርእዮም ዘለና።……..ጽባሕ ከኣ ፈቲና ጸሊእና እቲ ዝውረስ ክውረስ’ዩ።

ስለ’ዚ እቲ ኩነታት ናብ ንቡር ምእንቲ ክምለስ፡ ካብ ጌግኦም ተማሂርና’ዶ ወይስ ሕጂ’ውን ጌና ብናይ ታሪኽ ማሕለኻ ምስ’ቲ ጌግኦም ተኣሲርና ኢና ክንጎዓዝ ንፍትንዘለና? ምናልባት’ውን “ካብ ዘይትፈልጦ መልኣኽ’ሲ እትፈልጦ ሸይጣን”  (ምስላ) ዝዓይነቱ ፍርሃት’ዩ (fear of the unknown!) ዝቕይደና ዘሎ።

ንኣይ ከምዝመስለኒ ምእንቲ ለውጥን ዕርቅን ብትብዓትናይ ህዝቢ ዲፕሎማሲ (People’s Diplomacy) ምትእትታው የድሊ’ሎ። እዚ ስጉምቲ’ዚ ከኣ ዘይከኣል ወይ ድማ ዘፍርሕ ኣይኮነን።

ምናልባትነቲ ክብሎ ዝፍትን ዘለኹ ንምብራህ ምእንቲ ክሕገዘኒ እስኪ ነዘን ዝስዕባ ኣብነታት ክጠቅስ።
1.    ራሄል በራኺ ዝተባህለት መንእሰይ ቀትሪ ምድሪ ፈንጂ ነጢራ ንጥይት ኣሽኪዓ ዶብ ክትሰግር ምስፈተነት ዘጋጠማ ኩነታት ኣብ መራኸቢ ብዙሓን  ተዘርጊሑ ርኢናዮ። ….. ብፍላይ ኣብ’ቲ ስእሊ ከምዝተንጸባረቐ ድማ መንእሰያት ኢትዮጵያውያን ሓኻይም ጠያይቲ ነቒሶም ከውጽኡላ ተራእዮም። እዚ ግብረ-ሰናይ’ዚኣብ መስርሕ ናይ ህዝቢ ዲፕሎማሲ ሃናጺ ተግባር’ዩ።
2.    ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ ድማ ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ቀብሪ ተረኺቡስ፡ ቀባሮ ዶብ ሰጊሮም ከም ንቡር ከም ባህሊ ምስ ጎረባብቶም ክጽምበሩከምዝፈተኑ፡ እንተኾነ ግንብወተሃደራት ተኸልኪሎም ኣብ ቀብሪ ክሕወሱ ከምዘይከኣሉ ተሰሚዑ። እቲ ኣዝዩ ዝገርም ግን እቶም ሰባት ሓመድ ድበ ክሳብ ዝፍጸም ኣብ ጠረር ደይቦም ብማዕዶ ከምዝተጸበዩ፡ ስነ ስርዓት ቀብሪ ምስተወደአ ድማ ነጸላ ብምዝርጋሕ ማለት ብምልክት ተረዳዲኦም ከምዝተፋነዉ ተሰሚዑ።
3.    ገለ ካብ’ቶም ብሰንኪ ኲናት 1998 – 2000 ካብ ኢትዮጵያ ዝተሰጉ ኤርትራውያን፡ ናብ ኢትዮጵያ ናይ ምምላስ ዕድል ዝረኸቡሓያሎ ሰባት ከምዘለዉ ፍሉጥ’ዩ። ከምኡ’ውን ኣብ ኢትዮጵያ ዝግበረሎም ዘሎ ሓገዝ ዝድነቕ፡ ዘጋጥሞም ዘሎ ፈተና ድማ ኣዝዩ ከቢድ’ዩ። ምኽንያቱመብዛሕትኡ እቲ ንንብረት ዝምልከት ጉዳይ ካብ ልክዕ ንላዕሊ ተሓላሊኹ’ዩ። መወዳእትኡ ድማ ናይ ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን ምኽሪ፡ ከምኡ’ውን ናይ ሃብታማትን ገበርቲ ሰናይን ደገፍ ዘድልዮ ዕማም’ኳ እንተኾነ፡ ንግዜኡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጽቡቕ ፍቓዱ ኮይኑ “በውጭ ጉዳይ ሚኒስተር የኤርትራውያን ንብረት ኣስመላሽ ኮሚቴ ጽ/ቤት” ዝበሃል ቤት ጽሕፈት ከፊቱነቲ ኩነታት ናብ ንቡር ክመልሶ ይጽዕራ’ሎ። እዚ ሰናይ ተበግሶ’ዚ ንኽሰልጥ እምበኣርከስ እቶም ዝምልከቶም ሰባት  ብጥርኑፍን ብዝተጸንዐን ኣገባብን ሓሳቦም ኣዋዲዶም ምእንቲ ክቐርቡ ናይ ህዝቢ ግደ ዝጽበ ዘሎ ዓቢ ስጉምቲ’ዩ።
4.    ገለ ካብ’ቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ዘለዉ ኤርትራውያን (ናይ ምስጓግ ዕጫ ዘይበጽሖም) እንተደልዮም ካብ ኢትዮጵያ ናብ ከንያ ወይ ድማ ናብ ሱዳን ይወጽኡ’ሞ፡ ኣብኡ ምስ ኤምባሲ ናይ ኤርትራ ተመያይጦም ናብ ኤርትራ ይኣትዉ። ነዚ ዝጉምቲ’ዚ ኤምባሲታት ናይ ኤርትራ ሓንጎፋይ ኢሎም እንከስተናግድዎ፡ ብሸነኽ ኢትዮጵያ ድማ ጥብቂ ምክትታል ዝግበረሉ ኣይመስልን።
5.    ናብ ኢትዮጵያ ዝውሕዙ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ቁጽሮም ኣዝዩ ይበዝሓ’ሎ። ካብኣቶም ኣብ ዩኒቨርሲታት ናይ ኢትዮጵያ ዝመሃሩ ዘለዉ መንእሰያት ድማ ቁጽሮም ብቐሊሉ ዝግመት ኣይኮነን። ስለ’ዚ ብንጹር ሓዲሽ መድረኽ ናይ ለውጥን ዕርቅን ይምዕብባ’ሎ።
6.    ኣብ ኣመሪካ ካብ ዝቕመጡ ኤርትራውያን መንእሰያት ድማ “ሽግር ኤርትራ ፍታሕ ብኤርትራውያን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ባህጊ ኣብ ዋሺንግቶን ዲሲ ኣብ ወርሒ ግንቦት ክእከቡ’ዮም፡ ብጽቡቕ የራኽበና። ቀዳዊና ድማ ይግበሮ።እንተ ተረኺቡ ድማ እቶም ኣብ ለውጥን ተስፋን ዝኣምኑ እንዳ ኦባማ ማ’ጨሎት ዝነጽጉሉ’ግበሮ። ምናልባት እዚ ተበግሶ’ዚ ብቓላት ናይ ኣርእስቱ እንተተመዚኑ ግን፡ ኣብ’ቲ ሓምሳ ዓመታት ዝገበረናየ’ሰራርሓ ባህሊ (Organizational culture) ናይ እንዳ ዝናን ባህታን ብፍላይ ድማ ኣብ’ታ ርእሰ-ምርኮሳ ትብል ዝቕንቆነት ናይ ፈኸራ ምርኩሶም ዝተመርኮሰ’ዩ ዝመስል።ጌጋ’ኽለኣለይ! …… ምኽንያቱእቲ “ሽግር ኤርትራ” ዝበሃል ዘሎ ብቐንዱ ና’የሰራርሓ ባህልን ናየ’ወዳድባ ቅርጽን (Organizational structure) ናይ እንዳ ዝናን ባህታን ተደጋጊፎም ዘስዓብዎ ሽግር ኮይኑ፡ ኣፈታትሕኡ ድማ ብኽፉት ልብን ኽፉት ኣእምሮን ከከምመልክዕካ መምስምሳልካ ተኸኣኢልካ፡ ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ሓቢርካ ናይ ምንባር ባይታዘጣጥሕ ሓዲሽ ሜላ ምቕያስ’ዩ።

ብዘይምግናን ድማእቲ ናየ’ሰራርሓ ባህሊ’ቲ ንእንዳ ዝናን ባህታን’ኳ ከምዘይጠቐመ ዝዝንግዕ ኤርትራዊ ዘሎ ኣይመስለንን። ስለ’ዚ እቲ ብተስፋ ተዓሊሙዝጥመት ዘሎ መንገዲ-መስተርሆትዝሓሸንብቐሊሉ ዝብጻሕን ዘምስሎ ዲፕሎማስያዊ መልክዕ ብዝህብዎ ቃላት እንተተንጸባረቐ ክሳራ’ለዎ’ድዩ ክብል’የ ዝፍትን ዘለኹ። ምኽንያቱ’ሲ እንዳ ዝናን ባህታን ካብ ታሪኽን ካብ ካልኦት ሃገራትን ዝርከብ ተመኩሮ ዕሽሽ ብምባል’ዮም፡ ተመኩሮና እና’በሉ ኣይንነብሶም ኣይንሰቦም ናብ ገደል ዝኣተዉ። ሕጂ ድማ ካብ’ዚ ተመኩሮኦም እንታይ ተማሂራና’ዩ እቲ መቐይሮ።
እወ!ካብ ጌግኦም እንታይ ንመሃር? ካብ ታሪኽ ካልኦት ደቂ’ዛ ዓለም ዕዳጋኸ እንታይ ንመሃር? ብምባል ዝሕንጸጽናይ ለውጥን-ዕርቅን ተበግሶ እንተተረኺቡ፡ እቲ ፍታሕ ካብ ተመኩሮ ናይ ምብራቕ ቲሞር ኣንጎላ ደቡብ ኣፍሪቃ ብቐረባ ድማ ኢትዮጵያ ወይ’ውን ካብ ናይ ካልኦት በብዓይነቱ ፈተናታት ዘሕለፋ ሃገራት ለቢሙ ክብገስ ዝኽእለሉ ኣማራጺ ኣብ ቦትኡ’ሎ። እንተዘይኮነ ግን “ሽግር ኤርትራ ፍታሕ ብኤርትራውያን” ዝብል ቅዩድ-መበገሲ፡ ውሽጡ ደኣ እንድዒ’ምበር ለላዕላዩ’ሲ ናይ እንዳ ዝናን ባህታን መረጸን ወዲኻ  ካብ’ቲ ምኩሕ ናይ ይከኣሎ ተሞኩሮ ንመጻኢ ዕድል ዝኸውን ታሪኻዊ ጥማዕ ዘለዎ ፍታሕ ቀዲሕካ ናብ መጽሓፍ ዋርሳይ ንምግልባጥ ኣብ ሳዋ ዝካየድ ዘሎ ፖለቲካዊ ትምህርትን ጻዕርን ምቕጻል’ዩ ዝመስል።

ኣብ መወዳእታ ምናልባት እዚ ሰብኣይ ካልእ ዘረባዶ ስኢኑ! ክንደይ ኢትዮጵያ! ኢትዮጵያ የብዝሕ’ዩ ዝብሉኒ ሰባት ከየንጸርጽሩ’ምበር እስኪ ናብ’ቲ መበገሲ ኣርእስተይ ክምለስ፡ ቅድሚኡ ግን ምናልባት ነዛ ናይ እንዳ ዝናን ባህታን ዝዓይነታ ሕሜታ ቁሩብ እንተ’ቃለለት ከምኡ’ውን ነዛ ዓለም ዕዳጋ ከም መልክዓ ንምርኣያ እንተሓገዘት ሓንቲ ተመሳሳሊት ኣብነት ካብ ካልእ ጫፍ ናይ ኣፍሪቃ ክውስኽ።

Emerging Gabon
No Room for complacency……. ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡
“…  The product of a flourishing partnership with Singaporean agricultural gaint Olam, NKOK has already brought together investors from more than 45 countries….” (Bloomberg Businessweek of Dec 12-18 2011)45 ሃገራት ዝብል ቁጽሪ’ዩ ዘዛርበኒ ዘሎ። እወ እዘን 45 ሃገራት ኣብ ጋቦን ዝኣከበ ኣተሓሳስባ ወይ ድማ ናየ’ሰራርሓ ባህሊ ኣፍሪቃዊ’ዩ። ጋቦናዊ ሽግር ፍታሕ ብጋቦናውያን ዝብል ማዕጾ ከሕልፎ ዝኽእል ኣይመስለንን።

ብተመሳሳሊ ኣገባብ ኣብ ኢትዮጵያ ዝህነጽ ዘሎ ምዕባለ ድማ “ዓዲ ተቐይሩ’ዩ” ብምባል ጥራይ ዝሕለፍ ኣይኮነን። ዓለም ሙሉእ ዝሳተፈሉ ዘሎ ኣዝዩ ገዚፍ ናይ ስራሕ-ወፈራ ይካየድ ኣሎ። ንሕናን ወደባትናን ጥራይ ኢና ካብ’ዚ ወፈራ’ዚ ቦኺርና ዘለና። ዘሕዝን’ዩ። ስለ’ዚ ድማ’የኣዲስ ኣበባ ከምብሓዲሽ(ስ) ዝተሰርሐት ከተማ መሲላ’ያ ጸኒሓትኒ ክብል ዝደፍር ዘለኹ። …. ይመልኣላ።
ናይ ሎሚ ጽሕፍቲ ንምዝዛም፡
(ሀ)ርብዒ ዘመን ድሕሪ ናጽነት ሓሊፉ’ዩ። ኢትዮጵያ ዝበሃል ለይትን ቀትርን ንኤርትራውነት ዘስግእ ጸላኢ የለን።
(ለ)እቲ ቐደም ብሸነኽ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝንጸባረቕ ዝነበረ ናይ ረብሓ ተገዳስነት’ውን ብግዱሳት ደቂ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ተመንጢሉ’ዩ።
(ሐ) ልዕሊ ኹሉ ድማ ናይ መብዛሕትኦም ኢትዮጵያውያን ኣተሓሳስባ ብዛዕባ ኤርትራተቐይሩ’ዩ ወይ’ውን ተረሲዑ’ዩ።
(መ) ስለ’ዚ እቲ ዘዛርብ ዕማም እምበኣርከስ ምስ’ዚ ሓዲሽ ኩነታት – ተተሓሒዙ ዝፍጠር ዘሎ ናይ ረብሓ ጉዳይ እንተዘተኩር ይሓይሽ፡ ብዛዕባ እዋኑ ዘሕለፈ ስግኣትን ዘየለ ጸላእን ድቃስ ምስኣን ይኣክል። ዓለምና እናተቐየረ ኣተሓሳስባና ዘይቅየረሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ?ንእንዳ ዝናን ባህታን ሸታሕ ኣቢሉ ዘውደቐ ጭቃ ሕጂ’ውን ከየዳግመና ኣጆኹም! ኣጆና!ክብል’የ ዝፍትን ዘለኹ።

መቐጸልታን መወዳእታን ናይ’ዚ ጽሑፍ’ዚ እቲ እንዳዝናን ባህታን ዝተሓሰሙዎ ንግድንዕዳጋን ናይ ኢትዮጵያ ካብ ዓይኒ ጎረባብትና ሓሊፉ ኣብ ኣዕይንቲ ቻይናን ህንድን ኣዕራብን አውሮጳውያንን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ዓይኒ’ቲ ካብ ዓለም ዝዓበየ ትካል ማለት ዎል ማርት (Wal Mart) ዓሊቡ ከምዘሎ ከንጸባርቕ ክፍትን’የ።

መስተርሆት ዘምጽእ በዓለ-ትንሳኤ ይግበረልና።
ዳንኤል ተስፋዮውሃንስ ተኽለጊዮርጊስ (04-19-2012) ።
Ewandt54@gmail.com

aseye.asena@gmail.com

Review overview
23 COMMENTS
  • weldu April 20, 2012

    Mehrefi eka zarkeey!

  • 1234gebar April 20, 2012

    ኣንባቢ እንታይ ከምዝብለካ ባዕልኻ ፈሊጥካዮስ ባዕልኻ ጽሒፍካዮ ስለዘሎኻ ምድጋም ኣየድልን። ባዕልኻ ዝጸሓፍካዮስ ንዓኻ’ውን ኣድኪሙካ።

    • Freeprisoners April 21, 2012

      1234 gbar
      what kind of person you are! if you are the mission of HGDF no one would expect to say good thing from you.
      however i see that, you are a chicken head who has no clue what to critise.

      I admire the writer Danies tesfagiourgs his wrote is really attractive to read inclding with the funny thing he wrote in some parts, it helps rreally to learn things in business in general.

      in the maintime, 1234 gbar, please stop your stupid comments to the great writers.
      i saw you in many comments to demoralis our great writers. But as i said in the above from Agenets we will not expect good.

    • Daniel T April 21, 2012

      ገባር! ምንባብ ጥራይ ኣይትድከም’ምበር ኣነስ ኣይደኸምኩን።

  • SINGAPO - ERITREAN April 21, 2012

    ዝኸበርካ ዳንኤል፣ YOU SEEM TO BE MISGUIDED !!!

    እቲ ዝገለጽካዮ logic፣ ኤርትራዊ logic ኮይኑ ኣይረኸብክዎን ። ሃገር ብወያነ እንደተወረት ከላ ብዛዕባ ምዕባለን ሰብኣዊ መሰልን እተመሓላልፎ ዘለኻ ወረ፣ “ዕሸላውን ዘሕንኽን” ኮይኑ ረኺበዮ። “ልብኻ ሓምሊ ምልኣዮ፣ ወደቦ ሕቜኻ ኣይርኣዮ” ዝብሃል ነገር ዝረሳዕካ ኢኻ ትመስል። ካብ 1973 ጀሚርና ኣብ ስራሕን ምዕባሌን፣ ድሕሪ 1998 ድማ ካብ ወያነን ሲ ኣይ ኤን ክንካላኸል እምበር ፣ ፈቲና ዶ ይመስለካ ከም ወኻርያ ኣብ ጉድጓድ ዘለና ፧ ዳሕራይ ክኣ ንምንታይ ንሕና ኤርትራውያን ከምቲ ኢትዮጵያ ትኸዶ ዘላ መገዲ ምዕባለ ዘይንኸይድ ዝብል ጉጉይ ኣረኣእያኻ , ንሃገራውነትካ የጣራጥረኒ ኣሎ !!! ቃልስና ጸላኢ ንምውቃዕ፣ ብሕልፊ ድማ ኣብ ኣቢሲናውያን ተጋሩን ኣምሓሩን ክሳዕ ሕጂ ዘይወጸልና ጽልኢ ኣሎ፣ ጸላእትና ስለ ዝኾኑ !!!ናይ ጸላእትና ኣብነት ክንክተል እንተዄንና ድኣ እሞ ኢትዮጵያውያን ዘይንኸውን !!!ንሳቶም ካብ ሓደ ዩኒቨርሲቲ ናብ 23 + ከፊቶም፣ ንሕና ድማ ከም ጸላእትና ከይንኸውን ፣ ነታ 1 ዩኒቨርሲቲና ዓጺናያ። ንሶም ናይ ዘረባ ናጽነት ክእውጁ ከለዉ ንሕና ብጭቕ ንዝበለ ትሕቲ መሬት ምእሳር ጀሚርና ። ንሳቶም ህንጻታትን ፣ ኢንዱስትሪታትን ክሃንጹ ጀሚሮም…ንሕና ድማ ባህ ኣይበሎም, ክሳዕ ሕጂ ንታሕቲ ድፋዕ ንፍሕር ኣለና። ንሳቶም ነቲ ማዕድናቶም፣ ብ 30 – 35 % ንኽኢላታት እናሃቡ የውጽእዎ፣ ንሕና ድማ ባህ ኣይበሎም 90% ንወጻኢ እናሃብና ፣ማዕድናትና ነውጽእ ኣለና!!!እዞም ወያነ ካብ ቀደሞም መሰል ብሄራትን ሓውሲ ቢሄራትን ክሰብኩን ከተግብሩን ከለዉ፣ ንሕና ግን መሰል ቀቢላኡ ንዝሓተተ ከም ፈላላይን፣ ሓምሻይ መስርዕን ተቖጺሩ በኒኑ ይጠፍእ !!!
    ወያነ/ኢትዮጵያ ፣ ፓርላማ ክኸፍቱን ኮንስቲትዩሽን ክቐርጹን ከለዉ ፣ ንሕና ግን ክትዕ ስለ ዘይንፈቱ፣ ፕረዚደንትና (ወዲ ኣፎም ) ዝበላ ትርሓሰና ንብል። ሓደ ሰብ ቁርጽ ቁርጽ ዝበለ መገዲ እንተወሰደ እዩ ጽቡቕ !!!ሃገር ይኹን ስድራ, ጓል ነገር ኣየድልዮን´ዩ። ንሳቶም “ንኸድዓት” ኤርትራውያን ስራሕን ዩኒቭርስቲን ክብረትን ይህብዎም፣ ንሰቦም ካብ ወትሃደርነት ኣውጺኦም ናብ ዩኒቨርሲቲ የእትውዎም ። ንሕና ንቖለውዕ ሃገር ፣ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣውጺእና ናብ ወትሃደርነት ነእትዎም፣ ምኽንያቱ ዘራኽበና የለን ። ናቶም “ተጋሩ” ካብ ኣኽሱማዊት መንግስትነት ዝፈለቑ እዮም፣ ናትና “ህዝበ ትግርኛ” ዘርኢ ካብ Singapour ዝፈለቐ “special breed” እዩ። ስለዚ ምስዛ መንግስትነታ ይኹን መንነታ ኣብ ሓሶት ዝተመስረተ፣ ወያነ ድሙ-ድሙ እናሰተዩ ኣብ በረኻ ዝምሃዝዎ፣…

    • Daniel T April 21, 2012

      ሲንጋፖ! ኣይበዝሐን’ዶ? ናይ ድቃስ መሰል’ምበር ጥሒስካ። እናፈለጠ ዝደቀሰስ ሓርማዝ ኣየበራብሮን’ዩ ዝብል ምስላ ዕሽሽ ብምባል ሙውት ዘተንስእ ጽፍዒት! ሓዊስካሉ’ምባር፡ ምሳልካ እንዳእሉ። እንተ’ዛ ቡስጣኻ ንግሆ ቡን ከይፈልሐት’ያ ማዕጾ ከይኳሕኩሐት ኣብ’ዛ ኢደይ ዓሊባ። ሽዑ ከይተፈለጠኒ ኩላቶም ዓይኖም እናሓሰዩ ናባይ ገጾም ተጓይዮም። እንታይ ገበሩኻ በል፡ ብለባምካ ሰብ ድቃስ ትኸልእ። ከምኡዶ’ገበር’ዩ? ዝኾነ ኾይኑ ዝብለካ’ብለይን ኣሕመድ ሳልሕ ወዲኡዎ’ዩ። ምናልባት ግን ከም እንዳ ዝናን ባህታን “ድልድይ ኣፍራሽ” ዝብል ናይ መንግስቱ ዘረባ ሕውዝውዝ ዘብሎ እንተዘይተረኺቡስ ከምዓይንኻ’ዩ ሎምዘመን’የ ዝበልኩ ኣነ። ሃየ በል ደሓን ውዓል’ሞ ዓዲ’ይተርሕቕ! ኣብ’ቲ ደረት ዘሎ ሳዕሪ’ጽብቕ።

      • ahmed saleh April 21, 2012

        Daniel T
        Wow, what a talent you reminded me HNKLHNKLITEY when
        I was a kid. Nice respond to Sigapo portaying his language.
        Keep it up guys we may understand the old language of our
        great fathers than the current deceptive language of HGDF.

      • SINGAPO - ERITREAN April 22, 2012

        ሓው ዳንኤል፣
        ከማኻ ዝኣመሰሉ ጀጋኑ የድንቕ፣ ምኽንያቱ ወጻኢ ሳንዱቕ/outside box, ስለ ትሓስብ ። እቲ ምዕባለ ናይ ኢትዮጵያውያን ኣሕዋትና ፣ ብህንጽኦም ጥራይ ዘይኮነስ፣ ጌግኦም እንዳኣረሙ ይኸዱ ኣለዉ። ትማሊ፣ ትማሊ፣ እዚ ትብሉ ኔርኩምሲ ዘየብል ርትዒ እዮም ዘምጽኡ። ዳሕራይ ፕረሲደንትና ኮነ ኢሉ “ኣብ ማእከል ኢትዮጵያ ውን ክሃርም ይኽእልየ ምስ በለ ፣ ብናይ ስየ ክሊክ እዚ ብዙሕ ኤርትራዊ ክሱጎግ እንከሎ። ክንደይ ኣምሓሩ፣ ንኤርትራውያን ሓቢኦሞም ፣ ክንደይ ኣርሒቖም ዝሓስቡ ተጋሩ…”እዚ መንግስትና ዝገብሮ ዘሎ ዕብዳን,እንታይ መርገሙ ከውርደልና እዩ እናበሉ” ……ምስ ኤርትራውያን ኣሕዋቶም ክበኽዩ ዝውዕሉ ዝነበሩ…….ሓው ዳንኤል ,ዓሻስ ድሓን ኣሎ ,ዘመድ ዓሻ ግን ከፊእዎ ኣሎ…ዝብሃል ,ብጽቡቕ ተግባሮም መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያን ….የሕንኹና ኣለዉ ,ነቶም ስድራና ሕልና ዝፈጠሩልና። Highway ኢልና ሳጓ ዘውጻእናላ ሓትነይ ኔራ ካብ ኣዲስ ኣበባ ክሳዕ ኣስመራ ገለን ብ ኣውቶቡስ ፣ ገለን ብበቕሊ ገለን ብእግራ ጌራ (ኤርትራውያን ይውጡ፣ ፣ ክብሃል ከሎ ዝመጸት)…ኣብቲ ጊቲ እቲ እዘን ዓጋመ ንብሎም ዝነበርና ,እቶም ኤርትራውያን ብመሬት ዓዲ ግራት, ዓጋመ ክሓልፉ ከለዉ.,ህዝቢ ኣውራጃ ዓጋመ ኣሕዋትና ኢሉ ዓራቱ ወሪዱ ን ዕ ኦምን ንደቆምን ኣብ መሬት ደቂሱ.ብ ዕራይ ሓሪዱሎም !!!ብጊዜ ደርጊ መንነቶም ዝተኸልኦም ብናህና ጸውርፊ ´ውን “ተሃስዮም” ዝተዳህሉ ,ዘይግባእ ነገር ዝገበሩ ናይ ትግራይ ተጋሩ ኔሮም .መንነቶምን መሬቶምን ተሓዲጎም ብፍቕሪ ስድራ ስለ ዘይዓበዩ ……ኤርትራውያን ኮይኖም እውን ክሳዕ ሕጂ ዝገፍዑና ዘለዉ….ይኣኽለኒ …………fill in the blanks yourself.

        ሓውካ ሲንጋፖ – ኤርትራዊ

  • SINGAPO - ERITREAN April 21, 2012

    PART 2 …… ፣ ጽውጽዋይ ኢዩ፣ ካብ ቀደም ዓለም ንኤርትራ እዩ ዝፈልጣ። ሓው ዳኒኤል መስተውዓሊ ኢኻ ትመስል ፣ እናፈለጥካ ኮለል ኣይተብለና ።
    – ሃገራውነት ካብ ሓምሻይ መስርዕነት ይበልጽ !!!
    – ህዝቢ ኣብ ውግእን፣ ኣብ መሬት ምሕንጻጽ እንከሎ፣ ኣንጻር ምዕማጽ ፣ ምእሳርን፣ ብልሽውናን ቆይሞም፣ ኣብ ዘይግዜኡ መሰልን ክብረትን ህዝቢ ዝሓቱ ፣ ተበለጽቲ ምሁራትን ወያነን ጥራይ እዮም !!!

    ሃገራዊን ናይ ኣፍ ታንከኛን – ሲንጋፖ-ኤርትራዊ

    • ahmed saleh April 21, 2012

      mSINGAPO-ERITREAN
      Arabs when you come to their place greet you by saying Al-selam-woaleykum
      “NEWERT AL BET means you light the house. In deed your writings light ASSENA
      house. Lucky to have you brother. I know Daniel responded with laughter to your
      funny but articulated comments. You are open minded person, GOD BLESS !

      • ahmed saleh April 21, 2012

        I couldn’t understand more than 20 yrs independence to live
        the life worst than the colony time. They never tried to live in
        peace and equality only five million and nine ethinic societies.
        Across the border 80 mil with more than 50 ethnic group find
        the way to develop and to better their life. What is happening
        in here, wake up. Throw out Issayas picture from the walls in
        your homes put other innocent pictures, throw his books read
        BIBLE & KORAN please to get rid from that devilish obsessions.
        It is time get free from ISSAYAS mental institution before it is
        too late. The damage done already is catastrophic.

        • Daniel T April 21, 2012

          ኣሕመድ! ከማኻ ዝበሉ ይብዝሑ። ምኽርኻን ዘረባኻን ነቶም ክቡራት ወለድና ዘዘኻኽር ናይ ወራዙት’ዩ።

          • ahmed saleh April 21, 2012

            Daniel T
            All of us we are in to this, I thank you all for bring me to this. I was dominated for a while to be silenced. To see that much brothers who have same
            ambition is an honor to me. I love you all dearly.

      • SINGAPO - ERITREAN April 22, 2012

        Brother Ahmed

        It takes one to know one….Do you know when I write such “satire”…I burn.!!!..not because of Isaias ….but ,because of our twisted logic. But ,then I read comments like that of you & others ,I calm down .You are greate yourself .I admire your patience with some provocative people .I am honored to be your brotrher.

  • Semhar April 21, 2012

    Daniel,
    Thank you for writing an impressive article.

    Please write the article in English so that the peace loving Eritrean and Ethiopian people will learn from it.

    We know the majority Ethiopians recognizes Eritrean severity. The first country that recognized Eritrean independence is Ethiopia.
    The first country that helped Ethiopia to overthrogh the tyrant Derg in Ethiopia is Eritrea.
    Eritreans and Ethiopians should always work together and never ever go to war again. They should open their boundaries and work together for the common good. They should be like the European Union. Separate nations but work together for the common good.

    The #1 enemy of Eritrea and Ethiopia are the tyrant dictator Isayas and his blind followers and the Ethiopian Kinigit party. The both are warmongers.

    This is the time that we as ERITREANS unite and get rid of the tyrant, dictator and his blind followers.

    Love and peace to Eritrea and Ethiopia.
    My God bless Eritrean and Ethiopian people.

    • ahmed saleh April 21, 2012

      Semhar
      I admire your firm stand & courage to fight of our people interest.
      I mean it , I really do. We can have differences in ideas but the way
      you handle your ambition I’m proud of you. Strong sister in deed.

    • Daniel T April 21, 2012

      ሰምሃር! ኣምላኽ ይባርኽኪ ሓሳብ ልብኺ የስመረልኪ። ከም’ቲ ልቦናኺ ንኹልና ይሃበና። ምኽርኽን ርኢቶኽን ሃናጺ ኢዩ ክብረት ይሃበለይ ክብርቲ ሓውተይ።

  • habte April 21, 2012

    meskinay yiwaekia daniel. bilash nezi kitisihif gizieka atifieka, kemiu dima semhar konto minamin, identity kuluwlaw zelewa, enda gefel mefel enda beal asena. ajebe stihuf

  • manfree888@yahoo.co.uk April 21, 2012

    bro ahmed saleh

    Do not wast your time with this people , I would advise to do a better contribution to your brother muslim eritrean rather than you wast your time with those untrustworthy eritrean christian. Do not believe with what ever they say or write this is their game. Today they are opposition tomorrow they will be part of the isyas government. please and please take my advise give your time and talent to the need eritrean muslim .

    your brother muslim Jeberti

    • Ahmed saleh April 22, 2012

      If you support the opposition I think you should learn
      more from them. We are fighting to create democratic
      Eritrea which represents the rights of the people. These
      kinds of religious attitude in the past and present is one
      hardest obstacles to conquer. If we couldn’t able to teach
      our self how to advance our point of view of social life to
      influence others by showing positive example, we will
      never see progress . The question is not about us, it is
      about the country. Therefore the choice is up to us either
      to give priority to your country or self interests .Inviting
      divisions and hatred only brings chaos and destructions.
      At the same time I expect you to be a leader of good will
      rather a follower of those wrong doers.

  • semere April 21, 2012

    Thank you Daniel! You are an eye witness and no one can say anything unless he/she has political agenda. We are ashamed of our country. Everybody is developing their respective countries, except HGDEF and ISAYAS! And they want us to believe that Ethiopia is in a verge of collapse. They are politically, diplomatically and psychologically bankrupt! You prove them wrong in all senses. It is a pity that their cronies still refuse to open their eyes.

    • Daniel T April 21, 2012

      ሰመረ! እናፈለጠ ዝደቀሰ ሓርማዝ ኣየንቅሖን’ዩ (ምስላ)፡ ዝኾነ ኾይኑ እቲ ላዛን መረቕን ዘለዎ ሓሳብካን ምኽርኻን ወረጃ ወዲ ወራዙት የብለካ። ብዓይኖም ዘይኮነስ ብዓይንና ክንርኢ ቀሪብና ኢና። ሓሳብካ የስምረልካ።

  • Yemane April 23, 2012

    ዳኒኤል

    እዋይ ኣለዉ ሎዉ እሞ ኣንታ ዳኒኤል ኪድካ ኤርትራ ብግብሪ እንተሰራሕካ ይሕይሽ እምበር ኣፍካ ዝሃበካ ምዝራብ ዋጋ የቡሉን። ብግብሪ ። ሰብ ለዉጢ ከምጻኣልካ ኣይትጸበ ወዲ መን ክስውኣልካ ትጽበ ። ንስካ ኣብ አሜሪካ ኮፍ ኢልካ ሓዊ ትጽሕር ወዲ ድካ ትንፉሱ ኽምልቅ።