Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን ውልቃዊ ትዕዝብቲ – ታደሰ ኪዳነ – በርሚንግሃም (8ይ ክፋል)

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን ውልቃዊ ትዕዝብቲ ታደሰ ኪዳነ   በርሚንግሃም                      8ይ ክፋል         20/11/2013   ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሩ ክከላኸል ዘይክእል፣ ኣዝዩ ድኹምን ዝተበታተነን ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሎሚ ዘሎ ምትርማስ መሰረቱ ትማሊ ኢዩ። ነቲ ናይ ትማሊ ከም ዘለዎ እንተዘይተዛሪብናሉ

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን

ውልቃዊ ትዕዝብቲ

ታደሰ ኪዳነ   በርሚንግሃም

                     8ይ ክፋል         20/11/2013

 

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሩ ክከላኸል ዘይክእል፣ ኣዝዩ ድኹምን ዝተበታተነን ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሎሚ ዘሎ ምትርማስ መሰረቱ ትማሊ ኢዩ። ነቲ ናይ ትማሊ ከም ዘለዎ እንተዘይተዛሪብናሉ ድማ ጽባሕ ንኸይድገም ውሕስነት የብሉን። ንነዊሕ እዋን ስለ ዘይተዘርበሉ መሊሱ ክገድድ እምበር፣ ትም ምባልና ዘምጽኦ ፍታሕ የለን። ፖለቲካዊ ባህሊ ህዝብና እምበኣር፣ ናብቲ ናይ ትማሊ ዘይኮነስ፣ ናብቲ ናይ ቅድሚ ትማሊ ክምለስ ኣለዎ።

ጠንቂ ናይዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ፍልልያት ድማ፣ እቲ ከተማዊ ናይ በጋሚንዶ ጠባይ ሒዙ ዝዓበየ ጉጅለ፣ ነቲ ሓቅነትን ግርህነትን ዝመለለይኡ፣ ብዙሕ ተንኮላት ዘይፈልጥ ካብ ገጠራት ዝተሰለፈ መንእሰይ ከታልል ምኽኣሉ ኢዩ።

 

ኣብ 7ይ ክፋል በዛ እትስዕብ ሕጥበ-ጽሑፍ ኢየ ተፋንየኩም።

“ስለዚ ካብቶም ኣብ 1979/81 ኣብ ብርጌድ 51 ዝነበሩ 6 ሓለፍቲ ቦጦሎኒታት፣ ንጃበራ ገዲፍካ (ኣማኒ ምስልምና)፣ እቶም 5 ደቂ ሓደ ከባቢ (ካርነሽም) ነይሮም። እዚ ኣወዳድባ’ዚ ነቲ ኣብቲ እዋን’ቲ ዝነበረ ናይ ተጋደልቲ ተወፋይነት፣ ደረጃ-ትምህርቲ፣ ግድምናን ካልእን ብዝኾነ ይኹን መልክዑ ‘ምኽኑይ ይገብሮ ኢዩ’ ዝብል እምነት ሓዲሩኒ ኣይፈልጥን።”

8ይ ክፋል ድማ ይስዕብ …

እዚ ጽሑፍ’ዚ ናብ መርበብ ሓበሬታ (ኢንተርነት)ቅድሚ ምዝርግሑ፣ ንሓደ ሰብ ብዛዕባ’ዚ ኩነታት’ዚ ምስ ኣዕለልኩዎ፣ ንሱ’ውን ብወገኑ፣ “ኣነ’ውን ኣብዚ ትብሎ ዘለኻ እዋን ኣብ ብርጌድ 58 ነይረ። ናይ ብርጌድና ኣተዓዳድላ ሓላፍነት’ውን ካብኡ ዝፍለ ኣይኮነን” ብምባል ኣብቲ ብርጌድ (ብርጌድ 58) ኣብ 1979/81 ዝነበሩ ዝርዝር ኣስማት ሓለፍቲ ናይቲ ብርጌድ ሂቡኒ። ኣስማቶምን መበቆል ዓዶምን ድማ ይስዕብ፣-

ኣዛዚ ብ/ድ ስዉእ ኢሰያስ ተወልደብርሃን (ወዲ ፍላንሳ) ►ኣኹሩር   (ኣከለጉዛይ)

ኮሚሳር ብርጌድ = ሃይለ ሳሙኤል  (ሕጂ መ/ጀነራል)  ►ዓዲ መንጎልቲ (ሰራየ)

1. ቦጦሎኒ 1 – ኣዛዚ ቦጦሎኒ =    ወዲ ፍሩጅ        ►ማርያ  (ሰንሒት)

ኮሚሳር ቦጦሎኒ = ስዉእ ተስፋኣለም በርሀ  ►በለዛ (ሓማሴን)

2. ቦጦሎኒ 2 – ኣዛዚ ቦጦሎኒ  = ገብረገርግስ (ቋንቁ)  ►ኩትሞ’ውሊዕ (ሓማሴን)

ኮሚሳር ቦጦሎኒ = እዝራ (ወዲ ቀሺ)   ►በለዛ   (ሓማሴን)

3. ቦጦሎኒ 3 – ኣዛዚ ቦጦሎኒ = ሓጎስ ተኸስተ  ►ንኡስ ዞባ በሪኽ (ሓማሴን                                                              ኮሚሳር = ጸጋይ ሃንስ (ወዲ ሃንስ)   ►ዓዲ ንፋስ (ሓማሴን)

ኣብዚ ብርጌድ’ዚ እውን፣ ንወዲ ፍሩጅ (ኣማኒ ምስልምና) ገዲፍካ፣ 5 ካብቶም ዝነበሩ 6 መራሕቲ ቦጦሎኒታ፣ ከምቶም ኣብ ብርጌድ 51 ዝነበሩ ደቂ‘ቲ ከባቢ ነይሮም ማለት ኢዩ።

እቲ ብሰላሕታ ዝፍለጥ 7ይ ወራር ምስ ጀመረ፣ ማእከላይ ግምባር ዝብል ስም ዝተዋህቦ፣ ብኸባቢ ሓልሓል፣ መለብሶ፣ ሃበሮ፣ ከባቢታት ሸገን ሮራ-ባቕላን ሓድሽ ግምባር ተኽፊቱ። ገለ ቦጦሎኒታት ናይቲ ብርጌድ (ብርጌድ 51) ናብኡ ስለዝተሳሕባን፣ ጋንታና (ጋንታ ሃንደሳ’ውን) ንገለ ካብቲ ክፉት ቦታታት ክትዓጹ “ታባ ሰላም” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቦታ ክትሕዝ ተኣዚዛ። ሓደ ግዜ ኣብዚ ዝተባህለ ድፋዓት (ታባ ሰላም) ከለና፣ ሓደ ሓላፍነት ዘለዎ ዝመስል፣ ብኻልኦት ሰባት ተሰንዩ ኣብቲ ዝነበርናዮ ድፋዓት ይዘውር ነይሩ። “መን ድኣ’ሉ?” ዝብል ሕቶ ምስ ተላዕለ ድማ፣ ኣፎርቂ የማነ ከም ዝበሃልን፣ ቅድሚ 6ይ ወራር፣ ኣብ ግምባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ሓኪም ብርጌድ ኮይኑ ይሰርሕ ከም ዝነበረ፣ እቲ ውግእ ቅድሚ ምጅማሩ ድማ፣ ኣብቲ ዝነበሮ ኣሃዱ ኮሚሳር ቦጦሎኒ ከም ዝኾነን፣ ሕጂ ድማ ንገብርሂወት ዘሞ (ወዲ-ሊቀ) ቀይሩ ኮሚሳር ቦጦሎኒ 3 ክኸውን ተመዲቡ ከም ዝመጸን ሰሚዕና።

ብኡ ንብኡ ድማ ትሒምሒም ስዓበ። ንሱ ድማ “ኣብዚ ቦጦሎኒ ዋላ’ውን ኣብዚ ብርጌድ ሓዊ ሓዊ ዝጨንዉ፣ ኣዝዮም ሓያላት ተዋጋእቲ መራሕቲ ሓይልታት ከለዉ ድኣ፣ ብኸመይ ኢሉ ኣላይ ሕሙማትን ውጉኣትን ዝነበረ፣ ብቐጥታ ናብ ኣላይ ኲናት ተቐይሩ?” ዝብል ኢዩ። ብሓቂ’ውን ኣብቲ ብርጌድ ዋላ’ውን ኣብቲ ቦጦሎኒ ኣዝዮም ንፉዓት መራሕቲ ሓይልታት ነይሮም ኢዮም። ብርጌድና’ውን ብሕክምናዊ ሞያኦም ኣዝዮም ዝምስገኑ ናይ ቦጦሎኒን ናይ ብርጌድን ሓካይም ነይሮማ ኢዮም።

እንተኾነ ነዚኣቶም ካብቲ ንነዊሕ እዋን ክሰርሕሉ ዝጸንሑ ናይ ሕክምና ሞያ ኣልዒልካ ናብ ‘መራሕቲ ውግእ’ ክትቅይሮም፣ ንዕኦም ጥራይ ዘይኮነ፣ ነቲ ክመርሕዎ ዝመጹ ኣሃዱ’ውን ኣዝዩ ሃሳዪ ኢዩ። ናይ ኣፎርቂ የማነ ‘ካብ ኣላይ ሕሙማት ናብ ኣላይ ኲናት’ ምቕያር ድማ ምስኡ ብምንጽጻር ኢዩ ተዘሪቡሉ። ኣፎርቂ የማነ ናብቲ ቦጦሎኒ ተቐይሩ ምስ መጸ፣ ምስ ካልኦት ከምኡ ተቐይሮም ዝመጹ፣ ግን ከኣ “ልዕለኻ ንሕና ኢና ውግእ ንፈልጥ” ዝብል ስምዒት ዝነበሮም መራሕቲ ሓይልታት፣ ኣብ ህልኽ ኣትዩ ምንባሩ፣ ድሕረይ ኣብቲ ኣሃዱ ዝነበሩ ተጋደልቲ ክዛረቡ’ውን ሰሚዐ ኣለኹ።

ኣብቲ እዋን’ቲ፣ ኣብተን ሓይልታት ናይ ብዙሓት ሓለፍቲ ምቅይያራይ ይግበር ነይሩ ኢዩ። እቲ ኣዝዩ ዝገረመኒ ግን ኣፎርቂ የማነ’ውን ከም ሓድሽ ኢፍረም፣ ዓዱ ዓዲ-ንፋስ ምንባሩ ኢዩ። ብወገነይ ሓደ ተኸዊሉኒ ዝነበረ ሚስጢር ዝተጋህደለይ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። እቲ ብድሕሪ ምቅይያር ናይ ሓለፍቲ (ተኽሊጥ) ስዒቡ ወይ’ውን ንዕኡ ጉልባብ ገይሩ ዝግበር ዝነበረ ምትእኽኻብ ደቂ ሓደ ከባቢ ናብ ናይ ሓላፍነት ቦታ ኢዩ። ሽዑ “እቶም ኣብ ሕዳይ ከለና (1979ን – 1981ን) ኣብ ብርገድ 51 ዝነበሩ ሓለፍቲ ቦጦሎኒታት’ውን ብኸምዚ ዝተኣኻኸቡ እንተዘይኮይኖም፣ ካልእ ዝኾነ ሚስጢር ክህልዎ ዝኽእል ኣይኮነን” ዝብል መደምደምታ ኢየ በጺሐ።

ካልእ ምስዚ ተኣሳሲሩ ክረአ ዘለዎ ነገር ኣሎ። ኣብቲ ኣብ 1979 ኣብ ግምባር ናቕፋ ዝነበረ ወታደራዊ ምርብራብ፣ ነቲ ግምባር ብቆዋሚ ዝዓጽዋ ኣርባዕተ ብርጌዳት (51, 58, 70, 77) ነይረን። ካብቶም ሰለስት ሕጂ ዝዘከርኩዎም ኣዘዝቲ ብርጌዳት ድማ፣ ዓሊ ኢብራሂም፣ ኢሰያስ ፍላንሳን ሳልሕ ሕሩይን ነይሮም። ሰለስቲኦም ኣዝዮም ሓያላት ወታደራዊ ኣዘዝቲ ምንባሮም ዘካትዕ ኣይኮነን። እቲ ሜላ እምበኣር ብላዕሊ ብርቱዓት ኣዘዝቲ ገርካ፣ ብትሕቲኦም ንግዜኡ ንዕኦም ዝከታተሉ፣ ውዒሎም ሓዲሮም ድማ ነቲ ስራሕ መሊኾምን ተላልዮምን፣ ናይ ሓዋሩ ኣዘዝትን ወረስትን ንምግባሮም ዝነበረ ውጥን ይመስል። ብሓቂ እውን፣ ዓሊን ኢሰያስ ፍላንሳን፣ ቅድሚ ናጽነት ክስውኡ ከለዉ፣ ሳልሕ ሕሩይ ኣብ ግንቦት 1991 ሰራዊቱ መሪሑ ኣስመራ ኣብ ዝኣተወላ ዕለት ተኣሲሩን ቦትኡ በቶም ወረስቲ ክኾኑ ዝምልመሉ ዝነበሩ ተተኪኡ። ምኽንያት መእሰሪኡ ክሳብ ሕጂ (ብዘይካ ብ03 ዝዝርጋሕ ወረ) ብወግዒ ኣይተገልጸን።

ኣብዚ ብንጹር ከብርሆ ዝደሊ፣ እዞም ክብ ኢለ ዝጠቐስኩዎም ሓለፍቲ ‘ትሕቲ ሰቦም ተዋጋእቲ ነይሮም’ ወይ’ውን ‘ውግእ ኣብ ምእላይ ድኹማት ነይሮም’ ይብል የለኹን። እኳ ድኣ ካብቶም ኣብ ብርጌድ 51 ዝነበሩ ሓለፍቲ፣ ሚኪኤል ጊለ (ወዲ ጊለ) ኣብቲ ብጥሪ 1984 ግምባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል (ውቃው እዝ) ንምድምሳስ፣ መሓሪ ጸገዳይ (ወዲ ጸገዳይ) ድማ፣ ኣብ ግንቦት 1988 ከረን ንምሓዝ፣ ኣብ ዝተገብረ ውግኣት፣ ሰራዊቶም መሪሖም ናብ ውሽጢ መስመር ጸላኢ ሰሊኾም ድሕሪ ምእታዎም፣ ብጅግንነት እናተዋግኡ ክቡር ህይወቶም ንሃገር ሂቦምን ተሰዊኦምን ኢዮም።

እቶም ዝተረፉ’ውን ከም ኩሎም መራሕቲ ኲናት ኤርትራ ነናይ ገዛእ ርእሶም ናይ ጅግንነት ታሪኽ ክህልዎም ከም ዝኽእል ርግጸኛ ኢየ። ኩሎም (እንተላይ እቶም ኣብ ብርጌድ 58 ዝነበሩ) ሓለፋ ብጾቶም ናብ ናይ ሓላፍነት ቦታ ከም ዝደየቡ ግን ዘካትዕ ኣይኮነን። ከምኡ እንተዘይከውን ነይሩ፣ እዞም ካብቲ ከባቢ ጥራይ ዝተሓርዩ ሰባት፣ ልዕሊ ኩሎም ተጋደልቲ ኣመንቲ ምስልምና፣ ልዕሊ’ቶም ካብተን ካልኦት ኣውራጃታትን ካልእ ከባቢታትን (እንተላይ ካብቲ ካልእ ከባቢታት ሓማሴን) ዝተሰለፉ ተጋደልቲ ኣመንቲ ክርስትና፣ ንበይኖም ብኽንድዚ ቂጽሪ ሓለፍቲ ንምዃን ዘብቅዖም ምኽንያት የለን።

እዋኑ እዋን ሰላሕታ ወራር ኢዩ። ኣሃዱታት ካብን ናብን ዝወናጨፋሉ ዝነበራ እዋን። ጋንታና’ውን (ጋንታ ሃንደሳ) ካብ ታባ ሰላም (ከባቢ መንድዓት) ናብ ማእከላይ ግምባር ናቕፋ ተቐይራ። ኣነ ኣብ ወርሒ ሓምለ 1983 ኣብ ስንክልና ዘብጽሕ መውጋእቲ ስለ ዘጋጠመኒ ናብ ሕክምና ኢየ ኣምሪሐ። ብሰንኪ’ቲ ዘጋጠመኒ ስንክልና ናብተን ሓይልታት ክምለስ ስለ ዘይከኣልኩ፣ ናብቲ ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ መርሓ ዝነበረ ጨንፈር ትምህርቲ ተመዲበ። እቲ ብበራኺ ገብረ-ስላሴ ዝምራሕ ዝነበረ ጨ/ትምህርቲ ድማ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ ከም መምህርን ኣላይ ተማሃሮን ኮይነ ክሰርሕ መዲቡኒ። በዚ ድማ እቲ ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት ዝነበረኒ ቀዳማይ ትዕዝብቲ (ምጥርናፍ ደቂ ሓደ ከባቢ ናብ ሓላፍነት) ኣብቂዑ።

ኣብ ዝቕጽል 9ይ ክፋል ጽሑፈይ፣ ቅድሚ ናብ ካልእ ምእታወይ፣ ብዛዕባ’ቶም ኣነ ካብ ዝስለፍ ክሳብ ብምኽንያት ስንክልና ካብቲ ኣሃዱ ዝወጽእ፣ ከይተቐየሩ ኣዛዚ ብርገድን መራሕ ሓይልን ዝነበሩ ክልተ ሰባት፣ ማለት ዓሊ ኢብራሂምን የማነ በርሀን ቁሩብ ክጽሕፍ ኢየ።

… ይቕጽል

aseye.asena@gmail.com

Review overview
60 COMMENTS
  • ERITRAWIT November 21, 2013

    Dear Tadese,
    Tell us everything you know. most the name you mentioned do you think they are real deki Hamasien or tewelje like Isaias?

  • soyra November 21, 2013

    Ajoka tadese jigna haki mizrab ayefrihin eyu.

  • ኣይበልናን'ዶ November 21, 2013

    ኣብ 1982-83 ኣብ ኣብ ድሕሪ መስመር ጸላኢ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ከባቢ ኣብ ኣከለጉዛይ ካብ እምባሰይራ ክሳብ ዓላ ቀጺሉ ክሳብ ሰራየ ጽልማ ዝንቀሳቀስ ኣብ ዘባዊ ሰራዊት፡ካብ ኣኽራን ከባቢ ሰንዓፈ፡ካብ ሃዳድም ጨዓሎ፡ከባቢ ጾሮና፡ኣብ ከባቢ ጽንዓደግለ፡ደቂ ድግና፡መረታ ካብ ከባቢ ሓደግቲ ተገፊፎም ኣብ ሳዲግ ዝተዓለሙ ካብ ከባቢ እንጋናኣ ዚመጹ ዚነበሩ ኣማኢት ሚሊሻ ዝቖመ ዓጠምጠም ዝብል ብሓይሊ 21,22,23 ዝቖማን ክሳብ 80-90 ኣቢሎም ዝኾኑ ከቢድ ብረት ዝነበሩዋ ቦጦሎኒ፤መራሒ ሃይሊ 23 ኮማንድስ ነበር ወዲ ከባቢ ኣከለጉዛይ፡እታ ሃንቲ ሃይሊ ብወዲ ኣንጠንዮስ ( ህሉው ) ሳልሰይቲ ኣይዝከረንን መራሒኣ።ኩሎም ኣብታ ቦጦሎኒ ዚነበሩ፡ኮሚሽነራት ይኹን መራሕቲ ሃይሊ ካብ ሚሊሽያ ጀሚሮም ብነዊሑ ዝተኣካከቡ ምስ ግዜ ናብዚ ደረጃዚ ዝበጽሑ ክኾኑ ንይታ ቦጦሎኒ መራሒ ግና ካብ ሳሕል ተጸዊዑ ዝመጸ ወዲ ቀሺ ዝበሃል ተጋዳላይ ወዲ ከባቢ ሓማሴን’ዩ ኔሩ።ንሱ ( ህሉው’ዩ ) ቀይሕ ደልዳላ መግባዕብዒ’ዩ ኔሩ መራሒ አ።ፈለማ ምስ ረኣኹዎ ጽፈት ክዳኑን ዕጥቁን ኣብ በረኻ ዚነብር ኣይመስልን።ስለያ ተባሂሎም ክጽውዑ ዝሰማዕኩዎም ብሾመንተ ድልዱላት ግን እኹል ፖለቲካዊ ኣፍልጦ ዘይብሎም መናኣሰያት ተሓልዩ’ዩ ዝከይድ።ንሳቶም ኣካላቶም ድልዱል ኮይኑ ዘይኮነ ናቶም መሻርፍ ፍሉይ ስለዝነበረ ቅልጽሞምን ዳናጉኦምን ከክንዲ ግዛዕ’ዩ።ወዲ ቀሺ፡ብፍሉይ ስራሕ እንተዘይኮይኑ፡ካብ ሓረነ ገደለ ኣይሃልፍን’ዩ።ኩሉ ግዜ ኣብ ዓላ፡ኣብ ሓሬነ ገደለ፡ተውሮ ዝ ኣትወን ፍሉያት ገዛውቲ፡ክዳውንቱ ክሓጽባን፡ገዛውቲ ከይደን መስታህረሪ ዝልምና ከምዝነበራ ብዙሓት ደቂ’ንስትዮ ኦኣላ ዝዛረባሉ ኢዩ።ቀንዲ መዋፈሪ ቦት ኡ ዓደረሶ’ዩ፡ሃደ መኦኣልቲ ኣብቲ ቤትጽሕፈቱ ከይደ እቲ ንሱ ዝድቅሰሉ ዓራት ካብቲ ኣነ ኣብ ኣኤውሮጳ ዝድቅሰሉ ይምዕርግ።

    • Brhane November 21, 2013

      Aybelendo, Merahi Haili 23 Chealo iyu zbhal.Swu jigna Chealo btami weriu gnun iyu neru bflay ab wedegeba. netom wedo geba kwefru kelwu nkulom bshmom yifeltom iyu nero. Nay chaelo hayli mestia ala entetebahilu wedegeba mai iyom zkonu nerom. Dhar kemzsemaekwo Jgna Chealo ab 1984 abti teselai nbarntu nmlas zgeber zneber rebrb kem ztesewee semie.

      • ኣይበልናንዶ November 22, 2013

        ዝኸበርካ ብርሃነ፡ጨዓሎ ክርሰኦኣሉ ዝኽእል ደረጃ ኣይበጻሕኩን።ክጽሕፎ ከለኹ’ውን ንሱ ኣካልቶም መራሕቲ ምንባሩ ይዝክር ኔረ’የ።ግን እታ ሳልሰይቲ ሃይሊ ብፍላይ ሃይሊ 22 ሳሕል ከይዳ ስለዝነበረት ናታ መራሒ ምንባሩ ወይ ናይ ካልእ ምንባሩ ኣብ ጥርጥር ስለዝ ኣተኹ’ዩ።ርግጽ ናይ ሓይሊ 23 ወዲ ሸቃ ይብሉዎ።ስለዚ ጨዓሎ ነዊሕ ተዛራቢ ምንባሩ፡ወዲ ጨዓሎ ሃዳድም ምዃኑ ኣጸቢቅ ይፈልጥ’የ።እቲ ክብሎ ዝደሊ ግን ኣነ ንህሉው ይኹን ስዉእ ብጀግና ኣጋኒነ ኣይጽውዖን’የ።ምኽንያቱ ጀጋኑ ብጾት ዘይብሉ ጀግና ክከውን ኣይክእልን።መራሒ ቦጦሎኒ ብምዃኑ ጀግንነት ክወሃቦ እቲ ብሰንኪ ሕማቕ ኣተኣላልያኦም ዚሞተ መንእሰይ ብድርባይ ኣይገልጾን’የ።መብዛሕቱ ዝተኣደደ ስርሒት ይኹን መደብ ተግባራይ ኣንተዘይብሉ ኣብ ዓወት ኣይበጽሕን’ዩ።ስለዚ ጨዓሎ ንበይኑ ጀግና ኔሩ ክብል ኣይደፍርን፡ፈራሕ ሕማቕ’ዩ ከኣ ኣይበልኩን።ክትፈልጦ ዘሎካ ኣብ ህግ ዝወሃብ መሪሕነት ከመይ ምኳኑ ታደሰ ኣስፊሩዎ ኣሎ።ጨዓሎ ናቱ ጽቡቕ ይኹን ናቱ ሕማቕ ጎድኒ ዘለዎ ኤርትራዊ’ዩ፡ኣብቲ ስለ ነጻነት ዝግበር ጥምጥም ከኣ ግቡኡ ፈጺሙ ከም ኩሎም ዜጋታት ተሰዊኡ።ወላካ ብህግደፍ ይደወን’ምበር፡ሎሚ ኤርትራዊ’የ ዝብለል መለልይ ስለዘጎናጸፈ ከኣ ከም ስውእ መጠን፡ካብቶም ካል ኦት ፈልየ ኣትሒተ ወይ ሃላፊ ብምንባሩ ኣኽቢረ ኣይኮንኩን ዝርእዮ፡ክብሪ ናይ ስውእ ጥራህ’የ ዝህቦ።እቶም ወዶገባ ዝበልካዮም’ውን ልክዕ ኣብቲ ግዜ’ቲ ተበዲሎም ይኹን ሰኣን ንቕሃት ዝወሰድዎ ስጉምቲ’ት ኢዩ።ኣነ ክመዝፈልጦ ካብተን ሃይልታት ዘይቅኑዕ ነገራት ርእዮም ሃዲሞም ዝከዱ ኔሮም።ካብዚ ኣብመንጎ’ቶም ሃለፍትን ተራ ተጋዳላይ ማለት ዞባዊ ሰራዊት ዚነበረ ዘይምቅድዳው።ሽዑ ኣብቲ ቦታ’ቲ ከምቲ ኣብ ሳህል ዚነበረ ፖለቲካዊ ኣረኣኣያ ማለት ጉዳይ ናይ መንካዕን ካልእ ዘይኮነ፡ካብ ማህረስን መጓሰን ሃደ ኢድካ ብረት ሃደ ኢድካ ዕርፊ ተባሂሉ ዝመጸ ሰራዊት፡ብዛዕባ ፖለቲካ ጽቡቕ ኣፍልጦ ኣይነበሮን።ግን ኣብቲ ውሽጢ ዝግብር ዚነበረ ካብ ባህርን ካብ ዘይክእለት ናይ ገለ መራሕቲ መሳርዕ፡መራሕቲ ጋንታታ ዝገበሩዎ በደል ዝተኣካከቡዎ’ዩ እቲ ወዶገባ ትብሎ ዘሎኻ።ልክዕ ኣብቲ ግዜ’ቲ ተጋደልቲ ጀብሃ ዚነበሩውን ኔሮም ኢዮም።ጀብሃ ስለምንታይ ናብ ኢትዮጵያ ኢዶም ሂቦም ፍሉጥ’ዩ።ምኽንያቱ ንሳቶም ኣሰራርሃ ኢሳያስ ህዝቢ ኤርትራ ኣጽኒትካ፡ንሃደን ንሃዋሩን ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ንምግባር ዘኦኣለመ ናይ ነዊሕ ኣስትራተጂ ምንባሩ ተማሂሮሞ ኢዮም።ስለዚ ነቲ ኩነታትቲ ኣጸቢቕካ ትፈልጥ እንተኾንካ፡በቲ ናይ ሽዑ ኣረኣኣያ ኣይትገምቶ።እቶም ወዶገባ ኤርትራውያን ኢዮም።ገሊኦም ኣቐዲሞም ተወዲቦም ኣገደስቲ ስራሕ ዝሰርሑ፡ገሊኦም ኣሃዋት ተጋደልቲ፡ገሊኦም ደቂ ተጋደልቲ፡ገሊኦም ወለዲ ተጋደልቲ ኢዮም።ንሳቶም ኢትዮጵያውነቶም ኣሚኖም ኣይኮኑን፡ናይ ኢትዮጵያ ብረት ሒዞም።እቲ ኩነታት ዝፈጠሮ ቑጦዓ’ዩ።እብቲ ኩነታትቲ ከኣ ዝኾነ ኣባል ክፍሊ ህዝቢ ኣብ ርእሺ ዝኾነ ገባር ኣብ ጽሑፍ ዘየሎ ሕጊ ህግ ብምባል ድላዩ ዝገብረሉ ዚነበረ ኢዩ።ስለዚ ብርሃነ፡ኩነታት ከምቲ ዚነበሮ ንፈርድ እንተሊና ገና ናይ ኣተሃሳስባ ምቅይያር ኣየምጻኣናን፡ገና ዝሃለፍናዮ ሕይወት ቃልሲ ኣንቢብና ኣይተረዳኣናዮን።ፈቲኻ ጸሊእካ ወዶ ገባ እቲ ዘይቅኑዕ ኣሰራርሃ ህግ ዝፈጠሮ ኢዩ።

  • mart November 21, 2013

    Ab eritrea kemzi himam yelen kiltiekum shigir ikum(Akeleguzayn hamasien) kulu gizie bifilay Akeleguzay imo zebra tiray kemzi koyna abbey adika kitblu meryet mesykum you are infected wala muhurkum kulukum hade . Hade seb si intay ilu meslekum mechem kab kedemom iyum iti himam zineberom hade seb si niskum wegeninet yetikeakum iyu mis beliwo kulom itom zeililwo zineberu shiu nisu imo nabey kintefalkum mis tigray do kinihiweselkum iluwom intay geberuka itom tigray abiuu kedkum kea ketehimimuwom iluwo yibilekum silezisi ab miffililay is kulu eritrawi yifeltekum nisikum tigedu . itom hamasie iwun intekonu kemakum iyom tiebit tiray hanti zebilom felaleyti . hiji meharuna nihna kemey Iseyas yitefie ina nibil zelana imberey abziu adey abizba aytibelu.

  • soyra November 21, 2013

    Ane zigermeni gin hade neger alo kuburat eritreawian ab hade hager emo kidizi zeakil meswati zikefelet HAGER bizey haymanot bizey awraja mifililay behade tesewiom kinesu deki hade awraja HAMSYEN emo dima hade kebabi KARNESHIM.
    ezom kulom GENRALAT kiree koleka behaki zigerim eyu.bitenkol kab kedem gemirom zehaziwo mokanu dima yeredeka.Eti kale zigerim zelo higi dima kab kulu awrwaja degaftin tekawamin alowu.ab wetsae zirikebu ahwat deki hamasyen gin entay filuy rebha kezelewom ni HGDEF yidigifu alowu.Silemintay kemzi kemzi koynu zeredeni seb entelo bitihtina yehatit???

    • zeySkef November 21, 2013

      HADE SEB rESE MITeMman ms zyeHlwo kulu gZie Mstesekefen msTsheKren iyu. Wala neti bgegerhka itgebro hwnetawi kebaBiawi mkrrab beta zelato hMam iyu ztmta.
      nezom teshekrirom znebrun zquzumun mhret yewrdelom. Netom zterfna dma kabzi memaseni hmam izi yedHnena.

  • zerai teklay November 21, 2013

    Ok Tadese izi tblo haki kikewn ykl indiu gina ab mewedata kab hamasien koynom n hamasien lili akologzay halefa intay geromla? kalay lili akologzay mekera zirekb zelo hizbi hamasien iu meretu n bonda inda teshete nsu meret zeyrekebe kindey mensey alo iti bonda kea deki akolegzay iyom zigeziwo zelew silezi wele dea deki hamasien ykunu imbere zeyrom zeyrom neakum iyom tekimomkum.zitekmkumn zelew.kali tarik tzrz sile zeleka kemu megberiom nay kedem tarikum gemirka (40tat) mizerzerkayo. iti kemu megberiom kisab hiji ziksl zelo guday kidmi bretawi kalisi temeliska reayo,kali ane kab hamasien iye hgdf ghin suru meseretu kitefi zideli seb iye.

    • MightyEmbasoyra November 21, 2013

      Ato Zerai,
      What Tadesse is doing is just stating his personal experience. He didn’t blame the people of Hamassien or any awraja. Yes, HGDF is doing every terrible thing one can imagine to the whole Eritrea indiscriminately. Hamassien didn’t get anything good out of HGDF at all. Let him finish his writings.
      Just my two cents.

    • Zaul November 21, 2013

      kab karneshim tray keytkhewn :). nhna anxar hgdef knkewn aykealn eu? entay sle zrekhbna? gele wlqesebat deqi eti kebabi generalat sle zkhonu? zesdemim eu!!!

      deqi kebessa kemzi gerna dea nmenachet, nmen kem ztiemo kea nfelit ina.

    • ኣይበልናንዶ November 22, 2013

      ብዘይካ ኣብ ከባቢ ሃማሴን፡ኣብ ከባቢ ሰራየን ኣብ ባርካን ኣብ ኣከለ ጉዛይ ዝተካየድ ወይ ዝተሰርሀ ነገር ኣብ ጋዜጣ ሃዳስ ኤርይትራ ሪኢኻ።

  • Mahta November 21, 2013

    Tadesse, you are either a diehard selfish regionalist, who can`t think beyond his “ruba” OR you are a cover up agent of hgdf, who tries to create division among our people at this crucial moment, when everyone is talking to challenge the dictator through unity.

    • ተወልደመድኅን November 21, 2013

      ስማዕ ማሕታ፡ሓድነት ነገራት ሓቢኢካ ብዕበጦ ዓባብጦ ኣይመጽእን’ዩ።ዝመጽእ እንተዝኸውን ህግ ንነዊሕ ዓመታት ህግደፍ ከኣ ን20 ዓመት ሃቢኦም በቲ ዝተገብረ ቅያ ጥራሕ ክዛረቡ ኣነሆ ኣብ ህልም ዝበለ ዓዘቕቲ ኣጥሒሎምና ይርከቡ።ብዘይካኡ፡ኣብ ነጻነት ዝተወልደ ኤርትራዊ ግዳይ ናይቲ ተሓቢኡ ዝጸንሀ ጉዳይ ኮይኑ፡ሎሚ ኣብ ሲናይን ኣውያቱ፡ኣብ ቀላይ ሜድተራንያን ንዓሳታት ባሕሪ፡ኣብ ሰሃራ ከኣ ንራዋዩ ኮይኑ ተሪፉ ኣሎ።ስለዚ ሓድነት ነገራት ብሚስጢር ሒዝካ ስለዘይክየድ፡ንሕና ብግልጺ ንዛረብ።ብግልጺ እንተተዛሪብና ሌላ ይርከብ፡ድሕሪኡ ምክብባር።ካብ ምክብባር ከኣ ፍቕሪ ይጅምር።ፍቕሪ ናብ ምትእምማን ወሲዱ ሓድነት ይተርር።ካብዚ ሃድነትዚ ከኣ ከም ህዝብን ሃገርን ቀጻልነትና ይህልወና።……ሎሚ ኣብዚ ሕማቅ ኣዋን ኩሉ ኣተሃሳስባናን ኣረኣኣያናን ናብ ሃቂ ናብ ቅንዕና እንተጠሚቱ እቶም ዝውለዱ ዳህረዎት ወለዶ ሰላም ዘለዎ ኅብረተሰብ ኣብ ኢዶም ይኸውን።………መልእኽቲ ታደሰ ናብ ሃድነት’ምበር ናብ ባኣስን ግጭትን ዚመርህ ኣይኮነን።እቲ ዝብሎ ዘሎ ስለዝነበረ ይዛረብ ኣሎ።ስለዚ ንዝነበረ ጉዳይ መን ኣይነበረን መን’ከ ነይሩ ኢሉ ክጋጨወሉ ፈሪህካ።እቲ ንሱ ዝብሎ ዘሎኮ ብውሽቲ ውሽቲ ኮይኑ’ምበር ኩሉ ዝግምቶ’ዩ።ስለዚ ታደሰ ብግልጺ ስለዝተዛረበ ድዩ ኣውራጃዊ ተባሂሉ።እቲ ኣብ ከተማታት ኤውሮጳን ኤሜሪካን ሃዎም ወዲ ኦኣድም።ዘመዶም….ካልእን ኣብ መኦኣርግ ጀነራልን፡ሚንስተርን ወይ ካላ ናይ ዲፕሎማሲያዊ መዳይ ብምህላዎም ነዚ ዘሎ ጸገም ቅጭጭ ከይበሉ ናሕና ንሱ፡ንሱ ንሕና ዝብሉ’ከ ኣንታይ ንበሎም።ብናትካ ኣጠማምታ ሃገራውያን ኢዮም።እቶም ነዚ ታደሰ ዝበሎ ኣጸቢቖም ዝፈልጡ’ከ ስለምንታይ ስቕ ኢሎም ኣጽቒቶም ስለ ሃድነት ኢሎም ድዮም።ኣይኮነን ማሕታ ብዙህ ኣሎ ጽሉላትን ዘይምዕቡል ኣረኣኣያ ዝሃነጹ ሰሚዕና ንቅኑዕ ኣረኣያና ዝከሓድና።ኣዚ ኩሉ ጸገም ከኣ ነጻ ዘይኮነ ኣተሃሳስባ ሂዝና፡ሓሳብና ዘይንሕውሰሉ ዝተበሃልናዮ ጥራህ ክንከፍል ምስጀመርና’ዩ ሕማምና ጀሚሩ።ክትፈልጥ ገለ የወሃት፡ጥራህ ጽቡቕ የመሃድር’ምበር ክሳብ ዝመውት’ውን ኢሳያስ ዘይመርሕ ዝብሉ ኔሮም።እዚ ዘረባታት’ዚ ኣብቲ ዜጋታት ተኣሲሮም ህታሞም ዘጥፍ ኡሉ 2001 ዝበሃል ዚነበረ’ዩ።ስለዚ ነዚ ትብሎ ዘሎካ መስቀላዊ መንገዲ ስዒርና ሃድነትና ኣረጋጊጽና መሰስ ክንብል ትደሊ ኣንተኾንካ፡ካብቲ ሚስጢር ምዕቃብ ከም መሳልል ኦኣወት ገይሮም ሓሲቦም ዝመሃሩ ክትወጻ ኣሎካ።ንሳቶም ነገራት ብሚስጢር ምሃዝ ናብ ድላዮም የብጽሖም’ዩ።ንሕና ግን ነገራት ብሚስጢር ምሃዝ መራሒ ውድቀት፡ነገራ ብግልጺ ክከይድ ኣንተጀሚሩ ፍርሂ ይኹን ስኽፍታ ምስ ምጥርጣር ስለዘይህሉ እቲ ናብ ኦኣወት ዘብጸሃና ስኒትና ዘደልድል ግሉጽነት ክንመሃር ኣሎና።

  • abebahagos17 November 21, 2013

    ታደሰ ኪዳነ ናይ በሓቂ ተባዕ አዩ።መኽንያቱ አቲ ኣብ ልቢ ብዙሓት ተጋደልቲ ዝነበረ ግን ኸኣ ክንዛረበሉ ዘደፈርና ጽዩፍ ኣሰራርሓ ህግሓኤ አዩ ደፊሩ ዳግማይ ከይድገም ዚምህር ዘሎ።ኣይነበረን ዝብል አንተሎ ከኣ ኣብቲ ቀሪቡ ዘሎ ኣስማት ኪዛረብ ምስናይ መርትዖታቱ ጽቡቕ ይመስለኒ።ከም ተወሳኪ ኣነ ኣብቲ ኣሃዱ ከምዝነበርኩ መጠን ናይ በሓቂ ዝቐረበ ሙኻኑ ክሕብር ይፈቱ።ታደሰ ሰንኪሉ ናብ ደጀን ምስ ከደ ዚመጹና መራሕቲ ቦጦሎኒ ሓይለኣብ ኢሳቕ(ወዲ ኢሳቕ)ዓዱ ሽማንጉስ ካርነሽም፡ ኣማኔኤል ጋርዛ(ወዲ ጋርዛ)ዓዱ እምባደርሆ ካርነሽም ከ ብሃውሪ ዚተገብረ ዲዩ ኪበሃል፡ኣብቲ ኣሃዱ ምስ ዝነበሩ ገዳይም ማአከልነት ሓይልታት ዝነበረ ግርጭት ክኣ ድኽመት በዓል ወዲ ኢሳቕ ንምሽፋን ኮነ ኢልካ ጌጋታት ሃሰው ምባል ዝመንቀሊኡ ምንባሩ ናይ ትማሊ ትዝታ ኢዩ።ስለዚ ጽባሕ መታን ክጸሪ ናይ ትማሊ ገጋታት ክፍለጥን መምሃሪ ክኸውንን ብዘይ ስክፍታ ክንገር ኣለዎ።

  • dekibat November 21, 2013

    viva tadese kidane, you made every regionalist person nervous and they are trying to hide because where ever they go we will uncover their deception of hade libe hade hisbi slogan.
    Eseyas used hamasien people to wibe out akeleguzay when that failed he tried divided our awraja into three and gave it to other awrajatat and he is always on the look out for akeloguzay people to destroy them.they taught us in bet timhirt sewra(EPLF school)as part of politics how Alexander the great conquered and controlled his empire from Greece to Iran by dividing the regions and by relocating the people from Iran to Egypt and From Egypt to Greece through compulsory marriage and hence no one will have the sense of belonging to any land.However eseyas and his generals and his countrymen tegaru replicated and implemented Alexander the great idea.Beleive it we are akeloguzay we will still be thinking and attacking our enemy like bees forever.

  • Negga Yosif November 21, 2013

    I don’t understand why some
    People are disappointed when like Taddesse are writing true story if Taddesse is not writing some one will write the story because again NO ONE CAN BURY HISTORY.And the people of Eritrea deserves to
    know hes history except hegdfyawyan
    Again TELLING THE TRUTH IS A BRAVE ACT.And Taddesse is one of them.
    Please let’s try to be rational and focus to the main target.

    Hegdfyawyn He is not writing
    ageanst any awraja from very
    beginning he makes it clear
    the aim and purpose of he’s
    writing.
    Please be rational.
    Again TELLING THE

Post a Reply to hamassien Cancel Reply