Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣቶ ወልዱ ተኽለ፡ ተቓላሳይን መምህርን? ወይስ ደላይ ፍትሒን? II

ኣቶ ወልዱ ተኽለ፡ ተቓላሳይን መምህርን? ወይስ ደላይ ፍትሒን? II ኣሰና ባይቶናን፡ መራኸቢናን፡ ኣዳራሽናን ወሲድና ክንቅጽል እናኣመስገንኩ እየ። ንኹቡራት ደልይቲ ፍትሕን፡ ተቓለስትን፡ ንኹቡራት ኣንበብቲ  ጽሑፈይ ኣንቢቦም ንዝሃብዎ ደገፍ፡ምሕጽንታ፡ ወቐሳ፡ ነቐፈታ፡ መኤረምታ ንዝገበርኩምን ብሓፈሻ ሓጎሰይ ወሰን የብሉን። እምበኣር፡ ኣዳራሽ ደልይቲ

ኣቶ ወልዱ ተኽለ፡ ተቓላሳይን መምህርን? ወይስ ደላይ ፍትሒን? II
ኣሰና ባይቶናን፡ መራኸቢናን፡ ኣዳራሽናን ወሲድና ክንቅጽል እናኣመስገንኩ እየ።
ንኹቡራት ደልይቲ ፍትሕን፡ ተቓለስትን፡ ንኹቡራት ኣንበብቲ  ጽሑፈይ ኣንቢቦም ንዝሃብዎ ደገፍ፡ምሕጽንታ፡ ወቐሳ፡ ነቐፈታ፡ መኤረምታ ንዝገበርኩምን ብሓፈሻ ሓጎሰይ ወሰን የብሉን። እምበኣር፡ ኣዳራሽ ደልይቲ ፍትሒ፡ ኣሰና ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ጽሑፍናን ኣቀራርባናን፡ ኣመላኽታናን፡ ዓላማናን ሓደ ካብ ኮነ፡ ክንመሃሃርን፡ ክንመዓዓድን፡ክንነቓፍን፡ክንደጋገፍን፡ ክንረዳዳእን፡ ሓበረታ ክንወሃሃብን፡ ናይ ኩላትና ሓልፍነት እዩ።
ኣቶ ወልዱ፡ ህድእ ንበል፡ ዘርእስቱ ኣብ ዝጸሓፎ ከመስግኖ ይፈቱ። ቀዳማይ ቀልጢፉ ንዝገበሮ ጽሑፋዊ መደረ ኣብ ሕብረተሰብ ኮነ ኣብ ደለይቲ ፍትሒ ዘየድሊ ኣተራጓጉማን ኣረዳድኣን፡ ስለ ዝፈጠረ ይቕረታ ብምሕታቱ ቅቡል ስጉምቲ ወሰደ። ዝምስገን ቖራጽን፡ ተባዕን፡ ስጉምቲ እዩ። ቀዳሞት ኣቦታት ክዛረቡ ከምዚ ይብሉ፡ ወዲ ጭዋ ዓደቦ ዓገብ ክብልዎ ኸለዎ ቀልጢፉ ይእረም። ዓደቦይ ኣይትሓዙለይ! ከጉህየኩም ኣይግባእን በዲለ ኣለኹሞ ምሓሩኒ ይብል። ኣቶ ወልዱ፡ ብትብዓትካን ብጻዕርኻን ብቓልስኻን ከመስግነካ ይፈቱ።
ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፈይ ከብርሆ ዝደሊ፡ ንሓቂን፡ ንፍትሕን፡ ዝቃለስ ምድጋፍን፡ ምምካርን፡ድኣምበር፡ ንማንም ሰብ፡ ሕጊ ዝረግጽን፡ ወጻዕን ዝኾነ ሰብ ዝቃወምን፡ ወይ ድማ ወጻዒ ተግባራት ዘለዎ ዜጋ ዝድግፍን፡ ዝጣበቕን ኣይኮንኩን።
ንኣቶ ኣለም ጎይቶኦም፡ ተጣቢቕካ ንዝብል፡ ኣይፋሉን ኣነ እዃ ድኣ፡ ካብ ካልእ ሰብ ንላዕሊ ይነቕፎ።እንተኾነ ግዳ ኣቶ ኣለም፡ እናሰምዔ ዝደቀስ ነቕኒቕካ ነይተተስኦ፡ ስለ ዝኾነ ዝልወጥ ወይ ዝቕየር ሰብ ኣይኮነን። ኣቶ ኣለምን ዝኣጎለ እንቛቑሖን ሓደ ገይረ፡ እየ ዝወስዶ። ዝኣጎለ እንቛቑሖ፡ ደርሆውን ኣይትሓቑፎን እያ፡ ጠቢስካውን ኣይብላዕን እዩ። ተግባር ኣቶ ኣለም ይጋሓፍ ጥራይ እዩ። ኣቶ ኣለም ተግባሩ ጉሓፍ እዩ፡ ከም ሰብ ግና ሰብኣዊ ክብሩ ክንሕልወሉ ግደታ ናይ ደለይቲ ፍትሒ እዩ። ብኢደ ወነናና ሕጊ ክንወስድ ወይ ስጉምቲ ክንወስድ መሰል የብልናን። ሕጋዊ ቤት ፍርዲ ኣብ ዘቖምናሉ እዋን ብሕጊ ዘኽስስ ገበን ዘርዚርካ ክኽሰስ ይካኣል።
ነፍሲሄር ናይዝጊ ክፍሉ፡ ኣብ ዝገበርክዎ መልቀስ፡ ተግባሩ፡ ክፍኣቱን፡ ተጋድሎኡን፡ ትብዓቱን፡ ሃገራውነቱን፡ መንነቱን፡ ጉድለታቱን፡ ብመልቀስ ቀሪቡ እዩ። ምስ ሞተ፡ ኣብ ዓዱ ንኸይቅበር ክኽልከል ከሎ ግና፡ ናይ መሰል ሕቶ እዩ። ፍትሓውያን ተቓለስቲ ምእንቲ ፍትሒ ወጽዓ ወድሰብ ጠጠው ምባል ትብዓትን ጭውነት እዩ።
ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደገርግስ፡ መጀመርያ ከም ሰብ ዝረኣኽዎ፡ ኣብ ዋሲንግቶን ዲሲ ብ1992  ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ ተኻፊለ ነይረ። ኣነውን ዝነበርክዋ ሽማግለ ኣብ ዋሺንግቶን ዲሲ ንኣስመራ ዩኒቨርሲት ሓገዝ ሓቲትና፡ ኣጆኹም መጺእኩም ውሰዱ ዝብል መልሲ ተዋሂቡና ስለ ዝነበረ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ድማ ኣቶ ዓንደብርሃን  ናይ ኣስመራ ዩንቨርሲቲ ፕረሲዳንት፡ ብምንባሩ ኩሉ ሰብ እንታይ ከበርክት ዝብል ፍናንን ስምዒት ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ በቲ ዝነበረ ኣገባብ ኣዘራርባ ደሲነት፡ ብጻይ ዓንደብርሃን መጽሕፍቲ ንረክብ ኣለናሞ! ንኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ቀዳምነት ዝዋሃቦም ፋካልቲስ ንገረናሞ! ዘድሊ መጻሕፍትን መሳርሕን ክንሰደልኩም ኢሉ ካብ ሽማግለ ምስ ሓተተ?
ብጻይ ዓንደብራሃን ዝሃቦ መልሲ፡ከምዚ ነበረ፡ መኤከብ ጎሓፍ ኣመሪካ ክንከውን ኣይንደልን ኢና። እዚ ኣብ ሃርቫድ ዩኒቨርሲቲ ዝተማህረ ሰብ፡ እዝስ ኣብ ዚ ሃገር ተማሂሩ ዝባሃልሓሳብ ኣብ ኣእምሮይ መጸኒሞ! ቀብጽክዎ። እንታይ ዓይነት ሰብ እዩ እዚ፡ ሰብ መጽሓፍ ኣንቢቡ ንኸይፈልጥ ዝኽልክል፡ ቀጺሉ ኣይውዓለ፡ ኣይውሕደረ ኣብ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ እንታይ ከምዝገጠመ ኩሉ ዝፈልጦእዩ። ኣምባሳደር ዝብሎውን፡ ናይ ሃገር መዓርግ ስለ ዝኾነ እየ! ኣምባሳደር ዝብሎ ዘለኹምበር፡ እዚ መሃንድስ ድንቁርና፡ ሃገር ኣብ ጸላም ዘእተዉ ሙሁር፡ ኣገልጋሊ ናይ ጥፍኣት፡ ኣካል ናይ መብረስቲ ዓዲ እዩ። ነዚ ጽዩፍ ተግባር ዝፍጽም፡  ነዚ እከይ ዝተግባሩ ኣይድግፎን እየ። እንተኾነ፡ ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ፡ ሕጋውያን ስለዝኾና፡ መሰል ኩሉ ዜጋ ክንሕሉ ብሓላፍነት ንሕተት። ኣብ ቤት ፍርዲ ወስድካ ካብቶ ዝኽሰሱ ሓደ ምዃኑ ግን ኩሉ ዜጋ መዛግቡ ክሕዝ የማሕጽን።
መድረኽ ብቕንዕና ንህዝብና ከነገልግል ተዓጢቕና ኣለና፡ ዝሓለፈ ተግባርና ኮኒንና፡ ኣብ ሕዝብና ዝወርድ ዘሎ ወጽዓ፡ ከቢድ መሪርን ከም ምዃኑ መጠን፡ ምስ ሕዝብና ኮና፡ ክንቃለስ ተቐሪብና ኣለና። እንተድኣ ኢሎም፡ ህዝቢ ኤርትራ ክኣምኖም ዝኽእለሉ መርዳእታን፡ መግለጽን እንተድ ኣ  ኣቕሪቦም፡ ህዝቢ እንተ ተቐቢልዎም፡ ከም ማንም ኤርትራዊ ዜጋ ናይ ምቕላስ መሰል ኣለዎም። እዚ ክንብል ከሎና ግና፡ ኣብ ዝሓለፈ ተግባሮም፡ ኣብ ምጽናት ሃገር ኣብ ዝተገብረ፡ ጉዕዞ ብሓላፍነት ዘሕትቶም ምዃኑ፡ ብሸለልትነት ዝሕለፍ ኣይኮነን። እዞም ዝለዓለ ትምህርቲ ዘለዎም ዜጋታት፡ ኮነ ኢሎም፡ እንተ ብጸቢብ ጥቕሚ ሰሲዕም፡ እንተ ጸቢብ ወገናዊ ኣትዓባብያ፡ ወገን፡ ከባቢ፡ ኣውራጃውነት፡ ኣጥቒዕዎም፡ ዝገብርዎ ምትላልን፡ ምድንጋርን፡ ብቐሊሉ ዝርኤ ኣይኮነን።
ሓደ ሓደ ከም ወር ዝንገር ወዲ ብዓታይ፡ ኣብ ኣዋሳ 600 (ሽዱሽተ ሚእቲ) ኤርትራውያን ኣብ ዝተገብረ ጉባኤ ኣብ ራብዓይ ደረጃ ኣብ ገብረስላሴ ሆተል ዓራት ሒዙ ከም ዝነበረ፡ ኣብ ቀረባ ኮይኑ፡ ይከታተል ከም ዝነበረን ሓበረታ ኣሎ፡ ይብሃል።
እንታይ ክንዕዘብ ንኽእል፡ ወኪል ኢሳያስ ዕሉል ሽፍታ፡ መጽነቲ ሃገር ስለላ የካይደሉ ምንባሩ አዩ ዝሕብር። ሓደ ሓደ ኤርትራውያን ሰብ ባጀላ፡ ሃገር ኣብ ምጽናት ዓቢ ኢድ ከምዘለዎም ክንፈልጥ ይግባኣና። ሕጂ ግና ሓበረታ ኣብ ምእካብን፡ መን እንታይ ገበረ ከነ ስተውዕል ጥራሕ እዩ ግደና።
መጀመርታ ከብርሆ ዝደሊ ኣነውን ተቓላሳይን መምህርን፡ ንፍትሒ ኢለ ስለ ዝኣምን፡ ንፍትሒ ዝቃለሱ ድማ ከመይ ገይሮም ይበልሑን፡ ይበስሉን፡ ከም ኩናት በላሕቲ ኮይኖም፡ ኣብ ኣእምሮን ቀልብን፡ ኣሕዋቶም፡ ኣሓትን፡ ህዝቦምን ተቐባልነትን፡ ተኣማመንነትን፡ ክረኽቡ እዩ። ከምኡ ድማ መኺሮም ከስምዕሉ ዝኽእሉ መንገዲ ምሕባር፡ ክእለተይ ከበርክት እዩ ድልየተይ። በዚ መሰረት ብምግባር፡ ኣብ እንጽሕፎ ኮነ፡ ኣብ ዕለታዊ ኣዘራርባና፡ ኣብ መግለጺና፡ ኣኽብሮትን ትሕትናን፡ ስነ ስርዓትን፡ ኣኽበርቲ ሕግን፡ ደለይቲ ፍትሕን፡ መሃርትን፡ ዕጉሳትን፡ ሓለይትን፡ ክንከውን ናይ ግድን እዩ።ኣብ እንገብሮ ምንቅስቓስን፡ ክትዓትን፡ ብኣፍልጦ ዘለዎ ኣገባብ፡ ብትዕግስትን ብልቦናን፡ ተቓለስቲ ክንከውን ከለና የኽብረናን፡ የኹርዓናን፡ የተኣማምነናን እዩ። መሲሉኒ፡ ኢሎምና፡ በልካ ለኽዓካ፡ ዝድገም ዘይኮነ ዘረባ ብደለይቲ ፍትሒ ክቐርብ የብሉን። ጽፈትን፡ ሓቅነትን፡ ስነ ስርዓትን፡ ኣኽብሮትን፡ ላዛን ትዕግስትን እዮም መሳርሒና።
ከምኡ ድማ፡ ፖሎቲካውን፡ ሕጋውነት ፈላሊኻ ምፍላጡ ድርብ ሓልፍነት ኣብ ልዕሊ ደለይቲ ፍትሒ ከምዝኾነ ክንግንዘብ ይግባኣና። ምኽንያቱ ንሕና እዞም ደለይቲ ፍትሒ እንባሃል፡ ነቲ ተወጺዑ እናሃለወ ወጽዓኡ ክፈልጥ ዘይከኣለ ከነፍልእጥ ናህና ግደታ እዩ። በቲ ሓደ ወገን ድማ ንሕና መጀመርያ ንነፍስና ሓራ ከነውጽእ ከቢድ ቃልሲ እዩ። ንነብስና ሓራ ምስ ኣውጻእና ኢና ንኻላኦት ዜጋታትና ሓራ እነውጽእ።ሓቀኛን ፡ ፍትሔኛን፡ትብዓተኛን፡ ብምዃና ተኣማንነትና፡ የደልድሎ፡ ፍርሒን ራዕድን የጥፍእ።
ሓደ ሰብ ኣነኮ ደላይ ፍትሒ እየ!!! እንተድኣ ክብል ኮይኑ፡ ሕጊ ዘኽብርን፡ ዝመጾ ዝፈልጥን ምስ ዝኸውን፡ ዋላውን ነቶም ዝጸልእዎ እንተኾነውን፡ ሰብኣዊ መሰሎም ንኸይድፈር፡ ንኸይግፈፍ፡ ንኸይቕንጠጥ፡ ምስ ዝከላኽ እዩ። ፍትሓውነት ዝኣምን ኣብ  ወገነይ ወገንካ ዝምባለ ከሕድር የብሉን።  ሰብ ፍትሓዊ እዩ ክበሃል እንተኮይኑ ሓቅነት ፍትሓውነት ግሉጽነት ከዘውትር ይግባእ። “(ጸባ ላም ይፍላሓ ጸባ ጤል ይጽንሓ) ክኸውን የብሉን። ጸባ ክፈልሕ እንተድኣ ኮዩ ኩሉ ክፈልሕ ኣለዎ።
መደምደምታ፡ ንደለይቲ ፍትሒን ተቓለስትን ኣብ እንገብሮ ዕለታዊ ጉዕዞና፡ ህግደፍ ዘፍረሶ ክንሓንጽ፡ ህግደፍ ዘርስሖ ከነጽሪ እዩ።  ጉጅለ ህግደፍ ኣዕነውቲ እዮም፡ ኩሎም ግና ኣይኮኑን፡ ንኹሎም ኣብ ሓደ ደምበ ኣይነእትዎም፡  ህግደፋውያን ክንብል ከምዘይብልና፡ ህግደፋውያን ኣብ ሞንጉኦውን ንጹሃት ክህልዉዎም ስል ዝኽእሉ፡ንጹህን፡ ወጻዕን ዝኾኑ ክንፈላሊን፡ ከነለልዮም ናህና ብቕዓትን መንፍዓትን ጥራይ ዘይኮነስ፡  ድርብ ሓልፍነት ስለ ዝኮነ ብምዝካር፡ ነዚ ፈሊጥና ተጠንቒቕና፡ ቃልስና ኣመሃህራና ከነማዕብል ሓልፍነትና እዩ።
እቲ ዝኸበደን ኣድካምን ኣከራኻሪን፡ መሕረቕን መነደርን ዝኾነ መሰል ዲሞክራሲ እዩ።ዲሞክራሲ ማለት ነቶም ዘይትፈትዎን ዘይፈትዉኻን፡ መጻርርትኻን ኣብ ትሕቲ ሕጊ ኣኽቢርካን፡ ኣሔንቒቕካን፡ ተኸናኺንካን፡ ተጸሚምካን ከተሕድሮም እዩ። ብዝሒ ስለ ዘለና ተዓዊትናሞ! ኣበይ ከይበጹ ክብሃል ኣይከ ኣልን፡ ህዝባዊ ሓይልልታት፡ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ህዝባዊ ግንባር ንሕግን ዲሞክራስን፡ ሕጊ ካብ ቀደሙ ከየኽበረ ስል ዝዓበየ፡ እንሆ ገቢሉ ህዝብና የብርስ።በጀካይ መን ኣሎ እናበለ ንዓለም ከቖናጽብ ከስተናዕቕን ይዉዕልን ይሓድርን።ኩቡር የኽብረካ ዓቕሚ ነብሱ፡ ሕሱር የሕስረካ ዓቕሚን ነብሱ ከም ዝብሃል፡ ኣኽበርቲ ዳኣምበር ነዓቕቲ ክንከውን የብልናን።
 ኤርትራ ሃገርና፡ ሕጋውን፡ ፍትሓውን፡ ዲሞክራሲያዊት ክትኮነልና እንምነያ ሃገር ስለ ዝኾነት፡ እቲ  ዘርኢ ሕጂ እዩ ዝዝራእ፡ እቲ ፈልሲ ዲሞክራሲውን ድማ ሕጂ እዩ ዝትከልሞ፡ ካብ ሎሚ እዩ ክዝራእን፡ ክትከልን ዘለዎ፡ ካብ ሎሚ ኣትሒዝና ንዝርኣዮን፡ ንትከሎን።
ዝዘራእካዮ ትሓፍስ ይብል ቅዱስ መጽሓፍ እሞ! ሰናይ ንዝራእ፡ ክርዳድ እናጸሃና ንኺድ።
ኣነውን ከይተፈለጠኒ ኣቐይመኩም ከይከውን እሞ! ንኹሉ ደላይ ፍትሕን ተቓላሳይ ይቕረታ እሓትት።
ዓወት ንውጹዕ ህዝብና
ሃይለ ገብረትንሳኤ ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና 20  ለካቲት2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
64 COMMENTS
  • Tes February 20, 2014

    Suilman S,

    you have a bad day Hgdef cadre! you are barking like mad dog. What a loser, loner! Why don’t use your true name. Oh yab I forgot you are a liar without confidence.

  • abrahale February 20, 2014

    kburat yehwat ab deleyti fthi mrddae fkri khlu abnet nkun mehegosi higdef aynkun

  • rezen February 20, 2014

    “We don’t want to be depository for junk books”

    The above is a translation of what Andeberhane quoted as having said at one time. The way the quotation was presented implies that Andeberhane was being rude or callous! There is something wrong here! Should any country ( a developing country, in particular) be depository of junk books and thus poison the growing children of the country??????? Definitely, there is something wrong in the quotation.

    • Haben February 21, 2014

      were they trying to send “junk” books?

  • Tesfom February 20, 2014

    ካብ ኣለም ጎይትኦም እንታይ ትጽበ ነባራት ተጋደልቲ ህግ ካብ ኢስያስ እንኪርሕቁ ፈላማይ ናይ ተቃዋሚ ወብሳይት ካብ ህግደፍ ንላዕሊ ህግደፍ ክከዉን ከሎ ኣይገርምን ዶ? ብዛዕባ እቲ ቀንጻሊ ነብሲሀር ናይዝጊ ብዉልቀ ሰብ ዝሕለቕ ካንዶ ደናቁር ገይሩና መመክነይታ ወያነ ምጽኩም እናበለ ናይ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ዘደናገረና ጭርሖ ሒዙ፡፡

    • Suleiman Salim February 20, 2014

      ኤርትራዊ ተባሂልካስ ” ወያነ መጹኹም ” ኢልካ ትሕጭጭ። ንስኻ ሃላይ ክትከውን ኣሎካ።

  • Selam Nhagerna February 20, 2014

    Jigna wedi Eritrea-wedi Adiquala. This is the true Eritrean spirit. Haki tezaribka ab megedi babur dekiss zbahal kemzi eyu.

  • Ghizie-3 February 20, 2014

    Semal Haw Haile,
    Thank you very much for your constructive and educational comment. Please keep the good work up, and do not get any hesitation and distraction from those none sense and cheap words of irresponsible fellows.
    God bless you & yours.

  • Tesfu Kbrom February 20, 2014

    sULEIMAN SALIM AS USUAL IS A PARROT WHO JUST MIMICKS HGDEF. WE EXPECT NOTHING BETTER FROM U. REMEMBER THE NAZIS AND ANY TOTALITARIAN REGIME. THEY WERE THROWN TO THE DUSTBIN OF HISTORY. JUST BID YR TIME AND YOU WILL SEE PFDJ FALL TO THE ABYSS. THEN YOU WILL LAMENT AND CLAIM YOU WERE A REVOLUTIONARY, A PROGRESSIVE FELLOW WHO SUPPORTED THE OPPOSITION ETC ETC. AYAWA MEAREY KITBIL IKA. HGDEF DEAMO ENAHADERE ZENQOLQUL ZELO BHADE SEKRAN ZIMRAH CHFRA HIZKAS HGDEF! YBHALELEY KEA!!! KKKKKK!!

    • Suleiman Salim February 20, 2014

      ” ንእሽተ ፍልጠት ሓደገኛ እዩ ” ይብሉ ገሊኦም ክምስሉ እንከለዉ …ሕሻኪ ንስኻ ድማ ቅሩብ ኣብ ገለ ‘ቶታሊቴርያን’ ‘ ናዚ ‘ ዝብል ኣምራት ኣብ ገለ ኣንቢብካ ብዑምቀት ከይሓሰብካ ምስ ናይ ሃገርና ኩነታት ክተተኣሳስሮ ፈቲንካ። ኣዚኻ ተሕዝን። ንሃገርና ባዕልና እንተ ዘይሃኒጽናያን እንተ ዘይሓለናያን ካልአ ዝሃንጸልናን ዝሕልወልናን ሰብ የሎን። ነዚ ሃገራዊ ግቡእኩም ፈጽሙ ምባል ከም ” ቶታሊቴርያንዝ ” ( ነዓና ዘይምልከተና ጻዕዳ ዝመሃዞ ኣምርን ተግባርን) ትርእዮ እንተ ኮይንካ ዓቢ ናይ ኣተሓሳስባ ጸገም ኣሎካ ማለት እዩ።

  • Medber February 20, 2014

    Haile Ghebrtensae,
    Btami besulen meharen hakin .
    Ajoka kesel kewghe eyu haki dema keser eyu.
    You are great.

  • woldu tekle February 20, 2014

    ሓው ሃይለ ገብረትንሳኤ

    ብመጀመርታ ሰላምታ፡ ፤

    ህዝቢ ኤርትራ ወሪድዎ ዘሎ ሕሰምን ኣደራዕን ኩልና ንርእዮ ዘለና ጉዳይ’ዩ፡ ፤ ክነናግፎ ከኣ ናይ ኩልና ሓላፍነት ይኸውን፡ ፤ህዝቢ ሓድነትና ኣትሪርና ነዚ ዘሎ ስርዓት ክንገጥሞ ይሓተና’ሎ እንተኾነ ግን ጉድለት ስምረትናን ጉድለት ልዝብን ተጻዋርነትን ከምቲ ዝድለ ክንስጉም ኣይከኣልናን፡ ፡ በዚ ምኽንያት ከኣ ጉጅለ ህግደፍን ሰዓብቶምን ዕድመ ስልጣኖም ከናውሑ ኣብ ነሕድሕድና ሓዊ ክመልሱ ንዕዘቦም ኣለና፡ ፤ ካብኡ ሓሊፎም ከኣ መንነትና ዝፈታተን በታታኒ ሜላታት እንዳ ተጠቕሙ ንህዝቢ ብኣውራጃን ሃይማኖትን ክፈላልይዎ ከይተሓለሉ ይሰርሑ ኣለዉ፡ ፤

    ጽሑፍካ ከንብቦ ከለኹ ናይ ኣቦታትና ልምድን ባህልን ኣዘኻኺሩኒ፡ ፤ ብቅንዕናን ትብዓትን ኣብ ህዝቢ ቀሪብካ መንነትካን ትውልዲ ዓድኻን ብዘይፍርሂ ገሊጽካ እቲ ንስኻ ትኣምነሉ ብምጽሓፍካ ኣገናዕ እብለካ፡ ፤ሽሕ’ኳ ኣብ ቀዳማይ ጽሑፍካ ዘይሚዛናዊ ኮይኑ እንተ ረኸብኩዎ ኣብ ካልኣይ ጽሑፍካ ብንጹር ኣቐሚጥካዮ ከም ዘለኻ ግን መርገጺኻ ንጹርን ቅኑዕን ኮይኑ ስለ ዝረኸብክዎ ደጊመ ኣገናዕ እብለካ፡ ፤ ኣብ ልዕሊ ኣቶ ዓንደብርሃን ዘለካ መርገጺ ብሩህ’ዩ፡ ፤ኣብ መድረኽ ዘለካ መርገጺ’ውን ንጹር’ዩ፡ ፤ ዝሓለፈ 6 ኣዋርሕ ዝጸሓፍኩሉ ጉዳይ መድረኽ ንጹር ኮይኑ’ሎ፡ ፤ኣነ ኣብ ናይ ግሊ መንነቶም ሽግር የብለይን ኣብ ሕሉፍ ስርሖም ግን ሕቶታትን ዕቃቤታትን ኣለኒ፡ ፤ ነዚ ከኣ ብተደጋጋሚ ሕቶታት ኣቕሪበ’የ፡ ፤መልሲ ክህቡና ግን ፍቓደኛታት ኣይኮኑን፡ ፡ ብተመሳሳሊ መንገዲ ካልኦት ኣሕዋት’ውን ዕቃቤታቶም ኣቕሪቦም’ዮም፡ ፤ ንኣብነት ሓው ሳልሕ ቃዲ፡ ሓፍትና ሰላም ኪዳነ፡ ሓው ኣማንኤል ኢያሱ፡ ሓው ረድኢ መሓሪ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ሰባት ይርከብዎም፡ ፤ ናይ መድረኽ ጉዳይ ኣብቂዑ’ዩ፡ ፤

    ናይ ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ ጉዳይ ዝተላዕለሉ ጉዳይ ምኽንያት ኔርዎ፡ ፤ ልክዕ ኣለኻ ሙዉት ኣይክሰስን’ዩ፡ ፤ምኽንያት መልዓሊኡ ግን መስከረም ኔት ዘይፍትሓዊን ዝንቡዕ ዝኾነ ኣካይዳ ስለ ትኸይድን ንምብራህ’ዩ ኔሩ፡ ፤ ልዕሊ 400 ኤርትራውያን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠፍኣሉ እዋን ናይ ኣቶ ናይዝጊ ሞት ኣጋጢሙ፡ ፤ ኣብቲ እዋን መስከረም ኔት ናይ ኣቶ ናይዝጊ ጉዳይ ን6 ኣዋርሕ ዝኣክል ክትሙጉት ከላ ናይዞም ንጹሃት ኤርትራውያን ግዳይ ጥፍኣት ዝኾኑ ግን ወላ ሓንቲ መዓልቲ ዘይምዝራባ ዘገርም’ዩ፡ ፤

    መርገጽየይ ንጹር’ዩ ኣቶ ሃይለ፡ ፤ ኣብ ኤርትራ ብልዕልና ሕጊ ዝግዛእ መንግስቲ ተተኺሉ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ንፋስ ሓርነት ከተንፍስ’ዩ፡ ፤ብተወሳኺ ህዝቢ ኤርትራ ሓድነቱ ሓልዩ ባህሉን ልምዱን መንነቱን ክዕቅብ ትምኒተይ ኢዩ፡ ፤ ኣብ ኤርትራ ዝተደላደለ መንግስታዊ ቅርጺ ተተኺሉ ህዝቢ ፖለቲካውን ማሕበራውን ቁጠባውን ፍትሒ ክረክብ ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለኒ፡ ፤ እዚ ንምግባር ከኣ ሱር ነቀል ለውጢ’ምበር ዝተጸገነ መንግስቲ ክህሉ የብሉ ዝብል ጽኑዕ እምነት ኣለኒ፡ ፤ኣብዚ ምሳይ ትሰማማዕ ይመስለኒ፡ ፤ ስለዚ ኣብ ዝመጽእ እዋን ሓቢርና እንሰርሓሉ ባይታ ክንፈጥር እዕድመካ፡ ፡ ፍልልያት ክህልወና ይኽእል ይኸውን ግን ብልዝብን ተጻዋርነትን ዘይፍታሕ ሽግር ክህሉ ኣይክእልን፡ ፡ ደጊመ ከረጋግጸልካ ዝደሊ ብርዐይ ጉጅለ ህግደፍ ክሳብ ተሓግሒጉ ዝእለ ክተዕርፍ ኣይትኽእልን፡ ፤ ጠጠው ከብላ ዝኽእል ሓይሊ ከምዘይለ ከኣ ከበስረካ እፈቱ፡ ፤

    • ahmed saleh February 20, 2014

      To criticize and argue actually teach us to learn
      about each other but we should be careful from going into battle of words . Because it is more
      beneficial and constructive lesson to influence
      readers on give and take ideas attitude since our priority has been for Democratic reform . I admire both of you articles and let’s focus to clear negativity in our present politics to bring change and unity .

    • Haile K. February 21, 2014

      ኣንቱም ህዝቢ ንቛሕ-ሰም ትዕቢትኩም ስምዒትኩምን እንተቐተልኩሞ እንታይ ኢኹም ትኾኑ፧ መንከ’ዩ ክፈርደኩም፧ ኣብ ክንዲ ተጋግየ ብስምዒት ጽሒፈዮ፡ ኮለለ። ብሓቂ፡ ተጋግየን ይቕረታን’ሲ ትብዓት ይሓታየን። እዚኣተንን ከይለመድናን፡ ኣንነትን ከይቀበረናን ድማኒ ዘበት’ዩ ክንሳነ። ሕጂ እቲ ጌጋ ምምኽናዩ ንምንታይ ኣድለየ፧ ጌጋ ጌጋ’ዩ። ንኸምዚ ዘምጻእኩዎ ዶ፡ ከምዚ ክገልጽ ዝጸሓፍክዎባ ዘብል የብልካን ሓዉ ወልዱ። ኣብ ዝበልካዮ ምርጋጽ ሓደ ጽቡቅ ባህሪ’ዩ። ሰባት ተጋጊኻ ምስዝብሉኻ፡ ኣስተንቲንካ ጌጋኻ ምእራም ግን ካብዙ ዝያዳ ዝበለጸ ባህሪ’ዩ። ሕጂ’ዉን እንተኾነ፡ ንኣቶ ኣለም ክትነቅፎን ሕመቁን ጌጋታቱን ከተስምዖን ሐራይ ገበርካ። ንመድረኽ ምንቃፍካ ግርም ደርጋሕካዮ። የግዳስ፡ ብዉርዙይ ቃላትን ብኣኽብሮትን ምንቃፍ ነይሩካ። እቲ ምንታይሲ፡ እቲ ጽሑፍካ ኣለምን መድረኽን ጥራይ ኣይኮኑን ዝነብዎ። ኩሉ ኤርትራዊ’ዩ ዝነቦ። ኣለም ሕሱር ኮይኑ፡ ናይ ሑሱራት ገይሩ እንተኾይኑ፡ መንነቱ ገለጸ። ንስኻ ግን ናብቱ ናቱ ትሑት ደረጃ ዘዉርድ ኮታ ክህልወካ ኣይክእልን። ወሪድካ ኣብቲ ናቱ ጎድፍ ምስኡ እንተ ኣንገርገርካ ግና ከምኡ ደኣ ኮንካ። ብሰንኪ እቲ ዝጸሓፍካዮ ዝተዋህበ ርእይቶታት ኣንበብቲ ምርኣይ ጥራይ እዩ ዘድልየካ ክሳብ ክንደይ እቲ ጽሑፍካ ካብ ጥቅሚ ጉድኣት ከምዘምጽአ። ሓደ-ዕሽሪት ዝኾኑ ነበብቲ እዉን ነቲ ዝጸሓፍካዮ ይኹን ኣገባባቱ እንተተቓወምዎስ ካብ ረብሕኡ ጉድኣቱ ደኣ ዓዘዘ። ፈለማ ጥበብ’ስ ፈሪሃ እግዚኣቢሔርን ትሕትናን እዮ’ሞ ትሕት ደኣ ንበል። ካልእ ድማ፡ ኩሉ ኤርትራዊ፡ ህግደፍ ዝነበረ፡ ኣንድነት ዝብል፡ ዓረብ ኢና ዝብል፡ ነጻነትን ልኡላዉነትን ዝመትከሉ፡ ኮታስ በዓል ኩሉ ጽጋረትን ሕብርን ኤርትራዊ ማዕረ መሰል ከምዘለዎ ምፍላጥ ከድልይ እዩ። ንሰባት ምክሳስን ምፍራድን ኣብዚ ሕጂ እዋን ናይ ዝኮነ ዜጋ መሰል ኣይኮነን። ጽባሕ ምስ ወግሐ፡ ኩላትና ጨጭብጥና ሒዝና ንኣብያተ ፍትሒ ከብከብ እንብለሉ ግዜ ክመጽእ’ዩ። ንሱ ክመጽእ ድማዩ እቲ ቃልስና ክኸዉን ዘለዎ። ተዘይኮነ ካብቲ ህግደፍ ዝገበረና፡ እቲ ዝመሃረና እዩ ክገድድ። ካብ ዓሰርተታት ገጻት መሸንቦባ ቃላትን ሓረጋትን ጸርፍን ምቁንጻብን፡ በጻብዕ ዝቁጸራ ምኽርን ሕዉነታዊ ተግሳጽን ነቀፌታን፡ ዓርሞሸሻዊ ጽልዋ ኣለወን። ሓዉ ወልዱ፡ እቲ ክእለት ቛንቓኻን ኣገላልጻኻን፡ ፍልጠትካን ዘይሰልካይነትካን፡ መንፈስ ቃልስኻንስ፡ ፍረ መታን ክርከቦስ፡ ብዘይሕርቃን ስምዒትን፡ ብከምቲ ናይ ኣቦታት ኣገባብ፡ ብልዝብ ደኣ ተጠቀመሉ። እቶም ንኣሽቱ ጽሑፍካ ከነንብብ እንከለናስ፡ እንኮላይ ኣገባብ’ዉን ስለ ንመሃር። እቲ ኣገባብ ድማ ልዕሊ እቲ መልእኽቲ ኣገዳሲ’ዩ። ካበኻን ካብ ከም በዓል ሓዉ ሃይለን ዝኣመሰሉ ድማ ኢና ንምሃሮ። እዚ ጽሑፈይ ንዓኻ ጥራይ ማለት ግን ኣይኮነን። ንኹልና’ዩ። ሰሰናዩ ጠጥዑሙ ድማ። ዉድቀት ንዓማጺ።

    • Suleiman Salim February 21, 2014

      “ካብኡ ሓሊፎም ከኣ መንነትና ዝፈታተን በታታኒ ሜላታት እንዳ ተጠቕሙ ንህዝቢ ብኣውራጃን ሃይማኖትን ክፈላልይዎ ከይተሓለሉ ይሰርሑ ኣለዉ፡ ፤ ”

      ወልዱ ተኽለ ( ዕሉል ኣውራጃዊ/ ወይን-ንኡስ)

      ነዚ ኣብ ጥቕሲ ኣስፊረዮ ዘሎ ቃላት ክትጽሕፍ እንከሎኻ እንታይ ሰቲኻ ኔርካ? እቲ ኣውራጃዊ ባዕልኻ እቲ ሃይማኖታውን ኤትኒካውን ምፍልላይ ድማ ሚስተረ ናይ እቶም መጋበርያ ወያነ ዝኾኑ ናይ ክድዓት ኣሕዋትካ እንከሎ ከመይ ጌርካ ንካልኦት በቲ ገበንን ኣበርን ናታትኩም ትኸስስ?

      ሱር-ነቀሊኖ ኣብ ክንዲ ናይ ጥፍኣት ጎምበለ ትኸውን ነዛ ንእሽተን ብኣእማን ዝተኸበትን መሬት ኣቦታትካ ከመይ ጌርካ ከም ተማዕብላ ክትሓስብ ይግባእ። ናብ ኣስመራ ገጽካ ኣይትማጣጠር። ኣስመራ ሰባ ኣለዋ።

  • Blocked February 20, 2014

    ኣቶ ሃይለ እንታይ ደኣ ወረደካ
    ን ኣለም ጎሓፍ ኢዩ እንዳበልካስ ክብረቱ ክንሕልወሉ ይግባእ ድማ ትብል ኣለኻ፣ ወይ ጉድ ኣንታ እንታዩ ወሪድኩም ኩሉኹም እዚ ዕረ ዝኾነ መልሓሳት ከመዩ ኣብ ቀረባ ዚጸንሓኩም። ገጽኩም ትርሓቕ፣ ሰብ ከተናቑቱ እምበር ካልእ እንታይ ቁምነገር ከይህልወኩም

POST A COMMENT