Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣንታ ፈቃር ኣቦ!

ኣንታ ፈቃር ኣቦ ለዋህ ብዓል ዓቕሊ ቀይሕን ጸሊምን ሕብሪ ዘይትፈሊ ንድኻን ሃብታምን ብማዕረ ትሓሊ ንስኻ እንከለኻ መዕቖቢ መጽለሊ ኣምልኹኒ ኢሉና እዚ ኣኼስ ብሓይሊ!?   ኩሉ ፈሊጡካ ንኣኻ ከምልኽ *ሃሌሉያ ኢለ ብስምካ ክሰብኽ          *ንኣምላኽ ኣመስግኑ እቲ እኩይ ፍጥረት ርክብና ኪበትኽ ይፍትነኒ ኣሎ

ኣንታ ፈቃር ኣቦ ለዋህ ብዓል ዓቕሊ

ቀይሕን ጸሊምን ሕብሪ ዘይትፈሊ

ንድኻን ሃብታምን ብማዕረ ትሓሊ

ንስኻ እንከለኻ መዕቖቢ መጽለሊ

ኣምልኹኒ ኢሉና እዚ ኣኼስ ብሓይሊ!?

 

ኩሉ ፈሊጡካ ንኣኻ ከምልኽ

*ሃሌሉያ ኢለ ብስምካ ክሰብኽ          *ንኣምላኽ ኣመስግኑ

እቲ እኩይ ፍጥረት ርክብና ኪበትኽ

ይፍትነኒ ኣሎ ሕልናይ ከምክኽ!

 

ክቃለስ’የ ግና ክምክት ብዓቕመይ

ብሓይሊ መንፈስካ ክሰግር ጸገመይ

ስምካ እናጸዋዕኩ ከድምቕ ብርሃነይ

ብመገዲ ህይወት ክጓዓዝ’የ ንቕድመይ!

 

ካብ ፍጥረት’ዛ ምድሪ ስራሓት ጥበብካ

ጎይታይ ብምስልኻ ወዲ ሰብ ፈጢርካ

ከምቲ ጽሑፍ ዝብሎ ዘይቅየር ቃላትካ

ትእዛዝካ ኣኽቢረ ክውድስ ንስምካ

ንምድሪ ክመልኣ ሂብካኒ መሪቕካ!

 

ኣንታ ፈቃር ኣቦ ጎይታ ኩሉ ፍጡር

ኣብታ መንግስትኻ ምሳኻ ክነብር

ፍጹም *ከይኣበስኩ ዘኽስስ ዘእስር          *ሓጥያት ከይገበርኩ፡ ከይበደልኩ

ንቕዱስ ወንጌልካ ክሰብኽ ክምስክር

ንኣኻ ከገልግል ኣይፈርሕ ኣይሓፍር!

 

እታ ክብርቲ ህይወት ዝተዓደልኩዋ

ጎይታይ ምእንታኻ እንተ ወፈኹዋ፡

መኽሰብ ተዘይኮይኑ እንታይ ክሳራ ኣሎኒ

ናይ ዘልኣለም ህይወት ምሳኻ ከሎኒ!

 

ገለ ውሑዳት ግን መንፈስካ ዘይብሎም

ምሕረት ከይልምኑ ኣብ ዝፋንካ ኣጽሊሎም

ብቕሉውላው ዓለም እንተ ኣጽበቡ ዓቕሎም

*ኣብሊስ ከም ድሌቱ ከይጻወተሎም             *ሰይጣን፡ ጋኔን

ስለኦም እልምን ወትሩ እጽልየሎም

ኣንታ መድሓኒና ደኳኒ እዛ ምድሪ

ኩሉ ኣብ ኢድካ ከሎ ሓይሊ ይኹን ክብሪ

ስሌና ክትስቀል ብሓልዮት ብፍቕሪ

ፍጹም ረሲዖሞ ምዃንካ *መሰሪ            *ተጣባቢ፡ ዘይጽግሞ

ገንሸል ሓሊፉ ኢሎም ጌሮሙልካ ቀብሪ!

 

ሰንበት ከም ትትንስእ ዓርቢ ተሰቒልካ

እናነገርካዮም ብምስላ ጌርካ

መን ተረዲኡዎ ምስጢሩ ጥበብካ

ብጻዕዳ ደበና ናይ ሰማይ ዕርገትካ

ዓቢ ምስ ንእሽቶ ኩልና ፍጡራትካ

ንጽንብሎ ኣሎና ትንሳአ ፋሲካ

*ሃሴትና ባርኮ ጐይታይ ካብ ዝፋንካ!       *ፍስሓና፡ ተድላና፡ ውህደትና

 

እንቋዕ ናብ ትንሳአ ጎይታና መድሓኒና እየሱስ ክሩስቶስ ኣብጽሓና! ኣሜን!!!

 

03-05-2013 ካብ ሓውኹም መሲናስ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Truly Truly i say to you May 3, 2013

    Hallelujah! Amen!

  • Yohannes May 3, 2013

    Messina, Great and uplifting poem for glorifying the King of Kings our Lord Jesus Christ.
    However, just a reminder, Our Lord was not crucified Friday. Our lord crucified on Wednesday and raised Saturday the Sabbath after three days and three nights in the grave.
    If you count from Friday afternoon to Sunday morning it is not 72 hours or three days.

  • ahmed saleh May 3, 2013

    Mesinas
    Keep it up , stay around we need most at this moment .
    Anyway , one of my close Ethiopian friend came back after he visited his country . While we were entertaining
    in his place , we watch a video he brought . Everything was pleasant to see but when we saw the VILLA he built
    for 800,000 birr in Mekele , me and couple Eritreans were mentally unclear what to say out jealousy

  • ali May 3, 2013

    Very nice poem, very inspiring

Post a Reply to ahmed saleh Cancel Reply