Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን (ውልቃዊ ትዕዝብቲ) ታደሰ ኪዳነ – በርሚንግሃም (6ይ ክፋል)

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን ውልቃዊ ትዕዝብቲ ታደሰ ኪዳነ   በርሚንግሃም                      6ይ ክፋል         13/11/2013  ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሩ ክከላኸል ዘይክእል፣ ኣዝዩ ድኹምን ዝተበታተነን ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሎሚ ዘሎ ምትርማስ መሰረቱ ትማሊ ኢዩ። ነቲ ናይ ትማሊ ከም ዘለዎ እንተዘይተዛሪብናሉ

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን

ውልቃዊ ትዕዝብቲ

ታደሰ ኪዳነ   በርሚንግሃም

                     6ይ ክፋል         13/11/2013

 ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሩ ክከላኸል ዘይክእል፣ ኣዝዩ ድኹምን ዝተበታተነን ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሎሚ ዘሎ ምትርማስ መሰረቱ ትማሊ ኢዩ። ነቲ ናይ ትማሊ ከም ዘለዎ እንተዘይተዛሪብናሉ ድማ ጽባሕ ንኸይድገም ውሕስነት የብሉን። ፖለቲካዊ ባህሊ ህዝብና እምበኣር፣ ናብቲ ናይ ትማሊ ዘይኮነስ፣ ናብቲ ናይ ቅድሚ ትማሊ ክምለስ ኣለዎ።

እዚ መደብዚ ብተኸታታሊ ክወጽእ ድሕሪ ምጽንሑ፣ ኣብ ሓሙሻይ ክፋል ምስ በጽሐ ንኹሉ ኤርትራውን ዓለምን ዘሕዘነ ትራጀዲ ደሴት ላምፐዱዛ ስለ ዘጋጠመ ንግዜኡ ተቋሪጹ ጸኒሑ። እቲ ፍጻሜ እንተላይ ንደገፍቱ ብልቢ ዘሕዘነን ፖለቲካዊ ጥፍሽና ናይቲ ስርዓት ዝቐልዐን ኢዩ። ናይ ኤርትራ ፖለቲካዊ ሃዋህው ድሕሪ ሕጂ ሓንሳብ ንሓዋሩ ተቐይሩ ኣሎ። መራሒ ስርዓት ህግደፍ፣ ‘ዝተባህሎ ዘይገበረ፣ ወይ ድማ ክገብሮ ዝግበኦ ዘይገበረ ብሞት ክቕጻዕ ኣለዎ’ ዝብል ናይ ዓቕሊ ጽበት ትእዛዝ ከም ዘመሓላለፈ’ውን ይስማዕ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ሳንዱቕ ሬሳታት ደቁ ኣብ ተለቪዥን ብማዕዶ እናረኣየ፣ ናብ መሬቱ ኣምጺኡ ክቐብሮም ወይ ከይዱ ክፋነዎም ኣይከኣለን። ብኸምኡ ከኣ ኢዩ “ሳንዱቕ ሬሳ ደቀይ እነሆ ኣብቲ ማዕዶ፣ ንሱ ኣይመጸኒ ኣነ ኣይኸዶ፣ ምጻሩ ስኢነ ወሪዱኒ ጋዶ!” ዝተባህለ።  እዚ ፍጻሜ’ዚ እምበኣር ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ነጥበ መቐይሮ ኢዩ።

ናብ ኣርእስተይ ክምለስ። ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ክፋላት እዚ ንሃገርና ናብ ገደል ዝመርሓ ዘሎ ጠላም ጉጅለ ብስውር ናይ ሃይማኖትን ፖለቲካን ፍልልይ ከም ቀንዲ ፖለቲካዊ ሰረተ እምነቱ ገይሩ ክሰርሕ ከም ዝጸንሐ፣ እቲ ቀደም ስዉር ዝነበረ፣ ሎሚ ብቕሉዕ በብናቱ መዛረቢ ካብ ምዃን ሓሊፉ፣ ንመሰረታዊ ክብርን ፖለቲካዊ ባህልን ህዝብና ይፈታተኖ ከም ዘሎ ገሊጸ ነይረ። እዚ ጉዳይ’ዚ ምስቶም ‘ናትና ኢዮም’ እንብሎም ጥራይ እነዕልለሉን እንተሓማመየሉን ኣብ ክንዲ ዝኸውን፣ ብጋህዲ ክንዛረበሉ ስለዝግባእን፣ ብኸምኡ ጥራይ ከኣ ፍልልያትና ከነጽብብን ዝነበረ ባህሊ ኣቦታትና ክንመልስን ይግባእ ዝብል መበገሲ ኣለዎ። እዚ ዝጸንሐ ምትሕምማይ ንነገራት ከጋፍሕ እምበር ከጽብብ ኣይተራእየን። ስለዚ ከኣ ኢየ ውልቃዊ ትዕዝብተይ ኣብ ቃልዕ ክዛረበሉ ዝመረጽኩ።

ብዘይካ‘ዚ ምቛም ኣውራጃታት ኤርትራ፣ መግዛእቲ ጥልያን ንምምሕዳሩ ብዝጥዕም መንገዲ ካብተን ዘቖመን ናይ ምምሕዳር ማእከላት ብዝህልዎ ቅርበት’ምበር፣ ነዚ ሕጂ ዘሎ ምትርማስ መሰረት ዝኽውን ከምዘይነበረ፣ ጠንቂ ናይዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ፍልልያት ድማ፣ እቲ ከተማዊ ናይ በጋሚንዶ ጠባይ ሒዙ ዝዓበየ ጉጅለ፣ ነቲ ሓቅነትን ግርህነትን ዝመለለይኡ፣ ብዙሕ ተንኮላት ዘይፈልጥ ካብ ገጠራት ዝተሰለፈ መንእሰይ ከታልል ምኽኣሉ ኢዩ። ኣዚ ሕጂ ዝገልጾ ዘለኹ’ውን ‘ንእሽቶ ጫፍ ናይቲ ዓቢ ሕማም’ ምዃኑ ገሊጸ ኢየ።

ከም መበገሲ ናይዚ ሕጂ ዝገልጾ ትዕዝብተይ ድማ ኣብ ዝሓለፈ 3ይ ክፋል ኣብታ ተወሊደ ዝዓበኹላ ዓዲ ከም ኣባል ናይ ሓንቲ ዋህዮን ኣባል ሓፋሽ ውድባትን ዝነበረኒ ትዕዝብቲ፣ ነቲ መሰረታዊ ባህላዊ ክብርታት ህዝብና ከመይ ኢሉ ከም ዝተፋሕቘን፣ ክብሪ ናይቶም ‘ወራዙትን ዓበይቲ ዓድን’ ዝተፈጸመ በደል ድሕሪ ምግላጽ፣ እቲ ዝነበረ ስርዓተ ምምሕዳር ናይቲ ዓዲ ከም ዝፈረሰ ጽሒፈ ነይረ። ንኩነታት ናይቲ ዓዲ ድማ ኣብ 4 ከፊለ፣ ብዛዕባ’ተን ቀዳመይትን ካልኣይትን ነጥብታት ተዛሪበ ነይረ። በዛ ትቕጽል ሑጥበ-ጽሑፍ ድማ ኢየ ተፋንየኩም ነይረ።

“እታ ኣብ ንእስነተይ ኣብ ማእከል’ታ ዝተወለድኩላ ዓዲ፣ ኣብ ልዕሊ’ቶም ለባማትን ሽማግለታትን ክትፍጸም ዝረኣኹዋ ዘለፋን ተነጽሎን፣ ኣብ ገድሊ ምስ ከድኩ’ውን መልክዓ ቀይራ ኣብ ልዕሊ’ቶም ‘ምሁራትን በላሕትን ኢዮም’ ዝበልዎም ተጋደልቲ፣ ‘ዝምቡላት ኢዮም’ ተባሂሎም ክንቀፉን ብብጾቶም ጽሉኣት ንምግባሮም ብዙሕ ተንኮላት ክፈሓሰሎም’የ ተዓዚበ።”

… መቐጸልትኡ ይስዕብ →

3. ምትእትታው ሓድሽ ስርዓተ-ምሕደራ፦

እቶም ኣባላት ህ. ምምሕዳር ከይደንጐዩ፣ ንናይ ከተማ ምምሕዳር ብዝመሳሰል መንገዲ ንብምልእታ እታ ዓዲ መቓቐሊማ፣ ነቲ ዝተመቓቐለ ዞባታት ድማ ‘ማሕበረ-ኮም’ ዝብል ስም ተዋሂቡዎ። እቶም ኣብ 20ታት ዕድመ ዝርከቡ፣ ተማሃሮ 2ይ ደረጃ ነበር መንእሰያት ደቂ‘ቲ ዓዲ፣ ሽዑ ድማ ኣባላትን መራሕትን ናይተን ውሽጢ ውሽጢ ዝባዝሓ ዝነበራ ዋህዮታት፣ መራሕቲ ናይተን ሓደስቲ ማሕበረ-ኮማት ከም ዝኾኑ ተገይሩ። ዝኾነ ናይ ምምሕዳር ተመክሮ ስለ ዘይነበሮም ድማ ናብ ኳደረ ተቐይሮም፣ ኣተግበርቲ ትእዛዝ ናይቶም ኣባላት ህዝባዊ ምምሕዳር ጥራይ ኮይኖም። እቲ ለዋህ ህዝቢ ድማ “ኣብ ውግእ ጀጋኑ ኢዮም፣ ምምሕዳሮም ግን ኣይግድን” ካብ ምባል ሓሊፉ ዝገብሮ ነገር ኣይነበሮን። ብፖለቲካዊ ኣጠማምታ ግን ‘ኣብ ድነ ወታደራዊ ጅግንነት፣ መሰረታዊ ክብርታት ናይቲ ህዝቢ ዝተፋሕቆሉ’ እዋን ኢዩ።

እዚ ኣወዳድባ’ዚ ነዊሕ’ኳ እንተዘይጸንሐ፣ ኣብ ህዝቢ ቁጥዐ ከኸትል ጀሚሩ ነይሩ ኢዩ። ብኡ ንብኡ ድማ ‘ህዝባዊ ባይቶ ክትከል ኢዩ’ ዝብል ጎስጓስ ጀሚሩ። እቲ ዝትከል ህዝባዊ ባይቶ፣ ካብ ኩለን ማሕበራውያን ሓይልታት ማለት መንእሰያት፣ ደቂ-ኣንስትዮ፣ ሓረስቶት ወዘተ ብዝውክልዎም ሰባት ከም ዝቐውም ድማ ተነጊሩና። እዚ ኩነታት’ዚ ከኣ ኢዩ፣ ነቲ ድሮ ክግንፍል ጀሚሩ ዝነበረ ስምዒት ህዝቢ ዝደበሶ። ድሮ’ውን ካብ’ቲ ብስም ደቡብ ዝጽዋዕ ዝነበረ ከባቢ – ኣብ ደቀምሓሪ፣ ካብ ሰሜን ድማ ኣብ ዛግር፣ ‘ህዝባዊ ባይቶታት ተተኺሉ ኣሎ’፣ ስለ ዝተባህለ፣ ንሕና’ውን ተኻፈልቲ ናይቲ ስልጡን ምሕደራ ክንከውን ብሂግና።

  1. ፖለቲካዊ ጎስጓስ፦

እዚ ክብ ኢለ ክገልጾ ዝጸናሕኩ፣ ነቲ ምምሕዳራዊ መዳዩ ጥራይ ዝምልከት ኢዩ። ምስዚ ኣተሓሒዘ’ውን ብዛዕባ’ቲ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ጎስጓስ ክዛረብ ጽቡቕ ይመስለኒ። እቲ እዋን ዓለም ኣብ ክልተ ስነ-ሓሳባዊ ደምበ (ideology) ተመቒላትሉ ዝነበረት እዋን  ኢዩ። ዳርጋ ኣብ ኩለን ናይ 3ይ ዓለም ሃገራት፣ ንክልሰ-ሓሳብ ማርክሰ-ለኒናዊ ፍልስፍና ከም ሓደ መንገዲ ሓርነትን፣ መደያይቦ ናብ ዴሳዊ ዓለምን ዝስበኸሉ ዝነበረ እዋን ኢዩ። “ሕብረተ-ሰብኣዊት ኢትዮጵያ” እውን፣ ከም ኣካል ምንቅስቓስ ናይ 3ይ ዓለም፣ ናይ በዓል ማኦን ማርክስን ጽሑፋት ናብ ቋንቋ ኣምሓርኛ ተርጒማ ትዝርግሖ ነይራ ኢያ። በዚ ድማ ዝኾነ ኣንቢቡ ዝኽእል መንእሰይ፣ በዚ ዴሳዊ (ሓሳባዊ) ክልሰ-ሓሳብ ክጽሎ ልሙድ ኢዩ ነይሩ። ዝያዳ ኩሉ ንኣቓልቦይ ዝሰሓቦ ግን እቲ ብሓደ ‘ጸጋይ ከኒሻ’ ዝተባህለ፣ ኣባል ህዝባዊ ምምሕዳር፣ ንገለ ካብቶም ኣብተን ዋህዮታት ዝነበርና መንእሰያት፣ ብጸልማት ዝወሃበና ዝነበረ ትምህርቲ ኢዩ። ጸጋይ ብዛዕባ ዴሳዊ ዓለምን ናብኡ ዘብጽሕ ናይ ተራድኦ ናይ ሕርሻ ማሕበራትን ክገልጽ ከሎ፦

“ድሕሪ ናጽነት ህዝባዊ መንግስቲ ኢና ክንተክል። ኣብ ነብሲ-ወከፍ ዓዲ ድማ

ህዝባዊ ባይቶታት ክዕምብባ ኢየን። ኣብተን ዝቐማ ባይቶታት ዝተፈላለያ ኮሚቴታት ይህልዋ። ሓንቲ ካብኣተን ናይ ቁጠባ ኮሚተ ኢያ። እዛ ኮሚቴ’ዚኣ ነተን ኣብታ ዓዲ ዝቖማ ናይ ሓረስቶት ናይ ተራድኦ ማሕበራት ተወሃህድ። እዚ ማለት ድማ ኣብቲ ዓዲ ዝርከቡ ሓረስቶት፣ ብማሕበር ተጠርኒፎም፣ ብዕራይ ዘለዎ ብብዕራዩ- በዓል ጉልበት ድማ ብጉልበቱ ተወሃሂዶም፣ ነቲ ኣብታ ዓዲ ዝርከብ ዝሕረስ መሬት ብሓባር ሓሪሶም፣ ኣብቲ ዓዲ እኹል ዝብላዕ ምህርቲ ከም ዝህልው ይገብሩ። እቲ ማኣከላይ መንግስቲ ድማ ክኢላታት ኣብ ምስልጣን ይተሓጋገዞም። ነቲ ብሓባር ጽዒሮም ዘፍረይዎ ምህርቲ፣ ኣብ ዓበይቲ መኻዚኖታት ከምዝእከብ ይግበር። ስድራ-ቤታት ናይታ ዓዲ ድማ ከከም ብዝሒ ኣባላተን ዝኣክል መቑነን ይዕደላ። በዚ ኣገባብ’ዚ ድማ ነቲ ኣብ መንጎ ሃብታምን ድኻን  ዘሎ ፍልልይ ጠፊኡ ማዕርነት ናይ ኩሉ ዜጋ ዘረጋግጽ ማሕበርነታዊ ስርዓት ይትከል። በብቑሩብ ድማ እቲ ድሑር መስፍናዊ ዝኾነ ኣገባብ ማእቶት፣ ብምዕቡል ማሺነሪ ተሓጊዙ፣ ብውሑድ ጉልበት ኣኺሉ ዝተርፍ ምህርቲ ይሕፈስ። ምዕቡል ተክኖሎጂ ዝወነነት ኣብ ማሕበርነት ዘላ ሃገር ድማ ብቐሊሉ ናብ ዴስነት ትሰጋገር።

“እዚ ኣገባብ’ዚ ዘይርእሰ-ማላዊ ኣገባብ ምዕባለ ይበሃል። እዚ ማለት ድማ” ይብል ንሱ

“ዝኾነ ሕ/ሰብ ፊልመ-ዴስነት፣ ጊላነት፣ መስፍንነት፣ ርእሰ-ማልነት፣ እናበለ ክሳብ   ማሕበርነት/ዴስነት ይምዕብል። ንሕና ኣብ መስፍነ ር/ማላዊ ስርዓተ ቁጠባ ዘለና ናይ 3ይ ዓለም ሃገራት ግን፣ ናብ ር/ማልነት ከይደየብና ብቐጥታ ኢና ናብ ማሕበርነታዊ ስርዓት ንድይብ። ምቛም ህዝባዊ መንግስቲ ብደረጃ ሃገር፣ ምቛም ህዝባዊ ባይቶታት ድማ ብደረጃ ዓዲ ነዚ ዝሕግዝ መሳልል ኢዩ።”

… ክብል ኢዩ ኣባል ህዝባዊ ምምሕዳር ተጋዳላይ ጸጋይ (ከኒሻ) ዝመሃረ። ነዚ ትምህርቲ’ዚ ዝመሃረ ጸጋይ፣ ካባና ናብ ቤት-ትምህርቲ ካድር ከም ዝኸደን፣ ካብኡ ድማ ምስ ብጾቱ ብጥርኑፍ ናብ ኲናት ባጽዕ 1977/78 ከም ዝተወስዱን፣ ንሱ ድማ ኣብቲ ውግእ ከም ዝተሰውአን ብወረ ሰሚዐ።

እዚ ክብ ኢሉ ዝተገልጸ ልቢ ዝርስርስ ኣስተምህሮ፣ ኣብቶም ዘይበሰለ ኣእምሮ እንውንን ክቱር ባህጊ ፍትሕን ማዕርነትን ዘለና መንእሰያት ዘሕደረልና ጽልዋ ቀሊል ኣይነበረን። ምምስራት ህዝባዊ ባይቶ እምበኣር፣ መተካእታ ናይቲ ‘መስፍናዊ’ ዝተባህለ ናይ ሚስለነን ጭቃን ስርዓተ-ምምሕዳር ጥራይ ዘይኮነ፣ ቀዳማይ መድረኽ ናይቲ ናብ ‘ናይ ተራድኦ ማሕበራትን ማሕበርነትን ዘሰጋግር መሳልል ኢዩ’። ብኸምዚ ከኣ ኣብታ ተወሊደ ዝዓበኹላ ዓዲ ህዝባዊ ባይቶ ንምትካል  ምቅርራብ ተጀመረ።

ሓደ መዓልቲ ሓደ ካብቶም ኣብቲ ዓዲ ዝነበሩ ኣባላት ህዝባዊ ምምሕዳር፣ ንጽባሒቱ ምሽት መገሻ ከም ዘለንን፣ ተዳልየ ክመጽእን ተነግረኒ። ንጽባሒቱ መሬት ጽልምት ምስ በለ፣ ከም ቆጸራይ ኣብቲ ዝተባህለኒ ቦታ ተረኺበ። ኣብኡ ምስ በጻሕኩ ድማ ወከልቲ ሓረስቶት፣ ጸቀንስትዩ ወዘተ ዝተባህሉ (ከማይ ተሓርዮም ዝመጹ) ሰባት ረኺበ። ሽዑ እቲ ኣባል ህዝባዊ ምምሕዳር “ጽባሕ ኣብ ውጡሕ ዝበሃል ዓዲ ህዝባዊ ባይቶ ክትከል ኢዩ። ንስኻትኩም ድማ ንዓድኹም ወኪልኩም፣ ኣብቲ ጽንብል ክትሳተፉ ኢኹም” ክብል ገለጸልና። ውጡሕ ኣብ ከባቢ ደቀምሓሪ እትርከብ ንእዝ ዝበለት ዓዲ ኢያ። እቶም ዓዲ ዘይወከለና ወከልቲ ዓዲ ድማ፣ በቲ ካላሽን ዝዓጠቐ ተጋዳላይ ኣባል ህዝባዊ ምምሕዳር ተሰኒና፣ ጉዕዞ እግሪ ብምሸት ተተሓሒዝናዮ። ምሉእ ለይቲ ክንከይድ ሓዲርና ንጉሆ ኣብቲ ዓዲ (ውጡሕ) ስለዝኣተና ድማ ኣጋይሽን ተኻፈልቲ ናይቲ ጽንብልን ክንከውን በቒዕና። ቀያሕቲ ዕንባባ ናይቲ ዓዲ ጽቡቕ ምርኢት ከም ዘቕረቡን፣ ጻዕዱ ዝበሃል ነዊሕ ተጋዳላይ የወሃህድ ምንባሩን እዝክር።

ድሕሪ ውጡሕ ኣብ ዓድና ህዝባዊ ባይቶ ክትከል ምዃኑ ተኣማሚንና፣ ድሕሪ’ቲ መደብ ምውድኡ፣ ነታ ብጸልማት ዝገደፍናያ ዓዲ፣ ንጽባሒቱ ለይቲ፣ ብጸልማት ሰብ ከይረኣየና ተመሊስናያ። ብኸምዚ ድማ ነቶም ድሮ ካብ ስልጣኖም ተባሪሮም ዝነበሩ ሚስለነ ናይቲ ከባቢ፣ ጭቃ ዓድን ወራዙት ሽማግለታት ዓድን ዝትክእ ህዝባዊ ባይቶ ንምትካል ምድላዋት ተጀመረ። መዓልቲ ቆጸራ ኣኺሉ ድማ ኣንስቲ ኣጊጸን፣ ሰብኡት ኣጻዕድዮም፣ ኣጋይሽ ተዓዲሞም፣ ኣብ ቅርዓት ናይቲ ዓዲ ደበልቲ ክድብሉ፣ ሰብ እምብልታ ከፋጽዩ፣ ኣጓብዝ ከበሮ ክድስቑ፣ ቀያሕቲ ዕምባባ ክዝምሩ ጀመሩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ናይ ሓጎስን ፈንጠዝያን እዋን ከኣ ኢየን ክልተ ነፈርቲ ብሰማይ መጺአን ሓዊ ክኽዕዋልና ዝጀመራ።

እቲ ቅድሚ ቁሩብ ደቓይቕ ብሰብ ኣጊጹ ዝነበረ ቅርዓት ዓዲ፣ ብሬሳታትን ብዘእውዩ ቆልዓ-ሰበይትን መልአ። እቲ ሓጎስ ናብ ሓዘን፣ እቲ ህዝባዊ ባይቶ ድማ ናብ ህዝባዊ ሓዘን ተለዊጡ። ድሒረ ካብ ገለ ጽሑፋትን መግለጺታን ከም ዝተረዳእኩዎ ክሳብ 42 ምዉታት፣ ከባቢ 180 ቁሱላት ምንባሮም ፈሊጠ። ኣብ መንጎኦም መርዑ፣ ህጻናት፣ ቆልዑ፣ ኣረጋውያን ከምኡ’ውን ሰብኣይን ሰበይትን ካብ ሓንቲ ገዛ ምንባሮም ናይ ዓይኒ ምስክር ኢየ። እቶም ግዳያት መብዛሕትኦም ደቂ ዓዲ’ኳ እንተኾኑ፣ ተዓዲሞም ዝመጹ ኣጋይሽ’ውን ነይሮሞም።

ቅድሚ’ቲ ፍጻሜ ሓደ ዓቢ ኣቦ ናብቶም ነዚ መደብ ዘከይዱ ዝነበሩ ሓለፍቲ ህዝባዊ ምምሕዳር ቀሪቦም “ነዚ ህዝቢ ቀትሪ ምድሪ ኣብ ቅርዓት ኣኪብኩም ንበላዒ ከይትህብዎ። ኣኼባኹም መሬት ምስ መሰየ ወይ ድማ (ስሙ ነጊሮም) ኣብ በረኻ ኣግራብ ዘለዎ ቦታ ስለዘሎ ኣብኡ ግበርዎ። ሕጂ ነዚ ህዝቢ ነንገዝኡ ኣፋንዉዎ።” ከም ዝበልዎምን፣ በቶም ዝምልከቶም ሓለፍቲ ከም ዘይተሰምዑን፣ ብኡ ንብኡ ናብ ገዝኦም ኣምሪሖም ገና ኣብ ፍርቂ መንገዲ ከለዉ፣ እቲ ፍጻሜ ከም ዘርከበን ህዝቢ’ቲ ዓዲ ብሰፊሑ ከዕልለሉ ጀሚሩ። “ምኽርን ዘረባ ዓበይትን ዘይምስማዕ ንሱ ኢዩ ትርፉ…!” ዝብል ዘረባ ድማ ይደጋገም ነይሩ።

እዋኑ ክራማት 1978 ኢዩ። ገና ሓዘንና ከይወዳእና ድማ ምዝላቕ ካብ ዞባ ደቡብ ኣርከበ። ብኸምዚ ድማ ሕቶ ህዝባዊ ባይቶ ተሪፉ፣ ኩልና መንእሰያትን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን (ቀያሕቲ ዕምባባ) ተሰሪርዕና ጉዕዞ ንዓላን ዓሊ-ገደን ተተሓሒዝናዮ።

ኣብ 7ይ ክፋል የራኽበና

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
10 COMMENTS
  • yonas27g November 13, 2013

    TADESE – EZI ZOBA DOBUB GELEMELE ZEYTGEDFWO EKUM SERAYE HAMASEN AKOLOGUZAY BARKA SENHIT WEZETE ELKUM ENDO XEHAFWO ;HGDEF ZBELO AYTDGEMU BZTEREF KAB XUHUFKA ZKETATELU SEBYE AZIYE EYE DMA ZEMESGNEKA NTGEBRO ZELEKA GOSGAS HUGUSYE .

    • Suleiman Salim November 13, 2013

      anta gudamegna seb’ay Hamassien,Seraye,Akeleguzay … ilka ms gozazeKa bdHri’u kulu seb nenab awraja’u yKid dika ktbl? bejaKa ileka nay adgi zereba aytzareb!!

    • Selamawit November 13, 2013

      ዮናስ ሓቅኻ ኣለኻ። ብሓፈሽኡ ነቲ ኣከለ ጉዛይ፣ ሓማሴን፣ ሰራየ ዝበሃሉ ሰለስተ ኣውራጃታት ክትዛረብ እንድሕር ኮይንካ ናይ ግድን ሓደ ሽም ክትጥቀም ኣለካ። ስለዚ ሓንቲ ንኹለን ትጥቕልል ስም ድማ ዞባ ደቡብ ኢያ። ታደሰ ብዛዕባ ኣከለጉዛይን ሓማሴንን ኣይኮነን ዝዛረብ ዘሎ፣ እንታይ ደኣ ኣብዘን ሰለስተ ቦታታት ብፍላይ ከኣ ኣብተን ኣብ ትሕቲ ሻዕብያ ዝነበራ ኣውራጃታት ሓማሴንን ኣከለጉዛይን ኢዩ ዝዛረብ ዘሎ። ዓዲ ከድሊ ከሎ ድማ ዓዲ ይጠቕስ ኣሎ። እንታይ ክብል ኢኻ ትጽበዮ ዘለኻ። ህዝባዊ ባይቶታት ኣብ 1977-1978 ዳርጋ ኣብ ኩሉ እዚ ዞባ ይዕምብብ ኔሩ ኢዩ። ስለዚ ዞባ ደቡብ ኢልካ ምሕላፉ ብዙሕ ጸገም የብሉን። ምስታ ኣብ ክንዲ ብዞባ ብኣስማተን ንጸወዓየን ትብል ዘረባኻ ግን ይሰማማዕ ኢየ።

  • habtu November 13, 2013

    Here is so amazing things. All of you weyanawyan. Your mental illness mind. Keep took . like this until you death. But eritrean people are not follow you.

    • ERITRAWIT November 13, 2013

      habtuwa, who is really caring for Eritrean people please don’t tell me Isaias!!!kkkkkkkkkkkk

  • Genet November 14, 2013

    Dear Mr Tadese
    With all due respect, is your topic about personal narrative, how EPLF did business in your village? Or is it about how you see the problem of REGIONALISM in our country? I wish, you can get back to the REGIONALISM and its cancerous consequence for our people. At this time, the dictator and his system PFDJ are in their death bed. We don’t have a single opposition with a clear goal to take responsibility for our people. This is not a time to tell a story. This is a time for all of us to rally around and unite for the sake of our people. The dictator has been abusing, killing and marginalizing our people for the past 22 years. Now, we are facing the possibility of similar narcissistic individuals replacing the ruthless dictator. If any of the oppositions have a functioning brain, they will make sure their leadership is all inclusive of Eritreans. 22 years of dictatorship had put the Eritrean people close to the edge. Therefore, they are not going to put up with any body with any regionalism or entitlement mentality. The Eritrean people are going to fight for their right.

    You seems to be smart. So, can you please educate the young generation, how we can get along for the sake of our people and the survival of our country. This is a time of uncertainty and danger for our people. The Lampadusa took young Eritrean from all OVER our country literally. The dictator and his soldiers DEMHIT are terrorizing our people. It is Deja-VU for the Eritrean people. They were terrorized by Ethiopian soldiers before our independent. The 22 years of terror is being completed, with the icing on the cake. Ethiopian soldiers terrorizing our people. We need to talk about how we can get along to survive. We need to pressure the opposition leaders to be diverse enough to include all representative from all part of Eritrea. THE KEY IS UNITY, UNITY, UNITY…………
    Genet

  • Stefeanos Temolso November 14, 2013

    ኣሕዋት ታደሰ ጌጋ የብሉን። ምኽንያቱ ሓንቲ ክንፈልጣ ዘለና ነገር ኣላ። ኣብ ግዜ ገድሊ ህግሓኤ ብተንኰል ይኹን ብቅንዕና፡ ንሰራየን ኣከለጉዛይን ከም ዞባ ደቡብ፡ ንሓማሴን ድማ ከም ሰሜን፡ ሰንሒትን ሰምሃርን ሳሕልን ከም ዘለዎ ይጽውዖ ከም ዝነበረ ክንፈልጥ ይግብኣና። ካብኡ ተረፈ እቲ ኣስማት ካብ ጥንቲ ካብ ጥቅምቲ ዝነበረ ታሪኻዊ ኣስማት ስለ ዝኾነ (ሓማሴን ኣከለጉዛይ ሰራየ) ኢልካ ምጽዋኦ ካብቲ ሰምሃር ሰንሒት ባርካ ኢልካ ምጽዋዕ ዝፈልዮ እንታይ ኣሎ? እቲ እንኮ ጸገም ኣብ ሰባት እዩ ዘሎ። ንሱ ድማ ነዚ ኣስማት እዚ ከም መጓንዪን መፈላለዪን ምጥቃም። ካብዚ ዝዓቢ ገበን ክህሉ ኣይክእልን። ንሰብ ብተግባሩን ኣተሓሳስባኡን ደኣ ክንፈልዮ ኣለና’ምበር እንታይ ኦኣይነት ሰብ ምዃኑ ንኽንፈልጥ መበቈል ዓዱ ምሕታት ዘድልየና ኣይመስለንን። ከም ሰባት መተን ግን መበቈል ዓዲ ይኹን ካበይ ምዃኑ ምሕታት ገበን እዩ ማለት ዘይኮነ፡ እቲ ገበን መበቈል ሓቲትካ ንእኵይ ዕላማ ምጥቃም እዩ። ሰብ ዓዱ ምስ ፈለጠ እዩ ወረዳኡ፡ ኣውራጃኡ፡ ሃገሩ ዝፈልጥ! ካብኡ ሓሊፉ’ውን ነታ ዝነብረላ ክፍለ ዓለምን ንዓለም ብዓባያን የፍቅራ። ንኣመሪካውያን ንርአ። ከምኣቶም ንሃገሩ ዘፍቅር የሎን ግን ከኣ ከምኣቶም ገይሩ ብኣውራጃኦምን ወረዳኦም ከተማኦም ዝዀርዕ ህዝቢ የሎን። ስለዚ፡ ነቲ ጕዳይ ብጌጋ ብምርዳእ መሳርሒ ኢሳያስ ኣይንኹን። ኣውራጃና ልክዕ ከም ሃገርና ኵርዓትናን ሓበንና ምዃኑ ነስተብህል።

  • yonas27g November 14, 2013

    Stefeanos Temolso
    “ኣብ ግዜ ገድሊ ህግሓኤ ብተንኮል ይኹን ብቅንዕና ንሰራየን ኣኮሎጉዛይን ከም ዞባ ዶቡብ ን ሓማሴን ከም ሰሜን ፡ስምሃርን ሳሕልን ከም ዘለዎ ይጽውዕ ከም ዝነበረ ክንፈልጥ ይግብኣና” ጽቡቅ ሓበሬታ እስቲፍ ብዝኮነ ግና ታደሰ ተጋጊኻ ኣይኮንኩን ኢለ ኣነ ነቲ ህግደፍ ዝጥቀመሉ ነገራት ካብ ምጽላኣ ዝተላዕለ’የ ኣይንጠቀመሉ ኢለ።ብኻልእ ኣይትረድእዋ ብዝኮነ ይቅሬታ ኣይትሓዙለይ ነቶም ብዉሑሉል ቃላት ክትእሩሙኒ ዝጽሓፍኩም

  • ተወልደመድኅን November 14, 2013

    ዝከበርካ ታደስ ………………….ታሪኽ ክትነትን ከሎ ትፈልጦን ኣብ ቅድሚ ኦኣይንኻ ዘጋጠመካ ካብ ምትራኽ ዝበልጽ መንፈኦኣትን ቁምነገርን የሎን።እቲ ዝረኣናዮ ብግምትና ከይንዛረበሉ ባዕላውነት ተባሂሉ ገምጋምና ከይንገልጽ ወይ ገምጋምና ኪሒድና ኣብቲ ዝተባህለን ይበሃል ኣሎ ክነድህብ ዝገበረ ኣሰራርሓ ህግ ጥሒስካ ምትራኽካ ብፍላይ ነቶም 42 ትንፋስ ምዝካርካ ዘሀብን ኢዩ።………………………ምኽንያቱ እዞም 42 ትንፋስ ዝሞትሉ፡ወላካ ከምቲ ናይ ሽዕብን ካልእ ህልቂት ዘይግምገም እንተኾነ እቲ ቁጽሪ፡እቲ ህልቂት እቲ ግና ክሳብ ሎሚ ብህግ ይኹን ብናይ ሎሚ መንግስቲ ወይ ስርዓት ህግደፍ ነቶም ብናይ ኣሰራርሓ ጉድለት ግዳያት ኣይተዘከሩን።ዘይምዝካሮም መላሲ ዘድልዮ ሕቶ’ዩ።…………………………………………………………………………………..ሓንቲ ክብለካ ዝደሊ ግን እታ ዕለት ክትዝክራ ወይ ካብ ታሪኽ ከይትድምሰስ ኣብጽሑፍ ኣንተላ ተገዲስካ ሕተተላ።

  • sara November 16, 2013

    I think, AWRAJWNET sickness will be resolve when all Eritrean talk about it and respect one another.

POST A COMMENT