ኣይትነቑ ደርሆ !
ሰ0ሚዕኩምዶ ወረ - እታ ኣረጊት ጃልባ ሰዓብቲ ጺዒና - ናይ ሩሑቅ ቀረባ ኣብ’ቲ ምዉት ቃላይ - ኣድሕኑ ጠሊባ ዝመረሮ ህዝቢ - ብኣ ዝሓጎለ ደሓን ኩኒ ኢልዋ - ካብኡ እንክትፍለ ካፒተን ኢሰያስ - ዓቅሉ ምስ ጸበቦ ንኣቢይ ጸዊዑ - መፍትሕ ከረክቦ ዘገርም እኮ’ዩ
![](https://archive.assenna.com/wp-content/uploads/2013/02/Cock.jpg)
ሰ0ሚዕኩምዶ ወረ – እታ ኣረጊት ጃልባ
ሰዓብቲ ጺዒና – ናይ ሩሑቅ ቀረባ
ኣብ’ቲ ምዉት ቃላይ – ኣድሕኑ ጠሊባ
ዝመረሮ ህዝቢ – ብኣ ዝሓጎለ
ደሓን ኩኒ ኢልዋ – ካብኡ እንክትፍለ
ካፒተን ኢሰያስ – ዓቅሉ ምስ ጸበቦ
ንኣቢይ ጸዊዑ – መፍትሕ ከረክቦ
ዘገርም እኮ’ዩ – ክትሰምዖ ዘሕፍር
ኢሰያስን ጉንዲ – ህዝቢ ግን ጨናፍር
ናይ’ቲ ኣቢይ ከኣ – ካብኡ ዝገደደ
ክድምር ጀሚሩ – ኢሉ ሓደ ሓደ
ጮርሖ ሒዙ – “መደመር” ዝብልዋ
ጣቓዒታ ኣብ ጎንደር – ሳዕሳዒታ ኣብ ሽዋ
ግደፍ ስግረ ዶብስ – ዋና ፈንፊንዋ
ቢተይ ሓምለ ሰነ – ተመለስ ንደሓር
ከምቲ ምድማርስ – ምቅናስ ተማሃር
ግደፍ ሎሚ – እግሪ ምስ ተከለት
ውልዶ ከላ’ዃ – ቀደም ነይተካእለት
ኣብ ማሕዘል ኮንካ – ርሑቅ ኣይትምነ
መጋቢት መጺእካ – መርዓ የሎን ሰነ
ሕማቅ ግዜ ኮይኑ – እንተ ሓሰማ ዓዲ
ናጽነት የብልናን – ዝልወጥ ብንግዲ
ጽቡቅ ሕልሚ ሕለም- ካብ ጥፍኣት መንገዲ
እንተ ናትና ግን ——
መንእሰይ ዘሎካ – በዚ ሎሚ ዕድመ
ኢድ ንኢድ ተተሓዝ – ምስ’ቲ ዝቀደመ
ሕብረት’ዩ ዘሕጽር – ናይ መላኪ ዕድመ
ብሰንኪ እገሊት – ብሰንኪ እገለ
ብዝብል ምስምስ – ካብ ኣደ ኣይንፈለ
ኣብ ምውጋሓ – እዛ ጸላም ለይቲ
ስምና ኣይነባላሹ – ንረሓቅ ካብ ጠለምቲ
ኣራዊት ዶ ኮይና – ኣብ ደገ ንሓድር
ኣዴና ክትዝመት – ንሕና ግን ንዕንድር
ሰብ እኮ ኢና – ኣርሒቕና ንሓስብ
ስርናይ እንካብ ክርዳድ – ለሊና ንስብስብ
ንቅድሚት ክንስጉም – ንጠምት ድሕረና
ትንኪሒራ ይትረፍ – ማሕለካ እግሪና
ዝባና ሪኢና – ኣይንፍረዳ ከኣ
ንዓና ዝበለቶ – ኣሎ ኣብ ጓጕኣ
ይኣክል ኢልና – ብዓውታ ነጽምሞ
ነፍርሶ’ቲ ዕርዲ – ታሪክ ይኩን እጉሞ
ይጸርገፍ ይለዓል – ካብ ናይ ህዝቢ እንግድዓ
ይጥዓማ ‘ታ ኢዱ – እዚ ዓቢ ቆልዓ
ንተንስእ ብሓባር – ይኣክል ንበል
ደርሆ እዃ ረኪቡ – መተካእታ ደዎል
ኣይትነቑ ደርሆ- ዕረፍ ድሕሪ ደጊም
ተንሲኡ’ዩ ሎሚ – ታሪክ ንክደግም
መረጸ ኣስመላሽ 04/07/2019
Danilo April 9, 2019
Most welcome meretse, and thanks a lot by breaking your silence. Good poet / admirable job!
ምዓል ሑልኹስ-ሓረኹርስ
ምዓል ንሓሱ-ደቂ ፈሰስ
ንሕና ንሱስ-ሳሰይቲ ኢሱስ
ሓቂ መራር- ጀሚሮም ክብሉ ሱስ።
meretse April 10, 2019
Thank you Dani
As usual it is nice to hear from you and thank you for welcoming me.