Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ዓዲ ጀጋኑ ዶ ጀጋኑ ይሰኣኑ!? – ጻውዒት ንህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻልን

ጻውዒት ንህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻልን ኤርትራውያን ክሳብ ዕለተ ናጽነት 1991 ንልዕሊ ሓደ ዘበን ብወግዒ ዝተፈልጠት ሃገር ‘ኳ እንተዘይነበረትና፣ ጅግንነት ሲ ተፈልያትና ኣይትፈልጥን። እቶም ብዓቢኡ ሃገር ዘሕደጉና ገዛእቲ፣ ንኤርትራዊ ውልቀ ዜጋ፣ ዋላ ኣብ ናይ ሻሂ ጣውላ፣ ቴስታታ

ጻውዒት ንህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻልን

ኤርትራውያን ክሳብ ዕለተ ናጽነት 1991 ንልዕሊ ሓደ ዘበን ብወግዒ ዝተፈልጠት ሃገር ‘ኳ እንተዘይነበረትና፣ ጅግንነት ሲ ተፈልያትና ኣይትፈልጥን። እቶም ብዓቢኡ ሃገር ዘሕደጉና ገዛእቲ፣ ንኤርትራዊ ውልቀ ዜጋ፣ ዋላ ኣብ ናይ ሻሂ ጣውላ፣ ቴስታታ ከየላግዖም ድሕር ኢሎም ብጥንቃቐ እዮም ዝፍትኑዎ ዝነበሩ። እቲ ሓቂ ክትዕምጸጽ ክርኢ ኸሎ ካብ ኣፉ ኢዱ ዝቕድሞ ዝነበረ፣ ዋላ ብዘይ ሃገር ክብረት ዝነበሮ ሰብ፣ እቲ ንጅግንነት ተራ ገይሩዋ ዝነበረ ኤርትራዊ ደኣ፣ ሎሚ ናበይ ኣበለ?

ኣብዚ ዝሓለፈ ዒስራ ዓመታት፣ ገዛእትና፣ እንተዓሺና እንተመቕሊልና፣ እቶም “ደቂ ዓድና” ዝበልናዮም ካብ ዝኾኑ፣ ንያታ ጅግንነትና ዝጻረሩ፣ ጸብጺብካ ዘይውድኡ፣ ብኣፍካ ክትደግሞም ዘሕንኹ፣ ብዙሓት ሕልፈታት ርኢና ኢና ‘ሞ፣ ግን ኣይ ከምዛ ዝሓለፈት ወርሒ ጥቅምቲ 2013 ኣይተራእየን።

ብ 3 ጥቅምቲ ብውሑዱ 357፣ ኢሳይያስ ዘንፈጾም፣ ኣቦታቶም ዝተሰውኡሉ መሬት ዝነጸጎም ኣዋልንድን ኣወዳትን ህጻናትን ደቂ ማህጸና፣ ኣብ ገምገም ባሕሪ ላምፐዱዛ ብጅምላ ሃሊቖም፣ በቲ ዘሳጎጎም ስርዓት “ኣፍሪቃውያን” ተባሂሎም ዘርኦም ካብ’ቲ ዕትብቶም ዝተቐብረሉ ከብዲ ዓዶም ክርሕቕ ክፍተን ከሎ ኢድና ኣጣሚርና ብስቕታ ርኢናዮ። ነዚ ሕልፈት’ዚ ምጽዋርና ኸኣ፣ መሊሱ ሬሳኦም ኣስኢኑና። እቲ ናብ’ቲ ዝተፈጥረሉ መሬት ክምለስ ዝግብኦ ክቡር ነፍሳት፣ ብህይወት ኣብዘይረኣዮ ቁሸታት ሲሲልያ ተበታቲኑ ተደብዩ።

ምዉት ግን ሙውት እዩ፣ ኣይርኢ ኣይሰምዕ፣ ኣብ ዝሰቐልካዮ ሓውልቲ ይስቅል፣ ኣብ ዝቐበርካዮ ጉድጓድ ይቕበር። ንዕኡ ነቲ ዝሞተ፣ ሕስረትን ክብረትን ፍልልይ የብሉን። በቲ ኣብ ርእሲ ዝሓለፈ ስጋኡ ብኽብረትን ሕስረትን ዝምዘን እቲ ሬስኡ ዘየልዓለ፣ ትንፋስ ሓዉን ሓቡትን ዘየኽበረ ህሉው እዩ። ወዲ ኩስቶ፣ ሓው ኩስቶ ከም ደርሆ ተጓሒፉ እዩ ዝብሃል፣ እምበር፣ ምዉት ተንሲኡ መቓብሩ ስለዘይሓረየ ብስንፍና ኣክሰስን እዩ።

እንተኾነ ካብ’ቲ ኣብ መንጎ ህልዋትን ምዉታትን ተፈራሪቑ ኣብ ፈለማ ናይታ ወርሒ ዝተኸስተ ሕልፈት ኣዝዩ ዝኸፍአ ሕልፈት፣ እቲ ቦኽሪ ኩሎም ሕልፈታት ኤርትራውያን፣ እቲ ናይ መወዳእታ ጥቅምቲ ሕልፈት እዩ። ኢሳይያስ ጠፋጢፉ ዘዕበዮም ደምሒት ዝብሃሉ ዕሱባት ትግራዎት፣ ኣብ ዋና ከተማና ኣስመራ፣ ንኤርትራውያን መንእሰያት ‘ያኢ ገፊፎም፣ ኣብ ገዛእ ከተማኦም ማሪኾም ጥራይ እግሮም ናብ ቤትማእሰርቲ ክኹብኩቡዎ ተራእዮም። ኣንታ፣ ኣብዛ ዓዲ ጀጋኑ ዶ ጅግና ተሳኢኑ? ሰብ ዶ የለን’ዩ!! ህሉዋት ኣብ መሬት ዓደቦኦም ነብሶም ከድሕኑ ካብ ዘይከኣሉ፣ ብደምሒት ካብ ተደፍሩ፣ ኣዋልድና ኳ ኣብ ገዛእ ቤተን ‘ማስታወቅያ’ ተባሂለን እንዳተሓተታ ደኣ’ሞ፣ ነቲ 10 ሽሕ ኪሎሜተር ርሒቑ ኣብ ኤውሮጳ ዝተቐዝፈ ስጋኦም፣ ሬሳታቶም ከኽብሩ ንእነቕርቦ ምሕጽንታ ዕሽነት ‘ዶ ኣየምስሎን?

ኢሳይያስ፣ ቅድሚ ኣብ ኣስመራ ደምሒት ሹት ክብለልና ምድፋሩ፣ ኣሽሓት መንእሰያትና ናብቲ ኤርትራውያን ከም ሃብታማት ሓረስቶት ዝወፍሩዎ፣ ሓደ ጨው ብኽልተ እኽሊ ዝልውጡሉ፣ ከም ነጋዶ ዝገሹዎ ዝነበሩ ትግራይ ከምዝስደዱ ገይሩዎም እዩ። ስለዚ፣ ኢሳይያስ ኣብቲ ዘንከራርወና ዘሎ ደረጃታት ሕስረት ሓንቲ ደረጃ ጥራይ እዩ ወሲኹልና። ወረ ገና፣ “ይኣክል” ኢልና በቲ ጸድፊ ሸለው ክሳብ ዘየበልናዮ፣ ኢሳይያስ ንኤርትራውያን ብዙሕ ክፋኣት እዩ ሓሲቡልና ዘሎ። ንሕና ኸ ከም ህዝብን ሃገርን ንድሕነትና ንሓስብ ዶ ‘ለና?

ኣንቱም ሰባት፣ ኣንቱም ተቐበልቲ ናይዚ ኹሉ ሕሰምን ውርደትንን ዝኾንኩም፣ ብሰሃራን ሲናይን ዝተፈተንኩም፣ ካብ ዓሳን ባሕርን ዘምለጥኩም፣ ኣብ መሳርዕ ሓይልታት ምክልኻል ተዘሪዕኩም ዘለኹም መንእሰያት፣ ኣንቱም ብሰሜን ብደቡብ ብምብራቕ ብምዕራብ ዘየቋርጽ መርድእ ዘናውጸኩም ዘሎ ኣቦታት ኣዴታት፣ ኣንቱም ዕሱብ ሰራዊት ደምሒት ደቅኹምን ደቂ ስዉኣት ብጾትኩምን እናገፈፈ ጽሩራኹም ወዲኹም ትዕዘቡ ዘለኹም፣ ኮለኔላት፣ ጀነራላት፣ ብዛዕባ መንነትና ከም ዜጋታት፣ እወ ኤርትራዊ መንነት፣ ብዛዕባ ድሕነት ህዝብናን ሃገርናን፣ ብዛዕባ ቀጻልነት ወለዶ ኤርትራ ትሓስቡ ዶ ‘ለኹም? እታ ኣእላፍ ውሒጣ ዝተሰአት ሃገር ኣእላፍ ሒዛ ኣብ ገምገም ጸድፊ ከምዘላስ ይስቆረኩም ዶ ሎ? ኢሳይያስ ድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ ኢሉ ኣብ ህልኽ ተጸሚዱሉ ኣብ ዘሎ ናይ መወዳእታ ሰዓታት ጥፍኣት፣ ዋልታ ሃገርን ህዝብን ኴንኩም ሃገራዊ ግቡእኩም ክትፍጽሙ፣ ማዕረማዕሪኡ ሕልናኹም ክቐስን፣ ተበራበሩ፣ ተላዓሉ፣ ወስኑ!!

ኣንቱም መላጉም ድሕነት ኤርትራ ካብ ወስታ ኢድኩም ዘይረሓቐ፣ ነቲ ጸሊም ደበና ክትጋልሁ ኣኻእሎ ዘለኩም፣ ኣብ ህላወን ድሕነትን ወሳኒ ተራ ክትጻወቱ እትኽእሉ ኮለኔላት ጀነራላትን ላዕለዎት ሓለፍትን ኤርትራ፣ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ልዕሊ 20 ዓመታት፣ እቲ ብእኩይ ጉርሒ ዝተበልዐ ኢሳይያስ፣ ምእንቲ ነብስኹም ኢልኩም ንዕኡ ክትከላኸሉሉ ኢሉ ኣእዳምኩም ደም ክጽየቖ ብዙሕ ከምዝተኸራኸረኩም ንፈልጥ ኢና። ንገሌኹም ‘ውን ተዓዊቱልኩም ክኸውን ይኽእል እዩ። እንተኾነ፣ ኣብ ኢድ ዝነጠበ ደም ይሕጸብ እዩ፣ ኣብ መሬት ዝፈስስ ደም ግን ብውሕጅ ‘ኳ ዝሕጸብ ኣይኮነን ‘ሞ፣ ሰንሰለት ኢሳይያስ ኣይእሰርኩም። ንዝሓለፈ ተግባርኩም ናይ ሕጂ ውሳኔኹም ኢዩ ዝፈርዶ። ህዝቢ ኤርትራ፣ ሓዳግን ምቕሉልን ህዝቢ እዩ። ካብ መዓተ ኢሳይያስ እንተድሒንኩሞ፣ ክሓቝፈኩም እዩ። እቲ ሓላል ህዝቢ፣ እታ ቅድስቲ መሬት እዚ ውርደት’ዚ ኣይግብኦምን እዩ። ነዚ ሓላል ህዝቢ፣ ካብዚ ሃላሊ ሰይጣን ኣድሕኑዎ፣ ልቢ ይሃብኩም፣ ጅግንነትኩም ዘክሩ፣ ህዝብኹም ዘክሩ፣ ሃገርኩም ዘክሩ፣ ልዕሊ ኹሉ ሕልናኹም ዘክሩ።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

ኣማኑኤል ኢያሱ

1 ሕዳር 2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
26 COMMENTS
  • abraham berhane December 5, 2013

    hi radio asena ethilifuwo medebat tsibuk eu yikun ember ab mengsti eritera zelekum hasab gin ekul gosgas aykonen esayas be zereba aykonen ziele tewedibna kinikales yigebana ember esayas kemz gebere kemzi kone tirgum zeyblu eu sile zikone eritrawen ab poletica meday dekimna alena tehababirna netifayo wala wetehaderawi sigumti niwsed zereba tiray aynikun aynifirahe tehababirna netifayo eze dirbay mengsti tezey koynu kiwideana eu

Post a Reply to abraham berhane Cancel Reply