Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ከባቢ ናቕፋ “ቀይሕ ኮከን” ኣብ ዝብሃል ቤትማእሰርቲ ተሓይሮም ዝርከቡ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ዝበዝሑዎም ልዕሊ 600 እሱራት፣ ብቓላት ዘይግለጽ መሪር ግፍዕን ስቅያትን የሕልፉ ምህላዎም ካብቲ ስርዓት ኣምሊጡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኢትዮጵያ ዝኣተወ ኤርትራዊ መንእሰይ ንድምጺ ኣሰና ሓቢሩ።

ኣብ ከባቢ ናቕፋ፣ ቅድሚ ቤትምህርቲ ዊናን ጻብራን ምብጻሕካ ኣብ ዝርከብ ኣጎላጕል ጽሙው ቦታ ተደኵኑ ኣብ ዝርከብ “ቀይሕ ኮከን” ዝብሃል ቤትማእሰርቲ ተሓይሮም ዘለዉ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ዝበዝሑዎም ልዕሊ 600 እሱራት፣ ብቓላት ዘይግለጽ መሪር ግፍዕን ስቅያትን የሕልፉ

ኣብ ከባቢ ናቕፋ፣ ቅድሚ ቤትምህርቲ ዊናን ጻብራን ምብጻሕካ ኣብ ዝርከብ ኣጎላጕል ጽሙው ቦታ ተደኵኑ ኣብ ዝርከብ “ቀይሕ ኮከን” ዝብሃል ቤትማእሰርቲ ተሓይሮም ዘለዉ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ዝበዝሑዎም ልዕሊ 600 እሱራት፣ ብቓላት ዘይግለጽ መሪር ግፍዕን ስቅያትን የሕልፉ ምህላዎም ኣብ ሳልሳይ ፈተነ ካብቲ ስርዓት ኣምሊጡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኢትዮጵያ ዝኣተወ ኤርትራዊ መንእሰይ ንድምጺ ኣሰና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

እቲ ካብ 5 ክሳብ 19 ዓመት ዝዕድሚኦም፣ ደቀንስትዮ ዘለዋኦም፣ ትሕቲ 100 ዝኾኑ ብስም ‘ግዳም ሓደር’ ካብ ከተማታት ዝተገፈፉ፣ ልዕሊ 500 ድማ ብ “ስግረዶብ” ማለት ካብቲ ስርዓት ከምልጡ ፈቲኖም ኣብ ዶባት ዝተታሕዙ ግዳያት ብጽኑዕ ተታሒዞምሉ ዘለዉ ንጹል ቦታ፣ ብኽፍለ ሰራዊት 61 ከምኡ ‘ውን በቲ ብተኽለ ማንጁስ ዝምራሕ ዕቑር ሰራዊት ዝካየድ ክኸውን ከሎ፣ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ሓለዋ ይግፍዑን ይሳቐዩን፣ ብሕማም ይሞቱን ከምዘለዉ እቲ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣገንዚቡ።

እቲ እሱር ነበር፣ “ካልእ ዓለም እዩ” ክብል ኣብ ዝገለጾ ቤትምእሰርቲ ዝርከቡ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ፣ ኣመጋግባኦም ኣዝዩ ሕማቕ ብምዃኑ ማሲኖም ከምዝርከቡ ብምጥቃስ፣ ሕክምናዊ ክንክን ‘ውን ስለዘይረኽቡ “ሓካኪን” ብዝብሃል ሕሱም ስሓ ዝገብር ሕማምን ውጽኣትን ይሳቐዩ ምህላዎም ኣረዲኡ።

እቶም ኣካየድቲ ናይቲ ቤትማእሰርቲ ጉዶም መታን ከይቃላዕ፣ ነቶም ብሕማም ዝሳቐዩ ቆልዑ ሕማሞም ክሳብ ኣብ ሞት ዘብጽሕ ደረጃ ክሳብ ዝምዕብል ናብ ዝለዓለ ሕክምና ስለዘይልእኩዎም ኣብ ንኡስ ዕድሚኦም ከምዝቕዘፉ ብምጥቃስ ከኣ፣ ዛጊት 11 ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ከምዝሞቱን ስድርኦም ከይፈለጡ ኣብቲ ከባቢ ከምዝተቐብሩን ‘ውን ሓቢሩ።

ሓመድ ማንጁስ ዝብሃል ሓላፊ ናይቲ ቤትማእሰርቲ፣ ከምኡ ‘ውን ሓላፊ ምምሕዳርን ፋይናንስን ናይቲ ማሕዩር ኮይኑ ዝተመደበ ኣብቲ መዓልታዊ ንጥፈታት ቀንዲ ተዋሳኢ ዝኾነ ዑስማን ባርካይ ዝብሃል ወዲ ‘ቲ ከባብን ወልደዝጊ ዝብሃል ኣባልን ገለ ካብቶም ጨካናት ኣካየድቲ ናይቲ ቤትማእሰርቲ ኮይኖም፣ ነቶም ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ኣብቲ ቆራሪ ቦታ ብዝሑል ማይ እናጀፍጀፉ ከምዝቕጥቅጡዎም እቲ ናይ ዓይኒ ምስክር ይሕብር።

ተኽለ ማንጁስን እዞም ልኡኻት ናይቲ ጨካን ስርዓትን፣ ንኽፍልታት ናይዚ  ኣብ ልዕሉ ቆልዑ መዓልታዊ ግፍዒ ዝፍጽሙሉ ማእከል ስቅያት፣ ኣስማት ናይቲ ኣቦታቶም ብጅግንነት ዝተሰውኡሉ፣ ከም በዓል “ፊደል ፐ”፣ “ማይ ካላሽን” ዝኣመሰለ ኣስማት ድፋዓት ምጥፋቖም ስግንጢር ምዃኑ ‘ውን ብኣንክሮ ገሊጹ።

ብዘይካ ‘ዚ ቤተሰቦም ሰብ ገንዘብ ዝኾኑ እሱራት ብገንዘብ ካብቲ ቤትማእሰርቲ ከምዝወጽኡ ብምጥቃስ፣ እቶም ብልሹዋት ልኡኻት ናይቲ ስርዓት ነቲ ቤትማእሰርቲ ከም ምንጪ ገንዘብ ከምዝጥቀሙሉ እቲ እሱር ነበር ኣቃሊዑ።

ካብቲ ቤትማእሰርቲ ክሃድሙ ዝፈተኑ እሱራት፣ ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝርከብ ካብኡ ዝኸፍአ ጽኑዕ ግፍዓዊ ኣተሓሕዛ ዘለዎ፣ “እንዳ ‘ቦይ ርጉም” ተባሂሉ ዝፍለጥ ቤትማእሰርቲ ከምዝሰጋገሩ ‘ውን ይሕብር።

እዚ ዕድልን ህይወትን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ዘባኽን ዘሎ ቤትማእሰርቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ “ቀይሕ ኮነን” ፣ ኣብ 2013 ኣቢሉ ዝመስረተ፣ ካብ ዝብዝሑ ስድራቤታት እሱራት ናይ መዓልታት ጉዕዞ መኪና ርሒቑ ኣብ ከባቢ ናቕፋ ተደኵኑ ዝርከብ ዘስካሕክሕ ቤትማእሰርቲ እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
18 COMMENTS
  • negusse March 15, 2016

    “” አብ ዘመነ ሽፍታ ኢሳያስ ዘይተነገረ እምበር
    ዘይተገበረ የለን.”””””

    እቲ አዝዩ ዘሐዝንን ዘደንጽውን ግን ” አብ ኤርትራ ፍትሕን ዲሞክራስን አሎ “። ኢሎም ንሕዝባን መሬታን ዘጥፍእን ዝሸይጥን ዘሎ አረሜነ ኢስያስ ከድሕንዎ ዝጔየዩ ምህላዎም እዩ።
    እቲ ፍታሕ ከምዝመስለኒ፤

    እዞም ውዱባት ዝበሀሉ ስሱዓትን ካብ ሕጂ ገና ንጥቅሞምን ስልጣኖምን ጥራሕ ዝሐስቡ እዚ ንርእዮን ንሱምዖን ዘለና ሽግር ኤርትራ ዘይግድሶም ንደለይቲ ፍትሒ ጅሆ ሒዞሞ ዘለው ” ፎእ ኢልና ጒሒፍና ፤ ነዛ አብ ዓዲ እንግልዝ ትውንጨፍ ዘላን አብ አሜሪካውን ዘገም እንዳበለት ትኸይድ ዘላ ” ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ሕዝባዊ ማዕበል ፤ዝብል ጭርሖ አልዒላ ብሐድሽን ትስፉውን ክሰርሕ ብዝክእልን አገባብ ተታሐሒዛቶ ዘላ አገባብ ቓልሲ አብአ ዓሲልና ሕዝብናን ሀገርናን ብቑልጡ ነድሕን ይብል፤።
    ነቶም ንሕዝባን መሬታን ዘጽንት ዘሎ አረሜነ ሽፍታ ኢሳያስ ነዳዲ ዝውስኽሉ ዘለው ድማ ፤
    ሀ/ አብ ዘዘለናዮ ሀገር ዘለው ደገፍቲ እዚ ስርዓት ብጉቡእ አስማቶምን፤ ስርሖም ፤ ዝቕመጥሉ ከባቢ ፤ እንተተኻኢሉ ዕድሚኦም ( ዋላ ብግምት) ሒዝኻ አብቲ ጸሊም መዝገብ ምሐዞም።
    ለ/ ብዘይንሕስያ ድማ ካብቲ ዘለውዎ ከምዝሰናኸሉ ጌርኻ ቐጺልኻውን ዝድጒጉሉ ሕጋዊ መስርሕ ምክያድ።
    የሕዋት ፤ ድሕሪ ሰለፉስ እንታይ ተረፉ ፤ከምዝበሀል እንታይ ክሳብ ንኸውን ኢና ንጽበ ዘለና ?እቶም ብሉጻትን ፈተውቲ ሕዝቦምን ሀገሮምን ተሰዊኦም ዘረከቡና ሀገርስ ናይ እኽብኻብ ( ዘይኤርትራውያን) ሸፉቱ መላገጺት ክትኸውን።
    “እቲ ቅድም ብኤርትራዊ ምኻነይ ዝሕበን ዝነበርኩስ ሎሚ ገለ ዘይምግባረይ እኾ የሕፊሩኒ ኤርትራዊ ምኻነይ።
    ” ክወግሕ እዩ ወይለኹም ለቕለቕቲ፤።

    • Berhane March 17, 2016

      You are right I feel sorry for those who are supporting this dictator regime who is the enemy of his people like those who lives comfortably and raise their children here in the US are people like the arogant,conciously ignorant and self centered man called Prof.Gedion Abbay and the highly paid maid and an instrument called Sofia Tesfa Mariam. I home they will read this story to compare and analyze to their own children.

  • yemane March 15, 2016

    Negusse brother the way you say well done thanks.

  • Dawit August 17, 2016

    2013 abti bota teasire niere kulu texahifu zelo haki yu.bflay osman barkayn weldezgin nmewaelna zeyhass smbrat zgedefulna sebat yom.kabu nabue kea kabotat nierom esurat kemana knsom emunat tebahilom neana zesakyu zneberu. Example ABEL WEDI TESENEY,AREKI etc.

    • biniasli November 30, 2016

      ya nay bihaki dawet arkey gen one day hinena kenemales ina dont worry

  • habtom August 18, 2016

    ezi kulu zitebahle haki mikanu nay ayni misikir mikaney enda geletsku ni’ay zegeremeni neger win neru ni mejemerta gizey nay haymanot fililiy abti bota reyen semien.

Post a Reply to biniasli Cancel Reply