Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣቶ ኣለም ጎይትኦም ወናኒ መሽረፈት ኔት ብድሆ እብለካ!!

ኣቶ ኣለም ጎይትኦም ወናኒ መሽረፈት ኔት ብድሆ እብለካ!! ብመጀመርያ ንኹልኹም ደለይቲ ፍትሕን ደገፍተይን ይቕረታ ይሓትት፡ ፤ ኣቦታትና ክምስሉ "እትደልዮ ተዛሪብካ ዘይትደልዮ ከይትሰምዕ ተጥንቀቕ " ይብሉ፡ ፤ ኣቶ ኣለም ጎይትኦም ብተለኣኣኽነት ህግደፍን ኣሳሰይቶምን ኣብ ልዕሊ ደለይቲ ፍትሒ

ኣቶ ኣለም ጎይትኦም ወናኒ መሽረፈት ኔት ብድሆ እብለካ!!

ብመጀመርያ ንኹልኹም ደለይቲ ፍትሕን ደገፍተይን ይቕረታ ይሓትት፡ ፤ ኣቦታትና ክምስሉ “እትደልዮ ተዛሪብካ ዘይትደልዮ ከይትሰምዕ ተጥንቀቕ ” ይብሉ፡ ፤ ኣቶ ኣለም ጎይትኦም ብተለኣኣኽነት ህግደፍን ኣሳሰይቶምን ኣብ ልዕሊ ደለይቲ ፍትሒ ናይ ሓሶትን ጸለመን ከካይድ ጸኒሕ’ዩን ኣሎን፡ ፤ኣቶ ኣለም ጎይትኦም ከም ዕድመኡ ዘይኮነ ናይ ሕጻን ቆልዓ ጠባይ’ኳ ክውንን ዘይክእል ናይ ሕልና ልሙስ ዝኾነ ኤርትራዊ’ዩ፡ ፤ኣቶ ኣለም ጎይትኦም ኣሳሳዪ ህግደፋውያን ኮይኑ ውልቀሰባት ከጸልም ዝውዕል ሕሱር ስለ ዝኾነ እንሆ ብተደጋጋሚ ናይ ዝተፈላለዩ ውልቀሰባት እሽማት ናተይ ወሲኹ ኣብታ ጽይፍቲ ገጻት ወብሳይቱ ክልጥፍ ንርእዮ ኣለና፡ ፤

ኣቶ ኣለም ጎይትኦም ቅድሚ መንነተይ ምሕታትካ ንስኻ መን ኢኻ? ኣነ ዕላማይ ኣብ ኣደባባይ ወጽየ ምእንቲ ፍትሒ ዝቃለስ ብመንነተይ ኮሪዐ ኣፍልበይ ነፊሐ ዝኸይድ ኤርትራዊ’የ፡ ፤ከም ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ሃገረይ ብልዕልና ሕጊ ተገዚኣ እዚ ዘሎ ገድላዊ ምሕደራ ተኣልዩ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ንፋስ ሓርነት ኣተንፊሱ ተቛዳሲ ጸጋታት ሃገሩ ክኸውን ትምኒተይ ኢዩ፡ ፤ መትከለይ ንጹር’ዩ፡ ፤ ኣብ ኤርትራ ገድላዊ ምሕደራ ክህሉ የብሉን ዝብል ሞጎተ ሒዘ ዝጎዓዝ ኤርትራዊ’የ፡ ፤እምነተይ እዚ ኮይኑ ንስኻ ግን መን ኢኻ? እንታይ ኢዩ ዕላማኻ? ውልቀሰውባት ምጽላም ድዩ ዕላማኻ ወይ ንመሰልን ሓርነትን ህዝቢ ኤርትራ ኢኻ ትቃለስ? መን ስልጣን ሂቡካ ውልቀሰባት ክተቆናጽብን ክትጸርፍን?

ኣቶ ኣለም ጎይትኦም ብድሆ እብለካ ኣለኹ፡ ፤ ንስኻ ናይ ባዕልኻ ሓሳብ ኣልዒልካ ክትጽሕፍ ዘይትኽእል ናይ ኣእምሮ ልሙስ ምዃንካ እፈልጥ’የ፡ ፤ካብ መንገዲ ኣራሪኻ ኣብዛ ሰብ ፈንፊንዋ ዘሎ ወብሳይትካ ክትልጥፍ እንተዘይኮይኑ ካልእ ዓቕሚ ከምዘይብልካ እፈልጥ፡ ፤ በል ስማዕ ኣቶ ኣለም ጎይትኦም፡ ፤ብርዐይ በላሕ’ያ፡ ፤ኣሽንኳይ’ዶ ንኣኻ ንጉጅለ ህግደፍ ክትቆራርጽ ዝተላዕለት ብርዐይ ጠጠው ክተብላ ከም ዘይትኽእል ክሕብረካ እደሊ፡ ፤ ብርዐይ ጠበንጃይ ኢያ፡ ፤ ጨሚታ ከም ዘይትስሕት ክኣ ክትፈልጥ ኣለካ፡ ፤ ሃየ ብድሆ እብለካ ኣለኹ፡ ፤ ኣብ ዝደለኻዮ መድረኽ ፊት ንፊት ክግጥመካ፡ ፡

መድረኻውያን ቆጺሮምኻ እንተ ኮይኖም ንዕኦም መልእኽቲ ኣለኒ፡ ፤ ብርዐይ ጌና ኣይጸገበትን በሎም፡ ፤ ብርዐይ ብርዒ ህዝቢ ኢያ፡ ፤ ብርዐይ መንእሰይ ወለዶ መሰረታ ጌራ ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ኣብ ምህናጽ ከይተሓለለት ክትቃለስ ምዃና በዚ ኣጋጣሚ ክሕብረካ እደሊ፡ ፤ ንብርዐይ ዘይጻወር ንጉጅለ ህግደፍ ክገጥም ኣይክእልን፡ ፤ ንስኻ ኣቶ ኣለም ጎይትኦም ናይ ኤርትራዊ ባህልን ልምድን ዘይብልካ ነውራም ምዃንካ እፈልጥ፡ ፤ንዘይ ትፈልጦ ሰብ ኣይጽረፍን’ዩ፡ ፤ ንዘይትፈልጦ ሰብ ክተጸልምን ክተቆናጽብን ኤርትራዊ ባህልን ልምድን ኣይኮነን፡ ፤ ንስኻ እንታይ ጌርካ፡ ፤ ኣምሓራ ክምስሉ”ኣሳዳጊ የበደለው” ይብሉ፡ ፤ ንስኻ ኣተዓባብያ ዝጎደለካ ናይ ሕልና ልሙስ ስለ ዝኾንካ እትጽሕፎምን እትዛረቦን ይምስክረልካ፡ ፤ ወዲ 70 ዓመት ኮንካ ከም ቆልዓ ካብ መንገዲ ኣራሪኻ ሰባት ክተጸልም ክሕፍረካ ምተገብኦ፡ ፤

ሕጂ’ውን ብድሆ እብለካ ኣለኹ፡ ፤ መንነተይ ሓቲትካ ኣለኻ፡ ፤ መልሲ እንተ ደሊኻ ብኣካል ንራኸብ፡ ፤መን ምኳንካ ክትነግረኒ ኣነ’ውን ክነግረካ፡ ፤ሽዑ መን ሓሳዊ መን ሓቀኛ፡ መን መደናገሪ መን በዓል ቁምነገር ይርአ፡ ፤አተዓባብያኻ ወጺዑካ’ሎ፡ ፤ኣብ ከርሲ ገዛእቲ ሓይልታት ተሓብሒብካ ዝዓበኻ ስለ ዝኾንካ እቲ ክቡር ልምድን ባህልን ኤርትራዊ ከይተመሃርካ ከም ዝዓበኻ እንሆ ተግባርካ ይምስክረልካ፡ ፤ ንምዃኑ ኣውራጃዊ ኢልካ ክትጥቅነኒ መን ስልጣን ሂቡካ? መን’ዩ ኣውራጃዊ? ንስኻ ወይ ኣነ? ስኑድ መርትዖ ኣሎ’ኮ፡ ፤ ኣነ ዝዛረቦ ጽባሕ ክደግሞ ዝኽእል’የ፡ ፤

በል ጽን ኢልካ ስማዕ ኣቶ ኣለም ጎይትኦም፡ ፤ እቲ ደም ንጹሃት ኤርትራውያን ሰትዩ ዝኣተወ ዘመድካ ናይዝጊ ክፍሉ ምስ ሞተ ትዛረቦ ዝነበርካ ረሲዕካዮ ዲኻ? ን6 ወርሒ ብዘይ ምቁራጽ ብዛዕባ ሬስኡ ኣሕሚሙካ ክትጣበቐሉ ከለኻ ረሲዕካዮ ዲኻ?ንጹሃት ኤርትራውያን ኣጥፊኡ ዝኣተወ ዘመድካ ኣብ ክንድኡ ተወኪልካ ክትልፍልፍ ከለኻ መን’ዩ ኣውራጃዊ? ወዲ ቀሺ ዲመጥሮስ ምዃንካ ደኣ መኣስ ጠፊኡኒ፡ ፤ታሪኽ ተሰኒዱ’ሎ ኣቶ ኣለም ጎይትኦም፡ ፤ብዙሕ ኣይተዛርበና፡ ፤ ንስኻ ሕተተለይ፡ ፤ወደባት ኤርትራዊ ምዃነይ ከኣ ክትፈልጥ ኣለካ፡ ፤ ክንደይ ተወልጄ ከለዉ መን’ዩ ወልዱ ተኽለ ክትብል መሕፈረካ፡ ፤ በል ስማዕ፡ ፤ኣነ ወዲቶም ጀጋኑ ደግያት ሓጎስ፡ ራእሲ ተሰማ፡ ወዲ ፈንቅል፡ ወዲ ሃይለ፡ ኣብራህም ተወልደ፡ ሙሴ ተስፋሚካኤልን ካልኦት ጀጋኑን’የ፡ ፡ እዚ ኣውራጃዊ የቑጽረኒ’ድዩ? እወ እንተ ኢልካ ክቅበሎ ኢየ፡ ፤የኹርዓኒ ከኣ፡ ፤ ኣቦኻ ንገዛእቲ ከገልግል ከሎ ንሕና ግን ንመንነትና እንቃለስ በሃራት ኤርትራውያን ኢና፡ ፤ ኣቦኻ ንገድሊ ክሃድን ከሎ ንሕና ግን ንመሰልን ናጽነትን ንቃለስ ኔርና፡ ፤ኣቦኻ ምስ ዓመጽቲ ወጊኑ ከሎ ንሕና ግን ኣብ ጎቦታት ኤርትራ ምእንቲ ናጽነት ንወድቕ ኔርና፡ ፤

ኣቶ ኣለም ጎይትኦም….ልቢ ግበር፡ ፤ከም ዕድመኻ ኣስተውዒልካ ተዛረብ፡ ፤ ምስ መን ትዛረብ ከም ዘለኻ ከኣ ክትፈልጥ ኣለካ፡ ፤ኣብ መትከለይ ጠጠው ኢለ ዝሙጒት ሰብኣይ ኢየ፡ ፤ ብሓቀኛ ሽመይን መንነተይን ዝቃለስ ኤርትራዊ እምበር ተሓቢኣ ኣይጸሓፍኩን፡ ፤ ምሕባእ ኣብ ደመይ የላን፡ ፤ ካብቶም ኣብ መትከሎም ዝሞቱ ኢየ ተፈጢረ፡ ፤ ጥልመትን ክሕደትን ሓሶትን ጸለመን ኣብ ደመይ የለን፡ ፤በዚ ከኣ ይኾርዕ፡ ፤ ወደሓንካ!!!

ወልዱ ተኽለ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
138 COMMENTS
  • sami February 7, 2014

    Kila Weldu kea ajaw. if someone is not from akeleguzay or EYSNS then he/she is always a target. Do what you can do best on the struggle against the dictator. ab paltalk wela ab assena konka chedirka ziwediq diktator yelen. You are very low…..Mr. weldu. You still talking about some personalities… Ata ezi demo.archive.assenna.com mexawety koynu…..They dont have any editorial policy. If the article is something that insults what they consider as enemy, then they dont care to publish cheap article like this. Shame on you.

  • marsa February 7, 2014

    woldu
    you forget to mention Tesfshanes Berhe.Asfha weldenkeal etc.the one you mentioned them are all Eritrean heros they belong to all of us they gave their life for eritrea do not be chicken head if you are not sick well. wel Ebrahim sultan hamid awate Ebrahim Afal.,.etc are yours to .

  • soyra February 7, 2014

    ወልዱ ተክለ ጅግና ወድ ጀጋኑ ኢወ ኣይተጋገኻን በሎም ኣጆኻ ነዞም ሓሰውቲ ከዳኣት በላኢቲ ኪልተ ስጋ።ህብሮም ከም ነፋሂቶ ዝቐያየር ሰብ ኣመል ሓሰውቲ።

  • Berhe Tsaada February 7, 2014

    እዛ ጽሕፍትኻስ ‘ኣረ ጎራዉ፡ ኣረ ጎራዉ፡…’ ጥራይ ተሪፋታ። ካንዶ’ታ ዘመድ የብልካን ኢኻ ማይ ጮሎት ዉስድ ኣቢሉ ካብዚ ሕማም ጸቢብ ኣዉራጃዉነት ዘገላግል፧ ሕማም ኣዉራጃ ርኢና’ሞ፡ ከምዚ ገሩ ዘጉርዕ አይተፈጥረን። ገለ ዶ ኾን ቀጠልያ ደርሆ መጠቀመካ፧ ወይ ድማ ብፈርሲን ደምን ብዕራይ ተጀለጥ እምበሪ፧ ካን ጀጋኑ ኩላትና ከምዘይኮኑ፡ ኣስማት ጀጋኑ እርይ ቁጽር ኣቢልካ ወዲ ሓዎም’የ ባ ወዲ ሓብቶም ክትብለና። በል እስከ፡ በዓል ኣስፈሃ ወልደንኪኤል፡ ቀኛዝማች ሓጎስ ረዳ፡ ፊተዉራሪ ግበርመስቀል ዎልዱ፡ ኣዝማቲ ገብረሚካኤል ግርሙ፡ ባሻይ ጸጋይ ተፈሪ፡ ደግያት ዘርኦም ኪፈለ፡ ካልኦትን፡ ኣንድነት ምስ ኢትዮጵያ ወይ ሞት ኢሎም ዘዳኸሩ ኸ ደቂ ኣዉራጃኻ ኣይኮኑን፧ ግርም እባ ሓሓሪኻ። ንልቢ ዘለዎ ዘይከምዚ ከማኻ፡ ኩሎም፡ ጀጋኑኦም፡ ሸየጥቲ ዓዶም ኤርትራዉያን’ዮም። ነቶም ጀጋኑ ብጅግንነቶም ንሕበን ኩልና። ነቶም ሸየጥቲ ዓዲን ከፋፈልትን ድማ ንጉህይ ብኦኦም፡ ብዘየገድስ ካበየናይ ኩርናዕ ናይ ኤርትራ’ዮም። እቲ ምንታይሲ፡ እቶም ጀጋኑ ነታ ኣወራጃይ ኢልካ ቱታ ተብለላ ዘለኻ ጥራይ ኣይተሰዉኡን፡ በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ እቶም ሸየጥቲ ዓዶም፡ ንኣከለጉዛይ ጥራይ ኣይኮነን ሸይጦማ። ኩሎም ደቂ ኤርትራ’ዮም፡ ናይ ኩልና ደቂ ኤርትራ ድማ። ንዓኻን ከምዚ ከማኻን ክሰምዑ ከሎዉ እቶም ጀጋኑ’ስ፡ ኣብ መቃብሮም ይሓንኩልካ ይኾኑ። መቃብሮም የንቀጥቅጥ ይኸዉን’ዩ ብርግጽ። ምስ ወናኒ መስከረም ነት፡ ዉልቃዊ ባእሲ እንተልይኩም፡ ንዑዑ ጥራይ ኢኻ ክትጸርፍ ዘለካ። መዳኸሪ ህግደፍ ክኸዉን ይኽእል’ዩ። ከምቲ ትብሎ ዘሎኻ ኣዉራጃዊ ክኸዉን ይኽእል’ዩ። ዝያድኡ ኣዉራጃዊ ሙኻንካ ብምርኣይ ግን ኣይኮነን ትምልሰሉ። ደሓር ድማ ኣነ ኩስቶ ጅግና እየ፤ እዚ ድማ ሰሪሐ’ዩ ዝባሃል እምብር፡ ኣነ ሓዉ ጅግና ኣይባሃልን። ምኽንያቱ ጀጋኑ ናይ ሓደ ሰብ ኣይኮኑን። ንሓደ ሰብ ዘርብሕን፡ ንስለ ሓደ ሰብን እንተተበጅዮም እሞ፡ ጀጋኑ ኣይኮኑን። ጅግና ጅግና ዘብሎ ንስለ ብዙሓት፡ ንመሰል ብዙሓት፡ ንሓቒ ናይ ኩሉ ስለ ዝማጎትን ስለዝወድቅን እኮ’ዮ። ምእንቲ ወዱ ወይ ሓዉ ክዘርይ ዝወደቀ እኮ ጅግና ኣይብሃልን’ዩ። ኣብ ከምዝን ወዲ ኸምዝን ናይ ቆናኖ ቋይቂ እንዳ ኣምጻእካ ነቶም ጀጋኑ መዓርጎም ኣይትቀንጥጦም በጃኻ። ልቢ ግዛእ። ዓድኻ ፍቶ፡ ኣዉራጃኻ ፍቶ፡ ግን ንኽትንየት ኣይኮነን። ብኡኡ መሳልል ሃገርካ ክትፈቱ ማለት’ዩ። ደቂ ሃገርካ ክትፈቱ ማለት’ዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ኣሰር እቶም ጠቂስካዮም ዘለኻ ጀጋኑ ክትክተል መታን። እዚ ትገብሮ ዘለኻ ግን፡ እቲ ዝጸዓርሉን ዝኸፈልሉን ነገር፡ እንዳ ጓሓፍ ዝድርቢ’ዩ፡ እንዳ ጓሓፍ ደኣ ይሰንድዉኻ እምበሪ።

  • eritrawi February 7, 2014

    Woldu kemey kab demamu teweled ayfeltekane zixehafkayo xehuf gin nay wegen xegem zeleka seb eka bizaeba nebsika zeytzareb bezaeba musse, raesi tesema, naizghido endabelka agewgew tibl agaw nebsika wekilka tezareb welfas wegenawi

  • robiel February 7, 2014

    Emenuni. Bsenki kem beal weldu ziameselu sebat, kalsi kiewet aykilin iyu

  • Delay Selam February 7, 2014

    Dear Woldu,
    what you have written is supposed to be mailed to Ato Alem. There is no substance in this article and I wonder why the editor passes such a personal thing in to a public media. you and ato Alem should change your postal address and deal with your personal problems. Eritrea doesn’t need those who will be proud of what their ancestors have done its needs who can make history now. you can tell me because you are the son of aba-timer(bahta hagos) then you are aba-timer. I am sorry I come from the place you are referring but generalizing is bad. they were terribly supporters of haileselassie from the region me and you come from and other places as well. If you want to know who played the greatest role to abolish federation that was degayat ASFEHA WOLDEMICHAEL. I advise with my little capacity you become a positive and inclusive person. it doesn’t really matter what you grandfather was standing for to become a peace lover at this moment.

    wedehankum

  • Tes February 7, 2014

    Weldu
    you have evry right to defed yourself and ignor to those from old school of HGDEF who tried hard to covet their wicked nature of inferority. That good for nothing Alem asked you who you are and it is appropriate to tell your root. If telling your background make you racist then you are right to tell them so be it. Oh I am Eritreawi no no. You have to be proud to be Akele or Hamassenay or Serayeta and Eritreawi. Without origin you are settler , and nothing more. Those from the school of HGDEF they need to learn what make them an Eritrean. Eritrea has compenents and you should proudly say I am akletay and Eritrean end of. Again weldu is right to tell to that low life who he is. If anyone disagree with this he or her has to take it with that low life Alem. Full stop.

  • ZEGiRM February 7, 2014

    weldu is a hero.those who writes against him, speake to him face to face. you will made his day. Woldu is writing the reality.

  • tesfaldet February 7, 2014

    hi WELDU HE IS RIGHT YOU ARE IDIOT COWERD did you know what you say you say all this garbege opposition are WEAK CI CI whay you say BIREAY BRETEY EYA that means you & those useless oppostion know oly AJEF JEF TALK so you told us you jast know run your mouth you can not do shit COWERD exept craying whining so thank you for telling us your wakenes TERATI NO BODY MESS WITH THE LION NOT EVEN WEDI ALI STUPID

Post a Reply to amanuel Cancel Reply