Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስቅያት ህዝባ’ዩ ስቓያ ሕማማ!

  "ኣብ ስደት ዝርከባ ሓደ ሓደ ናይ ኤርትራውያን መርበባት ኣቐዲመን ኣብ ዝዘርግሖ ግጉይ ሓበሬታ፣ ክልተ ደቁን ሓንቲ ሓብቱን ናብ ኢትዮጵያ ክሰግሩን ካብ ኣባላት ሰራዊት ሓለዋ ዶባት ኤርትራ ብዝተተኮሰሎም ጥይት ተቀቲሎም ዝብል ወረ ከምዝተዘርግሐ ዝሓበረ ክብሮም፣ ነዚ

 
“ኣብ ስደት ዝርከባ ሓደ ሓደ ናይ ኤርትራውያን መርበባት ኣቐዲመን ኣብ ዝዘርግሖ ግጉይ ሓበሬታ፣ ክልተ ደቁን ሓንቲ ሓብቱን ናብ ኢትዮጵያ ክሰግሩን ካብ ኣባላት ሰራዊት ሓለዋ ዶባት ኤርትራ ብዝተተኮሰሎም ጥይት ተቀቲሎም ዝብል ወረ ከምዝተዘርግሐ ዝሓበረ ክብሮም፣ ነዚ ሓቕነት ዘይብሉ ዘይተጻረየ ሓበሬታ መን ከምዝሃቦም’ውን ዝኾነ ኣፍልጦ ከምዘይነበሮ ጠቒሱ።” ቃል ራድዮ ኤረና።
 
“ብ 20 ለካቲት 2014 ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ክሰግሩ ብኣባላት ሰራዊት ሓለዋ ዶባት ኤርትራ ብዝተተኮሰሎም ጥይት ተቀቲሎም ተባሂሉ በቲ ሓሶት ዝልማዳ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ዝተጋውሓሎም ክልተ ትሕቲ ዕድመ ኣሕዋትን ጓል 25 ዓመት መንእሰይ ኣሞኦምን ጉዳይ ካብ ሓቂ ዝረሓቀን ኣዚዩ ግጉይን ከምዝኾነ እቲ ኣብ ኣሜሪካ ዝቕመጥ ኣቦ እቶም ክልተ ቆልዑ ኣቶ ክብሮም ፍቕረዝጊ ኣቃሊዑ፡፡” ቃል መሽረፈት ኔት።
 
እስከ ሓንሳብ ነዘን ንሓሶት ብሓቂ ዘቃልዓ፡ ሃበርም መራኸቢ ብዙሃን ደለይቲ ፍትሒ፡ ድሙቕ ጣቕዒት ኣቕርቡለይ? ሃየ’ስከ ድሙቕ ጨብጨባ! ‘ሻሕ ሻሕ ሻሕ…’ የቐንየለይ፡ ክብረት ይሃበለይ።
 
እዘን ኣቕድም ኣቢልኩም ዝነበብኩመን ክልተ ጽሑፋት ብምቕራበን ዘንጨብጨብኩሙለን ክልተ መርበባት ሓበሬታ ደለይቲ ፍትሒ፡ እዚ ሓቀኛ ሓበሬታ ዝበልኦ ናይ 2014 ዓ.ም ዝዓበየ ዓወት ዝተጓናጸፋሉ ስርሐን’ዩ ኔሩ! በቃ ነታ ናይ ሓሶት ወረ ዘቕረበት መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ዕርቃና ኣውጺአንኣ ማለት’ዩ። በዚ ከኣ ካብ ተደናገጽቲ ህግደፍ ዝግባእ ክብርን መጐስን ክረኽባ ክኢለን ኣለዋ! ‘ሓቀኛታት መርበብ ሓበሬታ’ ዚብል ናይ ዓወት ኒሻንውን ንምሽላም በቒዐን ኣለዋ። ዘሐብን ዓወት’ዩ! ኣቤት! ኣቤት! ኣቤት ዓወት!
 
ኣቱም ሰባት፡ ናይቶም ኮነ ኢሎም ነዚ እኩይ ናይ ድኹማት ስራሕ ዝጽዕቱሉ ዘለዉ ኮራኩር ህግደፍ ገዲፍኩም እሞ ብዛዕባ’ቶም ንፍትሕን መሰልን ህዝቢ ኤርትራ ኢና ንቃለስ ዘለና ዝብሉ ደለይቲ ፍትሒ ዚብል ምስሉይ ካባ ዝለበሱ ሰባት’ሞ ቊሩብ ሕስብ ኣብሉ። ኣብ ልዕሊ’ታ ብዘይስልንስል ብምሉእ ልብን ትብዓትን ኣንጻር ጉጅለ ምልኪ ገጢማ ትጠማጠም ዘላ ኣሰና ጸብለል ኢለን ንኽርኣያሲ፡ ዓቢ ዓወት ከም ዝረኸባ ያኢ ካብ ሓደ ብዓል ጉዳይስ ይትረፍ ናይ ሓሶት ድራማ ከማን ክሰርሕ ዘይክእል ብዛዕባ’ቶም ሞይቶም ዝበሎም ደቁን ሓብቱን ምንም ኣፍልጦ ዘይብሉ፡ ብዘይካ ‘ማለት’ዩ’ እትብል ሽሕ ግዜ ዝተደጋገመት ቃል ካልእ ክንርደኣሉ ዘይከኣልና ሰብ፡ ዝሃቦ ዘይንጹር ሓበሬታ ሒዝካ፡ ንኣሰና ተጓይኻ ምኽሳስ ምስ ምንታይ ኪቑጸር ይኽእል!? ካልእ ንህዝብን ሃገርን ዝጠቅም ክጓየያሉ ዝግብአን ሓበሬታ የለንድዩ ኣታ!?
 
ውዒሉ ሓዲሩ ኣማውታ ናይዞም ሰለስተ ዜጋታትና፡ ካብቲ ኣሰና ኣቐዲማ ዝገለጸቶ ሓበሬታ ከምዘይሓልፍ ጥርጥር የብሉን። እቲ ዋና’የ ዝበለ ሰብ ከኣ ኣብ ክንዲ ነቶም ንእኡ ኣዕቊቦምን ዘድሊ ናይ መገሻ ወረቓቕቲ ኣሳሊጦምን ናብ ኣመሪካ ዝለኣኹዎ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ተጓይዩ ዘወንጅል፡ ነቶም ንኣኡን ንስድራኡን ናብ ስደት ንከምርሕ ዝቐሰቡዎ ኣብ ኣስመራ ዘለዉ ጉጅለ ሓንዘር (ቅንፍዝ) ኪኸስስን ኪምክትን’ዩ ዝግብኦ ኔሩ። “እንተዘይትደፍኣኒ መን መጽደፈኒ” ዝብሃል ምስላ ወለድና ኣሎ። ንሱ፡ እቲ ጠንቂ ኩሉ ጥፍኣት ኤርትራውያን ዚኾነ፡ እቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ጉጅለ ሕሰም፡ በዚ መገዲ ጥፍኣት’ዚ ንኽጉዓዙ እንተዘይቅስቦም ኔሩ፡ እዞም ዕሸላት ምስ ጎርዞ ኣሞኦም ኣምበይምጠፍኡን ኔሮም!
 
እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጉጅለ ምልኪ’ዚኸ ቅድሚ ሕጂ ብዶብ ንዝሰግሩ ዜጋታትና ብጥይት ብተመልከተለይ ኣይመልዓሶምንድዩ!? እዚውን ዋላ ባዕሉ ኣይውዓሎ ጠንቂ ናይዚ ሞትከ ንሱዶ ኣይኮነን’ዩ!? እተን ብደገፍቲ ህግደፍ ‘ናይ ሓሶት ሓበሬታ ሂበን’ ተባሂለን ከይውንጀላ ምእንቲ፡ ዋላ ብእዝነን ንዝሰምዐኦን ብዓይነን ዝረኣየኦን ሓቂ ንምግላጽ ገለብ ሸለብ ዝብላ ውሑዳት መርበብ ሓበሬታታት ደለይቲ ፍትሒከ ሓቅነት ኣሎወንድዩ? እወ ሓቅነት ኣለና እንተ ደኣ ዝብላ ኮይነን ብሓቂ መርበብ ሓበሬታ ቃልሲ ማለት እንታይ ማለት ሙዃኑ ብግቡእ ኣይተረድአንን ኣሎ ማለት’ዩ! ምኽንያቱ፡ እታ ‘ድምጺ ሓቂ እናተባህለት ብህግሓኤ. ስማ ዝገነነ ድምጺ ሓፋሽውን እንተኾነት ዋላ ንሓንቲ መዓልቲውን ትኹን ሓቀኛ ሓበሬታ ኣቕሪባ ኣይትፈልጥን’ያ! እዚ ከኣ ባህርን ልምድን ፕሮፕፕጋንዳ ቃልሲ ከምኡ ስለ ዚኾነ ጥራይ እዩ። ብኣሉታ ወይውን ብሓሶት ዘውቅሳውን ኣይኮነን።
 
ፕሮፖጋንዳ ናይ ኣየር ትምነያ ኣይኮነን! ሎሚ ዝናብ ኪዘንብ’ዩ ወይውን ኣይዘንብን’ዩ ኢልካ እትትንበዮ! በዚ ምኽንያት ከኣ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር፡ ብሰራዊት ደርጊ ተሳዒሩ ፋሕብትን ኢሉ ኣብ ዘዝልቐሉ ዝነበረ እዋንውን ከይተረፈ፡ ድምጺ ሓፋሽ፡ ‘ጅግና ህዝባዊ ሰራዊትና ምስ ሰራዊት ደርጊ ኣብ ዝገበሮ ግጥም” ንጸላኢ ስዒሩ ክንድዚ ብረት ማሪኹ፣ ክንድዚ ወተሃደራት ደርጊ ቀቲሉ፣ ክንድዚ ደጊሙ፡ ወዘተ. ‘ ክትብል ዘይሰምዐ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ዘሎ ኣይመስለንን! መስርሕ ቃልሲ’ዩ!
 
እዘን ሕጂ ብኣሰና ዝወራዘያ ዘለዋ መርበባት ደለይቲ ፍትሒ ዝጽውዓ ግን ትማሊ ኣሰና ‘ሚኒስተር ዜና ነበር ዓሊ ዓብዱ ንስርዓት ህግደፍ ከም ዝራሕርሖ ኣብ እዋኑ ክትገልጽ ከላ፡ ንሳተን ግን ብድሕሪኡ ንኣስታት ሰለስተ ወርሒ ጸኒሐን’የን ነቲ ዝኣረገ ዜና ህድማ ዓሊ ዓብዱ ከም ሓድሽ ናብ ህዝቢ ኣቕሪበንኦ! ኣብ ስርሒት ፎርቶ ናይ ወዲ ዓሊውን ከምኡ! እዘን መርበባት ሓበሬታታት እዚኣተን ግን ኣብ መንጎ መንግስቲ፣ ህዝብን ሃገርን ዘሎ ፍልልይ ምንጻር ኣጊሙወን ንጉጅለ ህግደፍ ምስ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ብምልሓግ፡ ንዘጋጠሞ ኣህጉራዊ ንጸላ ‘ንኤርትራ ከምዚ ኣጋጢሙዋ’ እናበላ ክቑዝማን ናይ ተበዲልና መግለጺታት ክህባን ክትሰምዐን ከለኻ እዚኣተንሲ እምበርዶ መራኸቢ ብዙሃን ደለይቲ ፍትሒ’የን ዘየብላ ኣይኮናን! ግን ዋላ 1% እውን ትኹን ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣጃሙ ዘበርከተ ዜጋ ወይ ኣካል ክድገፍን ክተባባዕን ስለ ዝግብኦ፡ ኣጆኽን ምባለን ኣየቋረጽናን! ንዝገበርኦ ጉድለታት ጸብጺብናውን ከነጥቅዐን ኣይፈተንናን እንትርፎ ንምዕባለአን ዝድርኽ ምኽርን ሓበሬታን ምሃብ።
 
እዘን ሕጂ ንኣሰና ንምውቃስ ሕፍር ዘይበላ መራኸቢ ብዙሃን እዚኣተን ድማ ብሓቂ ድምጺ ደለይቲ ፍትሒ ኔረን እንተ ዝኾና፡ ከምተን ዓሰርተታት ፋሕ ጭንግራሕ ኢለን ብዘይኣድማዕነት ዝሰርሓ ዘለዋ ውድባት ዝበሃላ ጉጅለታት ንሓድሕድካ ምንኻስ ገዲፈን፡ ብኣንጻሩ ንሓድሕደን ብምድግጋፍ ነታ ብደገፍ ህዝቢ ዝከኣላ ተበርክት ዘላ ድምጺ ውጹዓት ኣሰና፡ ኣብቲ ንሳተን ብከንቱ ዘባኽንኦ ዘለዋ ዝበዝሐ ክፋሉ ብዝተፈላለየ ንምልኪ ከጸባብቕ ዝተደርፈ ደርፍታት ደገፍቲ ህግደፍ ዝሽፈን ፈነወ ማዕበል ማለት፡ ናይ ሳተላይት ዕድል፡ ኣብ ሰሙን ሰለስተ ሰዓት፡ ኣሰና ክትጥቀመሉ ብምፍቃድ፡ ናይ ብሓቂ ድምጺ ደለይቲ ፍትሒ ሙዃነን ብግብሪ ኣረጋጊጸን፡ ንቓልሲ ሓርነት እንተ ዝድርዓዶ ኣይምሓሸን!? እቲ ዕላማ’ኮ ንሓድሕድካ እናተደጋገፍካ፡ ኣብታ ፍትሒ ስኢና ብሕሰም ትሕመስ ዘላ ሃገርካ ፍትሒ ምስፋንን ምንጋስን’ዩ እምበር ናይ ኣነ ይበልጽ ውድድር እተካይደሉ ጎልጎል ማራቶን ኣይኮነን! 

 
ነዛ ጸጸር ዘይኮነስ ከቢድ ደንጎላ ናብ ጉጅለ ምልኪ ትድርቢ ዘላ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ከኣ ብሓሶት ጠቂንካ ካብ ህዝቢ ከም ትንጸል ብምግባር ዝርከብ ረብሓኸ እንታይ እዩ!? ምብሓትድዩ? ካብ ሓደ ሙዃን ክልተ ሙዃንዶ ኣይበልጽን!? ነቶም ንደሞዞም ጥራይ ዝሰርሑ ኣባላት ድምጺ ኣመሪካ ንምምሳል ኢልካ፡ ጉጅለ ምልኪ ህዝቢ ንምትላል ኢሉ ኣቆናጅዩ ዘቕርቦ ‘ዒላ ኲዒተ፣ ዲጋ ሃኒጸ ወዘተ.’ ዚብል ናይ መደናገሪ ዜናታት ከም ዘሎዎ ምድጋምከ እንታይ ንምርካብ’ዩ ተደልዩ!? እዚ ዕላማኻን ሸቶኻን ብግቡእ ካብዘይምፍላጥን ኣብ ስራሕካ ርእሰ ተኣማንነት ካብዘይምህላውን ዝመጸ፡ ራዕድን ምጥርጣርን ኣብ ርእሲ ሙዃኑ፡ የዋሃት ብምድንጋር ብተዘዋዋሪ ዕምሪ ምልኪ ምንዋሕውን ስለ ዚኾነ፡ ደጊመን ክሓስባሉ በዚ ኣጋጣሚ ከተሓሳስበን እደሊ። ዚኾነ ይኹን ንኣበርክቶ ደለይቲ ፍትሒ ዘቆናጽብ ሓይሊ ከኣ ብዘይካ ብህግደፍ ብኻልእ ተቐባልነት የብሉን!  ንዓማጺ ምድጋፍ ከኣ መሰል ዘይኮነስ ገበን’ዩ! ስለዚ፡ ኩሉ ንህግደፍ ዝድግፍ ሰብ ገበነኛ ሙዃኑ ክግንዘብ ኣለዎ!
         
ኣትን መሻርኽቲ *ኣተና ዘይብልክን   *ሓሳብ፡ ዕላማ
ነዚ ውፉይ ዜጋ ኮማንዶ ሓርነትክን
ንዘሎን ዘየሎን ሓሶታት ሰናኒዕክን
ምስራሕ ትኸልአኦ ስሙ እናኣጸለምክን
ሰላም ዘይትህብኦ እንታይ እዩ ጌሩክን?
ኣብ በረኻን ባሕርን ከይትጠፍእ ህይወት
ንፍትሕን መሰልን ናይ ህዝቢ ሓርነት
ሃገሩ ንኸድሕን ካብ ጥፍኣት ካብ ዕንወት
ንሱ ግዜ የብሉን ጭርጭር ኪጻወት!
ስለዚ፡ ትም በላ ንከንቱ ኣይትድከማ
ሓሶትክን ክትብድህ ምሳኻትክን ገጢማ
ግዜ የብላን ኣሰና ሰፊሕ’ዩ ዕማማ
ስቅያት ህዝባ’ዩ ስቓያ ሕማማ
ሓራ ንኸተውጽኦ ግቡኣ ፈጺማ
ሰለም ኣየበለትን ከተዕርፍ ደኺማ!
ብዘይሕግን ፍርድን ህዝብና መቊሑ
ኣብ ሃገርና ከሎ *ባልዋ ኣሳፊሑ        *ኣርሓ መፍለስ
ጸላምና ኪቕንጠጥ መሬትና ወጊሑ
ክንዲ ትቃለሱ ቁውም ነገር ክትሰርሑ
ናብ ጎምበል ሓርነት ንምንታይ ትነብሑ!?
 
ክብርን መጐስን ነታ ለይትን ቀትርን ከይተሓለለት፡ ብዘይገለ ዓስቢ ንህዝብን ሃገርን ተገልግል ዘላ ኣሰናን ኣካየድታን ይኹን!

ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!
 
ካብ ሓውኹም መሲናስ 20/02/2015

aseye.asena@gmail.com

Review overview
31 COMMENTS
  • weldu February 21, 2015

    Hi Asena + Amanuel,
    You keel the point, those people should focus on the cause. who ever open the shoot, those Eritrean kids died to flee the devil dictator. like meskerem.com I am damn sure they have some thing to do with the dictator. keep your job up, history is on your side, we all deleyti fithi appreciate your contribution in niharnet zigber kalsi. kelbi ynebih eti gemel kalsi niharnet ygoaz.
    Ajokum Assenna

  • Eritreawit February 21, 2015

    From all Eritrean websites it seems Assenna is working hard for Eritreans and it’s people,all thier postes interviews are constructive and lots of information. Meskerem.net is HGDF’S OR agient of some enemy of Eritreans, Meskerem postes trash most of the time or some unti-unity of our people. The rest of the oppostion websites are just computing with each other for attention, not caring so much about thier people. LET HELP ASSENNA LET US HELP OUR PEOPLE.

  • Gerimuna February 21, 2015

    Dear Mesinas and Amanuel:
    It is unfortunate that a few still consider Meshreft as an opposition, as its name indicates, the first Eritrean opposition……. what a joke! I am convinced with a reason more or less similar to Misnas and time will tell that Meshreft is an under cover for the brutal regime and funded by the regime and those alike.
    In my opinion, it is a dangerous website to weaken the opposition by individuals who are dead against many oppositions, if not all. As I said before, I prefer Alenalki and Meade that they make their stand abundantly clear their stand.
    Those who are main actors at the site, if not all, prefer the dictator than the opposition to stay in power at least for now. The reason behind is a new government by opposition would not sit well with them. However, they would not trust the present government either. That is why they failed to have a clear stand but wobble to position themselves for any eventuality. I am not saying it in vacuum.
    Therefore, simply branded as the part of the present regime and dear Misnas and Amanuel concentrate on your outstanding job.

  • Tafla February 21, 2015

    WHy include radio Erena with meshreft.net. Radio erina is the most trusted and listened inside eritrea.

  • gerimuna February 21, 2015

    In the above comment, I did not include radio Erena. I very rarely listen to their radio. from previous years, I believe Meshrefet should not be at all compared to radio Erena I say that emphatically. Please, we have enough differences, we don’t want others to run away from the real radio of Assena as perfectionist. We should give space and be accommodating to a difference.

  • bazit_2 February 23, 2015

    ራዲዮ አረና ምስ መስከረም ነት ማዕረ ሰሪዕካ ምዝራብን ምጽሓፍን የሕዝን፡ ራዲዮ ኤረና ከም ኩሉ ዝገብሮ ጌጋ ይብሉን ይገልጹን ይኾኑን ኩላትና ደስ ዘይብለናን ክዛረቡን ይኽእሉ ይኾኑ እዚ ማለት ግን ሕጂውን ማዕረ መስከረም ነት ዘስርዖም ኣይኮነን ንጉጂለ ህ ግ ደ ፍ ዝገብሮ ግፍዕን በደላትን
    መዓልታዊ የቃዕልዕዎን ንህዝቢ ይሕብሩን ኢዮም እዚ ድማ ኩሉ ዝርእዮን ዝሰምዖን ዘሎ ኢዩ እዚ እንዳ ገብሩ ምጋበርያ ህ ግ ደ ፍ ምባል ኣይግድን ክቡር ሓው መሲናስ።
    ዝገበርዎ ጌጋ ብሕወነታውን መኻርን ኣገባብ ምእራሞም ይሓይሽ ዝብል ርእይቶ ኢዩ ዘለኒ፡ እሞ ዓረቕትን ኣቀራረብትን እንተኾና ኢዩ ዕውታት ንኸውን
    ጠላም ጉጂለ ዕድሚኡ ኸኣ ይሓጽር።

  • Mesinas February 24, 2015

    “ራዲዮ አረና ምስ መስከረም ነት ማዕረ ሰሪዕካ ምዝራብን ምጽሓፍን የሕዝን” ጽቡቕ ኣለኻ ክቡር ሓው ባዚት_2። ክልቲአን ብምንም ተኣምር ኣብ ሓደ ክስርዓ ኣይግብእን’ዩ። ኣነውን ብሓባር ኣይሰራዕኩወንን። እቲ ዘቃለሐኦ ሓላፍነት ዝጎደሎ ዜና’ዩ ኣጋጣሚ ማዕረ ሰሪዑወን። ንዝተጋገየ ኣብ ክንዲ ምጽራፍ ወይ ኣብ ክንዲ ምውንጃል ከኣ ከምቲ ዝበልካዮ ምምዓድን ምምካርን ከም ዚሓይሽ ልዕል ኢለ “ርእይቶ ንወሃብቲ ርእይቶ” ብዚብል ኣርእስቲ ገሊጸዮ ስለ ዘለኹ ንዕኡ ኪትነቦ እላበወካ? ስለ’ቲ ዝሃብካኒ ውርዙይ ምኽሪ ብልቢ አመስግነካ። የቐንየለይ።

Post a Reply to weldu Cancel Reply