Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣቶ ኣለም ጎይትኦም ወናኒ መሽረፈት ኔት ብድሆ እብለካ!!

ኣቶ ኣለም ጎይትኦም ወናኒ መሽረፈት ኔት ብድሆ እብለካ!! ብመጀመርያ ንኹልኹም ደለይቲ ፍትሕን ደገፍተይን ይቕረታ ይሓትት፡ ፤ ኣቦታትና ክምስሉ "እትደልዮ ተዛሪብካ ዘይትደልዮ ከይትሰምዕ ተጥንቀቕ " ይብሉ፡ ፤ ኣቶ ኣለም ጎይትኦም ብተለኣኣኽነት ህግደፍን ኣሳሰይቶምን ኣብ ልዕሊ ደለይቲ ፍትሒ

ኣቶ ኣለም ጎይትኦም ወናኒ መሽረፈት ኔት ብድሆ እብለካ!!

ብመጀመርያ ንኹልኹም ደለይቲ ፍትሕን ደገፍተይን ይቕረታ ይሓትት፡ ፤ ኣቦታትና ክምስሉ “እትደልዮ ተዛሪብካ ዘይትደልዮ ከይትሰምዕ ተጥንቀቕ ” ይብሉ፡ ፤ ኣቶ ኣለም ጎይትኦም ብተለኣኣኽነት ህግደፍን ኣሳሰይቶምን ኣብ ልዕሊ ደለይቲ ፍትሒ ናይ ሓሶትን ጸለመን ከካይድ ጸኒሕ’ዩን ኣሎን፡ ፤ኣቶ ኣለም ጎይትኦም ከም ዕድመኡ ዘይኮነ ናይ ሕጻን ቆልዓ ጠባይ’ኳ ክውንን ዘይክእል ናይ ሕልና ልሙስ ዝኾነ ኤርትራዊ’ዩ፡ ፤ኣቶ ኣለም ጎይትኦም ኣሳሳዪ ህግደፋውያን ኮይኑ ውልቀሰባት ከጸልም ዝውዕል ሕሱር ስለ ዝኾነ እንሆ ብተደጋጋሚ ናይ ዝተፈላለዩ ውልቀሰባት እሽማት ናተይ ወሲኹ ኣብታ ጽይፍቲ ገጻት ወብሳይቱ ክልጥፍ ንርእዮ ኣለና፡ ፤

ኣቶ ኣለም ጎይትኦም ቅድሚ መንነተይ ምሕታትካ ንስኻ መን ኢኻ? ኣነ ዕላማይ ኣብ ኣደባባይ ወጽየ ምእንቲ ፍትሒ ዝቃለስ ብመንነተይ ኮሪዐ ኣፍልበይ ነፊሐ ዝኸይድ ኤርትራዊ’የ፡ ፤ከም ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ሃገረይ ብልዕልና ሕጊ ተገዚኣ እዚ ዘሎ ገድላዊ ምሕደራ ተኣልዩ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ንፋስ ሓርነት ኣተንፊሱ ተቛዳሲ ጸጋታት ሃገሩ ክኸውን ትምኒተይ ኢዩ፡ ፤ መትከለይ ንጹር’ዩ፡ ፤ ኣብ ኤርትራ ገድላዊ ምሕደራ ክህሉ የብሉን ዝብል ሞጎተ ሒዘ ዝጎዓዝ ኤርትራዊ’የ፡ ፤እምነተይ እዚ ኮይኑ ንስኻ ግን መን ኢኻ? እንታይ ኢዩ ዕላማኻ? ውልቀሰውባት ምጽላም ድዩ ዕላማኻ ወይ ንመሰልን ሓርነትን ህዝቢ ኤርትራ ኢኻ ትቃለስ? መን ስልጣን ሂቡካ ውልቀሰባት ክተቆናጽብን ክትጸርፍን?

ኣቶ ኣለም ጎይትኦም ብድሆ እብለካ ኣለኹ፡ ፤ ንስኻ ናይ ባዕልኻ ሓሳብ ኣልዒልካ ክትጽሕፍ ዘይትኽእል ናይ ኣእምሮ ልሙስ ምዃንካ እፈልጥ’የ፡ ፤ካብ መንገዲ ኣራሪኻ ኣብዛ ሰብ ፈንፊንዋ ዘሎ ወብሳይትካ ክትልጥፍ እንተዘይኮይኑ ካልእ ዓቕሚ ከምዘይብልካ እፈልጥ፡ ፤ በል ስማዕ ኣቶ ኣለም ጎይትኦም፡ ፤ብርዐይ በላሕ’ያ፡ ፤ኣሽንኳይ’ዶ ንኣኻ ንጉጅለ ህግደፍ ክትቆራርጽ ዝተላዕለት ብርዐይ ጠጠው ክተብላ ከም ዘይትኽእል ክሕብረካ እደሊ፡ ፤ ብርዐይ ጠበንጃይ ኢያ፡ ፤ ጨሚታ ከም ዘይትስሕት ክኣ ክትፈልጥ ኣለካ፡ ፤ ሃየ ብድሆ እብለካ ኣለኹ፡ ፤ ኣብ ዝደለኻዮ መድረኽ ፊት ንፊት ክግጥመካ፡ ፡

መድረኻውያን ቆጺሮምኻ እንተ ኮይኖም ንዕኦም መልእኽቲ ኣለኒ፡ ፤ ብርዐይ ጌና ኣይጸገበትን በሎም፡ ፤ ብርዐይ ብርዒ ህዝቢ ኢያ፡ ፤ ብርዐይ መንእሰይ ወለዶ መሰረታ ጌራ ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ኣብ ምህናጽ ከይተሓለለት ክትቃለስ ምዃና በዚ ኣጋጣሚ ክሕብረካ እደሊ፡ ፤ ንብርዐይ ዘይጻወር ንጉጅለ ህግደፍ ክገጥም ኣይክእልን፡ ፤ ንስኻ ኣቶ ኣለም ጎይትኦም ናይ ኤርትራዊ ባህልን ልምድን ዘይብልካ ነውራም ምዃንካ እፈልጥ፡ ፤ንዘይ ትፈልጦ ሰብ ኣይጽረፍን’ዩ፡ ፤ ንዘይትፈልጦ ሰብ ክተጸልምን ክተቆናጽብን ኤርትራዊ ባህልን ልምድን ኣይኮነን፡ ፤ ንስኻ እንታይ ጌርካ፡ ፤ ኣምሓራ ክምስሉ”ኣሳዳጊ የበደለው” ይብሉ፡ ፤ ንስኻ ኣተዓባብያ ዝጎደለካ ናይ ሕልና ልሙስ ስለ ዝኾንካ እትጽሕፎምን እትዛረቦን ይምስክረልካ፡ ፤ ወዲ 70 ዓመት ኮንካ ከም ቆልዓ ካብ መንገዲ ኣራሪኻ ሰባት ክተጸልም ክሕፍረካ ምተገብኦ፡ ፤

ሕጂ’ውን ብድሆ እብለካ ኣለኹ፡ ፤ መንነተይ ሓቲትካ ኣለኻ፡ ፤ መልሲ እንተ ደሊኻ ብኣካል ንራኸብ፡ ፤መን ምኳንካ ክትነግረኒ ኣነ’ውን ክነግረካ፡ ፤ሽዑ መን ሓሳዊ መን ሓቀኛ፡ መን መደናገሪ መን በዓል ቁምነገር ይርአ፡ ፤አተዓባብያኻ ወጺዑካ’ሎ፡ ፤ኣብ ከርሲ ገዛእቲ ሓይልታት ተሓብሒብካ ዝዓበኻ ስለ ዝኾንካ እቲ ክቡር ልምድን ባህልን ኤርትራዊ ከይተመሃርካ ከም ዝዓበኻ እንሆ ተግባርካ ይምስክረልካ፡ ፤ ንምዃኑ ኣውራጃዊ ኢልካ ክትጥቅነኒ መን ስልጣን ሂቡካ? መን’ዩ ኣውራጃዊ? ንስኻ ወይ ኣነ? ስኑድ መርትዖ ኣሎ’ኮ፡ ፤ ኣነ ዝዛረቦ ጽባሕ ክደግሞ ዝኽእል’የ፡ ፤

በል ጽን ኢልካ ስማዕ ኣቶ ኣለም ጎይትኦም፡ ፤ እቲ ደም ንጹሃት ኤርትራውያን ሰትዩ ዝኣተወ ዘመድካ ናይዝጊ ክፍሉ ምስ ሞተ ትዛረቦ ዝነበርካ ረሲዕካዮ ዲኻ? ን6 ወርሒ ብዘይ ምቁራጽ ብዛዕባ ሬስኡ ኣሕሚሙካ ክትጣበቐሉ ከለኻ ረሲዕካዮ ዲኻ?ንጹሃት ኤርትራውያን ኣጥፊኡ ዝኣተወ ዘመድካ ኣብ ክንድኡ ተወኪልካ ክትልፍልፍ ከለኻ መን’ዩ ኣውራጃዊ? ወዲ ቀሺ ዲመጥሮስ ምዃንካ ደኣ መኣስ ጠፊኡኒ፡ ፤ታሪኽ ተሰኒዱ’ሎ ኣቶ ኣለም ጎይትኦም፡ ፤ብዙሕ ኣይተዛርበና፡ ፤ ንስኻ ሕተተለይ፡ ፤ወደባት ኤርትራዊ ምዃነይ ከኣ ክትፈልጥ ኣለካ፡ ፤ ክንደይ ተወልጄ ከለዉ መን’ዩ ወልዱ ተኽለ ክትብል መሕፈረካ፡ ፤ በል ስማዕ፡ ፤ኣነ ወዲቶም ጀጋኑ ደግያት ሓጎስ፡ ራእሲ ተሰማ፡ ወዲ ፈንቅል፡ ወዲ ሃይለ፡ ኣብራህም ተወልደ፡ ሙሴ ተስፋሚካኤልን ካልኦት ጀጋኑን’የ፡ ፡ እዚ ኣውራጃዊ የቑጽረኒ’ድዩ? እወ እንተ ኢልካ ክቅበሎ ኢየ፡ ፤የኹርዓኒ ከኣ፡ ፤ ኣቦኻ ንገዛእቲ ከገልግል ከሎ ንሕና ግን ንመንነትና እንቃለስ በሃራት ኤርትራውያን ኢና፡ ፤ ኣቦኻ ንገድሊ ክሃድን ከሎ ንሕና ግን ንመሰልን ናጽነትን ንቃለስ ኔርና፡ ፤ኣቦኻ ምስ ዓመጽቲ ወጊኑ ከሎ ንሕና ግን ኣብ ጎቦታት ኤርትራ ምእንቲ ናጽነት ንወድቕ ኔርና፡ ፤

ኣቶ ኣለም ጎይትኦም….ልቢ ግበር፡ ፤ከም ዕድመኻ ኣስተውዒልካ ተዛረብ፡ ፤ ምስ መን ትዛረብ ከም ዘለኻ ከኣ ክትፈልጥ ኣለካ፡ ፤ኣብ መትከለይ ጠጠው ኢለ ዝሙጒት ሰብኣይ ኢየ፡ ፤ ብሓቀኛ ሽመይን መንነተይን ዝቃለስ ኤርትራዊ እምበር ተሓቢኣ ኣይጸሓፍኩን፡ ፤ ምሕባእ ኣብ ደመይ የላን፡ ፤ ካብቶም ኣብ መትከሎም ዝሞቱ ኢየ ተፈጢረ፡ ፤ ጥልመትን ክሕደትን ሓሶትን ጸለመን ኣብ ደመይ የለን፡ ፤በዚ ከኣ ይኾርዕ፡ ፤ ወደሓንካ!!!

ወልዱ ተኽለ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
138 COMMENTS
  • marsa February 7, 2014

    wey agewgew ab hukfo weyane konkas kndizi aferሃer bel shim etom geganu abotatnan yehwatnan aytemarashayo natka gber.
    ንፉዕ ሕ ማቅ ተወለደ ተዘምተ ሒማቅ ንፉዕ ተወለደ ተቐልተ
    ኩልና ፈርያት ናይ ኤርትራ ኢና ሕማቕና ኑፉዕና ከዳትና ጀጋኑና ኩልናውጼኢት ሕብረተሰብና ኢና ሃተፍተፍ ኣይትበሉ

  • Suleiman Salim February 7, 2014

    awrajawi ateHasasba gierka ASMARA kt’atu mHsab kem Eshnet ‘yu zQuSer::

    ‘za kula ms Woyane koyna sraH kelbi tgebr zela fTret awrajawit ‘ya::

    • MightyEmbasoyra February 7, 2014

      Salim,
      You mean Isayas? Isayas is the biggest weyane and you are his far cousin? ኤርትራ ‘ኳ ብ ደቂ 40 ተዋሪዳ

      • Suleiman Salim February 8, 2014

        You are a coward. Hawi swu’at tebahilka Hasawn qeTafn aytKun::

  • gerimuna February 7, 2014

    It is sad that to satisfy their abrasive behavior, but not really venomous against each other, to behave this way. Some losing their balance of reason as Mr. Woldu. It should not have been that way. Nothing is right in this article and no one is right in his comments. That is despite Meskerem’s agenda of debilitating the opposition subtly of what I believe is from the heinous PFDJ directions. So what went wrong? I hate it, but I have to defer with Assena in this respect for allowing it. This article was redundant. It is more harmful to the opposition than it could help . But, the PFDJ should be warned that is in fact honing our determination for its final fate. I have no doubt how much ridiculous we are to each other, still we are bonded by blood and we will live and die together. That is despite some narrow minded regionalists from all these areas and despite abiding in a developed countries . Shame on you! Stop that nonsense of mud slinging; concentrate on the evil.

  • Genet-orginal February 7, 2014

    Dear Migthy
    They need to go to school about Eritrean history and way of life. One thing they need to look up is the traditional law for all Eritrean regions. If one is going to take only geography to describe any group of people, the persone is exposing himself/herself, how little knowledge he/she has.

    FYI,The responce to aba-chegora is mine. I am forced to change it, because there is this persone ussing the same name and even she signs her post “Genet” the way I do it at end of my post.
    Genet-orginal

    • MightyEmbasoyra February 7, 2014

      Hi Genet,
      Thanks for clarifying it. I was wondering about the 2 Genets. I think she used to use Ghenet at one time.
      Anyways, I agree with you.

  • Wereket Taesa February 7, 2014

    Brother Weldu
    Please do not lower your standard.
    The best strategy to deal with the Son of the butcher of our people General Goitom is to completely ignore him.

  • adi-nfas February 8, 2014

    ወልዱ ተከለ አይትታሐለል hero don’t give up go forward bro.

  • Tewelde February 8, 2014

    መርትዖ ንሓሳዊ አቶ ወልዱ ተኽለ . . . . . . . . .አራይ ኩዕንቲ
    ሰራቕ ሞባእ ባዕሉ ይላፋለፍ ክብረት ሰብ ዘይሓሎኻ ክብረተይ ቀንጢጦሙኒ አይትበል ብNovember 26,2013 ተስቶት ተጋደልቲ ዘርእስቱ ዝተጻሕፈ አጸያፊ ጹሑፍካ

    እዞም ተስቶት መስሪቶማ ዘለዉ ማሕበር” መድረኽ” ዕላምኣ ቅድሚ ምግላጸይ ግን ካብዞም ኣባላታ ብዛዕባ’ቲ ሓደ ተደላዪ ሰብ ንሎሚ ቁሩብ ወስ ከብል ክፍትን’የ፡ ፤ እዚ ሰብ’ዚ ኣቶ ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ፕረሲደንት ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ነበር ይብሃል፡ ፤ኣቶ ዓንደብርሃን ካብቲ ብዙሕ ሓጥያቱ ንሎሚ ብዛዕባ ሓንቲ ጉዳይ ኣልዒለ ርእይቶይ ክህብ ክፍትን፡ ፤ ሽሕ’ኳ እቶም ግዳያት ኣቶ ዓንደብርሃን ዝኮኑ መማህራን ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ብዝበለጸ ክዛረብሉ ዝግብኦም እንተኾኑ ኣነ ከም ኤርትራዊ ከኣ እቲ ቅኑዕ ዝበልክዎ ሓቤረታ ንመንእሰይ ወለዶ ከመሓላልፈሉ ሃገራዊ ሓላፍነት ኣለኒ፡ ፡ ኣቶ ዓንደብርሃን ኣብ ጽባሕ ናጽነት ዝፈጸሞ ሃገራዊ ገበን ክርሳዕ ዘይክእል ምዃኑ ሳንታ ፋሚሊያ ትመስክር፡ ፤ ብወገንን ኣውራጃውነትን ዝሰኸረ ኣቶ ዓንደብርሃን፡ንውሱናት ወገናት ዝዓለመ ውጥን ምብራር መምህራን ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ናይ ትማሊ ተዘክሮ ኢዩ፡ ፤ እቲ ናይ ኣውራጃውነት ሸውሃቱ ንኸዕግብ ደመደይሉ ደቂ ሓደ ኣውራጃ ዒላማ ጌሩ ዝፈጸሞ ገበን ምስ እዚ ኣብ አሜሪካ ዝፍጸም ዝነበረ ናይ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ዝመሳሰል ገበን ፈጺሙ ኢዩ፡ ፤ ኣቶ ዓንደብርሃን ልክዕ አቲ ኣብ ሜዳ ብኢሳያስ አፈወርቂ ዝተፈጸመ ናይ ሜንካዕ ቅንጸላ መቐጸልትኡ ንንጹሃት ኤርትራውያን ብዘይካ ብኣምላኽ ዝተዓደሎም ተፈጥሮኣዊ ዓሌቶም ወይ መበቆሎም ካልእ ሓትያት ዘይብሎም ካብቲ ንዓመታት ዝሰርሕሉ ክቡር ስራሕ አባሪሩ ዘርሞ ዘርሞ ከም ዝገበሮም ህዝቢ ዝምስክሮ ሓቂ ኢዩ፡ ፤ ኣቶ ዓንደብርሃን ብአውራጃዊ ብድዐ ተላዕጢጡ ዘውረዶ ገበን ይቕረ ዘይብሃለሉ ኢዩ፡ ፤ እዚ ገበን ኣቶ ዓንደብርሃን ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ምዃኑ መንእሰይ ወለዶ ክፈልጦ ኣለዎ አብል፡ ፤ እዚ ናይ ኣቶ ዓንደብርሃን ናብ ተቛውሞ ደንበ ውጥም ቅልቅል ምባል ባዕሉ ዝኸኣለ ምክንያታት አኳ እንተለዎ ኣብዚ ሕጂ እዋን ንምንታይ ምዃኑ ግን ምስጢር ኣይኮነን፡፡

    ፍትሒ ይንገስ
    ወልዱ ተኽለ

    • Asghedom Woldeghiorghis February 8, 2014

      Gudit what are you saying , why you don’t say Hrgdef is better than every one. What is the difference between Meskerem and Hgdef. Are you blind, of course you are blind otherewise it is to see the difference

  • Mendefera February 8, 2014

    ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ፕረሲደንት ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ነበር ሰራቕ ሞባእ ምዃኑ ምስጢር ኣይኮነን ፤ መንእሰይ ወለዶ’ውን ክፈልጦ ኣለዎ ፡፡

  • Amonios February 8, 2014

    This narrow-minded village demagogue Weldu Tekhle has gone too far in insulting people not coming from his native village communities. He’s particularly blinded by his unjustified hate of people from Seraye. He pours unabashedly barrage of hatred tirades against the dead and the living originating from that area. And he does not substantiate his accusations with verifiable evidence.

    As long as militant Akeleguzaism, as represented by such illiterates as Weldu persists, one can forget about building democracy in Eritrea.

Post a Reply to amanuel Cancel Reply