Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝካየድ ዘሎ መንቅስቃስ ዙር-ፈንቅል መጀመርታ ናይ መወዳእታ ስዕረት ህግደፍ እዩ ናይ ይኣክል ደገፍ ግን ኣድላይ እዩ

ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝካየድ ዘሎ መንቅስቃስ  ዙር-ፈንቅል መጀመርታ ናይ መወዳእታ ስዕረት  ህግደፍ እዩ  ናይ ይኣክል  ደገፍ ግን ኣድላይ እዩ ጴጥሮስ ተስፋጊዮርጊስ ናይ ጌዜ ገደብ ዘይብሉ ሀገራዊ ኣገልግሎት   እቲ ዝኸፍኤ ግህሰት መሰል ህዝቢ ኤሪትራ እዩ። ብሰበቡ  መጻኢ ዕድል

ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝካየድ ዘሎ መንቅስቃስ  ዙር-ፈንቅል መጀመርታ ናይ መወዳእታ ስዕረት  ህግደፍ እዩ  ናይ ይኣክል  ደገፍ ግን ኣድላይ እዩ

ጴጥሮስ ተስፋጊዮርጊስ

ናይ ጌዜ ገደብ ዘይብሉ ሀገራዊ ኣገልግሎት   እቲ ዝኸፍኤ ግህሰት መሰል ህዝቢ ኤሪትራ እዩ። ብሰበቡ  መጻኢ ዕድል መንእሰያት በርዒኑ ቀንዲ ምኽንያት ስደት ኾይኑ ይርከብ ።   መንእሰያት ኤርትራ  ነዚ  ጭቖና  መወዳታ ክግበረሉ ኣብ ሳዋ ኣይንኸይድን  ኢሎም    ብስም ዙር ፈንቅል ጎስጓስ (campaign) ጀሚሮም ኣለው። እዞም ነዚ  ብናህሪ ዝኸይድ ዘሎ ምንቅስቃስ ዝመርሑ    ተበዓት፣ ቖራጻት ሙሉእ ተወፋይነት ዘለዎም እዮም።ሂዎቶም ኣብ ሐደጋ ከም ዘሎ ግን ምዝንጋዕ የብልናን። እዚ ስርዓት እዚ ኣብ ዝሰግኣሉ ጊዜ ተኽሲ ከፊቱ ነዚ ሐያል ምንቅስቃስ ጠጠው ከብሎ ክፍትን ይኽእል እዩ፡ ዋላኳ ክሳዕ ሕጂ ካብ ከተማ ናብ ከተማ እናተላብዔ ጽቡቅ ይኸየድ እንተሎ።

ኣብዚ ይኣክል  ብቀጻሊ  ሰላማዊ ሰልፍታትን ዲፕሎማሲያዊ ዘመተን ኣንጻር ሃገራዊ ኣገልግሎት ምስ ዝገበር ነቲ ናይ ውሽጢ ምንቅስቃስ የሀብትሞ ጥራሕ ዘይኮነ ህግደፍ ሐይሊ ከይጥቀም  ስግኣትን ፍርሕን ይፈጥረሉ እዩ።  ክንግንዘቦ ዘለና ዙር ፈንቅል  ንይኣክል  ዱልዱል  ናይ መቃለሲ  ኣጀንዳ  ባይታ ፈጢሩሉ ኣሎ። ነቲ ምንቅስቃስ ወናኒ ኮይኑ ምስ ዝንቀሳቀሰሉ ውጺኢቱ ንሰብ ገረሞ ክኽውን ይኽእል እዩ ።  ከምቲ “ድምጺ ናይቶም ድምጺ ዘይብሎም ኢና” (Voice of the voiceless) ዝብል  መትከል ደለይቲ ፍትሒ – ድምጺ ናይቶም ኣብ  ሳዋ ኣይንኸይድን ኢና ዝብሉ  ብጎስጓስን ሰላማዊ ሰልፍን (Advocacy Campaign ምስ ዝቃላሕ መትከላዊ  ይገብሮ። ኣብ ዝተፈላለዩ  ሀገራት ዝርከቡ ይኣክል ምንቅስቃሳት  ኣዋሃሂዶም ምስ ዝሰርሑ ሐድነቶም ይድልድል።  በብመድረኹ ገምጋማት እናተወስደ እውን ሜላታት ቃልሲ ይመሐየሽ። ኣብ መስርሕ  ከኣ እዮም ውፉያት መራሕቲ ዝቅልቀሉ።   እዚ ምንቅስቃስ ዙር ፈንቀል ኣብ ዲፕሎማስያዊ ስረሐት ዓቢ ተራ ኣለዎ። ሃገራዊ ኣገልግሎት ናይ ጊዜ ዶብ ስለዘይብሉ ብዓለም  ደረኛ  ከም  ባርነት ተወሲዱ ምቑዋሙ ፍትሐዊ  እዩ።  ብዓቢኡ እታ ናይ ሕቡራት መንግስታት መርማሪት ሽማግለ ኣብ ኤሪትራ ገበን ኣብ ልዕሊ ወዲ ሰብ ይፍጸም ኣሎ – ዝበል ጸብጻባ ኣቅሪባ  እያ። እዚ ጸብጻብ ዓቢ መንቀሳቀሲ  መሳርያ እዩ።  ክሳብ ሕጂ ግን ብመደብ ኣያተመዝመዘን፥ ክምዝመዝ ዘለዎ ጉዳይ  እዩ።    አብዚ ሰደታኛታት ዝተጸልኡሉ ጊዜ – ምዕራባውያን  ኣገዲድካ መንእሰያት  ኣብ ኣገልግሎት ጅሆ ምሐዝ ክተረፍ ይደልዯኦ እየን።  ኣብ 2016 መንግስቲ እንግሊዝ ብዛዕባ እዚ ንምዝታይ ብሚንስተር ዝምራሕ ናብ ኣስመራ ዑደት ፈጺሞም።  የማነ ማንኪ ጠጠው ከነብሎ ኢና ኢልዎም – ኣይገብርዎን ግን።ምኽንያቱ እዛ ጉዳይ ህግደፍ ከም ኣሳሒታ ዝፈርሕዋ  ስለ ዝኾነት።    እዚ ምንቅስቃስ  ነቲ   Europe’s refuges crises – ኢሎም ዝጽውዕዎ ሐደ ፍታሕ  ስለዝኾነ ናይ ኤሪትራውያን ሐያል ጎስጓስ  ክድግፍዎ  እዮም። ነተን ከይደኸማ ዝቓለሳ ዘለዋ  ከም Human Rights Watch, Amnesty international, World  Christian solidary – etc ከማኡ እውን ነተን ናይ ኢሪትራውያን  ማሕበራትን ዓቢ  ፍናን እዩ። ስለዚ እቲ ናይ ዲያስፖራ ምንቅስቃስ ምስት ናይ ውሽጢ  ተበጊሱ ዘሎ ምንቅስቃስ ክወሃሃድ ከሎ እዩ ውጺኢት ክህልዎ ዝኽእል። ኣብዚ መስርሕ እዚ    ተኻፋልነት  ሰብ ሞያን  መሳለጥያን የድልዩ እዮም(expertise and resources)። ከምቲ ብጊዜ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ስደት ዝነበሩ ኤሪትራውያን ሐፋሽ ውድባት ኣምባሰደራት ናይ ተቃላሳይ ህዝቢ ኤሪትራ ዝነበሩ። ሕጂ ከኣ – ኩሉ እቲ ደላይ ፈትሒ ኣምባሳደርን ኣካልን ኣፈኛን  ናይቲ ኣብ ውሽጢ ቃልሲ ተጀሚሩ ዘሎ  ክኸውን ኣለዎ።  

ኤሪትራ ኣብ ቀራና መገዲ ትርከብ። እቲ ቀንዲ ናይ ለውጢ ምኽንያት ምምጻእ ሐዲሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኤትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ናይ ሰላም ተበግሶግታቱን እዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ብዘይ ቅድመ ኩነት ነቲ ናይ ኣልጀርስ ስምምዕ ተቀቢለዮ እየ ኢሉ ጻውዒት ሰላም ንኢሳያስ ምስ ኣቅረበሉ ኢሳያስ  ተቀቢልዎ። ኣብቲ ጌዜቲ  ኣፍልቡ እናወቕዔ ኣይከሰርናን ምባሉ ናይ ህዝቢ ኤሪትራ ስቓይ ከምዘየግድሶ ነቶም ዓይኖም ዒሩ ዘሎ ደገፍቱ ከይተረፈ  ክበርሃሎም ኪኢሉ። ኣብ መገሻኡ  ዘርእዮ ዝነበረ ፈኾስኮስ ብዘይገድስ ግን ህዝቢ ኤሪትራ ንሰላም ካብ ኩሉ ህዝቢ ንላዕሊ ዝደለዮ ስለዝነበረ  ብሐጎስ እዩ ተቀቢልዎ። ዶብ ምስ ተኸፍተ ኣብ ዛላምበሳ ህዝቢ ኤሪትራን  ትግራይን    ተራኺቡ። ክልቲኡ  ህዝቢ ስሚዒቱ  ምቁጽጻር ሲኢኑ ተሐቓቒፉ ናፍቀቱ ይገልጽ ነበረ። እዚ ልውውጥ ንግዲ   እውን ነይርዎ እዩ፡፡ ካብ ኢትዮጵያ –  ከም ጣፍ   ናይ ህንጻ ኣቕሑ  ብብዝሒ ክጓረት ጀመረ።  ከምኡ ውን ኤሪትራ ውያን ሽቓጦ ናይ ኤለትሮኒክ ኣቅሑ ንኢትዮጵያውያን ይሸጡ ነይሮም። ኣብ ኤርትራ   እቲ  ብኽብሪ ዋጋ ሃላኺ ከም ጣፍ  ዝሳቀ ዝነበረ ህዝቢ –  ብዝሐሰረ ዋጋ ካብ ኢትጵያውያን ነጋዶ ምርካቡ  ኣቲ ዝዓበየ  መኽሰብ  ሰላም (peace dividend) ነይሩ ክበሃል ይከኣል።

ይኹን እምበር ኤሳያስ ኣብቲ ዝገብሮ ውዑላት ንህዝቢ ኣይውከስን ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ቀሪቡ  መግለጺ እውን ኣይህብን ነይሩ። ህዝቢ ኤርትራ በቲ ብወገን ኢትዮጵያ ዝወሃብ ዝነበረ መግለጺታት ክጥቀም  ተገዲዱ ። እዚ ኣጋባብ ኣሰራርሐ ናይ ህዝቢ  ትጽቢት   ማእከል ዘይገብር  እዩ ነይሩ። ከምዚ ዓይነት ናይ መራሕቲ ሰላም  ውሕስነት የብሉን። ኢስያስ እዛ ዕድል እዚኣ ክጠቀመላ ኣይከኣለን።

ኢሳያስ ሰላም ክብል ከሎ ካብ ሕብረተ ሰብ ዓለም ተነጽሎ ክወጽእ ብኣህጉራዊ ደረጃ ተፈላጥነትን ተቀባልነት ክረክብ ዕድመ ስልጣኑ ከናውሕ ዝገበሮ  ከም ዝነበረ ተቃሊዑ እዩ። ብጎስጓስ ኣቢይን ካላኦት ኣፍሪቃውያን ተሐባበርቱን  ኢሳያስ  ናይ  ብረት ምግዛእ እገዳ ተላዒሉሉ፥ ኤሪትራ ኣባል ናይ ሕቡራት መንግስታት ናይ መሰል ወዲ ሰብ ካውንስል ክትከው  ኪኢላ። እቲ ዘገርም ግን ኣብ  መበል 41  ናይ ሕቡራት መንግስታት ሰብኣዊ መሰል ካውንሰል ኤኼባ  ኣብ ሐምለ 2019 ዝተኻየደ ነታ ብሕቡራት መንግስታት ካውንሱል ተመዚዛ  ኣብ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ምግሃስ መሰል ኤሪትራውያን እትከታተል ሰበይቲ ስርሐ ከተብቕዕ ጎስጓሳት ተኻይዱ።  

ኣብዚ ግን ፈኾስኮስ ገሊኦም መራሕቲ ኣፍሪቃውያን ጎሊሑ እኻ እንተነበረ – ዘመተ  ኢሳያስን ደገፍቱን ኣይተዓወተን  እቲ ሐሳብ ብብዝሒ ድምጺ  ተነጺጉ። ኣብ ኤርትራ ሐንቲ ምምሕያሽ ስለዘይተገብረ እታ ጸብጻብ እተቅርብ ስርሐ ክትቅጽል ኣለዋ ዝብል ሓያል መደረ  ነይሩ።  ኣቀዲም ኣቢሉ ንዓኡ ዝቛዎም ዘመተ እውን ብዙሕ ተኻይዱ እዩ። ክሳብ 32 ማሐበራት ዝፈረምሉ ደብዳቤ  እውን ተንታኔ ዘለዎ – ነቲ ትካል ብመትከል ዝነቅፍ ተጻሒፉ እዩ።  ስለዚ መንግስታት ዓለም  ናይ ኢሳያስ ሰላም ቅንዕና ዘይብሉ ምዃኑ እናበርሃሎም ይኸይድ ኣሎ።  ብሕለፊ ህዝቢ ኢትዮጵያን ብዓቢኡ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ስግኣት ዝኣተወሉ ወቅቲ እዩ።

ስለዚ ኣብዚ ጌዜ’ዚ ኢሳያስ ጉልባቡ ስለ ዝቀልዔ እቲ ደላይ ፈትሒ  ይኣከል  ንጭቖና  ኢሉ ሐያል  ህዝባዊ ማዕበል ኣበጊሱ ኣሎ።

ናይ ፈለማ ተበግሶ እቲ ኣብ ዋሽንግቶን ዝቖመ ባይቶ ሰሜን ኣመሪካን  ሽዑ ዝተኻየደ ውዕውዕ ሰላማዊ ሰልፍን-  ዓለም ዝሰሐበን – ህግደፍ ዘሰንበደን ነይሩ።  ኣብነት ንቡዙሐት ኤሪትራውያን ኣብ ዝተፈላለየ ሀገራት ዝቅመጡ ኮይኑ እዩ።

እታ ብዝያዳ ወሃ ተብሃል  ንቕሎ ኣዴታት ኤርትራ ዘሳላሰለኦ    ታሪኻዊ  ዋዕላ እዩ። ንመንፍስካ ዘሕድስ እቲ ባይታ ዘቢጡ ዘሎ ክብርና ዘሕድስ ውን ኢዩ።  

እምበኣር እቲ ኣብ ዲስፖራ ዝርከብ ነቲ ኣብ ዲይስፖራ ኮንካ ዝከኣል ስራሕ ጥራሕ እዩ ክገብሮ  ዝኽእል። ናተይ ትዕዝብቲ ብዙሐት ሰባት ደለይት ፍትሒ ነቶም ክመርሑ ዝኽእሉ ከም ንስልጣን ዝቃለሱ ገይሮም ይወስድዎም እሞ እዚ ትማሊ ትማሊ ቀንዲ ህግደፍ እዩ ነይሩ  ኢሎም ከይሰርሑ ዕንቅፋት ይኾንዎም።  እዚ ግን ጌጋ እዩ። ከማኡ እውን ንገሊኦም ናይ ትግራይ ወለዶ ዘለዎም ኤሪትራውያን እሞ ኣባላት ህግደፍ ዝኾኑ ትግራዎት ስለ ዝኾኑ እዮም  መሳሪሒ ኢሳያስ ዝኾኑ ዘለዉ ይብሉ። እቲ ሓማሰናይ፣ ኣከለጉዘታይ፣ መታሕታይ ደጋፍ ኢሳያስ ከ ካብቶም ወለዶ ትግራይ ዘለዎም እንታይ ይፈልዮም። እዚ ፈላለይ ክስታት – ኣነስ ይገርመኒ – ንረብሓ ህግደፍ ምዃኑ ዘንጊዖም ዲዮም። መበቖል ትግራይ ዘለዎ ኤሪትራዊ ኣብ ገድሊ ተጸንቢሩ ንኤርትራ ኣይተሰወኤን ዲዩ? እቲ ንህግደፍ ዘገልግል ብውልቀ ሰብ ክረኤ ኣለዎ። ካልእ ሳዕቤናት – እዚ ኣረኣእያ ህዝቢ ትግራይ ብሐፈሻ ከም ዝጽላእ ምግባር እዩ።  እዚ ኸኣ ህግደፍ ዝጥቀመሉ ፈላለይ መላ እዩ።   መበቆል ኤርትራ  ዝኾነ በረኸት ስማኦን ናይ ኣምሐራ ክልል ሰብስልጣን ኣይነበረን ዲዩ። ብዙሐት ኤሪትራውያን ምስ ናይ ኢትዮጵያን ውድብ (EPRP) ኮይኖም ኣይተሰውኡን ዲዮም።

እዚ ከም ናይ ምንቕቓሕ ጉዳይ ተወሲዱ ሰብ ሞያ ኤሪውያን ከም ኣስተምህሮ ከቅርቡዎ ይከኣል እዩ።  ነዚ ኣስተምህሮታት  ከም ሕድሪ ጀጋኑና –  መጽናዕቲ ስኒት፣ እቶም ኣብ ክንያ ዝተጋባኡ 16 ሰብ ሞያን ምሁራትን  ክዓምዎ ይኽእሉ እዮም።

እተን ናይ ይኣክል ምንቅስቃሳት  ኣብ ምቛም ደረጃ ስለዘለዋ ነዚ ዝንቡዕ ኣረእያ ዝእረም መረዳእታታት ከውጽኣ ኣይትጽበየንን ኢኻ።

ዥኾነ ይኹን ሰብ ንወልቀ መላኺ ዘገልግል ንውልቀ ረብሑ እምበር – ንሐማሲየን፣ ንሰራየ -ንትግራይ ወይ ነምሐራ ወዘተ ወኪሉ ከም ዘይኮነ ክበርህ ኣለዎ።

ኣብቲ ቀንዲ ትሕዝቶይ ክኣቱ   ይኣክል ናይ ህዝቢ ስቃይን መረረን ማእከል ዝገበረ ምንቅስቃስ ክኸውን  ኣለዎ። ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ወዲ ጟል ኣትዮም  ጊዜ ኦም  ከባኹኑ የብሎምን። ንኣብነት ኣብዚ ጊዜ እዚ ዝግባእ ቖላሕ ዘይረኸባ 3 ዓብይቲ ብድሆታት ኣለዋ።

 

  1. ጎስጓስ ዙር ፈንቀል – ብዛዕባኡ ኣብ ላዕሊ ተገልጺ ኣሎ
  2. ጎስጓስ ኣንጻር ምዕጻው 22 ክሊኒካት – 200,000 ህዝቢ ዘገልግል – ቀጻሊ ቆላሕታ የድሊ
  3. ኣብ ግብጺ ወሪዱ ዘሎ ኣስካሕካሒ ጉዳያት። ኣብዚ ክበርህ ዘለዎ እቶም 5 ሰላማዊ ሰልፊ መሪሕኩም ተባሂሎም ተኣሲሮም ዘለዉ ኣብ ሕማቅ ኩነታት ኣለው። ብ22/08/ ኣብ ፍርዲ ቀሪቦም እንደገና ን 15 መዓልቲ ተሐላሊፉ። ብሕማም ይሳቀዩ ምህላዎም ይፍለጥ። ጠበቃ ካብ ወጻኢ ክግበረሎም ላዕልን ታሕትን ይበሃለሎም ኣሎ። ኣብዚ እታ  ሰጊማ ዘላ ባይቶ ኣመሪካ –  ኣብ ዋሽንግቶን ዘሎ ኢምባሲ ግብጺ ኣቤት ክትብል ትኽእል  እያ። ከማኡ እውን – ምስ ገሊኦም ሰነተራት – ብሕለፊ- እቲ ኤሪትራዊ ተራኺቦም – ኣብ ግብጺ ኢምባሲ ከይዶም ጸቅቲ ክገብሩ  ይኽእሉ እዮም። እዚ ከኣ እዩ ስርሕ ዲፕሎማሲ  ናይ ደለይቲ ፍትሒ።

 

ኣብ መደምደምታ ምሕጽንታይ ንባይቶ ሰሜን ኣመሪካ ኣብዘን 3 ጉዳያት ክነጥፉ። እዚ ናይ ግብጺ ህጹጽ ስለዝኾነ ናብ ኢምባሲ   ብኣካል ከይዶም ከዘራርብዎም። ንህዝቢ ማእከል ዝገበረ ምንቅስቃሳት ዕዉት ክኸውን ብዙሕ ዕድል ኣለዎ። ከማኡ ውን ኣብ ኤሮጳ – ካናዳ- ኣውስትራሊያ ዘለዋ ናይ ይኣክል ምንቅስቃሳት።

ናይ ውሽጢ ቃልሲ ተበግሶታት – ወኒንካ ምስ ትቃለሰሉ ነቲ ይኣክል ኢልካ ዝተበገስካሉ ዕላማ ሸትኡ ክወቅዕ ይሕግዞ እዩ። ህዝባዊ ማዕበል ይኣክል  ብግብሪ  የመስክር።

ዓወት ንሓፋሽ

THE LOCAL ITRALYS NEWS IN ENGLISH 29/May 2016

 

Dozens of kids die as boat tragedies claim up to 700 lives: I saw my mother and 11-year old sister die,” Kidane from Eritrea, 13, told the aid organizations. “There were bodies everywhere.”

ህዝባዊ ማዕበል ስቃይ ህዝቢ ማእከል ናይ ቃልሱ ምስ ዝድገበር እዩ ዓወቱ ዝቀላጠፍ

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Haben August 30, 2019

    This is what makes us to be called ERITREANS.

    Eritreans’ bravery is inherited from our fathers and forefathers.

    ZUR FENQIL AB GODNKUM ALENA
    Long Live Eritrea!!!

  • tewelde Gebremariam August 30, 2019

    National Service, PFDJ , YPFDJ etc. are all euphemisms ( masks) deliberately coined by the impostor isaias afewerk as smoke screen to hide his criminal enterprises. The evidences are self evident and can be rationally affirmed. For instance, National Service has been in existence for over twenty years and over 200,000 Eritreans have been forced into it. But the country situation, economically, socially is worse off now than ever, even relative to what it was in 1992. The impostor may try to justify these irony on the failure of the UNSC to force woyane to vacate Eritrean territory and therefore may claim the youngsters were preoccupied defending Eritrea from woyane aggression, But this argument would not hold water because it was he who forced the UN to remove the Peace keepers from Eritrea, alleging they were preventing him from developing the area they were stationed. Did he, however develop the area after they relocated? No, which proves the aka national service is nothing but a mask for Concentration Camp where the Eritrean Youngsters have been physically, psychologically etc. tortured as, among others, means of forcing them to leave their country. This is the Truth and only Truth. To continually write or talk of “national service” is thus to become unwitting aider and abettor of a criminal.

    With regard to PFDJ: it does not even say who its referent is. Compare it with EPLF, which is unambiguously Eritrean. But do not assume it to be the result of honest mistake but of deliberate evasion to confuse and mislead, which is the hallmark of the wicked impostor isaias afewerk’s mind. But to what dubious end did he fabricate it? PFDJ and the national service were hatched at the same time over twenty years ago. But despite its longevity of duration, to date, it has not been implemented on the ground because it was designed as a lure to keep Eritreans in protracted suspense, imagining the days when their country will be blossoming in democracy and justice while he exterminate them mercilessly under the guise of endless and ever changing subterfuges.

  • Gezae August 31, 2019

    ጴጥሮስ ተስፋጊዮርጊስ you are infamy person and your time is counting.

  • Genet - original September 15, 2019

    Dear Peter
    You seems to be your own worst enemy. Mixing up issues with Eritreans and Ethiopians. Has it ever cross your mind that most of DIA’s collaborators are half or 100 % Ethiopians. Yet, all the G 15 and Menka are all Eritreans? Don’t you think Eritrean people need to protect themselves from the kind of DIA. No body is saying anyone who is half Ethiopians in Eritrea should be shunned from living their lives as Eritrean. However, We Eritreans people must protect our people and country from people who seems to have ulterior motive. You and I going to disagree on this issue. But I believe we should leave this issue to our people to make the ultimate decision hopefully based on our future constitutions. The other stuff you pointed out about us supporting the struggle inside our country, I agree.