Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣቱም ሰባት ኢሳያስ መባልዕትና ኣይኮነን (ብዶ/ር ምስግና ገብረመድህን)

ኣቱም ሰባት ኢሳያስ መባልዕትና ኣይኮነን (ብዶ/ር ምስግና ገብረመድህን)   ኤርትራ ሃገርና ናጽነት ኣብ ዝረኸበትሉ ዓመት ጀነራል ስብሓት ኤፍሬምን መሳርሕቱን ንቢትወደድ ኣስፍሃ ወልደ ሚካኤል ንኸረኽብዎም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝርከብ መንበሪ ገዛ ቢተወደድ ኣስፍሃ ይኸዱ፡፡ቢትወደድ ድማ ጃንሆይ

ኣቱም ሰባት ኢሳያስ መባልዕትና ኣይኮነን (ብዶ/ር ምስግና ገብረመድህን)

  ኤርትራ ሃገርና ናጽነት ኣብ ዝረኸበትሉ ዓመት ጀነራል ስብሓት ኤፍሬምን መሳርሕቱን ንቢትወደድ ኣስፍሃ ወልደ ሚካኤል ንኸረኽብዎም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝርከብ መንበሪ ገዛ ቢተወደድ ኣስፍሃ ይኸዱ፡፡ቢትወደድ ድማ ጃንሆይ ዘበርከትሎም ካባ ለቢሶም ምስ ክዳውንቲ ሓበሻ ዝለበሱ መሰሰይቶም ኮይኖም ተቐበልዎም፡፡በዓል ወዲ ኤፍሬም ከኣ ሰምቢዶም፣ቢትወደድ ንሕናኮ ተገዳልቲ ኢና ክብሪ ሰብ ኣይንደሊን ኢና ይብልዎም፤ቢትወደድ ከኣ ትቕብል ኣቢሎም “እዚ ክብሪ ንኣኻትኩም ኣይኮነን፤ነዛ ሓዳስ ሃገር ኤርትራን ንህዝባን ኢና ክብሪ ሂብና ” በልዎም፡፡

ኣቦይ ጋይም ወልደማርያም ሓዎም ነቦይ ወልደኣብ ወልደማርያም ኣብ ኣሜሪካ ድሓር ድማ ኣብ ኤርትራ ጽቡቕ ርክብ ስለ ዝነበረኒ ከም ዓቢ መምህረይ እየ ዝርእዮም፡፡ሓደ እዋን ክልቲኦም ኣሕዋት ኣብ ሮማ ሻሂ እናሰተዩ ከዕልሉ እንከለዉ ቢተወደድ ኣፍስሃ ሕልፍ ኪብሉ ስለ ዝረኣይዎም፣ክሓብርዎም ምስ ዓደምዎም “ኣስፍሃ ሰድያኻ እምበር ተወሲዳ” ምስበልዎም “እንተ ኪኢሎማስ ገዲፍናሎም ኣሎና ” በልዎም፡፡ በዓል ኢሳያስ ግና 20 ዓመት ዕድል ተዋሂብዎም ካልእ ይትረፍ ዓሰብን ባጽዕን ከማሓድሩ ኣይክኣሉን፡፡ብርግጽ ኢሳያስ ንህዝቡ ክመርሕ ዘይከኣለ፣ ብህዝቡን፣ መሳርሕቱን ብጎረባብቲ ሃገራት ተመዚኑ ፎኺሱ ዝተረኽበ፣ንታሪኽ ኤርትራ ዝደንከለ ንህዝቡ ናብ ሕስራንን ድኽነትን ዝመለሰ ኢዩ፤ሃብታምን ክቡርን ባህልናን  መርኣያ ዝኾነ እምነት ህዝብና ዘዕነወ ዓሻ መራሒ እዩ፡፡ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብ ቴሌቪዥን ቀሪቡ ንህዝብን ዓለምን መግለጺ ክህብ እንከሎ  ከም ግቡእ ንገዛእ ርእሱ ወኪሉ አይኮነን ዝዛረብ፤እንታይ ድኣ ንመንግስትን ህዝብን ወኪሉ እዩ ክዛረብ ዝግብኦ፡፡ኢሳያስ ግና ንመሪሕነቱ ዜይበቕዕ ኣከዳድና፣ጠገለ ዘይብሉ ካብ ሓደ ዓንተር ገዛውቲ እኳ ዘይትጽበዮ ዘረባን፣ነቲ ክቡር ባህልና ዘይውክል ዓጀውጀውን፣ እዩ ዘቓልሕ፡፡ብዛዕባ መንግስቲ ኢትዮጵያ ደጋጊሙ ዝብላ “ከደምቲ መንግስቲ ኣሜሪካ” ትብል ኢያ፡፡ኣብዚ ዘለናዮ  መበል 21 ክፍለ ዘበን ነተን ኣብ ኣባይትና ዘገልግላ ኣሓትና ምውጽኡ ፍንፉንን መቕለሊኻን መገመቲ መንነትካን ዝኾነ ጽዩፍ ቃል ኢዩ፡፡ኢሳያስ ግና ብዘይ ገለ ስክፈታ ወርትግ የቃልሓ፡፡

መጽሓፍ ቅዱስ፣ “ካብ ንሃገር ዝገዝእ ንገዛእ ርእሱ ዝገዝእ ይሕይል” ከምዝብሎ ፕረዚደንት ኢሳያስ ገዛእ ርእሱ ክመልኽ ዘይከአለ፣መንፈሳዊ ጸገም ዘለዎ፣ዕቡይ ሰብ እምበር ናይ ኣእምሮ ጸገም ኣለዎ ኢለ ኣይኣምንን፡፡ኢሳያስ እቲ ዓቢ ጸገሙ ምክሪ ሰብ ዘይምስማዕ፣ጌግኡ ዘይእመን፣ቂመኛን በደል ዘይሓድግ ሕንጊድ ምኳኑን እዩ፡፡ በዲሎምኒ ኢዮም ንዝብሎም ብዘይ ገለ ንሕስያ ዝኣስርን ዘጽንትን መንደላይ ተመን እዩ፡፡ ብ1986 እተሓትመት “Eritrea the Agony of My People” እትብል መጽሓፈይ ደጋጊሙ ዘንበባ ወረጃ ኤርትራዊ ምሁር ዶ/ር ሓድሽ(ናይ ሓቂ ሽሙ ኣይኮነን) ሓደ እዋን ምስግና፤ “ኤርትራ ድሕሪ ነጻነታ ምድራን ህዝባን ካብቲ መግዛእቲ ደርጊ ዝነበረ  ኣብ ዝኸፍአ ኩነታት ስለ እትወድቕ ካልአይቲ ስቓይ ኤርትራውያን እትገልጽ መጽሓፍ ንክትጽሕፍ ተዳሎ ” በለኒ፡፡ ኣብቲ እዋን  ካብ ክቱር ሕርቓን ከም ሓደ ጸላኢ ጌረ ርእዬዮ ኔረ፡፡ ዶ/ር ሓድሽ ግና ዘረቡ ቀጺሉ ከምዚ በለኒ፤ “ ኢሳያስ ወዲ ገዛውተይን መማህርተይን ኢዩ ኔሩ፡፡ ኣብ ልኡል መኮነን ታሽዓይ ክፍሊ ተመሃሮ እንከሎና ኢሳያስ ዘለዋ ጉጅለ ሓበራዊ መጽናዕቲ ኣባላ ስለ ዘይነበርኩ  መቓድውተይ ካልኦት ስለ ዝነበሩ ኣብ ቅድሚ የዒንቱ ከም ጸላኢኡ ይርእየኒ ኔሩ፡፡ክልተ እዋን ድማ ደይ መደይ ኢሉ ሓንኵሉ ኣውደቐኒ፤ሳልሳይ እዋን ከም ኣመሉ ምስ ኣድበየለይ ተዳልየ ጸኒሐ ብበላሕ እምኒ ተንኳዕኩዎ፡፡ ደሙ ከይጸረገ ውዒሉ ምስ ተፈደስና ኣብ ከባቢ መደበር ኣድብዩ ጸኒሑ ይፈግኣኒ ኣብ ሰሙኑ ድማ የዕሩኽትና ከተዓርቊና ይፍትኑ እንተ ኢሳያስሞ ሞት ይሓይሽ ዕጭ ሓንፍፈኩ ይብል፡፡ኣነ ድማ ካብ ገጽ ኢሳያስ ምርኣይን ካልእ ሓደጋ ኣብ ነብሰይ ዘምጽእ ኢለ ንቀዳማዊ ኃይለ ሥላሴ(ቀ.ኃ.ሥ) ይቕየር፡፡ ኣነን ኢሳያስን ናብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ሓሊፍና ምስ መጻናውን ከተዓርቊና ይፍትኑ ሕጂውን ኢሳያስ ዕጭ ሓንፈፍኩ ይብል፡፡ ብድሕሪኡ ኢሳያስ ናብ ሜዳ የምርሕ ኣነ ድማ ናጻ ናይ ትምህርቲ ዕድል ረኺበ ናብ ሃገረ አሜሪካ ኣምራሕኩ፡፡ ብበዓል ኢሳያስ እትምራሕ ኤርትራ ኣይ ሃገረይን፣ ሃገር ደቀይን ደቂ ደቀይን ኢለ ከኣ ይውስን፤ ንድሕሪት ተመሊሰ ክርእዮ እንከለኹ ከኣ ፈጺመ ኣይጠዓስን፡፡” እዚ ዘይልወጥ መንነት ኢሳያስ ከምዝኾነ ብዙሕ መርትዖታት ከተቕርብ ምተኻእለ፡፡ ጴጥሮስ ሰሎሞንን በዓልቲ ቤቱ ኣስቴርን ኣቡኡን ኣዲኡን ኣይቐተልሉን፡፡ ኢሳያስ ግና ወዲ ሰሎሞን ምስ ኣሕረቖ ንሰበይቱን ደቑን ኪቐጽዕ ኢዩ ወሲኑ፡፡ ሎሚ ኣስቴር ኣብቲ መሰክሕ መሓዩር ህግደፍ ተዳጕና፣ደቓ ፍቕሪ ወለዶም ከይረኣዩ ዘኽቲሞምን እቲ ጀግና ኣቦኦም እተጋደለሉ ብጅግንነቱ ከኣ ዝፍለጠሉ መሬት ኤርትራ ብሰንኪ ምፍርራሕ ዑሱባት ካድረታት ህግደፍ ራሕሪሖሞ በኣጻምእ፣ብቁርን ኣስሓይታን ካብ ዘይንሕፉ ኣራዊት መሮር ኣምሊጦም ኣብ ስደት ይነብሩ ኣለዉ፡፡

 

ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብ ሓደ ኮንፈረንስ ምስ ሓደ ጀርመናዊ ብዓል ስልጣን ንራኸብ እሞ ምስ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ጀርመን ነበር በራኺ ገብረሥላሰ ጽቡቕ ሌላ ከምዝነበሮ የዕልለኒ፡፡እዚ በዓል ስልጣን ጀርመናዊ ድማ ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ተራኺቡ ብዛዕባ እዚ ምዕሩግ ኣምባሰደር ነበር ኣቶ በራኺ ምእሳር ከረዳኣኒ ሓተትክዎ ይብል፡፡ ኢሳያስ ከኣ ገለ ከይሓነኸ፣ “ኣነ በራኺ ኣብ ኣውሮጳ ከምዘሎ ኢየ ዝፈልጥ ኔረ ንመጀመርታ እዋን ምእሳሩ ካባኻ ሰሚዔ” ምስ በለኒ ኢሳያስ እቲ ዘደንግጽን ዘሕዝንን ሰብ ኮይኑ ረኺበዮ ኢሉ ኣዘንተወለይ፡፡ኢሳያስ ምስ ዝኾነት ጎረቤት ሃገርን ተቋዋምን ተዓረቕ እንተድኣ ኢልካዮ ትርጕም ዕርቂ ስለ ዘይፈልጦ ነቶም ኣታዓረቕቲ ክልተ ዕድል ኢዩ ዝህቦም፡ወይ ምእሳር ወይ ድማ ምቕታል፡፡ኣቦይ ወልደኣብ ወልደማርያም ንኢሳያስ ብዛዕባ ዕርቅን ሕድገትን ንክምህርዎ ነዊሕ  እዋን ወሲድሎም፡፡ ኢሳያስ ግብሪ ይቕረታ ከይፈጸማ ከኣ ኣቦይ ወልደኣብ ናብ ዓዲ ኩሉ ሰብ ኸዱ፡፡ መለስ ዜናዊ ግና ብስራሕ ናብ ኣስመራ መጺሉ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ሰለስተ ሳዕ ኣብ ብብርኩ ተደፊኡ መርቑኒ ኢልዎም መሪቖም ከኣ ኣፋነውዎ፡፡ኢሳያስ ምርቓን ምኽባር ዓበይትን ዘይፈልጥ ብምህሮ ማርክስ፣ሌኒንን ማኦን እተጠመቐ ንሃብታም ባህሊ ህዝቡ ዝሓምተለ ሰብ ኢዩ፡፡ እቲ ዘሕዝን እተን ኮሚኒሰት ሃገራት ነዚ ዘድከየንን ዘቖንቖነን መምሪሒአን ጠንጢነን ብምዕባለ ኣብ ምግስጋስ ምህላወን ኤርትራን ኮሚኒስት ኮርያን ግና ኣብ መዓሙቕ ድኽነት ይጥሕላ ምህላወን ኢዩ፡፡

ንሕና ኤርትራውያን ልዕሊ ሺሕ ዓመት ዘለዎ ሃብታም ሕግን ስርዓትን ዘሎና ህዝቢ ኢና፡፡ ነቲ ኣቦታትና ዝሓገግዎ ኣጽኒዕና እቲ ኣድላይን ኣገዳስን ወሲድና ንሃገርና ክንሃንጽ ይግብኣና፡፡ሓንቲ ቻይናውያን ዝፈትውዋ ምስላ ኣላ፤ኣብታ “እታ ጸባብ ድልድል” እትብሃል ንምሕዳረን ክኸዳ ክልተ ወኻሩ ተራኻባሞ ንድሕሪት ክምለሳ ኣይከኣላን የማነ ጸጋም እንተራኣያ ከኣ ጸድፊ ኮነን፡፡ ብድሕሪኡ ባእሲ ይገጥማ፤ምስስዓር ምስ ሰኣና ቁሩብ እንተ ጸኒሔን ድማ ብዓል ነብሪ መጺኦም ከም ዚጎባብጥዎን እተረድአት  እታ ሓንቲ ለባም ወኻርያ ብርክኽ ትብል እሞ እታ ሓንቲ ዘሊላታ ትሰግር ብሰላም ድማ ናብ ምሕዳረን ክኣ ይኸዳ፡፡ሎም ድማ ከም ህዝብን ሃገርን እንተ ኣብ ውሽጢ ሃገር እንተ ኣብ ስደት ለባማት የድልዩና፡፡ግራዝማች ካሕሳይ ኣለማዬሁ ክምስሉ  እንከለዉ “ንህብን ሃመማን ሓደ ይመስሉ፤ንህቢ መራሒ ስለ ዘለዎ ግና መዓር ይምገብ፤ሃመማ ከኣ መራሒ ስለ ዘይብሉ ኣብ ጎሓፍ ይምገብ ”ብሉ፡፡ህዝብና ካብ ጎሓፍ ናብራ ከነውጽኦ እንተድኣ ኮይኑ መገብቲ መዓር ክንከውን እግዚኣብሄር ይሓግዘና፡፡

ዶ/ር ምስግና ገብረመድህን፡፡

aseye.asena@gmail.com

Review overview
57 COMMENTS
  • Zufana February 24, 2014

    1234 gebar

    Kuburn Abi seb mkanka bglitsi arieka. Well said/done brother.

    • ahmed saleh February 24, 2014

      1234 gebar
      I admire your civil approach and positive example . Don’t worry nobody is perfect .

  • ahmed saleh February 24, 2014

    Dr. Misghina witness account isn’t the first and the last . We heard that warning about him from others too but his defenders fough back by
    counter attacking their reputation and integrity.
    Well as they put it the truth started to expose after he began to knock down anybody who stood up on his way . Sometime to listen and to
    think just to figure out about what we heard
    brings advantage contrary to it’s danger to prevent ourselves from creating another monster .

    are responsible for creating our own

  • Truly Truly i say to you February 25, 2014

    Dr. Migsgna aka Cow Face aka M.Habte aka Yugoslavo – Eritrea, Aka New Hope Eritrea, etc your innovative talent is simply phenomenal! Though you Tigrian for your sense of humor talent, you deserve somehow respect!

    • Kalighe February 25, 2014

      “Dr. Migsgna aka Cow Face aka M.Habte aka Yugoslavo – Eritrea, Aka New Hope Eritrea, etc your innovative talent is simply phenomenal!”

      Truly Truly

      Are you sure the notorious rootless “Cow[ard] Face” is now posing as Dr. Misghina ?

  • Teclay February 25, 2014

    My God Save Me! My God Save Me!
    Sorry Dr.Misghna… What is wrong with Eritrean intellectuals? He is writing this garbage article and the other Dr Hadish or what ever.Because of Isaias`s fear he changed school.As children all of us fought each other but no body changed school.
    But the Main thing is this good DRs instead of Isaias`s Personality, they had had to ask a big question ex1 = Can Eritrea Be a peaceful nation considering the multi Ethnic and multi religious?. Ex2=Is Economically advantageous to be a small country ? Ex3=who are we? where we come from? are we Habesha or not? etc
    Sorry the article is garbage the only valuable sentences from this is “፡ግራዝማች ካሕሳይ ኣለማዬሁ ክምስሉ እንከለዉ “ንህብን ሃመማን ሓደ ይመስሉ፤ንህቢ መራሒ ስለ ዘለዎ ግና መዓር ይምገብ፤ሃመማ ከኣ መራሒ ስለ ዘይብሉ ኣብ ጎሓፍ ይምገብ ”ብሉ፡፡ህዝብና ካብ ጎሓፍ ናብራ ከነውጽኦ እንተድኣ ኮይኑ መገብቲ መዓር ክንከውን እግዚኣብሄር ይሓግዘና፡፡”

    • Suleiman Salim February 26, 2014

      “ግራዝማች ካሕሳይ ኣለማዬሁ ክምስሉ እንከለዉ “ንህብን ሃመማን ሓደ ይመስሉ ” ???

      grazmach kaHsay alemayehu Aynom dKum ‘yu nieru:: kab hamema nhbi ymesl mbal Dr Msgna nhbey ymesl mbal yQell::

  • weygud February 25, 2014

    emo ezi qhimehjna eiseyas dea emo amealu endeyu qhedem kemezeyea mukanu defeleatu eko gemel eyu ezi yebelu ayreseneyu hji libi yehabo amelak teray ena nebel emeber kalisyi debehal yealean

  • Kentiba February 25, 2014

    It’s really sad to read such an amateurish article from our ”intellectuals”. You need to leave the Dr. thing and use your common sense for Christ’s sake.

  • wedi kenya February 25, 2014

    Dr. Misgna should be the last person to give comments on Eritrea.
    Mid 70 when he was in kenya, he said that he has contact group that may assist eritrean refugees/displaced org.
    He went to sudan (as claims) from kenya to Khartoum. A good friend of his (know to me) took him to ERA office in Khartoum. As ERA was not church based NGO, the so called assistance never materliazed. When young eritreans were paying their life, he fled from Decemhare and to add salt to injure to him at that time Religion was everything during the armed struggle.

  • Bokre February 25, 2014

    “ንሕና ኤርትራውያን ልዕሊ ሺሕ ዓመት ዘለዎ ሃብታም ሕግን ስርዓትን ዘሎና ህዝቢ ኢና፡፡ ነቲ ኣቦታትና ዝሓገግዎ ኣጽኒዕና እቲ ኣድላይን ኣገዳስን ወሲድና ንሃገርና ክንሃንጽ ይግብኣና፡፡”
    This is right.

    Only in Eritrea did one find some people who hate their own selves so much, their government and many in their opposition do not care when Eritreans are sold to Arab slavery.
    Only in Eritrea can one find inferiority complexed few elites burning Eritrean languages.
    Only in Eritrea can one find people who are ashamed of their long historical past and they will do anything to hide it.

    only in Eritrea you find people who do not know how to say outrage when they see outrageous

    • WediHagher February 26, 2014

      Are u saying u people in Agameland have better culture than us when u speak and write in Amharic ?

  • belay nega February 26, 2014

    ቢትወደድ አስፍሃ ዝሸጣ ዓዲ ንኸምልስ ንእስነቱ ምስ ዝወደአ ኢሰያስ ናይ ውልቂ ጽልኢ ዘለካ ትመስል

    • GashNashim February 26, 2014

      The sole person who sold Eritrea to Haile Slassie is Tedla Bairu of Karneshim and Keshi Dimetros Gebremariam. Asfaha is nothing but a representative of Ethiopia not elected parlametarian. Just Haile Slasie send him to Eritrea. But the Unionist party was the problem lead buy Tedla Bairu and Dimetrios. But Ras Tessema represent Eritra N Eritreans. And also Abdelkadir Kebire. Ibrahim Sultan. Weldeab welde mariam is Tigrai-Tigrigna at firts and then chnaged then merged with Ras Tesema.

      • Suleiman Salim February 26, 2014

        ኣስፋሃ ወልደሚካኤል ከም እቶም፡ ጥልያን ኣብ ሃገርና ምስ ኣተወ ሎኽ-ሎኽ እንዳ በሉ ኣብ ሃይማኖቱ ዝኣተዉ፡ሃይለ-ስላሰ ብዓለማዊ ውዲት ንኤርትራ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ምስ ኣእተዋ ከገልግልዎ ዝተቐዳደሙ፡ ኣብ ጊዜ ወራር ዎያነ ንሃገሮም ከዲዖም ምስ ጸላኢ ዝተጸንበሩ ፡ ተበለጽቲ ኣዛብእ እዩ ኔሩ።

        ቀደም ኣብ ናይ ምርጫ ጊዜ ዝተደርፈ ደርፊ ከምዚ ይብል፡

        ገብራየ ( በዓል ሰራየ ) ኮኸብ ሰማየ
        ተሰማ ( ኣከለጉዘታይ ) ከብዲ ሓሰማ።

        ስድራ-ቤት እንዳ ተሰማ -ዓበይቲ ከም ዘዘንተዉልና – ዋላ እኳ ኣብ ጊዜ ዓደየ-ዓደየ ሃገራውያን እንተ ነበሩ ብድሕሪኡ ግን ብተበላጺ መንፈስ ምስ ሃይለ-ስላሴ እንዳ ተጓዛጎዙ ጥቕሞምን ጥቕሚ ይቐርበና እዩ ዝብልዎ ሰብ ክሕልዉ ዘይገበርዎ ነገር ኣይነበረን።

        ራዛ ናይ ኣቦኣ ሓዛ ከም ዝበሃል እዞም ሕጂ ምስ ወያነ ኮይኖም ኣንጻር ኤርትራ ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ከዳዓት እቲ ተበላጺ መንፈሶም ካብ ከም በዓል ኣስፋሃ ወልደሚካኤል ዝኣመሰሉ ሰባት እዮም ወሪሶሞ።

        ካብ ሱለይማን ሳልም ( ንፈተውቱ ከም ሱሊ ዝፍለጥ )

        • MightyEmbasoyra February 26, 2014

          I think you have spelling error: ንፈተውቱ “ሉጢ” ክትብል ዲኻ ሱሊ ዝበልካ?

          • Suleiman Salim February 27, 2014

            ማይቲ

            ስጋዕ ሕጂ ኣንባብየይ ስለ ዝኾንካን ብዝያዳ ድማ ከም ሓዊ ስዉኣት ስለ ዝፈልጠካ እንዳ ጸረፍካኒ ሸለል ክብለካ ጸኒሐ። ሓንሳእ ካብ መስመረይ ክወጽእ ነዚኣ ዝድርብየልካ ዘለኹ ኩዕሶ ተቐበል፡

            በል ሉጢስ ምስ ማይቲ እያ ትሳማማዕ ማለት —> ማይቲ ሉጢ!!!

            ካብ ሱለይማን ሳልም ( ንፈተውቱ ከም ሱሊ ዝፍለጥ)
            ናብ ማይቲ ሉጢ ( ጸያፋት ከም ማይቲ ሉቲ ዝፈልጥዎ )

  • berhe February 26, 2014

    Please, Eritreans let us awake still we are sleeping in our bed. It is time to go to work do something.

POST A COMMENT