Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን ውልቃዊ ትዕዝብቲ – ታደሰ ኪዳነ – በርሚንግሃም (8ይ ክፋል)

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን ውልቃዊ ትዕዝብቲ ታደሰ ኪዳነ   በርሚንግሃም                      8ይ ክፋል         20/11/2013   ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሩ ክከላኸል ዘይክእል፣ ኣዝዩ ድኹምን ዝተበታተነን ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሎሚ ዘሎ ምትርማስ መሰረቱ ትማሊ ኢዩ። ነቲ ናይ ትማሊ ከም ዘለዎ እንተዘይተዛሪብናሉ

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን

ውልቃዊ ትዕዝብቲ

ታደሰ ኪዳነ   በርሚንግሃም

                     8ይ ክፋል         20/11/2013

 

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሩ ክከላኸል ዘይክእል፣ ኣዝዩ ድኹምን ዝተበታተነን ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሎሚ ዘሎ ምትርማስ መሰረቱ ትማሊ ኢዩ። ነቲ ናይ ትማሊ ከም ዘለዎ እንተዘይተዛሪብናሉ ድማ ጽባሕ ንኸይድገም ውሕስነት የብሉን። ንነዊሕ እዋን ስለ ዘይተዘርበሉ መሊሱ ክገድድ እምበር፣ ትም ምባልና ዘምጽኦ ፍታሕ የለን። ፖለቲካዊ ባህሊ ህዝብና እምበኣር፣ ናብቲ ናይ ትማሊ ዘይኮነስ፣ ናብቲ ናይ ቅድሚ ትማሊ ክምለስ ኣለዎ።

ጠንቂ ናይዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ፍልልያት ድማ፣ እቲ ከተማዊ ናይ በጋሚንዶ ጠባይ ሒዙ ዝዓበየ ጉጅለ፣ ነቲ ሓቅነትን ግርህነትን ዝመለለይኡ፣ ብዙሕ ተንኮላት ዘይፈልጥ ካብ ገጠራት ዝተሰለፈ መንእሰይ ከታልል ምኽኣሉ ኢዩ።

 

ኣብ 7ይ ክፋል በዛ እትስዕብ ሕጥበ-ጽሑፍ ኢየ ተፋንየኩም።

“ስለዚ ካብቶም ኣብ 1979/81 ኣብ ብርጌድ 51 ዝነበሩ 6 ሓለፍቲ ቦጦሎኒታት፣ ንጃበራ ገዲፍካ (ኣማኒ ምስልምና)፣ እቶም 5 ደቂ ሓደ ከባቢ (ካርነሽም) ነይሮም። እዚ ኣወዳድባ’ዚ ነቲ ኣብቲ እዋን’ቲ ዝነበረ ናይ ተጋደልቲ ተወፋይነት፣ ደረጃ-ትምህርቲ፣ ግድምናን ካልእን ብዝኾነ ይኹን መልክዑ ‘ምኽኑይ ይገብሮ ኢዩ’ ዝብል እምነት ሓዲሩኒ ኣይፈልጥን።”

8ይ ክፋል ድማ ይስዕብ …

እዚ ጽሑፍ’ዚ ናብ መርበብ ሓበሬታ (ኢንተርነት)ቅድሚ ምዝርግሑ፣ ንሓደ ሰብ ብዛዕባ’ዚ ኩነታት’ዚ ምስ ኣዕለልኩዎ፣ ንሱ’ውን ብወገኑ፣ “ኣነ’ውን ኣብዚ ትብሎ ዘለኻ እዋን ኣብ ብርጌድ 58 ነይረ። ናይ ብርጌድና ኣተዓዳድላ ሓላፍነት’ውን ካብኡ ዝፍለ ኣይኮነን” ብምባል ኣብቲ ብርጌድ (ብርጌድ 58) ኣብ 1979/81 ዝነበሩ ዝርዝር ኣስማት ሓለፍቲ ናይቲ ብርጌድ ሂቡኒ። ኣስማቶምን መበቆል ዓዶምን ድማ ይስዕብ፣-

ኣዛዚ ብ/ድ ስዉእ ኢሰያስ ተወልደብርሃን (ወዲ ፍላንሳ) ►ኣኹሩር   (ኣከለጉዛይ)

ኮሚሳር ብርጌድ = ሃይለ ሳሙኤል  (ሕጂ መ/ጀነራል)  ►ዓዲ መንጎልቲ (ሰራየ)

1. ቦጦሎኒ 1 – ኣዛዚ ቦጦሎኒ =    ወዲ ፍሩጅ        ►ማርያ  (ሰንሒት)

ኮሚሳር ቦጦሎኒ = ስዉእ ተስፋኣለም በርሀ  ►በለዛ (ሓማሴን)

2. ቦጦሎኒ 2 – ኣዛዚ ቦጦሎኒ  = ገብረገርግስ (ቋንቁ)  ►ኩትሞ’ውሊዕ (ሓማሴን)

ኮሚሳር ቦጦሎኒ = እዝራ (ወዲ ቀሺ)   ►በለዛ   (ሓማሴን)

3. ቦጦሎኒ 3 – ኣዛዚ ቦጦሎኒ = ሓጎስ ተኸስተ  ►ንኡስ ዞባ በሪኽ (ሓማሴን                                                              ኮሚሳር = ጸጋይ ሃንስ (ወዲ ሃንስ)   ►ዓዲ ንፋስ (ሓማሴን)

ኣብዚ ብርጌድ’ዚ እውን፣ ንወዲ ፍሩጅ (ኣማኒ ምስልምና) ገዲፍካ፣ 5 ካብቶም ዝነበሩ 6 መራሕቲ ቦጦሎኒታ፣ ከምቶም ኣብ ብርጌድ 51 ዝነበሩ ደቂ‘ቲ ከባቢ ነይሮም ማለት ኢዩ።

እቲ ብሰላሕታ ዝፍለጥ 7ይ ወራር ምስ ጀመረ፣ ማእከላይ ግምባር ዝብል ስም ዝተዋህቦ፣ ብኸባቢ ሓልሓል፣ መለብሶ፣ ሃበሮ፣ ከባቢታት ሸገን ሮራ-ባቕላን ሓድሽ ግምባር ተኽፊቱ። ገለ ቦጦሎኒታት ናይቲ ብርጌድ (ብርጌድ 51) ናብኡ ስለዝተሳሕባን፣ ጋንታና (ጋንታ ሃንደሳ’ውን) ንገለ ካብቲ ክፉት ቦታታት ክትዓጹ “ታባ ሰላም” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቦታ ክትሕዝ ተኣዚዛ። ሓደ ግዜ ኣብዚ ዝተባህለ ድፋዓት (ታባ ሰላም) ከለና፣ ሓደ ሓላፍነት ዘለዎ ዝመስል፣ ብኻልኦት ሰባት ተሰንዩ ኣብቲ ዝነበርናዮ ድፋዓት ይዘውር ነይሩ። “መን ድኣ’ሉ?” ዝብል ሕቶ ምስ ተላዕለ ድማ፣ ኣፎርቂ የማነ ከም ዝበሃልን፣ ቅድሚ 6ይ ወራር፣ ኣብ ግምባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ሓኪም ብርጌድ ኮይኑ ይሰርሕ ከም ዝነበረ፣ እቲ ውግእ ቅድሚ ምጅማሩ ድማ፣ ኣብቲ ዝነበሮ ኣሃዱ ኮሚሳር ቦጦሎኒ ከም ዝኾነን፣ ሕጂ ድማ ንገብርሂወት ዘሞ (ወዲ-ሊቀ) ቀይሩ ኮሚሳር ቦጦሎኒ 3 ክኸውን ተመዲቡ ከም ዝመጸን ሰሚዕና።

ብኡ ንብኡ ድማ ትሒምሒም ስዓበ። ንሱ ድማ “ኣብዚ ቦጦሎኒ ዋላ’ውን ኣብዚ ብርጌድ ሓዊ ሓዊ ዝጨንዉ፣ ኣዝዮም ሓያላት ተዋጋእቲ መራሕቲ ሓይልታት ከለዉ ድኣ፣ ብኸመይ ኢሉ ኣላይ ሕሙማትን ውጉኣትን ዝነበረ፣ ብቐጥታ ናብ ኣላይ ኲናት ተቐይሩ?” ዝብል ኢዩ። ብሓቂ’ውን ኣብቲ ብርጌድ ዋላ’ውን ኣብቲ ቦጦሎኒ ኣዝዮም ንፉዓት መራሕቲ ሓይልታት ነይሮም ኢዮም። ብርጌድና’ውን ብሕክምናዊ ሞያኦም ኣዝዮም ዝምስገኑ ናይ ቦጦሎኒን ናይ ብርጌድን ሓካይም ነይሮማ ኢዮም።

እንተኾነ ነዚኣቶም ካብቲ ንነዊሕ እዋን ክሰርሕሉ ዝጸንሑ ናይ ሕክምና ሞያ ኣልዒልካ ናብ ‘መራሕቲ ውግእ’ ክትቅይሮም፣ ንዕኦም ጥራይ ዘይኮነ፣ ነቲ ክመርሕዎ ዝመጹ ኣሃዱ’ውን ኣዝዩ ሃሳዪ ኢዩ። ናይ ኣፎርቂ የማነ ‘ካብ ኣላይ ሕሙማት ናብ ኣላይ ኲናት’ ምቕያር ድማ ምስኡ ብምንጽጻር ኢዩ ተዘሪቡሉ። ኣፎርቂ የማነ ናብቲ ቦጦሎኒ ተቐይሩ ምስ መጸ፣ ምስ ካልኦት ከምኡ ተቐይሮም ዝመጹ፣ ግን ከኣ “ልዕለኻ ንሕና ኢና ውግእ ንፈልጥ” ዝብል ስምዒት ዝነበሮም መራሕቲ ሓይልታት፣ ኣብ ህልኽ ኣትዩ ምንባሩ፣ ድሕረይ ኣብቲ ኣሃዱ ዝነበሩ ተጋደልቲ ክዛረቡ’ውን ሰሚዐ ኣለኹ።

ኣብቲ እዋን’ቲ፣ ኣብተን ሓይልታት ናይ ብዙሓት ሓለፍቲ ምቅይያራይ ይግበር ነይሩ ኢዩ። እቲ ኣዝዩ ዝገረመኒ ግን ኣፎርቂ የማነ’ውን ከም ሓድሽ ኢፍረም፣ ዓዱ ዓዲ-ንፋስ ምንባሩ ኢዩ። ብወገነይ ሓደ ተኸዊሉኒ ዝነበረ ሚስጢር ዝተጋህደለይ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። እቲ ብድሕሪ ምቅይያር ናይ ሓለፍቲ (ተኽሊጥ) ስዒቡ ወይ’ውን ንዕኡ ጉልባብ ገይሩ ዝግበር ዝነበረ ምትእኽኻብ ደቂ ሓደ ከባቢ ናብ ናይ ሓላፍነት ቦታ ኢዩ። ሽዑ “እቶም ኣብ ሕዳይ ከለና (1979ን – 1981ን) ኣብ ብርገድ 51 ዝነበሩ ሓለፍቲ ቦጦሎኒታት’ውን ብኸምዚ ዝተኣኻኸቡ እንተዘይኮይኖም፣ ካልእ ዝኾነ ሚስጢር ክህልዎ ዝኽእል ኣይኮነን” ዝብል መደምደምታ ኢየ በጺሐ።

ካልእ ምስዚ ተኣሳሲሩ ክረአ ዘለዎ ነገር ኣሎ። ኣብቲ ኣብ 1979 ኣብ ግምባር ናቕፋ ዝነበረ ወታደራዊ ምርብራብ፣ ነቲ ግምባር ብቆዋሚ ዝዓጽዋ ኣርባዕተ ብርጌዳት (51, 58, 70, 77) ነይረን። ካብቶም ሰለስት ሕጂ ዝዘከርኩዎም ኣዘዝቲ ብርጌዳት ድማ፣ ዓሊ ኢብራሂም፣ ኢሰያስ ፍላንሳን ሳልሕ ሕሩይን ነይሮም። ሰለስቲኦም ኣዝዮም ሓያላት ወታደራዊ ኣዘዝቲ ምንባሮም ዘካትዕ ኣይኮነን። እቲ ሜላ እምበኣር ብላዕሊ ብርቱዓት ኣዘዝቲ ገርካ፣ ብትሕቲኦም ንግዜኡ ንዕኦም ዝከታተሉ፣ ውዒሎም ሓዲሮም ድማ ነቲ ስራሕ መሊኾምን ተላልዮምን፣ ናይ ሓዋሩ ኣዘዝትን ወረስትን ንምግባሮም ዝነበረ ውጥን ይመስል። ብሓቂ እውን፣ ዓሊን ኢሰያስ ፍላንሳን፣ ቅድሚ ናጽነት ክስውኡ ከለዉ፣ ሳልሕ ሕሩይ ኣብ ግንቦት 1991 ሰራዊቱ መሪሑ ኣስመራ ኣብ ዝኣተወላ ዕለት ተኣሲሩን ቦትኡ በቶም ወረስቲ ክኾኑ ዝምልመሉ ዝነበሩ ተተኪኡ። ምኽንያት መእሰሪኡ ክሳብ ሕጂ (ብዘይካ ብ03 ዝዝርጋሕ ወረ) ብወግዒ ኣይተገልጸን።

ኣብዚ ብንጹር ከብርሆ ዝደሊ፣ እዞም ክብ ኢለ ዝጠቐስኩዎም ሓለፍቲ ‘ትሕቲ ሰቦም ተዋጋእቲ ነይሮም’ ወይ’ውን ‘ውግእ ኣብ ምእላይ ድኹማት ነይሮም’ ይብል የለኹን። እኳ ድኣ ካብቶም ኣብ ብርጌድ 51 ዝነበሩ ሓለፍቲ፣ ሚኪኤል ጊለ (ወዲ ጊለ) ኣብቲ ብጥሪ 1984 ግምባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል (ውቃው እዝ) ንምድምሳስ፣ መሓሪ ጸገዳይ (ወዲ ጸገዳይ) ድማ፣ ኣብ ግንቦት 1988 ከረን ንምሓዝ፣ ኣብ ዝተገብረ ውግኣት፣ ሰራዊቶም መሪሖም ናብ ውሽጢ መስመር ጸላኢ ሰሊኾም ድሕሪ ምእታዎም፣ ብጅግንነት እናተዋግኡ ክቡር ህይወቶም ንሃገር ሂቦምን ተሰዊኦምን ኢዮም።

እቶም ዝተረፉ’ውን ከም ኩሎም መራሕቲ ኲናት ኤርትራ ነናይ ገዛእ ርእሶም ናይ ጅግንነት ታሪኽ ክህልዎም ከም ዝኽእል ርግጸኛ ኢየ። ኩሎም (እንተላይ እቶም ኣብ ብርጌድ 58 ዝነበሩ) ሓለፋ ብጾቶም ናብ ናይ ሓላፍነት ቦታ ከም ዝደየቡ ግን ዘካትዕ ኣይኮነን። ከምኡ እንተዘይከውን ነይሩ፣ እዞም ካብቲ ከባቢ ጥራይ ዝተሓርዩ ሰባት፣ ልዕሊ ኩሎም ተጋደልቲ ኣመንቲ ምስልምና፣ ልዕሊ’ቶም ካብተን ካልኦት ኣውራጃታትን ካልእ ከባቢታትን (እንተላይ ካብቲ ካልእ ከባቢታት ሓማሴን) ዝተሰለፉ ተጋደልቲ ኣመንቲ ክርስትና፣ ንበይኖም ብኽንድዚ ቂጽሪ ሓለፍቲ ንምዃን ዘብቅዖም ምኽንያት የለን።

እዋኑ እዋን ሰላሕታ ወራር ኢዩ። ኣሃዱታት ካብን ናብን ዝወናጨፋሉ ዝነበራ እዋን። ጋንታና’ውን (ጋንታ ሃንደሳ) ካብ ታባ ሰላም (ከባቢ መንድዓት) ናብ ማእከላይ ግምባር ናቕፋ ተቐይራ። ኣነ ኣብ ወርሒ ሓምለ 1983 ኣብ ስንክልና ዘብጽሕ መውጋእቲ ስለ ዘጋጠመኒ ናብ ሕክምና ኢየ ኣምሪሐ። ብሰንኪ’ቲ ዘጋጠመኒ ስንክልና ናብተን ሓይልታት ክምለስ ስለ ዘይከኣልኩ፣ ናብቲ ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ መርሓ ዝነበረ ጨንፈር ትምህርቲ ተመዲበ። እቲ ብበራኺ ገብረ-ስላሴ ዝምራሕ ዝነበረ ጨ/ትምህርቲ ድማ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ ከም መምህርን ኣላይ ተማሃሮን ኮይነ ክሰርሕ መዲቡኒ። በዚ ድማ እቲ ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት ዝነበረኒ ቀዳማይ ትዕዝብቲ (ምጥርናፍ ደቂ ሓደ ከባቢ ናብ ሓላፍነት) ኣብቂዑ።

ኣብ ዝቕጽል 9ይ ክፋል ጽሑፈይ፣ ቅድሚ ናብ ካልእ ምእታወይ፣ ብዛዕባ’ቶም ኣነ ካብ ዝስለፍ ክሳብ ብምኽንያት ስንክልና ካብቲ ኣሃዱ ዝወጽእ፣ ከይተቐየሩ ኣዛዚ ብርገድን መራሕ ሓይልን ዝነበሩ ክልተ ሰባት፣ ማለት ዓሊ ኢብራሂምን የማነ በርሀን ቁሩብ ክጽሕፍ ኢየ።

… ይቕጽል

aseye.asena@gmail.com

Review overview
60 COMMENTS
  • Gubtan November 22, 2013

    AGEB
    ABZI IWAN MIZRIZAR TARIK AYMEDLEYIN NERU ITIMINTAY AMINTAY IWAN NIRIKEB,NHAWI BBENZIN
    MTFAA MALET IYU TARIK KEMTARIK GIN KIDFEN MALTEY AYKONE MEALTIHALYU MITIRAK MIHASHE INTEZEKONE NETI NAY AWRAJA ZEMITIMIMAN KIGEDID IYU, MERZI NAY HIGDEF TEAWITU MALETIYU
    NAY BEAL MONKY+DIA=ZYNISA INTAY YIDELYU,MEFTOT BEAL SOFIA,SHALEKA BERHE,MESHREFET.NET,
    MIKANIYU,INTEZIHISEBELU.
    GOD BLESS ERITREAN PEOPLE………..AMEN

  • dekibat November 22, 2013

    Negga Yosif,
    It is not the real hamsein , seraye or akeleguzay are nervous. It is the outsiders who used us finally their deceptions are crystal clear. Remember there are some akeleguzay Leklekty and accessories and spies with the dictator, we will finish those leklekty first who made their people suffer before we hunt down the foreigners like isias and his generals. Unity is the best medicine if not every awraja should liberate its own territory and people and let’s see who is going to be stuck with eseyas tigraway as their leader. So we better talk openly so that those who are using us and doing it undercover will be exposed and they are nervous and they want to stop us. Everyone is running away from the truth but nowhere to hide.

  • Mahta November 22, 2013

    Teweldemedhen, there is nothing wrong with telling the truth but I have an issue with the timing. I think Akele people should ask your self, whether you are the once who are really regionalists or the rest of the Eritrean people? at the moment everybody is not happy with Isaias. But Akele people you seemed not happy with everybody, it is all about you, when all the heroes are in prison, yet you only wants to talk about Derue and often you talk like you were the only once who pay all the price during the war of independence..tsemimena eko! even here if you see, people like you, they are tired of defending Tadesse`s ideas, you take it as the truth and the only truth simply because he is from your region. When it comes anyone from your region, you don’t question how right or wrong it could be, you just support it regardless..i think we are tired of you! I wish if you could declare you independence one day and make your region a country, then you will live happily after hamssein seraye keybelekum…But I bet even if that is the case, you will start fighting eachother over which city gonna be capital city of your Akeleguzay…Dekemhare or AdiKeyeh…..eziwedahankum!!

    • MightyEmbasoyra November 22, 2013

      Hi Mahta,
      If there is nothing wrong with telling the truth, why are you bothered?
      With all due respect, what you have mentioned above carries two really bad items (from my point of view):
      1) You can’t stereotype the whole region into one basket. I could be wrong but I would say that you are either consumed by some kind of hate or jealousy of very few people you know from Akele and summarized the whole region is filled with those kind of your imaginary people. Please do simple test: if you have brothers or sisters, think for a while and if you have the same behavior or not. I can assure you that you will find many differences – if you are concentrating on differences
      2) You are working for HGDF (pretending as opposition) and trying to divide the good people of Eritrea.
      When you see a Dr., you have to tell your symptoms in order to get the right diagnosis. We have to tell our sickness to correct and narrow down our differences and then only then we can see unity.
      BTW, if someone had explained to you about your ancestors (I am assuming here that you are indeed Eritrean), they are from the same mother and father (I am talking about those 3 famous brothers – Chaluk/Faluk/etc)
      If you are wondering that where I am from, I can easily tell you. You can’t wait to know, don’t you? Well, I am the breed of those three troubled awrajas (Akele/Hamasien/Seraye).
      Brotherly advice

      • Mahta November 23, 2013

        Hi MightyEmabsoyra, I agree with you,it is not good to generalize! I might be wrong on that, all am saying is though it is not rocket science to know who is regionalist and who is not when we talking in a general sense. It is an open secret that it had been always a power struggle between hamassien and Akeleguzay at the top level, despite that, I think all eritreans where unity against a common enemy.
        I believe that, we all have one enemy and that is the dictatorship, so we need to unity to eradicate him. In my opinion, Mr Tadesse`s articles would play a negative influence in our struggle against the dictatorship, that is the disease they brought up and they shouldn`t try to infect the new generation….if they are interested in telling us the truth, well it can be done one day when we have a free press and a democratic elected government!

        • ተወልደመድኅን November 23, 2013

          I agree with you,it is not good to generalize! I might be wrong on that, all am saying is though it is not rocket science to know who is regionalist and who is not when we talking in a general sense. It is an open secret that it had been always a power struggle between hamassien and Akeleguzay at the top level, despite that, I think all eritreans where unity against a common enemy.እዚ መልእክቲ’ዚ ተስፋ ይገብር ንዓይ ዚምልከት’ውን ክኸውን።እቲ ጸገም ኣብ ህዝቢ ዘይኮነ ኣብቶም ንስልጣን ዝቀዳደሙ ዘለው’ዩ።ካብዚ ከኣ ኣቲ ስልታኑ ክልሕሉ ዝደሊ ዝጸንሀ ናይ ሃባር ጸላኢ ዚኾነ ኢሳያስ ዝተፈጠረ ጥበብ’ዩ።ገለ ሰባት ኣንተብውልቒ ኣንተ ብእኩብ ነዚ ተንኮል ዘይምፍላጦም ኩሉ ሰብ ዘማርሮ’ዩ።ብዛዕባ ሓዲሽ ወለዶ ዚበልካዮ ኩሉ ሳዋ ዝከደ እቲ ታደሰ ዚብሎ ዘሎ ዘይፈልጡ ከይመስለካ፡ግን ኣታ ወገናዊ፡ኣውራጃዊ ትብል ቃል ሃሊፋ ስለትጸንሖም፡ብዘይካኡ ኣብ የማነ ጸጋምካ ዘሎ ጉዳይ ይሕመቕ ይጸብቕ ተዓዚብካ ሕቶ ዘይምቕራብ፡ግቡእ ንምስላጥ ጥራሕ ክቅውሙ፡ብከምዚ ኣገባብዚ ብዙሓት ሃሊፎም ኣዚ ኣገባብዚ’ዩ ከኣ ናብ ኦኣወት ኣብጺሑና ዝብል ትምህርቲ ስለዝተማህሩ እቲ ስቕ ምባል ውሕስነት ሂቡዎም ስቕ ኪኢሎም’ምበር ገለ ዘይፈልጡ ሓማሕም ኣይኮኑን።ሳዋ ክሳብ ዘላ ብቀረባ ክርድእዎ’ዮም።ሳዋ ደው ምስበለት ርግጽ ስራሕ ንእስነትን ናይ ብሕቱ ሃሳብ ሒዙ ውራይ መኦኣልታዊ መነባብሮኡ ክገብር’ዩ።ሽዑ እቲ ትብሎ ዘለካ ኣይክከውንን’ዩ።ኣውራጃውነት ወገንነት ኣብ ስራሕን ኣብ ምትእምማንን ዝፍጠር ኣብ ሰላም ዝዕንብብ’ዩ።ሰባት ብፍርህን ራኦድን ኣብዝተኾርመዩሉ፡ኩርማጅን ፕሮፖጋንዳን ሒዝካ ዚጠፍእ ኣይኮንን።ስለዚ ወላካ ገና የተኣማምን’ዩ ዝበልካዮ ኣተሃሳስባ እንተዘይወጻካ ናብ ነጻ ኣረኣኣያ ኣቢልካ ትጥምት ኣሎኻ ይመስለኒ።ስለዚ ዝጸንሃ ኣተሃሳስባ ወጊድ ክገድፎ ኣሎኒ ከይበልካዮ ባዕሉ ኣይገድፍን’ዩ።

          • Mahta November 23, 2013

            Thank you Teweldemehen! atehasasebana bezeyegedes,leleli kulu abe enkan haban teamen ika temesel…mes kemzi kemaka aynet seb kea, weilu hadiru abe hade bota kemzesemamaE yeamen….selam a`abe zelenayo!

    • ERITRAWIT November 23, 2013

      Mahta,It’s seems you have really bad jealousy to wards Akele people what Tadese telling us the truth every body know that the funny thing you mentioned every one talking about Derue please can you tell us if could manege to ask every one wedy akeleguzay? it does’t make any sense you comment don’t try to be shity ass!!!!!!!! please stop you nonsense MWRZAY!!!!!!!!

      • Mahta November 23, 2013

        Ertrawit, jealousy for what??do you have oil or something in Akeleguzay lol? you must be either stupid or crazy….

        • MightyEmbasoyra November 23, 2013

          Mahta,
          So, if they oil, you will get jealous? If you read your comments, you are the one who is acting as regionalist. I am not sure if you are purposely trying to divide or not.
          The whole reason for isayas to use the karneshim harestot (it is just because they were the harestot in EPLF that he can manage at that time)and kill any intellect fighter (it doesn’t matter where they are from) is, it is much easier to control them. If you go back in history, he killed many intellect – reason: they can challenge him – actually way beyond that – they are more qualified than him.
          First he killed “the” Menkae. Why? They were intellect – just happen to be from Akele. They were killed not b/c they were from Akele – they were just simply with high caliber fighters.
          2nd – he did it with “the” Yemin – guess where they were from? – Hamassien. You know the reason why he killed them.
          So, if you are still in support of HGDF – you can just say so. If you are on the opposition side (you can be independent like me), don’t worry of the ugly surfacing out. This will not divide us but teach us on how the isayas regime is surviving.
          Oh one more thing – isayas is not from tselot – but from tembien and now he is replacing the harestot with demhit – b/c they are no longer needed. This seems his final chapter.
          My advice to you, Mahta -is that you need to read and educate yourself – not just history but any kind of books. Thanks to Google, you have plenty to read this time. Stay positive my friend – stay positive.

          • Mahta November 23, 2013

            What does that to do with what I said??anyway, I will take your last words, I will try to stay positive, which is hard this days! thanks brother! I better rest my case!

        • ERITRAWIT November 23, 2013

          Mahta,
          We have one enemy and that is the dictator ,we need to unity to eradicate him.
          Oh ya really who is talking non-sense after what unbelievable comment. I hope you are not in any activity to fight the dictator clean you mind first. other wise you will try to infect people around you very dangerous and bad person.

    • hamassien November 23, 2013

      Mahta we all know that you are from seraye. I know very well that u are a seraye under cover who always talk about hamassien and akele. Go and declare independence and join ur cousins in adwa. The capital city of akele will be adulis or zula or afta. Eat ur mai mine staff. Nefat. Hama and akele are brothers unlike u.

      • Mahta November 23, 2013

        Hamassien,( Wedi Hama whatever)…brothers don`t kill each other! my country is bleeding to death because of brothers huh? I wish am not one of you but I`m. I wish I have a cousine from Adwa and part of their rich history…do you think you are better than them? those people from Adwa manage to lead 90 million people, look at you….fighting for survival and finally become a play ground for them….So, If I would have been their cousin, I would be proud of it!

      • samson November 23, 2013

        @Hamassien, you are the less intelligent hamassienay alive. who killed and still killing Eritreans with Agame and bastard cousins. monkey, ksha, Sbhat, plipose, etc…represent you. you are nothing but criminal. you should ashamed of your self.
        I will not curse the whole Hamassin ppl because you. For your info… I am smart Seraya; who know right and wrong and practice rule of low. unlike you who probably nomad who know noting but talk and kill.
        At this time Eritreans are suffering because of ppl less-intelligent like you. ASHA TEMO ALO HAWE ASHA KFEWOLO.
        Don’t ever mention my ppl u dumb a$$. by the way, educated your self you may learn right and wrong.

  • ተወልደመድኅን November 22, 2013

    ስማዕ ማሕታ ኣነ ናይ ሃቂ’ምበር ናይ ዝኾነ ይኹን ድፋዕ ክኸውን ኣይደልን’የ።ብርግጽ ከኣ ወገነይ ዝበልኩዎ በቲ ሃቀና ኣገባብ ምክልኻል ከኣ ኣየሕፍረንን’ዩ።ቅድሚ ኩሉ ኣበይ ዓደይ ምኳኑ ኣፍልጦ የብልካን።ኩሉ ግዜ ግን ባዕላውነት ስለዘሎ ባዕልካ ኣከለጉዛይ ገርካኒ።ግርም ኣከለጉዛይ ከም ኩሎም ህዝብታት ናቶም መንፈዓት ኣለዎም ጉድለት’ውን ከምኡ።ኣነ ኣብጽሑፈይ ስለ ኣከለጉዛይ ኢለ ዝጸሃፍኩዎ ኣቕርብ።ኣነ ዝበልኩ ነቲ ታደሰ ዘቕርቦ ዘሎ ባዕሉ ዝፈልጦን ዝረኣዮን ክዛረብ ንህደጎ፡ኣይንኽሎፎ ኢየ ዝበልኩ።ተስፋይ ተመንዎ ብሰባት ክጽረፍ ከሎ፡ስኑዕ ታሪኽ ኢሎም ከቋሽሽዎ ከለው ቅድሚ ዝተካላከልኩን’የ።እምበኣር ተስፋይ ወዲ ኦኣደይ ኣይኮነን ከምናትካ ኣረዳድ ኣ።ኣነ ግን ነቲ ብ ኢዱ ዝተንከፎ ታሪኽ፡ነቲ ኣብቲ ኩነታቲ ዝግምቶ ዝነበረ ይዛረብ ስለዘሎ ክስማዕ ዘለዎ በሃሊ’የ።ናይ ታደሰ’ውን ከምኡ፡ብፍላይ ኣብቲ ፈለማ ነቲ ብዕራይ ዘለዎ ንብዕራይ ዘይብሉ……….ክብል ከሎ ብዙሕ ነገር’ዩ ኣዘካኺሩኒ።ስለዚ ነቲ ኣዘናትዋ፡ነቲ ብ ኢዱ ዝተንከፎ ምዝራቡ።የ ዝሰኦኣብኩዎ።ነቲ ተመኩሮኡ ምግላጹ’የ ዝተከላከልኩ።ዓደይ ብዘየገድስ ግን ተቃወምቲ ኮይኖም ዘይሰምዖም ደቂ ኦኣደይ ኣለው።ነቲ ታሪኽ ከስተማቕሮ ዝደረከኒ ከኣ፡ካብቲ ሃደ ናብዚ ዓዘቕቲ፡ከም ሃገርን ህዝብን ዘነወረና ኣሰራርሃ ጠንቂ ክበሃል ስለዝከኣል’ዩ።ንስካ ንህግደፍ ትቃወም ኣንተኾንካ፡ኣቲ ኣብ ኣሰራርሃኡ ዘሎ ግብሪ ንጹር’ዩ።ካብዚ ፈላላይ ባህሪ ኣለዎ።እዚ ከኣ ኩሎም መለኽቲ ዝጥቀምሉ’ዩ።ህግደፍ ንገለን ብካሮት ንገለን ብዱላ ዝብል ፍልስፍና ከምዝጥቀም ትስሕቶ ኣይበልኩን።ኣነ ታደሰ ንዝበሎ ታሪኽ መሰረት ገይረ ንዑ ደቂ ኣከለጉዛይ ግቶዞሞ ሃዙ ኣይበልኩን።ከምቶም ተቃወምቲ ኮይኖም ኣብ ፒያሳ ኣኤውሮጳ ወጽየ ኢሳያስ ይውደም ምባል’ውን ኣይፍተወንን’ዩ።ምኽንያቱ ኢሳያስ ኣብ ኤወሮጳውያን ኣይኮኑን ሸይሞሞ።ብዛዕባ ድሩዕ ገለ ኢልካ ኣሎካ።ኣነ ንድሩዕ በቲ ንምሉእ ህያወቱ ኣብ ቃልሲ ጸኒሑ ኣብ ኣጋ ኣርጋን ነተን ዝተረፈኦ ውሑዳት ዓመታት ምስደቁ ምስ በዓልቲቤቱን ስድራቤቱን ዘየሕልፈሉ ኣብ ኦጹው ቤት ምእታው ብምሉእ ልበይ ይድንግጸሉ፡ኣቲ ዝገብሮ ቃልሲ ከኣ ንኦኣታቶም ትንፋስ ንምሃብ’ምበር ስልጣን ክሕዝ ዝግበኦ ዘመድን ሰብን ኣይኮነን፡ናይ ገለ ሰልፍታት ኣባል ኮይነ ንፍሉይ ፓርቲ ኣይቃለስን።ከምግምትካ ድሩዕ ወዲ ዓደይ ኮይኑ ካብቶም ካል ኦት ፈልየ ኣይርእዮን።ኩሎም ማዕረ ዕድል ረኺቦም ምስ ስድራቤቶም ክጽንበሩ፡ነጻ ንፋስ ኣዱኑያ ክስተንፍሱ ይምነየሎም።…….ንስካ ኣምጽእ ኣቢልካ ኣውራጃዊ፡ደቀምሃረ፡ኦኣዲ ቀይሕ….ተር ኣቢልካዮ።ኣዘን ዝጠቐስካየን ኦኣድታት ኦኣዲ ክቡራት ሰማኣታት ስለዝኾና ንሓደ ኣውራጃዊ ትብሎ ክትወቅስ ምጥቃስካ ጌጋ’ዩ።ንዓይ ባህሪ ሰብ’ምበር ኣውራጃ ኣይጸልወንን’ዩ።ሕጂውን ክደግመልካ ደጋጊምካ regionalists ትብሎ ዘሎካ ኣብ ግምት ምእታው ጽቡቕ’ዩ።ንስካ ኣብዚ ከምዚ ኢካ ኣይብለካን።ባህረይ ስለዘይኮነ፡ግን ነገራት ተዓቢጡ ክኸይድ ትደሊ ካብ ኮንካ ዘሰክፈካ ነገር ኣሎ ማለት’ዩ።ካብዚ ትብሎ ዘሎካ ነጻ እንተኾንካ፡ታደሰ ንዝበሎ…..ከምዚ ይገብሩ እንተነይሮም ብሃቂ ጌጋን ዘይቅኑዕ ኣሰራርሃን ኔሩ’ዩ ኢልካ ንዝገበሩ ክትወቅስ’ምበር ተመሊስካ ርእይቶ ንዝሃበ ክትወቅስ ቅኑኦ ኣይኮነን።ኣብ ዘመን ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ህቶ ንዘቅረበ፡ንዝተቃወመ ኣውራጃዊ፡ስልታን ዝተመነየ ኢዩ ዝበሃል።ንስካ ከኣ ቅምጥ ኣቢልካ ሒዝካዮ።ኢሳያስ ኣብ 2001 ምኽንያት ናይዞም ተኣሲሮም ዘለው ክገልጽ ከሎ፡ተረፍመረፍ መንካዕ፡ወገናውያን ኢዮም ኢሉ።ስለዚ ንስካ ካብቲ ሕማምቲ ኣይተገላገልካን።ምኽንያቱ ን30 ኦኣመት ዝተደርፈ ደርፊ ብቀሊል ክገድፍ ኣይክእልን’ዩ።ስለዚ እቲ ሕማም ኣባኻ’ምበር ኣባይ ኣይኮነን።እቲ ዘሎ ኣነ ክፈልጥ፡ነጻ ሃበረታ ክረክብ ወይ ነቲ ርእይቶኡ ዝህብ ዘሎ ክሰምዕ ደልየ ንስካ ኣይትዛረብ ኮፍ በል፡ወገናዊ፡ሰሚዕናካ ኣሎና….ወይ ከኣ ኣዚ ክዝረብ የብሉን ኢልካ ሃቂ ክትዓብጥ ኣብ ዕውንውን ክንነብር ትደሊ ኣሎካ።ፍለጥ እቶም ኣብ ኣካሎም ሰለባ ኩናት ሕድሕድ ዘለዎም ከለው ነገራት ኣንተዘይጥዕዩ ዓመታት ተሃቢኡን እንተከይዱ ሳዕቤኑ ከቢድ’ዩ።ሎሚ ኤርትራዊ ከኣ ነቲ ሽግርቲ ዝሃስብ የለን።ቀንዲ ናይ ባኣስን ግጭትን ዚነበረ ኣካል ከኣ ኢሳያስን ኮራኹሩን ኢዮም።ኣብቲ ኩናት ሕድሕድ ደቂ ሰራያ፡ደቂ ኣከለ፡ደቂ ሃማሴን፡ደቂ መታሕትን፡ደንከል ኣብ ህግ ኔሮም ኣብ ተሓኤ ኔሮም’ዮም።ኣብ ገሊኡስ ኣሕዋት’ውን ኣንጻር ኔሮም’ዮም።እዚ ኩሉ መሪሕነታት’ምበር ህዝቢ ኣኤርትራ ዝደለዮ ግጭት ኣይኮነ።ስለዚ በዚ ታደሰ ዘምጸኦ ኣርእስቲ መንዩ ናብ ግጭትን ባኣስን ዘምርህ፡ንስካ ታሪኽ ተነጊሩ ኢልካ ጉራደን ዋልታን ክተልዕል ኣንተኾንካ ኩሉ ከማካ ኣይኮነን።ኣነ ዝበልኩ ግን፡ነጻ ሃሳብ፡ነጻ ተመኩሮ የንቅሓና፡የማዕብለና’ዩ።እዚ ኩሉ ጸገም ሃገር ብሕታዊ ሃሳብ ክነጭራሱ ተደምሲሱ ናይ ኢሳያስን መራሕትን ጥራሕ ክንሰምዕ ምስጀመርና’ዩ ኣብዚ ወዲቕና ዘሎና።ስለዚ ክብለካ ዝደሊ ኣይትሰክፍ።ብስኽፍታን ብዕባአጦ ዕበጦ ጽቡቅ ኣይትከልን።ጽቡቕ ዝትከል ሓቂ ክትዛረብ፡ዝነበር ኩነታት ብቅንዕና ክትሕብር እንተተጀሚሩ ጥራሕ’ዩ ፍርሂ ተሳኦኢሩ ኣብ ኦኣወትን ረብሃ ኩሉ ዝኾነ ድሌት ዝብጻሕ።

  • sara November 23, 2013

    Hamassien, you are RETARDED!
    we Eritreans are still in big shit because of ppl like you. what a shame, you shouldn’t be here in the first place. go clean the blood in your hand; do something productive. you cousins and your agame brothers destroying our beloved Eritrea. you are less intelligent for real, coward!

    by the way, Seraya ppl know rule of low, its part of their identity. go check history. so you may learn something.

  • mike November 25, 2013

    Come on guys lets teach from past and have united for one aim to elemenet z dictator.

Post a Reply to Brhane Cancel Reply